ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ሰነ 2009

30/10/2009

ኣብ በጀት ዓመት 2010 መንግስቲ ፌዴራል ዝመደቦ በጀት ንዝተዓለመሉ ዓላማ ንከውዕል ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዘጠናኸረ መልክዑ ክቅፅል ከምዘለዎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ዝተወሃቦም በጀት ብኣግባቡ ንዘይጥቀሙ ትካላት ብሕጊ ተሓተቲ ንክኾኑ ምውሳን እውን ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ኣባላት ቤት ምኸሪ ድሕሪ ውሳነ ምሕላፍ ኣብ ዝሃብዎ ርእቶ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝርኣ ጉድለት ኣጠቃቅማ በጀት ኣብ በጀት ዓመት 2010 ንኸይድገም ካብ ሕሉፍ ብዝጥንክር መልክዑ ቁፅፀር ከንገብር ኢና ኢሎም፡፡ ሪኢቶኦም ካብ ዝሃቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓንቲ ዝኾና ወይዘሮ ኣለሚቱ ቱፋ ከምዝበልኦ ሕድሕድ በጀት ንዝተዓመሉ ዓላማ ንኽውዕል ምግባር ሓላፍነት ቤት ምኽርን ኢሉ እውን ናተይ ብምዃኑ ትካላት በጀትን ብስርዓት ንኽጥቀማ ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢለን፡፡ ቅልጡፍ ዕብየት ሃገርና መሰረት ገይሩ እውን በጀት እታ ሃገር ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየ ምምፅኡ እቶም ኣባላት ገሊፆም እዮም፡፡ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ምዕባይ ግንዛበ ሕብረተሰብ ከምዝግባእ እውን እቶም ኣባላት ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣባላት ኣመራርሓ ፖሊስ ክልል ሱማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ሂቦም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ስማሌ ፋርሃን ጣሂር ብርካድሌ ኣብታ ክልል ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣባላት ፖሊስ እቲ ኮሚሽን ብሓፈሻ ናይ ሓደ ወርሒ መሃይኦም ወፍዮም እዮም፡፡ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልልን ህዝብን ብዘተኣማምን ብርኪ ካብ ምርግጋፅ ብዝዘለለ እቶም ኣባላት ዝገብርዎ ሓገዝ ዘጋጥሙ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ዘሎ ባህሊ ዘዕቢ እዩ ኢሎም፡፡ ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ዳግም ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣባላት ፖሊስ እቲ ክልል ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣፍሊጦም፡፡ ኣብታ ክልል ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣካቢ ኮሚቴ መተኣኻኸቢት ሓገዝ ሰብሳቢ ኣይተ ከድር መዓልን ዓሊ እቶም ኣባላት ፖሊስ እታ ክልል ዝገበርዎ ሓገዝ ንኻልኦት እውን መርኣያ እዩ ኢሎም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ውሸጢ ሃገርና ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓለም ለኸ ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ክወስኽ ምኽኣሉ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሃይለማርያም ነዚ ዝገለፁ ንሕቶታት ኣባላት ቤት ምኽሪ ምላሽ ኣብ ዝሃብሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ መድረኻት ብምስታፍ ድምፂ ኣፍሪካዊያን ክተስምዕ ምኽኣላ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝተሳተፍሎም ኩሎም መድረኻት ድማ ረብሓኣን ረብሓ ኣፍሪካዊያን ንምርግጋፅ ተንቀሳቂሳ እያ ኢሎም፡፡ ካብዚኣቶም ድማ 60 ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኢንሼቲቪ ዋን ቤልት ዋን ሮድ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ክተዕውተሎም እትኽእለሉ ምችው ኩነታት ፈጢሩላ እዩ ኢሎም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ፣ህንፀት ዓቕሚ ፣ፋይናንስ መባፅሕ ዕደጋን ኣብ ዘለዎም መድረኻት ክተሳትፍ ኣኽኢልዋ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ጉጅለ 7 ሃገራት ኣብ ዝተሳተፋትሉ እዋን ድማ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ተኣሳሲሩ ድምፃ ክተስምዕ ክኢላ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ቅዋም ክፍትሻ ሓቲታ እያ ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

29/10/2009

ካብ ስዑድ ዝምለሱ ዜጋታት ምዝንጋዕ ይርኣ ምህላው ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቶም መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝወሰኾም 30 ተወሰኽቲ መዓልታት እውን ተኾይኑ ምድንጓያት ይርኣ ምህላው ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሃቦ ግዘ ገደብ 30 መዓልታት ኣብ ስዑድ ዓረብያ ዘለው ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንምምላስ ኣጠናኺሩ ይሰርሕ ምህላው ገሊፁ፡፡ ኢትዮያውያን ኣብቲ ዝተውሃበ ግዘ ገደብ ከይተዘናግዑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፃውዒት ዘቕረበ እቲ ሚኒስተር ክሳዕ ሎሚ ቁፅሪ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ተመለስቲ ዜጋታት 50 ሽሕ በፂሑ ከምዘሎ ምግላፁ ንሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጠቒሱ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ከፈልቲ ግብሪ ብእዋኖም ዝግበኦም ግብሪ ከኸፍሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሓድነት ፀዊዑ፡፡

ግብሪ ንሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ልምዓት ሃገር ዝውዕል ምዃኑ ዝተዛረቡ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ በዓል መዚ ልምዓት እቶት እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ሞላ ታደሰ ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪን ዓይነትን ዝርከቡ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዝኸፈልዎ ኣፈላላይ ገንዘብ ከምዘየለ ኣዘኻኺሮም ብፍላይ ጠለብ ማሕበረሰብ ንምሙላእ ዝጠቅም ግብሪ ብምኽፋል እጃሙ ከወፊ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብ እዋን ግብሪ ከእከብ ግቡእ ምዃኑ ዘፍለጡ እቶም ሓላፊ ኣስዒቦም ብብርኪ ‘’ሀ’’ ዝስርዑ ከፈልቲ ግብሪ ካብ 1 ሓምለ ክሳዕ ጳጉሜን ዝተመደበሉ ክሊ ግዜ እዩ ኢሎም፡፡ ብብረኪ ‘’ሐ’’ ካብ ጅማሮ ሓምለ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ከፈልቲ ኣብ ዝምልከቶም መዓልቲ ግብሪ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም፡፡ ብዘይሕጋዊ ማሕተም ዘይስሩዕ ንግዲ ብምስላጥን ቅብሊት ተበፃሒ ዘይምግባር ብሰፊሕ ዝረኣ ማሕለኻ እቶት ግብሪ ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣይተ ሞላ ታደሰ፣ ኣብ ኸምዚ ዝበለ ዝተረኸቡ ነጋዶ ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ክወሃቦም ከምዝተገበረ ገሊፆም፣ ኣብ ዘይስሩዕ ዘይተባባዕን ንጥፈት ንምእላይ ግቡኡ ብምፍፃም ብዝተዘርግሓ መስርዕ-ስርዓት ብምንጣፍ ኣብ ቀፃሊ ተረባሕነቶም ከረጋግፁ ይግባእ ኢሎም ይብል ፀበፃብ ክኢላ ፕረስ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ሓድነት ተክለማርያም ኣስመላሽ ፀብፂቡ፡፡

 ኤጀንሲ ውሕስና ምግብን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከተማታትን ፌዴራል ብስርሖም ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘርኣዩ ሰራሕተኛታት ሸልማት ሂቡ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ካብ 9 ክልላትን 2 ምምሕዳር ከተማታት ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘርኣያ ትካላት ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ዝህቡን ሰብ ሞያን ኣፍልጦ ሂቡ ዘሎ፡፡ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከቡ 371 ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ወሃብቲ ትካላት ብኣፈፃፅምኦም ፅቡቅ ውፅኢት ዝረኸቡ 60 ማእኸሎትን 60 ሰብ ሞያን እዮም ተመሪፆም፡፡ ነቶም 60 ማእኸላት ምስክር ኣፍልጦ ዝተወሃበ እንትኸውን ካብዚ ብዝዘለለ ግልጋሎት ሓደ መስኮት ዘዐወቱ ማእኸላት ድማ ነነብሰ ወከፎም ሓደ ዲስክቶፕ ኮምፒውተር ተሸሊሞም እዮም፡፡ ኣብ ክልልና ከተማ ኮረም ዝመፁ ኣይተ ሃይለመስቀል ባራኪ ከምዝበልዎ እዚ ሽልማት ምውሃብ ንዝሓሸ ስራሕ ከም ዘለዓዕልም ገሊፆም እዮም፡፡ ዳይሬክተር ግልጋሎት ሓደ ማእኸል እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ዘውዱ ጌታቸው ብወገኖም ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ትካላት ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ተመሳሳሊ ዓቅሚ ንክህልዎም እናተሰርሓ እዩ ምባሎም ኣብቶም ማእኸላት ዝርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕን ምስ ክልላት ብሓባር እናተሰርሓ ምኳኑ እውን ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ምይይጥ የሳልጥ ኣሎ፡፡

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ረቂቅ በጀት መንግስቲ ፌዴራሊዝም ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ዘተ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራል ዝመያየጠሉ ዘሎ ረቂቅ በጀት ዓመት 2010 ፣በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2010 ልዕሊ 320 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ብር ክኸውን ቅድሚ ሎሚ ቤት ምኽሪ ሚኒስተር ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

28/10/2009

ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ምስ ፕሬዝዳንት ጋና ናና ኢኩፎ ኦዶ ኣብ ሃገራዊ ቤተ መንግስት ዘትዮም፡፡

ኢትዮጵያን ጋናን ንልዕሊ ፍርቂ ሚኢቲ ዓመት ዝፀንሓ ታሪካውን ዕውትን ርክብ ዘለዎን ሃገራት ምኳነን ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቃልሲ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምምስራት ውዳበ ሓድነት ኣፍሪካ ዝለዓለ ተራ ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም፡፡ ኢትዮጵያ ምስ ጋና ብዘፈራት ኢኮኖሚ ዘለዎ ምትእስሳር ልምድን ተሞክሮን ንምልውዋጥ ድሌት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳንት ጋና ናና ኢኩፎ ኦዶ ብወገኖም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽር ሓበራዊ ኮሚሽን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳንት ናና ኢኩፎ ኦዶ ኢትዮጵያን መራሕታን ሕብረት ኣፍሪካ ንዝሓለፉ 54 ዓመታት ብምትእንጋድ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዘካየድኦ ቃልሲ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዘበርከትዎ እጃም ኣፍልጦ ንኽረኽቡ ጋና ሓላፍነት ወሲዳ መበገሲ ሓሳብ ከምእተቅርብ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሕብረት ኣፍሪካ ሓምለ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባኡ ኣብ ዝተመረፁን ወሰንቲ ዛዕባታትን ኣፈፃፅምኦምን ትኹረት ክገብር ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳኝ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሕብረት ኣብዛ ኣህጉር ኣጃሙ ከበርክት ኣብ መበል 27ን28ን ጉባኤታት ብመሪሕነት ፕሬዝዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ስራሕቲ ሪፎርም ንኽሰርሑ ኣብ ኣጀንዳታት ስምምዕነት ምብፅሑ ገሊፆም፡፡ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ኣኼባ ስሩዕ ንኽብሃል ኣብ ሓምለ ዝካየድ ኣኼባ ድማ ዘይስሩዕ ንኽብሃል ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡ እዚ እውን እቲ ሕብረት ሓደ ሓደ ዘይትኽክል ዝኾነ ኣሰራርሓታት ብምውጋድ ኣብቶም ኣጀንዳታት ንክዝትን ካብዚ ሓሊፉ እውን ውሳነ ንክሓልፍን ንተግባራውነቶም ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ብምሕሳብ እዩ፡፡ ተፈፃምነት ውሳነታት እቲ ሕብረት ንምግምጋም ብኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ፣ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ኣቦ ወንበር ጉጅለታት ብምምስራት ንኽትትል እውን መንገድታት ከምዘመቻችዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ኢዚኣ፡፡

 ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡቲን ብሰላዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይና ከም ትሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡ ሕበረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፣ ኮሚሽነር ሰላምን ፀጥታን እቲ ሕብረት ስማኤል ቻርጉይን ናብ ኤርትራ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ መራሕቲ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ መበል 29 ስሩዕ ጉባኤ ክፍፀም እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈጠረ እዋናዊ ምትፍናን ንምፍታሕ ዝተጀመረ መፅናዕቲ ክቅፀል ድሌት ከም ዘለዋን ምስ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ክትሰርሕ ምዃና ተዛሪቦም፡፡ ጎንፂ ጅቡቲን ኤርትራን ዝፀንሓ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ፣እቲ ብሓድሽ መልክዕ ዝተወልዐ እዋናዊ ምስሕሓብ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትህልላኽ ኳታር ሰራዊታ ብምስሓባ ዝሰዓበ ምኳኑ ገሊፆም፡፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ መህመት ብወገኖም ፣ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ፃዕርታት እቲ ሕብረት ቀፃሊ ምዃኑ ኣረዲኦም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ስትራጂካዊ ርክበን ኣጠናኺረን ከም ዝቕፅላሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ኣብ መዕፀዊ መበል 29 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኢትዮጵያ ምስ ስዑድ ዓረብ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ርክብ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ዝሓበሩ ኮይኖም፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣድላር ጀበር ኣብ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ዘትዮም፡፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ካልኦት ዘፈራት ንምትሕብባር ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለው፡፡ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዎን ታሪካዊ ርክብ ብኩለመዳያዊ ንምስፋሕ ድሌት ከም ዘለዎን ኣብቲ ዘተ ዝተመያየጡ ኾይኖም፣ ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ኢትዮያውያን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ተወሳኺ 30 መዓልታት ምስግና ኣቕሪቦም፡፡ ኣብ ስዑድ ልዕሊ 450 ሽሕ ህጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዘለው ኮይኖም ዛጊድ ግና ካብ 50 ሽሕ ዘይበዝሑ ጥራይ ምዃኖምን ናብ ዓዶም ንምምላስ ሰነድ መገሻ ዝወሰዱ ቁፅሪ ስደተኛታት ኢትዮጵያ 110 ሽሕ ምብፅሑ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ይበል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

27/10/2009

ቐዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ሮማን ተስፋይ ፕሬዝዳንት ምክልኻል ኤች ኣይቪ ቐዳሞት እመቤታት ኣፍሪካ ኮይነን ተመሪፀን፡፡

ቀዳመይቲ እመቤት ወይዘሮ ሮማን ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ እየን ፕሬዝዳንት ኮይነን ተመሪፀን፡፡ ወይዘሮ ሮማን ነቲ ጥምረት ንዝቕፅል ክልተ ዓመታት ፕሬዝዳንት ኮይነን ክመርሓ እየን፡፡ ቀዳመይቲ እመቤት ቢርክኖፋሶ ዝኾና ወይዘሮ ኣጃቪ ሲካ ካሬ ድማ ምክትል ፕሬዝዳንት ኮይነን ተመሪፀን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ትካል 6 ቐዳሞት እመቤታት ብኣባልነት ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ጌሩ መሪፁ ኣሎ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ትካል ሓባሲ ንብዓት ብመሰረት ህዝቢ ዝሃቦ መፍትሒ ሓሳብ ግቡእ መስተኻኸሊ ኣብ ዘይገበሩ 12 ሓለፍቲ ስራሕ ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ሓባሲት ንብዓት ወይዘሮ ፎዝያ ኣሚን ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ስራሕ 11 ኣዋርሕ እቲ ትካል ኣብ ዘቕረባ እዋን ትካለን ብዝገብሮ ምፅራይ በደል ምህላው ኣብ ዘረጋገፀሉ መስተኻኸሊ ኽግበር መፍትሒ ሓሳብ ምቕራቡ ኣዘኻኺሩ፡፡ ይኹን ድኣ እምበር ነቲ መፍትሒ ሓሳብ ተግባራዊ ኣብ ዘይገበሩን ምኽንያቶም ኣብ ዘየቕረቡ ሓለፍቲ ትካላት ኽሲ ተመስሪቱ ኣሎ ኢለን፡፡ ክሲ ካብ ዝተመስረተሎም ሓለፍቲ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክሲ ደቡብ ሓዊሱ ኣብ 11 ከተማታት ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ምዃኑ እውን እተን ዋና ሓባሲት ንብዓት ኣብሪሀን፡፡ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ፣ባህርዳር ፣ደብረማርቆስ ፣ሃዋሳን ካብተን ክሲ ዝተመስረተሎም ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝርከቡለን ከተማታት እየን፡፡ ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ብኣዋጅ ብዝተወሃቦ ስልጣን መሰረት ኣብ ዝቕፅል በቲ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ተግባራዊ ዘይገብሩ እንተሃልዮም ክሲ ክምስረት ምዃኑ ገሊፁ እዩ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያን ሱዳንን ክልቲኣዊ ርክበን ኣብ ዘጠናኽራሉ ጉዳያት ምዝታየን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌድሪ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ሱዳናዊ መዘነኦም ኣብራሃም ጋንዱር ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥ እተን ሃገራት ዝነበረን ክልቲኣዊ ርክብ ኣብ ዘጠናኽራሉ ጉዳያት ሓቢረን ክሰርሓ ተስማዕሚዖም፡፡ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲኤን ሃገራት ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዮም ዘትዮም፡፡ ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣዝዩ ውፅኢታዊ እዩ ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ ፖለቲካዊ ምትእስሳር እተን ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ኢሎም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዝሓዝዎ ቅዋም ምስጋንኦም ኣቕሪቦም፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንድር ብወገኖም ብመንግስታት ጥራሕ ከይኮነስ ብርክብ ህዝቢ ዝተመስረተ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮ ሱዳን ኣብ ዝሓሸ ምጥንኻር ይርከብ ኢሎም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ቐዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሀሰን ኣል ካይሪ ዘትዮም እዮም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡

 ልዕሊ 600 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ መዋሰኒ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ክልል ኦሮሚያን ተኸሊሉ፡፡

እቲ ምኽላል ሓበራዊ ሰነድ ምምሕዳራዊ ትልምታት ልምዓት ንምፍፃምን ህዝባዊ ሓድነት እተን ክልላት ንምጥንኻርን ከምዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ፡፡ ሓበራዊ ኮንፈረንስ ሰላም እተን ክልላት ኣብ ከተማ ነቀምቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እቲ ሰነድ ዛጊድ ብዘይምድላው ህዝብታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዝለዓሉ ጎንፅታት ዘይምርድዳእ ተረባሕቲ ልምዓት ከይኮኑ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዛጊድ ቅድም ክብል ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ብኽታሞም ዘረጋገፅዎ ሰነድ ምምሕዳራዊ ወሰን ፀብፃብ ኣፈፃፅምኡ ቀሪቡ ምስ ህዝቢ ዘተ ተገይሩሉ እዩ፡፡ ብተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ እቲ ሰነድ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዘጋጠሙ ዕንቅፋት ብቕልጡፍ መፍትሒ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ እዩ፡፡ እቲ ሰነድ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀሪቡ ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

26/10/2009

መበል 57 ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስተራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ፡፡

ኣኼባ ሚኒስተራት በይነ መንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ጎን ንጎኒ መበል 29 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ መበል 57 ኣኼባ ሚኒስትራት ኣሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ዝበፅሓ ዛዕባ ድሕንነትን ሰብኣዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ቐንዲ ጠመተ ተዋሂብዎ እዩ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርናን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጋድን ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ መእተዊ ዘረባ ዘስምዑ እንትኾኑ ፣ኣብ ዘረበኦም ኸይዲ ህንፀት ሰላም ሃገረ ደቡብ ሱዳን ከም ብሓድሽ ክርኣ ከምዝገባእ ሓቢሮም፡፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዓሰለ ጎንፂ ስምምዕነት ሰላም ከም ብሓድሽ ተግባራዊ ብዝኾነሉ ኸይዲ ተሳተፍቲ ንምዃን ተስማዕሚዖም እዮም፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፣ሕብረት ኣውሮፖ ቻይናን ካልኦት ሓገዝቲ ኣብ ኸይዲ ህንፀት ሰላም ደቡብ ሱዳን ርብርብ ክገብሩ እቶም ሚኒስተር ፃውዒት ከምዘቕርቡ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ባርኖስ ኣሜሪካ ንምክልካል ሓረስቶት ዘካይድዎ ዘለው ባህላዊ ሜላ መካላኸሊ ኣጠናኺሮም ክቅፅሉ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ፀዊዖም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሊ ባቡር እቲ ባርኖስ ዝካየድ ዘሎ ዝርከብ ፃዕሪ ዝተዓዘቡ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ኣብ ስራሕቲ ምክልካል እቲ ሓደጋ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ እቲ ባርኖስ ካብ መንጎ ዝተርኣሎም ወረዳታት ኣብ ወረዳ ኢሎ ምስ ዝርከቡ ክኢላት ሕርሻን ሓረስቶት እቲ ከባብን ዘትዮም፡፡ እቲ ባርኖስ ኣብ ምህርቲ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምክልካል ዝስርሑ ስራሕቲ ንሓደ ኣካል ዝግደፍ ኣይኮነን ዝበሉ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ኩሉ ምርብራቡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡ መረዳእታ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምዘመላክቶ ካብቲ ስሩዕ ባርኖስ ዝተፈለየን ዝተፈላለያን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣፍሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ካብ ኣሜሪካ ዝመፀ ፋልዋርም ዝተበሃለ ባርኖስ ኣብ ሽድሽተ ክልላት ሃገርና ተራእዩ እዩ፡፡ ሓደጋ ባርኖስ ንምክልካል ሓደ ሚኢቲ ሊትሮ ፀረ ባልዕ ኬሚካል ንክልላት ዘከፋፈለ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ሓረስቶት ዝተፈላለዩ ሜላታት ክጥቀሙ ይግበር ምህላው ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ሕማም ኣንቅፂ ሕንጠያት ካብ ዘጥፍኣ 42 ሃገራት እታ ሓንቲ ምዃና ኣረጋጊፃ፡

ካብ ትካል መድሕን ህፃናት /ዩኒሴፍን/ ትካል ሓለዋ ጥዕና ዓለም ዝተወከለ ሓበራዊ ጉጅለ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ካብ መላእ ሃገርና ሕማም ኣንቅፂ ምጥፋኡ ኣረጋጊፁ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ከበደ ወርቁ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን ንምምሕያሽ ጠመተ ሂባ ምስራሓ ገሊፆም፡፡ ነዚ ከም መርኣያ ድማ ሽቶታት ልምዓት ሚሊኒየም ካብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ገደብ ኣቐዲማ ተግባራዊ ብምግባር ዝጭበጥ ለውጢ ክተመዝግቦ ምክኣላ ገሊፆም እዮም፡፡ ንሕንጠያት ዘጥቅዕ ሕማም ኣንቅፂ ንምጥፋእ ካብ 1999 ክሳብ 2009 ዓመተ ፈረንጂ ብስፍሓት በቲ ሕማም ካብ ዝተጠቅዑ 59 ዞባታት ጠመተ ብምግባር 15 ሚሊዮን ነብሰፁር ኣዴታት ክታበት ክወሃባ ኪኢለን እየን ኢሎም፡፡ በዚ ድማ ክሳብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ካብ ክልል ሶማሌ ወፃኢ እቲ ሕማም ኣብ መላእ ሃገር ጠፊኡ ፀኒሑ ዝነበረ እንትኾን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ካብ መላእ ሃገርና ምጥፋኡ ገሊፆም እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ንምቕፃል ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ እዩ ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ዝተወደባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ሕርሻ ንምውፋር ምንቅስቃስ ምጅማሩ ሚኒሰተር ጉዳት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስተር ምስ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፌዴራል ብምትሕብባር ኢኮኖሚያዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ኣብ ዘኽእል መዳይ ትኹረት ጌሩ ኣብ ዘዳለዎ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ እዩ ዝገለፁ፡፡ ነቲ መድረኽ ዝመርሓ ሚኒስተር ሚኒስትር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ወይዘሮ ደሚቱ ሃምቢሳ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓ/ም በቢ ብርኩ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ዩንየናትን ብምጥያሽ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ሕርሻ ክዋፈራ ምድላዋት እናገተበረ እዩ ኢለን፡፡ በቲ ዝተዓቖረ ልዑል ሃፍቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከከም ጭቡጥ ኩነታት ከባቢኣን ኣብ ዝተፈላለዩ እቶት ዝረኽባሎም ዓውድታትን ዋጋ ብምውሳኽ ኣብ ምውህሃድ ፍርያት ሕርሻ ክዋፈራ ምዃነን እተን ሚኒስተር ገሊፀን፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ስራሕ ንምጅማር ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተውፃፅኡ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ዝተጣየሸ ምዃኑ ሓቢረን ክበል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

23/10/2009

ኢትዮጵያን ዴንማርክን ርክብ ክልቲኣዊ ንምጥንኻር ድልየት ከምዘለወን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እተን ሃገራት ገሊፆም፡፡

ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ተወካሊ ዴንማርክ ዓለም ለኸ ትሕብብር ልምዓት ሞርተን ጄስፔርሰን ትማሊ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ኣዘራሪበን፡፡ ኣብቲ ዘተኦም ንብዙሕ ዓመታት ዝዘለለ ርክብ እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምጥንኻር ከምዝግባእ እቶም ስራሕ ሓለፍቲ ኣብ ስምምዕ በፂሖም እዮም፡፡ ሞርተን ጄስፔርሰን ከምዝበልዎ ዴንማርክን ኢትዮያጵን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ኣብ ቡዝሓት ዘፈራት ዝተመስረተን ውፅኢታዊን ዝበሃል እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ርክብ ብቁጠባ ፣ነባሪ ኣየር፣ ብቀረብ ሓይሊ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ሰትራጂክ ኣጋርነት ምድጋፍ መሰረት ዝገበረን ዝነኣድን ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ስለዝኾነ እውን መረዳድኢ ሰነዳት ሓዊሱ ምስ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ብምፍርራም እቲ ርክብ ንምጥንኻር ክስራሕ ከምዝግባእ ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ ገሊፆም፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሂሩት ዘመነ ብወገነን ርክብ ዴንማርክን ኢትዮጵያን ኣብ ዝመፁ ዓመታት ብዝሓሸ ከምዝጠናኸር ኣረጋጊፀን፡፡ ዴንማርክን ኢትዮያን ኣብ ዝመፅእ ሓሙሽተ ዓመታት ዘለወን ምትሕብባር ብምንታይ መልክዕ ክቕፅል ይግባእ ኣብ ዝብል ጉዳይ ብስፍሓት መኪረን እየን ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን ዳርፉር ዘስፈሮም ቁፅሪ መክበርቲ ሰላም ሓይሊ ንምንካይ ኣብ ስምምዕ በፂሑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብዚ ውሳነ ክበፅሕ ዝካኣለ ኣሜሪካ ነቲ ተልእኮ ምክባር ሰላም ተታሒዙ ዝነበረ በጀት 600 ሚሊዮን ዶላር ክንክይ ፅዕንቶ ምግባር ሲዒቡ እዩ፡፡ በዚ እውን ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ጥሙር ምክባር ሰላም ሓይሊ ተልእኮ ብ30 ሚኢታዊ ክንክይ ከምዝክእል እናተነገረ እዩ፡፡ እቲ ምንካይ ሓይሊ መኽበርቲ ሰላም ኣብ ክልተ ምዕራፍ በቢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣፈላላይ ክፍፀም እዩ እናተበሃለ ዘሎ፡፡ ካብ 13 ሽሕ ሰራዊት መኽበሪ ሰላም ውሽጢ ኣብቲ ፈላማይ ምዕራፍ 1ሽሕን 600 ዝንክይ እንትኾን ኣብ 2018 ወርሒ ሰነ መወዳእታ ድማ ቁፅሪ እቶም መኽበርቲ ሰላም ናብ 8 ሽሕን 735 ክወርድ ክግበር እዩ፡፡ ቁፅሪ ኣባላት ፖሊስ ድማ ኣብ ክልተ ዙርያ ካብ 3ሽሕን 150 ናብ 2ሽሐን 500 ትሕት ክብል እዩ፡ መንግስቲ ሱዳን እቲ መክበሪ ሰላም ሓይሊ ክንኪ ምግባር ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ከምዝከበደ እንድሕር ገሊፁ እቲ ቤት ምኸሪ ነቲ ውሳነ ዳግም ከምዝግመግም ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ ንመወሃሃዲ ውፅኢት ፀባ ኢትዮጵያ ደገፍ ናውቲ ገይራ፡፡

እቶም ናውቲ ኣስታት 8 ሚኢቲ ዶላር ዝዋግኦም እንትኾን ማሽናት መዐሸጊ ፀባ፣ ፍርጅን ካልኦት ምኳኖም ተገሊፁ፡፡ እቲ ድጋፍ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብን ትግራይን ንዝርከቡ 24 መወሃሃድቲ ፀባ ከም ዝተወሃበ ተገሊፁ፡፡ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብኣሻሓት ንዝቁፀሩ ኣቅረብቲ ፀባ ዕድል ዕዳጋ ከም ዝፈጠረ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

22/10/2009

ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሓደ እቲ ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ንምድሓን ፖሊስታት ዋላ እኳ እንተሃለው ኣብ ኣተገባብርኦም ፀገማት ከምዘለው ተገሊፁ፡፡

ጀንደር ኢዝ ማይ ኣጀንዳ ብዝብል ዝተሰየመ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ብምትሕብባር ዘዕግቡ ስራሕቲ ምስራሖም ተገሊፁ፡፡ እቲ ወፍሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ኣብ ትምህርቲ ፣ሰላም፣ ሕርሻን ካልኦት ዛዕባታትን ዘለዎን ተሳትፎ ንምጥንኻር ዝሰርሕ እዩ፡፡ ኣብ ኣፍሪካ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ዘዕብዩ ማዕቖፋት ፖሊስ ንክወፁን ማዕርነት ፆታ ምርግጋፅ ኣብ ዝካኣለሉ ኩነታትን 2ተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ከካይድ እዩ፡፡ ዓበይቲ ነጥብታት እቲ ዘተ ኣብ መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝቐርብ እውን ተገሊፁ እዩ፡፡ ዕድሜኦም ንትምህርቲ ዝበፅሑ 65 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካውያን ዕድል ትምህርቲ ከምዘይረኸባ መረዳእታታት ዩኒሴፍ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ኢቢሰ፡፡

 መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝሃቦ ግዘ እፎይታ ዝተዛዘመ ኾይኑ ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቅፅል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ብዘይሓጋዊ ፍቃድ መንበሪን መስርሕን ዝነበሩ ዜጋታት ካብታ ሃገር ንክወፅኡ ዝሃቦ ግዘ እፎይታ ካብ ዝዛዘመ ክልተ መዓልቲ ሓሊፎም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቀፀለሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡ ካብዚ ብዝሓለፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዑድ ብድፕሎማሲያዊ መስመር ርክብ ብምጥንካር ግዜ እቲ ምሕረት ኣዋጅ ክናዋሕ ደጊሙ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ምናልባት መንግስቲ ስዑድ ድሕሪ ሕዚ ዜጋታት ብሓይሊ ዝወፅእ እንትኾኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ንምቕባል ምድላው ምግባሩ እቲ ሚኒስተር ገሊፁ፡፡ ክሳብ ሕዚ 111 ሸሕ ዝኾኑ ወገናት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ሰነድ ጉዕዞ እንተወስዱ ኳ ግን ዝተመለሱ እቶም 45 ሽሕ ጥራሕ እዮም፡፡ ትማሊ ዕለት 500 ወገናት ዝተመለሱ እንትኾኑ ሎሚ ዕለት 630 ተወሰኽቲ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክኣትው እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኣብ መወዳእታ ስግኣት ክምለሱ ብምውሳኖም ሕፅረት መጓዓዝያ ብምፍጣሩ ጣብያታት ኣውሮፕላን ምጭንናቁን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ፈጢሩ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ጉባኤ ማሕበር ጋስትሮሎጂ ንትሮሎጂ ሃገራት ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ጉዳይ ሕክምና ደዌ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ፡፡

8ይ ጉባኤ ጋስትሮሎጂ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ኮይኑ፣ እቲ ዓውዲ ኣብ ዓብይን ንእሽተይን ከሽዐ ፣ ከረጢት ሓሞትን ካልኦትን ጥዕናዊ ኩነታት ዘፅንዕ ሳይንስ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ማሕበር ጋስትሮኢንትሮሎጂ ኢትዮጵያ ዶክተር ብርሃኑ ረዳ፣ ኣብ ሕማማት ደዌ ኣካላት ዘምህሩ ፣ሕክምናዊ ምርምር ዘካይድን ሰብ ሞያ ኣብቲ ጉባኤ ልምድታቶም ከቕርቡ ምዃኖም ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቅን ዝወሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ልምድታት ነድሪ ከሽዐ ፣መዓንጣን ፣ፀላም ከብድን ተሞክሮ ብምውህላል ኢትዮጵያን ሰብ ሞያ ድማ ብመስርሒ ኢንድስኮፒ ተጠቂሞም ስልጠና ከም ዝወሃቦም እቶም ፕሬዝዳንት ኣብሪሆም፡፡ ኣብቲ ካብ 28 ስነ ክሳዕ 2 ሓምለ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕቡራት ሃገራት ዝሳለጥ 8ይ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ሕክምና ነድሪ ከሽዐ ፣መዓንጣን ፀላም ከብዲን ዘጓንፉ ፀገማት ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ኮይኑ ልዕሊ 20 ሃገራትን 400 በቲ ዓውዲ ተሞክሮ ዘለዎም ተመራመርቲን ከም ዝሳተፉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እዚ ጉባኤ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ግብፅን ናይጀርያን ተኻይዱ ምንባሩ ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

21/10/2009

 ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ክሕዝ ኣብ ዝኽኣለሉ ብርኪ እንትበፅሕ ዝመደርሉ ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስተር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን፡፡

ሚኒስተር እቲ ሚኒስትር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ኣብ ኡጋንዳን ኢንቴቤ ብዛዕባ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ምኳኑ ገሊፆም እቲ ህንፀት ኣብ ሃገራት ግብፅን ሱዳንን ከብፅሓ ዝኽኣል ኣሉታዊ ፅዕንቶ መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ምክያዱ ኣዘኻኺሮም፡፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝበለፀ ምትእምማን ንምፍጣር እውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ብትካል ፈረንሳይ መፅናዕቲ ከካይድ ብዝበፅሓኦ ስምምዕ መሰረት ተወሳኺ መፅናዕቲ እናተኻየደ እዩ ኢሎም፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ማይ ኣብ ዝሕዘሉ ላዕለዋይ ብርኪ እንትበፅሕ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ሓንፂፃ ትንቀሳቀስ ኣላ ኢሎም፡፡ ህንፀቱ ድማ ን24 ሰዓታት ከይተቋረፀ ይሳለጥ ምህላው ንጉባኤተኛታት ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ባንኪ ኢንቨሰትመነት ኣውሮፖ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ፕሮግራም ፋይናንስ ክጅምር እዩ፡፡

እቲ ባንኪ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዘመላክቶ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገብሩ ምክትል ፕሬዝዳንት ባንኪ ኢንቨሰትመንት ኣውሮፖ ፒም ቫን ባሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላሚ ዝኾነ ፕሮግራም ፋይናንስ ዕላዊ ክገብሩ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እዚ ተዋዳዳራይ የብሉን ዝተበሃለ ፕሮግራም ሚኒስተር ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ፣ብፕሬዝደንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጌታሁን ናና ብተወካሊ ሕብረት ኣውሮፖ ኣምባሳደር ቻንታል ሄበርቸችን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ዕላዊ ክኾን፡፡ ብምክትል ፕሬዝደንት ፒምቫን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢንቨስትመንት ኣውሮፖ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፣ማሕበረሰብ ንግድን ሚኒስተር ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተን ክዝቲዩ እዮ፡፡ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፖ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ካብ 1976 ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚኢቲ ሚሊዮን ዩሮ ገንዘብ ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሓገዝ ገይሩ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ንምዕባይ ካርጎ ኣፍሪካ ኣብ ቶጎ ዝተበፅሓ ስምምዕነት ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ፀውዖም፡፡

ፕሬዝዳንት ሙላቱን ፕሬዝዳንት ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቬሸን ኦሉመይዋ ቤናርድ ኣሊዩ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም፡፡ ኣብቲ ዘተ እውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ፣ብ1999 ኣብ ኮንጎ ዝተገበረ ኣህጉራዊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዘፈር ሲቪል ኣቬሽን ኣፍሪካ ንምዕባይ ዝተበፅሓ ስምምዕነት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝግባእ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳነተ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቬሽን ኣሉመይዋ ቤናርድ ኣሊይ ብወገኖም ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኮነ ነፈርቲ ፅዕነት ኢትዮጵያ ኣብ ኮንጎ ሎሜ ዝተበፅሓ ስምምዕነት ተግባራዊ ንክኸውን ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊፆም፡፡ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ስርዓት ካርጎ ንክዝርጋሕ ብቀፃልነት ትካሎም ሓገዝ ከም ዝገብር ገሊፆም እዮም ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ንዘሳልጡ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡

እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ እስራኤልን ኣሜሪካን ግልጋሎት ሕክምና መጥባሕቲ እናሃበ ዝርከቡ ሴቭ ዘ ቸልድረን ሄርትን መንዲንግ ከድሽን ካብ ዝተበሃሉ ክልተ ትካላት ዝተውፃፅኡ እዮም ይብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡፡ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት መንግስቲ ሕሙማት ልቢ ንምሕጋዝ ዝጀመሮም ፃዕርታት ክብ ናብ ዝብላ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ሓገዝ ህንፀት ዓቕሚ ከም ዝገብሩ ገሊፆም፡፡ ብተወሳኺ እቶም ልኡኻት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ እስራኤል ኣብ ትምህርቲ ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ዘለው ሰብ ሞያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ህዝቦም ንምግልጋል ድልዋት ምዃኖም ንቀዳማይ ሚነስተር ኣረጋጊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ኢትዮጵውያን ሰብ ሞያ ግድብ ኣብ ታንዛንያ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስቴግላር ጆርጅ ፕሮጀክት ተግባራዊ ተሞክሮ ንምክፋል ሎሚ ታንዛንያ ክኣትዉ እዮም፡፡

ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ፕሬዝዳንት ታንዛንያ ጆን ማጉፋሊ ኢትዮጵውያን ሰብ ሞያ ግድብ ሎሚ ኣብ ዳሬ ሰላም ከም ዝኣትውን ኣብ ዙርያ እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ፕሮጀክት ምስ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ከምዝዝትዩ ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳንት ማጉፋሉ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መንግስት ማጎጎኒ ምስ ሰብ ሞያ ግድብ ታንዛንያ ኣብ ዝገብርዎ ስምምዕ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሩባ ሩጃ መፈልፈሊ ሓይሊ ግድብ ብቅልጡፍ ክህነፅ ድልየት ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡ ማጉፋሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝህነፁ ዓበይቲ ፕሮጀክታት 2ሽሕ 100 ሜጋ ዋት ከፈልፍሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ስቴይግላር ፕሮጀክት ሓደ እዩ፡፡ መንግስቲ ታንዛንያ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እዚ ፕሮጀክት ክውን ንምግባር እናሰርሓ ምኳኑ ፕሬዝዳንት ማጉፋሊ ገሊፆም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

20/10/2009

መሰረተ ልምዓት እዛ ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተጣየሻ 4ተ ትካላት ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ተገሊፁ፡፡

ካብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ሰኒቐን ፣ካብ ኤጀንሲ ደረጃታትን ምስምዕማዕ ምዘናን ኢትዮጵያ ፣ካብ ቤት ፅሕፈት ኣክሪዲቴሽንን ዝተውፃፅኡ ሓለፍቲ ኣብ ኢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ፅሬት ምህርትን ግልጋሎት ንምሕላው ተዋዲዶም ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ኣርባዕቲኦም ትካላት ቅድሚ ሕዚ በቢ ውልቆም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ሕዚ ግና ብሓባር ኮይኖም ዘጋጠሞም ፀገማት ብቀሊሉ ንምፍታሕ ከም ዘክኣሎም ገሊፆም፡፡ ቤት ፅሕፈት ኣክሪዲቴሽን ኢትዮጵያ ግልጋሎት ወሃብቲ ናውቲ ምፍታሽ ዘክእል ብፍቓድ ትካላት ድኣ እምበር ኣገዲዱ ክፍተሽ ከምዘይክእል ገሊፁ፣ ነዚ ፀገም መፍትሒ ይህብ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ደንቢ ኣብ ቐረባ ከምዝወፅእ ተገሊፁ፡፡ ንዘጋጠሞም ፀገም ውስንነት እታወታት ንሕፅረት በቲ ዘፈር ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ንምፍታሕ ካብ ባንኪ ዓለም 50 ሚሊዮን ዶላር ልቃሕ ከምዝተረኸበ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ገበነኛታት ንምልውዋጥ ዘኽእል ስምምዕነት ኣፅዲቓ፡፡

ኣብ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ ቻይና ቐሪቡ ዝፀደቐ እቲ ስምምዕነት ከልቲኤን ሃገራት ዝደለይኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝተሳተፉ ዜጋታት ኣሕሊፈን ክወሃሃባን ዘኽእለን እዩ፡፡ እቲ ስምምዕ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ግቡእ ዓይነታት፣ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝካኣሉ ዓይነታት ገበን ኣይንህብን ዝብላ ምክንያት ጉዳያት ክፍሊት ወፃኢ ዝኣምሰሉን ዝርዝር ጉዳያት ዘካተተ እዩ፡፡ ኢትዮጵያን ቻይናን ገበነኛታት ንምልውዋጥ ዘኽእለን ስምምዕነት ቅድሚ 3ተ ዓመታት ምኽታመን ይዝከር እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪን መስርሕን ዘይብሎም ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገር ሰሪሕካ ምዕባይን ምክባርን ከምዝካኣል ተረዲኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ፀዊዖም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ክብሪ ፣ነፃነትን ዕብየትን ኣብ ሃገር ምኳኑ ተረዲኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግባእ ኢሎም፡፡ ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼክ መሓመድ ኑር ሼክ ኣሕመድ ሸፊ፣ እቲ ቤት ምኸሪ ተመለስቲ ስደት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ንስራሕ ዘይብሎም ልዕሊ 450 ሽሕ ኢትዮጵውያን ዋላ እኳ እንተሃለው እቲ ኣዋጅ ካብ ዝኣወጁ ንነዘ ናብ ዓዶም ዝተመለሱ ግና ካብ 50 ሽሕ ኣይበልፅን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣባላት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሃገር ለኸ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ክልል ጋምቤላ የሳልጡ ኣብ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም፡፡

ኣባላት እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ምስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሰናይ ኢኩርን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ድሕሪ ምዝታዮም ዑደቶም ትማሊ ጀሚሮም እዮም፡፡ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ትካላት ጥዕና ፣ኢንቨስትመንት ካልኦት ዘፈራት ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዑደት ከካይዱ እዮም፡፡ ኣብ ዑደትን ኢህወዴግ ሓዊሱ 9ተ ሃገር ለኸ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ምስታፍ ይርከቡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

19/10/2009

መዓልቲ ፐብሊክ ሰርቪስን ንመበል 11 እዋን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን7ተ መዓልታት ኣብ ሃገርና ክኽበር እዩ፡፡

እቲ መዓልቲ ብስነ-ምግባር ዝተመስገነ ፐብሊክ ሰርቪስን ንህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር፡፡ ቤት ፅሕፈት ጉዳት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ነቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፣ፐብሊክ ሰርቪስ ንህዝቢ ብትሕትና ዘተኣናግድ ንሕቶ ህዝቢ ቅልጡፍ ፍትሓዊ ምላሽ ዝህብ፣ ኣሰራርሓ ግልፅነት ተሓታትነትን ዘለዎ ክኾን ይግባእ ኢሉ፡፡ ኣብ ሃገር ይምዝገብ ብዘሎ ዕብየት ልክዕ መነባብሮ ሲቪል ሰርቫንት ንምምሕያሽ ተጠቃምቲ እቲ ልምዓት ንምግባር ዝግበሩ ፃዕርታት እውን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ እቲ በዓል እንትኽበር ድማ ዛጊድ ዕውታት ዝኾኑ ኣፈፃፅማ ፐብሊክ ሰርቪስ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዘለው ጉድለታት ድማ ንኸማልኡ ቃል ብምእታው ክኾን ይግባእ ምባሉ ድማ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ጉዳያት ኣህጉር ኣፍሪካ ዘተ ዝካይድሎም እንትኾን ፣ምስ ህልው ኹነታት ዝተሓሓዝ ጉዳይ ፀጥታ ሶማልያን ፣ሊቢያን ኣጀንዳ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ እውን ትፅቢት ይግበር፡፡ ብመሰረት መርሃ ግብሪ ፅባሕን ድሕር ፅባሕን ቀወምቲ ተወከልቲ ኣባላት እቲ ሕብረት ኣኼባ ካካይድ እዩ፡፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ነቲ ጉባኤ ኣድላይ ኩሉ ቅድመ ምድላው ምግባሮም ገሊፆም እዮም፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ነበርቲ እቲ ከተማ ብዝተለመደ ምትእንጋድ ጋሻ፣ ተሳተፍቲ ክቕበሉ ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ወርቂ ኣብ ዝፈርየለን ሓሙሽተ ክልላት ሃገርና ናይ መጀመርታ ማእኸል ዕድጊት ከምዝህነፅ ሚኒስተር ማዕድን ነዳድን ሃፍትን ተፈጥሮ ጋዝን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስተር መተሓባበሪ ፍርያት ባህላዊ ማዕድንን ሓጋዚ ዳይሬክተርን ኣይተ ጂክሲ ኪዳኔ እቶም ማእኸላት ዕድጊት ዝህነፁ ኣብ ትግራይ ደቡብ፣ጋምቤላ ፣ቤንሻንጉልን ክልል ኦሮሚያ ምዃኖም ገሊፆም፡፡ መረፃ ቦታ እቶም ዝህነፁ ማእኸላት ዝተካየደ ኮይኑ መህነፂ በጀት እውን ከምዝተላቀቀን ህንፀት ዝጀመራ ክልላት እውን ከምዘለዎ እዮም እቶም ሓጋዚ ንዳይሬክተር ዝገለፁ፡፡ እቶም ማእኸላት ዕድጊት ምህናፆም ኣብ ምህርቲ ወርቂ እናተርኣየ ዘሎ ኮንትሮባንድ ንግዲ ንምንካይ ከምዝሕግዝ ኣይተ ጂክሳ ገሊፆም እዮም፡፡ መፍረይቲ ወርቂ እቶም ማእኸላት ብቀረበኦም ቀዳማይ ብርኪ ማእከላት ዕድጊት ምህላዎም እቲ ምህርቲ ናብ ሕጋዊ ዕዳጋ ንክኣትው ናይ ባዕሉ ብፅሒት ክህልዎ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣስተምህሮ ሕገ መንግስቲ ኣብ ሕብረተሰብ ንምስራፅ ስትራቴጂክዊ ሰነድ የዳሉ ምህላው ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ህዝብታት ተስማዕሚዖም ንዘፅደቕዎ ሕገ-መንግስቲ እኹል ግንዛበ ንኽህልዎም ንምግባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ከም ሓደ መድረኽ ክጥቀመሉ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀዋሚ ኮሚቴ ሓድነት ዲሞክራሲን ኣስተምህሮ ሕገ-መንግስቲ ህንፀት ሰላምን ከምዝገለፆ ኣብ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ካልኦት መንገድታትን ተጠቂምካ ሕብረተሰብ ንምምሃር ዝተኻየደ ርሕቐት ዘዕግብ ኣይኮነን፡፡ ብምዃኑ እውን ይብላ ፀሓፊት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረዝሄር ዜጋታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ፅቡቅ ዝበሃል ኣረኣእያ ንክህሉ ንኹሉ ዝሓቐፈ ሰነድ ኣስተምህሮ ሕገ-መንግስቲ እናዳለወ እዩ፡፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ሰነድ ተግባራዊ ንምግባር ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝለኣኸ አንትኸውን እቲ ቤት ምኽሪ ዝበፅሖ ኸይዲ ተራእዩ ናብ ስራሕ ክእቶ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

16/10/2009

በብ ዓመቱ 15 ሰነ ዝኽበር መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ፋሽስቲ ስረዓት ደርጊ ዘብፅሖ ጨፍጫፍ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ሓድሽ ወለዶ ተመሳሳሊ ታሪክ ንኽይድገም ቃል ዘሓድሰሉ ምዃኑ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም፡፡

እቲ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ተዘኪሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ደርጊ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ጎኒ ህወሓት ንክሓልፍ ጌሩ እዩ ምስበሉ ውድቀት ደርጊ ዘቃለጠፈ ምንባሩ እውን ገሊፆም እዮም፡፡ ዶክተር ደብረፅዮን ካብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ዜጋታቱ ኣብ ማዕርነትን ሓድነትን መሰረቱ ዝነበሩላ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝነግሰላ ምኳና ገሊፆም እዮም፡፡ እቲ መዓልቲ ሰማእታት ካብ ምዝካር ብተወሳኺ ዜጋታት ከምኡ ዝኣምሰሉ ስርዓት ንከይርኣን ኣብ ጎኒ ሕገ መንግስቲ ደው ንክብሉ ቃል ዘሕድሰሉን እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ምስፋን ሰላምን ምጥንኻር ልምዓትን እዚ ዞባ ሓቢረን ክሰርሓ ተስማዕሚዐን፡፡

እቲ ስምምዕ ንምዕባይ ዓቕሚ ኣዋሳን ክልቲኤን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ትኩረት ዝገበረ እዩ፡፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኬንያ ሄነሪ ርትች ብዕውት መልክዑ ምትግባር እቲ መርሃ ግብሪ ንክልቲኤን ሃገራት ዝርብሕን ፀገማት እዚ ዞባ ዝፈትሐን እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ፌደራልን ኣርባሕቲ እንስሳን ኣይተ ካሳ ተኽለብርሃን ብወገኖም ንምዕዋት እቲ መርሃ ግብሪ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም፡፡ ንመፈፀሚ እቲ መርሃ ግብሪ ሕብረት ኣውሮፖ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝኽፈል 7 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ሽሊንግ ልቃሕ ምፅዳቕ ንካፒታል ኤፍ ኤም ኬንያ ፀሪሑ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ካብ 20 ክሳብ 27 ሰነ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ መበል 29 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ነበርቲ ብዝፀንሓ ትውፊት ኣቀባብላ ጋሻ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ከተኣናግዱ ፀዊዖም፡፡ ብወገን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ፣ማይን መብራህትን ካልኦት መሰረታዊ ኣቅርቦታትን ንምምላእ ከምዝተዳለወ እንትግለፅ ፖሊስ እታ ከተማ ብወገኑ ብመዳይ ምንቅስቃስ ትራፊክ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ገሊፁ፡፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ መበል 28 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ምትእንጋዳ ኤፍቢሲ ኣዘኻኺሩ፡፡

 ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝምልከቶም 85 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ክሳብ ትማሊ ሰነድ ጉዕዞ ወሲዶም ኢሉ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡፡

ሓላፊ ሚኒስተር እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ 35 ሽሕ ኢትዮጵውያን ዓዶም ዝኣትው ኮይኖም ኣብ ዝተረፉ ሒደት መዓልታት ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪን ስራሕን ዘይብሎም ኢትዮጵውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፀዊዖም፡፡ ሱዑድ ዓረብ ዘውፅኣቶ ገደብ ግዘ 90 መዓልታት ክዛዘም 3 መዓልታት ዝተረፎ ኮይኑ ዝተረፉ ኣብተን ዝተረፋ መዓልታት ብቕልጡፍ ሰነድ ክወስዱ ፀውዖም፡፡ ኣብተን ዝተረፋ መዓልታት ካብ ነፈርቲ ብተወሳኺ ብሸነኽ ጅቡቲን ሱዳንን ብመርከብ ምጉዕዓዝ ከም ዝጀመረ ዝገለፁ ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ቁፅሪ ተመለስቲ እናወኸ እኳ እንተኸደ ብመንፅር ኣብታ ሃገር ይነብሩ እዮም ተባሂሎም ምስ ዝግመቱ ግን ውሑድ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ መግለፂኦም ጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ሃገርና ብቕርበት ትከታተሎ ከምዘላን መበል 29 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካድን ካብ ምግላፆም ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ዝተርኣየ ባርኖስ ኣሜሪካ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምክልካል ርብርብ ይካየድ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ኣብ ኡጋንዳ ኢንቴቤ ተሳሊጡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም እዮም፡፡ ኣብዚ ቅድሚ 4 መዓልታት ዝጀመረ ጉባኤ ኣብ ዙርያ ብርሰት ኣግራብ ምውሳኽ በዝሒ ህዝቢ፣ምስፍሕፋሕ ኢንድስትሪን ካልኦት ጉዳያትን ዝተዋፈሩ እዮም፡፡ አባል ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ምክልኻል ፀገማትን ሓበራዊ ተጠቃምነትን ኣብ ዘረጋፀሉ መንገድታት እውን ከም ዝዝትዩ ነቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ሚኒስተር መስኖን ኤሌክትሪክን ኤፍድሪ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም፡፡ ኣባል ሃገር ማዕቀፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ኣባይ ኣብ ፖርላማ ዘይፀደቁ ንክፀድቁ ሓሳብ ኣቅሪቦም እዮም፡፡ ቡርንዲ ፣ዲሞክራክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፣ግብፂ ፣ኢትዮጵያ ፣ኬንያ ፣ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቱንዝያን ኡጋንዳን ኣባላት ሃገራት ተፋሰስ እንትኾና ኤርትራ ብተዓዛብነት ተሳቲፋ እያ፣፣ ሃገራት ናይል እቲ ሩባ ፍትሓዊ ብዝኮነ መልክዑ ንምጥቃም ብተደጋጋሚ ዘተ ምክያዶም ዝፍለጥ እዩ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

14 /10/2009

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፕ ግራንድ ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡

እቲ ዘተ ብዋናነት ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብዘሎ ዘይምርግጋዕ ምክንያት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰደዱ ዜጋታት ዘላቒ ድጋፍ ክረኽቡ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ኣብ ዘክእሉ ጉዳያት ዘተኾረ እዩ ነይሩ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ንህንፀት ዘላቂ ሰላምን ዝተዋደደ ፃዕሪ ኩሎም ኣካላት የድሊ ኢሎም፡፡ ኮሚሽነር ፊሊፕ ግራንድ ብወገኖም ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትፃወት ዘላ ዝለዓለ ተራ ንኢዶም፡፡ ላዕለዋይ ኮሚሸን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከም ዝቅፅል ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኮምሽነር ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡፡

መዓልቲ ስደተኛታት እዚ ዓመት ጉኝየል ኣብ ዝተበሃለ መዕቀቢ ስደተኛታት ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ዝተረኸቡ ኮምሽነር ፊሊፕ ግራንድ ኢትዮጵያ ኣብ ፅዕፅዕ ሰራሕቲ ልምዓት ተፀሚዳ፣ ዋላ ድርቂ ኣጋጢምዋ ስደተኛታት ተቐቢላ ተተኣናግደሉ መንገዲ ግን ዘተባብዕ እዩ ኢሎም፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ትገብሮ ክንክን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣፍልጦ ክህብን ሓገዝ ክግበረላን ይግባእ ኢሎም፡፡ ፖሊስ ምትእንጋድ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ካብ ሰናይ ድሌት ህዝብን መንግስትን ዝነቅል ምዃኑ ብምግላፅ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውደብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዮም ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣሚር ክዌት ሺኽ ሳባህ ኣል ኣሕመድ ኣል ጀቤር ኣል ሳቤህ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ንዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምሕረት ሂቦም፡፡

እቲ ምሕረት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵውያን ምሕረት ክግበረሎም ንኣሚር እታ ሃገር ብዘቕረብዎ ዕላዊ ሕቶ እዩ ተዋሂቡ፡፡ ኣብ ኩዌት ዕላዊ ዑደት ዝገበሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ነቲ ውሳነ ብምንኣድ ብሽሞምን ብሽም መንግስቶምን ኣመስጊኖም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ኣሚር ኩዌት ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ኣፈላላይ ኳታርን ሃገራት ወሽመጥ ባሕርን ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክፍታሕ ፅኑዕ ድሌት ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምግላፅ ኩዌት ክልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ተበግሶ ንክዕወት ኢትዮጵያ እጃም ከምትዋፃእ ገሊፆምሎም፡፡ ኣሚር ኩዌት ሸኽ ሳቤህ ብወገኖም ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚራ መሓዛ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ኩዌት ምዃና ብምዝኽኻር ንመሪሕ ደገፍ ዝርርብ ሃገራት ወሽመጥን ኳታርን ዘርኣየቶ ተበግሶ ንኢዶም ይበል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

13 /10/2009

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ንፈለማ ኣብ ሃገርና ምኽባሩ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገርን ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቢላ ንዘዕቐበት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢላ ብዝግባእ ተተኣናግድ ከምዘላ ገሊፆም ብቐፃልነት ምስቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሓቢራ ከም እትሰርሕ ሓቢሮም፡፡ ካብ ሃገራት የመን፣ ኤርትራ ፣ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኩናት ጥምየትን ንምህዳም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁ ዶክተር ወርቅነህ ገሊፆም፡፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር እቲ ኮምሽን ፊሊፕ ግራንድ ብወገኖም ቁፅሪ ስደተኛታት እናዛየደ ምምፅኡ ስዒቡ ነቶም ስደተኛታት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምኽባሩ ንስደተኛታት ዘለቂ መፍትሒ ንምሃበን ሃገሮም ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ዝያዳ ንምጉላህ ከምዝሕግዝ እውን ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ ሃገርና ኣብ 2017 ዓመተ ፈረንጂ ቀዳማይ ማእኸል ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ንምዃን ንዝሓዘት ትልሚ መሰረት እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ኣይተ ሃይለማርያም ነዚ ዝበሉ ሎመዓንቲ ስራሕ ዝጀመረ ፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እዩ፡፡ ምዝሕሓል ኢንቨስትመንት ወፃኢ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝተርኣያሉ እዋን ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓድታት ዝለዓለ መጠን ኢንቨስትመንት ክትኣቱ ምኽኣላ እውን ገሊፆም፡፡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ፖርኪ ኢንድስትሪ ዝርከባ ትካላት እውን ዑደት ኣካይዶም፡፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ስራሕ ኢንድስትሪ ፖርክ ሃዋሳ ስራሕ ንዝጀመሩ ሰብ ሃፍቲ እውን ኣፍልጦ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ በቢ መዓልቱ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ እቶት ክረክቡ ትፅቢት ዝግበረሉ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ካብ ስደት ንዝምለሱ ዘለው ዜጋታት ንዘጋጥሞም ፀገም ንምፍታሕ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽብሎም ከምዝግባእ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣርሲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ፡፡

እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ኣብ ገጠር ከባቢታት ኣብ ዝነብሩ 1ሽሕን 99 ካብ ስደት ኣብ ዝተመለሳ ደቂ ኣንስትዮ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝበፅሖም ኣረዲኦም፡፡ መንቀሊ እቲ ፀገማት ድማ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝበፅሓን ስቃይን ምንግልታዕን ዝፈጠረለን ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶን ብምኽንያት ሕፅረት ቁጠባ ዝገጥም ዘሎ ስራሕ ስእነትን እዩ ኢሉ፡፡ መተሓባበሪ እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ምክትል ፕሬዝዳንት መፅናዕትን ግልጋሎት ማሕበረሰብን ዶክተር ቃሲም ካብ ስደት ዝምለሱ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናውን ፀገማት ጥዕናን ኣለዎም ኢሎም፡፡ ካብ 2006 ክሳብ 2009 ዓ/ም ካብ ስደት ኣብ ዝተመለሳ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተገበረ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ካብ ምኽሪ ስነ ልቦና ክሳብ ግዝያዊ ሓገዝ ስልጠና ተገይሩለን እዩ፡፡ ካብ ስደት ንዝተመለሱ ኣብ ዓድኻ ስራሕካ መነባብሮኻ ምልዋጥ ይካኣል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ምሓዞም መበገሲ ካፒታል ንዘይብለን 250 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 20 ማሕበራት ብምውዳብ ሓገዝ 200 ሽሕ ብር ተገርሩለን እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

12/10/2009

17ውድባት ፖለቲካ ካብ ሕጊ ፀረ ራዕዲ ክሳብ ኣዋጅ ታክሲ ንምዝርራብ ተስማዕሚዖም፡፡

እቶም ውድባት ሎመዓንቲ ኣብ ዘካየድዎ መበል 12 ዙር ምይይጥ ቅድሚ ድርድር ካብ ዝቐረቡ 13 ኣጀንዳታት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ዝብል ርእሲ ዝቐረቡ 6 ኣጀንዳታት ንምዝርራብ ተስማዕሚዖም፡፡ ንምድርዳር ካብ ዝተመረፁ ኣጀንዳታት ሕጊ ፀረ ራዕዲ ነፃነት፣ መረዳእታ፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣዋጅ ኣጣይሻ ገበርቲ ሰናይን ይርከብዎም፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ኢህወዴግ እቶም ኣዋጃት ክመሓየሹ ዝብል ቅዋም ከምዘይበሉ ብምግላፅ ኮይኑ ግን ተቓወምቲ ውዳባት ክመሓየሹ ይግበኦም ዝበልዎ ዓንቀፃት እንተቐሪቦም ክደራደር ቅሩብ ምዃኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ግንባር ኣይተ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም፡፡ 6 ውድባት ፖለቲካ ክንዘራረበሉ ይግባእ ኢሎም ዘቐረብዎ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኢህወዴግ እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ እቲ ኣዋጅ እናሃለወት ክደራደር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ገሊፁ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ኣብ ዝተኻየደ መበል 11 ዙር ምይይጥ ንሕጊ መረፃ ሓውሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምዝታዮም ይዝከር፡፡ ኢህወዴግ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 39 ዝቐረበ ረቂቕ ንዘራረበሉ ዝብል ረቂቅ ውድባት ኣብ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ንምድርዳር መሰል የብሎምን ኢሉ፡፡ ካሊእ እቶም ውድባት ኣለው ዝበልዎም እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ዓይነት እሱር ስለዘየለ ክደራደር ኣይክእልን ኢሉ ኢህወዴግ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ስምምዕነት ኢንቴቤ ዘይትስማዕምዕሎም ጉዳያት ንምፍታሕ ድሕሪ ፅባሕ ሮብዕ ኣብ ኡጋንዳ ክዝትዩ እዮም፡፡

ምከትል ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣሞዲ ሎዛ ኣብቲ ዘተ ካብ ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ብተወሳኺ ክድህሰሱ ኣብ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ጉዳት እተን ሃገራት ክለዓሉ እዮም ኢሎም፡፡ ኣብ 2010 ዓመተ ፈረንጂ ዕላዊ ዝኾነ ስምምዕነት ኢንቴቤ ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ ዘሎ ሃፍቲ ማይ ናይል ሓበራዊ መሰል ምምሕዳርን ምልማዕን ከምዘለወን የቕምጥ፡፡ ኣብቲ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ክህሉ ዝገብር እዩ ዝተበሃለ ስምምዕ ሃገራት ኢትዮጵያ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳን ቱንዝያን ፈሪመን እየን፡፡ ግብፅን ሱዳንን እቲ ስምምዕ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ፅዕንቶ ዝፈጥር እዩ ብምባል ኣይፈረማን ይበል ንሱዳን ትርቡን ዝፀርሐ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰደዱ ልዕሊ 54 ሽሕ ሰባት ተቐቢላ ኣዕቑባ ከምዘላ ተገሊፁ፡፡

ንምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲ ካብ ስደትን ሃገርና ፀሪሑ ኢቢሲ ከምዝፀብፀቦ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሃገራት ኤርትራ ፣ሶማሊያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኣተው 850 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቑባ ኣላ ኢሉ፡፡ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ካብተን ስደተኛታት ብምቕባል ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራት እያ ምባሉ እውን እቲ ምምሕዳር ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 መብዛሕቲኦም ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግር ካብ ዝተተሓዘ ፖሮጀክታት ልምዓት ሓይሊ ንፋስ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ክሰርሑ ትልሚ ከምዝተተሓዘ ሚኒስተር ማይን መስኖን ኤሌክትሪክሲትን ገሊፁ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር መፅናዕትን ልምዓትን ኢነርጂ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ሳህለ ታምሩ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ዘፈር ተሳትፎ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ከምዘየለ ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ መንግስቲ ዴንማርክ ብዝተረኸበ ሓገዝ ምድላው ሰነዳት ኣሰራርሓ ጨረታ ፣ ስምምዕ መሸጣ ሓይሊ ፣ውሕስና ማዕቀፍ ሕጊን ምንፃር ብውልቀ ዘፈር ዝለምዑ ፕሮጀክታትን ተኻይዱ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓይሊ ንፋስ 324 እዋን ካብ ሓይሊ ንፋስ 324 ሜጋ ዋት ፍልፍል ሓይሊ ተረኺቡ ከምዘሎ ንኣይተ ሳህሉ ፀሪሑ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 8ይ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ወረዳ ሓውዜን ነታ ማሕበር ንዝቕፅሉ 3ተ ዓመታት ካብ ዝመርሑ ኣሰራርሓን ኣካላት ቁፅፅር ኮሚቴን ምምራፁ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ን2 መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ 5ተ ዓመታት ኣብታ ወረዳ በታ ማሕበር ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ምትእትታው ሓደሽቲ እታዎታት ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝሓሸ ስራሕቲ ምስርሖም ይግለፅ፡፡ ይኹን እምበር ምስ ጉጅለታት ልምዓት ተኣሲርካ ዘይምስራሕ ብኽነት እኽሊ ማይ ዘይምዕጋትን ጠንቂ ሰነይ ምምሕዳራት ካብ ፍልፍሎም ዘይምድራቕን ገና ዘይተሰገሩ ፀገማት ሓረስቶት እታ ወረዳ እዮም፡፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣባላት እታ ማሕበር ንዝቕፅል 5ተ ዓመታት ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ዕማማት ንምዕዋትን ቃል ብምእታው ምጥቕላል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተኽለማርያም ተካ ፀብፂቡ፡፡

09/10/2009

ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማልያ ተጠቃምነት ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝግበሩ ዘለው ምንቅስቃሳት ብመርኣያይነት ዝፅራሑ ምኳኖም ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣባላት ኮከስ ደቂ አንስትዮ ገሊፀን፡፡

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ በቢ ብርኪ ዝርከቡ ኣብያተ ምኽሪን ኣፈፀምቲ ኣካላትን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎን ተሳትፎ ዝገምገሙ እንትኾኑ ኣብቲ ክልል ይበፅሕ ዝነበረ ብዝበዛ ጉልበት ደቂ ኣንስትዮ ንምትራፍ ምንቅስቃስ ይግበር ከምዘሎ ገምጊሞም፡፡ በዚ እውን ኣብቲ ክልል ዝተቓልዑ ስራሕ ዝበረታታዕ ምኳኑ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ገሊፆም እዮም፡፡ ኣብቲ ክልል ንድርቂ ኣብ ዝተሳጥሑ ከባብታት ድርቂ ንምፅዋር ዘኽእል ቀለብ እንስሳ ኣብ ምልማዕ ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ብምንፃር ተጠቃምነትን ምርግጋፅ ዝሓሸ ረብሓ ከምዝህልዎ ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብቲ ክልል ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቃስ ዝበረታታዕ ምኳኑን እዚ መርኣያ ዝኾነ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ፃውዒት ኣቅሪበን እየን ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ጅቡቲ ፣ኢትዮጵያ መመሓላፊ ናብ ዝተፈላለዩ ሃራት ትልእኽ ምህርቲ ፖታሽ ዝኸውን ወዲብ ሃኒፃ፡፡

እቲ ወደብ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ታጅራ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዝተሃነፀ እንትኾን ፣ብዋናነት ኢትዮጵያ ንወፃኢ ንዝትልእኾ ምህርቲ ፖታሽ ከም መተሓላለፊ ዘገልግል እዩ፡፡ ብ90 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተሃነፀ እቲ ወደብ ኣብ ብዓመት 4 ሚሊዮን ቶን ናብ ወፃኢ ዝለኣኽ ፖታሽ ንምምሕልላፍ ዓቅሚ ኣለዎ፡፡ እቲ ወደብ ጅቡቲ ትሃንፆም ካብ ዘላ 4ተ ሓደሽቲ ወደባት 2ይ እንትኸውን ፣ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ትካላት ወፃኢ ኣብ ዝርከቡለን ክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ቐረባ ርሕቐት ዝርከብ እዩ፡፡ ጅቡቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኩለ መዳያዊ ግልጋሎት ዝህብ ወደብ ዶራሌህ ዘለዎ እንትኾን ፣ን100 ሽሕ ዘመናዊ ዱኺዒ መሰሰኒ ምህርቲ ን100 ሽሕ ጥረ ምረን ዝክዝኑ ቦታታት ኣለውዎ፡፡ ኢትዮጵያ 95 ሚኢታዊ ንግድ ወፃኢ ብወደብ ጅቡቲ ኣቢላ ተሳልጥ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብብር 50 ሚሊዮን ዝተሃነፁ ትካላት ማይ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም፡፡

ኣብ ትግራይ ዞባ ደቡብ ተካኢ ሓላፊ ማይ፣ ማኣድንን ኢነርጂን ኣይተ ተሾመ ደበሳይ ኣብ መዛዘሚ እዚ በጀት ዓመት ብብር 50 ሚሊዮን ወፃኢ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝተጀመሩ ትካላት ማይ ማእኸል 60 ሚኢታዊ ህንፀት ተዛዚሙ ንግልጋሎት በቂዖም እዮም ኢሎም፡፡ ፅሩይ ዝስተ ማይ ግልጋሎት ኣብ ዘይተበፅሓለን ገጠር ጣብያታት ብዝተቀመጠሎም ግዘ ገደብ ተሃኒፆም ንግልጋሎት ካብ ዝበቅዑ ማእከል እቶም 36 መጎልበቲ ፍልፍላት እንትኾን እቶም ዝተረፉ ላዕለዋይን ማእኸላይን ዓሚቅ ጎዳጉዳት ማይ እዮም፡፡ ኣብተን ህንፀት ዝተካየደለን ገጠር ወረዳታትን ቀበሌታትን ልዕሊ 42 ሽሕ ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኮይኖም እዮም፡፡ በቶም ህንፀታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ግልጋሎት ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ እታ ዞባ ካብ ዝነበሮ 60 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ናብ 70 ነጥቢ 60 ሚኢታዊ ሓፍ ክብል ኪኢሉ እዩ፡፡ ብኣንፃሩ ኣብ ቀበሌታት ዝተጀመሩ 65 ፕሮጀክታት ብምክንያት ከይዲ ጨረታን ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝዋፃእ 15 ሚኢታዊ ወፃኢ ምጉታት ምክንያት ህንፀቶም ከምዝተጓተተን እዚ ፀገም ብምፍታሕ እቶም ህንፀታት ማይ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ብምዝዛም ንግልጋሎት ንምብቃዕ እናተሰርሓ ምኳኑ ኣይተ ተሾመ ደበሳይ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

08/10/2009

ኣብ ዝቕፅል ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሃገርና ዝህሉ ኩነታት ኣየር ንሕርሻ ኣዝመራ ዝለዓለ ጥቕሚ ከምዝህልዎ ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜትሮሎጂ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ካብ ሰነ 4 ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ዝህሉ ኩነታት ኣየር ኣመልኪቱ ካብ ዘውፅኦ መግለፂ ደቡብ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይ ክፍልታት ሃገርና ዝናብ ክህሉ ዝኽእለሉ ኩነታት እናተጠናኸረ ክኸድ እዩ ኢሉ፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብን ምብራቕ ወለጋ ሓውሲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብን ምብራቕ ጎጃምን ሰሜን ጎንደር ፣ከባቢታት ባህርዳር ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣዲስ ኣበባ ዝናብ ክረኽባ እየን፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባታት ምዕራብ ማእኸላይን ክልላትጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝን መብዛሕቲኡ ክፋላት ብተመሳሳሊ ስሩዕ ዝናብ ከምዝረኽባ ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ዝናብ ዕብየቶም ንዘይዛዘሙ ናይ ሓፂር ግዘ ፍርያታት እዋን ቀውዒ ፅቡቕ ዝበሃል ጥቅሚ ስለዝህልዎ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ ምንቅስቃስ ሰፊሕ ምርብራብ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቅሪቦም እዮም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ልዕልነት ሕግን ሰናይ ምምሕዳርን ንምዕሳል ዝሕግዝን ግልጋሎት ነፃ ድጋፍ ሕጊ ንምሃብ ዘክእለን ማዕቆፍ ሕጊ ተዳልዩ፡፡

ሃገርና ካብ መንጎ ዝተቐበለቶም ዓለም ለኸ ሕግታት ዜጋታት ተጠቀምቲ ስርዓት ፍትሒ ንክኾኑ ዝተደንገጉ ሕግታት ዘጠቃልልሉ ሕጊታት ይርከብዎም፡፡ ነዚ መበገሲ ብምግባር ድማ ብዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ማእከላት ሕግን ዓቅሚ ንዘይብሎም ዜጋታት ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ይወሃብ እዩ፡፡ እዚ ክሳብ ሕዚ ብዝተበታተነ መልክዑ ክወሃብ ዝፀንሓ ግልጋሎት ናፃ ድጋፍ ሕጊ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተወደበ መንገዲ ንክስራሕ ዘክእል ስትራቴጂ ማዕቆፍ ሕጊ ከምዝተዘርግሓ ኣማካሪ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ደሳለኝ መንግስቴ ይዛረቡ፡፡ ግልጋሎት ናፃ ድጋፍ ሕጊ ንምርካብ ዝመፁ ዜጋታት ኣብ ቤት ፍርዲ ፋይል ንምክፋት ፣ንምጉዕዓዝን ካልኦት ምምሕዳራዊ ወፃእታት ንምሽፋን እኳ ዓቅሚ ዘይብሎም ብምኳኖም ጠበቓታት ንዝህብዎ ናፃ ግልጋሎት ዕንቅፋት ይኮኖም ከምዝነበረን ኣብ ዝመፅእ በጀት ዓመት ናብ ስራሕ ዝኣቱ እዚ ማዕቆፍ ሕጊ ግና እዞም ምምሕዳራዊ ወፃእታት ብመንግስቲ ክሽፈኑ ዝግበር ብምኳኑ ነቲ ዝነበረ ፀገም ከምዘቃልል ኣይተ ደሳለኝ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን ስራሕን ዘይብሎም ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮውያን ካብታ ሃገር ንክወፁ ኣብ ዝተቐመጠ ግዘ ገደብ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዛጊድ 82 ሽሕ ን343 ኢትዮጵያውያን ተመዝጊቦም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ለመዓንቲ ጥራሕ 1ሽሕን 400 ኢትዮጵውያን ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ኣፍሊጡ፡፡ ሜድሮክ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ግሩፕ ንተመለስቲ ስዑድ ዓረብ ሓገዝ 10 ሚሊዮን ብር ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ትካል ኣብ ዩንቨርስቲ ዩኒቲ ንሓደ ሚኢቲ ተመለስቲ ዜጋታት ናፃ ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ ንሓደ ሚኢቲ ህፃናት ድማ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሸሙናይ ክፍሊ ብናፃ ንምምሃር ቃል ኣትዩ እዩ፡፡ ንሓደ ሚኢቲ ሰባት ድማ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝፈቀደ እዩ መግለፂ እቲ ሚኒስተር ዘመላኽት፡፡ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት 13 ሰነ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከምዝኽበር እውን ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 850 ሽሕ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ዝርከቡ እንትኾን እዚ በዓል ዝኽበር ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ንእትገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ንምሃብ ምኳኑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ኣብ ልዕሊ 400 ሄክታር መሬት ንሓምለዋይ ከባቢ ዝስማዕማዕ ሃገር ቦቀል ኣግራብ ኣብ ምስፍሕፋሕ ከም ዝርከብ ማእከል ኣግራብ ጉለሌ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮምኒኬሽን እቲ ማእከል ኣይተ ያሬድ ጌታሁን ከምዝገለፅዎ እዚ ማእከል ኣብ 705 ሄክታር መሬት ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ዘጣየሽዎ እዩ፡፡ ኣብዚ ውሽጢ ድማ ኣብ ልዕሊ 400 ሄክታር መሬት ሃገር ቦቆል ዝራእቲ ኣግራብ ንምስፍሕፋሕ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኢትዮያ ብዓይነት ፈላማይ ዝኾነ እዚ ማእከል ኢኮኖሚያዊ ረብሓኦም ዝለዓለ ዝኮኑ ሃገር ቦቆል ኣግራብ ናይ ምሕላው ምክንካንን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ብምስላጥ ንትውልዲ ንክምሓላፍ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ እዚ ማእከል ኣብ 2002 ዓ/ም እንትጣየሽ ኣስታት 240 ሃገር ቦቆል ኣግራብ ኣብ ውሽጡ ሒዙ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዝተካየደ ምትእስሳር ኣግራብ ዛጊድ 700 ሃገር ቦቆል ኣግራብ ኣብቲ ማእከል ይርከብ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

07/10/2009

ዓለም ለኸ መዓልቲ ለገስቲ ደም ኣብ ሃገርና ይኽበር ኣሎ፡፡

‘’እንታይ ክገብሩ ይደልዩ? ደም ምልጋስ ሕዚ ይለግሱ ኩሉ ግዘ ለጋሲ ደም ይኹኑ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ሎመዓንቲ 7 ሰነ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ መዓልቲ ለገስቲ ደም ምኽባር ተጀመሩ ኣሎ፡፡ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክሳብ 5 ጳጉሜን 2009 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ምኽባሩ ከምዝቕፅል ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ደም ኢትዮጵያ ዶክተር ሃብተማርያም ደምወዝ ገሊፆም፡፡ ንመበል 14 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ለገስቲ ደም ብኣጋጣሚ ዝተጎድኡ ተሓከምቲ ቅድሚ ምሟቶም ነድሕን ዝብል ዕላማ ሒዙ ከም ዝኽበር እውን ገሊፆም፡፡ ድልየት ደም ኢትዮጵያ ንምምላእ ልዕሊ 250 ሽሕ ለገስቲ ደም ዘድልዩ ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን 10 ሽሕ ስሩዓት ለገስቲ ደም ከምዝርከቡ ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብ 9 ኣዋርሕ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 200 ሽሕ ዩኒትደም ክረክብ እዩ ተባሂሉ ተተሊሙ ዝነበረ እንትኸውን እቲ 134 ሽሕ ዩኒት ደም ምእካብ ካብ ትልሚ 88 ሚኢታዊ ምፍፃሙ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም እዮም፡፡ ባንኪ ደም ኢትዮጵያ ባህሊ ምልጋስ ደም ንምዕባይ ብዝተፈላለየ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምልላይ ብዝተፈላለየ ፕሮግራማት ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ንምክልኻል ካንሰር በሪ ማህፀን ደቂ ኣንስትዮ ቅድመ ምርመራ ካንሰር ክግበር ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዙርያ ቅድመ ምርመራ ካንሰር በሪ ማህፀን ግልጋሎት ሕክምናን ምሕካም ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ዝተውፃፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ተዛራሪቡ፡፡ ኣብ ዘውዲቱ ሆስፒታል በዓል ሞያ ምርመራ ክፍሊ ካንሰር በሪ ማህፀን ሲስተር ፅጌ ተኸስተ እቲ ሕማም ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ምኳኑ ገሊፀን ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ትካላት ሕክምና ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ብምኳኑ ነቲ ሕማም ምስፍሕፋሕ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ድሕሪ ምባል ቅድመ ምርመራ እቲ ሕማም ብምግባርን ክትባት ብምውሳድን እቲ ሕማም ምክልካል ከምዝካኣል ገሊፀን፡፡ ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ሓደሽቲ ዝመፁ ልምድታት ፣መናእሰይ ንዘይተደለዩ ወልፊ ተገዛእቲ ምኳኖም ድሕሪ ምግላፅ እዚ እውን እቲ ሕማም ምብእኣስ ምኽንያት ስለዝኾነ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጥቡቕ ቁፅፅር ክግበር ከምዝግባእ ገሊፆም፣ ከምዚኦም ዓይነታት መድረኻት ክጠናኸሩ ከምዝግባእ እውን ተላብዮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 1 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ንሕማም ካንሰር በሪ ማህፀን ዝተቓልዓ እንትኾና 80 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብራ እየን እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ዞባ ዳውሮ ቤት ህንፀት ተሪጫ ዝርከቡ ተሃነፅቲ ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ቦንድ ዓዲጎም፡፡

እቶም ተሃነፅቲ ዕድጊት ቦንድ ዝፍፀሙ ዋንጫ ግድብ ህዳሰ ኢትዮያ ኣብ ከተማ ተርጫ ምብፅሑ ምኽንያት ብምግባር እዩ፡፡ ሓላፊ እቲ ቤት ህንፀት ዋና ኢንስፔክተር መንግስቱ ኩማሎ እቶም ተሃነፅቲ ካብ ቀለቦም ብምንካይ እንትኸውን ኣብቲ ቤት ህንፀት ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ስራሕ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እውን ዕድጊት ቦንድ ፈፂሞም እዮም፡፡ እቶም ተሃነፅቲ ብዕድጊት ቦንድ ብተወሳኺ ካብ ውፅኢት ስራሕቲ ኢደ ጥበብ ብመልክዕ ውህብቶ ኣበርኪቶም እዮም፡፡ እቶም ተሃነፅቲ እቲ ግድብ ክሳብ ዝዛዘም ዓቅሞም ዝፈቐዶ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቁልጡፍን ፍትሓውን ተበፃሕነት ሓበሬታ ንምርግጋፅ ዓቅሚ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ንምጥንካር ብተኸታታሊ ከም ዝስራሕ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዝርከቡ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ስልጠና መዕበይ ዓቅቢ ይወሃቦም ኣሎ፡፡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ህንፀት ምስልን ርክብ ህዝብን እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ኣብድራህማን ናስር ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ስልጠና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቅልጡፍን እዋናውን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ንምግባር ዓቕሚ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ምጥንኻር ወሳኒ እዩ ኢለን፡፡ ኣብ ሃገርና ተጀሚሩ ንዘሎ ልምዓት ፣ሰናይ ምምሕዳርን ስርዓት ዲሞክራሲን ንምጥንካር ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ዘለዎም እጃም ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

06/10/2009

ኣብ ክልላት ጠንቂ መበገሲ ጎንፂ ዝኾነ ምሕደራዊ ምሕንፃፅ ውስን ብቅልጡፍ ክፍፀም ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣርባሕቲ እንስሳት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ንሚኒስተር ጉዳያት ኣርባሕቲ እንስሳትን ፌዴራልን ኣብ ባጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ኣፈፃፅማ ስራሕ 10 ኣዋርሕ ኣብ ዝገምገመሉ ኣብ ነባር ማእከላት ኣርባሕቲ እንስሳታት ንግልጋሎት ዘይበቅዑ መሰረተ ልምዓታት ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ ኩነታት ክፍጠር ተላብዩ፡፡ ፀብፃብ በጀት ዓመት 2009 እቲ ሚኒስተር ዘቕረቡ ሚኒስተር ኣይተ ካሳ ተክለብርሃን ኣብ በጀት ዓመት 27 ሽሕን 162 ኣርባሕቲ እንስሳት ብቁሸት ንምትእኽኻብ ተተሊሙ ዝነበረ ህንፀት መሰረተ ልምዓት 210 ህንፃታት መሰረተ ልምዓት ከም ዝተዛዘሙ ገሊፆም፡፡ ኣብ ገለ ከባብታት ሕቶታት ምህንፃፅ ወሰን ናብ ጎንፂ ከም ዘምርሑ ዝገለፁ ሚኒስተር ካሳ ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብሓባር ብምውዳድ ፀገም ክፍታሕ ምኽኣሉ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ንምቁፅፃር ዘጋጠመ ድርቂ ብሓባር ምስራሕ ከም ዘድሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ናይ ሶማልያ መዘነኦም ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ምብራቅ ኣፍሪካን ዘጋጠመ ድርቂን ንምክልካል ብሓባር ንምስራሕ ኣድሂቦም ዘትዮም፡፡ ኣይተ ሃይለማርያም ኣብተን ዓውደ ሕርሻ ኢትዮጵያ ዘላ ዕማም ሶማልያ ከም ተሞክሮ ክትጥቀመሉ ከም ዝግባእ ድሕሪ ምጥቃስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እውን ሶማልያ ከም መርኣያ ክትወስዶ ከም ትኽእል ሓቢሮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሓሰን ዓሊ ብወገኖም ኢትዮጵያ ንህዝብን መንግስትን እታ ሃገር ትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምንኣድ ብቀፃሊ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ዝኣምሰሉ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንኣመራርሓን ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ በጀት ኦዲትን ኣብያተ ምኽሪ ከተማታት ወረዳታትን መዕበይ ዓቅሚ ስልጠና ሂቡ፡፡

ኣብ ሓደሽቲ ኣዋጃት፣ ኣታዊ ግብርን ምሕደራ ግብርን፣ ኣዋጅ ኤስዛይዝን ቀረፅን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን፣ ኣተኣላልያ ቅሬታ ሪፎርምታት ግብሪን መሰረተ ዝገበረ ንኣባላት ኣመራርሓ ቀዋሚ ኮሚቴን በጀትን ኦዲትን ኣብያተ ምኽሪ ከተማታት ስልጠናን ግልጋሎት ዓማዊልን ብዓል መዚ እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ በላይ ገብረወልድ ተዛሪቦም፡፡ ኣይተ በላይ ቁጠባዊ ዓቅሚ እቶት ንምዕባይ ዝምጥንን ዝድግፍን ሰርዓት ምሕደራ ግብርን ድልድልን ምምሕያሽን ወሳኒ ብምዃኑ ብደረጃ ሃገር ዝተመሓየሹ ኣዋጃት ግብርን ምሕደራ ግብርን ኣብ ሓምለ 2008 ረቂቅ ናብ ትግበራ ከም ዝተኣትወ ኣፍሊጡ፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብወገኖም ነባራትን ሓደስቲ ኣዋጅትን ዘመሳሰልዎምን ፍልልያቶምን መሰረት ዝገበረ ዝተወሃበ ስልጠና ምዕባይ ዓቅሚ ዝሓሸ ግልጋሎት ክንህበላ ትግበራ ክንኣቱን ይሕግዘና እዩ ምባሎም ላዕለዋይ ክኢላ ርክብ ብዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሃይለኪሮስ ሓቢሩ፡፡

05/10/2009

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳኝ ምስ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር መሓመድ ቢን ኣብድራህማን ኣልተን ካብ ቤት ፅሕፈቶም ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስተር ድኤታ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኳታር ኣሚር ሼህ ታሚም ቢኒ ዝተልኣኸሎም መልእኽቲ ኣረኪቦም እዮም፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌዴሪ ኣብ መንጎ ኳታርን ሃገራት ወሽመጥ ባሕሪ ዝተፈጠረ ዘይምቅድዳው ብድፕሎማሲያዊነት መንገዲ ንኽፍታሕ ድጋፍ ከም ትገብር ዝገለፀ እንትኸውን ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኩዌት ዝጀመርዎ ዲፕሎማሲያዊ ፀዓሪ ከምትድግፍ ገሊፁ እዩ፡፡ ኣሚር ኳታር ሸክ ታሚም ቢኒሃመድ ኣልታኒም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ ኣብዚ እዋን እውን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ንግዲ ፣ኢኮኖሚ ጉዳያት ድሕንነት ሓበራዊ ስምምዕነት ዊዒለን እየን፡፡ ኢትዮጵያ ምስ ኳታር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ስምምዕነት ዝጀመረት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ብ1995 እንትኸውን ድሕሪ ግዘ ግን ካብ መራኸቢ ሓፋሽ ኳታር ሓደ ዝኾነ ኣልጀዚራ ብቀጥታን ብተዛዋርን ምስ ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ርክብ ኣለዎ ዝብል ሓበሬታ ዕላዊ ብምግባሩ ኣብ 2008 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ርክበን ተቋሪፁ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ኣሚር ኳታር ሼህ ሃማድ ቢን ካሊፍ ኣልታኒ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጰያ ብዝገበርዎ ዕላዊ ዑድት እዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ደጊመን ርክብ ንክምስርታ መንገዲ ኮይንወን እዩ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝለዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ቀፃሊ ዓመት ጀሚሩ ጂ.ፒ.ኤስ ክግጠም ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ኮምኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ንግልጋሎት መጓዓዓዝያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣይተ ሰለሞን ኣምባቸው ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት መጓዝያ ሰራሕተኛታት ብርክት ዝበሉ መረረታት ከም ዝቐርቡ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣሰራርሓ ተሽከርከርቲ ተጠቀምቲ ከም ፀገም ዘልዕልዎም ሓሳባት ከም መበገሲ ብምግባር ስጉምትታት ዲስፕሊንን ትምህርቲ ካብ ምሃብ ብዝዘለለ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝተመቻቸወ ኣሰራርሓ ዘይምህላው ተገሊፁ እዩ፡፡ ነዚ እውን እቲ ትካል ምስ ኣሽከርከርቲ ተተሓሒዞም ምትላል ተግባት መፍትሒ ክኸውን እዩ ዝበሎ ዝሓሸ ስርዓት መጓዓዝያ ኣይ.ቲ.ኤስ ንምትግባር ከስርሕ ዝፀንሓ እንትኸውን ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ይርከብ ኢሎም፡፡ እቲ ስርዓት ቴክኖሎጂ ጂ.ፒ.ኤስ መንበቢ ማሽናት ኣብዘን ተሽከርከርቲ ብምጥቃም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝርኣ ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕን ምንቅስቃስ እተን ኣውቶብሳት ንምቁፅፃር ዘኽእል እዩ፡፡ ሓላፊት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እቲ ትካል ወይዘሮ ፅጌረዳ ፍቅሩ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ስራሕ ንምእታው 410 ኣውቶብሳት ኣብ ፈለማ ምዕራፍ 200 ኣውቶብሳት ድማ ናይ ፈተነ ግልጋሎት ንክህባ ምድላወን ገሊፀን፡፡ ግልጋሎት ፐብሊክ ሰርቢስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብ410 ኣውቶብሳት ግልጋሎት ትራንስፖርት እናሃበ ዘሎ እንትኸውን ኣብ መዓልቲ ካብ 75 ሽሕ ንላዕሊ ሰራሕተኛታት ኣብ ምጉዕዓዝ ይርከብ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፎ ቀራንዮ ብልሙድ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዝበፅሓ ሓደ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኤፍሬም ግዛው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ 7 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዝዋግኡ ምግቢ፣ መስተ፣ ክዳውንትን ናይ ገዛ ኣቅሑትን ሕብረተሰብ ድጋፍ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ሕጋዊ ትሕዝቶ ንዝነበሮም 13 ሰባት መሬትን ገንዘብን ከምዝተወሃቦም ገሊፆም ፣ኣብቲ ከባቢ ተካርዮም ይነብሩ ካብ መንጎ ዝነብሩ 54 ውልቀ ሰባት ነቶም 35 10/90 ኮንደሚኒየም መንበርን ድጋፍ ዝተገበረሎም እንትኾኑ ነቶም ዝተረፉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ዝግበረሎም ድጋፍ ከም ዝተጓተተ ገሊፆም፡፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብላስቲክን ጭቃን መንበሪ ሰሪሖም ይነብሩ ካብ ንዝነብሩ 102 ውልቀ ሰባት መንጎ ድማ ንነቶም 76 መንበሪ ገዛን ሓገዝ ገንዘብን ከምዝተገበረሎም ኣይተ ኤፍሬም ገሊፆም፡፡ ንዝተረፉ 23 ውልቀ ሰባት ድማ ኣድላይ መረዳእታ ኣማሊኦም ክመፁ ዝተኣዘዙ እንትኾኑ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዘይነበሩ ብዝተገበረ ምፅራይ ንምፍላጥ ተካኢሉ እዩ፡፡ ብቀፃሊ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ንሓደጋ ተቀላዕቲ ዝኮኑ ውልቀ ሰባት ናብ ካሊእ ቦታ ንምዝውዋር ከብ ስግኣት ሓደጋ ናፃ ዝኮነ ህይወት ክመርሑ ምግባር ቀንዲ ተግባር እቲ ምምሕዳር ምዃኑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ብምኽንያት ዘይምምጥጣን ስርዓት ምግቢ ዝመፅእ ፀገም ድኽድኸ ህፃናት ብዘላቅነት ንምቅራፍ ዝስራሕ ፕሮጀክት ተግባራዊ ምዃን ከም ዝጀመረ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዶላር በጀት ኣብ ዝተመደበሉ መርሃ ግብሪ 13 ትካላት ተዋዲዶም ንምስራሕ ዘክእል ስምምዕነት ሰቆጣ ከምዝተፈራረሙ መተሓባበሪ ስርዓት ምግቢ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ቢራራ መለስ ገሊፆም፡፡ ክሳብ 2022 ዓ/ም ዝፀንሕ ስምምዕነት ሰቆጣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንመርኣያነት ኣብ ዝተመረፀ 29 ወረዳታት 4 ሚሊዮን ዜጋታት ብምጥቅላል ዝስራሕ እዩ፡፡ ዕድሚኦም ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝኮኑ ህፃናት ነቲ ፀገም ከይቃልዑ ንምክልካል ፣ቐረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ምገባ ኣብያ ትምህርትን ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ካብ ዘለው መደባት እቶም ቀንዲ እዮም፡፡ ንቀዳማይ ዙር ፕሮግራም ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ በጀት ተመዲቡ ቅድመ ምድላዋት ይሰርሑ ከምዘለው እቲ ሚኒሰተር ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ 38 ሚኢታዊ ህፃናት ፀገም ድኽዳኸ ከምዘጋጥም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተካየድ መፅናዕቲ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

01/10/2009

ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕን ናብ ኣመራርሓ ንምምፃእን ዘካየድኦ ስራሕቲ ክንድቲ ዝድለ ዘይምካኖም ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ሀዝቢ ኣፍሊጡ፡፡

ቆዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዩን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዘፈር ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለያ ሚኒስቴራት ቤት ፅሕፈታት ገሊፆም፡፡ እቶም ትካላት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓ ንምምፃእ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ትምህርትን ካልኦት ዓቅሚ መዕበይ ስራሕትን ክንዲ እቲ ዝድለ ከምዘይስራሕ ተገሊፁ፡፡ ኣካቢት እቲ ቆዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ እምዮ ቢተው ዓቅሚ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ሓፀርትን ነዋሕይን ዕድላት ትምህርቲ ብምምችቻው ብቅዓት ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓ ኣብ ምምፃእ ትኹረት ተዋሂብሉ ክስራሕ ይግባእ ኢለን፡፡ ሓለፍቲ እተን ትካላት ድማ እቲ ቆዋሚ ኮሚቴ ዘልዓሎ ም ክፍተታት ከም እታወትነት ብምውሳድ ንደቂ ኣንስትዮ ዓቅሚ መዕበይ ስልጠናታት ካብ ምሃብ ብዝሓለፈ ብጭቡጥ ናብ ኣመራርሓ ከዕብዩ ንምግባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኣካዳሚ ማሪተይም ኢትዮጵያ ዘሰልጠኖም 59 መርከበኛታት ኣመሪቑ፡፡

ምክትል ፕሬዝዳንት ኮሚኒኬሽን ኢንፎርሜሽን ስትራቴጂ እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ፍቅረሰላም ጋረድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ እቲ ትካል ኣብ ሃገርና ብኤሌክትሮኒክ መካኒካል ምህንድስና መርከብ ተምሃሮ ኣሰልጢኑን ንምምራቕ ብሕታዊ እዩ ኢሎም፡፡ ተመረቕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት መርከብ ተቆፂሮም ንምስራሕ ዘክእሎም ፍልጠትን ልምድን ረኺቦም እዮም፡፡ ተመረቕቲ ተምሃሮ ብዘርኣይዎ ሞያዊ ብቅዓት ናይ ስልጠና ግዜ ኣዋጅ ቅድሚ ምዝዛሙ ካብ ዓበይቲ ትካላት መርከብ ዓለም ውዕሊ ቁፃር ንምፍራም ከምዝከኣሉ ገሊፆም እዚ ድማ ንሃገርና ተወሳኺ ሽርፊ ወፃኢ ዝርከበሉ መንገዲ ምኳኑ ሓቢሮም፡፡ መርከበኛታት ኣብ ዕዳጋ ዘለዎ ተደላይነት መሰረት ብምግባር ድማ እቲ ዩንቨርስቲ ናይ ቅበላ ዓቅሙ ከምዘዕቢ ዶክተር ፍረሰላም ገሊፆም፡፡ ጀኔራል ማናጀር ኣካዳሚ ማሪትየም ኢትዮጵያ ሚስተር ኣቪሻይማርዘያኖ ተምሃሮ ብፍልጠትን ስነ ምግባርን ብዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳደርትን ስርዓትን ዝገበርዎ ስልጠና ከም ዝወሰዳ ገሊፆም፡፡ እቲ ኣካዳሚ ኣብ ዝሓለፉ 12 ዙራት 1 ሽሕን 2ሚኢትን መርከበኛታት ኣሰልጢኑ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክኣትው ዝገበረ ኮይኑ ሕዚ ድማ 238 ተምሃሮ ኣብ ምስልጣን ከም ትርከብ ተገሊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪን መስርሕን ዘይብሎም ኣብ ስዑድ ዓረብያ ዝነበሩ ኢትዮጵውያን ብግጉይ ሓበሬታ ከይተዘናግዑ ኣብ ዝተወሃባ ግዘ ገደብ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፀዊዑ፡፡

መንግስቲ ስዑድ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሕጋዊ ፍቓድ መስርሕን መንበሪን ዘይብሎም ኣብ ሃገራ ንዝነብሩ ወፃእተኛታት እታ ሃገር ንክወፁ ናይ ሰለስተ ወርሒ ግዘ ገደብ ከም ዝሃበት ይዝከር፡፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ካብ 400ሽሕ ዝዛይድ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪን ስራሕን ዘይብሎም ብምዃኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ግዜ መደብ ምሕረት ተጠቒሙ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ፃዕሪ እንዳገበረ ይርከብ፡፡ ትሑተ ኮይኑ ግና ቁፅሪ ተመለስቲ ብመዳይ ትፅቢት ምግባር ትዕቀን ከምዝኾነን ፣ዝተወሃበ ግዘ ገደብ ምሕረት ንክዛዘም 20 መዓልታት ተሪፎም ኣለው፡፡ ፕሬዝዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ መሓመድ ኣሚን ጀማል እቲ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ስቅያትን ምንግልታዕን ከይበፅሖም ንምግባር እንዳሰርሓ ከምዝርከብ ብዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ናብ ስዑድ ኣብ ዘቕንዕሉ እዋን ምስ ዜጋታት ሃገርና ግዘ ከይተወሰኸ ብህፁፅ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከምዝተመኻኸሩ ሓቢሮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡