ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ሚያዝያ 2009

26/08/2009

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘትዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ፣ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝኾኑ ዛይድ ራድኣል ሑሴን ኣብ ዝተመያየጥሉ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከም ቀንዲ ዛዕባ ዘትዮም፡፡ ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ፣ኣምሓራን ደቡብን ዘጋጠመ ዘይምርግጋዕ ኣድሂቡ ኣብ ዝካየድ ምፅራይ ዘቕረቦ ፀብፃብ እውን ከም ዛዕባ ዘተ ምንባሩ ተገሊፁ፡፡ እቶም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ምስ ኮሚሸነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዲሱ ገብረግዝኣብሄርን ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘትዮም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሞሮኮን ምዕራባዊ ስሃራን ብዘተ ዘሰሓሕበን ብዘተ ክፈትሓ ኢትዮጵያ ሓቲታ፡፡

ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ብኣባልነት ዝተመለሰት ሞሮኮ ምስ ምዕራባዊ ሰሃራ ዘተ ብምግባር ኣብ ፍታሕ ክትበፅሕ ኢትዮጵያ ፀዊዓ፡፡ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒዩርክ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ዳግማይ ዘተ ንኽጅመርን ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ፃንሒቱ ክናዋሕን ብሙሉእ ድምፂ ኣብ ዝተወሰነሉ ኢትዮጵያ ነዚ ፃውዒት ዘቕረበት፡፡ ልዑኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ ከም ፣ሞሮኮ ናብ ሕቡራት ኣፍሪካ ምምላሳ ግብራዊ ፍታሕ ብህፁፅ ንምምፃእ ዝሕግዝ ኮይኑ ፣ክልቲኣዊ ወገናት ብኣፍሪካዊ ሕብረት ዝድገፍ ሓምሻይ ዙርያ ዘተ ሰላም ቅልጡፍ እማም ሰላም ንምጅማር ቅድሚያ ሂበን ክሰርሓ ይግባእ ምባሎም ንፀብፃብ ኣፍሪካ ኒውስ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ግልጋሎት መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይፃፈፍ ኣለው፡፡

እቲ መስመር ባቡር ንምጅማር ኣብ መንጎ ኢትዮ-ጅቡቲ ዝጣየሽ ኩባንያ ናይ ምቋም፣ ነቲ ኩባንያ ዝመርሑ ኣመራርሓ ቦርድ ምሻም ነቲ ምሕደራ ኩንትራት ምሃብ፣ ብፅሒት ሃብቲ እቲ ኩባንያ ናይ ምፍላይን ተግባራት ከም ዝተወገኑ ኮርፕሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ክፍልል ሃብቲ ድማ 75 ሚኢታዊ ብወገን ኢትዮያ ከምኡ እውን 25 ሚኢታዊ ብወገን ጅቡቲ ከም ዝኸውን መደብር ባቡር ኣዲስ ኣበባ ምዃኑን ብቀፃሊ ድማ ብመስመር ሕጊ ንግዲ ኢትዮጵያ ከም ምጅማር ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኮርፕሬሽን ባቡር ኢትዮጵያ ኣይተ ደረጀ ተፈራ ሓቢሮም፡፡ ግልጋሎት መጓዓዝያ ባቡር ንኣጋር 120 ብሳየት፣ንፅዕነት 80 ኪሎ ሜትር ዝጎዓዝ ብምዃኑ ብመዓልታት ዝነበረ ናይ ተሽከርከርቲ ፍጥነት ናብ ሳያታት ከሕፅሮ ትፅቢት ይግበር ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

25/08/2009

ሕብረት ኣውሮፖ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንምዕሳል ፣ዘይሕጋዊ ስደት ንምቁፅፃርን 59 ሚሊዮን ዩሮ ምምዳቡ ገሊፁ፡፡

እቲ ሕብረት ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝበጀቶ ገንዘብ ንኩለን ሃገራት ምዕሳል ሰላምን ፕሮጀክትታት ልምዓትን ዝውዕል ምዃኑ ገሊፁ፡፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ህንፀት ሰላም እቲ ከባቢ ስራሕቲ ፀጥታን ምርግጋዕን ንምጥንኻርን ቁጠባዊ ምትእስሳር ልምዓት ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ፡፡ ካብቲ ዝተበጀተ ገንዘብ 40 ሚሊዮን ዩሮ ንበየነ መንግስታት ልምዓት ሃራት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ንሰላም እቲ ከባቢ ዝውዕል ቀንዲ ተግባራትን ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ዝበዝሓ ገንዘብ ንስራሕ ፈጠራን ብፍላይ ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ ኣብ ኣናእሽትን ደቀቕትን ኢንተርፕራይዛት ክዋፈሩ ዝገብር እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 መዓልቲ ዓለም ለኸ ነፃነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ፡፡

ንውልቀ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ መንግስቲ ዝግበር ሓገዝ ውሑድ ምዃኑን ቁፅሪ እተን ትካላት እውን ዝወሓደ ምዃኑ ነቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስተር ነገሬ ሌንጮ ኣብ ሃገርና ታሪኽ መራኸብቲ ሓፋሽ ፕረስ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ እዩ፡፡ይኹን እምበር ኣብ ሕገ-መንግስቲ ውሕስና ረኺቡ ካብ ዝንቀሳቐሱ 2ተ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ ዝቁፀር እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ዘፈር ሕዚ እውን ተኾነ ምስ ፍልጠትን ክእለትን ተኣሳሲሩ ሕፅረታት ዝረኣየሉ ብምዃኑ ክንድቲ ዝድለ ዕብየት ኣየምፀኣን ኢሎም፡፡ ኣብ ውልቀ ኾነ መንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ መሰረት ዝገበሩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ምቅላዕ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 2ተ ረቂቅ ኣዋጃት ኣፅዲቁ ሓደ ረቂቅ ኣዋጅ ድማ ኣፃርዩ ዝርዝር ሪኢቶ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ፡፡

ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ቻይናን ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ንምሃብን ኣብ ጉዳያት ፍታብሄርን ንግዲን ዝተበፅሓ ሓበራዊ ስምምዕነት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡ እቲ ዝተገበረ ስምምዕ ኣብተን ሃገራት ሰላም ፣ፀጥታን ምርግጋዕን ዓብይ ግደ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡ ሃገርና ኣብ ትገብሮ ዘላ ህንፀት ልምዓትን ዲሞክራስን ገበን ፈፂሞም ካብ ሃገር ዝሃድሙ ናብ ፍርዲ ዘቕርብ እዩ፡፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሕን ምምሕዳርን ኣይተ ጴጥሮስ ወልደሰንበት ኣብ መዳይ ንግድን ፍታብሄርን ዘይምቅድዳው ብቐሊሉ ንምፍታሕ ከምዝኽእል ኣፍሊጦም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት ፌዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቅ ገምጋም ንቐወምቲ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሕን ምምሕዳርን ንግድን ምምርሑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

19/08/2009

ብሕፅረት በጀት ንኣርባዕተ ዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ህንፀት ማእከል መናእሰይ ኣላማጣ ስራሕ ምጅማሩ ማሕበር መናእሰይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ የማነ ክፍለማርያም ህንፀት እቲ ማእከል እቲ ማሕበር ብዝመደቦ 11 ሚሊዮን ብር ኣብ 2005 ዓ/ም እንተተጀመረ እኳ ብሕፅረት በጀት ተቋሪፁ ከምዝፀንሓ ብምሕባር ኣብዚ ዓመት ካብ ማሕበር መናእሰይ ክልል ትግራይ ብዝተረከበ 10 ሚሊዮን ብር ተወሳኺ በጀት ህንፀቱ እናቐፀለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዝተወሃበ ሓደ ሽሕ ካሬ መሬት ቦታ ዝዓረፈ እቲ ማእከል ብዓል ሰለስተ ደብሪ ዘበናዊ ህንፃ ምኳኑ ገሊፆም፡፡ ህንፀት እቲ ማእከል ደረጅኡ ዝሓለወ 21 መደቀሲ ክፍልታት ክልተ ቤት ብልዒ ፣ቤት መፃሕፍቲ መውሃቢ ሓበሬታን ኣብ ሕዚ እዋን 300 ሰባት ከተኣናግድ ዝኽእል መኣከቢ ኣዳራሽ ዝሓዘ እዩ ኢሎም ኣይተ የማነ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ካልኣይ ሓበራዊ ኢትዮ-ሩዋንዳ ጉባኤ ሚኒስተራት ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክካየድ እዩ፡፡

እቲ ጉባኤ ካብ ቀፃሊ 27 ሚያዝያ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ዝካየድ እዩ ኢሎም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ፡፡ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ዳሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ጀኔራል ወይዘሮ ሉሊት ዘውዴ ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈራረመ ስምምዕነትን ጉዳያት ክልቲኣዊ ርክብን ኣብ ምምካር እዮም፡፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ዓለም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቅድሚ ሕዚ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሸሞንተ ስምምዓትን ሸውዓተ ሓበራዊ መረዳድኢ ሰነዳት ብምፍርራም ዘኪሮም ካብዚኣም ውሽጢ ትሕብብር ጠቕላላ፣ ግልጋሎት ንግድን መጓዓዝያን ኣየርን ስምምዓትን ከምዝርከብዎም ገሊፆም፡፡ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘጎልበቱ ጉዳያት ኣብቲ ዝካየድ ጉባኤ ጎና ጎኒ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኪጋሊ ብዕላዊ ተመሪቑ ከምዝኽፈት እቶም ወሃቢ ቃል ኣይተ መለስ ተዛሪቦም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 7ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀጥታ ብሰላም ክዛዘም ምድላዋት ምግባሮም ፖሊስን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ገሊፆም፡

እቲ ፎረም ክሳብ ዝዛዘም ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ምክልኻል ገበንን ምኽባር ፀጥታን ንምክያድ ምድላዋት እናገበረ ምኳኑ ነዚ እውን ዝተፈላለዩ ኣወዳድባ ይጠናኸሩ ከም ዘለው ገሊፆም፡፡ ዘላቂ ልምዓት ሰናይ ምምሕዳር ከተማታት ንህዳሴና ብዝብል መሪሕ ቃል ዝኽበር ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንተወከልቲ 229 ከተማታት ሓዊሱ ኣስታት 15 ሽሕ ኣጋይሽን 15 ዓበይቲ ትካላትን ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ተጠቃሚ እናኮነ እኳ እንተመፀ ከም ዘሎ ብዝሓሸ ተጠቃሚ ዝኮነሉ ኣሰራርሓ ክዝርግሕ ከም ዝግባእ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ መፃኢ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ዝክበር ቅነ ፍትሒ ኣመልኪቱ ሙሁራን ሕጊ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ፍትሒ ተበፃሕነትን ግልፅነትን ከምኡ እውን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ምምዝጋቦም ኣዘካኪሮም እዚ ጅማሮ ድማ ንቀፃሊ ምስ ኩለን ሴክተራት ፍትሒ ቡዙሕ ስራሕ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ሕብረተሰብ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ተረባሒ እናኮነ እኳ እንተመፀ ብምክንያት ኣብ ሓደ ሓደ ዘጋጥሙ ፀገማት ኣሰራርሓ ክንድ እቲ ዝድለ ዕግበት ዘይምርካቡ ገሊፆም ሕብረተሰብ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይውገኑ ኣለው ኢሎም፡፡ ነዚ እውን ሕብረተሰብ ካብ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝፀንሕ ሰሙን ፍትሒ ኣብ ትካላት ፍትሒ ዘሎ ፀገም ብምግንዛብ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ድጋፍ ሓረስቶት ትሑት ኣስተዋፅኦ ዝገብራ ክልላት ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕናን ትሑት ምኳኑ ተጠቒሱ፡፡

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምስ ቀወምቲ ኮሚቴ ጉዳያት ሓረስቶትን ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ትልሚ ኣፈፃፅማ 3ይ ርብዒ ዓመት ገምጊሙ፡፡ ሕገ-መንግስቲ ኢፌዴሪ ክልል ሶማሌ፣ ዓፋር፣ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ሓረስቶት ከባቢ ካብ ካልኦት ዝሓሸ ብኩሉ ዘፈር ፍሉይ ሓገዝ ክግበረሉን ዝድንግግ እኳ እንተኮነ ኮይኑ ግን መንግስቲ ልዑል ትኩረት ዝሃቦ ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና ክፍተት ከምዘሎ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓረስቶት ኣይተ መሓመድ የሱፍ ገሊፆም፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ጥዕና ዶክተር ከበደ ወርቁ እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ክልላትን ኣብ ከባቢ ሓረስቶትን ዘሎ ሽፋን ግልጋሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር እናሰርሓ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ቀረባ እዋን 72 ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያታት ጥዕና ምምዳቦምን ህንፀት ትካላት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር እውን ኣብ ክልል ሶማል ጥራሕ 10 ጣብያ ጥዕናታት እናሃነፁ ከም ዘለውን ብሓፈሻ ኣብ ኣፈፃፅማ 3ይ ርብዒ ዓመት ዝነበሩ ፀገማት ንምምሕያሽ ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ከምዘማሓየሹ ኣተሓሳሲቡ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ቢሮ ትልሚ ፋይናንስን ክልል ትግራይ ምስ ኮምሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይና ብምትሕብባር ንመኮነናት ስነ ምግባር ኣብያተ ፅሕፈት ትልሚን ፋይናንስ ወረዳታት ንከተማታት ክፍለ ከተማታት ስልጠና ሂቡ፡፡

እቲ ሰልጠና ዓቕሚ መኮነናት ስነ ምግባር ብምዕባይ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ካብ ብኽነት ምጥፍፋእን ንምድሓን ዝዓለመ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ተረኪቦም ዘረባ ዘስምዑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ተኽሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓብይ ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ግቡእ መልሲ ንምሃብ መንግስቲ ሽቶ ሒዙ ኣብ ምንቅስቃስ ከም ዝርከብ ገሊፆም ህዝቢ ተረባሒ ዝኸውን እቲ ዝተመደበ በጀት ኣብ መዓልኡ እንትውዕል እዩ ኢሎም፡፡ ብፍላይ ኣብ ኮንስትራክሽንን ዕደጋን ግዕዝይና ብሰፊሑ እናተርኣየ ስለ ዝኮነ ኩላትና ከም ሓደ ኣካል ኮይና እዚ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ክንቃለሶ ይግባእ ምባሎም ካብ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ፀብፃብ የመላኽት፡፡

16/08/2009

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ሃገርና ተላዒሉ ኣብ ዝነበረ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ዘካየዶ ምፅራይ ዝረከቦ ውፀኢትን ዘይወገናዊ ምኳኑ ውድባት ፖለቲካ ገሊፆም፡፡

ውፅኢት እቲ ምፅራይ ኣመልኪቶም ሪኢቶኦም ዝሃቡ ውድባት ፖለቲካ እቲ ኮሚሽን ብዘይውግንና መፅናዕቱ ዘካየደሉ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ህውከት ዘይምርግጋፅን ኢድ ዝነበሮ ኣካላት መንግስቲ ብምንፃር ብሕጊ ክሕተቱ ምጥቋሙ ኣብ ገለልተኝነት እቲ ኮምሽን ዝነበረ ምጥርጣር ክንኪ ዘክኣለ ምኳኑ ገሊፆም ኣብ ሰብን ናውትን ዝበፅሓ ጉድኣት ብግልፂ ምቅማጡ እውን ንኢዶም፡፡ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ፀገማት ብናይ ባዕላ ገለልተኛ ኣካል ንምፅራይ ዘኽእል ዓቅሚ ኣብ ምህናፅ ከምዝትርከብ ዘመላከት እዩ ኢሎም፡ ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ብሙሉእ ድምፂ ዘፅደቐ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መንግስቲ እቲ ኮሚሽን ተሓተቲ እዮም ዝበሎም ኣባላት ናብ ሕጊ ከቐርቡ ምትሕስሳቡ ይዝከር፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ኮሚሸን ተሓተቲ ዝኮኑ ኣካላት መንግስቲ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዓለም ለኸ ትካል ሁጃን ን50 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ቀሊል ኢንድስትሪ ከተማ ኣብ ኢትዮጵያ ክሃንፅ ምኳኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዓመት 2ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ክረክብ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓድሽ ፖርክ ኣብ 138 ሄክታር መሬት ዝህነፅ እንትኮን ኣብ 2020 ዓመተ ፈረንጂ ሙሉእ ንሙሉእ ክዛዘም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ ሓላፊ ቦርድ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ዶክተር ኣርከበ ዕቁባይ ከም ሂውጃን ዝበሉ ትካላት ወፃኢ ንስራሕ ዕድልን ሰደድ ፍርያትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኢኮኖሚያዊ ምምጥጣን ብምፍጣር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ልዕሊ 45 ሚሊዮን ኣፍረያይ ሓይሊ መንእሰይ ምጥቃም ከምትክእል ሓቢሮም፡፡ ካብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና 3 ፖርክታት ኢንድስትሪ ናብ ስራሕ እናእተወት እንትትከውን ኣብ ከይዲ ዝርከቡ 9ፖርክታት ኢንድስትሪ እንትዛዘሙ ንልዕሊ 200 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ልምዓት ኣክስዮን ኢንድስትሪ ኣባይ ብልዕሊ 1 ቢሊዮን ወፃኢ ዘበናዊ ፋብሪካ መወሃዲ ዕንጨይቲ ክሃንፅ እዩ፡፡

ኣብ ከተማ ደብረ ታቦር ዝህነፅ እዚ ፋብሪካ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ዶክተር ኣምባቸው መኮነን እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም፡፡ ዶክተር ኣምባቸው ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፅዎ ልምዓት ኢንድስትሪ ከይዲ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ኣብ ስግግር ዝግበር ፃዕሪ ኣክስዮን ማሕበር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም ፋብሪካ መዋሃዲ ዕንጨይቲ ኣብ ደብረታቦር ምህናፁ ነቲ ፋብሪካ ዝከውን ጥረ ኣቅሑ ባህርዛፍ ኣብቲ ከባቢ ብበዝሒ ስለዘሎ ሃፍቲ እቲ ከባቢ ናብ ረብሓ ንምቅያርን ተወሰኽቲ ዘመናዊ መዋሃዲ ፅንጨይቲ ንምህናፅ ዘክእል ስራሕቲ እናተሰርሓ እዩ ኢሎም፡፡ እታዎታት ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ወፃኢ ብምቅራብ በቲ ዘፈር ተረባሕቲ ንክኾኑ እቲ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ምትእስሳር ዕዳጋ ብምእታው እጃሙ ክዋፃእ ከም ዝግባእ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን ኣብቲ ዕለት ኣተሓሳሲቦም ክብል ፀብፃብ ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂበ፡፡

 ደቡብ ሱዳንን ሃገር ኡጋንዳን ዶብን ንምጥንካር ኣብ ስምምዕነት በፂሓን፡፡

ሓበራዊ ኮሚቴ ክልቲኤን ሃገራት ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይዳ ዝፀንሓ ምይይጥ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥራዝ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ምብፃሓን ገሊፀን፡፡ ንኸይዲ ምጥራር ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዝሕገዝን ቁፅፅር ከምዝገበርን እውን እዩ እቲ ሓበራዊ ኮሚቴ ኣብ ስምምዕ በፂሑ፡፡ ምጥራር ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንክሳለጥ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕን ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ጎንፂ ዝፈትሕ እዩ ይብል ፀብፃበ ኤፍቢሲ፡፡

14/08/2009

ሃገር ለኸ ምርኢት ምግብን መስተን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ፍርያት ንምፍላጥ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዝፈጠረሎም ተሳተፍቲ እቲ ምርኢት ገሊፆም፡፡ 3ይ ሃገር ለኸ ኤግዝቬሽን ምርኢት ምግብን መስተን ኣብ ማእከል ተከፊቱ፡፡

ሓላፊ ጉዳያት ኤክስፖርት ትካል ኣምፃእትን ልኣኽትን እኽልታት ቅብዓት ኣይተ ኣዲሱ ጌትነት ኣብቲ ኤግዝቢሸን እንትሳተፉ ንፈለማ እዋን ምዃኖም ገሊፆም ዕዳጋ ንምርካብ ፅቡቕ ኣጋጢሙ ከም ዝፈጠረሎም ኣገንዚቦም እዚ እውን ካብ ረብሓ ሓላፊ ዝፈጥር ምትእስሳር ዕዳጋ ንቀፃሊ ዝርከብ ረብሓ ዝለዓለ እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ኢንድስትሪ ዶክተር መብራህቱ መለስ እቲ ምርኢት ሽመተን ሽያጣትን ምርካብ ፍርያት ተሳተፍቲ ብምፍላጥ ዕድል ዕዳጋ ብምፍጣር ንክዓብይ ከም ዝሕግዝን እቲ ዘፈር ዝበፅሓ ብርኪ ንምርኣይ ዓብየ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ምርኢት ኢንስትትዩት ልምዓት ኢንድስትሪ ምግቢ መስተን ኤስ.ፒ ጄኔራል ቢዝነስ ዝተዳለወ እንተኮን ፅሬት ንተወዳደርቲ ዓለም ለኸ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ 66 ትካላት ለኣክትን ኣቅረብትን ተሳቲፎም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ንምጉልባት ሰናይ ምምሕዳርን ንምኽባር መሰል ዜጋታትን ትካላት ዲሞክራሲ ዝተወሃበን ሓላፍነት ኣብ ምፍፃም ኣጠናኺረን ክቅፅላ ይግባእ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብዚ ሰሙን ንግልጋት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ መንግስቲ ባዕሉ ንባዕሉ ምእራም ከምዝክእል ነፃ ኮይኑ ዝተመሰረተ ትካላት ዲሞክራሲ ዝተወሃበን ሓላፍነት እናተዋፅኣ ከም ዘለወን ንምጉልባት ሰናይ ምምሕዳርን ንምክባር መሰል ዜጋታት ዘክእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝኮነ እቲ መግለፂ ይሕብር፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ደቡብ ክልልን ሓደ ሓደ ከባብታት ዝተፈጠረ ህውከት ኣመልኪቱ ዝገብሮ ምፅራይ ውፅኢት ንኽሪ ሓሳብ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምቅራቡ ይገልፅ፡፡ ትካላት ዲሞክራሲ ዝጀመርኩ ስራሕቲ ምንቅስቃስ ተሃድሶ ብምሕጋዝ መንግስቲ ንሕጊ ብላዕለዋይ ብምኽባር ንሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ምጥንካር ዘለዎ ቁርፀኝነት ብተግባር ዝሳኻዕ ከምዝኮነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

12/08/2009

ምቕማጦም ኣብ ግብፂ ካይሮ ገይሮም ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ንዝነበረ ህውከት ይመርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ትካላት፣ መንግስቲ ግብፂ ስጉምቲ ምውሳድ ምጅማሩ ቐዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝገበርኦ ሓበራዊ ዘተ እዩ ግብፂ ኣብ ኢትዮጵያ መዕነዊ ግደ ዝፃወቱ ትካላት ንዘይምትእንጋድ ቃል ዝኣተወት፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ እዋናዊ ጉዳት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ እዩ ነዚ ዝገለፁ፡፡ ምንቅስቃስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ንኢትዮጵያ ዘስግእ ኣይኮነን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ በሪ ብምዃና ሃገራት ኣውሮፖ ይኹን ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘለዋም ድሌት ዝለዓለ እዩ ኢሎም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 መንግስቲ ክጥንክር ስርዓት ዲሞክራሲ ምስ ሰቪክ ማሕበራት ክዝቲ እዩ፡፡

ብምትሕብባር ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፕሬትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ዘዳለዎ ምይይጥ ሲቪክ ማህበራትን መንግስትን መንግስቲ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ምእንታን ንክቅፅል ዝገብር እዩ፡፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብማዕርግ ሚኒስተር መተሓባበሪ ዲሞክራታይዜሸን ሓላፊ ዘፈር ሲቪክ ማሕበራት ኣይተ ኣብዱልኣዚዝ መሓመድ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ንምግባር እውን ፀገማት ኣመመዩ እንዳተንቀሳቀሰ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ዝግበር ምይይጥ ኣብ ቀንዲ ሃገራዊ ዕማማት ምስ ሲቪክ ማሕበራት ብሄራዊ ምርድዳእ ምእንታን ንክህሉ ዝጠቅም እዩ፡፡ ብመንግስቲ ብትካላት ትምህርቲ ሲቪክ ማሕበራትን ግደ ሲቪክ ማሕበራት ዝርከበሉ ብርክን ኣብ ቀፃሊ ክትግበሩ ዝግብኡ ሓሳባት ዝሓቀፉ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብቲ ምይይጥ ክቐርቡ እዮም ተባሂሉ፡፡ ብቀፃሊ ኣብ ክልላት ምይይጥ ከምዝግበር ዝሓበሩ ኣይተ ኣብዱል ዓዚዝ ፣ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ከም እታዎት ዘገልግሉ ሓሳባት ንምእካብ ድልድል ባይታ ኮይኑ ከምዘገለግል ገሊፆም፡፡ ተወከልቲ መንግስቲ ፣ማሕበራት ሲቪክ ፣ትካላት ትምህርቲ ፣ትካላት ሚዲያ ብሓፈሻ ካብ 500 ንላዕሊ ተሳተፍቲ ክህልው እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ብዝርከቡ ዶክተራት ሕክምና ንዝህነፅ ሆስፒታል እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ነቲ እምነ ኩርናዕ ኣብ ዘቅመጥሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ተወለድቲ ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ሰብ ሞያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክሰርሑ መንግስቲ ሓገዝ ክገብር እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ዝርከቡ 80 ሚኢታዊ ሕማማት -----ክቕረፉ ዝኽእሉ ምዃኖም እውን ኣይተ ሃይለማርያም ኣብሪሆም፡፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተርኣየ ዝርከቡ ሕማማት ዝተሓላኹ ምስ ምዃኖም ግደ እቲ ሆስፒታል ዝለዓለ ክኸውን እዩ ኢሎም፡፡ ቅድሚ 5ተ ዓመታት ብ12 ዶካትር ዝተጀመረ ኢትዮ-ኣሜሪካ ተርሸሪ ሓሳብ ህንፀት ሆስፒታል ኣብዚ ሕዚ እዋን 260 ኣባላት ዝሓቐፈ እዩ፡፡ እቲ ዝህነፅ ሆስፒታል 360 ተሓሰካ ዝድቅስሎም ዓራታት ዝሓዘ እንትኾን 8ተ ክፍልታት መጥባሕቲ እውን ክሕዝ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሃገርና ብናይ ዓርሳ ዓቅሚ ሓደጋ ድርቂ እናተፃወረት ምዃና ዓብይ ዓወት ምዃኑ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ኮምሽነር ምትኩ ካሳ ተዛሪኢቦም፡፡

ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ንምሕጋዝ መንግስቲ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ብምውፃእ በቢ ወርሑ ምግቢ ተኮር ሓገዛት ከይተቀራፁ እናሃበ ምኳኑ ኣይተ ምትኩ ገሊፆም፡፡ ይኹን እምበር ብምኽንያት ሰፊሕነት እቲ ፀገም ብናይ ዓርሰ ዓቕሚ መንግስቲ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ጎና ጎኒ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ወፃኢ ዓድታትን ሃገራትን ዓለምን ዝገብርዎ ሓገዝ ዝነኣድ ብምዃኑ ሓገዞም ከጠናኸሩ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡ እቶም ኮምሽነር ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ መንግስቲ ሓደጋ ድርቂ ንምክልካል 948 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ወፃኢ የድልየኒ እዩ እኳ እንተበለ 93 ሚሊዮን ዶላር ጥራሕ ምርካቡ ከም ኣብነት ጠቂሶም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ድርቂ ዘጋጠመ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅ ክፋላት ሃገርናን እንትኸውን ብቀፃልነት ነቲ ድርቂ ንምፅዋር ስራሕቲ ማዕቀፎ መሰረት ተገይሩ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

11/08/2009

መንግስቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም እንትምለሱ ንወልቀ ግልጋሎት ዝጥቀምሎም ኣቁሑት ብዘይ ቐረፅ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው ምፍቃዱ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

በዚ መሰረት ተመለስቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ናውትታት ዘፍረይዎ ንብረትን ብዘይ ቀረፅን ታክስን ክኣትዉ እዮም ኢሉ ኣሎ እቲ ሚኒስተር፡፡ ዜጋታት ንዓመታት ክነብርሉ ካብ ዝፀንሕሉ ስዑድ ዓረብ ተገዲዶም እንትወፁ 21 ዓይነታት ኣቅሑት ሒዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዕድል ምፍጣሩ እውን ገሊፁ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ግልጋሎት ሰነድ ጉዕዞ ዝወሃበለን ዝነበረ ቁፅሪ ማእከላት እውን ወሰኽ ምግባሩ ገሊፁ፡፡ ተመለስቲ ብዘይ ገለ ምንግልታዕ ናብ ሃሮም ብሰላም ክምለሱ ብሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ኣቢሉ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ህንፀት ዝርግሓ ፕሮጀክት መሰረተ ማይ ከተማ እንትጮ ተዛዚሙ ስነ-ስርዓት ርክክብ ተፈፂሙ፡፡

ኣብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ ሓላፊ ምምሕዳር ኮንትራት ኣይተ ቢንያም በርሀ በቲ ቢሮ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ዝተሰርሓ ፕሮጀክት ከምዝኮነ ገሊፆም ነቲ ዝተዛዘመ ፕሮጀክት ኣካላት ምምሕዳር እታ ከተማን ህዝብን ግቡእ ክንክንን ቆጣባይ ኣጠቃቅማን ክኽተሉ ኣዘካሮም፡፡ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮን ወናኒ ዋና ኣውራ ከይዲ ስራሕ ቀረብ መስተ ማይን ኣይተ ተስፋኣለም ሓድጉ ብወገኖም ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማታት ትግራይ ብዘላቅነት ንምፍታሕ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ካልኦት መማረፂ ሃፍቲ ማይን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ናብ ትግበራ ከም ዝተኣተወ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ላዕለዋይ መኮነንን ርክብ ህዝብን ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ሰለሞን መለስ፡፡

 ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ኣብ ሃገርና ዝንቀሳቀሱ 79 ጣብያታት ሬድዮን ቴሌቭዥን ፍቃድ ሂቡ መማፂ መራኸብቲ ሓፋሽ ሕብረተሰብ ክሰፍሕ ምግባሩ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ተወካሊ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤልያስ ተስፋይ እቲ በዓል መዚ ሓደ መግለፂ ስርዓት ዲሞክራሲ ዝኮነ ተበፃሕነት ሚዲያ ንምስፋሕ እናሰርሓ ምኳኑ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ብርክት ዝበሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ፍቃድ ብምሃብ ናብ ስራሕ ምእታም ተዛሪቦም፡፡ ንምክፋት ጣብያ ፈነወ ዝሓቱ ኣካላት ብዘቅረብዎ ፕሮፖዛል መሰረት እቲ በዓል መዚ ፍቃድ ከም ዝህብ ዝተዛረቡ ኣይተ ኤልያስ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ኣማሊኦም ንዝመፁ ዓማዊል ብሕግን ደንብን ሃገርና መሰረት ፍቃድ ከምዝወሃብ ኣብሪሆም፡፡ እቲ በዓል መዚ ድልየት መራኸብቲ ሓፋሽ ሕብረተሰብ ንምዕጋብን ሕግን ስርዓትን ኣክቢሮም ዝንቀሳቀሱ ትካላት ሚዲያ ንክበዝሑ ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ ኢሎም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

04/08/2009

መበል 59 ዓለም ለኸ ጉባኤ ቱሪዝም ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ምንቅስቃስ ዘፈር ቱሪዝም ፅቡቅ ሃዋህው ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ምስሊ ሃገርናን ኣህጉር ኣፍሪካን ብምጉላህ ዘለውዋ ሃፍትታት ቱሪዝም ንምልላይ ዝለዓለ ብፅሒት ኣለዎ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ መዓዛ ገብረመድህን ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢለን፡፡ እቲ ጉባኤ ካብ 10 ሚያዝያ ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ እዩ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ኣመራርሓ ቱሪዝም ቻይናን ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽን ተሳተፍቲ ክኾኑ ትፅቢት ይግበር ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዑደት ኣሚር ኳታር ውፅኢት ዘፈር ዲፕሎማሲ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ፡፡

ዑደት ኣሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ዝወሃቦ ምኳኑ ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ፣እቲ ዑደት ታሪካውን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎን ምዃኑ ገሊፆ፡፡ እተን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ዝጅምር 22 ዓማውቲ ዘቁፀረን ምኳኑ ኣይተ መለስ ፣ ብኣግባብነት ዝርቋሕ ረኽቢ ተዛሪቦም፡፡ ብተወሳኺ እውን እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንእትገብሮ ኣበርክቶ ዋጋ ዝሃበ ምኳኑ ሓቢሮም ፣ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ከዓ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ባሕሪ ምዕሩይ ርክብ ንምፍጣር ዝሕግዝ ምዃኖም ገሊፆም፡፡ ዑደት እቶም ኣሚር ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ ብዝተሰርሓ ስራሕቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ምኳኑ ጠቂሶም ፣ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝተበፅሓ ፖለቲካዊ ፣ኢኮኖሚያዊን ስምምዕነት ጉዳይ ድሕንነት እተን ሃገራት ርክበን ኣብ ልዑል ብርኪ ምብፃሑ ዘመላኽት ምኳኑ ገሊፆም ክብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ኣብ ሃገርና ኣፍሪካን ኤስያን ዝገብሩ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵውያን ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 6ይ ዓመት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዕላዊ ከም ዝገበሮ እቲ በዓል ኣብ ኬንያ ፣ሱዳን፣ ግብፅን ደቡብ ኮርያን ተኸቢሩ እዩ፡፡ ኣብ ኬንያ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እቲ መደብ ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ዝህነፅ ዘሎን ዜጋታት ኢትዮጵያ ኽታሞም ዘንብረሉ ዘለው እዩ ኢሎም፡፡ ካብ ህዝቢ ረብሓ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያዊ ጎረቤት ሃገራት ዝህልዎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ናይ ቢሮ ብዘተኻየደ መሸጣ ቦንድ 5ሽሕን 400 ዶላር ኣሜሪካ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ መሸጣ ቦንድ ድማ 12ሽሕን 100 ዶላር ኣሜሪካ ምእካብ ተካይዱ፡፡ እቲ በዓል ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሪፐብሊክ ኮርያ ምኽባር እውን ተገሊፁ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ውልቀ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራት ምርድዳእ ንክፍጠር ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ውሑድ ምኳኑ በዓል መዚ ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ፍቓድ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ እንትወስዱ ዘቕረብዎ ትልሚ ኣብ ምትግባር እውን ሕፅረታት ይርኣዩ እዮም ተባሂሉ፡፡ እቲ በዓል መዚ ውልቀ ንግዲ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቶም ኣብ ምውፃእን መሰረት ጌሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ኣካይዱ፡፡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣይተ ዘርኣይ ኣስገዶም እቲ በዓል መዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ተፍታሽ ብምክያድን ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ሓላፍነትን ኣለዎ እዩ ኢሎም፡፡ 40 ዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ሜጋ ፕሮጀክታት ናብ ህዝቢ ከላልዩ ዝሰርሕዎ ሰራሕቲ ፅቡቕ ምንባሩን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ከባብያዊ ሽፋናትን እውን ፅቡቕ ዝበሃል ስራሕቲ ምስርሖም ተሓቢሩ፡፡ ከምሕፅረት ድማ ናብ ስፖንሰር ምዝንባልን ብዙህነት ዘተኣናግድን ሓበሬታታት ምህላዎምን እቲ በዓል መዚ ተኸታታሊ ዝኾነ ስልጠና ክወሃብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

03/08/2009

ፍርያት ዝራእትን ውፅኢት እንስሳትን ዝበለፀ ንምዕባይ ዘኽእል ትልሚ 4ተ ዓመት ብሚኒስተር ሃፍቲ ተፈጥሮን ብሚኒስተር እንስሳትን ዓሳን ተዳልዩ፡፡

እቲ ትልሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ይህነፁ ንዘለዉ ፖርክታት ኢንድስትሪ መወሃሃዲ ፍርያት ሕርሻ እታወታት ዝኾን ፍርያት ብዝለዓለ መጠንን ፅሬት ንምድላው ዘክእል እዩ ተባሂሉ፡፡ ካብ ፌዴራል ክልልን ብዝተዋፃፅኡ ሓለፍቲ ቢሮ ሕርሻ ብዛዕባ እቲ ትልሚ ምስ ሚኒስተር ኢንድስትሪ ዘትዮም፡፡ ኣብ 4ተ ክልላት ሃገርና ምንቅስቃስ ህንፀት ፖርክታት ኢንድስትሪ መወሃሃዲ ፍርያት ሕርሻ ከም ዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እቶም ፖርክታት ብዋናነት ፍርያት ሕርሻን ውፅኢት እንስሳን እታዎታት ወሲክኻ ንዕዳ ውሽጢ ዓዲግና ወፃኢ ናይ ምቅራብ ዕላማ ኣለዎ፡፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ፍርያት ዝራእትን ውፅኢት እንስሳትን ብዝለዓለ መጠንን ፅሬትን ናብተን ፋብሪካታት ክቐርብ ይግባእ፡፡ ምህርቲ ሕርሻ ሃገርና ካብ ግዘ ናብ ግዘ ዋላ እኳ እናዓበየ ተመፀ ሕዚ እውን ዝፈሪ ዘሎ ምህርትን እተን ፋብሪካታት ዝጠልብኦ ከም ዘይመጣጠን ተገሊፁ፡፡ ነዚ ንምስትኽካል ድማ ፍርያት ዘራእተን ውፅኢት እንስሳትን ንምዕባይ ዘክእል ትልሚ 4ተ ዓመት ብሚኒስተር ሃፍቲ ተፈጥሮ ሕርሻን ከምኡ እውን ብሚኒስተር ሃፍቲ ዓሳ ተዳልዩ ይርከብ፡፡ እዚ ትልሚ ድማ ምህርቲ ዝራእቲ ኮነ ወፃእቲ እንስሳት ብመጠንን ፅሬትን ዘዕበየ እዩ ድማ ተባሂሉ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ኣባል ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቬዮሽን ትሬዩነር ፕላስ ኮይና፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል ትሬይነር ፕላስ ምኳና በቲ ዘፈር ዓለም ለኸ ስልጠናታት ብምሃብ ዝሓሸ ሸርፍ ወፃኢ ክትረክብ ዘክእል እቲ ኣቬዮሽን ኣፍሊጡ፡፡ ብተወሳኺ መጠን ትራክ ኣየር እናወሰኸ ብምካዱ ኣብቲ ዘፈር ዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ብበዝሕን ብፅሬትን ምስልጣን ወሳኒ ከም ዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡፡ ዳይሬክተር ማእከላይ ስልጠና በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዮሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ተሻለ በቀለ እቲ ማእከላይ ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ኣቪዮሽን ስልጠና ክህብ ከምዝፀንሓ ገሊፆም ሕዚ ድማ መረጋገፂ ሙሉእን ሙሉእ ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዮሽን ትሬይነር ፕላስ ምርካብ ኣብቲ ዘፈር ዓለም ለኸ ስልጠና ሞያ ኣቪዮሽን ክትህብ ዘክእላ እዩ ኢሎም በዚ ድማ ዝሓሸ ሸርፊ ወፃኢ ክትረክብ ከምዝክእል ገሊፆም፡፡ እቲ ኣባልነት ውፅኢት ዓለም ለኸ ትካል ኣቪዮሽን ኣራርሓ እቲ ማእከል ስልጠና እናገምገመን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝህብ ሪኢቶን ምኳኑ እውን ገሊፆም፡፡ ላዕለዎት ሰብ ሞያ እቲ ማእከል ዘዳለውዎ ደረጅኡ ዝሓወሰ ሰነድን መርሃ ግብሪን እውን ነቲ ኣባልነት ካብ ዝተረከቡ ረቋሓታት እዮም፡፡ እቲ ማእከል ስልጠና ኣብዚ ሕዚ እዋን ን20 ጅቡታውያን ስልጠና ኣብ ምሃብ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ሶማሌ ላንድ ስልጠና ቁፅፅር ትራክ ኣየር ሂቡ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኢትዮጵያን ሁናን ዝተበሃለት ግዝኣት ቻይና ብመዳይ ኢንድስትሪ ሓቢረን ንክሰርሓ ተስማዕሚዐን፡፡

ኢትዮጵያን ግዝኣት ቻይና ዝኾነት ሁናንን ብዘፈር ኢንድስትሪ ሓቢረን ክሰርሓ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕ ዝተፈራረማ ኮይነን ሰብ ሃፍቲ እታ ግዝኣት ሃፍተ ገነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክዋፈሩ ኣብ ዘኽእሎም ሃዋህው መግለፂ ተዋሂብዎም፡፡ ኣተሓባባሪ ዘፈር ኢንድስትሪ ሃገርና ዶክተር ኣርከበ ዕቁባይ ፣ሰብ ሃፍቲ ግዝኣት ሁናን ኣብ ኢትዮጵያ ገንዘቦም ከዋፍሩ ምችው ባይታ ከምዘሎ ገሊፆም ካብ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ዝተዘርገሓ መንገዲ ባቡር ቀረብ ሓይልን ፖርክታት ኢንድስትሪን ብመረዳእታ ጠቂሶም እዮም፡፡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ሲሳይ ገመቹ ኣብ ከይዲ ህንፀት ኣብ ዝርከብ ፖርክ ኢንደስትሪ ኣዳማ 122 ሄክታር መሬት ብሰብ ሃፍቲ ሁናን ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም፡፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሁናን ሂ ቡዋንርንግ ሰብ ሃፍቲ ሁናን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ከምዝዋፈሩ ኣረጋጊፆም፡፡ ወርሒ መጋቢት 2008 ንምጅማር ህንፀት ፖርክ ኢንድስትሪ ኣዳማ ዘኽእል ስምምዕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትካላት ግዝኣት ሁናን ምፍራሙ ይዝከር፡፡ እቲ ስምምዕነት ብመሪሕነት ዶክተር ኣርከበ ዕቁባይ ዝተልኣኸ ጉጅለ ልኡኽ ኣብታ ግዝኣት ዑደት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ከምዝተፈፀመ ይዝከር፡፡ ፖርክ ኢንድስትሪ ኣዳማ ዝተፈላለዩ ማሽነሪታት ናውትታት ፣ኤሌትሮኒክስ ኢንጅነሪንግ ዘፍርዩ ዝጣየሽሉ እዩ ዝኸውን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡