ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ግንቦት 2009

30/09/2009

ቶምበላ ሎተሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝወድቀሉ መዓልቲ ካብ ግንቦት 30 ናብ 10ሰነ 2009ዓ/ም ተናዊሑ፡፡

ዕለት ምውፃእ ቶምበላ ሎተሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝተናውሓ ካብ ሕብረተሰብ ሎተሪ ኣይበፅሓናን መውፅኢ ዕለት እቲ ሎተሪ ይናወሓልና ዝብል ሕቶ ብምቅራቡ ምኳኑ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ እቲ ግድብ ገሊፁ እዩ፡፡ ካብ 1 ሚያዝያ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዕዳጋ ዝውዓለ 2ይ ዙር ቶምበላ ሎተሪ ግድብ ህዳሰ 100 ሚሊዮን ቅርሺ ንምእካብ ተተሊሙ እዩ፡፡ ቶምበላ ሎቶሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ በዓል 3ተ መደቀሲ ገዛ፣ 2ጋቢና ዘለዋ ውፅኢት 2016 ዝኾነት መኪና ፣በዓል 2ተ መደቀሲ ዘመናዊ ኣፖርታማ መንበሪ ገዛ፣ መፃረይ ማይ፣ ላፕቶፕ፣ ፍሪጅን ካልኦት ሽልማታትን ንዕደለኛታት ክሽልም እዩ፡፡ ካብ ፈላሚ ዕድጊት ቶምበላ ዓብይ ግዳበ ህዳሰ 64 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ቅርሺ ኣታዊ ምርካ ነቲ ቤት ፅሕፈት ፀሪሑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 መርሃ ግብሪ ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመፈፀሚ መርሃ ግብሪ ህንፀት ዓቕሚ ትካላት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ 40 ሚሊዮን ዶላር ዕላዊ ገይሩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ እቲ ትካል ኣሁና ኢዚኣኮን ከምዝበልዎ ፣እዚ መርሃ ግብሪ መንግስቲ ኣብቲ ዘፈር ዝተለሞም ትልምታት ሽቶኦም ንኽወቕዑን ቀፃልነት ንዘለዎ ዕቤትን ሓጋዚ እዩ፡፡ካብዚ ሓሊፉ እውን ትካላት ዲሞክራሲ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንክህልዎም ዝገብር እዩ፡፡ እዚ መርሃ ግብሪ ልዕልነት ሕግ ንኽክበር ተሳትፎ ህዝቢ ንኽዓብን ግልፅነት ብምስፋን ኩለ መዳያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ወሳኒ እዩ እውን ተባሂሉ፡፡ እዚ መርሃ ግብሪ ን5 ዓመታት ዝፀንሓ እንትኸውን ንመተግበሪ ዝውዕል እውን 5 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ እዩ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ገንዘብን ኢኮኖሚን ምትሕብባርን ኣይተ ኣድማሱ ነበበ ብወገኖም እዚ መርሃ ግብሪ ምስ ዓለም ለኻውን ሃገራውን ትልምታት እቲ ዘፈር ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊፆም እዮም፡፡ በዚ እውን እቲ መርሃ ግብሪ ብዝተተለመሉ ግዜ መሰረት ተግባራዊ ንክኸውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ክስራሕ እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ካብ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ እስካብ ሎመዓንቲ ረፋድ ልዕሊ 1ሽሕን 4ሚኢቲ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፡፡

መንግስቲ ስዑድ ዓረብያ ብዘቐመጦ ገደብ መዓልቲ ቅድም ክብል ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብያ ናብ ሃገሮም ምምላሶም መንግስቲ ምግላፁ ይዝከር፡፡ ካብ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ሎመዓንቲ ንጉሆ 1ሽሕን 4 ሚኢትን ሱሳን ሓሙሽተን ኢትዮጵውያን ካብ ስዑድ ዓረብያ ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡ እቶም ተመለስቲ ከም ካልኦት ዜጋታት ብናይ ባዕሎም ምህዞ ስራሕ ፣ንግዲ፣ ሕርሻን ካልኦት ዘፈራትን ሰሪሖም ናብርኦም ንኽመርሑ ብዝመረፅዎ ኣብ ድሌት ብዝተመስረተ ኣወዳድባን ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ጠቒሶም እዮም፡፡ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ በብዕለቱ ካብ 1ሽሕ ንላዕሊ ኢትዮጵውያን ሰነድ ጉዕዞ ኣብ ምውሳድ ዝርከቡ እንትኾኑ እስካብ ሕዚ ድማ ልዕሊ 50ሽሕ ኢትዮጵውያን ሰነድ ጉዕዞ ከም ዝወሰዱ ፀብፃባት የመላኽት፡፡ 21 መጋቢት 2009 ዓ/ም ዝተጀመረ ኣዋጅ ምሕረት ሕጋዊ መንበሪን መስርሕን ዘይብሎም ዜጋታት ወፃኢ 20 ሰነ ክዛዘም እዩ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብሽፋን ሃይማኖት ኣተሓሳስባ ፀንፈኝነትን ፀቢብነትን ዘስፋሕፍሑ ኣካላት ንምቅላስ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ፌዴራልን ልምዓት ኣርባሕቲ እንስሳን ገሊፆም፡፡

ካብ ክልል ደቡብ ንዝተውፃፅኡ መሓውር መራሕቲ ጉባኤ ሃይማኖት፣ ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይን ኣብ ምክልኻል ፀቢብነት ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ኣዋሳ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡ ኣይተ ኣወል ወግረሳ መሓመድ ብሽፋን ሃይማት ሰላምን ልምዓትን ዜጋታት ዝዳፍእ ኣተሓሳስባ ፅንፈኝነትን ፀቢብነትን ቀንዲ ፀገማት እዚ እዋን እዮም ኢሎም፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ ንዘለዓዕሉ ኣካላት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እጃሞም ክዋፅኡ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡፡ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ መጋቢ ዘሪሁን ደጉ ብወገኖም እቲ ጉባኤ ኣብ ሰላምን ምክብባርን ዝተመስረተ ሓድነት ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ስልጠና መቃለሲ መንገድታት ሃይማኖት ሽፋን ዝገበሩ ፅንፈኝነትን ፀቢብነትን እውን ትምህርቲ ተዋሂቡ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን ስምምዕ ምምሕዳር ወሰን መጎራብቲ ከባቢ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተፈሪሙ፡፡

ነቲ ስምምዕ ርእሰ ምምሕዳር ክልቲኤን ክልላት ፈሪሞሞ፡፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልላት ዝተገበረ ስምምዕ ወሰን ምችው ምምሕዳራዊ ኩነታት ንምፍጣር ከምዘኽእል ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ ኣብቲ እዋን ስምምዕ ከምዝገለፅዎ እቲ ስምምዕ ርክብ ህዝብታት ክልቲኤን ክልላት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሓበራዊ ተረባሕነት ንምዕባይ ዘኽእል እዩ፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ኣሻዱሊ ሃሰን ብወገኖም እዚ ስምምዕነት ዝተመቻቸወ ኩነታት ብምፍጣር ጎረባብቲ ህዝብታት ተጠቀምቲ ንምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ፌዴራልን ኣርባሕቲ እንስሳ ኣይተ ካሳ ተክለብርሃን ብወገኖም እቲ ሰምምዕ ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብመሪሕ ምክብባርን ብምፍቕቓድን ንምልማዕን ንምዕባይን ዝኣተውዎ ቃል ተግባር ዘርኣዩ ምዃኑ ጠቒሶም እዮም፡፡ ኣብዚ ምምሕዳራዊ ወሰን ክልቲኤን ክልላት በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ፣ ዓበይቲ ዓዲ ፣ኣካላት ፀጥታን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተፈራሪሞም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

29/09/2009

ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ዘመናዊ ስርዓት ኣድራሻ ከተማታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ስርዓት ሓደ ሓደ ከተማታት ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ብዘይተወደበን መልክዑ ዝተተግበረ ኣሰራርሓ፣ ብዘመናውን ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ከም ዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ኣብቲ ሚኒስተር ዳይሬክተር ፕሮጀክት ቤት ፅሕፈት ዝተወደበ ሓበሬታ መሬት ምእካብ፣ ምሕዳስን ምውዳብን ኣይተ ያሬድ ተሾመ ከም ዝበልዎ፣ ዘመናዊ ሓበሬታ ስርዓት ዘይምህላው ካብ መንቀሊ ስርቂ መሬት እቲ ቀንዲ እዩ፡፡ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ከተማታት ከተማ መቐለ፣ ባህርዳር፣ ኣዳማ፣ ድሬዳዋ፣ ሃረርን ሃዋሳን ካብ ቀፃሊ ዓመት ዝተወደበ ስርዓት ሓበሬታ መሬት ዝጅምር እንትኸውን ፣ካብዘን ከተማታት ዝርከብ ተሞክሮ መሰረት ብምግባር እውን ናብ 23 ከተማታት ክጋፋሕ እዩ፡፡ ዘመናዊ ስርዓት ሓበሬታ ኣብ ከተማታት ሓበሬታ መንገድን ተከቲልካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ንምንቅስቃስ ግልጋሎት ብቀሊሉ ናብ ገዛኦም ንምብፃሕ ዝሕግዝ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ካብ ናይ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ዓውደ ፖሊስ ብዙሓት ዕውታት ተሞክሮታት ከም ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ ንቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ካብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪካ ንላዕሊ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከም እትርከብ እውን ተገሊፁ እዩ፡፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ተመራፂት ካብ ዝገብርዋ ምኸንያታት እውን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምህላው፣ ህንፀት ፖርክታት ኢንድስትሪ ፣ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ምዃኖም እውን ተጠቂሱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ ብዝበለፀ ንምዕባይ ድማ ዘድሊ ዝተመሃረ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ከም ዝግባእ እውን ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብ ኣፍሪካ ዓውደ መፍረያይነት ንምዕባይ ልውውጥ ተሞክሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡ ሓረስታይ ቅድሚ እዋን ዘራእቲ ምዝራእ ኣቀዲሙ ይዘንብ ዘሎ ዝናብ ተጠቂሙ ዕዳጋ ጠለብ ዘለዎም ዘራእቲ ከፅንዕን ናብ ምልማዕ ክኣትውን ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፀዊዑ፡፡ ኩነታት ኣየር ተሓሳቢ ብምግባር ምስልጣን ሰብ ሞያ፣ ኣቅርቦት ሙሩፅ ዘርኢን መሰሰኒ ምህርትን እናተሰርሓ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊፁ፡፡ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣለማዮሁ ብርሃኑ ኣብ ምዕባይ ፍርያትን መፍረያይነትን ትኹረት ክገብር እዩ ኢሎም፡፡ ብተወሳኺ እቶም ዳይሬክተር እቲ ዝናብ ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብ 2009ን 2010 ዓ/ም እዋን ሕርሻ 12 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዘራእቲ ብምልማዕ 345 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ እናተሰርሓ እዩ ኢሎም፡፡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ልምዓት ዘርኢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣንዱኣለም ገብሬ ከምዝበልዎ ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ ወቅቲ መፍረያይነት ንምዕባይ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ክበፅሕ ተገይሩ እዩ፡፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘለው 157 ማእኸላት ግልጋሎት ሜትሮሎጂን ካብ ዓለም ሜትሮሎጂ መረዳእታ ትንበያ መሰረት ብምግባር ወቅቲ ዝናብ ኣቀዲሙ ከም ዝጅምር ኣቀዲሙ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኣይተ ተሾመ ፈጠነ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ኩሉ ክፋል ከባቢ እታ ሃገር ስሩዕን ካብ ስሩዕ ብላዕልን መጠን ዝናብ ምህላው ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ሓረስቶት እናወቅዐ ዘሎ ዝናብ ተጠቂሞም ስራሕቲ ሕርሻኦም ካብ ሕዚ ጀሚሮም ምዕማም እንተጀሚሮም ውፅኢታዊያን ክኾኑ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ቦይንግን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ግልጋሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ክጅምር እዩ፡፡

እቲ መንገዲ ኣየር ዝህቦ ሰብኣዊ ግልጋሎት መስርሕታት ሕክምና ሓዊሱ ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል 6 ነጥቢ 5 ቶን ናውቲ ንምጉዕዓዝ እዩ ተባሂሉ፡፡ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሆስፒታል ቅዱስ ፖውሎስን ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኣብ ዘፈር ጥዕና ንዝዓሞም ስራሕቲ ዝውዕል ናውቲ ንምጉዕዓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ዘእተዎ መበል 19 ቦይንግ ቢ 787 ኣውሮፕላን ንመጓዓዝያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘውዕላ ተገሊፁ፡፡ ዋና ስራሕ ፈፃሚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ናይ ትካልና ማሕበራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ናይታ ሃገር መጠን ዕብየት ሃፍትን ማሕበራውን ይሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡ ቅድሚ ሕዚ ብተመሳሳሊ ዕላማ ናይቲ መንገዲ ኣየር መበል 18 ቢ 787 ነፋሪት ብስም ማዘር ትሬዛ ዝተሰየመት ምዃና ብምዝራብ እዚ ዝተገበረሉ ምክንያት ድማ ማዘር ትሬዛ መርኣያ ስራሕቲ ሰናይ ምግባር ዓለምና ብምዃነን ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ዓቅሚ በረራ እቲ መንገዲ ኣየር፣ መብፅሒን ካልኦት ኣቅርቦተን ንምምላእ ዝካየድ ስራሕቲ ፅቡቕ ኣብ ዝበሃል ብርኪ ከም ዝርከብ ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ነጥቢ መቐይሮ ከምፅኣ ከም ዝኽኣላ ተሓቢሩ፡፡

ተመሃሮን መማህራንን ኮሌጅ ኮምፒቲሽናል ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ኣብ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዘሳልጥሉ እዋን እዩ ነዚ ዝተገለፀ፡፡ ዲን ኮሌጅ ተፈጥሮ ሳይንስ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሽብሩ ተመስገን ፣ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ስራሕቲ ይሳለጡ ዘለው ኮይኖም ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገርና ካብ ፋብሪካታት ብዝወፁ ፈሳስታት ንዘስዕቦ ልዑል ብካላ ኣየር ልዑል ቆላሕታ ከም ዝወሃቦ ኣመልኪቶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ሪጋ ንክትስራዕ ካብ ሕርሻ ናብ ኢንድስትሪ ዝምራሕ ቁጠባ ንምስግጋር ኣብ ተሰላስሎ ዘላ ገስጋስ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዓቢ ኣድህቦ ከም ትህብ እውን ሓቢሮም፡፡ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ፖለቲካል ሳይንስ ዓለም ለኻዊ ርክባትን ዝኾነት ብሩክታዊት ብርሃን ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ከባቢ ሓለዋን ሳኒቴሽንን መኮነን ብርሃነ ብወገኖም ፣ፈልስታት ምትካል ንምዕራይ ለውጢ ኣየር ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሶም፡፡ መዓልቲ ሓለዋ ከባቢ ሕብረተሰብ ምስ ተፈጥሮ ምትእስሳር ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 24 ግዘ ይኽበር ኣሎ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ስዑድያ ዝርከቡ ዜጋታት ገደብ ግዘ ቅድሚ ምውድኡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣብ ስዑድ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪን ፍቓድ ስራሕን ዘይብሎም ዜጋታት መሰሎም ተሓልይሎም ከሎ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስተር ነገሪ ሌንጮ ፀዊዖም፡፡ ሚኒስተር ዶክተር ነጋሪ ፣ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም አብ ዝሃብዎ መግለፂ ልዕሊ 50ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሰነድ ጉዕዞ ዝወሰዱ ኮይኖም ካብ መንጎኦም እቶም 20 ሽሕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው ኢሎም፡፡ ስዑድ ዓረብ ንዘንበረቶ ግዘ ገደብ ከይተወድኣ እንከሎ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንኽምለሱ ተወሳኽቲ በረራታት ናብ ስዑድያ ክሳለጡ መንግስቲ ከም ዝሓተተን ምላሽ ካብ መንግስቲ ስዑድያ ይፅበ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ዶክተር ነጋሪ፣ መንግስቲ ንተመለስቲ ናናብ ከባቢኦም ኣብ ዝጣየሽሉ መስርሕ ግብረ ሓይሊ ከም ዘጣይሽ ጠቒሶም ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ብቀዳማይ ሚኒሰተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ገዳማት ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ፡፡

እቶም ልኡኻት ኢትዮያውያን ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከቡ ገዳማት ፣ዴር ሱልጣንን ፣ቅድስት ቦታታት ኢየሩሳሌምን ከምኡ እውን ጎልጎታን ተረኪቦም ዑደት ብምግባር እቶም ቅዱሳት ቦታታት ዝርከብሉ ኩነት ተዓዚቦም፡፡ በቶም ሉኡኻት ዑደት ዝተገበረሎም ታሪካውን ሃይማኖታውን ቦታታት ኢትዮጵያ እስራኤልን ካብ ጥንቲ ዝጀመረ ጥንካረ ርክብ ከምዘለወን ዘረጋግፁ እዮም፡፡ እቶም ታሪካውን ሃይማታውን ቦታታት ክሳብ 16 ክፍለ ዘመን ብኢትዮያውያን ይማሓደሩ ምንባሮም ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ይሕብር፡፡ ድሕሪ 17 ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮያ ብዝነበረ ስርዓት መስፍናውያን እቲ ርክብ ብምቁራፅ እቲ ቦታ ክምንዛዕ ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብ 1770 ዓ/ም ድማ ዓብይ ገዳም ዴር ሱልጣን ብግብፃውያን ተመንዚዖም እዚ እውን በቲ እዋን ንዝምልከቶም ነገስታት መራሕትን እናመልከተ ምፅንሑ እታ ቤተክርስቲያን ትገልፅ ኮይኑ ግን ምላሽ ኣይተረኸበን፡፡ ብፍላይ እቶም ሞኔክሴታት ዘመን ኣብ ዝተራቀቀሉ ኩነታት ኣብ ዝተለወጠሉን እዋን ብጭቃ ኣብ ዝተሰርሓ መንበሪ ክንነብር ተገዲድና ብምባል እንትገልፁ መፍትሒ ከምዘይረኸቡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ተዛሪቦም እዮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ብወገኖም እዚ ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታኒያሁ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ቃል ኣቲወምሎም ምንባሮም ብምዝካር ሕዚ እውን ኣብቲ ዝገብርዎ ዑደት ምስ ፕሬዝዳንት እስራኤል ከምዝዘተይሉ ገሊፀምሎም እዮም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብሪ ኸፋሊ ሕብረተሰብ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንተደራቢ ግብሪ ዘቃልዖም ኣሰራርሓ ኣብ ምትራፍ ዝጠመተ ረቂቅ ኣዋጃት መርሚሩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ መሰረት ዝገበሩ 8ተ ረቂቅ ኣዋጃት ብዝርዝር ክርእዩ ናብ ቆዋሚ ኮሚቴ መሪሑ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስታት ፖላንድ ፣ሰሎቫክያ፣ ፍሊስጤም ፣ደቡብ ኮርያ፣ ሴንጋፖር ፣ሞሮኮ ፣ሞዛምቢክን ቆጵሮስን ተደራቢ ግብሪ ንምትራፍ ምቅላል ቀረፅ ንምክልካልን ኣብ ዝተገበሩ ስምምዓት ዘተኮሩ ኣዋጃት መርሚሩ እዩ፡፡ ዕላማ እቲ ስምምዕነት ግብሪ ከፋሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ኣታዊ ተደራራቢ ቐረፅ ዝኸፍለሉ ኩነታት ከይፍጠር ዝገበርኩም ዝኾነ ተገሊፁ እዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ረቂቅ ኣዋጅ ብምምርማር ንተወሳኺ ምፅራይ ንቆዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት በጀትን ፋይናንስን መሪሑ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

28/09/2009

ነበርቲ ወረዳ ሓውዜን ዝኾኑ 5 ተኸሰስቲ ብዝፈፀምዎ ገበን ምዕናው ምልክት ትራፊክ ብገንዘብን ፅኑዕ ማእሰርትን ንክቕፅዑ ተወሲኑ፡፡

1ይ ተኸሳሲ ሃይለስላሴ ገብረ ገርግስ 2ይ ተኸሳሲ ኪዱ ገብረገርግስ ፣3ይ ተኸሳሲ ክብሮም ሃይላይ 4ይ ተኸሳሲ ሰለሞን ሓጎስ ፣5ይ ተኸሳሲ ኣይተ ዘብረኣብሩክ ገብረ ኪዳን ዝተበሃሉ ተኸሰስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ከተማ ፍረወይኒ ንሓውዜን ናብ ዓብይ ዓዲ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ፅርግያ ኣብ ዝተተኸለ ዓንዲ ሕብሪ ምልክት ትራፊክ ብሞደሻ እናሰበሩ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ተንዲኖ ብምውሳዶም ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ጉዳዮም እናፃረየ ፀኒሑ እዩ፡፡ ፖሊስ ወረዳ ሓውዜን ነቲ ጉዳይ ኣፃርዩ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከሕልፍ ምስ ተገበረ በዚ መሰረት ብዕለት 8 ጉንበት 2009 ዓ/ም ኣብ ቤት ፍርዲ ወርዒ ሓውዜን ምድብ መጋባእያ ክልተ ኣብ ዝውዓለ 1ይን 2ይን ተኸሰስቲ ናይ ክልተ ዓመት ቀሊል ማእሰርቲ ፣3ይ ተኸሳሲ ናብ ገንዘብ ተቐይሩ ብር 9 ሚኢቲ ፣4ይን 5ይ ተኸሰስቲ ድማ ብሓደ ዓመትን 6ወርሕን ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቅፅዑ ከም ዝተፈረደሎም ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ሓውዜን ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ብሉፅ መንገዲ ኣየር እዚ ዓመት ተባሂሉ ሽልማት ተበርኪቱ፡፡

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ ተባሂላ ብሰብ መዚ ኣቪዮሽን ሽልማት ዓቲሩ፡፡ እቲ ሽልማት ዝተበርከተሉ ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጅሃንስበርግ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ዝሳለጥ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፋይናንስን ኤግዝቢሽን መበል 26 እዩ፡፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ሽልማት ከዓትር ዝከኣለ ብተከታታሊ ዘመዝገቦ ፈጣን ዕብየት ፣ንዕቤት ኣብዮሽን ኢንድስትሪ ኣፍሪካ ይፃወቶ ዘሎ ግደን መትረፋይነትን ቡሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ ከብሎ ክኢሉ እዩ፡፡ ዋና ኦፊሰር ፋይናንስ እቲ ኣየር መንገዲ ኣይተ መሰረት ቢተው እቲ መንገዲ ኣየር ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ ተባሂሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ኣብ 2017 እንትሽለም ንካልኣይ ግዘ ምዃኑ ብምግላፅ አቲ ዓወት ውፅኢት ፃዕሪ ሰራሕተኛታት ኣባላት ማናጅመንት እዩ፡፡ እዚ ሽልማት ኣፍሪካ ምስ ዓለም ብኢኮኖሚ ንምትእስሳር ዝገበሮ ፃዕሪ ብዝበለፀ ኣጠንኪሩ ክቕፅለሉ እቲ ሽልማት ዓብይ ትርጉም ኣለዎ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ኣየር መንገዲ ብሉፅ ስብስብ ሰራሕተኛታት ፣ግልጋሎት ካርጎን ተመራፃይ መንገዲ ኣየር ዓማውል ዝብሉ ሽልማታት ኣብዚ ዓመት ካብ ዝረከቦም ሽልማታት ማእኸል ዝፅርሑ እዮም ይበል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 መእተዊ ፈተና ላዕለዎት ትምህርቲ ትካላት ሃገርና ምሃብ ተጀሚሩ፡፡ ሎመዓንቲ ዝጀመረን ክሳብ ባሕቲ ሰነ 2009 ዓ/ም ዝፀንሕ መመዘኒ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብብርኪ ሃገር 288 ሽሕን 634 ተምሃሮ ነቲ ፈተና እናወሰዱ እዮም፡፡

ካብዚኦም ድማ 44 ነጥቢ 17 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሃገር ለኸ ኤጀንሲ ምዘና ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ብሄራዊ ፈተና ብሰላም ንክዛዘም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሓ እውን እዩ ኢሎም፡፡ ከይዲ ሃገራዊ ፈተና 10ይ ክፍሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘይ ገለ ፀገም ምዝዛም ይዝከር ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ እስራኤል ምስ ዝነብሩ ቤተ-ኢስራኤላዊያን፣ ኢትዮጵያውያንን፣ ትውልደ ኢትዮያውያንን ተዛሪቦም፡፡

እዞም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ሕቶታት ኣቅሪቦም እዮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም እውን ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብራህርህን መልስን ምሃቦም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኤፍዲሪ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮያ ሰላምን ምርግጋዕን ተፈጢሩ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ፣ሃገርና ኣብ ቁልጡፍ ዕብየት ከምእትርከብን ንኢንቨስትመንት ምችውቲ ምዃና እውን ኣረዲኦም እዮም፡፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵውያን ኣብዚ ዕብየት ብዓቅሞም ናይ ምስታፍ ድልየት እንድሕር ሃልይዎም መንግስቲ ሙሉእ ድጋፍ ከምዝገብር ኣብሪሆም እዮም፡፡ ካብዞም ትውልደ ኢትዮጵያውያን ፖስፖርት ክንረክብ ኣይከኣልናን በዚ እውን ኣብ ሃገር ውሽጢ ኣቲና ንምስራሕ ኣይከኣልናን ዝብል ሕቶ ዝተልዓለ እንትኸውን ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝሃብዎ ምላሽ እቲ ሕቶ ንምምላስ ብወገን መንግስቲ መምርሒ ተዳልዩ ምፅዳቁ ጠቂሶም ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቲ ፀገም ተፈቲሑ እዩ ኣብ ዝበሃለሉ ብርኪ ምብፅሑ እውን ኣረጋጊፆም እዮም ይብል ኣብ ዝበሃለሉ ብርኪ ምብፅሑ ኣረጋጊፆም እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕሬዝዳንት እስራኤል ሬውሽን ሪቪን ኣብ ርክብ እተን ሃገራት ዘትዮም፡፡

እቶም መራሕቲ ኣብ ዙርያ ርክብ ክልቲኤን ሃገራትን ዓለም ለኸ ዛዕባታትን ጉዳያት እዮም ተዛትዮም፡፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ፃውዒት ትማሊ ናብ ሃገረ እስራኤል ዘቅንዐሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ እስራኤል ምስ ዝነበሩ ቤተ-እስራኤላውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘትዮም እዮም፡፡ ኣብቲ ዘሎ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ተከታተልቲ ዓመታት ፈጣን ዕብየት ከምዘመዝገበት ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብታ ሃገር ኣጓኒፉ ዝነበረ ድርቂ ብናይ ባዕላ ዓቅሚ ተፃዊራ ክትወፅእ ዝካኣለት በቲ ዝመዝገበቶ ዕብየት ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ብተወሳኺ ዕብየት ብዝፈጠሮ ኩነታት ሕብረተሰብ ሓታቲ እናኾነ ብምምፅኡ ኣብታ ሃገር ንዝተወሰነ ግዘ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ፀገማት ተፈጢሮም ምንባሮም ብምሕባር መንግስቲ እቲ ፀገም ብጥበብ ንምፍታሕ ዓብይ ዓሚቕ ተሃድሶ ካብ ምግባር ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስጉምታት እናወሰደ ከም ዝርከብ ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዝነበረ ሰላምን ምርግጋዕን ተመሊሱ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም እታ ሃገር ፈጣን ዕብየት እናመዝገበት ከምዘላን ንኢንቨስትመንት ምችውቲ ምኳናን ተዛሪቦም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ዕላዊ ዑደት ስራሕ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከጠናክሩን ከዕብዩን ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከምዝፈረሙ ትፅቢት ይግበር ይበል ካም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

25/09/2009

ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ንኺኢላታትን ዕደጋ ንብረት ስልጠና ሂቡ፡፡

እቶም ኣካያዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳራ ንብረትን ሰልጠንቲ ካብ ቢሮታት ክልል ኤጀንስታት ፣ቤት ፅሕፈታትን ኮሚሽነራትን ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ ዕላማ እቲ ስልጠና ኣብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መምርሒታትን ግንዛበ ፈጢሮም ዕደጋ መንግስቲ ቅል ጡፍን ውፅኢታውን ንምግባር፣ በጀት መንግስት ብኣግባቡ ኣብ ዝተዓመሉ ንምውዓል እዩ፡፡ ኣብ መዕፀዊ እቲ ስልጠና ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ዝኾኑ ኣይተ በሪሁ ግተት ካብዚ ስልጠና ዝተወሰነ ፍልጠት ከምዝረኸብኩም ብምትእምማን ኣዋጃትን መምርሕታትን ዕደጋ ብምንባብ ፍልጠትኩምን ክእለትኩምን ብዝበለፀ ክተመዕብሉ ኣለኩም ክብሉ ገሊፆም፡፡ ሰልጠንቲ ብወገኖም ካብቲ ስልጠና ብዙሕ ፍልጠት ከምዝረኸቡ ድሕሪ ምግላፅ ብቐፃሊ ተወሳኺ ስልጠና ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ እቲ ስልጠና ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

 ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ንብዙሕ እዋን ህዝቢ ሕቶ ከቕርበሉ ዝፀንሓ ህንፀት መንገዲ ጋራጋንቲ ኣብ ምስላጥ ይርከብ፡፡

ህንፀት እቲ መንገዲ ጋራጋንቲ ብምትሕብባር ምምሕዳር እታ ክፍለ ከተማ ሰሜንን ብኮንስትራክሽን ምክልካል ሃገርን ሰብ ሃፍትን እዩ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ፡፡ እቲ መንገዲ ጋራጋንቲ ልዕሊ 6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሽፍን ኮይኑ ብቐፃሊ እውን ከምዚ ዓይነት ፀገም መንገዲ ኣብ ዘለወን ካልኦት ጣብያታት ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሃፍቲ ብምትእክካብ ሰፋሕቲ ህንፀት ከምዝካየድ ተገሊፁ ይብል ክኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ሰሜን ሚኪኤላ ካሕሱ ዝልኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ጣብያ መትከል ብምኽንያት በዓል 20 ጉንበት ፖናል ምይይጥ ተካይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከምዝገለፅዎ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ጭቆናታትን ግፍዕታትን ይበፅሕ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡፡ እዚ ዝነበረ ስርዓት ካብዚ ሓሊፉ ሕብረተሰብ ዘየማእኸለ ንሹመኛታት ጥራይ ዝጠቅም ስርዓት ኮይኑ ህዝቢ ኣብ ዝከፍኣ ድኽነትን ድሕረትን ኣእትዩ ፀኒሑ እዩ ኢሎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ውፅዓት ን17 ዓመታት ብዘካየዶ መሪር ቃልሲ ኣካይዳ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ንሓዋሩን ብምድምሳስ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን መሰረት ኮይኑ እዩ ኢሎም፡፡ ስለዚ ድማ እዚ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊልዎ ዝተመስረተ ስርዓት ንምቅፃል ኩሉ በቢ ደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ሰራሕተኛ መንግስታትን ህዝቢ እውን እጃሙ ከወፊ ይግባእ ኢሎም ይብል ካብ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

22/09/2009

ብብርኪ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ደንቢ ስነ-ምግባር ተዓዘብቲ ኣፅዲቆም፡፡ ሃገር ለኸ ውድባት ፖለቲካ መደራደሪ ኣጀንዳኦም ተዓዚቦም ኣብ ዝተረኸብሉ ንምፅዓቕ ተስማዕሚዖም፡፡

እቶም ውድባት ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ዘፅደቕዎ ደምቢ ስነ-ምግባር ተዓዘብቲ ትሽዓተ ዓንቀፃት ዝሓዘ እዩ፡፡ እቲ ዓንቀፅ ተግባር ተዓዘብቲ ዝውስንን ነቲ ድርድር ዝዕዘብሉ ኣንፈትን ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝህልዎም ኸይዲ ርክብ ዝሓቆፈ እዩ፡፡ ተዓዘብቲ ድሕሪ ምዝዛም መደራደሪ ኣጀንዳ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ምሃብ ከምዝኽእሉን ቅድሚ ምዝዛም ግና ዝተኸልኸለ ምዃኑ እዩ ደምቢ ሓንፂፁ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ተዓዘብቲ ካብ ምዕዛብ ብዝዘለለ ሓሳብን ርእቶን ምቕራብ ከምዘይኽእሉ ኣብቲ ደምቢ ተዘርዚሩ እዩ፡፡ ኣብ ጅማ እቲ ድርድር ተሳተፍቲ ዝነበሩ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝቕፅል ኣኼባ ግድን ባዕሉ ከምዘለዎ እውን ኣብ ዝፀደቐ ደምቢ ተቐሚጡ እዩ፡፡ እቶም ውድባት ብተዓዛብነት ዝመረፅዎም 12 ዓለም ለኸን ብብርኪ ሃገር ዝነጥፍ ዲፕሎማትን ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብኮሚቴ ኣጀንዳ መዋደዲ ንድርድር ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ንምፅዳቕ ምድላዋት ከምዝተወገነ እውን ተፈሊጡ፡፡ ብብርኪ ሃገር ዝነጥፉ ውድባት ዘፅደቕዎ ሃገር ለኸ ህትመት ብኣሰራርሓ ድርድር ፖለቲካዊ ውድባት ፣ብመሰረት ስምምዕነት ፖለቲካዊ ውድባት ከምዝተሓተመ ኣረጋጊፆም ነቲ ደምቢ ብክታሞም ኣፅዲቆም፡፡ 17 ሃገር ለኸ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐፃሊ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጀንዳ ነቲ ድርድር ዕላዊ ንምግባር ግዘ ቆፀሮ ሒዞም እዮም ተፈላልዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሓድሽ ወለዶ ህዝብታት እዛ ሃገር ኣብ ዓወት 20 ጉንበት ዘብፀሖም መስመራትን ፀጋታትን ክቅፅሉ ከምዘለዎም ነበር ተጋደልቲ ህወሓትን ብኣዴንን ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ብኣዴን ዝተመስረተሉ ተኽራርዋ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ዑደት ኣካይዶም እቶም ነበርቲ ተጋደልቲ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ዝተገበረ ቃልስን ኣብ ዝተረኸቡ ዓወታትን ዘትዮም፡፡ እዞም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ናብ ብኣዴን ዝተፀምበሩ ተጋደልቲ ዝሓዘ እዚ ጉጅለ እቲ ውድብ ንመዘከርታ ዝተሰርሓ ኣብያ ትምህርቲ ከባቢኣን ዑደት ገይሮም እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ምስ ነበር ተጋደልቲ ህወሓት ማሕበረሰብ እቲ ከባብን ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ዝነበረ ኩነታት በቲ ቃልሲ ብዛዕባ ዝተረኸቡ ዓወታት እውን ዘትዮም እዮም፡፡ ብህወሓትን ብኣዴንን ጀግንነት መስረትን ብኢህዴግ መሪሕነት ንዝመፁ ለውጥታት ኣብዛ ሃገር ዝነበረ መግዛእቲ ካብ ምውጋድ ንላዕሊ ናይቲ ውደብ ፅኑዕ መስመር ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ርክብ ዓብይ ረብሓ ከም ዝነበሩ እዞም ተሳተፍቲ ገሊፆም እዮም፡፡ ብጥሙር ቀላፅም ህዝብታት ዘይደፋእ ዝመስል ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ዝተኽኣለ ጭቆናን መግዛእትን ኣይቕበልን ብዝበለ ህዝቢ ብትኽክለኛ መስመር ንምምራሕ ብምኽኣሉ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡

 ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ገሊፆም፡፡

መበል 26 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር 800 ኣባላት እቲ ማሕበር ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንምሕጋዝ ዕድጊት ቦንድ ፈፂሞም እዮም ኢሎም መተሓባበሪ እቲ ማሕበር ኣይተ ሃፍቶም ተኽላይ ገሊፆም፡፡ ነፍሰ ወከፍ ኣባል እቲ ማሕበር ካብ 50 ብር ክሳብ 10 ሽሕ ብር ብምውፃእ ልዕሊ 60 ሽሕ ብር ዝዋግኡ ቦንድ ዓዲጎም፡፡ ቅድም ክብል ብውልቅኦም ናይ 4ሽሕ ብር ቦንድ ዝዓደጉ ኣይተ ሃፍቶም በዓል 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ተወሳኺ ናይ ሓደ ሽሕ ብር ምዕዳጎም ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ሕጋዊ ስርዓት ዕደጋ ብዘይምዝርግሑ ኣብ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ዕዳ ወፃኢ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምሕደሩ ኢንስቲትዩት ኢንድስትሪ ልምዓት ስጋን ፃባን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ነዚ ዝገለፀ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንቐዋሚ ኮሚኒቲ ጉዳያት ኢንድስትሪ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ፡፡ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ እቲ ኢንስቲትዩት ትሑት ምዃኑ እውን ተገሊፁ፡፡ ዋላ እኳ ንሃፍቲ እንስሳት ሃገርና ስዒቡ ቁፅሪ እንዳ ስጋ እናወሰኸ እንትመፅእ ኣፈፃፅማ ኤክስፖርት ግና ትሑት እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ካብ ዕዳጋ ወፃኢ 118 ሚሊዮን ዶላር ንምእካብ ተተሊሙ ኣፈፃፅምኡ ድማ 63 ነጥቢ 8 ጥራሕ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ፡፡ ብኻሊእ ወገን እቲ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ መባፅሕ ዕደጋ ኣብ ምስፋሕ ፣ኣብ ውሽጣዊ ኦዲት፣ ኣብ ደርሆን ጥረ ስጋን ቀረብ ፀባን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘርኣየ ተሓቢሩ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ንዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት መደባት ዝውዕል ናይ ልቃሕ ስምምዕነታት ኣብ መፅደቂ ኣዋጅ ተዘሪቡ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምትሕልላፍ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ለኸ ናይ ልምዓት ማሕበራት ፣ካብ ጃፖን ዓለም ለኸ ሓገዝ ውድብን ካብ ጣልያን ሪፐብሊክ መንግስቲ ዝተገበሩ ናይ ልቃሕ ስምምዕነት ኣዋጃት ተዛሪቦም፡፡ እዞም ናይ ልቃሕ ስምምዓት ን2ይ ናይ ከተማታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ሳኒቴሽንን ንንግድን ሎጀስቲክን ፣ንብሄራዊ ፅፈት መረጋገፅን ንመሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕን ንካልኦትን ፕሮጀክታት መፈፀሚ ዝተገበሩ እዮም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ተወሳኺ ግብሪ ንምትራፍን ናይ ታክሲ ምትላል ንምክልካል ካብ ፖላንድ ፣ስሎቫክ፣ ፊሊስጤም ፣ደቡብ ኮርያ፣ ሲንጋፖር ፣ሞሮኮ ፣ሞዛምቢክ ቆጵሮስን መንግስታት ዝተገበሩ ስምምዕነታት ንምፅዳቕ ዝቀረበ ኣዋጅ ምስ ተዘራረቡ ንኽፀድቕ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ እዩ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

21/09/2009

ብብርኪ ሃገር እናተካየድ ዘሎ መድረኽ ተሃድሶ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናርኣየ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዘካየዶ መፅናዕቲ ሓቢሩ፡፡

መድረኻት ተሃድሶ ኣብ 2009 ዓ/ም ብብርኪ ሃገር ምክያዱ ዝጀመረ እንትኾን ህዝቢ ዘለዎ ሪኢቶ ዝተኸታተሉ እቲ መፅናዕቲ እቶም መድረኻት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ምቅርራብ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ከምዝነበሮም ኣመላኪቱ ኣሎ፡፡ ድሕሪ ተሃድሶ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ኣወዳድባን ኣብ ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ዘበረታትዕ ጅማሮታት ምርኣም ኣብቲ መፅናዕቲ ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ፀገም ዝፈጥሩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ግቡእ ከምዝኾነን ዝዘንገዐ ምንባሩን ሕብረተሰብ ኣብ መድረኽ ተሃድሶ ዝነበሮ ተሳትፎ ማእኸላይ ምንባሩ እውን ተነፂሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ 9ቲኣን ክልላትን 2ተ ከተማ ምምሕዳራትን ሃገርና ዝተውፃፅኡ ዕድሚኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ 2 ሽሕን 196 ውልቀ ሰባት ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ስዑድ ዓረብ ኢትዮያውያን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዝትቅበል ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ልምዓትን እታ ሃገር ዓሊ ኣል ማህፊስ ኣፍሊጦም፡፡

በዚ መሰረት ድማ ምስ ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያ ኣብድልፈታህ ኣብድላህ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣድላይ ስልጠና ብምሃብን ባህርያት ስራሕ ፣ባህልን ሕግን ስዑድ ዓረብ ናይ ምግንዛብ ሓላፍነት ወሲድ እዩ፡፡ እቲ ስምምዕነት ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ካብ ምጥንካር ሓሊፉ መሰል ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቶምን ንምክባር ተፈፃምነት ውዕሊ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ንምርግጋፅ ከምዝሕግዙ ሚኒስተር ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ልምዓትን ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጡ፡፡ ምልመላ ሰራሕተኛታት ድማ ሕጋዊ ፍቓድ ብዘለዎም ትካላት ንምክያድ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ብመሰረት ውዕሊ ስራሕ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታት ብዘከፍትዎ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ መሃየኦም ናብ ሃገሮም ንምትሕልላፍ ከምዘኽእሎም እውን ተገሊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ምስ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክፍለ ከተማ ዓይደር ብምትሕብባር ንመበል 6ይ እዋን 29 ጉንበት 2009 ዓ/ም ንዝካየድ መላእ ፀወታ ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ንምስታፍ ቅድመ ምድላው እናገበረ እዩ፡፡

እቲ ቤት ህንፀት ኣብ 5ተ ዓይነታት ስፖርት መሰረት ገይሩ እናሳለጠ ዘሎ እንትኸውን ፣ብገበጣ፣ ቮሊቮል ፣ደርታ፣ ቴንስን ቼዝን ዝነሓንሓ 9ተ ጋንታታት ምድላዋት እናገበራ ምኳነን መተሓባሪ ከይዲ ስራሕ ጉዳያት ሕጊ ፣ተሃድሶን ህንፀትን ምክትል ኢንስፔክተር ፍስሃ ገብረጨርቆስ ገሊፆም፡፡ ተሃነፅቲ መምህር ሃይለማርያም ከባዶን ብርሃኑ ተስፋይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ፅዋዕ ምውሳዱ ኣዘኻኺሮም ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ውፅኢት ንምምፃእ እቲ ምድላው ወሳኒ እዩ ኢሎም፡፡ ካብተን 9ተ ጋንታታት ዝኾነት ጋንታ ወጋገን ክዕሶ ቮሊቮል ንመጋጥምቲ 24 ብ23 ዝኾነ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተርኣየ ፃወታ ፈላመይቲ ተዓዋቲት ጋንታ እንትኾን ፣እቲ ፃወታ ክሳብ 25 ጉንበት 2009 ዓ/ም ከምዝሳለጥ ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሕልፍቲ ገብረስላሰ ፀብፃባ፡፡

 ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዝተቐመጠ ሃገራዊ ትልሚ ንምዕዋት እናተተግበሩ ዘለው ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ቅድሚ 2ተ ዓሰርተ ዓመታት ትካላት ጥዕና ብዘይ ምግፋሖምን ኣብ ትካላት ጥዕና ኣብ ምውላድ ዝነበረ ግንዛበ ብዘይ ምዕባይ ቁፅሮም ዘይንዓቕ ህፃናትን ሞት ኣዴታትን ከጋጥም ፀኒሑ እዩ፡፡ ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ሚኒስተር ኣብ 1990ታት ካብ 100ሽሕ ንምውላድ ካብ ዝተቐረባ ኣዴታት እተን 1ሽሕን 400 ኣብ እዋን ወሊድ ዝሞቱ ህፃናት ምንባሮም የረድእ፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘቕመጦም ሽቶታት ልምዓት እቲ ሓደ ሞት ኣዴታት ምንካይ እቲ ሓደ እዩ፡፡ ሃገርና ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታት ዝሓዘቶ ትልሚ ብ75 ሚኢታዊ ንምንካይ ተንቀሳቒሳ ኣብ 2015 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን እቲ 71 ሚአታዊ ኣዕዊታ እያ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ 125 ሚሊዮን ብር ዝተዓደጉ ማሽናት ን859 ኢንተርፕራይዛት ተዓዲሎም፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ደቀቕትን ማእኸለዎትን መፍረይ ትካላት ፌዴራል ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ወርሒ እቲ ኤጀንሲ ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንድስትሪ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ ኣብ ሃገርና ልዕሊ 82 ሽሕ ኢንተርፕራይዛት ከምዘለው ዝተገለፀ እቲ ኤጀንሲ ኣንቀሳቐስቲ እቶም ኢንተርፕራይዛት ዝተፈላለዩ ዓይነት ሓገዝ ከምዝተገረበረሎም እውን ገሊፆም፡፡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣስፋው ኣበበ ኣብ ዘፈር መፍረያይነት ንምውፋር ሃቂኖም ኢንተርፕራይዛት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተሳለጠ ተግባር ካብ ዝቐረቡ 1ሽሕን 5 ሚኢትን ውጥናት ንግዲ ነቶም 1ሽሕን 200 ትካላት ተገይርሎም ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ካብ 69 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ብር ብዝዛይድ ገንዘብ ዕድጊት መፍረይቲ ኣቕሑት ተሳሊጡ ኣብ ውዳበ ከምዝርከብ ዝተሓበሩ እዮም ዳይሬክተር ኣስዒቦም ኣብ ዝመፁ ኣዋርሕ ጠለብ ንዘለዎም ከምዝወሃብ እዮም ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ከም ዝተሓበረ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ቐረባ ዝጀመሮ ሊዝ ማሽን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ብመዳይ ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተሰርሓ ስራሕ ዘዕግብ ብዘይምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ወርሒ ክርከብ ዝተተለመ 150 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ፣15 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዶላር ምርካቡን እዚ ድማ ትሑት እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

18/09/2009

ንነዊሕ እዋን ድርድር ክካየደሉ ዝፀንሓ ስምምዕ ወፍሪ ሰራሕተኛ ኣብ መንጎ ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ኣብ ከተማ ጅዳ ከም ዝተፈራረመ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሰራሕተኛታት ብክልቲኤን ሃገራት ፍቓድ ብዝተወሃቦም ኤጀንስታት ኣቢሎም ብዝፍፅምዎ ውዕሊ ናብ ስዑድ ዓረብ ከይዶም ክስርሑ ከም ዝክእሉ ተገሊፁ እዩ፡፡ ብኣስርሕቶም ንዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝደንገገ ኮይኑ፣ ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገሮም ወፂኦም ኣብ ዝለዓለ ፀገም ከይወድቑ እቲ ስምምዕ ከም ዝሕግእ እውን ተፈሊጡ እዩ፡፡ ሚኒስተር ጉዳት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣብ ስዒድ ዓረብ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ኣድሂቦም ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ኣዳል ኣል-ጅበር ኣብ ሪያድ ተራኺቦም ዘትዮም እዮም፡፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝፍጠሩ ዕንቅፋት ንምእላይ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ እጃሙ ንክዋፃእ ድማ ዶክተር ወርቅነህ ሓቲቶም እዮም፡፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ድማ ብዘይ ምንም ምንግልታዕ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከም ዝፅዕር ኣረጋጊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ውድብ ኣንድነት ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዳይሬክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም ብምምራፆም ታሕጓሱ ገሊፁ፡፡

ከም መብርሂ እቲ ውድብ ተዓዋታይነት ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ንኣፍሪካ ዓብይ ዓወት እዩ፡፡ ተመራፂ ዳይሬክተር ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘሳልጥዎ ኣመራርሓ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ንክትበፅሕ ዝህቦ ረብሓ ከምዘሎ ተስፋ ንገብር ክብሉ ገሊፆም፡፡ እቲ ዓወት ናይ ሃገርና ብምዃኑ ንዶክተር ቴድሮስን ንመላእ ዜጋታት ሃገርና መልእክቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፉ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣብ በዓል ኢሬቻ ማይክሮፎን ዓበይቲ ዓዲ ብምምንጣልን ህውከት ብምልዓልን ንሞት 55 ሰባት ምክንያት እዮም ዝተበሃሉ ክልተ ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪትሎም፡፡

ቱፋ መልካን ከድር በዳሶን ዝተበሃሉ እቶም ተከሰስቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴሬሽን 4ይ ምድብ መጋባእያ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ዘቅረበ ክሲ ከምዘመላኽት ፣1ይ ተኸሳሲ ቱፋ መልካ ኣብ በዓል ኢሬቻ ዓበይቲ ዓዲ ዘረባ እንተስምዑ ማይክሮፎን ብምምንጣልን ህውከት ብምልዕዓልን ነቲ በዓል ኣተዓናቒፎም እዮም፡፡ 2ይ ተኸሳሲ ከድር በዲሳ ብወገኑ ካብቲ መድረኽ ብስልኪ ዓመፅ የተሓባብር ከምዝነበረ ክሲ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ የመላክት፡፡ ተከሰስቲ ኣብቲ በዓል ብዝተፈጠረ ህውከት ሂወቶም ንዝሓለፉ 55 ሰባት ምክንያት ከም ዝኮኑ እቲ ክሲ ዘርዚሩ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ባንኪ ዓለም ኣፍሪካ 5 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ክህቡ ኢሉ፡፡

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይን ፅሬትን ረብሓ ዝውዕል 5 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝን ልቃሕን ንክህብ ተዳልዩ፡፡ እቲ ትካል ነቲ ደገፍ ምግባር ዝዓለመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዜጋታት ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ንምድጋፍ ብምሕሳብ ከም ዝኾነ እዩ፡፡ ዝወሃብ ደገፍ ብቐረባ ፅሩይ ዝስተ ማይ ፣ኣተኣላልያ ጉሓፍን ፅሬቱ ምዕቃብን መሰረት ብምግባር ን3 ሚሊዮን ዜጋታት ተረባሒ ከምዝገብር ትፅቢት ተገይሩ እዩ፡፡ እቲ ደገፍ ኣርባሕቲ እንስሳን ቀረብ ማይ ሕፅረት ኣብ ዝርከበሎም ከባብታት ትሽዓተ ክልላት ሃገርና ከምዝሽፍን ተፈሊጡ እዩ፡፡ ብዝተበከለ ማይ ዝስዕብ ሕማም ንምንካይ እቲ ቀረብ ማይ ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ተኣሚንሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ማይ ንምእላሽ ዝግበር ጉዕዞ ነዊሕ ሰዓት ብምንካይ ዘይግባእ ድኻም ንምእላይ ረባሕታ ኣለዎ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

120 ሚሊዮን ዶላር ብዝጠልብ ወፃኢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደረጅኡ ዝሓለወ ማእኸል መሳለጢ ኣኼባን ዝተፈላዩ ዋኒናትን ንምህናፅ ምስ ትካል ቻይና ሲ.ጂ.ሲ.ኣ.ሲ ስምምዕነት ተገይሩ፡፡

ኣዲስ ኣፍሪካ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ እዚ ማእኸል 5 ሽሕ ሰባት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡ ብረቁሓ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ እዚ ማእኸል ምህላው ብመዳይ ንግዲ ምስፍሕፋሕ ወፃእን ውሽጥን ዝህቦ ረብሓ ኣሎ እዩ ዝተበሃለ፡፡ እቲ ህንፀት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓማውቲ ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ግሎባል ሪቪው ኮንስትራክሽን ብምፅራሕ ፀብፃብ ኢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡፡

17/09/2009

ኢትዮያ ኣብ ዓመት ኣስታት 500 ሽሕ ቶን መዓር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ሚኒስቴር ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን ኣፍሊጡ፡፡

ዘመናዊ ከይዲ ምፍራይ መዓር ብስፍሓት ኣፍረይቲ ብዘይምጥቃሞም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ካብ ዓመት 60 ሽሕ ቶን መዓር ጥራሕ ተፍርይ ከምዘላ ተወካሊ ዳይሬክተር ልምዓት መዓርን ሃርን እቲ ሚኒስተር ኣይተ ደምሰው ዋቅጅራ ገሊፆም፡፡ ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምህርቲ መዓር ኣስታት 900 ቶን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፖ ከምዝተልኣኸ ኣይተ ደምሰው ተዛሪቦም፡፡ ቅድም ክብል ኣብ ዝነበራ እዋናት ብባህላዊ መንገዲ ምህርቲ ካብ ሓደ ቆፎ ንህቢ 10 ኪሎ መዓር ይርከብ ከምዝነበረን ብዘመናዊ ቆፎ ግና ልዕሊ 40 ኪሎ መዓር ምፍራይ ከም ዝካኣል ገሊፆም፡፡ ምህርቲ መዓር ንምዕባይ ድማ ምስ ቦርድ ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብቲ ዘፈር ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲን ሓረስቶትን ሞያዊ ስልጠና እናሃበ ከም ዝርከብ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣፍሪካ በቢ ዓመቱ ብቢሊዮን ዶላር ዝቁፀር ገንዘብ ትጉሓል ከምዘላ ሰብ ሞያ ብሪታንያን ኣፍሪካውያን ኣብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ ዕላዊ ጌሮም፡፡

ዘጋርድያን ነቲ መፅናዕቲ ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ካሊእ ክፋል ዓለም ካብ ኣፍሪካውያን ንላዕሊ ካብ ሃፍቲ ኣፍሪካ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡ ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ኣብ 2015 162 ቢሊዮን ዶላር ብሓገዝን ብልቃሕን ዝተቀበለት እንትኾን ኣብቲ ዓመት 203 ቢሊዮን ዶላር እታ ኣህጉር ተጓሒሉ እዩ፡፡ ኣብታ ኣህጉር ዝርኣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብዓመት 68 ቢሊዮን ዶላር ኣብታ ኣህጉር ዝረኣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብዓመት 68 ቢሊዮን ዶላር ይበፅሕ እዚ እውን እታ ኣህጉር ብዓመት ካብ ትረክቦ 19 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ዝበፅሕ እዩ፡፡ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 2015ን 32 ቢሊዮን ዶላር ዝተለቀሓ እንትኾና ብተመሳሳሊ ዓመት 18 ቢሊዮን ዶላር ንወለድ ልቃሕ ጥራሕ ከፊላ እያ እዚ እውን ወለድ ልቃሕ ኣፍሪካ ክንደይ ዝኣክል ይጎድኣ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ናብታ ኣህጉር ዝኣትው ልቃሕን ሓገዝን ተልእኾኦም ብንፁር ክፋልጥ ከምዝግባእ እቲ መፅናዕቲ ሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ነበርቲ መናእሰይ ወረዳ ሓውዜን ተጠቃምነቶም ንምርግጋፅ ውዳበኦም ኣጠናኺሮም ክንቀሳቀሱ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ገብረሂወት ገብረየሱስ ኣብ ሓዱሽ መምርሒ ኣወዳድባ መናእሰይ ፣ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ መምርሒ መሰረት ዝገበረ ንልዕሊ 500 መናእሰይ ኣብ መንበራት ልምዓት ጉጅለ ዝተሳተፍሉን መድረኽ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ ነዚ ዝገለፁ፡፡ መናእሰይ ዕድል ልቃሕን መሸጥን መስርሒን ቦታ ዘይምርካብ ዕድሜኦም ዝኣኸሉ መናእሰይ ብእዋኑ መጠሻ ዘይምሃብን ፀጋታት ከባቢ ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ዘይምውዓልን ዝብሉ ፀገማት እቶም መናእሰይ ዘልዕልዎም ፀገማት እዮም፡፡

07/09/2009

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብዝበጀቶ ልዕሊ 19 ሚሊዮን ቅርሺ ህንፀቱ 65 ሓደሽቲ ማእኸለዎት መስተ ማይ ይህነፃ ኣለዋ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ ማዕድንን ኢነርጂን እታ ወረዳ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ተኽላይ ኪዳነ ኣብታ ወረዳ ሕፅረት ቀረብ መስተ ማይ ኣለወን ተባሂለን ኣብ ዝተነፀራ 15 ጣብያታት ንልዕሊ 6500 ህዝቢ ተጠቀምቲ ዝገብራ ህንፀት መስተ ማይ ይሳለጥ ከም ዘሎ ተዛሪቦም፡፡ ዛጊድ እተን 35 ናቁጣታት መስተ ማይ ተጠቓሊለን ግልጋሎት ምሃብ ከም ዝጀመራን ናይተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ህንፀተን ብምዝዛም ኣብ ረብሓ ክውዕላ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡ ሕብረተሰብ በዓል ዋና እተን ናቁጣታት መስተ ማይ ክኸውን ብምግባር ግቡእ፣ ፅሩይን ብቐረባን ግልጋሎት ንክረኽብ ሰፋሕቲ መድረኻት ብምክያድን ንኮሚቴታት መስተ ማይ ግንዛበ መዕበይ ስልጠናታት ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ተኽላይ ፣ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከቡ 830 መስተ ማይ ፣እተን 429 ዝተማልኣ ሓፁር ዝተገበረለን ፣395 ናቁጣታት መስተ ማይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ስሪት ብምፅዳቕ ግቡእ ክንክንን ሓለዋን ዝግበረለን ዘሎ ምዃነን ኣይተ ተኽላይ ገሊፆም፡፡ ተበፃሕነት ፅሩይ መስተ ማይ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ውሽጢ 1 ኪሎ ሜትር 52 ሚኢታዊ ፣ጠቕላላ ሽፋን መስተ ማይ ድማ 56 ሚኢታዊ ከምዝበፅሓ ፣ካብ መብርሂ እቶም ሓላፊ ንምርዳእ ተኻኢሉ ይብል ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተኽለማርያም ተካ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያን ፖክስታንን ክልቲኣዊ ርክበን ንክጠናኸር ተስማዕሚዐ፡፡