ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ መጋቢት 2009

30/07/2009

ኣፍረይቲ ቡና ኢትዮጵያ ብፍርየቶም ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ዝትግበር እዚ ፕሮጀክት ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ትሕብብር ጣልያን 2ነጥቢ5 ሚሊዮን ዩሮ ብዝተረኸበ ሓገዝ እዩ፡፡ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንድስትሪ /ዩኒዶ/ ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ትሕብብር ጣልያን እቲ ፕሮጀክት ክትግበር ዘክእል ስምምዕነት ሓገዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈራሞም፡፡ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት እውን ፍርያትን ፅርየትን ቡና ንምዕባይ ሓበሬታታት ንምምዝጋብን ንምፍላይን ዓለም ለኸ ተቀባልነቱ ብምውሳኽ ናይ ኣፍረይቲ ኣታዊ ንምዕባይ ምኳኑ ተገሊፁ፡፡ እቲ ፕሮጀክት ብሕብራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንድስትሪ /ዩኒዶ/ ኤጀንሲ ልምዓት ትሕብብር ጣልያን ብሰብ መዚ ልምዓት ዕዳጋ ቡናን ሻይን ኢትዮጵያ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዝትግበር እንትኮን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ደቡብን ኣዲስ ኣበባን ድማ ክትግበር እዩ ክብል ቢሮ ዳይርክተር ኢትዮጵያ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንድስትሪ /ዩኒዶ/ ሚኒስተር ጉስታሾ ኣይሽምበርግ ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሃንፆም ሰለስተ መፀገኒ ቀለም መቀብዒ ሸድን ከመርቅ እዩ፡፡

እቶም ሸዳት እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣቬሽን ኢንድስትሪ ብንጥፈት ንምስታፍ ዘክእሉ እዮም ተባሂሉ፡፡ እቲ ዓብይ ቦይንግ 1-B747-800 ኣውሮፕላን ንምትእንጋድ ዘክእል ቢሮታትን ዝተፈላለዩ ሸቀጣት ዝተማልኡ ሸዳት ካብ 3-6 ሚያዝያ 2009 ዓ/ም ኣብ ዛካየድ ዓለም ለኸ ትካል ሲምፖዝየም ሲቭል ኣቭየሽን ንምረቓ ክበቅዑ እዮም፡ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ 2025 ራኢ እቲ መንገዲ ኣየር ንምዕዋት ዝርግሓ መሰረተ ልምዓት ቀንዲ ጉዳይ ምኳኑ ገሊፆም እቲ ጀሚሮሞ ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ንምቅፃል ብ115 ሚሊዮ ዶላር ህንፀት ምስፍሕፋሕ እናፈፀመ ምኳኑ ኣዘካኪሮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኣስካይን ፣ማላዊ፣ሩዋንዳ ኤይር ፣ኮንጎ ኤርዎይስ ፣ሴይባ ኢንተርኮንትኔታል ከም ኤይር ኮን ንመንገዲ ኣየር ጀም በጀት ሙሉእ ግልጋሎት ፅገና እናሃበ ምኳኑ ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለም ንምስፍሕፋሕ ደረቅ ወደብ ሞጆ ንኣቅርቦት ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማታትን ንፕሮጀክት መወገዲ ረሳሕ ዝውዕል 645 ሚሊዮን ዶላር ልቃሕ ስምምዕነት ተፈራሞም፡፡

ብወገን ሚኒስተር ድኤታ ገንዘብን ኢኮኖሚን ልምዓት ትሕብብር ኣይተ ኣድማሱ ነበበ ምስ ኣብ ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ተወከልቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ካሎሪ ቱርክ እዩ ድማ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡ ካብቲ ዝተፈራረመ ገንዘብ 445 ሚሊዮን ኣሜሪካ ዶላር ልቃሕ ንኣቅርቦት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንፕሮጀክት መወገኒ ርስሓት ዝውዕል እንትኮን 50 ሚሊዮን ኣሜሪካ ዶላር ድማ ንብሄራዊ መሰረተ ልምዓት ፕሮጀክት ዝውዕል ኮይኑ እቲ ዝተረፈ 150 ሚሊዮን ኣሜሪካ ዶላር ንምስፍሕፋሒ ደረቅ ወደብ ሞጆ ከም ዝውዕል ተሓቢሩ፡ ሚኒስተር ድኤታ ኣይተ ኣድማሱ ባንክ ዓለም ኢትዮጵያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍፅሞም ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ኣድኒቆም፡፡ ተወካሊት ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ካሎሪ ቱርክ ብወገነን እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮያ ዝትግበሩ ዘለዉ ልምዓት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኪሩ ክቅፅል እዩ ኢለን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

29/07/2009

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ልዕሊ366 ሽሕ ኣወዳድባ ሕቡራት ሃገራት በፂሑ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ዘዕቆቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 366 ሽሕ ከምዝበፅሑ ውድብ ሕቡራት ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ቁፅሪ ስደተኛታት ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ተመዓዳዳዊ እዩ ዝበለ እቲ ውድብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝኣተው ብሰለስተ ዕፅፊ ይዛይድ ክብል እዩ ዝሓበረ፡፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንብሕታ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ጋምቤላ ዘዕቐሉ ቁፅሪ ስደተኛታት 16ሽሕ 274 ምኳኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ስደተኛታት ጠቒሱ እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ 830 ሽሕ ስደተኛታት 40% ዝኣክሉ ደቡብ ሱዳናውያን ምኳኖም እውን እዩ እንዳተዘረበ ዝርከብ፡፡ ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫኬርን ምክትሎም ዝነበሩ ሪክ ማቻር ዝነበረ ፍሕፍሕ ተደሪኹ ብዝተበገሰ ጎንፂ ብ22ሽሕ ዝቁፀሩ ሰላማዊ ዜጋታት ሱዳን ህይወቶም ንሕልፈት እንትቃልዑ ፣ካብ 2ሚሊዮን ዝዛይዱ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ዜጋታት ከብ ከባቢኦም ተመዛቢሎም እዮም፡፡ ብእትውንኖ ነዳዲ ብመበል ሳልሳይነት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ እትፅራሕ ሃገር ደቡብ ሱዳን ናብ ፍርቂ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ቁፅሪ ዜጋታት ህፁፅ ረድኤት እኽሊ ይጠልቡ፡፡ ብኣቆፃፅራ ግርጎርያን 2016 ወርሒ መስከረም ኣድሂቡ ናብ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ዝኣትው ደቡብ ሱዳናውያን ፣ልዕሊ 65% ህፃውንቲ እንትኾኑ ካብዚኦም ካብ ወለዶም ዝተነፀሉን ወላዲ ዘይብሎምን ህፃውንቲ ቁፅሪ ድማ 17ሽሕ 709 ተባሂሉ፡፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ከምዘፍለጦ ነቶም ተመዛበልቲ ካብ ዘድሊ 157.7 ሚሊዮን ዶላር፣ ዝተረኸበ 6% ጥራሕ ምኳኑ ብዘላቅነት ፍታሕ ንምንዳይ ከምዝሕርብት እዩ ዝተዛረበ ይብል ፀብፃብ ኣናዶሉ፡፡

 ብኦማር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኦልታኒ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኳታር ካብ ዝቅፅል ሰኒ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ኣሚር ኳታር ናብ ስልጣን ካብ ዝሕዙ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ንነዘ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዱ ንፈለማ እዋን እዩ፡፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዑደት ድማ ኣካል እቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት እዩ፡፡ ኣሚር ኳታር ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ፃኒሕቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝበለፀ ንምጥንካር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሓቢርካ ንምስራሕ ክዝትዩ እዮም፡፡ ክለቲኤን ሃገራት ረብሓኣን መሰረት ኣብ ዝገብሩ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት እውን ከም ዝዝትዩ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካውን ንግድን ኢንቨስትመንትን ከም ዝዝትዩ ዝገለፀ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ድማ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘክእል ሰነዳት ክፈራረሙ እዮም ኢሉ፡፡ እቲ ኤምባሲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ 31 መጋቢት 2017 ተራኺቦም ንዑደት እቶም ኣሚር ስራሕቲ ምምችቻው ኩነታትን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝፈረሙ ስምምዓት ናይ ምርቃቅ ስራሕትን ተሰሪሖም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ፅሕፈት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልዕሊ 9ሚሊዮን ብር ቦንድ ዓዲጎም፡፡

ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝውዕል 3ነጥቢ 5 ሚሊዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ዝነበሩ እቶም ትካላት ሃይማኖት ኣብቲ ግድብ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም ብዝፈጠረሎም ምልዕዓል ልዕሊ ትልሞም ክእክቡ ክኢሎም እዮም፡፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሸውዓተ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንህንፀት እቲ ግድብ ሓገዝ ዝገበሩ ኮይኖም ኣብ 4ይ ዙር ዕድጊት ቦንድ ዝተሳተፉ ግና እዚኦም ድማ ቤክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተወህዶ ኢትዮጵያ ሃገረ ስብከት ኢትዮጵያ 6ነጥቢ2 ሚሊዮን ብር ፣ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ 2ነጥቢ1 ሚሊዮን ብር ፣መካነ እየሱስ 400ሽሕ ብር ፣ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣዲስ ኣበባ 250ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም እዮም እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ እቶም ትካላት ገሊፆም፡፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕድጊት ቦንድ ንዝፈፀሙ ትካላት ሃይማኖት ኣፍልጦ ከምዝህብ ቢሮ ጉዳያት ኮምንኬሽን እታ ከተማ ገሊፁ ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ሱዳን ንፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ ብሞዴልነት ከምትጥቀመሉ ገሊፃ፡፡

ሱዳን ንእትገብሮ ምንቅስቃስ ኢንድስትሪያላዊ ልምዓት ንፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ ከምትጥቀም ፕሬዝዳንት ኦማር ሓሰን ኣልበሽር ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳንት ሳልቫኬር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ስራሕ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብምዃን ኣብ ሃዋሳ ፖርክ ኢንድስትሪ ኣብ ዝገብርዎ ምብፃሕ ክሳዕ ሎሚ ልዕሊ 6ሽሕ ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ንዜጋታት ዝፈጠረ እቲ ፖርክ ንምዕባይ ኢንድስትሪ ዝዓበየ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

28/07/2009

ሞዴል ሓረስቶት ኣብ ኣፍረይቲ ኢንድስትሪ ንክፅንበሩ ትኩረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ኢንድስትሪ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ድኤታ እቲ ኢንድስትሪ ዶክተር መብራህቱ መለስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ከይዲ መርኣያ ሓረስቶት ካብ ምሽላም ሓሊፎም ዘፍረይዎ ሃፍቲ ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዳስትሪን ዘፈር ኢንቨስትመንትን ንክውዕሉ ዝተሰርሓ ስራሕ ከምዘየለ ገሊፆም ኣብ ቀፃሊ ግን መርኣያ ሓረስቶት ኣብ ኣፍረይቲ ኢንድስትሪ ንክሳተፉን ኣብ ፖርክታት ኢንድስትሪ መወሃሃዲ ሕርሻን ምትእስሳርን ንክፍጠር ተሳትፎ እቲ ዘፈር ንምዕባይ ተተሊሙ ምህላው ዶክተር መብራህቱ ገሊፆም፡፡ ዕውትነት እቲ ዘፈር ንምርግጋፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 2017 ዝፀንሕ ን13 ዓመት ዝተዳለወ ስትራቴጂ ምህላው ዝገለፁ ዶክተር መብራህቱ ኣብቲ ስትራቴጂ ዝተጠቀሱ ዝርዝር ጉዳያት ሓረስቶት ኣብ ዘፈራት ኣፍረይቲ ኢንድስትሪ ክሳተፉ ዝብል ምህላው ጠቂሶም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ጉጅለ ልምዓት ዝተወዳባ ደቂ ኣንስትዮ ኤች ኣይቪ ኤድስ ንምክልካል ዝተፈላለዩ ምንቅስቃስ ይገብራ ከምዘለዋ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ ዞባ ካብ ሸሞንተ ወረዳታት ዝተውፃኣፀኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ጉጅለ ልምዓት ተወዲበን ልዕሊ 147 ሽሕ ኣዴታት መከላከልን መመሓላፍን ኤች ኣይቪ ኤድስ ግንዛበ ክረኽባ ከምዝገበረ ገሊፀን፡፡ ነባሪት ከተማ ኮረምን ሓፊት ጉጅለ ልምዓትን ዝኮነት ወይዘሮ ጉዳይ ረዳ ምስቲ ቫይረስ ዝነብራ ኣዴታት በቲ ሕማም ምክንያት ዕለታዊ ስራሕተን ከይጉላእላእ ፀረ ኤች ኣይቪ ብኣግባቡ ክጥቀማ ድጋፍ እናገበራ ከም ዝርከባን ካብቲ ጉጅለ ልምዓት በቲ ሕማም ሓሚመን ዝደቀሳ ከምዘይብለን ብምጥቃስ ሕማም ተቃላዕቲ ዝኮና ኣዴታት እንተሃልየን ድማ እኩል ክትትል ከም ዝግበረለን ተዛሪበን፡፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ ኮረም ሲስተር ገርግስ ገብረሂወት ኣብታ ከተማ ዝነብራ ኣስታት 5ሽሕ ኣዴታት ኣብ 139 ጉጅለ ልምዓት ተወዲበን መዕበይ ግንዛበ ምክልካል ገዛ ንገዛ ብምዝውዋር ኣብ ምምሃር ከም ዝርከባን ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ድማ ካብታ ዞባ ዝርከባ ጣብያታት ጥዕና ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ ካብ ዝገብሩ 40 ሽሕ ሰባት ውሽጢ እቶም 379 ኣብ ደሞም ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ዝተረከቦም እዩ ኢለን፡፡ ኣብ ቀፃሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብታ ዞባ ዝርከቡ ልዕሊ 70 ሽሕ ነበርቲ ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ ክካየድ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሓ ይስራሕ ከም ዘሎ ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ልዕሊ 4ሽሕ ደርሁ ብሕማም ሞይተንኦም ዝነበራ መናእሰይ ሓደሽቲ ደራሁ ተተኪኤናሎም፡፡

ኣብ ሕርሻ ከተማ ዝተዋፈሩ እቶም መናእሰይ ካብ መተካእታ እተን ደራሁ ብተወሳኺ መንበሪን ቀለብን ብቤት ፅሕፈት ሕርሻ ከተማ መቐለ ከምዝተወሃቦም ተሓቢሩ፡፡ ካብቶም ኣብ ምርባሕ ደርሆ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ወይዘሪት ሰላም ዮሃንስ ከም ዝገለፀቶ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኪሳራ ንምሕጋዝ ብዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ተገይሩልና እዩ ኢላ፡፡ ካብ ሕማም ናፃ ክኾና እተን ደራሁት ዝሕግዘና ፅሬት ዘለዎ መንበሪ ደርሆ ክንረክብን መተካእታ ደርሁት ክንወሃብን ብምግባሩ ንዝበለፀ መፍረያይነት ይሕግዘና እዩ ምባላ ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣዝመራ ኣርኣያ ፀብፂባ፡፡

27/07/2009

ኢትዮጵያ ምስ ጀርመን ዘለዋ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ዝበለፀ ንምዕባይ ከም እትሰርሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ፣ሚኒስተር ልምዓት ምተሕብባር ኢኮኖሚ ጀርመን ዶክተር ጋረዳ ሙለር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዘነጋገርሉ እዋን ፣ኢትዮያ ምስ ጀርመን ኣብ ዘፈራት ቴክኒክን ሞያን ንግድን ኢንቨስትመንትን ካልኦትን ዘለዎም ርክብ ዝበለፀ ንምጥንካር ጀርመን ክትሰርሖ እያ ኢሎም፡፡ ዶክተር ጋርዳ ሙለር ብወገኖም ጀርመን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ንኢትዮጵያ ክትድግፍ ከምእትደሊ ገሊፆም፡፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ድርቂ ኣብ ሰብን እንስሳን ጉድኣት ከይበፅሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም ጀርመን ድማ እጃም ንምውፃእ ድልውቲ ምኳና ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምፃእን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምዕሳል ዝግብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ጉጅለ ልኡኽ ጀርመን ንኢዶም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ በጀት ዓመት ሸሞንተ ኣዋርሕ 18 ዓበይቲ 35 ኣናእሽትን ማእከለዎትን ኩባንያታት ወፃኢ ፍቃድ ኢንቨስትመንት ብምውፃእ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ምእታዎም ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስተር ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፀብፃብ ኣብ ዘቅርብሉ እዩ ድማ ነዚ ዝበሉ፡፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምዕባይ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ትካላት ሰብ ሃፍትን ብምፅራይ ኣብ ኢትዮጵያ ሃፍተ ገነቶም ከፍሱ ከምዝተገበረ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ኢንድስትሪ ኢነርጂ ሕርሻን ካልኦት ዘፈራት ኣብ ኢትዮጵያ ምስራሕ ዝደልዩ 25 ዓበይቲ ትካላት ንፅንዓት ኢንቨስትመንት ዳህሳስ ገይሮም እዮም፡፡ ኣብ ኣናእሽተይ ማእከለዎትን ዝተዋፈሩ 392 ሰብ ሃፍተን ትካላትን ኣብ ኣድለይቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ንምስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ፅንዓት ምግባም ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ እናሃነፆም ዘሎ ፖርክታት ኢንድስትሪ እውን ተሳተፍቲ ንክኾኑ ምንቅስቃሳት ክግበር እዩ ክብሉ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ማእከል መሰልጠኒ ኣመራርሓ ስራሕ ደብረዘይት ኣብ ምፍታሕ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ለውጢ ንምምፃእ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቅፅል ቆዋሚ ኮሚቴ ጉዳት ሰናይ ምምሕዳር ን ልምዓት ሓይሊ ሰብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣባላት እቲ ቆዋሚ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ ኢንስትትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣብ ዘማእክል ዑደት ዘካየደ ኮይኑ ምስ ኣመራርሓ ድማ ዘተ ኣካይድ እዩ፡፡ እቲ ማእከል ኣብ ኣፈፃፅማ መሳርሕታት ለውጢ ኣብ ኣፈታትሓ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ስልጠናን ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቃስ ዘተባብዕ ምኳኑ መተሓባሪት ጉጅለ እቲ ኮሚቴ ወይዘሮ ፋንታዮ ባቡሎ ገሊፀን፡፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእከል ኣይተ ክበበው ጣፋ ብወገኖም እቲ ማእከል ብናይ ባዕሎም ኣታዊ ዝመሓዳደር ምኳኑ ጠቂሶም ኣባላት መንግስቲን ካልኦትን ብዘላቅነት ቅልጡፍን ውፅኢታውን ግልጋሎት ንክህቡ ኣብ ልምዓት ዘመናዊ ጥበብ ኣመራርሓ ስልጠና እናሃበ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ እቲ ማእከል ህዝቢ ስልጠና ዝበለፀ ንምስላጥ ብ107 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝጀመሮ ህንፀት ምስፍሕፋሕ 84 ሚኢታዊ ድሕሪ ምዝዛም ብሕፅረት በጀት ብምቅራፅ ልቃሕ ንክመቻቸየሉ ሓቲቶም፡፡ ህንፀት ምስፍሕፋሕ እቲ ማእከል ኣመልኪቱ ካልኦት ብድጋፍ ቦርድ ከፍፅሙ ዝግበኦ ጉዳያት መልሲ ንክረክቡ ቆዋሚ ኮሚቴ ምስ ዝምልከቶም መመዳርግቲ ኣካላት ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

26/07/2009

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት እተመዝግቦም ዘላ ቅልጡፍ ዕብየት ኣብነት ሃገራት ኣፍሪካ ኮይና አያ ኢሎም ኣዛዚ ወተዳራዊ ኮሌጅ ኡጋንዳ ኮማንዳንት ሌተናል ጀአኔራል ኢንድሪው ጉቲ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ ካብ ወታደራዊ ኮሌጅ ኡጋንዳ ዝመፁ 26 ኣዘዝትን ተምሃሮን ኢትዮጵያ እናመዝገበቶ ዘላ ዕብየት ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ገለፃ ሂበምዎም፡፡ ኣብዚ ወታደራዊ ኮሌጅ ኡጋንዳ ኮማንዳንት ሌተናል ጀኔራል ኣንድሪው ጉቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ማእከል ኣፍረይቲ ኢንድስትሪ ንክትኮን እትገብሮ ምንቅስቃስ ንኢዶም ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ከባብያውን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብሓባር እናሰርሓ ምኳነን ገሊፆም፡፡ እቶም ተምሃሮ ወተሃደራዊ ኮሌጅ ብወገኖም ኢትዮጵያ ካብ ምምዝጋብ ቅልጡፍ ዕብየት ሓሊፉ ካብ ኣፍሪካ ልዑል ዝኮነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ንኢዶም እዮም፡፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ ብወገኖም መሰረት ቅልጠፍ ዕብየት ሃገር ቀንዲ መሰረት ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምርግጋፅን ትካላት ዲሞክራሲ ብምህናፅን ምኳኑ ድሕሪ ምግላፆም ኡጋንዳ ኣብ ጎረቤት ሃገራት ሶማልያን ኡጋንዳን ዘሎ ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ልውውጥ ባህሊ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም፡፡ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ 1970 ዓ/ም ዝተጀመረ እንትከውን ኢትዮጵያ ኣብ 1995 ዓ/ም ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኡጋንዳ ኣብ 1996 ዓ/ም ኢምባሲኣ ከፊታ እያ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መፍረይቲ ኢንድስትርታትን ህንፃታትን ንምቁፅፃር ብክለት ብርሃንን ኬሚካልን ድምፅን ብተልመዳዊ ዝኽተሎ ዝነበረ ኣሰራርሓ ዝቅይር ዘመናዊ መስርሒ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ረብሓ ክውዕል እዩ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ፌዴራል፡፡

እቲ ሚኒስተር ንምቁፅፃር ብክለት ብርሃን ኬሚካልን ድምፅን ዘክእል መሳርሒ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክፍፀም እዩ እኳ እንተተበሃለ ክሳብ ሕዚ ብዘይምፍፃሙ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንድስትሪ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከምዝገለፅዎ ንልዑል ጉድኣት ዓይንን መጠን ምስማዕ ምንካዮምን ገሊፆም፡፡ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት እኳ እንተተጀመረ እቲ መሳርሒ ዘቅርቡ ኣካላት ግን ቁፅሮም ክልተ ጥራሕ ምኳኖም እቶም ናውትታት ብእዋኖም ምቅራብ ከምዘይተከኣለ ገሊፆም ኣብዚ ዝተትሓዘ ዓመት ተግባራዊ ከም ዝከውን ግን እቲ ሚኒስተር ገሊፁ፡፡ ምክልካል ድሕንነት እቶም ሰራሕተኛታት እውን ነቶም ልዑል መጠን ኬሚካል ድምፅን ብርሃንን ዝጥቀሙ ኢንድስትሪ ብቁልጡፍ ከስተካክሉ ቁፅፅር ከም ዝግበር ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ቤት ምኽሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣጣይሾም፡፡

ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ኣብ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ግዳዮም ንምውፋይ ንምንቅስቃስ ኣብ ሮተርዳም ቤት ምኽሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣጣይሾም፡፡ እቶም ኣባላት ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተጀመረሉ 6ይ ዓመት ኣብ ዝፅምበልሉ ፣ንስሩዕ ስእሊ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ከም ዝሰርሑ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ምድላው ኣብ ቤኒሉክስ፣ ሃገራት ባልቴክን ኣውሮፖዊ ሕብረትን ኣምባሳደር ዝኮኑ ኣይተ ተሸመ ቶጋ ብዛዕባ ህለዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንኣባላት ድያስፖራ ኣብሪ ሆም ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣብ ክልል ሃረር ኣብ ዝተገበረ ዓሚቕ ተሃድሶ ኣብ ልዕሊ 1ሽሕን 50ን ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ስጉምቲ ተወሲዱ፡፡

ኣብ ክልል ሃረር ኣብ ዝተገበሩ ገምጋማት ዓሚቕ ተሃድሶ ኣብ ልዕሊ 1ሽሕን 50ን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ካብ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ክሳብ ምስጓግ ዝበፅሑ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ሲቪል ሰርቪስ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ ብግልፂ ብልሽውና እናሳዕረረ ምምፅኡ ዝተፈለጠ ኮይኑ ኣካብነት ክራይ ዝበዝሓ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተገምገሙ ኮይኖም ኣብቲ ናይ ምፍላይ መስርሕ ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ 7ኣመራርሓ እቲ ክልል ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ኮይኖም ኣብቶም 18 ድማ ቦታ ምቅያር ተገይሩ እዩ፡፡ እቶም 935 ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ዝነበሩ ኮይኖም ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ሓያል ፀገማት ብምፍጣሮምን ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ዝተራእዩ ምንቁልቋዕል መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ከም ዝኮነ ኢቢሲ ሓቢሩ፡፡

25/07/2009

ኣብ ሚኒስተር ኮንስትራክሽን ጉጅለ ቁፅፅር ናይ ሓሶት መረዳእታ ብምጥቃምን መረጋገፂ ብቕዓት ከየሓደሱ ክንቀሳቐሱ ረኺበዮም ኢሉ ካብ ስራሕ ኣብ ዝኣገዶም 177 ስራሕ ተቋረፅቲ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡

እቲ ሚኒስተር ዘሕለፎ ውሳነ ገበን ምፅራይ ፌዴራልን ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ብዝገበርዎ ምክትታል ኣብ ዘይሕጋዊ መንገዲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ወነንቲ ብርኪ 4ክሳብ10 ተኸናተርቲ ስራሕ፡፡ ካብዚኣቶም እቶም 141 ተኾናተርቲ ንህዝብን መንግስትን ናይ መወዳእታ ይቕሬታ ሓቲቶምን ዝግባእ ስልጠና ረኺቦምን እዋናዊ ብቕዓቶም ተረጋጊፁ ፍቓድ ስራሖም ኣሓዲሶም ከም ብሓድሽ ናብ ስራሕ ክኣትው ይቕሬታ ተገይርሎም እዩ፡፡ 36 ተኾናተርቲ ግና ዘይሕጋዊ መረዳእታ ተጠቂሞም ኣየር ብኣየር ክሰርሑ ዝፀንሑ እቲ ይቅሬታ ከም ዘይምልከቶም ገሊፁ፡፡ እቲ ሚኒስተር ከምዚ ዝበለ ፀገም ንምቁፅፃር ዘኽእል ስርዓት ምዝርግሑ ገሊፁ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ጣብያ ስምረት ኣብ መናእሰይ ዝነበረ ዘይምስናይ ብምትሕብባር ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዓበይቲ ዓድን ፖሊስን ዋዕላ ሰላም መናእሰይ ተካይዱ፡፡

ዋና ኣማሓዳሪት ክፍለ ከተማ ሓድነት መምህር ኣስኳል ረዳ መናእሰይ ተረከብቲ ዓዲ ምኳኖም ተረዲኦም እቲ ሕዚ ዘሎ ሰላምን ዲሞክራስን ተጠቂሞም እቶም ዘየድልዩ ስራሕቲ ንፀጋም ገዲፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተዋፊሮም ንለውጢ ክፅዕሩ ይግባእ ኢለን፡፡ ሓላፊ ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ደጀን ኣረፈ ብወገኖም እቶም ኣብ ዘድልዩ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ መናእሰይ ስራሕ ስለ ዘይብሎም ዘጋጥም ዘሎ እዩ ምስ በሉ መንግስትና ኣብ ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ዝለዓለ ጠመተ ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎን መናእሰይ እውን ንስራሕ ዝለዓለ ጠመተ ሂቦም ብምስራሕ ኢኮኖሚያዊ ተጠቀምቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም፡፡ ወለዲ ኣብ ለውጢ እቶም መናእሰይ እጃሞም ክዋፅኡ እውን ፀዊዖም፡፡ ኣብ መወዳእታ ተወካሊ እቶም መናእሰይ ሃፍቶም ኣማረ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ንድሕሪ ሕዚ ንከይድገም ናይ ኩላትና ግደ ኮይኑ ንሕና መናእሰይ ንከባቢና ሰላምን ድሕንነትን ትኩረት ሂብና ብውዳበና ኣቢልና ሰላም ከባቢና ክነንግስ ይግባእ ኢሉ ክብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ተክለማርያም ኣስመላሽ ፀብፂቡ፡፡

 ሓድሽ ዝተዋደደ ስትራቴጂ ሓለዋ ጥዕና፣ ፅሬትን ፅባቐን ከተማታት ዕላዊ ኮይኑ፡፡

እቲ ዝተዋደደ ስትራቴጂ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሓዊሱ 7ተ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስተራት ብሓባር ዘተግብርዎ እዩ፡፡ ኣብቲ ስትራተጂ ካልኦት ጉዳያትን ዝዝቲ ጉባኤ ጥዕና ከተማታት ንፈላማ እዋን ኣብ ኢትዮያ ይካየድ ኣሎ፡፡ ካብ ንከተማታት ብተወሳኺ ሃገርለኸ ስትራጂ ሓለዋ ጥዕና፣ ፅሬትን ፅባቐን ግንዛበ ህዝቢ ንምዕባይ እውን ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ፡፡ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ስትራቴጂ ኣብ 2017 ዓ/ም ካብ ነበርትን ትካላትን ዝእከብ ጓሓፍ 50 ሚኢታዊ ደረቕ ጓሓፍ መሊስካ ናብ ረብሓ ንምዓል ዘብል ዝሓዘ ኾይኑ ምትሕብባር ኣፈፀምቲ ኣብያ ዕዮ ሚኒስተራት ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 22/07/2009

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ብርኪ ህንፀት ሓይሊ ከፈልፍል ዝክእሉ ስራሕቲ ኤሌክትሮን ሃይድሮ መካኒካልን ይካየድ ምህላዎም ተገሊፁ፡፡

ተከላ ተርበይንን ጀኔሬተርን እውን ይካየድ ከምዘሎ ኮርፕሬሽን ኢንጅነሪንግ ሓፂን መፂን ኣፍሊጡ፡፡ ህንፀት እቲ ግድብ እንትጅምር 5ሽሕን 250 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ተሓሲቡ ዝነበረ ዋላ እኳ እንተኮነ ቀፂሉ 6ሽሕ ሜጋዋት ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ መንግስቲ ዕላዊ ብዝገበሮ ሓበሬታ መሰረት 6ሽሕን 450 ሜጋዋት ናይ ምፍልፋል ዓቅሚ ኣለዎ፡፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምርምርን ልምዓት ኮርፕሬሽን ኢንጅነሪንግ ሓፂን መፂን ኢትዮጵያ ኢንጅነር ሻለቃ ታዮ ፈረደ ስራሕቲ ሲቪል እቲ ህንፀት ብትካል ሳሊኒ ይስራሕ ዘሎ ኮይኑ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሚ ስራሕቲ ኤሌክትሮ መካኒካል ይሳለጥ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግድብ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበፅሓ ኮይኑ ሕድሕዶም 375 ሜጋዋት ዘፈልፍሉ ክልተ ዩኒታት ሓይሊ ከፈልፍሉ ዘኽእል ስራሕቲ ተሰሪሑ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም፡፡ እቲ ግደብ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ብርኪ ህንፀት ሓይሊ ንክፍልፍል ፅሬትን ደሕንነትን ክትከሉ ዝግበኦም ናውቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ኣብ ምርግጋፅ ከምዝርከብ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ንዓብይ ግደብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ልዕሊ 8ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ዘፈልፍሉ ግድባት ኣብ ህንፀት ከምዝርከቡ ሚኒስተር ማይን መስኖን ኤሌክትሪክን ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስቴር እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ኣብ ሜጋ ፕሮጀክት ይፍጠር ዘሎ ፍልጠትን ስግግር ቴክኖሎጂን ሃገርና ኣብ ቐፃሊ ሜጋ ፕሮጀክታት ሙሉእ ንሙሉእ ብናይ በዕላ ዓቕሚ ክትሃንፅ ትክእለሉ ዕደል ይፍጠር ኣሎ ኢሎም፡ ኢትዮጵያ ካብ ማይ ጥራሕ ኣስታት 45ሽሕ ሜጋዋት ሕዚ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ብዝሓሸ ተጠቒማ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብዚ ሕዚ እዋን 8ሽሕ ሜጋዋት ዘፈለፍሉ ግድባት ትሃንፅ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ይርከብ ዘሎ 4284 ሜጋዋት ቐረብ ሓይሊ ክሳብ መወዳእታ ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን 17ሽሕ ሜጋዋት ንምብፃሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምላእ ከምኒ ንፋስን ፀሓይን ዝኣምሰሉ መማረፅታት ናይ ምጥቃም ምንቅስቃስ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ሓበራዊ ተጠቃምነት ኣብ ዘረጋገፁ ዘፈራት ምስ ዛምብያ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሰላምን ፀጥታን ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ፣ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኣፍሪካ ብሰፊሑ ዝርኣ ስእነት ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ፣ ብምክንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝተፈጠር ፅዕንቶ ግብረ ራዕዳን ካልኦት ፀገማት ዘይምርግጋዕን ንምቅራፍ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያን ዛንብያን ኣብ ቁልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘለዋ ሃገራት ብምኳነን ክሳብ ሕዚ ዝሓለፎኦም መንገድታት ብቐሊል ሓቢርካ ንምስራሕ ተሞክሮን ስንቅን ይኮነን እዩ ኢሎም፡፡ ፕሬዝዳንት ዛምብያ ኤድጋር ሳግዋ ሉንጎ ብወገኖም ኢትዮጵያ ብወገን ኢጋድ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ንምዕሳል እትገብሮ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ተጠቃምነት ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ፣ኣብ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንተን ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ሓይሊ ሓቢርካ ንምስራሕ ድልውነቶም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

21/07/2009

ኣብ ስዑድ ዓረብያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብሰላም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ መንግስቲ ምድላዋ ምውጋድ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚንኬሽን ዶክተር ነጋሪ ሌንጮ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነበሩ ዜጋታት ብጉጉይ ሓበሬታ ከይታለሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ መንግሰቲ ስዑድ ዓረብ ካብ 20 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 90 ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዘይብሎም ዜጋታት ዝኮነ ይኹን ሃገራት ንክወፁ ናይ እፎይታ ግዘ ሂቡ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብዚ እዋን እፎይታ ድማ ዘፍረይዎ ሃፍትን ንብረትን ሒዞም ንክወፁ ብዝተወሰነ መሰረት ኣብኡ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ብሰላም ንክወፁ መንግስቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ብምዝርራብ ኩነታት ኣመቻቺዩ እዩ ኢሎም፡፡ በዚ ድማ መንግስታት ሃገራት ዓረብ ሕጊ የውፅእ እምበር ኣይትግብርዎን ካለኦት ጉጉያት ሓበሬታታት ይናፈሱ ብምህላዎም ዜጋታት በዚ ጉጉይ ሓበሬታ ከይታለሉ ኣብቲ ዝተወሃበ እዋን እፎይታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሓቲቶም፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓድ እውን ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ግብረ ሓይሊ ከምኡ እወን ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ ስራሕ ጀሚሩ እዩ፡፡ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ነዚ ጉዳይ እናተከታለ ሓበሬታ ንህዝቢ ከም ዘቕርብ ዶክተር ነጋሪ ተዛሪቦም ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

20/07/2009

22ሃገር ለኸ ውድባት ፖለቲካ ኣብ መዛተይ ጉዳይ ክልተ ዝተፈላለየ ቕዋም ሒዞም እናተኸራኸሩ እዮም፡፡

ን6ይ እዋን ዝካየድ ዘተ ውድባት ፖለቲካ ሃገርና ነቲ ዘተ ብመሪሕ 3ይ ወገን ኣድላይ እዩ ብዝብል ክከራኸሩ ዝፀንሑ ውድባት ፖለቲካ ቅዋሞም ቐይሮም፡፡ እቶም ቅዋሞም ቀይሮም ዘለዉ ኣንድነት ፣ቅንጅት ፣ኢትፖ ኢዴኤንን ወሆዴፖን እዮም፡፡ ዲሞክራስያዊ ውደብ መላእ ኦሮሞ ቅድሚ ሕዚ ሒዝዎ ኣብ ዝፀንሓ ቅዋሙ ብምፅናዕ 3ይ ወገን መዛተይ ኣየድልን ዝብል እምነት ዳግም ገሊፁ ሎ፡፡ መሒራ ውድብ ኢህወዴግ ብወገኑ እቲ ዘተ ብውድባት ፖለቲካ በቢ ዙርይኡ ክመርሖ ወይ እውን ካብ ውድባት ፖለቲካ ብዝተወከሉ ይመራሕ እቲ ዘተ ዝብል ቅዋም መማረፂ ዘይብሉ ብሕታዊ ቅዋም ምዃኑ ገሊፁ፡፡ ብካሊእ ወገን ድማ ኤዴፖ ፣ሰማያዊ ፖርት፣ኢራን ዝሓዘ ካብ 6ተ ውድባት ፖለቲካ ድማ ብዘይካ 3ይ ወገን መዘተይ እናካይዶ ዘተ የለን ኣብ ዝብል ቅዋሞም ይርከቡ፡፡ እቶም ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ዘካይድዎ ዘለዉ ምክክር እናቐፀለ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዘጋጥም ዘሎ ድርቂ ቁፅሪ ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት ምውሳኹ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ፡፡

ቁፅሪ ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ብክንደይ ዝኣክል ኣሃዝ ምውሳኹ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ክገብር እየ ኢሉ ኣሎ፡፡ ንግዳያት እቲ ዘጋጠመ ድርቂ ሓገዝ እኽልን ቀለብ እንስሳን እናቕረበ ምዃኑ ገሊፁ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰብ ሞያ ብዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ካብ ወርሒ ጥሪ 2009 ዓ/ም ክሳብ ታሕሳስ ቁፅሪ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት 5ነጥቢ6 ሚሊዮን ክኸውን ተተንብዩ ነይሩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ኮምሽነር ምትኩ ካሳ ኣብ ደቡብ ኦሞ ቦረና ጎጂ ፣ምዕራብ ጎጂ ፣ምብራቕ ሃረርጌ ፣ባሌ ቆላ ወረዳታትን ክልል ሶማልያ ኢትየጵያን ብዝሓለፉ ኣሳሕይታ ጉድኣት ዝበፅሖምን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ምውሳኹን ገሊፆም፡፡ እቶም ኮምሽነር ክልላት ትግራይን ዓፋርን ንክልል ሶማልያ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ድማ ንክልል ኦሮሚያ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ሓገዝ ምግባረን ምግላፆም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ሰኣን መሸጢ ቦታ ዘይምርካብን ተመዝገብቲ ቫት ብዘይምዃኖም ንተጠቀምቲ ብቀጥታ ንክሸጡ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ገሊፆም፡፡

ሓረስቶት ጣብያታት ግራን ድድባን ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልምዓት መስኖ ኣብ ዝራእቲ ቅድመ ምድላው ፣ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፣ኣብ ምትእስሳር ዕደጋን ካልኦት ጉዳያት ሕርሻን ምስ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ዘትዮም፡፡ እቶም ሓረስቶት ኣብ ከተማ መቐለ ዘፍርይዎ ፍርያት ሕርሻ ሰኣን መሸጢ ቦታ ብቀጥታ ንምሻጥ ምፅጋሞም ገሊፆም፡፡ ሓረስታይ ኣብርሃ ገብረመድህን ሓረስታይ ጣብያ ግራቶ እንትኾኑ ሰኣን መሸጣ ቦታ ፍርያቶም ተዋግዮም ካብ ዘይምሻጦም ብተወሳኺ ንነጋዶ ብሕሳር ዋጋ ክሸጡ ከምዘገደዶምን ገሊፆም፡፡ እቶም ዝገዝእዎም ነጋዶ ድማ ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኾም ዝሸጡ ብምዃኖም ሸማቲ ሕብረተሰብ እናተጎድኣ ከምዘሎ እውን እቶም ኣባላት ቀወምቲ ኮሚቴ ገሊፆምሎም እዮም፡፡ መተሓባበሪ ኣባላት ቀወምቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ኣይተ ኣረጋዊ ኣፅብሃ ብወገኖም እቲ ሓረስታይ ዘልዓልዎ ፀገም ትኽክል ምዃኑን ገሊፆም ንክፍታሕ ድማ በቢ ብርኩ ንዝርከቡ ኣፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ ከብፅሑ ምዃኖም ከምዝገለፁ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ቀዳይ ሚኒስተር ኢፌዲሪ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዛምብያ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሉካሳ ኣትዮም፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ ኬኔት ካውንዳ መዕረፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ድማ ብፕሬዝዳንት እታ ሃገር ኤድጋር ቻግዋ ሉንጋ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኾን ንኽብሮም ክበሃል ድማ 21 ግዘ መድፍዕ ተተኪሱ እዩ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ኣብ ሓበራዊ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዝዝትዩ እንትኾኑ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ክፍርሙ ድማ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣብ መበል 28 ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፃኒሒት ዝነበሮም ፕሬዝዳንት ዛምብያ ፣ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻን ቆርበትን ልምዓት ጨርቃ መርቅን ተሞክሮ ክትወስድ ከም እትደሊ ምግላፆም ይዝከር፡፡ በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ልውውጥ ተሞክሮታት ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ክማኸሩ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እትርከብ ዛምብያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 1964 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ድሕሪ ናፃ ምውፃእ ኣብ 1965 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ምክፋታ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

19/07/2009

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሃገርና ዝህነፁ መስመራት ባቡር ካብ ህንፀቶም ክሳብ ምሕደራ ዘሎ ስራሕቲ ንውልቀ ትካላት ክዋሃብ እዩ ተባሂሉ፡፡

ኮርፓሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ሞጆ- ሃዋሳ ፣ኣርባምንጭ ሞያሌ ህንፀቱ እቲ መስመርን ምህደራኡን ንትካል ወፃኢ ሃገር ንምሃብ ዘክእል መረዳድኢ ክታም ተፈሪሙ፡፡ ኣብ ካልኣይ ዕብየትን ስግግርን ሃገርና ንክትሃንፆም ትልሚ ካብ ዝሓዞም መስመራት ባቡር እንትኮን ነዚ ቀንዲ ምክንያት ድማ ሕፅረት ኣቅርቦት ልቃሕ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡ ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፕሬሽን ዶክተር ኢንጅነር ጌታቸው በትሩ እቲ ስምምዕነት ተመሳሲሉ ኣመራርሓ ተጠቂሙ ውፅኢታዊ ዝኮኑ ሃገራት ተሞክሮ መሰረት ዝገበረ ምኳኑን ቻይና ፣ኣሜሪካ ፣ጃፖን፣ ካብ ኣፍሪካ ግብፂ ኣመራርሓን ውፅኢታውያን ምኳነን ካብኣተን ብምውሳድ ብመንግስትን በቲ ሃናፂ ትካልን ዝበፅሕ ስምምዕነት ዝተመስረተ እዩ ኢሎም፡፡ እዚ ኣመራርሓ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ምኳኑ ዝገለፀ ዶክተር ኢንጅነር ጌታቸው ኣብ ትልሚ ካልኣይ ዕቤትን ስግግርን በዚ መልክዕ ንክህነፅ ትልሚ ምትሓዝ ተዛሪቦም፡፡ ብሓፈሻ ክሳብ 5ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝንዋሕቱ መስመራት ባቡር ሃገርና ንምህናፅ ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኮን እቲ ትልሚ ንምዕዋት እውን ብውልቀ ትካላት ንምህናፅ ዘኽእል ኣዋፃኢ መፅናዕቲ እናተካየደ ይርከብ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ዝራእትን ኣትክልትን ጉድኣት ዘብፅሕ ፍል ኣርማ ዋርሞ ዝተበሃለ ሓድሽ ታሞች ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ደቡብ ተራእዩ ኢሉ ኣሎ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን፡፡

እቲ ተራእዩ ዘሎ ተሞች ኣብ ኣፅዋት ዝበፅሕ ጉድኣት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝረኣዩ ዝነበረ ዘርእታት ተሞች ዝተፈላለየን ሓደገኛ ምኳኑ ሓረስቶት ተገንዚቦም ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ እቲ ሚኒስተር ኣተሓሳሲቡ፡፡ እዚ ሓድሽ ጉድኣት ዘብፅሕ ዘርኢ ካብ 100 ዝበልፁ ዘርእታት ምሽላ ባሕሪ ፣ስንዳይ ፣ማሽላ ፣ዳጉሻ ፣ሽኮር ኣገዳ ፣ዓተር ፣ድንሽ ፣ጡጥን ኣትክልትን ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ዘጥቅዕ እዩ፡፡ ዶክተር ቁፅፅር ፅሬትን ጥዕና ኣፅዋርን ሃገርና ጀኔራል ኣይተ ወልደሓዋርያት ፍል ኣርሚ ምርምር ዝተበሃለ እዚ ኣጥቃዒ ዘራእትን ክትከሉ ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ቤንች ማጅ፣ ሸካን ከፋን ዞባታት ተራእዩ እዩ፡፡ እዚ ተባይ ንምክልካል ሓረስቶትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ክትትል ብምግባር ንዝምልከቶ ኣካል ፀብፃብ ከብፅሑ ይግባእ ምስበሉ ምልክቱ ድማ ኣብ ዕቤት ዘሎ ኩሉ ክፋላት እቲ ተኽሊ ብምምጋብ ካብ ፍርያት ዓብይ ጉድኣት ዘብፅሕ ምኳኑ ገሊፆም፡፡ እዚ ፀገም ንምንካይ እውን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰብ ሞያታት ኤክስቴንሽን ኣብ 275 ሄክታር ዝተዘርኣ ምሽላ ባሕሪ ሓሙሽተ ሽሕ ሊትሮ ፀረ ተባይ መድሓኒት ምርጫው ተገሊፁ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ሰብ ሃፍቲ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ ነበርቲ እቲ ክለብ ዝውዕል ሓገዝ ኣተኣኻኺቦም፡፡

ብተበግሶ ክልተ ሰብ ሃፍቲ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ደገፍ እንዳተኣከበ ይርከብ ፣ትማሊ ጥራሕ 10ሽሕን 5ሚኢትን ኩንታል እኽሊ ተረኺቡ እዩ፡፡ ሓገዝ ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ በቲ ድርቂ ዝተጠቕዑ ወገናት ዘላቂ ብዝኾነ መልክዑ እግሪ ክሳዕ ዝተኽሉ ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅል ሓቢሮም፡፡ ዝኣከብዎ ደገፍ እኽሊ እውን ብናይ ባዕሎም ተሽከርከርቲ ንተጠቀምቲ ንከብፅሑ ቃል ምእታዎም ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ፡፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ጉጂ ፣ምዕራብ ጉጂ ፣ቦረና ፣ምስራቅን ምዕራብን ሃረርጌ ዞባ ድርቂ ኣጋጢሙ እዩ፡፡ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዝተፈላለዩ ደገፋት እንዳገበሩ እንትኾኑ ፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ድማ 5ሽሕ ኩንታል ስርናይ እቲ ከባቢ ካብ ዘጋጠሞ ድርቅን ክሳዕ ዝውገድ ግልጋሎት ንክህባ ክልተ ማይ ዘመላልሳ ተሽከርከርቲ ለጊሱ ኣሎ፡፡ መንግስቲ እታ ክልል ከዓ ብድርቂ ኣብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ልዕሊ 2ሚሊዮን 39ሽሕ ዜጋታት ምግብን ማይን ሓገዝ እንዳገበረ ይርከብ፡፡ ነበርቲ እቲ ክልል መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት እውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት እንዳገበሩ ይርከቡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ልዕሊ 30 ሚሊዮን ሰብ ሃፍቲ ጃፖን ኣብ ኢትዮያ ብኢንቨስትመንት ክዋፈሩ እዮም፡፡

ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ብኣምባሳደር ጃፖን ኣብ ኢትዮጵያ ሺንቺ ሳዳ ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ተቐቢሎም ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ልምዓት ፖርክ ኢንድስትሪ ሓድሽ ምትሕብባር ንምጅማር ከምኡ እውን ኣብ ኢንቨስትመንት ፣ንግዲ ፣ስግግር ቴክኖሎጅን ጉዳያት ፖሊስን ብደረጃ ኣህጉር ንምትሕብባርን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሓ ተፈሊጡ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ኢትዮጵያን ጃፖንን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሓ ርክብ ከምዘለወን ድሕሪ ምግላፅ ናይተን ሃገራት ክልቲኣዊ ርክብ ክሰጥም ከም ዝግባእ ኣዘኻሮም፡፡ ኣምባሳደር ጃፖን ኣብ ኢትዮጵያ ሺንች ሳዳ ብወገኖም ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ርክብ ብምንኣድ ሰብ ሃፍቲ ጃፖን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ንምስታፍ 30 ኣባላት ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንምግባር ከም ዝመፀ ድሕሪ ምጥቃስ ጃፖን ምስ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ልምዓት ኣፍሪካ ቶክዮ ከምትቕፅለሉ ገሊፃ ኣላ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

18/07/2009

ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ስደተኛታት ሶማልያ ካብ ድርቂ ዘብፅሖ ጉድኣት ብምህዳም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ፡፡

መብዛሕቲኦም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ዘለዉ ስደተኛታት ሶማልያ ካብ ቤይ ፣ጌዶን ማእከላይ ጁባ ካብ ዝተበሃሉ ግዝኣታት እንትኮኑ መብዛሕቲኦም ብምርባሕ ከፍትን ሕርሻን ዝማሓደሩ ምኳኖም ተገሊፁ፡፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቐመጦ ግምት በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ኣስታት 4ሽሕን 3ሚኢቲ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው እንትኮኑ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቁፀሩ ድማ ተመዛቢሎም እዮም፡፡ ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ መኮነን ጥዕና ሳንድራ ሃርላኮ እቶም ብሰንኪ ጥሜት ዝተሰደዱ ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ህፃናትን ኣዴታትን እንትኮኑ ኩነታቶም ኣስጋኢ ብምኳኑ ህይወት እቶም ስደተኛታት ንምድሓን ህፁፅ ስጉምቲ የድሊ ኢሎም፡፡ ብቅልውላው ስደተኛታት ብብርኪ ዓለም ኣብ 4ይ ደረጃ ዝተቀመጠት ሶማልያ 1ነጥቢ4 ሚሊዮን ዜጋታታ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ እንትኮኑ መብዛሕቲኦም ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ 245ሽሕ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

 ምቅፅፃል ሽግ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣብ ኩለን ክልላት ህንፀት እቲ ግድብ ዕውት ዝገብር እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ሻድሻይ ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምልዕዓል ተሳትፎ ህዝቢ ዝገልፅ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሽግ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየም ኣብ ዝተካየደሉ እዋን እዮም ነዚ ዝበሉ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ሽግ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ህዝቢ ዝፈጠሮ ምልዕዓል ሓድሽ መሰረት ዘንብር እዩ ምስ በሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግድብ ኣብ ዘሕብን ኩነታት ይርከብ ኢሎም፡፡ ህዝቢ ንህንፀት እቲ ግድብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝግለፅ ሓገዝ እናገበረ ምፅንሑን ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ እቲ ግድብ ፕሮጀክት ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ መግለፂ ምጥንካር ሕብረት ኢትዮጵያውነት ምኳኑ ዘመላክት እዩ ኢሎም፡፡ ምልዕዓል ተሳትፎ ህዝቢ ዝገልፅ ሽግ ኣብ ኩለን ክልላት ዕውት ምንቅስቃስን ትርጉምን ዘለዎ ውፅኢት ይርከበሉ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብ መበል 121 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝተወልዐ እቲ ሽግ ምልዕዓል ሕብራዊ ዜማ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንብራኽ ህዳሰና ብዝብል መሪሕ ቃል ንዝቕፅሉ 11 ኣዋርሕ ኣብ መላእ ሃገርና ክዛወር እዩ፡፡

 ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝረኣ ብኽነት ማይ ንምቁፅፃር ዘኽእል ዘመናዊ መሳርሕ ቴክኖሎጂ ናብ ስራሕ ንምውዓል ምድላዋት እናገበረ ከምዘሎ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ገሊፁ፡፡

ዘይፅሩይ ማይ ንምንታይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ ብፖነል ምይይጥ ኣብ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ፡፡ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋኣለም ሓድጉ ኣብ ከተማታት ክልልና ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ማይ ብምንጋስ ብኽነት ማይ ንምቁፅፃር ዘኽእል መስርሕ ተግበራዊ ክግበር እዩ ኢሎም፡፡ ነዚ ድማ ኣዋጅ ኣጠቓቕማ ማይ፣ መምርሒን ደንቢን ኣብ ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ክልልና ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ክልልና ዝወፀ ሓድሽ ኣዋጅ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ነቲ ፀገም ከምዝፍታሕ ዘለዎም እምነት ዝገለፁ ድማ ኣይተ ዓወት ኣረፈ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ እዮም፡፡ ኣብ ከተማ ስኣን ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ካብቲ ዘሎ መጠን ማይ 20 ሚኢታዊ ዝባክን ምዃኑ ምግላፆም ድማ ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ ፀብፂቡ፡፡

15/07/2009

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ህንዲ ኣሕመድ ዓባድ ግልጋሎት ካርጎ ክጅምር እዩ፡፡

እቲ መንገዲ ኣየር ዝቕፅል ሰሙን ግልጋሎት ፅዕነት ናብ ከተማ ኣሕመድ ዓባድ ዝጅምር ኮይኑ እታ ከተማ ካብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ኒውደልሂ ፣ቻይና ፣ሙምባይን ባንጋሎርን ቀፃሊ እቲ መንገዲ ኣየር ግልጋሎት ካርጎ ዝህበላ ሓምሸይቲ ከተማ ክትኸውን እያ፡፡ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም እቲ ናብ ከተማ ኣሕመድ ዓባድ ዝጅመር ግልጋሎት ፅዕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን ሰሙናዊ ናብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 240 ቶን ፍርያት ንምእታው ዘኽእል ኮይኑ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መርበብ ግልጋሎት ፅዕነት ህንዲ ኣፍሪካ ሆንግ ኮንግ ቻይናን ዘተኣሳስር ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ ዓመት እቲ መንገዲ ኣየር ዓለም ለኻዊ ግልጋሎት ካርጎ ናብ ሳኦፖሎን ኦርላንዶን ከስፍሕ ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ እቲ ብ115 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ 600ሽሕ ቶን ኣቁሑ ዝሕዝ ተርሚናል ዝሃንፅ ዘሎ ኮይኑ ዓመታዊ 1ሚሊዮን ቶን ኣቅሑ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ከም ዝህልዎ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ፡፡

 ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማል ድርቂ ካብ ዘጋጠመለን ከባቢታት ሓንቲ ዝኾነት ኣብ ዞባ ቆላ ሃይሌ ዛጊድ ልዕሊ 40ሽሕ እንስሳት ሞይተን፡፡

ኣብታ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምክልኻል መንግስቲ 14 ማይ መሰረት ዝገበረ ማእኸላት ብምጥያሽ ንሕብረተሰብ እታ ዞባ ኣድላይ ሓገዝ እናገበረ እዩ፡፡ እቲ ዘጋጠመ ድርቂ በዚ ኩነታት እንተቐፂሉ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ካብቲ ሕዚ ዘሎ ሓደጋ ዝኸፍኣ ስለዝኸውን ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ነበርቲ እቲ ከባቢ ተላብዮም፡፡ ኣብታ ዞባ ነቲ ድርቂ ስዒቡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣፃዳፊ ማያዊ ውፅኣት ብመልክዕ ለበዳ ተራእዩ እኳ እንተነበረ 18 ሚያዝያ መሓከሚ ናቁጣታት ብምድላው ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብ ጉድኣት ከይበፅሕ ተገይሩ እዩ፡፡ ዋና ኣመሓዳ ዞባ ኣይተ ኣህመድ ያሲን ኣሊ ኣብታ ዞባ ድርቂ ብዘብፅሖ ሓደጋ ንዘጋጠመ ፀገም መፍትሒ ንምሃብ ምስ ክልልን ፌዴራልን መንግስቲ ብሓባር እናተሰርሓ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብታ ዞባ ንዘለዉ እንስሳት እውን ድርቂ ካብ ዘጥቀዐን ካልኦት ዞባታት ቀለብ ክመፅሎም እናተገበረ እውን እዩ ኢሎም እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮዮጵያ ልዕሊ1ነጥቢ7 ሚሊዮን ሰባት ናብ ቅልጡፍ ሓገዝ ምግቢ ተሳጢሖም እዮም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮያ /ደኢህዴን/ ኣብታ ክልል ከይዲ ዓሚቕ ተሃድሶ ብተግባር ምህዳስ ብዝተዋደደ ህዝባዊ ተሳትፎ ብዓወት እናተተግበረ ምህላው ገምጊሙ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኣይተ ተስፋይ በልጃጌ ውድቦም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ከይዲ ዓሚቕ ተሃድሶን ዝተርኣዩ ሕፅረታት ገምጊሙ እዩ ኢሎም፡፡ ልዕሊ 5ሚሊዮን ህዝቢ እቲ ክልል ኣብቲ መድረክ ብምስታፍ ሕፅረታት ተነፂሮም ክወፁ ብምግባር ዝፀረየ ተሃድሶ ክካየድ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም፡፡ ሓደ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግዕዝይናን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ካብ ፍልፍሎም ንምድራቕ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምታትን እቲ መድረኽ ምስ ህዝቢ ዘቀራረበ ብምንባሩ ብጥንኩር ጎኒ ዝርኣ እዩ ኢሎም እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት፡፡ ፀገም ኣፈፃፅማን ንፅሬትን ፣ኣብ ተግባራዊ ስጉምቲ ቅልጡፍ ዘይምዃኑ ንድሌት ህዝቢ ዝምጥን ውሳነ ኣብ ምምሕልላፍ ፀገማት ከምዝተርኣዩ ገምጊሙ እውን ኢሎም ኣይተ ተስፋይ፡፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 7ነጥቢ8 ሚሊዮን ደጋፊ ፣ኣመራርሓን ህዝብን ዘሳተፈ ምኳኑ እቲ መድረኽ ተሃድሶ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ መድረኽ ተመዝጊቡ እዩ ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

13/07/2009

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ዜጋታት ዝግበር ድጋፍ ይቕፅል ኣሎ፡

ኣብቲ ዞባ ካብ መንጎ ዝርከባ ወረዳታት ሃመር፣ማሌን በበና ፀማይን ብዝለዓለ ደረጃ በቲ ድርቂ ዝተሃሰያ እየን፡፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ዞባ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ተባሂሎም 128 ሽሕ ነበርቲ ዝተነፀሩ ኮይኖም ኣብ 2ይ ዙር ድማ 50ሽሕ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ብምውሳኾም ቁፅሪ ሓገዝ ናብ 178 ሽሕ ክብ ክብል ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዝናብ ፅድያ ብዘይ ምዝናቡ ቁፅሪ ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት 200ሽሕ ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡ መንግስቲ እቲ ክልል ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ድርቂ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ሓገዝ ስርናይ፣ ዓይኒ ዓተር ፣ሃነፅቲ ምግብታት ዘይትን ኣብ ምቅራብ ይርከብ፡፡ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ንቐለብ እንስሳት ዝውዕል ሳዕርን ቃንጫን ኣብ ምክፍፋል ይርከብ፡፡ በዚ ድርቂ ዝተሃሰዩ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን እቲ ዞባ ሕዚ እውን ተወሳኺ ሓገዝ ክቀርበሎም ሓቲቶም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ካብ እዋን ናብ እዋን ንዝስፋሕፋሕ ዘሎ ሕማም ሽኮር ንምክልካል ሕበረተሰብ እዋናዊ ምርመራ ጥዕና ኣካላዊ ምንቅስቃሳት ከዘውትር ማሕበር ተጠቃዕቲ ሕማም ሽኮርያ ኢትዮጵያ ኣተሓሲቡ፡፡

ካብ ጠቅላላ ቁፅሪ ህዝቢ ሃገርና ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሚኢታዊ ህዝቢ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ምኳኑ በቲ ዘፈር ዝተካየደ መፅናዕታት ይሕብር፡፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ወይዘሮ ምስራቅ ታረቀኝ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገርና ቁፅሪ ሕሙማት ሽኮርያ እናወሰኸ ኣተሓሳሳቢ ፀገም ጥዕና ኮይኑ ኣ ኢለን፡፡ ብፍላይ እዚ ሕማም ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ክፋት ሕብረተሰብ እናጥቀዐ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡ እዚ ሕማም ንምክልካልን ንምቁፅፃርን ሕብረተሰብ ቅድመ ምክልካል ክገብር ከምዝግባእ ወይዘሮ ምስራቅ ታረቀኝ ኣተሓሳሲበን፡፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕናን በዓል ሞያ ተመሓላፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ዶክተር ሙሴ ገብረሚካኤል ሕማም ሽኮርያ ኣብ ሃገርና ኣተሓሳሲቢ ፀገም ጥዕና ብምኳኑ እቲ ሚኒስተር እቲ ሕማም ቅድሚያ ንምፍላጥን ንምሕካምን ዝሕግዝ መምርሒ ሓበሬታ ተዳልዩ ኣብ ሕትመት ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምንካይ ምጥቃም በዝሒ ዘለዎም ምግብታት ሕብረተሰብ ኣብዚሖም ክምገቡ ከምዘይብሎም በቢ መዓልቱ ምንቅስቃስ ኣካላዊ ብቅዓት ክገብሩ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም ኢትዮጵያ ካብ ናይጀርያ ደቡብ ኣፍሪካን ቀፂላ ሕማም ሽኮርያ ብምስፍሕፋሕ ካብ ኣፍሪካ መበል ሳልሰይቲ ደረጃ ከምትርከብ ተገሊፁ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልሙድ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዝበፅሓ ሓደጋ ምፍራስ እኩብ ጓሓፍ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝተገበረ ሓገዝ 76 ሚሊዮን ብር በፂሑ እዩ፡፡

ተምሃሮን ሰራሕተኛታት ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ 2ነጥቢ8ሚሊዮን ብር ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሮም፡፡ ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ፕሮፌሰር ኣድማሱ ፀጋይ ፣እቲ ዩንቨርስቲ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 1ሚሊዮን ብር፣ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 600ሽሕብር ከምኡ እውን ካልኦት መንግስታውን ዘይምንግስታውን ትካላት ልዕሊ 650 ሽሕ ብር ሓገዝ ሂቦም እዮም፡፡ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ዝተቐበሉ ከንቲባ ድርባ ኩማ ፣እቲ ምምሕዳር እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ንዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ ንክውዕል ሓላፍነቱ ብኣግባብ ክዋፃእ እዩ ኢሎም፡፡ ካብቲ ሓገዝ ገንዘብ ብተወሳኺ ብናውቲ ዝግበር ደገፍ፣ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ብር ምብፅሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረከበ ሓበሬታ የመላክት ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ልዕሊ 3ነጥቢ6 ቢሊዮን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቃድ ኢንቨስትመንት ምሃቡ ኤጀንሲ ኢንቨስትመንት ህዝብታት ብሄር ብሄረሰባት ደቡብ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣበስ መሃመድ ብብርኪ ፌዴራልን ክልል ፍቃድ ዝተወሃቦም 153 ሰብ ሃፍቲ ምኳኖም ገሊፆም ካብዚኣም ውሽጢ ኣብ ሕርሻ ኢንድስትሪን ብዘፈር ግልጋሎት ፍቃድ ወሲዶም ናብ ስራሕ ዝኣተው ሰብ ሃፍቲ ክሳብ ሕዚ ኣስታት 50ሽሕ ዜጋታት ቀዋሚን ጊዚያዊን ዕድል ስራሕ ምፍጣረን ገሊፆም፡፡ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ካብ ዝተዳለዉ 6ሽሕን 483 ሄክታር መሬት ገጠር ውሽጢ ልዕሊ 4ሄክታር ዝኮነ መረጋገፂ ምሃቡ ገሊፆም፡፡ ብዝኣተውዎ ውዕልን ብዘተቀመጠሎም መርሃ ግብሪ ግዜን ናብ ስራሕ ዘይኣተው 46 ሰብ ሃፍቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳዶም ጠቂሶም ሰለስተ ሰብ በሃፍቲ ድማ ዝተወሃቦም መጠን መሬት ንክንከዮም ምግባሮም እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም ብተወሳኺ እውን ኣብ ዘፈር ሕርሻ ንዝተዋፈሩ ሸሞንተ ሰብ ሃፍትን ዝተወሃቦም ውዕሊ ክራይ መሬት ተሰሪዙ ምኳኑ ድማ ኣብሪሆምን እዮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ግልጋሎት ኢንቨስትመንት ገጠርን ከተማን ዝውዕል መሬት ብምፍላይ ንሰብ ሃፍቲ ናይ ምልላይ ስራሕቲ እናካየደ ምኳኑ ሓቢሮም ክብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ የመላክት፡፡

12/07/2009

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልሙድ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 747ሽሕ ብር ድጋፍ ተገይሩሎም፡፡

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ብሓባር 500ሽሕ ብር ሓገዝ እንትገብሩ ሰራሕተኛታት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ድማ 157ሽሕ ከምኡ እወን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን 90ሽሕ ብር ብሓፈሻ 747ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡ እቶም ትካላት በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ሓዘኖም ብምግላፅ ንዝተጎድኡ ወገናት ድማ ፅንዓት ከምዝተመነዩ ዳይሬክተራት ርክብ ህዝቢ እቶም ትካላት ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ባንኪ ዓለም ንሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ዝወሃብ ሓገዝ 57 ቢሊዮን ዶላር ከምዝብጀቶ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ እቲ 42ቢሊዮን ዶላር ካብ ዓለምለኸ ማሕበር ልምዓት ዝርከብ ምኳኑ ተገሊፁ፡፡ ባንኪ ዓለም ንድኻ ሃገራት ብዘይ ወለድ ሓገዝን ልቃሕን ከም ዝህብ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ፕሬዝዳንት እቲ ባንኪ ጀም ዩንግ ኬም ባንኪ ዓለም ለኸ ካብ ዝድጉሞ በጀት እቲ 8ቢሊዮን ንውልቀ ሴክተራት ዝውዕል ኮይኑ ካብ ዓለም ለኸ ኮርፕሬሽን ፋይናንስ ዝረከቦ ገንዘብ እዩ ኢሎም፡፡ እዚ ሓድሽ በጀት ንፕሮግራማት ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ፣ንጥዕና ፣ንፁርይ ማይን ግልጋሎት ፅሬትን ፣ንግብርና ፣ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ንዝርግሓ መሰረተ ልምዓትን ዝውዕል እዩ ኢሎም፡፡ ካብ ዓለም ለኸ ልምዓት ማሕበር ዝተደፍኣ በጀት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪካ ንዝተጀመሩ 448 ፕሮጀክትታት ዝድግፍ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ብልዕሊ 11ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደጉ ናውቲ ኢንድስትሪ ከም ዝተኸፋሉ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተን ማእከላይን ማፋክቸሪንግ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ዕድጊት ዝተፈፀመ ብባንኪ ልምዓት ኮይኑ ክሳዕ ሎሚ ብ5ቢሊዮን ብር ናውቲ መፍረይ ኢንድስትሪ ንኽዕድጉ ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣስፋው ኣበበ ሓቢሮም፡፡ ካብቲ ዝቐረበ ሕቶ እቲ 1ነጥቢ3 ቢሊዮን ብር ዕድጊት ክፍፀም ዝፀደቐ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ን31 ኢንድስትሪታት ልዕሊ 181 ሚሊዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ መሳለጢያ ኢንድስትሪ ዕድጊት ከም ዝግበር እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡ ኢንድስትሪ ንምዕባይ ተወሳኺ ትልሚ ቢዝነስ ኣቕሪቦም ዝፀደቐሎምን ኣብዚ ዓመት ዕድጊት ማኑፋክቸሪንግ ዝፍፀመሎም ብደረጃ ሃገር 97 ኢንድስትሪታት ከም ዘለዉን ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽቱን ማእከላይን ማፋክቸሪንግ ፌዴራል ነቲ ዘፈር ንምዕባይ ብመንገዲ ባንክ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናይ 7ቢሊዮን ብር ልቃሕ ከም ዘዳለወ ገሊፁ ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

11/07/2009

ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቴክኒካዊ መፅናዕቲ ዘካይዱ 2ትካላት ብዝወፀሎም መርሃ ግብሪ መሰረት መፅናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ሚኒስተር ማይ ፣መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዝበፅሕኦ ስምምዕነት መሰረት እዩ እቲ መፅናዕቲ ዝካየድ ዘሎ ኢሎም፡፡ እቶም ትካላት ምዑቋር ማይን ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን እቲ ማይ መሊሱ ከመይ ከምዝሰደዶን ከምኡ እወን ኣብ ታሕተዎት ተፈሰስ ሃገራት ዘሎዎ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፅዕንቶ እዮም ዘፅንዑ፡፡ ስራሕቲ መፅናዕቲ ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ይስራሕ ምህላው እውን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም፡፡ እቶም ትካላት ክሳብ ሕዚ ዝሰርሕዎ ስራሕ ምስ ሰለስቲኤን ሃገራት ብመልክዕ ዘተ ከቅርቡ እዮም ኢሎም፡፡ ቢ.ኣር.ኤልን ኣርቴልያን ዝተበሃሉ እቶም ትካላት እቲ ዘካየድዋ መፅናዕቲ ኣብ 11ኣዋርሕ ዛዚሞም ንሰለስቲኤን ሃገራት ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር፡፡ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘምፅኦ ለውጢ ከምዘየለ ቅድሚ ሕዚ ከምዝተገለፀ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ለውጢ ተመን ክራይ ኣባይቲ ንምግባር ዘኽእል መምርሒ ኣዳልየ እየ ኢሉ ኮርፕሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል፡፡

ርክብ ህዝቢ እቲ ፌዴራል ኣይተ ኣዲሱ እጅጉ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣመሓዳድራ ኣባይቲ ዘማሓይሽ እቲ መምርሒ ፅገና ፣ተመን ክራይን ካልኦት ኣሰራርሓታት ዘማእከለ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ መምርሒ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ብቦርድ ፀዲቁ ዝትግበር እንትኮን ንሓፈሻዊ ስራሕቲ ኣመሓይሸ ትፅቢት ይግበረሉ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

08/07/2009

ጥንታዊ ቤተ-መቅደስን መካን ሓድጊታትን ሓደ ኢትዮጰያ ናይ 3ተ ሽሕ ዘመን ታሪኻ ከምዘለዋ ብዝበለፀ ምስርዓት ህዝቡ ምዃኖም በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊታት ኣፍሊጡ፡፡

ሓደ ንዝሓለፉ 8ተ ዓመታት ብሰብ ሞያ ኢንስቲዩት ኣክዮሎጂ ጀርመን ክሕደስ ምፅናሕ ተዛዚሙ ንበፃሕቲ ዓዲ ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ 14 ሜትሮ ንሐዋሓት ዘለዎ ህንፃ እቲ ቤተ መቅደስ ወይ እውን ቤተ ሙኩራብ ፍሉይ ጥበብ ዝተርኣሉን ሰሚንቶ ይኹን ካልእ መተሓሐዚ እታዎት ከይተጠቐመ ፅሩባት እእማን ነንሕድሕዶም ተተሓሒዞም ልዕሊ 3 ሽሕ ዕድመ ኣቑፂሩ ኣሎ፡፡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ሓዲጊታት ኣይተ ዮናስ ደስታ ኣብ ምረቓ ስነ-ስርዓት እቲ ሕድሳት ተረኺቦም ከም ዝገለፅዎ ቤተ መቅደስን መካን ሓድጊታትን ሓደ ታሪኻት ቅድመ ኣክሱም ሃፍቲ ፍልጠትን ብዛሕ ምሽጥራት ዝሓዘ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ሐዚ ብዝተኻየደሉ ሕድሳት ድማ እቲ ሓድግታትን ታሪኹን ንዝቅፅል ወለዶ ተሓልዩ ክፀንሕ ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳዊት ሃይለ ብወገኖም ኣብ ሓደ ዝተረኸቡ ጥንታዊን ሓድጊታት ኢትዮጰያ ኣብ እዋን ጥንቲ ኣብ ሕርሻ፣ንግዲ፣ኪነ-ህንፃን ቤተ መንግስቲን ብፂሓቶ ዝነበረት ስልጠና ዝመለከት እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ቤተ መቅደስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቴክኖሊጂ ስነ-ህንፃ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ዝበፀሐ እዋን እውን ከስራሕ ዘይኻኣል ምዃኑ ተመራመርቲ ፖርቺጋላዊያን መስከርነቶም ዝሃብሉ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጰያ ፀብፂቡ፡፡

 ፕሬዝደንት ኢፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሸመ ኣብ አዲስ ኣበባ ፍሉይ ሽሙ ቆሼ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዝበፀሐ ሓደጋ ንግዳያት እቲ ሓደጋ በፂሖም፡፡

እቶም ፕሬዝደንት ሎማዓንቲ ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ከይዶም ኣብ ዝተዓዘብሉ በቲ ዝበፀሐ ሓደጋ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፆም ንስድራ ግዳያት ፅንዓት ተመንዮም፡፡ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፀሖም ወገናት ንስ-ሰርዓት ቀብሪ መፈፀሚ ዝኸውን ገንዘብ እውን ሓጊዞም፡፡ ፕሬዝደንት ዶከተር ሙላቱ መንግስቲ ኢትዮጱያ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፀሖም ስድራ ግዳያት ብዛላቂ ሂወቶም ንምምሕያሽ ምስ ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባ ክሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ኣይተ ድርባ ኩማ ብወገኖም ኣብ ኣለሻ ኣስከሬን፣ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪን ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅንንናዕ መሪሕ ተሳትፎ ምስ ዝነበሮም መናእሰይ ተዛቲዮም፡፡ በዚ ድማ መናአሰይ እቲ ከባቢ ንዘርእይዎ ዘሐኩርዕ ተግባር ንኢዶም ኣብዚ ንመላእ ሃገር ዘኹርዕ ተግባር ንዝተሳተፉ መናእሰይ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ክረኸቡ ከም ዝተፈቐደሎም እውን ሓቢሮም ከም ፃብፃብ FBC፡፡

 ኢንግሊዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ምስ ኢትዮጰያ ሓቢራ ክተሰርሕ ከም እትደሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ቦሪስ ጀንስን ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንሚኒስተረ ጉዳያት ወፃኢ ኢንግሊዝ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡ ቦሪስ ጀንስን ኣብቲ ዘተ ከም ዝበልዎ፣እንግሊዝን ኢትዮጰያን ኣብ ዘፈራት ልምዓትን ኢንቨስትመንትን እትገብሮ ምንቅስቃስ ብምሕጋዝ ሓቢራ ክትሰርሕ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊፆም፡፡ ሃገርና ንእተካየዶ ዘላ ልምዓታዊ ስራሕቲ ብምሕጋዝ ሰብ ሃፍቲ ኢንግሊዝ ኣብ ኢትዮጰያ ሃፍቶም ንዋፍሩ ካብ መንግስቲ ብዝሓለፉ ብውልቀኦም ፃዕሪ ከም ዝገብሩ እውን ተዛሪቦም፡ ቀዳማይ ሚኒስተረ ሃገርና ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖመ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ብምጥንኻር ሰብ ሃፍቲ ኢንግሊዝ ናብ ኢትዮጰያ እንትመፁ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ገሊፆም፡፡ እንግሊዝ ኣብ ሰማልያነ ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ከባቢያዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ፀጥታ ንምርግጋፅን ኢትዮጰያ ንእትገበሮ ፃዕሪ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም እትቅፅለሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ቦሪስ ጀንስን ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጰያ ፀብፂቡ፡፡

 ብሽርከና መንግስቲ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝወሃቡ ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምሃብ ዘኸኣል ሰርዓት ዘርጊሐ ኣለኹ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ዝበሉ ተሓከምቲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ከይዶም ብሕከሙ ኣብ ዝእዘዘሉ እዋን ብምክንያት ዝሕተትዎ ዝለዓለ ገንዘባዊ ክፍሊት ነቲ ሕክምና ብዘይምርካቦም እናተፀገሙ ሙኻኖም ይገልፁ፡፡ ኣብ ስፔሻልይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ጥቁር ኣምበሳ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ናብ ወፃኢ ሃገራት ከይዶም ክሕከሙ ዝንገበሮ ኣብ ሓደ ወርሒ 60 ተሓከምቲ ከም ዝህልው ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ውለታው ጫኔ ገሊፆም፡፡ እቶም ተሓከምቲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ከይዶም ከሐከሙ ትእዛዝ ዝውሃብ፣እኹል ዝኾኑ እታወታት መሳርሒ ሕክምናን እኹል ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ብዘይምህላው እዩ፡፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ምስ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብሽርክና ከሰርሕ ዘኸእሎ ስረዓተ እናዘረገሐ ይርከብ፡፡ ነዚ ዝገለፁ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን መንግስቲ ግልጋሎት ሕክምና ዝወሃበሎም ቦታታትን ተሓጋዝቲ ሰብ ሞያን ብምቅራብ ትካላት ሕክምና ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ግልጋሎት ዝህብሉ መስርሕ ኣተኣታቲው እዩ ኢሎም ከም ፀብፃብ FBC፡፡

07/07/2009

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ምሸት ብዝበፅሓ ሓደጋ ቁፅሪ ሂወቶም ዝስኣኑ ዜጋታት 113 ምብፅሑ ተገሊፁ፡፡

ከንቲባ ከተማ ኢዲስ ኣበባ ኣይተ ድርባ ኩማ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣለሻ ሃለዋቶም ዝተሰኣኑ ሰባት ኣብ ምዝዛም ይርከብ ምስበሉ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ኣለሻ ዝልዓለ ርብርብ ምግባሩ ድማ ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣብቲ ኣለሻ ንዝነበርዎ ዝለዓለ ተሳትፎ ምስጋናኦም ኣቅሪቦም እዮም፡፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ድማ ብሰብ ሞያ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከም ዝፃረ ኣፍሊጦም፡፡ ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ዩንቨርስቲ ቴክሳስን ዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያ ተዋዲዶም ንክሰርሑ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ እውን ተዛቦም፡፡ በቲ ሓደጋ ሂወቶም ካብ ዝሰኣኑ 113 ወገናት እተን 75 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና 38 ድማ ደቂ ተባዕትዩ እዮም፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣለሻ ሃለዋቶም ዝተሳኣኑ ዜጋታት ሕብረተሰብ እውን ቐፂሉ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተካኢሉ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ብሪታንያ ቦሪስጆንሰን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፡፡

በሪጆንሰን ኣብ ሶማልያ ሃንደበታዊ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ፣ኬንያ፣ ሶማልያን ኡጋንዳን ዑደት ክገብሩ እዮም፡፡ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ፀጥታን ድርቅን ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ክዝትዩ ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ ፣ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ክዝትዩ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ሓይሊ ሃፋን ምፍራይ ሴራሚክን ክዋፈሩ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

እቶም ሰብ ሃፍቲ ምስ ፕሬዝዳንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዘትዮም እዮም፡፡ ኣብ ሓይሊ ሃፋ፣ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ከምኡ እውን ካብ ምፍራይ ሰራሚክ ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም እዮም፡፡ ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ዘቅረበቶ መተባብዒ ኣብ ስርሖም ውፅኢታዊ ምኳኖም ሃፍተ ገነቶም ንምውፋር ምኽንያት ከምዝኮኖም ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንባሳደር ቱርኪ ፋህ ዩሉሰይ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ቅድሚ ወርሒ ካብ ቱርኪ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ንክመፅኡ ምግባም ድሕሪ ምዝኽካር ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ንምጥንካር ምስምዕምዖም ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ 440 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ምብፅሑ ምስገለፁ ሕዚ ድማ ናብ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ምዕባይ ክልቲኤን ሃገራት ምስምዕማዐን ገሊፆም እዮም፡፡ ቱርኪ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ብ6ቢሊዮን ዶላር ስራሕቲ ኢንቨስትመንት እናካየደት ምኳና ዝፀርሑ ኣምባሳደር ዩሊሰይ ካብዚ እቲ 2ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኢንቨስት ብምግባሮም ሓቢሮም እዚ ድማ ንልዕሊ 30ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ምፍጣሮም ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተኻየደ መፅናዕቲ ብክፋልን ሙሉእ ብሙሉእን ንክቅፅል 82 ሚኢታዊ ደገፍ ድምፂ ከምዝረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓቢሮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ናይ መንግስቲ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 6ኣዋርሕ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘቕረብሉ እዋን እዛ ሃገር ካብቲ ኣንፃላልዋ ዝነበረ ሓደጋ ክትዋፃእ ኣዋጅ ህፁፅ ድንጋገ ሽትኡ ከምዛዐወተ ገሊፆም፡፡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምልዓል ዘይምልዓልን ተመርኪሱ ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ 82ሚኢታዊ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ እቲ ኣዋጅ ብክፋልን ምሉእ ንሙሉእ ንክቕፅል ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለዉ ኢሎም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ብደረጃ ኢህወዴግ እቲ ዝተጀመረ ዓሚቕ ገምጋም ተሃድሶ ናብ ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምእንተ ክተኣቶ ይስራሕ ምህላው ዝጠቐሱ ኮይኖም ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣዋጅ ህፁፅ አዋጅ እታ መርማሪት ቦርድ መበገሲ ውሳነ ሓሳብ ብምግባር ኣብ ምቕፃልን ዘይምቅፃልን እቲ ኣጅ ዝውስን ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ምውሳክ ጥቕሚ ሃገራት ወሓይዝ ኣባይ ምስ ኢጋድ ፣ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሶማልያን ጉዳያት ኣብ ምርኣይን ምሕጋዝን ካብ ኤርትራ ዝመፁ ስደተኛታት ሕውነታዊ ሓገዛት ኣብ ምግባር ፣ብኣንፃር ሻዕብያ ካብቲ ኣኬስ ተግባራቱ ብዝሰርሖ ስራሕ ህዝብን ፖሊስን ዝገበርዎ ኣበርክቶ ካሊእን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

06/07/2009

ዘለና ሃፍቲ ውስን ብምዃኑ ምዕሩይ ምሕደራ ሃፍቲ ብምርግጋፅ ብውስን ሃፍቲ ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ይግባእ ኢለን ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ፡፡

ስርዓት ውሽጢ ቁፅፅር፣ መምርሒ፣ ዕደጋ፣ ሒሳብን ክፍሊተን ኣደላልዋ በጀት ብBSCን ግደ መኮነን ስነ-ምግባርን ኣመልኪቱ ምስ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብምትሕብባር ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ተዋሂቡ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝተረኸባ ወይዘሮ ኪሮስ ሓሳብ እቲ ዘሎ በጀት ክልልና ሓላፍነት ተሰሚዕና ብኣግባቡ ክንሰርሕ ይግባእ ምስበላ ነዚ ድማ ሰራሕተኛ ኣድላይ ግንዛበ ክህልዎ እናተሰርሓ እዩ ኢለን፡፡ ነቲ ስልጠና ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብወገኖም ኣብ ከይዲ ስራሕ የጋጥሞም ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕሚ ምፍጣር ይብል ካብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተልኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ኣብ ከተማታት ዝርኣ ፀገም ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምቅራፍን ስራሕቲ ፍስስ ከተማታትን ብኣግባቡ ንምእላይ ዘኽእል ስርዓት ምምሕዳር ማይን ኣተኣላልያ ፍሰስን ኣብ 36 ከተማታት ተግባራዊ ክግበር እዩ፡፡

ልዕሊ 200ሽሕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረለን ሽድሽተ ከተማታት ትካላት መወገዲ ፈሳሲ ንምህናፅ ብመንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሰርሑ እዮም ተባሂሉ፡፡ ሚኒስተር ማይን መስኖን ኤሌትሪክን ነዚ ተግባር እዚ ዝውዕል ልቃሕ 445 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ካብ ባንክ ዓለም ንምርካብ ዝርርብ ኣብ ምዝዛም ከም ዘሎ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ሃገርና ንመበል 24 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ማይ ዓለም ‘’ፍስስ ማይ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ደሴ ክኽበር እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኢንድስትሪ ኣቬሽን ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ሰብ ሞያ ብምስልጣን ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ዕብየት መጓዓዝያ ኣየር ካብቲ ዝድለ ንታሕቲ ዝኮነሉ ምክንያት በቲ ዘፈር ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ብዘይምህላዎም እዮም ኢሎም እዮም ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ በቲ ዘፈር ዘለዋ ሕፅረት ንምንካይ እውን ኣካዳሚ ኣቭየሽን ብምህናፅ ዝበፅሓቶ ብርኪ ንኣፍሪካ እዋናዊ መፍትሒ ፀገም ስለዝኸውን ተቀባልነት ክህልዎ እዩ ኢሎም፡፡ እቶም ዝህነፁ ዘለዉ ሽድሽተ ሓደሽቲ መባፅሕ ነፈርቲ እውን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ኩለ መዳያዊ ርክብ ንምፍጣርን ዲፕሎማሲታት ብምጓዓዝ ንሕብረተሰብ ኣፍሪካ እወን ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ለኸ 95 ኣብ ውሽጢ ሃገርና ድማ 20 መባፅሕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

05/07/2009

120 ዓመታት ዘቁፀረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሩስያን ዝበለፀ ምትሕብብር ኢኮኖሚያዊን ክህልወን ጠንኪረን ክሰርሓ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋር ንምብፃሕ ዝተመስረተ ሓበራዊ ኮሚሽን 6ይጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ካብኔ ኢትዮጵያን ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ኮሚሽንን ኣይተ ኣለማዩሁ ተገኑ ነዊሕ ዓመታት ዘቁፀረ ርክብ እዘን ሃገራት ብመዳይ ንግድን ኢንቨስትመንት ክንድቲ ዝድለ ከም ዘይዓበየ ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ቅልጡፍ ዕብየት ንክህሉ ምንቅስቃስ እናተገበረ እዩ ኢሎም፡፡ ብወገን ሩስያ ኣካ እቲ ኮምሽንን ሚኒስተር ሃፍቲ ተፈጥሮን ኤቭጌንይ ኬዝሌቭኖ ብወገኖም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘላቂ ዝኮነ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይምምዝጋቡ ገሊፆም ንቀፃሊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ክጠናኸር ዝበለፀ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ 6ይ ጉባኤ ዋና ዓላማኡ እውን ርክብ ምጣነ ሃፍቲ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ትኩረት ንክዋሃቦ እንትኮን ብፍላይ ኣብቲ ፃንሒት ጉባኤ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ ቴክኖሎጅን ምትእስሳር ባህሊ ዝበለፀ ሓቢረን ክሰርሓን ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ናብ ዝሓሻ ደረጃ በፂሓ ብምህላዋ ፍሉይ ትኩረት ክዋሃባ ይግባእ ክብል ኣካቢ ሓበራዊ ኮሚሽን ሩስያ ገሊፆም እዮም፡፡ ኢትዮጵያን ሩስያን ዲፕሎማስያዊ ዝጀመራሉ መበል 120 ዓመትን እውን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከምዘኽብራ ተገሊፁ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌዴሪ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ንተሰናባቲት ኣዶ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዶክተር ንኮሳዛና ድላና ዙማ ሰንየሞን፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ኣብቲ እዋን ዶክተር ንኮላዛና ኣብ ፃንሒት ኣዶ ወንበርነተን ሕብረት ኣፍሪካ ቁልፊ ተግባራት ድሕሪ ምግላፅ ኣብ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ንምዕባይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ዓብይ እጃም ከምዝነበረን ገሊፆም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝነበራሉ እዋን እውን ክልቲኣዊ ርክብ ንምዕባይ ንዝሰርሓኦ ስራሕ እውን ዶክተር ወርቅነህ ንኢዶም፡፡ ተሰናባቲት ዶክተር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዞማ ብወገነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዝነበሮ ጠንካራ ምትሕብብር ኣመስጊነን ኢትዮጵያ ኣብ ኢንድስትሪ መሰረተ ልምዓትን መንግስቲ ባህላዊ ሓድግታት ብምክንካንን ብምሕላውን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ዕብየትን መላእ ኣፍሪካ ሃገራት ክወስድኦ ዝግባእ ተሞክሮ እዩ ኢለን፡፡ መላእ ኣፍሪካውያን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዳሬክተርነት ዓለም ለኸ ትካላት ጥዕና ዝገበርዎ ንሕንሕ ክድግፋ ፀዊዐን ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ነበርቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ተረባሕቲ ዝነበሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኪሮም ይቕፅሉ ኣለዉ ኢሉ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡፡

ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝተሳለጠ መበል 7ይ ፎረም ከተማታት ክልል ትግራይ ዝተረኸቡ፡፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓት ንግድን ኢንድስትርን ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ መንግስቲ ኣብ ከተማታት ህንፀት ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትርን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት የካይድ ከም ዘሎ ገሊፆም ከተማታት ኣብ ዕብየት ሃገር ዘለዎም እጃም ንምዕባይ እውን ተሳትፎን ተረባሕነትን ነበርቲ ተኣሳሲሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡ እቲ ፎረም ተመኩሮታት ካብ ምስፍሕፋሕ ብተወሳኺ ከተማታት ማእኸል ዲሞክራሲን ልምዓትን ብምግባር ሰናይ ምምሕዳር ንክዓስል ኣስተዋፅኦ ክህልወን እጃም ኣለዎ ኢሎም ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ተመኩሮ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝቀረበ እንትኮን ኣብ መብዛሕቲኣን ከተማታት ምቸው ባይታ ንምፍጣር ረሰሓት ቦታታት ዝነበሩ ናብ ልምዓት ብምቅያር ብምንፃፍ እምኒ ካልኦት ስራሕትን እናሳለጠ ከም ዝርከብ እቶም ተሳተፍቲ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ፎረም ከተማታት ከንቲባ 12 ከተማታትን ካልኦትን ዝተሳተፍሉ መድረኽ እዩ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

04/07/2009

ብ5ነጥቢ6 ቢሊዮን ብር ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ዕድጊት ክፍፀም እዩ፡፡

ንቀፃሊ ዓመት በጀት ዝውዕል ጠቕላላ ናውቲ ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ድሌት ንምምላእ መፅናዕቲ ብምክያድ ብልዕሊ 5ነጥቢ 6ቢሊዮን ብር ዕድጊት ንምፍፃም ዘኽእል ስራሕ ከም ዝተወገነ ተገሊፁ፡፡ ኤጀንሲ ቀረብን ፈንድን ኣፋውስ ዕላዊ ዝገበሮ 1ሽሕን 600 ዓይነታት ኣፋውስ ናውቲ ሕክምናን ከም ዘድሊ ፈልዩ ኣሎ፡፡ እቶም ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ኣብ ዝቕፅል ዓመት በጀት ቅድሚ ምእታዎም ዕድጊት ቀዲምካ ንምፍፃም ቅድመ ምድላው ከም ዝተወድኣ ተሓቢሩ፡፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ኣድና በሬ ፣ዕድጊት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝተዋፈሩ ወሃብቲ ደገፍ ትካላትን መንግስትን ኣብ ምድብ በጀት ከም ዝሳተፋ ገሊፀን፡፡ ኣብቲ ዕድጊት ካብ ትካላት መንግስቲ ብዘይምህላዎም ሕብረተሰብ ንዝለዓል ወፃኢ ዘቃልዑ ዘለዉ ናውቲ ሕክምና ቀዳምነት ከም ዝወሃቦም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዘጋመ ሓደጋ ምፍራስ እኩብ ጉሓፍ ንዘስዓቦ ጉድኣት ዝተሰምዖም ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖም ገሊፆም፡፡ 

በቲ ዝበፅሓ ሓደጋ ሂወቶም ንዝሳኣኑ ወገናት ንፈተውቶምን መላእ ስድራኦምን ምፅንዕናዕ ተመንዮም ክብል ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡ ዝተወሃለለ ጉሓፍ ብምፍራስ ድማ ዛጊድ ሂወት 50 ሰባት ሞይቶም ኢሎም፡፡ ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ፀገም ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ምግቢ መፅለሊን ወሰንቲ ጉዳያትን ዘማልኡ ጉጅለ ተጣይሹ እናሰርሓ እዩ ኢለን፡፡ ኣብ ዝቕፅል ብተመሳሳሊ ሓደጋ ክበፅሖም እዩ ዝብል ስግኣት ዘለዎም 300 ዜጋታት ናብ ግዝያዊ መዕረፊ ከለዓሉ ከምዝተገበረ እውን ወይዘሮ ዳግማዊት ገሊፀን ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ውልቀን መንግስታውን ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ተፍትሽ መመዝገቢ ኣብዚ ሒዝና ዘለና በጀት ዓመት ክዛዘም እዩ ኢሉ ሚኒስተር ትምህርቲ፡፡

ሚኒስተር ድኤታ እቲ ሚኒስተር ዶክተር ጥላ ጌቱ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝተጀመረ እቲ ስራሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተዛዘመ ይርከብ ኢሎም፡፡ እቲ መመሓየሺ ምዘና ኣብያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ደረጃ ትምህርቲ መምህራን ጠመተ ዝገበረ ምኳኑ እውን ዶክተር ጥላየ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ሕዚ እናተመሓየሸ ዘሎ መመዘኒ ቅድመ ስሩዕ ኣብ ስሩዕ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣካል ዝገበረ ብመኳኑ ብርኪ ትምህርቲ መማህራን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ከዓቢ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም፡፡ ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከባ ልዕሊ 38 ሽሕ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ተግባር እናሰርሓ ዝርከብ መመዘኒ ምምሕያሽ ኣድላይን ውፅኢታዊን ክኸውን ተኣሚንሉ ኣሎ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

02/07/2009

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡

ማርች8 ምዕባይ ባህሊ ምዕቋር ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ዓወት ስድራን ህዳሰን እዩ ብዝብል መሪሕ ቃል ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣኽቢረን፡፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ገማድ ብጉጅለ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰርሑ ብሉፃት ስራሕቲ ዑደት ድሕሪ ምክያድ ሕድሪ ሰማእታት ንምዝካር ድማ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝርከቡ ተኽልታት ማይ ኣስትየን፡፡ ብምኽንያት እቲ በዓል ኣዶ ህይወት እናሃበት ሂወት ክትስእን የብላን ብዝብል መሪሕ ቃል ልገሳ ደም ዝገበራ እንትኾና ስርዓት ኣመጋግባን ተቓልዕነት ደቂ ኣንስትዮ ንሕማም ኤችኣይቪ ኤድስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መመያጢ ፅሑፍ ቀሪቡ ዘትዮም፡፡ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዝተቐመጡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን መሰረት ዝገበረ ውድድር ሕቶን መልስን ተኻይዱ 1ይን 2ይን ንዝወፃ ተወዳደርቲ ሽልማት ገንዘብ ብምሃብ ቦንድ ክዕድጋ ተገይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ብምኽንያት በዓል ማርች8 ዝተዳለወ 120 ቲሸርት ብምሻጥ ብር 7ሽሕን 800ሚኢትን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ክውዕል ዝገበራ እንትኾና ዕለት ለካቲት ላዕለዎት ኣመራርሓ ቢሮ ዕዱማት ኣጋይሽ ኩሎም ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮን ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ዕለት ዝተዳለወ መግለፂ ቅዋም ብኪኢላ ስርዓት ፆታ ወይዘሮ ዙፋን ሃይለመስቀል ምቕራቡ ካብ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ዝመፀና ሓሬታ የመላክት፡፡

 ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ 6ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 15 ነጥቢ 64 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ምርካቡ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ትካል ካብዚ ኣታዊ 11ነጥቢ 91 ቢሊዮን ብር ዝተፃረየ ከስቢ እንትኸውን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ18 ሚኢታዊ ዕብየት ምርኣዩ ተገሊፁ፡፡ ኣብ በጀት ዓመት 2009 ቁፅሪ ዓማዊል ልዕሊ 52 ሚሊዮን ምብፅሑን ካብዚ ሽድሽተ ኣዋርሕ እወን 51ሚሊዮን ዓማዊል ግልጋሎት ሞባይል ምኳኖም ተገሊፁ፡፡ እቲ ትካል ፅሬት ግልጋሎት ንምርግጋፅ ብ13 ሰርክል ብምክፍፋል ዓብይ ምስፍሕፋሒ ቴሌኮም እናተሰርሓ ዝፀንሓ እንትኮን ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ይዛዘም ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠሞም ምቁርራፅ ሓይሊ፣ ምጭብርባር ቴሌኮምን ካልኦት ዕንቅፋታትን ተፃዊሩ ዘተባብዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ገሊፁ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ፍርያት ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ንምቅራብ ዓቕሚ ማይ ከርሰ ምድሪ ብምዕባይ ድርቂ ሕርሻ ንምክልካል ክስራሕ ይግባእ ኢሉ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን፡፡

ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ኣብ ከባብታት ገጠር ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዘፈራት ቴክኖሎጂ ሕርሻ ማእከል ስርፀት ንክኾኑ ብምግባር ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና ኢሎም፡፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣብ ዘሎ 8ይ መዓልቲ ሓረስቶት ውሰን ኣርባሕቲ እንስሳት ምደባ ኣርባሕቲ እንስሳት ተወከልቲ ማእከላት ምርምር ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘለዉ ፌስቲቫል እዮም ነዚ ዝበሉ፡፡ ኣብቲ ፌስቲቫል ክልልና ትግራይ ክልል ኣምሓራን ኣብ ምዕባይ መፍረያይነት ዘለዎን ተሞክሮ ኣቕሪበን ዘተ ተኻይድሉ እዩ፡፡

01/07/2009

ዝሓዝናዮ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዘዓመት ካብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ 1ነጥቢ2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረከበ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝተመዝገበ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ35 ሚኢታዊ ከም ዝዓበየ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሚሽን ፐብሊክ ሪሌሽን ኣይተ መኮነን ሀይሉ ገሊፆም፡፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ምስፍሕፋሕ ፖርክታት ኢንድስትሪ ንምምሕያሽ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ቀንዲ ምክንያታት እዮም ኣይተ መኮነን ፡፡ ህንፀት ፖርክታት ኢንድስትሪ ትካላት ኣሜሪካ፣ ኣውሮፖን ኤስያን ናብ ሃገርና ክኣትዉ ብምግባር ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዎም ፍሉጣት ትካላት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክዋፈሩ ከም ዝገበረ ተገሊፁ፡፡ ከም ኣገላልፃ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣብ ዘፈር ማፋክቸሪንግ ዝተዋፈሩ ሰለስተ ትካላት ቻይና፣ 2ትካላት ህንድን ትካላት ካልኦት ሃገራትን ናብ ፖርክ ኢንድስትሪ ኣዋሳ ዝኣተዉ ኮይኖም ኪያንግሱ ሳንሻይን ግሩፕ ዝተበሃለ ትካል ድማ 945 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ሃገርና ኢንቨስት ንምግባር ተሊሙ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ ፕሮጀክታትን ንግዲ ካርበን ዝውዕል 68ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ሂቡ፡፡

እቲ ሓገዝ ንመርሃ ግብሪ መተግበሪ ምምካት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተመረፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣግራብ ዝውዕል እዩ፡፡ በዚ ድማ እቲ 18ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝተጓሕጉሓ መሬት መሊስካ ንምልማዕ ንዝውዕል ፕሮጀክት መፈፀሚ ክኸውን እዩ፡፡ እቲ ዝተረፈ 50ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ድማ መጠን ካርበን ምንካይ ንዝግበር ፃዕሪ መፈፀሚ ዝውዕል እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ዝርግሓ ልምዓት ኣግራብ ብ30 ሚኢታዊ ብምዕባይ ካብ ሰደድ ካርበን ነፃ ንምኳን ሽቶ ኣቀሚጡ ኣብ ምንቅስቃስ ትርከብ፡፡ ባንኪ ዓለም ንምፅዋር ለውጢ ከባቢ ኣየር ቃል ካብ ዝተኣተወላ ገንዘብ 10ሚኢታዊ ጥራሕ ንከባብያዊ ፕሮጀክትታት ከም ዝውዕል መፅናዕታት የመላክት ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ንምጥንካር ሙያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወይዘሮ ምሕረት በየነ መደባትና ብብቕዓት እናፈፀምና ብህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ልእኽቶ በዓል መዚ እቶት ንምዕዋት ንጀመርቲ ክኢላታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈትን ኣብ ዙርያ ሪፎርምታት ግብሪ መሰረት ብምግባር ሙያዊ ዓቕምን ክእለትን መዕበይ መባእታዊ ትምህርትን ስልጠናን ከም ዝተወሃበ ገሊፀን፡፡ እቲ ዝተወሃበ መባእታዊ ስልጠና ኣዋጃት ደንብታትን መምርሕታትን ግብሪ ማእኸል ዝገበረ ኮይኑ ካብ 52 ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ንዝተውፃፅኡ ልዕሊ 200 ጀመርቲ ክኢላታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈትን ኣብ ከተማ ማይጨው ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ እዩ ተዋሂቡ፡፡ ወይዘሮ ምሕረት በየነ ዝተወሃበ መመሓየሺ ዓቕምን ክእለትን ስልጠና ዋና ዕላምኡ ስርዓት ግብሪ ጠንቂ ምምሕዳር ካብ ምዃኑ ድሒኑ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ብምሃብ ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንክኸውን ዝሕግዝ ፅፉፍን ግልጋሎት ብምሃብ ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንክኸውን ዝሕግዝ ስልጠና ከም ዝኾነ ገሊፀን፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ሞያዊ ስልጠና ወይዘሮ ብርኽቲ ዘሪሁን ኣይተ ጎሹ ንጉሰን ብወገኖም ነቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ምትግባር ሪፎርምታት ግብሪ ዝርኣዩ ዝነበሩ ጉድለታት መሊእና ብዝተማልኣ ዓቕምን ክእለትን ዘመናዊ ስርዓት ግብርን ታክስን ብምህናፅ ግብሪ ፍልፍል ልምዓት ሰናይ ምምሕዳርን ንክኸውን ክንሰርሕ ዝገበረ እዩ ምባሎም ላዕለዋይ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ሃይላይ ኪሮስ ፀብፂቡ፡፡

 ምትሕብባር ኣፍሪካን ቻይናን ዝበለፀ ንክቀላጠፍ ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ቻይና ዋንግዩ ሓቲቶም፡፡

እቶም ሚኒስተር ኣብ መበል 12 ጉባኤ ሃገራዊ ኮንግረስ ህዝብታት ቻይና ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሃገሮም ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባር ክቀላጠፍ ይግባእ ኢሎም፡፡ ቻይናን ኣፍሪካን ስጡምን ዝተኣሳረን ኣብ ምድግጋፍ ዝተመስረተ ሕውነት ከምዘለዎን ድማ ገሊፆም፡፡ ምትሕብባር ኣፍሪካን ቻይናን ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ቻይና ኩሉ ግዜ ዝኣተወቶ ቃል ስለ እትሕሉ ተተግብር ትክክለኛ ኣፍሪካ ምኳና ኣረዲኦም፡፡ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኢሉ እውን ኩነታት ኢኮኖሚ ተለዋዋጢ እኳ እንተኾነ ቻይና ንኣፍሪካ እትገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተካየድ ፎረም ምትሕብባር ኣፍሪካ ቻይና፣ ፕሬዝዳንት ቻይና ዥ ፒንግ ንኣፍሪካ 60ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምእትገብር ምዝራቦም ሚኒስተር ዋንግ ዩ ኣዘካኪሮም ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ ዝተኣተወ ገንዘብ ንሃገራት ኣፍሪካ ክባፃሕ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ እዚ ድማ ቻይና ዝኣተወቶ ቃል ከም ትሕሉ ዘርእዩ እዩ ኢሎም፡፡ በዚ ድማ መስመር ሃዲድ ኣዲስ ኣበባ ጅቡቲን ዝተዛዘመ ኮይኑ መስመር ሃዲድ ቦንባሳ ናይሮቢ ድማ ኣብ ቐረባ ከም ዝዛዘም ከም ኣብነት ኣልዒሎምይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡