ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ለካቲት 2009

30/06/2009

ኣካያዲ ስራሕን በዓል ዋናን ዙና ትሬዲንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣይተ ዘሪሁን ጌታሰው ኣብ ዝተጠርጠርሎም ክስታት ገበን ምስክራት ዓቃቢ ሕጊ ምቕራብ ጀሚሮም፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ዘቅረቦም ምስክራት እቲ ውልቀ ሰብ ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ኣብ ውሽጢ ካብ 60ክሳብ 70መዓልቲ ብፍርቂ ክፍሊት ክመፅእ እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ 119 ውልቀ ሰባት ከቢድ ገበን ምትላል ምፍፃሙ ዘረድኡ እዮም፡፡ ተከሳሲ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 04፣22 ማዞርያ ጎላጉል ታወር ቢሮ ብምክፋት ንጊዚኡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ዘይወዓለ ሓዉ ልኡልሰገድ ጌታሰው ብሓባር ብምኳን ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ተጠቒሙ ካብ ቻይና ካብ 60 ክሳብ 70 መዓልቲ ኣብ ዘሎ እዋን ሲኖትራካትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ተሽከርከርትን ካብ ወፃኢ ነእትው ብምባል ከላሊ ምፅንሑ ኣቃቢ ሕጊ ኣብ ክሲ ኣመልኪቱ፡፡ ፍርቂ ክፍሊት ኣቐዲሞም ክኸፍሉ ብምግባር ዝተረፈ ድማ ዝኮነ ይኹን ስምምዕነት ውዕሊ ባንኪ ከይሃለዎ ከምዘለዎ ብምምሳል ውልቀ ተበደልቲ እምነት ንክህልዎም ገይሩ እዩ ይበል እቲ ክሲ፡፡ ካብ 337 ሽሕ ክሳብ 3ነጥቢ9 ሚሊዮን ብር ምስ ውልቀ ተበደልቲ ውዕሊ ብምግባር ከም ዝተቐበለ ዝገልፅ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ብሓፈሻ ብሚሊዮን ዝቑፀር ብር ካብ 119 ውልቀ ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ምውሳድ የመላክት፡፡ ተከሳሲ እዚ ተግባር ፈፂሙ ካብ ሃገር ብምውፃእ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብኢንተርፖል ኣቢሉ ክእለሾ ድሕሪ ምፅንሑ ኣብ ዱባይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓለ እንትኮን ፖሊስ ብዘካየዶ ምዕራይ 9ሚሊዮን ብር 269 ሽሕ ን200 ድማ ዶላር ኣሜሪካ ብኢግዝቢትነት ክሕዝ ክኢሉ እዩ፡፡ ተከሳሲ 4መከላከሊ ንቤት ፍርዲ ዘቅርብ ኮይኑ ሓፈሻዊ ኣቃቢ ሕጊ ዘቕረቦም መሰካክር ኣብቲ ክሲ ብዝተገለፀ መልክዑ ምስከርነቶም ሂቦም እዮም ዝተረፈ ካልኦት መሰካክር ንምድማፅ ድማ 11መጋቢት 2009 ዓ/ም እቲ ቤት ፍርዲ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

30/06/2009 ኣብ ደቡብ ኦሞ ንድርቂ ዝተቃልዑ 50ሽሕ ዜጋታት እኹል ሓገዝ ኣይንረክብን ዘለና ኢሎም፡፡ ሪኢቶኦም ንኢቢሲ ዝሃቡ ኣርባሕቲ እንስሳ እቲ ዞባ ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ ምግቢ እኩል ኣይኮነን ኢሎም፡፡ ኣብ ዞባ ዝተፈጠረ ድርቂ ስዒቡ ብሕፅረት ማይ ሰባት እንስሳትን ዝጉድኡ ከም ዘለዉ ገሊፆም እንስሳት ብሕፅረት ቐለብ ንሞት ይሳጥሑ ምህላዎም እውን ገሊፆም፡፡ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ 50ኪሎ ግራም ስርናይን ዝተወሰነ ተወሳኺ ምግብን እዩ ዝበፅሓና እዚ ደማ ብዙሕ ቤተሰብ ንዘለና እኹል ኣይኮነን ኢሎም፡፡ ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሸን ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ ድርቂ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ ከምዘድልዮም ንምንፃር ገምጋም 2008/2009 እዋን ኣዝመራ ተኻይዱ እዩ ኢሎም በዚ መሰረት ድማ ብብርኪ ሃገር 5ነጥቢ6 ሚሊዮን ዜጋታት ሓገዝ ዘድልዮም ምኳኑ ኣነፂርና ኢና ኢሎም፡፡ ዞባ ደቡብ ኦሞ ድማ ኣካል እዚኦም ምዃና ዝገለፁ ኣይተ ምትኩ ብመንፅር ንነብሰወከፍ ዜጋ ካብ ዝቐርብ መጠን ሓገዝ እኹል ዘይኮነ ገሊፆም፡፡ እቲ ሓገዝ ቁፅሪ በዝሒ ቤተሰብ መሰረት ዝገበረ ከምዘይኮነ ብሪኢቶ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ተረዲእና ኢና ዝበሉ ኣይተ ምትኩ እዚ ብቅልጡፍ ንምስትኽካል ድማ ምስ ካልኦት ብምዝርራብ ናይ ቐረባ ክትትል ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡ እኩል ቐረብ ማይን ቐለብ ከፍትን ንክህሉ ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኮሚሽነር ምትኩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ተወሳኺ ሓገዝ ንዝጠልቡ ዜጋታት ቐረብ ንክረክቡ ክግበር እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡ 30/06/2009 ኣብ ከባቢኦም እናፈፀሙ ዘለዉ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምብዛሕ እንስሳን ንስራሕቲ ልምዓት መስኖን ምችው ባይታ እናፈጠረሎም እዩ ኢሎም ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታን ክልተ ኣውላዕሎን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጓሕጊሑ ዝነበረ መሬት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከምዝኽኣለን እዚ ድማ ናይ ሕርሻ መሬት ዘይብሎም መናእሰይ መነባብሮኦም ብምብዛሕ ኣናህስ ብምብዛሕ እንስሳ ንክምስርቱ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ገሊፁ፡፡ ቅድሚ ሕዚ መሬት ዘይብሎም መናእሰይ ነበርቲ ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታን ክልተ ኣውላዕሎን ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ከባቢኦም ብዝተገበረ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምጥቃም ኣብ ከባቢኦም መሰረተ ልምዓት መንገድን ዝነበረ ፀገም ተፈቲሑ ብቀሊሉ ፍርያት ናብ ዕደጋ ዝቀርበሉ ሜላ ተሰሪሕሎም ኣብ ዓዶም ብምስራሕ ፅቡቕ መነባብሮ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ገጠር ልምዓትን እዘን ወረዳታት ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘካየዶ ስራሕቲ ሓለዋን ዕቀባ ሓመድ ማይ ስራሕቲ ልምዓት መስኖን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ንክሰፍሕ ዓብይ ሓገዝ ከምዘለዎን መናእሰይ እውን ብማሕበር ብምውዳብ ኣብ ዓዶም ንክሰርሑ ምችው ባይታ እናፈጠረ እዩ ኢሎም ክብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ የመላክት፡፡

29/06/2009 ወፍሪ ክታበት ፀረ ንፍዮ ተጠናኺሮሩ ይቅፅል ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ክፍለ ከተማ ገሊፁ፡፡ እቲ ወፈሪ ኽታበት ካብ ዕለት 25/ ለካቲት 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ 4ተ ጣብያታትን 9ተ ናቁጣታትን እታ ክፍለ ከተማ ዕድሚኦም ካብ 9ተ ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዘለው ህፃናት እቲ ክታበት እናተውሃቦም ከም ዝርከብ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ መከላኸሊ ክታበት ሕማም ንፍዮ ክኽተቡ ዝተትሓዘ ትልሚ 14,896 ህፃናት እንትኾኑ በዚ መሰረት ድማ ኣብቶም ዝሓለፈ ተኸታተልቲ 5ተ መዓልቲታት 5,824 ህፃናት ከም ዝተኸተቡ መተሓባበሪ ኬዝቲም ምስጓም ጥዕና ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝኮኑ ኣይተ ገብረማርያም ገብረስላሴ ገሊፆም፡፡ እቶም መተሓባበሪ ብተወሳኺ ከም ዝበልዎ 46.2% ህፃናት ከም ዝተኸተቡን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ተምሃሮ ክኽተቡ ከም ዝተገበረ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣብ 4ተ ጣብያታትን 9ተ ናቁጣታትን ንቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከም ዝቅፅል ሓቢሮም ክብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ብርሃኑ መሓሪ ፀብፂቡ፡፡ 29/06/2009 ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከባ ፀጉማት ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝተገበረለን ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ፡፡ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ንግዲን እቶትን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ካብ መሃያኣን ገንዘብ ብምውፃእ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ምኽንያት ብምግባር ኣብታ ክፍለ ከተማ ንዝርከባ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገንዛብ ሓገዝ ከም ዝተገበረለን ተገሊፁ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ ክፍሎም ገ/ማርያም ከም ዝበልዎ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንዝርከባ 8ተ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ን7ተ ደቂ ኣንስትዮ ነንሕድሕድ 2,000 ብር ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 5,000 ብር ብድምሩ ን8ተ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ 19,000 /ዓሰርተ ትሽዓተ ሽሕ ብር/ ካብ መሃየኣን ብምውፃእ ነተን ፅጉማት ኣበርኪተላለን፡፡ እተን ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ በቲ ዝተገበረለን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሕጉሳት ከም ዝኾናን ዝለዓለ ምስጋና ከም ዘቕረባ እውን ተሓቢሩ እዩ፡፡ ክብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ብርሃኑ መሓሪ ፀብፂቡ፡፡

28/06/2009 ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብዝለዓለ ድምቐት ተኸቢሩ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብዓለም ለኸ ንመበል106 ግዘ ብሃገር ለኸ ድማ ንመበል 41 ግዘ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንመበል 41 ግዘ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብዝለዓለ ድምቀት ኣኺቢረን፡፡ እቲ በዓል ብፖንል-ምይይጥን ሕቶን መልስን ካልኦትን ኣኺብረንኦ፡፡ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይቲ ዕለት ከም ዝኾነት ብምእማን ዝተጀመሩ ናይ ልምዓት ሰራሕቲ ተጠናኺሮም ክቅፅሉ ከም ብሓድሽ ደቂ ኣንስትዮ ቃል ዝኣተዋሉ ዕለት ከም ዝኾነ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ ሙሉጌታ ሃይሉ ገሊፂም፡፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝኾና ወ/ሮ ገነት ኣማዲ ኣብቲ መድረክ ከም ዝበልኦ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ድክነትን ድሕረትን ንምልቓቅ ኣብ ትገበሮ ዘላ ቃልሲ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ምዃኑ ብምእማን ብዘይካ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ልምዓት ምርግጋፅ ከምዘይካኣል ኣሚነን ኣብ ዝተዋፈራሉ ዓውደ ስራሕ ልዑል ተሳትፎ ክገበራ ከም ዝግባእ መልእክተን ኣሕሊፈን፡፡ ኣብቲ በዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብዛዕባ ስርፀት ሕጊ ኣስተምህሮ ተዋሂብወን እዩ ክብል ኪኢላ ፕረ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ብርሃኑ መሓሪ ፀብፂቡ፡፡ 28/06/2009 ፅዋዕ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ህዝቢታት ዓብይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቀሳቐሰትሎም ዞባታት ልዕሊ 300 ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ህንፀት ግድብ ኣብይ እዩ ነዚ ዝገለፁ፡፡ ነበርቲ እተን ዞባታት ድማ ክሳብ ምዝዛም ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ተሳትፎ ኣጠኺሮም ከም ዝቅፅልሉ ገሊፆም፡፡ ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፋሲካ ጌታቸው እቲ ክልል ካብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ተሞከሮ ብምውሳድ እታ ፅዋዕ ኣብ ዝተንቀሳቐሰትሉ ብሓፈሻ 460 ሚሊዮን ብር ንምእካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ብምምሕያሽ 500 ሚሊዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰረሐ እዩ ምባሎም FBC ፀብፂቡ፡፡ 28/06/2009 ኢትዮጵያ ማላዊን ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት ተሓባቢረን ንምስራሕ ዘኽኣለን ስምምዕነት ፈፂመን፡ ቀዋሚ ኮሚሽን ትሕብብር ኢትዮ-ማላዊ ን2ተ መዓልታት ዝቐፀለ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ በሊሎንግዌ እናተኻየደ እዩ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ማላዊን ዓለም ለኸ ትሕብብርን ፈራንሲስ ካሳይላ እቲ ስምምዕ ንዓመታት ቐዲሙ ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮ ማላዊ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘለወን ድሌት ዘመላኸት እዩ ኢሎም፡፡ እቶም ሚኒስትር ነቲ ስምምዕነት ዕላዊ እንትገብሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳተፉ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዕብየት ሃገርና ሪኦም ከምዝተገረሙ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰፊሕ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ውፅኢት ኩለ መዳይ ፃዕሪ መንግስቲ ዘርኢ እዩ ዝበሉ ፍራንሲስ ካሳሊ፣ኣብ ወፃኢ ዓድታት ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝርከብ ገንዘብ እውን ነቲ ዘፈር ዓብይ ግደ ነይርዎ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮ-ማሊ ዝተፈረመ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዕነት ብኸመይ ከም ዝቅፅሉ እውን ኣንፈት ከቅመጠሎም እዩ ምባሎም FBC ፀብፂቡ፡፡

27/06/2009

ስርዓት ቁፃር ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ካልኦት መሻመይቲ ሕግታት ግልፂ ንምግባር ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይመሓየሽ ኣሎ እዩ፡፡

ሚኒስተር ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ፐብሊክ ሰርቪስን እቲ ኣዋጅ ዝመሓየሸሉ ዕላማ ንትርጉም ክፍቲ ዝኮነ ጉዳያት ንከየሻምይ እዩ ተባሂሉ፡፡ ዳይሬክተር ሓይሊ ሰብን ዓቅሚ ህንፀት መማሓየሺ ሕግታት ኣይተ ሙሉጌታ ውብሸት እናመሓየሸ ዘሎ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብቀንዲ ስርዓት ቁፃር ብሃገር ለኸ ደረጃ ሓደ ዓይነት ንምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡ ቁፃር ተዘዋዋርን ብርኪ ዕብየት ዝተስተካከለን ተመላላስን ንምግባር ዝሕግዝ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንሓደ መደብ ስራሕ ዝሓቱ ረቋሓታት እኳ ዝተፈላለዩ እንትኮኑ እዚ እውን ብፀገም ተፈልዩ እዩ ክብል እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡ እዚ ኣዋጅ ተመሓይሹ ተግባራዊ እንትኸውን ኩነታት ቁፃር ሓደ ዓይነት ከም ምኳኑ ሓሊፉ መሰል ሰራሕተኛታት ምምሕያሽ ከምፅእ እዩ ተባሂሉ፡፡ እቲ ኣዋጅ ብኣመራርሓ ብፐብሊክ ሰርቪስን ሚኒስተር ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ተዳልዩ ብምግምጋም ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ምልኣኩ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ራዕዲ ጉንበት ሸውዓተ ልእኽት ራዕዲ ሒዞም ኣብ ውሽጢ ሃገርና ራዕዲ ንምፍፃም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝተትሓዙ 76 ውልቀ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡፡

እዞም ውልቀ ሰባት ኣብ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ተኹሲ ብምኽፋት ሂወት ክልተ ኣኽበርቲ ፀጥታ ንክሓልፉ ምግባሮም ኣብቲ ዝቀረበ ክሲ ተጠቂሱ፡፡ እቶም ተከሰስቲ ሚፍታህ ሼክሱሩር ካልኣይ ተከሳሲ ግርማ ፈቃድ 3ይ ተከሳሲ እሸቴ ዘለቀ ሓዊሱ 76 ውልቀ ሰባት እዮም፡፡ ክሲ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ከም ዘመላኽቶ እቶም ተኸሰስቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ብሓይሊ ዕላማ ሒዞም ኣብ መንግስቲ ፅዕንቶ ንምሕዳርን ኣብ ፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትካላት ንምዕናው ተሊሞም ዝኣተዉ ምኳኑ ይሕበር፡፡ ተከሰስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ጉጅለ ራዕዲ ተልእኮ ራዕዲ ብምቅባል ኣብ ማእከል ሃገር ኢትዮጵያ ብምእታው ራዕዲ ንምፍፃም በቢ ጉጅለ ብምክፍፋል ብፍላይ ኣብ ጣብያታት ፖሊስ፣ኣብ ቤት ህንፀታት መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተሃነፅቲ ምብታን ብፍላይ ኣብ ቋራ ቤዝ መሰልጠኒ ሰራዊት ንምምስራት ብምትላም ምእታዎም እቲ ክሲ የመላክት፡፡ ነዚ ተግባር ንምፍፃም እውን ቡዙሓት ኣፅዋር ዝሓዘ እንትኮኑ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሓይሊ መከላኸሊ ሰራዊትን ነበርቲ እቲ ከባብን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም የመላክት ን29 ለካቲት ተለዋጢ ቆፀሮ ከም ዝተገበረሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ብምክንያት ምጭብርባር ቴሌኮም በቢ ዓመቱ ክትረኽቦ ዝግባእ ልዕሊ 1ነጥቢ 2ቢሊዮን ብር ከምእትስእን ተገሊፁ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ኮርፕሬት ኮሚኒኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ኣይተ ኣብዱራሂም ኣህመድ መልክዑ እናቀየረ ዝመፀ ምጭብርባር ቴሌኮም ካብ ስሩዕ ስልክታት ናብ ተንቀሳቀስቲ ስልኪ ኣንፈት ዝቐየረ ምኳኑ ድሕሪ ምግላፅ ፍፃመ በቲ ገበን ዝተረኸበ ኣታዊ እውን ብኣብዝሓ ናብ ፍፃመ ራዕዲ ዘውዕሉ ምኳኖም ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ይጠቅሱ ኢሎም፡፡ ሃገርና ክትረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ እናስኣንዋ ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ናብ ሕጊ ብምቅራብ በቲ ዝወፀ ኣዋጅ ብምትግባር ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ውፅኢት ምምዝጋቡ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ኣብ ዝሓፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ 12 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ብሕጊ ክሕተቱ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ፈለምቲ 3ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ምጭብርባር ብቴሌኮም ካብ ኢንተርኔት ዝባከነ እቶት መጠን ትሕቲ 12ሚኢታዊ ንምብፃሕ ተተሊሙ 0 ነጥቢ3 ሚኢታዊ ምብፃሑ ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

24/06/2009

ፕሬዝዳንት ላይበርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዕላዊ ዑደት ሰለስተ መዓልቲ ስራሕ ዛዚመን ናብ ሃገረን ተመሊሰን፡፡

ሚኒስተር ትምህርቲ ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ኣብ ዓለም ለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ንፕሬዝዳንት ሰርሊፍ ሰንየምወን፡፡ እተን ፕሬዝዳንት ኣብ ፃኒሒተን ተረባሕነት ክልቲኤን ሃገራት ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ስምምዕ ፈፂመን እየን፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ዕጥና፣ሃፍቲ እንስሳትን ዓሳን ልምዓት ኢንድስትሪን ሓቢርካ ንምስራሕ ዘክእሉ ስምምዓት ተፈራሪመን፡፡ ፖርክ ኢንደስትሪ ኣዋሳ ፣ዞባ ኢንድሰትሪ ዱከምን ሃገራዊ ሙዝየምን ዑደት ኣካይደን እየን፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ላይበርያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ብምልኣኽ ከምኡ እውን ለበዳ ኢቦላ ንምክልካል ድማ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምውፋር ምሕዝነታ ኣርኣያ እያ፡፡ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጰያን ላይበርያን ብ1959 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ዝጀመረ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ብውሽጣዊ ዓቕሚ ስራሕቲ ምዕባይን ምምሕያሽን ዝተኻየደሎም 63 ጣብያታት መከፋፈሊ ሓይሊ ናብ ስራሕ ከም ዝኣትው ተገሊፁ፡፡

ዳሬክተር ርክብ ህዝብን ወፃእን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ምስክር ነጋሽ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ፀገም ምቁፅፃር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቅላል ኣብ መከፋፈሊ ጣብያታት ዓቕሚ ናይ ምዕባይን ምምሕያሽን ስራሕቲ እናወገኑ እዮም ነዚ ድማ ሓደ ሚኢቲ ሚሊዮን ወፃኢ ተገይሩሉ እዩ፡፡ በቲ ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕምን ምምሕያሽን ዓቕሚ ምትሕልላፍ ሓይሊ መስመራት ካብ 132 ኪሎ ቮልት ናብ 230 ቮልት ከምኡ እውን ካብ 230 ኪሎ ቮልት ናብ 400 ኪሎ ቮልት ምዕባዩ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ክልላት ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕምን ምምሕያሽን ዝተካየደሎም ቦታታት ድሬዳዋ ፣ኣርባምንጭ ፣ሃዋሳ ፣ኣላማጣ፣ ማይጨው፣ ደሴ ፣ኮምበልቻ፣ ዳባት፣ደብረማርቆስን ወረገኑን ተጠቀስቲ እዮም፡፡ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ፖርክታትን ኢንድስትርን ዝረኸብዎ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምሕያሽ ከምዝሕግዝ እዩ ተዛሪቦም፡፡ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 4ሽሕን 260 ሜጋዋት ምብፅሑ መረዳእታ የመላኽቱ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

22/06/2009

ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ ንምጥንኻር መፍረይ ማሽን ብልቃሕ ብምቅራብ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

እቶም መናእሰይ ብሕፅረት ገንዘባዊ ዓቅሚ ማሽን ክዕድጉ ዘይክኣከሉ ብነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልቃሕ ዝተመቻቸወሎም እዮም፡፡ ኣካያዲ ስራሕ መንግስታዊ ኣቕራቢ ማሽናት ካዛ ስራሕቲ ንግድን ናውትን ኣይተ ገብረኪዳን ካሰው መናእሰይ ኣፍረይቲ ማሽናት ክረኽቡ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 20ሚኢታዊ ከፊሎም እቲ ዝተረፈ ድማ ምስ ተመጣጣኒ ወለድ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ዓመት ከፊሎም ዝውድኡ ምኳኖም ኣገንዚቦም፡፡ ኣብ 2009 ዓ/ም ልዕሊ 30 ሚሊዮን ዋጋ ዘለወን 277 ማሽናት ብውልቀን ብማሕበርን ንዝተወደቡ 150መናእሰይ ብምቅራብ ተረባሕቲ ምኳኖም ኣይተ ገብረኪዳን እንትገልፁ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ብውልቀን ብማሕበርን ንዝተወደቡ 240 ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ 60ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለወን መፍረይቲ ማሽናት ትካሎም ንምሃብ ከምዝተዳለወ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልልና ዝርከቡ ተጠቀምቲ እተን ማሽን ዝኮኑ መናእሰይ ብወገኖም እቲ ኣክስዮን ማሕበር ብዘቅረባን ማሽናት ተጠቀምቲ ብምኳን ንካልኦት መናእሰይ እውን ዕድል ስራሕ ምፍጣሮም ገሊፆም፡፡ ሓላፊ ኤጀንሲ ኣናእሽተይን ማእከለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትሪ ክልልና ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ኣብ ዘፈር ማፋክቸሪንግ ንዝተዋፈሩ መናእሰይ እውን ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ማሽን ንክረክቡ ምትእስሳር እናተገበረ ምኳኑ ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡ 

መንግስቲ ብሪታንያ ልእኽቶ ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያ ከም ዝድግፍ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣምባሳደር ብሪታንያ ሱዛን ሙሪድ ኣፍሊጠን፡፡

ኣምባሳር ሱዛን ሙሪድ ነዚ ዝገለፃ ሓይሊ መኽበርቲ ሰላም ኢትዮጵያ ብእንግሊዝ ድጋፍ ዝተወሃቦ ሓፂር ስልጠና ዛዚሙ ወረቐት ምስክር ኣብ ዝተወሃሉ ስነ-ስርዓት እዩ፡፡ ኢትዮጵያን ብርታንያን ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ምኳነን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዝለዓለ እጃም ከምዘለወን ድማ ተገሊፁ፡፡ መንግስቲ ብርታንያ ኣብ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንምንካይ ንምፍታሕን ምስ ትካላት ኣኽበርቲ ሰላም ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ምሰ ሕቡራት ኣፍሪካ ኣብ ዙርያ ህንፀት ዓቕሚ ምኽባር ሰላም ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣምባሳደር ሱዛን ገሊፀን፡፡ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣህጉርን ብዓለምለኸ ደረጃን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪካን ብምኳን ዝለዓለ ናይ ምኽባር ሰላም ኣበርክቶ ከም እትገብር ድማ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስድራሕን ውሕስና ምግቢ ከተማታትን ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ 6ኣዋርሕ ልዕሊ 200ሽሕ መናእሰይ ናብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ክኣትዉ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ኣብዚ ዓመት ን1ነጥቢ 2ሚሊዮን ዜጋታት ንምፍጣር ተሊሙ እናሰርሓ እኳ እንተኾነ ናይ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣፈፃፅመኡ ትሕቲ ትልሚን 16ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ 151 መናእሰይ ቀዋሚ ዕድል ስራሕ 56ሽሕ ድማ ግዝያዊ ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሎም እንትኸውን ብሓፈሻ 210 መናእሰይ ስራሕ ዕድል ተፈጢርሎም እዩ፡፡ ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣወሉ ኣብዱ ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ናብ ስራሕቲ ብዕሙቐት ተሃድሶ ዝለዓለ ጠመተ ብምግባሩ በቲ ትልሚ መሰረት ከይተሰርሐ ተሪፉ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ዝተረፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ መናእሰይ ተጠቀምቲ ንምግባር ምንቅስቃስ ከም ዝቕፅል ገሊፆም፡፡ በዚ መሰረት ድማ ልዕሊ 800ሽሕ መናእሰይ ናብ ስራሕ ንምእታው ቅድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ወሲኾም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

21/06/2009

ዩንቨርስቲ ዓዲ-ግራት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጥንታውን ታሪካውን ሓድግታትን ንምእካብን ንምልላይን ዘመናዊ ሙዝየም ክሃንፅ እዩ፡፡

እቲ ሙዝየም ኣብ ሓደ ሄክታር መሬት ዝህነፅ እንትኮን ኣብ ቀረባ እዋን ህንፀቱ ከም ዝጅመርን ኣስታት 10 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝሓትት ተገሊፁ፡፡ ምክትል ፕሬዝዳንት ዩንቨርስቲ ዓድግራት ዶክተር ኣለም መብራህቱ ኣብቲ ካባቢ ዝተፈላለዩ ጥንታውን ታሪካዊን ኣድባራት፣ ብዃዕቲ ዝተረከቡ ጥንታዊ ሓድግታትን ታሪካዊ ቦታ ኣል-ነጃሺ ዝርከቡ እንትኮኑ ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ንበፃሕቲ ዓዲ ውሽጢን ወፃእ ብምቅራብ ሃገርና ተረባሕት ንክትኾን ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡ ገንዘባዊ ወፃኢ እቲ ሙዝየም ሙሉእ ንሙሉእ ብዓርሰ ድልየት ውልቀ ሰብ ዝሽፈን ምኳኑ ዶክተር ኣለም ተዛሪቦም፡፡ እዚ ህንፀቱ ኣብ ከተማ ዓድግራት ዝህነፅ ምኳኑ ሓቢሮም ንፅባቐ እታ ከተማ ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዋ እውን ኢሎም፡፡ ዲዛይን እቲ ሙዝየም እወን ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልልና ዝተዳለወ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ህንፀቱ ተዛዚሙ ግልጋሎት ከም ዝህብ ዶክተር ኣለም መብራህቱ ገሊፆም ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብሕማም ፀላም ኸብዲ ንዝተጠቕዑ 7ሚኢቲ ሰባት ሓገዝ እኽሊ ተገይርሎም፡፡

እቲ ዝተገበረሎም ሓገዝ ብልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝተሸመተ እዩ፡፡ እዚ ሓገዝ ዝተረኸበ እውን ካብ ሃገረ ኮሚኒቲ ዲቪሎፕመንት ኣሶሴሽን ካብ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ምኳኑ ተገሊፁ፡፡ በቲ ሕማም ምኽንያት ዝተቃልዑ ሰባት እውን ንነብሲ ወከፍ 70 ኪሎ ግራም ሕሩጭ ፃዕዳ ምሽላ 2ሊትሮ ዘይቲ ምግቢ ኣብዚ ሰሙን ዝተውሃቦም እንትኸውን ኣባላት ዲያስፖራን ምብራቅ ኣፍሪካን ኣተሓባባሪ ሓገዝ መምህር ያሲን ራጂኡ ከምዝገለፅዎ ምስቲ ትካል ዝተፈጠረ ጥንካረ ርክብ ሓገዝ ክረኽቡ ምክኣሎም ገሊፆም፡፡ ሕማም ፀላም ኸብዲ ብዝብል ሳይንሳዊ ስያሜ መፀውዒ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ፃዕዳ እምባ ኣብ ዝተበሃለ መንበሪ ኣብ 1997 ዓ/ም ጀሚሩ ምርኣዩ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝገለፀ እንትኸውን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ሚኒስተር ጥዕና ምስ ትካላት ጥዕና ዓለም ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ብዝገበርዎ ዝተዋደደ መፅናዕትን ምርምር መንቀሊ እቲ ሕማም ኣጀራታም ብዝተበሃለ ዝመፅእ ምኳኑ ተረጋጊፁ፡፡ እዚ ሕማም ናይ ሰውነትና ዓቅሚ ምክልካል ብምድካም ንሞት ዘሳጥሕ ምኳኑ ካብ ቢሮ ጥዕና ዝተረኸበ ሓበሬታ እንትኸውን እቲ ፃህያይ መርዛም ኬሚካል ዘፈልፍል እንትኸውን ምስ ምግቢ ብምሕዋስ ዝተመገበ ሰብ በቲ ሕማም ተቃላዒ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡ እቲ ሕማም ኣብታ ወረዳ ድሕሪ ምርኣይ 336 ሂወት ሰባት ዝጠፍኣ እንትኸውን ፃህያይ ብምውጋድ ንምክልካል ብዝተገበረ ፃዕሪ እቲ ጉዳይ እናነከየ ምምፅኡ ተገሊፁ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ትዮጵያን ላይቤሪያን ቃልሲ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ብምጥንካር ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንክፈጥር ሓቢረን ክሰርሓ ተስማዕሚዐን፡፡

ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዋ ፕሬዝዳንት ላይቤርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያመ ደሳለኝን ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ዘትየን፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብምጥንካር ንውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ሓቢረን ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም ካብዚ ሓሊፉ እውን ዘላቂ ልምዓት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ምንቅስቃስ የድሊ ኢሎም፡፡ ፕሬዝዳንት ላይበርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ብወገነን ርክብ ኣፍሪካውያን ንምጥንካር ምሰራሕ ከምዝግባእ ገሊፀን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ንግዲ ተወዳደርቲ ክንኮን ኣበርቲዕና ምስራሕ የድሊ ኢለን፡፡ ካብቲ ምይይጥ ብተወሳኺ ክልቲኣን ሃገራት ርክብ ዘጠናኽሩ ኣርባዕተ ሰነዳት ስምምዕ ዝተፈራረሙ ኮይኖም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ስልጠና ሞያ ቴክኒክን ሃፍቲን ጥዕናን እንስሳ ሕክምና ሳይንስ ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት ኢንድስትሪ ሓቢረን ክሰርሓ ስምምዕ ፈሪመን ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

20/06/2009

ኣብ ክልልና ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ህዝባዊ ተሳትፎ ብሓገዝን ዕቋርን ካልኦት መዳያትን ልዕሊ 420 ሚሊዮን ብርሓገዝን ተሳትፎን ከም ዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

እቲ ተሳትፎ ኣብ ምዕባይ ባህሊ ምዕቋር ሕብረተሰብ ፅቡቕ ኣበርክቶ ከም ዝግበሮ እውን ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ እቲ ግድብ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር 6ተ ዓመታት ዘቁፀረ እንትኸውን መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እውን ሓገዞም ንምጥንኻር ኣብ ውዕውዕ ምንቅስቃስ ይርከቡ፡፡ ኣብ ክልልና ክልል ትግራይ እውን ምስ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጎዛጊዙ ብዝተፈላዩ ምድላዋት የኽብሮ እዩ ኢሉ ክብል ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልልና፡፡ ካብቶም ምድላዋት ምብዓል 6ይ ዓመት ምጅማር ህንፀቱ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ክልልና ዓብይ ጉያ ዝሳለጥ እንትኸውን ብበዝሒ ካናቴራ ተዳልዩ ካብዚ ዝርከብ እቶት ድማ ናብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከውዕል ምንቅስቃስ ይግበር ኢሉ፡፡ ኣብ መላእ ወረዳታት ክልልና ድማ ሰሙን መሸጣ ቦንድ ተዳልዩ ሕብረተሰብ ብምዕዳግ ንህንፀት እቲ ግድብ እጃሙ ከወፍይ ምድላዋት እቶም ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ሙኳኖም እቲ ቤት ፅሕፈት ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 ኣብ ኩናት ዓድዋ ዝተረ ኸበ ዓወት ኣብ ቃልሲ ድኽነት ክድገም መናእሰይ ጠንኪሮም ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ኣባላት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ፡፡

ኣባላት እቲ ማሕበር መበል 121 በዓል ዓድዋ ኣብ ብሄራዊ ቴኣትር እንትኽበር ርኢቶኦም ዝሃቡ ኣባላት እቲ ማሕበር እዚ ዘመን ኣብ ዓወደ ኩናት ዝካየድ ኩናት ዝጠልብ ዘይኮነስ ጠንኪርካ ብምስራሕ ንዕቤት ንውልቀካን ሃገርካን ምስራሕ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ሓላፊ ዘፈር ሚኒስተር ድኤታ ባህሊ ኣይተ ረመዳን ኣሸናፊ ኢትዮጵያ ነፃነታን ዶባን ሓልያ ዝፀንሓት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ዓወት ብምሕፋሶም እዩ ኢሎም፡፡ ኣብዚ ዓመት ዝኽበር መበል 121 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝቕፅል ሓሙስ ኣብ ዓድዋ ብብርኪ ሃገር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዲፕሎማሰኛታት ሓርበኛታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ክኽበር እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያውያን ንዓብይ ግድብ ህዳሴ ዝገብርዎ ሓገዝ ንምጥንኻር ሰሙናዊ ዕድጊት ቦንድ ተጀሚሩ፡፡

እዚ መርሀ ግብሪ ኣብ ከባብታት ሃገርና ዝርከባ ባንክታት ቦንድ ዝሽየጠሉ እዩ፡፡ ሻድሻይ ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኣብ መፃኢ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት ዝኽበር እንትኾን ህንፀት እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን 56ሚኢታዊ ምብፅሑ ተሓቢሩ፡፡ ሚኒስተር መራኸብን ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ዓቕሚ መፈልፈሊ ሓይሊ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ 6ሽሕ 450 ሜጋ ዋት ምዕባይ ገሊፆም፡፡ እቲ ግድብ ማይ ንክሕዝ ዝግበሩ ጎናጎኒ ፃዕርታት እውን ብወገን መንግስቲ ማይ ንምሓዝ ዘኽእል ናይ መወዳእታ ምድላው እናተገበረን ምስ መንግስቲ ግብፅን ሱዳንን ዘተ ንምክያድ ኣብ ምድላው ንርከብ ክብሉ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመን ንቀፃሊ ዘጋጥም ሓደጋ ድርቂን ንምክልካል ዘላቂ ልምዓት ኣጠናኪርካ ምቅፃል ቀንዲ መፍትሒ እዩ ኢሎም ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነጋሪ ሌንጮ፡፡

መራኸብቲ ሓፋሽን ዘፈር ኮሚኒኬሽን ህዝቢ ንዘላቂ ልምዓት ንኸለዓዕል ብፍልጠትን ክእለትን ዝተደገፈ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ይግባእ ኢሎም፡፡ ብዘላቅነት ድርቂ ንምክልካል ውሽጣዊ ዓቅሚ ምጥንካር ወሳኒ ብምኳኑ ዕብየት ኢኮኖሚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ብካሊእ ወገን ድማ ምስ ዕቤት ሓቢሮም ዝጋዓዙ መራኸብቲ ሓፋሽን ስርዓት ኮሚኒኬሽን ንምህናፅ ፃዕሪ ከም ዘድሊ ኣሓሳሲቦም፡፡ ኣብ ዝሓፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 10ነጥቢ 2ሚሊዮን ዜጋታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ድርቂ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ብብቅዓት ክምክትዎ ምክኣሎም ገሊፆም ሎሚ ዓመት ኣብ ከባብታት ሃገርና ብድርቂ ዝተሃሰዩ 5ነጥቢ 6ሚሊዮን ዜጋታት ንምሕጋዝ ምንቅስቃስ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

16/06/2009

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ውፅኢት ተምሃሮ ንምምሕያሽ ብዝተሰርሐ ስራሕ ዘተባብዕ ለውጢ ተመዝጊቡ፡፡

ካብ ሕሉፍ ዓመት 2008 ዓ/ም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክእለትን ፍልጠትን ተምሃሮ ንምዕባይ ብዝተውሃበ ጠመተ ተምሃሮ ዝሐሸ ውፅኢትን ደረጃን ምምዝጋቦም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ሊላይ ብርሃነ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽፋን ትምህርቲ ንምስፋሕን ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብብርኪ 1ይን 2ይን ኣብያተ ትምህርቲ እንትረኣ ኣብ ነፍሰወከፍ መምሃሪ ክፍሊታት 60 ተምሃሮ ዝመሃርሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ኢሎም፡፡ ወለዲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ብገንዘብን ብናውቲን ሓገዝ ብምግባርን ኩነታት ደረጃ ትምህርቲ ደቆም ብምክትታሎም ኣብ ምምሕያሽ እቲ ውፅኢት ፅቡቅ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም እውን ካብ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን እታ ክፍለ ከተማ ዝተልኣኸልና ሓበሬታ የረድእ፡፡

 ፕሮግራም ዘፈር ዘላቂ ልምዓት እንስሳት ኣፍሪካ ሎመዓንቲ ኣብ አዲሰ አበባ ዕላዊ ኮይኑ ፡፡

እቲ ፕሮግራም ብዋናነተ ኣብ ዘፈር ሃፍቲ እንስሳት ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ብምንፃር፣ምህርቲ እቲ ዘፈር እናዓበየ ምስ ዘሎ ድሌት ህዝቢ እታ ኣህጉር ንምጥዕዓም ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ እቲ ፕሮግራም ኣብ ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ዩጋንዳ፣ቡርኪናፋሶ፣ናይጀርያን ግብፅን ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡፡ ሚኒስተር ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን ሃገርና ፕሮፌሰር ፈቃድ በየነ ኢትዮጱያ ቅድሚ ሕዚ እቲ ዘፈር ንምዕባይ ዝቀረፀቶ ፍኖተ ካርታ ልምዓት እንስሳት 15 ዓመት ምስቲ ሓድሽ ፕሮግራም ኣጠዓዒማ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ፡፡ እዚ መርሃ ግብሪ ሃገራት ብሉፅ ተሞክሮኣን ዝለዋወጣሉ ብምዃኑ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ድማ ኢሎም፡፡ ብፍላይ ድማ ዶብ ተሳገርቲ ሕማማት እንስሳ ብምክልኻል ብብርኪ ኣህጉር ዝስራሕ ብምኳኑ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም፡፡ ዘላቂ ልምዓት ንዘፈር እንስሳት ኣፍሪካ፣ብዓለም ለኸ ትካላት ምግብን ሕርሻን /ፋኦ/ ን ትካል ልምዓት ኣሜሪካ /ዩኤስ ኣይዲ/ን ዝትግበር እዩ፡፡ ሽድሽቲኤን ሃገራት ኣብታ ኣህጉር ዘለዎን ተቐባልነት፣ብስፍሓት፣ነቲ ዘፈር ብዝሃብኦ ትኹረትን ዘካይድኦ ዝሐሸ ምንቅስቃስን ኣብታ ኣህጉር ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ዕቤት ንክመፅእ ሓገዝ ከም ክገብራ ስለ ዝተኣመነለን ክምረፃ ኪኢለን ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

15/06/2009

መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ፡፡

ብምክንያት መበል 42 ዓመታት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓ ንምንጋፈ ኣብ ፅላል ህወሓት ዓሲሉ ሽግ ሓርነቱ ዝወለዐላ ህዝባዊ ፅንዓቱ ዘርኣያሉ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ እምነ ሰረት ዘንበረላን ህልውንኡ ዘረጋገፀላን ኣብ ምዕራፍት ጉዕዞ ቃልሱ ብዝለዓለ ድምቐትን ናይ ቃልሲ ሕራነን ዘክብራ ወርቃዊት ዕለት ምዃና ተሓቢሩ፡፡ ኣብቲ በዓል ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ውድባዊ መግለፂ ተዋሂቡ ኣብ መወዳእታ ብተሞክሮ ልውውጥ ብነባራት ተጋደልቲ ዝቐረበ እንትኸውን ካብ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ሰለሙን ገ/መስቀል በወገኑ እዚ ዕለት ኣብ ቅድሚ ውድብና ዘለው ፈተናታት ብፅንዓት ብምስጋር መፃኢ ጉዕዞናን መንገዲ ተደራራቢ ዓወታትን ለውጢን ንምምፃእ ክንረባረብ ኣክኢሉና እዩ ክብል ገሊፁ ክብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣዝመራ ኣርኣያ ፀብፂባ፡፡

ምድብ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፈተና ክኾን እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፕሬዝደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ሚኒስቴር ትምህርቲ ብዝህቦም ሽመት ዝሕረዩ ዝነበሩ ኮይኖም እዚ ኣሰራረሓ ዝዝቅይር ሃገር ለኸ መምርሒ ይዳሎ ከም ዘሎ አቲ ሚኒስተር ገሊፁ ኣሎ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ እቲ ሚኒስተር ዶክተር ጥላዮ ጌቴ ፕሬዝደንትን ምክትልን ዩንቨርስታት ብዝወፅእ ምልክታ ተወዳዲሮም እቲ ቦታ ከም ዝሕዙ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ውድድር ኣብ ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢንዲስትርታትን ትካላትን ዝሰርሑ ክሳተፉ ዝፈቅድ እዩ፡፡ ብኻሊእ ሸነክ ኣብ ኣመራርሓቦርድ ርእሰምምሕዳርን ምክትልን፣ሚኒስቴርነ ዲኤታን ከመኡ እውን ኣመራርሓ ትካላት ከኾኑ ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ተቐጠራ ስራሕ ዘይበዝሖምን ነቲ ዩንቨርስቲ ክሕግዙ ዝክእሉ ብመንፀር ልእክቶ ደገፍቲ ውለቀ ሰባት ብኣመራርሓ ቦርድ ክምረፁ እዮም ኢሎም ዶክተር ጥላዮ ይብል ፀብፃብ ኤፍ ቢሲ፡፡

 ነበርቲ ከባቢታት ዶብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ምውሓስ ሰላምን ዝገበርዎ ዘለው ተሳትፎ ኣጠናኪሮም ክቅፅልሉ ይግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ምስ ነበርቲ እቲ ዞባ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝዘተዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ነበርቲ ካብ ዞባንወረዳን ከምኡ እውን ምስ ሲዳን ዘራክቡ መንገድታት ትካላት እውን ክህነፁ ከመኡ እውን ኣብቲ ዞባ ዝተሃነፀ መሀጠሪ ከፍቲ ኳራንቲንዮም ስራሕ ክጅምር ሓቲቶም፡፡ እቶም ነበርቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ቅርሕንቲ ንዝፈጥሩ ጉጅለታት ራዕዲ መንግስቲ ስጉምቲ ክውስድ እውን ሓቲቶም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ በወገኖም ኣብ ልዕሊ እቶም ጉጅለታት ራዕዲ ዘየዳግም ስጉምቲ ከም ዝወስድ ብምግላፃ እታ ዞባ ኣብ ሓፂር እዋን ሙሉእ ንሙሉእ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክትረክብ እያ ኢሎም፡፡ ሕቶ መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ህፁፅ ፍታሕ ክረክቡ እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር በዘይኣገልግሎት ጠጠው ዝብል ኳራንቲን በሰብ ሞያ ተፈቲሹ ምላሽ ክረክብ እዩ ኢሎም፡፡

ፋብሪካ ሽኾር ወልቃይት ህንፀቱ ይቃለጠፍ ኣሎ ኢሎም ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ኣመናይ መስፍን፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘሎ ጠለብ ሽኮር ሓሊፉ ንወፃኢ ንምልኣክ ሽቶ ዝሓዘ 11 ፋብሪካታት ሸኮር ኣበ ሃገርና ይህነፁ ኣለው ዝበሉ ኣይተ ኣመናይ ካብዚኦም ካብ 60 ከሳብ 80 ሽሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ኣብ ክልልና ዝህነፅ ዘሎ ፋበሪካ ሽኮር ውልቃይት ሓደ እዩ ኢሎም፡፡ ብዝሓቶ ዝዓበየ በጀት ካብ ኮርፖሬሽን ሽኮር ውፁዩ ናብ ሚኒስተር ማይ፣መዓድንን ኢነርጅን ኣትዩ ይምራሕ ከም ዘሎ ዝገለፁ ኣየተ ኣመናይ ብሰንኪ ምቅይያር ተኾናተርቲ ህንፀቱ ከም ዝተደናጎየ ብምግላፁ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እታ ግድብ ኮነ እቲ ፋብሪካ ሸኮር ወልቃይት ፋብሪካ 10 ነጥቢ 4 ቢልዮን ግድብ ድማ 12 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ዝሓትት እዩ፡፡ ጠለብ ሸኮር ሃገርና ኣብ ዓመተ 5 ሚኢቲ ሽሕቶን ሽኮር እንርኾን ፋብሪካ ሸኮር ወልቃይት ናብ ሙሉእ ስራሕ እትኣቱ 4 ነጥቢ 8 ሚልዮን ኩንታል ሽኮር ናይምፍራይ ዓቅሚ ኣለዎ፡፡

ኢትዮጱያ ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብን ርክበን ንምሕያል ይሰረሓ ከም ዘለዋ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጱያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክልቲኣዊ ርክብ ንምሕያል ኣብ ቁጠባን ኢነቨስትመንት ኣድጅቦ ሂበን ንምስራሕ ተደልየን ኣለዋ ተባሂሉ፡፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሽክመነኩር ቢን ዛይድ ኣልናህያን ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደሪኢ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ኣብ ክለቲኣዊ ርክባት ኢትዮ-ሚማራት ንሞድልኣል ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ዘተ ገይሮም፡፡ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን ኣብ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ኢግዚብሽን ኣብ ማእከል ብሄራዊ ኢገዚብሽን ኣቡደቢ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ተራኺቦም፣ኣብ ዲፕሎማያዊ ምሕዝነት እናዓበየ የመፅእ ምህላውን ምስቲ ዘለዎን ዓቅሚ ኣውፋራይነት ክንድቲ ዝድለ ከም ዘይስጎማ ተመያይጦም፡፡ እተን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ንምሕያል ኣብ ኢኮኖሚን ኢነቨስትመንት ኣተኩረን ንምስራሕ ስምምዕ ምክተመን ነኣገልግሎተ ዜና ኢምሬትስ ቒሱ EBC ፀብፂቡ፡፡

12/05/2009

ምውዳቕ ዕጫ ቀዳማይ ዙር ሚዘር ዓርሰ ምትሕግጋዝ ህንፀት ኣባይቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መቐለ ተሳሊጡ

ኣብቲ ምውዳቕ ዕጫ ንርእሰ ምምሕዳር ክልልና ኣይተ ኣባይ ወልዱ ሓዊሱ ካብ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ካልኦትን ዝተዓደሙ ኣጋይሽን ኣቦወንበራት ኩለን ማሕበራት ተረኪቦም እዮም፡፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፣ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማ መቐለን ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ እቲ ምውዳቕ ዕጫ ብዝተተለመሉ እዋን ንክፍፀም በቢደረጅኡ ዘለዉ ኣመራርሓ ተዋዲዶም ምስርሖም ገሊፆም በዚ እውን ተፈፃምነት እቲ ህንፀት ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ስግኣት ብዘወግድ መልክዑ ተሳሊጡ ኣሎ አሎም፡፡ ኣብ ምውዳቕ ዕጫ ፍትሓዊ ክኮን ካብ ኢንሳ ብዝመፁ ሰብ ሞያ ብዘመናዊ መልክዑ ከምዝተካየደ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ ኣብ ህንፀት ዘየድሊ ናህሪ ዋጋ ከየጋጥም ምስ ኣቕረብቲ ተንዲኖ፣ስሚንቶን ሓሸዋን ብዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣቢልካ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ ኢሎም ፡፡ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ህንፀት ኣባይቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ንጉድኣት ኩናት ፣ ምምሃራንን ዝተረፈ ጠላቢ ኣባይትን ቅድምያ ክወሃቦ ዝግባእ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ዘሎ ቀረብ ቦታ እናተራኣየ ቀፃሊ ከምዝኮን ድማ ተዛሪቦም ፡፡ ሚዘር ተባሂሉ ዝተሰየመ እቲ ከባቢ ኣብ 569 ማሕበራት ካብ 30 ክሳብ 50 ሽሕ ህዝቢ ክነብረሉ እዩ፡፡ ጎናጎኒ እቲ ህንፀት ምምላእ መሰረተ ልምዓት እውን ክሳለጥ እዩ ፡፡ ኣወጠሀኝ ብረሃነ

08/05/2009

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ መፋስስ ልዕሊ 72 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምሕዋይ ዝተባባዕ ለውጢ ኣመዝጊባ፡፡

ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ሓላፊ ጉጅለ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ሓለፎም ገብረኪዳን ኣብ 1ሽሕ ሄክታር ጠረጴዛዊ ዛላ ብምስራሕ ማይ ብምውህላልን ጉህሚ ብምሕዋይን ልዕሊ 5ሺሕ ሄክታር መሬት ከም ዝለመዐ ገሊፆም፡፡ ዛጊድ በቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ልዕሊ 3ሽሕን 600 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ክኾኑ ከም ዝኽኣሉ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡ ብርሰት ደኒ ንምክልካል ኣማራፂ ሓይሊ ኢነርጂ ብምቕራብ ባዮ ጋዝ፣ ሶላር ፖነልን ዝተመረፀ እቶንን ብምትእትታው ንልዕሊ 5ሽሕ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ምግባራ እው ን ሓቢሮም፡፡ ብሓፈሻ ኣብ 2009 ዓ/ም ተረባሕትን ዜጋታት ንምርግጋፅ ሰፋሕቲ መደባትሰፊሕ ትልሚ ሒዛ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ዝበፅሓና ሓበሬታ የመላክት፡፡

 ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተበቲኖም ዝርከቡ ሰነዳት ኣብ ሓደ ማእከል ብምእካብ ንሰብ ዋኒን ቅልጡፍ ምላሽ ክረኽቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ በዓል ሓደራ ቦርድ ትካል ልምዓት መንግስቲ ገሊፁ፡፡

እቲ ቦርድ ኣብ ዙርያ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፍርቂ ዓመት 2009 ዓ/ም ዝካየድ ምይይጥ ናብ ውልቃዊ ትሕዝቶ ዝተዘዋወሩ ትካላት ልዕሊ 5ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ተገሊፁ፡፡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ቦርድ ኣይተ ዘውዱ ዛፉ እቶም ሰነዳት ንተገልገልቲ ኣብ ሓደ ማእከል ንምእካብ ኣብ ቀፃሊ ብትኹረት ንሰርሖ ጉዳይ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ትካል ኣታዊ ንምእካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ልቃሕ መንግስቲ ንምክፋል እውን ዝተጣየሸ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ን143 ውልቀ ሰባትን 16 ትካላትን ልዕሊ ሽድሽተ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ብር ምክፋሎም ተዛሪቦም፡፡ እቲ ቦርድ ካብ 1998 ክሳብ 30 ሰነ 2008 ዓ/ም ናይ 263 ትካላት ሒሳብ ምስርሑ ገሊፁ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ዓለም ለኸ ትካል ተመዛበልቲ /IOM/ ንስደተኛት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ተንቀሳቃሲ መዕቀቢ ከምዝሃንፅ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ድሕረ ገፅ ሪሊፍ ዊክ ከምዝተነበበ ኣብ ሕዚ ወርሒ መወዳእታ ኣስታት 900 ተንቀሳቐስቲ መዕቀቢ ኣብ ክልል ጋምቤላ ክህነፅ እዩ፡፡ እቲ ማእከል ኣብ ሕዚ እዋን 27 ሽሕን 620 ስደተኛታት ኣብ ምትእንጋድ እንትኮን ሕዚ ዝስራሕ ተንቀሳቃሲ መዕቀቢ ንዓቅሚ ምቅባል ዘማሓየሸን ብሃንደበት ዝመፁ ስድተኛታት መዕቀቢ ዝኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ እቶም መዕቀቢ ብፕላስቲክ ዝሰርሑ ብምኳኖም ሕዚ ዘሎ ፀባይ ኣየር ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ሓላፊ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ጨንፈር ጋምቤላ ሜሪየም ሙታ ሓድሽ ተንቀሳቃሲ መዕቀቢ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመፁ ስደተኛታት ፍሰት ንምቁፅፃርን ንምምሕዳርን ኣድለይቲ እዮም ኢሎ፡፡ ነዚ ህንፀት እውን ዓም ለኸ ልምዓት ዲፖርትመንት እንግሊዝ /DFID/ ሓገዝ ምግባሩ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሰራዊት ምክልካል ኢፌዲሪ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ኣብ ምኽባር ሰላም ንካልኦት ሃገራት ቁልፊ እጃሙ ይፃወት ኣሎ ኢሎም ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡፡

ሃገርና ደላይት ሰላም ካብ ምኳና ሓሊፉ ንምኽባር ነፃነት ሰባት ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘርኢ ምኳኑ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ሰራዊት ምክልካል ሃገር ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እዩ፡፡ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ብምፍፃም ንሶማልያ ስግኣት እናኮነ ብምምፅኡ ሓይሊ መከላከሊ ሃገር እዚ ሓይሊ ብምድምሳስ ዓብይ ፃዕሪ ምግባሩ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተዛዚሙ፡፡ ንሓምሻይ ግዜ ዝተረኸበ መዓልቲ ሰራዊት ምክልካል ምኽባር እዋኑ ዘድልሃገር ዘበናዊ ሰራዊት ንምህናፅ ዝተትሓዘ ከይዲ ዘርኢ እዩ ተባሂለዩ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

07/05/2009

ኢትዮጵያ ኣብ ዝርግሓ መስመር ባቡር ዝረኸበቶ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ክተክፍል ምኳና ኮርፕሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ሃገር ለኸ ተኮናተርቲ ኣብ ዝርግሓ ባቡር ሃዲድ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ልምድን ክእለትን ከም ዘጥረዩን ካብ መንጎኦም ኣብ ዝርግሓ መስመር ባቡር ኣዋሽ ወልድያ ይሳተፍ ዘሎ ኦርኪ ቢዝነስ ግሩፕ ምኳኑ ተፈሊጡ፡፡ ሓላፊ ስራሕቲ ኤርዝ ሙቪንግ እቲ ትካል ኢንጅነር መሳይ ይመኑ ዝበልዎ ነቲ ስራሕ የሳልጥ ዘሎ ያፒ መርከዚ ዝተበሃለ ቱርካዊ ትካል ኮንትራት ብምውሳድ ኣብቲ ፕሮጀክት ይሳተፍ ምህላውን ዝርከቦ ናይ 7 ሚኢቲ ሚሊዮን ኣታዊን ኣብቲ ዘፈር ዘኻዕበቶ ልምድን ባህሊ ስራሕ ምምዕባል ምክኣሉ ገሊፆም፡፡ ኣካያዲ ሰራሕ እቲ ኮርፕሬሽን ዶክተር ኢንጅነር ጌታቸው በትሩ ብወገኖም ኣብዚ እዋን ንልዕሊ 5 ሚኢቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ኣብ መሰረተ ልምዓት ባቡር ስልጠና ይወሃብ ከም ዘሎን እዚ ፍልጠት ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንምክፋልን ምንጪ ኣታዊ ንምግባርን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ዘፈር ዝተረኸበ ተሞክሮ ክተካፍል ምኳና ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝነብሩለን ኣህጉራት ኣምባሳደር ሰላም ብምኳን ሃገሮም ከለልዩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፖትርያርክ ዘኢትዮጵያ ፀዊዖም፡፡

ፖትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ካብ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ብዝተገበረሎም ዕድመ ኣብ ስውዘርላንድን ኢጣልያን ዕላዊ ዑደት ገይሮም ኣለዉ፡፡ እቶም ፖትርያርክ ኣብተን ሃገራት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝገብርዘዎ ዘተ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣምባሳደራት ሰላም ብምኳኖም ምስሊ ሃገሮም ከሳልጡ ምዒዶም፡፡ ፖትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብተወሳኺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ መስራትን ኣባልን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ከም ምኳና መጠን ዓለም ለኻዊ ርክባት ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ሓልያ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሰርሖም ናይ ሰላም ትሕትና ሓድነትን ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ምኳና ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 5ይ መዓልቲ ሰራዊት ምክልካል ሃገር ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኸቢሩ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ህዝባዊ መሰረት ዝተሃነፀ ጅግንነትና እናተሓደሰ ክነብር እዩ ብዝብል መሪሕ ቃል ተኸቢሩ እዩ፡፡ ንፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም እዮም፡፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ሄልማን ብልጫን ዓወት ዘመዝገቡ ጀጋኑ 4ይ ሬጅመንት ክፍለ ሰራዊት 13 2ይ ደረጃ ሽልማት ሜዳልያ ካብ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተቐቢሎም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ፕሬዝዳንት ሙላቱ ኣልሸባብ ንሶማልያ ስግኣት እናኮነ ብምምፅኡ ሰራዊት ምክልካል ሃገርና ድማ ነዚ ሓይሊ ንምድምሳስ ዝለዓለ ፃዕሪ ምግባሩ ተዛሪቦም፡፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልካል ሃገር ኣልሸባብ ንምድኻም ዝገበርዎ ተጋድሎ ናይ ክብሪ ሽልማት ብምርካቦም መልእክቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 5ይ ዋዕላ ቢዝነስ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ፡፡

እቲ          ዝተሰሞየ ሰብ ሃፍቲ ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪካ ዝሳተፈሉ ፎረም ኢንቨስትመንት ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዱባይ ምክያድ ስዒቡ 22 የካቲት 2009 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ፡፡ ካብ ዓመተ 2014 ጀሚሩ ሰብ ሃፍቲ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ንምርኻብ ዓሊሙ ዝተጀመረን ኣብ ዓመት ንካልኣይ ግዜ ዝካየድን ፎረም ኣብዚ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ዋዕላኡ ካብ ሃብቲ ናብ ኣፍሪካ ዝመፅሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣድሂቡ ክካየድ እዩ፡፡ ምስረታን ኣቦ መንበርን ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪቃ ረሽድ ኣሕመድ ከም ኣብቲ ፎረም ንምስታፍ መላፍንቲ ኣካላት ዘርኣይዎ ድሌት ባህታ ዝፈጥር ምኳኑን እቲ ፎረም ኣብ ዓለም ብልዑል ደረጃ ትዓቢ ዘላ ኣፍሪቃ ኣውፈርቲ ኣትዮም ንክሰርሑ ዝገብርዎ ምንቅስቃስ ንምድጋፍ ምኳኑ ሓቢሮም፡፡ እቲ ፎረም ኣብ ፋይናንስ ካፒታል፣ ኮምፒተር ቴክኖሎጂ ፣ሕርሻን ማዕድንን ከምኡ እውን ኣብ ምፍልፋል ሓይሊ ኣትኩሩ ክዝቲ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

06/05/2009

ልዕሊ 16 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ወረዳ ሓውዜን ኣብ መድሕን ጥዕና ተሓቒፎም ግልጋሎት ሕክምና ይረኽቡ ከም ዘለዉ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እታ ወረዳ ሓቢሩ፡፡

ኪኢላ መድሕን ጥዕና ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ኣረጋዊ ኣሰፋ መንግስቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ውሑስ ንምግባር ሰፋሕቲ መደባት ጥዕና ብምትእትታው ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር ኣብታ ወረዳ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ዝተኣታተወ ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ከም ዝርከብን ነበርቲ ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉን ሓቢሮም፡፡ ዛጊድ ልዕሊ 5ሽሕን 2ሚኢትን መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 16 ሽሕ መራሕቲ ስድራማለት 81 ሚኢታዊ መራሕቲ ስድራ እታ ወረዳ ኣብ መድሕን ተሓቒፎም ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ይረክቡ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1ሽሕ ብሪፈር ናብ ሆስፒታላት ዓዲ ግራት ፣ውቕሮ መቐለን ተላኢኾም ከምዝተሓከሙን ልዕሊ 25 ሽሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ትካላት ጥዕና ጣብያ እታ ወረዳ ብምምልላስ ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ከም ዝረኽቡ ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ኣባላት መድሕን ጥዕና ኮይኖም መድሓኒት ካብ ደገ ዝተጠቐሙ ን20 መራሕቲ ስድራ ድማ ልዕሊ 9ሽሕ ቅርሺ በቲ ዝወፀ መምርሒ መሰረት ዘውፅእዎ ወፃኢ ከም ዝተሸፈነሎም ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተኽለማርያም ተካ፡፡

 ካብ ሎመዓንቲ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ወረዳ ሓውዜን 40 ሽሕ ነበርቲ እታ ወረዳ ከም ዝሳተፉ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ልምዓት ሓለዋን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ፍፁም ገብረገርግስ ‘’ዓወት ልምዓታዊ ሰራዊትና ኣብ ልምዓት ኣግራብን ምክልካል ብርሰትን ክንደግሞ ኢና’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንወፍሪ ነፃ ዕቀባ ሓመድን ማይን እዚ ዓመት ዘድሊ ቅድመ ምድላው ከም ዝተወገነ ድሕሪ ምሕባር በዚ ወፍሪ ኣብ 48 መፋሰስ ዝተፀንዐ ልዕሊ 3ሽሕን 3ሚኢትን ሄክታር ዘይሕረስ መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ከምዝሰርሐሉ ኣረዲኦም፡፡ እቲ ወፍሪ ነፃ ዕቀባ ሓመድን ማይን ን20 መዓልታት ከምዝፀንሕ ዝሓበሩ ኣይተ ፍፁም 325 ካድረታት ሕርሻን ሓንፀፅትን ን3 መዓልቲ ዝኣክል ስልጠና ከምዝተውሃቦምን ልዕሊ 40 ሽሕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ልዕሊ2ሽሕን 4ሚኢትን ዕዮ ጉጅለ ተጎጅሉ ምህላውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 569 ሽሕ ጉልበት ናብቲ ወፍሪ ብምክታት ነቲ ስራሕ ከምዝዓሞ ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ጎና ጎኒ እቲ ወፍሪ ነቲ ዝተዓቀበ መሬት ብፀደቕቲ ተኽልታት ዕረ፣ ዒቃ፣ ተበብ ግርብያን ሳዕሪ ሓርማዝን ኣቢልካ ናይ ምጥንኻር ስራሕቲ ከም ዝስራሕ ድማ ኣይተ ፍፁም ገብረገርግስ ገሊፆም ክብል ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተኽለማርያም ተካ ፀብፂቡ፡፡

  ኣብ ወረዳ ሓውዜን ተጠቃምነትን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ መናሰይን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኮንፈረንስ ተሳሊጡ፡፡

መናእሰይን ኣመራርሓ ጣብያን ዝሳተፍሉን ዘለዉ ብሉፃት ተሞክሮታት መናእሰይ ስፖርትን እታ ወረዳ ኣቢሉ ኣብ ዝቐረበ መበገሲ ፅሑፍን ተሰንዩ ኮንፈረንስ መናእሰይ ተሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ን3 መዓልቲ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣመራርሓ ጣብያ ንሕቶና ትግህ ኢሎም ምላሽ ኣይህቡናን ፣ዝዋሃብ መጠን ልቃሕ ምስ ዝተዋፈርናሉ ዘፈር ስራሕ ዝመጣጠን ኣይኮነን ዕደላ መሬትን መሸጣን ፍትሓውነት ይጎድሎ ኣሎ ኣብ ተባፃሕነት ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣድልዎ ኣሎ ዝብሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፀገማት ብተሳተፍቲ ዝቀረቡ እንትኾኑ ክሳብ ታሕቲ ብምውራድ ደረጃ ብደረጃ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣድላይ ሞያዊ ሓገዝ ከምዝግበረሎምን ብሓ ለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ሰብ ሞያን እታ ወረዳ ምላሽ ተዋሂብዎም፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረሂወት ገብረየሱስ መንግስቲ ተጠቃምነት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ዘየማትእ መረገፂ ሒዙ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር ፣መናእሰይ በዚ ተጠቀምቲ ንምዃን ብኣተሓሳስባን ተግባርን ድልዋት ኮይኖም ክዋፈሩ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም፡፡ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ንዝዋፈሩ ልዕሊ 6ሽሕን 7ሚኢትን መናእሰይ ብመልክዕ ልቃሕ ዝዕደል ልዕሊ 49 ሚሊዮን ቅርሺ ከምዝተዳለወ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ክብል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተኽለማርያም ተካ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ክልል ኢትዮ ሶማል ዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ን1 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ይከፋፈለ ኣሎ ኢሉ ቢሮ ምክልካልን ቅድመ ድልውነትን ሓደጋ እቲ ክልል፡፡

ኣተሓባባሪ እቲ ቢሮ ኣብዱራዛቕ መሓመድ ኣብቲ ክልል ክሳብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 1ሚሊዮን 697 ሽሕን 794 ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም እዩ፡፡ ካብ 93 ወረዳታት እቲ ክልል ነበርቲ 67 ወረዳታት ተፀበይቲ ሓገዝ ኮይኖም ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ ዓብድራዛቕ ኣብዚ ሕዚ እዋን 31 ሽሕን 452 ሜትሪክ ስርናይ ዝተመጣጠነ ምግቢ ፣ዘይትን ጥረምረን ንሕብረተሰብ ይከፋፈል ኣሎ ኢሎም፡፡ ነበርቲ እቲ ክልል መብዛሕቲኦም ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩ እንትኾኑ ንጥሪቶም ማይን ሳዕርን ክረኽብሎም ኣብ ዝኽእሉ 53 ማእከላት ከምዝተኣከቡን 250 ሽሕ ጥማር ቀለብ እንስሳ ይከፋፈል ከም ዘሎን እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ኢትዮ ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት መንግስቲ እቲ ክልል 200 ሚሊዮን ፣መንግስቲ ፌዴራል ድማ 100 ሚሊዮን ብር በጀት መዲቦም ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

03/06/2009

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ካብ ዝገበሩ በፃሕቲ ዓዲ ልዕሊ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሉ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን፡፡

ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ገዛኸኝ ኣባተ ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ 439 ሽሕን 359 በፃሕቲ ዓዲ ወፃኢ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምግባሮም ገሊፆም፡፡ ፃንሒት እቶም ዑደተኛታት ብማእከላይ 16 መዓልታት እንትኮን ኣብ ፃንሒቶም እውን 1 ሚሊዮን 644 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ተዛሪቦም፡፡ ሎሚ ዓመት ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተዉ ዑደተኛታት ዝተረኸበ ኣታዊ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓፈ ዓመት እንትነፃር ኣብ ዝተወሰነ ክፋላት ሃገርና ኣጋጢሙ ብዝነበረ ህውከት ምንካይ ኣርእዩ፡፡ ሕብረተሰብና ፈታዊ ሰላምን ማጋየሺ ዑደተኛታትን ንማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ምልላይ ብዝተዋደደ መንገዲ ብምስራሑ ዑደተኛታት ዝሓዝዎ ትልሚ ጉዕዞ ንከይስርዙ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ምኳኖም እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡ ኣብዚ ዓመት እውን 1ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዑደተኛታት ናብ ውሽጢ ሃገርና ብምምፃእ ካብቲ ዘፈር ልዕሊ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ንምርካብ ትልሚ ከም ዝተትሓዘን ምዕዋት ከም ዝከኣለን ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ብኸቢድ ገበን እምነት ምጉዳል ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርቲ ገንዘብን ክቅፃዕ ተወሲንዎ፡፡

ተኸሳሲ ገብረ ደሞዝ ገብረመስቀል ነባርነቱ ኣብ ዞባ ምዕራብ ከተማ ሑመራ ቀበሌ 02 እንትኾን ተኸሳሲ ውልቀ 1ይ ክሲ ኣብታ ዞባ ከተማ ሑመራ ኣብ ማእኸል ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ገንዘብ ተሓዛይ ኮይኑ ዝተቐፀረ ኮይኑ ሓላፍነቱ ብዘይ ኣግባብ ተጠቒሙ ዘይግብኦ ረብሓ ክረክብ ብምሕሳብ ካብ ዝተፈላለዩ ዓማዊል እቲ ትካል ካብ መሸጣ ኣምፖላት ፖሎታትን ካልኦትን ብድምር ካብ 15 ጉንበት 2006 ዓ/ም ክሳብ 25 መጋት 2007 ዓ/ም 1 ሚሊዮንን 228 ሽሕን 196 ብር 46 ሳንቲም ናብ ውልቀ ረብሕኡ ብምውዓል ዝተኸሰሰ እዩ፡፡ 2ይ ክሲ ተኸሳሲ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ሰነዳት ሰነድ ስሩዕ መንግስቲ ኣምሲልካ ብምስራሕን ሽም እናቐያየረ ሰነድ ብምድላው ዝተኸሰሰ እዩ፡፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይ ክከታተል ድሕሪ ምፅናሕ 18 ታሕሳስ 2009 ዓ/ም ኣብ ተዘዋዋሪ ገበን መጋባእያ ሑመራ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ካብ ነሓሰ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ንቕድሚት ዝሓስብ ብ12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን 10 ሽሕ ብርን ክቕፃዕ ተበይንዎ ይብል ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝተልኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣውራ ከይዲ ስራሕ መንግስታዊ ፋይናንስ ን80 ሓደሽቲ ኪኢላታት ሒሳብ ኣብ ኣተሓሕዛ ድርብ ሒሳብ ኣመልኪቱ ስልጠና ሂቡ፡፡

ተወካሊ እቲ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረዝሄር ዓቕሚ ሓደሽቲ ኪኢላታት ሒሳብ ብምዕባይ ፅፉፍ ኣታሕዛ ሒሳብ ክህሉ ብምግባር ሙዕሩይ ምሕደራ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ንምፍጣር ዝዓለመ ስልጠና እዩ ኢሎም፡፡ እቶም ሰልጠንቲ ንተኸታታሊ 8ተ መዓልታት ዝወሰድዎ ስልጠና ብምትግባር ነቲ ዕላማ ከምዘዕውቱ ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ብቐፃልነት ድማ በብ እዋኑ ዝወፁ መምርሕታት ማንዋላትን ኣምቢብካ ብምርዳእ ተወሳኺ ዓቕሚ ክትፈጥር ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ሰልጠንቲ ብወገኖም እኹል ዓቕሚ ንምጭባጥ ምኽኣሎምን ንቐፃሊ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑን ገሊፆም ይብል ካብ ቢሮ ትልሚ ፋይናንስን ዝተልኣኸልና

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣይተ ሽፈራው ሽጉጤ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር /ኢህወዴግ/ ኣብ ዘቕፅል ረቡዕ ምስ 21 ውድባት ፖለቲካ ዘካይዶ ምይይጥ ክመያየጥ ፕሮፖዛሉ ዛዚሙ ንቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምእታው ገሊፆም፡፡

ኢህወዴግ ምስ ውድባት ፖለቲካ ብግልፂ ንምድርዳር ምክርካር ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ፖሊስ ድማ ንምክርካር ከምዝወሰነ ድማ ኣይተ ሽፈራው ገሊፆም፡፡ ብወገን ኢህወዴግ ካብ ውድባት ፖለቲካ ብተወሳኺ ምስ ሲቪክ ማሕበራት ፣ሙሁራት፣ መናእሰይ ፣ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ፎርማትን ምይይጥ ንምክያድን ሪኢቶ ንምቕባልን ድልው ምኳኑ ቅድሚ ሓዚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምግላፁ ይዝከር፡፡ ኢህወዴግ ምስ ውድባት ፖለቲካ ንዘካይዶ ምይይጥ መልዐሊ ሓሳብ ኣቐዲሙ ዘእተወ ኾይኑ ፣ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ብዘእተዎም ፕሮፖዛል መሰረት ምይይጥ ተኻይዱ ውሳነ ከም ዝረክብ ኣረዲኦም፡ ድሕሪ እዚ ኣብ ዝህልዉ እዋናት ዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ስምምዕነት ዝተበፅሓሎም ሕግታት ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ድማ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡

02/06/2009

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንሓድሽ ተመራፂ ፕሬዝዳንት ሶማልያ መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ነበር ፕሬዝዳንት ሶማልያ ሀሰን ሼክ መሓመድ እቲ መረፃ ንክሳካዕ ንዝሃብዎ ቁርፀኝነት ኣመራርሓ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም እዮም፡፡ ኢትዮጵያ ከም ወትሩ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ከምኡ እውን ተመራፂ ፕሬዝዳንት መሓመድ ኣብድላሂ ሓቢራ ከምትሰርሕን ክልቲኣዊ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣፍሊጦም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ንተመራፂ ፕሬዝዳንት መሓመድ ኣብድላሂ ፅቡቕ ናይ ስራሕ ዘመን ንክኮነሎም ብሽም ኢትዮጵያ ህዝብን መንግስትን መልእኽቶም ድሕሪ ምምሕልላፍ ነበር ፕሬዝዳንት ሶማልያ ሀሰን ሼክ መሓመድ ኣብ ሃገሮም ንዝካየድ መረፃ ብምቅራብ እዚ ድማ ኣብ ቁርፀኝነት ኣመራርሓን ምስጋና ብምቅራብ ኣብ ሶማልያ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ እናተጠናኸረ ምምፅኡ ዘመላኽት እዩ ኢሎም ይብል መርበብ ሓበሬታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ-መንግስትን ኤፌዴሪ ኣመልኪተን ኣብ ሕብረተሰብ እኹል ግንዛበ ዝህባ ትካላት ብዝግባእ ብዘይምህላወን ኣብ ኣፍልጦ ፀገም ምህላዉ ተገሊፁ፡፡

ሓሳቦም ዝገለፁ ክፋላት ሕብረተሰብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ንምፍላጥ ዘክእል እኹል ስራሕ ኣይተሰርሐን ብምባል ሓሳቦም ኣቅሪቦም፡፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብወገኑ እንታይነት ሕገ-መንግስቲ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ኣብ ሃገርና ዘሎ ግንዛበ ንምፍላጥ ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ብላዕለዕለዋይነት ዝመርሖ ኣካል ከምዘየለ በቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ ምኳኑ አፈሊጡ፡፡ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ፍታሒ ጎንፅን ህንፀት ሰላምን ሕገ-መንግስትን እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣስቻለው ተክሌ ኣብ ዝተካየድ መፅናዕቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕገ-መንግስቲ እኹል ግንዛበ ዘይብሉ ምኳኑ እቲ መፅናዕቲ ከም ዘርኢ ገሊፆም፡፡ ዳይሬክተር ሚኒስተር ኣዳላዊን ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ኣይተ ዳንኤል ኣበበ ድሕሪ ክልተ ዓመት ትምህርቲ እንትክለስ ግንዛበ ሕገ-መንግስቲ መልሲ ከምዝረኸበ ድሕሪ ምግላፅ ተምሃሮ እውን እኩል ግንዛበ ንክህልዎም ኣብቲ ስርዓት ትምህርቲ እንትክለስ ኣብ ስነ ዜጋን ስነ ምግባርን ግንዛበ ዘዕብዩ ምዕራፋት ክውስኽ ተተሊሙ ምኳኑ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዩንቨርስቲ ኣንከራ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርሉ ዓመታት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከምኡ እውን ንቱርኪ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንክጠናኸር ንዝተፃዎቶ ግደ ወረቐት ምስክር ኣበርኪትሎም፡፡

ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ቱርኪ ናይ ዝህልዎም ናይ 5ተ መዓልታት ፃኒሒት ሓደ ኣካል ዝኾነ ዑደት ኣብ ዩንቨርስቲ ኣንከራ ኣካይዶም ኣብቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዘካይድዎ ዑደት ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ረኺቦም እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ድማ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንካር መሰረት እዩ ኢሎም፡፡ ካብ 2006 ክሳብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ዝነበሩ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኣንከራ ቱርኪ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶክተር ሙላቱ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክበፅሕ ገይሮም እዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንካር ልውውጥ ንግዲ ክልቲኤን ሃገራት ካብ 500 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ናብ 1 ቢሊዮን ዶላር ንምዕባይ ከምዝሓስቡ ሓቢሮም፡፡ ፕሬዝዳንት ዩንቨርስቲ ኣንከራ ፕሮፌሰር ኢርከን ኣቢስ ብወገኖም ዩንቨርስታት ኣንከራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን ብሓባር ንምስራሕ ዘክእሎም ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ኤርታሌ ዝተፈጠረ ሓድሽ እሳተ ጎመራ ኣድላይ ሓለዋ ከባቢ ከም ዝግበረሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣፍሊጡ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓጅ ስዩም ኣወል ካብቲ ዝነበረ ኤርታሌ ብተወሳኺ ሓድሽ ዝተፈጠረ እሳተ ጎመራ ሓለዋ ካባቢ ብምግባር መስሕብ ቱሪዝምነቱ ንምዕባይ ክስራሕ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ደቡብ ምብራቅ ኤርታሌ ተፈጢሩ ዝነበረ እሳተ ጎመራ ዝከፍኣ ሓደጋ ከም ዘየስዕብ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ስነ ምድሪ ተመራማሪ ስትራክቸራል ጅኦሎጂ ፕሮፌሰር ተስፋይ ኪዳነ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዙርያ ኣርታሌ ተፈጢሩ ዝነበረ እሳተ ጎመራ ውሑድ ብምዃኑ ንቐፃሊ ጉድኣት ኣይስዕብን ኢሎም፡፡ ኣብ ከይዲ እሳተ ጎመራ ምንቅጥቃጥ መሬት ምዝናፍ መሬት ምልክታት መስመር ዘሰርሑ ቅርፅታት ከም ዝርኣ ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር እዚ ድማ ውፅኢት ምንፅፃል ልሳነ-ምድሪ ኣፍሪካን ዓረብያን እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ኣርታሌ ዑደት ክገብሩ ዝፀንሑ ዑደተኛታት ብወገኖም ኣብ ኤርታሌ ኣብ እዋን ምሸት ዑደት ምግባር ፍፁም ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

01/06/2009

ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘለዎን ርክብ ኣጠናኺረን ክቕፅላ ተስማዕሚዐን፡፡

ኣብ ቱርኪ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ምስ ፕሬዝዳንት ቱርኪ ሬስፕ ጠይብ ኤርዴጓን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣንካራ ተረኪቦም ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ እውን ፕሬዝዳንት ቱርኪ ሬሲፕጠይብ ኤርዴጓን ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ርክብ ከም ዘለዎም ምስ ዝጠቀሱ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ብወገኖም ኢትዮጵያ እዚ ዕድል ተጠቂማ ምስ ቱርኪ ኣብ ሓደሽቲ ምትሕብባር ዘፈር ኢኮኖሚያዊ ስምምዕነት ከም ትገብር ገሊፆም፡፡ ምስ ፕሬዝዳንት ሬሲፕ ጠይብ ኤርዴጓን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ሰፊሕን መሰረታዊን ምይይጥ ምግባም ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ኢትዮጵያን ቱርክን ንቃልሲ ተግባራት ራዕዲ ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ኣብ ምግባር ከምዝርከባን ኣብ ቀፃሊ እውን ሓቢረን ክሰርሓ ምኳነን ተስማዕሚዐን ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣብ ፍርቂ ዓመት 2009 ዓ/ም ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ ዝርኣ ለውጢ ኣይመፀን ኢሉ ኮምሽን ፕላን ኢትዮጵያ፡፡

ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዶክተር ይናገር ደሴ ዕብየት ምጣነ ሃፍቲ በቲ ዝተሓሰበ መልክዑ ከይቅፅል ዕንቅፋት ዝኮኑ ዕብየት ንግዲ ወፃኢ በቲ ዝተተለመ መሰረት ብዘይ ምፍፃሙ ቀንዲ ምክንያት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም፡፡ እዚ ድማ ናብ ኢንድስትሪ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንምስግጋር ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዕንቅፋት ምኳኑ ዝገለፁ እቶም ኮምሽነር ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም እውን ኣብቶም ዘፈራት ለውጢ ከም ዘይተርኣዩ ገሊፆም፡፡ ዕብየት ንግዲ ወፃኢ ንምቅልጣፍ ህንፀት ፖርክታት ኢንስድስትሪ ምዕባይ ዓቕሚ ኣፍረይቲ ኢንድስትርታት ብወገን መንግስቲ ካብ ዝውሰዱ ዘለዉ መፍትሕታት ምኳኖም ሓቢሮም፡፡ ምጣነ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2008 ድሕሪ 50 ዓመታት ዝተፈጠረ ከቢድ ድርቂ ተፃዊሩ 8 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየን ዝተተለመ 11 ሚኢታዊ ዕቤት ብሰንኪ እቲ ድርቂ ኣይተዓወተን ኢሎም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘፈር ኢንድስትሪ ዝዓቢ ዘሎ እንትኮን ካብ ሓፈሻዊ ኢኮኖሚ ሃገርና 16 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝሕዝ ዶክተር ይናገድ ደሴ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ቤትምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንረቂቅ መመሓየሺ ኣዋጅ መሰልን ረብሓን ካብ ሓላፍነቶም ዝለዓሉ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣፅዲቑ፡፡

ኣብቲ ረቂቅ ኣዋጅ መራሕቲ መንግስቲ ኣባላት ቤት ምኽርን ዳያኑን መሰልን ጥቅማ ጥቅምን ዝረኸቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከም ዝኮነ የቕምጥ፡፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘካየዶ 2ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 6ይ ሰሩዕ ጉባኤ ነቲ ረቂቅ መመሓየሺ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ሕዚ ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕተኛ መንግስቲ መሰሉን ጥቅማ ጥቅምን ንምኽባር ኣብ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 653/2001 ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቅ ኣዋጅ ተመያይጡ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ ዝወፀ ረቂቅ ኣዋጅ 8/2009 ኮይኑ ንቀወምቲ ኮሚቴ ንፋይናንስን በጀትን ከምኡ እውን ንመተሓባበርቲ ሕጊ ጉዳያት ፍትሕን ምምሕዳርን ተመሪሑ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡ ዝተወሰኑ ክፋላት እቲ ረቂቅ መመሓየሺ ኣዋጅ ብምምሕያሽ ከምኡ እውን ኣብ በጀት መንግስቲ ዝተፈላለየ ፅልዋ ዘይፈጥር ምኳኑ እቶም ኮሚቴታት ኣረጋጊፆም ናብ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ረቂቅ ኣዋጅ ኣፅዲቕዎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 በዓል መዚ እቶትን ግምሩኽን ኢትዮጵያ ብብርኪ ከፈልቲ ግብሪ መሰረት ዝገበረ ክልተ ሓደሽቲ ኣብያተ ፅሕፈት ክጣየሽ ምኳኑ ገሊፁ፡፡

እዞም ዝጣየሹ ኣብያ ፅሕፈት ኣብ መፃኢ ዓመት ከፈልቲ ግብሪ በቢ ብርኩን ባህሪኡን ንምትእንጋድ ዘክእል ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ኣዲስ ኣበባን ኣናእሽተይ ከፈልቲ ግብሪ ፌዴራልን ምኳኖም እቶም በዓል መዚ ገሊፆም፡፡ ዳይሬክተር በዓል መዚ እቶትን ጉምሩኽን ኣይተ ዮሴፍ ሽፈራው ከፈልቲ ግብሪ ዝተፈላለዩ ባህርን ድልየትን ስለዘለዎም ዝከፍልሉ ቦታ ምችውን ዝተፈላለየን ክኾን ስለዘለዎ ነዚ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንልዑል ከፈልቲ ግብሪ ብብርኪ ፌዴራል ንንኡሳን ከፈልቲ ግብሪ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ክጣየሽ እዩ ኢሎም፡፡ ሓደሽቲ ጨናፍር ኣብያተ ፅሕፈት ንምጥያሽ ስራሕቲ ሰነዳት ተሰሪሑ ከም ዝተዛዘመ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር በቲ ዝተቐመጠ ትልሚ መሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር እዩ ኢሎም፡፡ ኣሰራርሓ እቶም ኣብያተ ፅሕፈት ብዘመናዊ ኣሰራርሓ ንክስራሕን ምስ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝተትሓዘ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኮይኖም ንኽከፍሉ ዘኽእል መንገዲ ንክዝርጋሕ ፃዕሪ እናገበረ ምኳኑ ኣይተ ዮሴፍ ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡