ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ሓምለ 2009

27/11/2009

ቅድሚ ትማሊ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ 3ተ ውለቀ ሰባት ቤት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም፡፡

ብርጋዴር ጀኔራል ኤፍሬም ባንጌ፣ ዋና ስራሕ መካየዲ ፋብሪካ ሽኮር ተንዳሆ ኣይተ ዮሴፍ በጋሻው፣ መራሒ ጉጅለ ኣቅርቦት ኣቁሑት ኮርፕሬሽን ኮንስትራክሽን መንገድታት ኢትዮጵያን ኣይተ ካሳየ ካቺ እዮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡፡ እዞም ተጠርጠርቲ እውን ልዕሊ 293 ሚሊዮን ቅርሺ ኣብ መንግስቲ ጉድኣት ብምብፅሖም እዮም ተጠርጢሮም፡፡ ብፍላይ እውን ብርጋዴር ጀኔራል ኤፍሬም ካብ ፕሮጀክት ኦሞ ኩራዝ ፋብሪካ ቁፅሪ 5 ካብ በጀት እቲ ፕሮጀክት ዝቅንስ ምስ ካልኦት ኣብ ቁፅፅር ዘይውዓሉ ደለልቲ ብምምሽጣር 184 ሚሊዮን ቅርሺ ንውልቀ ረብሕኦም ምውዓሎም ተገሊፁ፡፡ ፖሊስ እውን ክሲ ብርጋዴር ጀኔራል ኤፍሬም ባንጌን ዮሴፍ በጋሻውን ምስ ካልኦት መዛግብቲ ብሓባር ንክቐርብ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢፌድሪ ካልኣይ ምድብ መጋባእያ ገበን ሓቲቱ እዩ፡፡ እቲ ቤት ፍርዲ እውን 30 ነሓሰ /2009 ተለዋጢ ቆፀሮ ሒዙ ኣሎ፡፡ ፖሊስ ኣብ ተጠርጣሪ ካሳየ ካቺ ድማ ተወሳኺ ምፅራይ ከካይድ 14 መዓልታት ምሕታቱ ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዶም ብዘይምስርሖም ሕማም ዕቡድ ከልቢ እቲ ሕማም ንምክልኻል ዝስርሑ ተግባራት ዘድሊ ውፅኢት ኣየምፅኡን ተባሂሉ፡፡

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እቲ ሕማም ንምክልካል ክፍፀሙ ኣብ ዝገበርኦም ተግባራት ዓውደ መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ፡፡ እቲ ፀገም ብግቡእ ንምክልካል ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ እንስትቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡ እቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን እቲ ሕማም ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዝን ብቅልጡፍ ናብ ሕክምና ዘይምኻድን ፣ ዘይዓበየ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ፣ምንኣስ ምትሕብባር ዝምልከቶም ኣካላት ፈተናታት እዮም ተባሂሎም፡፡ መተሓባበሪ ኬዝቲም ምርመራ ሕማማት እንስሳ እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ኣሰፋ ደሬሳ ኣብ ሃገርና እቲ ሕማም ንምክልኻል ብላባራቶሪ ዝተሓገዙ ስራሕቲ ዋላ ኳ ተተፈፀሙ በቲ ዝድለ መጠን ውፅኢት ከምፅኡ ኣይከኣሉን ኢሎም፡፡ ከም መግለፂ ዶክተር ኣሰፋ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ክትባት ብምፍራይን ብምብፃሕን ካብዚ ብተወሳኺ ዘመናዊ ሕክምና ንኽህሉ እቲ ኢንስትቲዩት እጃሙ ከወፊ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡ ን2ተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰብሞያ ፣ተወከልቲ ሚኒስተር ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላት እናተሳተፉ እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ህፁፅ ኣኼባ ከሳልጥ እዩ፡፡

ፅባሕ ንጉሆ ሰዓት 3 ኣብ ዝጅምር እቲ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘቕርብዎ ዝተፈላለየ ሽመታት ክፀድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ይናዋሕ ኣይናዋሕ ዝብል ውሳነ ክሓልፍ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣባላት ካብኔ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾኑ 2 ሚኒስተራት ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ብኣምባሳደርነት ምሻሞም ይዝከር፡፡ ኣብቲ ናይ ፅባሕ ኣኼባ እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ነቲ ቦታ ዝትክኡ ሓደሽቲ ተሾወምቲ ክቀርቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብኪኢላታት ርክብ ህዝቢ ዝስርሑ መፅናዕታት ትክክለኛ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብ ምንፅብራቅን ዝግባእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ጉድለት ከም ዘለዎ ሙሁራን እቲ ዘፈር ገሊፆም፡፡

ብመሳናዳኣይነት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሸን መንግስቲ ተዳልዩ ዝነበረ ፎረም ሚዲያ ኮምኒኬሽን ተዛዚሙ፡፡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከም ዝገለፅዎ እውን ብኪኢላታት ርክከብ ህዝቢ ኣብቲ ሞያ ዝካየድ መፅናዕታት ኣብ ኣመራርፃ መርኣያ ኣብ ኣመላልኣ መሕተትን ጉድለት ይርኣዮም እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስታት ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ፣መፅናዕታት ርእቶ ህዝቢ ሓረስታይ ፣ሙሁራት ፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ከካትትን ገለልተኛ ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡ ብመሪሕነት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዝተመሰረተ ሪፎርም መራኸቢ ሓፋሽ ኣብቲ እዋን ዝተዘተየሉ እንትኾን በቲ ቤት ፅሕፈት እውን ኮሚቴ ተዋቂሩ ሰነድ ምስንዳእ እውን ቅድሚ 3ተ ኣዋርሕ ተጀሚሩ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

26/11/2009

ኣበዚ በጀት ዓመት 33 ሚኢታዊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስራሕቲ ልምዓት ብውሽጣዊ እቶቱ ንምሽፋን ይሰርሕ ከምዘሎ በዓል መዚ እቶት ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ እቶት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣህመድ ቱሳ መንግስቲ እቲ ክልል ካብ ሕብረተሰብ ዝተልዓሉ ብዙሓት ሕቶታት ልምዓት ብዝግባእ ንምምላስ እቲ ዝፍልፍልን ዝእከብን እቶት ይውስኖ ኢሎም፡፡ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓ/ም ክልል ልዕሊ 18 ቢሊዮን ብር እቶት ንምእካብ ትልሚ ሕዚ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ካብ ስሩዕ ፣ማዘጋጃቤት ከምኡ እውን ታክስን ታክሲ ካብዘይኾኑ ፍልፍል እቶታት ንምእካብ ዝተተለመ 18 ቢሊዮን ብር ሙሉእ ንሙሉእ ንምዕዋት ብትኩረት ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 45 ሚኢታዊ ዝኸውን እቶት እቲ ክልል ዝእከብ ካብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬከተር ካብ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝእከብ ገንዘብ ድማ 30 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ክልል ንምክልኻል ዘይሕጋውያን ነጋዶ ብዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 60 ሽሕ ነጋዶ ናብ መርበብ ንግዲ ክኣትው ከምዝተገበረ ገሊፆም ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ መንጎ ሰብ ንብረት ተሽከርከርትን ኣሽከርከርትን ሕጋዊ ውዕሊ ክህሉ ዘገድድ መምርሒ ምድላው በዓል መዚ ፌዴራል መጓዓዝያ ገሊፁ፡፡

እቲ ዝተዳለወ መምርሒ ኣሽከርከርቲ መረጋገፂ ብቅዓት ከይሓዙ ከየሽከርክሩ ዝእግድ እዩ፡፡ ኣብቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ምርግጋፅ መጓዓዝያ ፅዕነት ኣይተ ኣለማዮሁ ወልዴ ኣብ ክልቲኦም ኣካላት መንጎ ሕጋዊ ውዕሊ ስምምዕነት ስራሕ ዘይምህላው ሰብ ሃፍቲ ንብረቶም ንዝፍለጥ ሕጋዊ ኣሽከርካሪ ከይህብን፣ ኣሽከርከርቲ ድማ ዝተረጋገፀ ውሐስና ስራሕ ከይህልዎም ዝገብር ኮይኑ ዝፀንሓ ኾይኑ እቲ በዓል መዚ ፀገም ንምፍታሕን እቲ ዘፈር ብሕጋዊ ስርዓት ንምምራሕን ዝተፈላለዩ ተግባራት እናፈፀመ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ እቲ መምርሒ ካብ ኣሽከርከርቲ ሰብ ንብረት ተሽከርከርትን ትፅቢት ዝግበር ጉቡኣትን ዝወሰድዎም ሓላፍነትን ብግልፂ ዘቐመጣ እዩ፡፡ እቲ መምርሒ ናብ ተግባር እንተኣቱ ሓደ ኣሽከርካሪ ናብ ስራሕ እንትኣትው ጎናጎኒ ሕጋዊ መዘወሪ ፍቓድ መረጋገፂ ሞያ ብቅዓት ከቀርብ ስለዝሓትት ብዘይፍቓድ ከሽከርክር ኣይኽእልን፡፡ እቲ መምርሒ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ናብ ተግባር ክኣትው ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝገብር ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ሶማልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ን9 ሚኒስተራት ሓዊሱ 30 ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን እታ ሃገር ዝሓቖፈ እዩ፡፡ መግለፂ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ከምዘመላኽቶ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኢትዮያ ፃኒሒት ዝህልዎ እቲ ጉጅለ ልኡኸ ምስ ሰብ መዚን ሓለፍትን ሚኒስተር ፌዴራልን ኣርባሕቲ እንስሳን፣ ቤት ምኽሪ ፈዴሬሽን፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን በዓል መዚ ኣታውን ጉምርክን ኢትዮጵያ ክዝቲ እዩ፡፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዑደት ዝገብር እቲ ጉጅለ ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፅን ጉዳያት ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ክቐስሙ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ትካል ልምዓት ኢንድስትሪ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒድ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይጀርያ ማእኸላት ኢንድስትሪ ንምህናፅ ዘኽእሎ ልምዲ ምቕሳሙ ገሊፁ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ልምዲ ምጥያሽ ማእኸላት ኢንደስትሪ ንውህደትን ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ቀንዲ መረኣያ እዩ ዝበላ እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ልምዲ ኣብ ናይጀርያ ከምዘተግብሮ ገሊፁ፡፡ ተወካሊ ኣብ ኢኮዋስ እቲ ትካል ጆን ባኮሌ ኣብ ዞባ ኢንድስትሪ ኣቡጃ ናይጀርያ ንዝህነፁ ሰፋሕቲ ማእኸላት ኢንድስትሪ ድጋፍ ከምዝግበረሎም ገሊፆም ይብል ንዘጋርድያን ዝፀርሐ ኤፍቢሲ፡፡

25/11/2009

ቻይና ቀንዲ መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ እያ ኢሎም ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡፡

እቶም ፕሬዝዳንት ስራሕ እዋኖም ኣእኺሎም ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ ዘለው ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ላ ይፋን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛሪቦም፡፡ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ፃኒሕቶም ንምጥንኻር ርክብ ከልቲኤን ሃገራት ብዙሓት ተግባራት ፈፂሞም እዮም ዝበሉ ዶክተር ሙላቱ ቻይና ብፍላይ ድሕሪ 2003 ዓመተ ፈረንጂ ልምዓት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዓብይ ኣበርክቶ ትገብር ኣላ ኢሎም፡፡ ቻይና ፍልፍል ገንዘብ ንህንፀት ዓባይቲ ፕሮጀክታት ኢትዮጵያ እያ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት ሰብ ሃፍትን ሰብ ሞያን እታ ሃገር እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሃገርና ይሳተፉ ኣለው ኢሎም፡፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ምንካይ ድኽነትን ውሕስና ምግብን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ሓበራዊ ወፍሪ ይፃማ ኣለዋ እውን ኢሎም፡፡ እቶም ተሰናባቲ ኣምባሳደር ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሕሉ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላ ምርግጋፆም ምስ ገለፁ ኢትዮጵያ ኣባል ተቐያሪት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኾይና ምምራፃ ምስ ቻይና ዘለዋ ሓበራዊ ስራሕ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን 47 ዓመት ኣቁፂሩ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ 2010 ዓ/ም ንዝካየድ ቆፀራ ህዝበን ኣባይትን ኣድላይ ቅድመ ምድላዋት ከምዝገበረ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታቲክስ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ከም ዝበሎ እቲ ቆፀራ ኣብ መፋርቕ መፃኢ ወርሒ ክጅምር እዩ፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተውፃፅኡ 180 ሽሕ መምህራን ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ኤከስቴንሽንን ካልኦት ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ንምክያድ ተዳልዮም ኣለው ኢሉ፡፡ ዳይሬክተር ስነ-ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ሳህለ ጥላሁን ፣እቲ ቆፀራ ንምምሕያሽ ፖሊስታት እታዎት ዝርከብሉ ብምዃኑ ዘለዎ ሃገራዊ ረብሓ ብምርዳእ ኣብቲ ዝግበር ቆፀራ ሕብረተሰብ ነቶም ኪኢላታት ዘድሊ ኩሉ ሓበሬታ ብምሃብ ሓገዝ ንኽገብር ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቁፅሪ ብኸቢድ ገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን 45 በፂሑ፡፡

ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ከምዝገለፆ ተወሰኽቲ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ዝግበር ምንቅስቃስ እውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት እውን ቁፅሪ ኣብ ቁፅፅር ዝውዕሉ ተጠርጠርቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ንሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ፀሪሑ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ መናእሰይ ኢህወዴግ ካብ 28 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ ኣብ ከተማ ወላይታ ሰዶ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ሊግ ኣይተ ሙቀት ታረቀኝ ከም ዝገለፅዎ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ክዝቲ እዩ፡፡ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ መናእሰይ ኢህወዴግ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ እዋን የካይድ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ሙቀት ንምጥንኻር ክረምታዊ ወፍሪ መናእሰይ ኣንፈት ምቕማጥ፣ ምጥንኻር ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ምንካይ ስእነት ስራሕ መናእሰይን ትኹረት ዝግበረሎም ጉዳያት እዮም ኢሎም፡፡ ኣኼባ እቲ ኮሚቴ ኣብ ወላይታ ሰዶ ክካየድ ዝተመረፀሉ ኣብታ ዞባ ዝርከቡ መናእሰይ reasonable youth dialogus ብዝብል ሓሳብ ንምፍታሕ ፀገማት ልምዓት ሰናይ ምምሕዳርን የንቀሳቕሱ ብምህላዎም እዩ ኢሎም፡፡ ኣብታ ዞባ ዘሎ ሰናይ ተሞክሮ ናብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንምስራሕ ፃዕሪ ክገብር እዩ ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 መፅናዕትን ምርምርን ቅረታ ኣካል ቅድመ ሰብ ንምጥንኻር እጃም ዩንቨርስታት ሃገርና ክዓቢ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ሻድሻይ ጉባኤ ማሕበር ሰብ ሞያ መፅናዕቲ ምርምርን ቅረታ ኣካል ቅድመ ሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መፅናዕትን ሓለዋን ሓድጊ ኣይተ ዮናስ ደስታ ንምዕባይ እቲ ዘፈር ምዕባይ እጃም ዩንቨርስታት ወሳኒ እዩ ኢሎም፡፡ ዩንቨርስታት ሃገርና ብመርሃ ግብሪ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ቅረታ ኣካል ክህባ ብምግባር ንምዕባይ እቲ ዘፈር ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡ በዚ እውን ኣብ ዩንቨርስታት ኣዲስ ኣበባ ፣ኣክሱም መቐለን ጎንደርን ይወሃብ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ክሳብ ፅባሕ ዝቕፅል ጉባኤ ሰብ ሞያ ኣፍሪካ፣ ኤስያን ኣውሮፖን ይሳተፉ ኣለው ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

24/11/2009

ትምህርቲ መዕበይ ግንዛበ ድሕንነት ትራፊክ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ተጠቃሊሉ ክወሃብ ተወሲኑ፡፡

በዓል መዚ መንገዲ ፌዴራል ትምህርቲ ድሕነነት ትራፊክ በቢ ብርኩ ኣብ ዝርከቡ ክፋላት ትምህርቲ ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ንክወሃብ ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበፅሓ ኣፍሊጡ፡፡ ትምህርቲ ድሕንነት ትራፊክ ተምሃሮ ካብ ግዘ ቁልዕነቶም ጀሚሩ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ፣ሕግታትን ደንቢ ዓሚቕ ግንዛበ ክህልዎም ዝገብር እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዓይነታት ትምህርቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ተጠቃሊሉ ክወሃብ ዝፀንሓ ትምህርቲ እኹል ብዘይምዃኑ ድሕሪ 2 ዓመታት ኣብ ዝካየድ ክላስተር ትምህርቲ ብሰፊሑ ከምዝጠቓለል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ዘጋጥም ሓደጋታት ትራፊክ ኣስታት 5ሽሕ ሰባት ብብርኪ ሃገር ንሞት ከምዝሳጥሑ መረዳእታት የመላኽት ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዩንቨርስቲ ወላይታ ሰዶ ባልዕ ባርኖስ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ከጥፍእ ዝኸአል መድሓኒት ብምርምር ምርካቡ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መድሓኒት ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ምኻኑ ዝተረጋገፀ ኾይኑ ተመራማርን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዳዊት ዳልጋ ኣብቲ ምርምር ንነዊሕ እዋን ምርምር ክገብሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ እቲ መድሓኒት ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከቡ እፅዋት ብምውህሃድ ዝተረከባ ባዮሎጂካል መድሓኒት ምኻኑ እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ገሊፆም፡፡ እቲ መድሓኒት ኣብ ተሓራሳይ መሬት ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ኾይኑ እዩ፡፡ እቲ መድሓኒት ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብ ውሽጢ 25 ደቓይቕ ኣብ ተሓራሳይ መሬት ድማ ኣብ 50 ደቂቓ ውሽጢ ነቲ ባልዕ ከም ዝቐተሎ ዝሓበሩ እቶም ፕሮፌሰር ብፍላይ ክሳብ ሕዚ ኣብ 4 ቀበሌታት ተፈቲኑ ውፀኢታዊ ኾይኑ እዩ ኢሎም፡፡ በቲ ዩንቨርስቲ ዝተረኸበ እቲ መድሓት ናብ ኩሉ ከባቢ ንምብፃሕ እቲ ዩንቨርስቲ መሰል በዓል ዋናነት ይፅበሎ ዝብሉ ምክትል ፕሬዝዳንት ዘፈር ጉዳያት ማሕበረሰብን ምርምርን ዶክተር ብርሃኑ ኩማ እዮም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣርቲስት ተስፋዮ ሳህሉ ወይ እውን ኣበባ ተስፋዮ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ብሞት ተፈልዮም፡፡

ኣርቲስት ኣበበ ተስፋዮ ሳህሉ ቅድም ክብል ኣብ ባሌ ክፍለ ሃገር እናተበሃለ ዝፅዋዕ ፍሉይ ሹሙ ኮዶ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ብ1916 ዓ/ም ተወሊዶም፡፡ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኣኸሉ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሖም ትምህርቶም ክከታተሉ ዝኽኣሉ እንትኾን ቀፂሎም ድማ ኣብ ባህልን ትያትርን ኣዲስ ኣበባ ተቐፂሮም ተዋሳኣይነት ስራሕ ተቐፂሮም ዝተፈላለዩ ተዋሳኢታት ክሰርሑ ኪኢሎም እዮም፡፡ ኣብ ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ መደብ ህፃናት ዘቕረቡ ምንባሮም ዝዝከር እንትኾን ኣብ ምፍላም እቲ መደብ ድማ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ‘’ደህና ናችሁ ልጆች የዛሬ ኣበባዎች የነገ ፍሬዎች’’ ብዝብል ናይ ኣቦነት ምኽሮም ንብርክት ዝበለ እዋን እናቕረቡ ፀኒሖም እዮም፡፡ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ዝዝከርን ዘይርሳዕን ኮይኑ ዝዘልቅ ኮይኑ ኣርቲስት ተስፋይ ሳህሉ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ኦቴሎ፣ ስነ ስቅለት ዝበሉን ካልኦትን ብርክት ዝበሉ ተዋሳኣታት ዝሰርሑ እዮም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ናብ ደገ ሰደድ ካብ ዝገብሩ ፍርያታት ሞባይል ተሌፎን ልዕሊ 44 ሚሊዮን ዶላር እቶት ተረኺቡ፡፡

ሚኒስተር ኢንድስትሪ ፣እቲ እቶት ዝተረኸበ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ሰደደ ካብ ዝተገበሩ ፍርያታት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ኮይኑ ፣ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈረያን ዝተገጠማን ሞባይል ናብ ሃገራት ቡርኪናፋሶ ፣ካሜሮን ፣ናይጀርያን ሓዊሱ ናብ ሸድሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ሰደድ ከም ዝተገበረ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስተር ኢንድስትሪ መራሒ ጉጅለ ትልሚ ኣይተ ግዛው ረጋሳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ካብ ዝፈረያ ሞባይል ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዓመተ 2009 15 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝተረኸበ እቶት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነፃፀር ከሎ ብዕፅፊ ብልጫ ከም ዘርኣያ ፀብፃብ ኤፍቢሲ ኣነፂሩ፡፡

20/11/2009

ኢትዮጵያን ስዊድንን ማዕቐፍ ምትሕብባር ልምዓት 2 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ቅርሺ ተፈራሪመን፡፡

እቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ድኤታ ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ኣይተ ኣድማሱ ነበበ ብወገን ስዊድን ድማ ተወካሊ ኤምባሲ ሱዊድን ሓላፊ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልምዓት ኣኒ ካኖርዲን ቨዋርዴና ፈሪሞም፡፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝተበፅሓ ስምምዕነት ክሳብ 2020 ዝትግበር እዩ፡፡ ንምትግባር እቲ ማዕቐፍ መንግስቲ ስዊድን 2 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ቅርሺ መዲቡ እዩ፡፡ በቲ ማዕቐፎ ዝተረኸበ ገንዘብ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ፣ንምክልካል ለውጢ ኩነታት ኣየርን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ዝውዓል እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይን ልዕሊ 2ሽሕን 4 ሚኢትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ድጋፍ ሕጊ ሂቡ፡፡

ቢሮ ፍትሒ ካብ ዝሓዞም ዓበይቲ ሽቶታት ሓደ ፍሉይ ድጋፍ ዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ማለት እውን ህፃናት ፣ደቂ ኣንስትዮ ፣ጉድኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ድጋፍ ምኽሪ ሕጊ ብምሃብ ፣ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቲኻ ብምክርኻርን ፍሉይ ድጋፍ ዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ሕገ መንግስቲ መሰሎም ተረባሕቲ ንምግባር እናሰርሓ ይርከብ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ን1ሽሕን 7 ሚኢትን 17 ክፋላት ሕብረተሰብ ፍሉይ ድጋፍ ሕጊ ንምሃብ ትልሚ ተታሒዙ ዝነበረ እንትኸውን ን183 ህፃናት፣ 1ሽሕን 2 ሚኢትን 66 ደቂ ኣንስትዮ ፣716 ኣረጋውያን፣ 157 ጉድኣት ኣካል ፣166 ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ሓዊሱ ብሓፈሻ ን2ሽሕን 4 ሚኢትን 88 ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ድጋፍ ተዋሂብዎም ኢሉ፡፡ እዞም ወገናት ብዓቕምን ክእለትን ሕገ መንግስታዊ ተረባሕነቶም ከይስእኑን ኣብ ቀለብ ቆልዑ ፣ብሞግዚት ዝመሓደሩ ህፃናትን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ኣብ መሰል ተረባሕነት ሕጋውን ምምሕዳራውን ኣማራፅታት ንምርግጋፅ ናይ ቃልን ፅሑፍን ምኽሪ ሕጊ ብምሃብ ፣ናይ ተገልገልቲ ክስን ክሲ መልስን ከምኡ እውን ተገልገልቲ ወኪልካ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምክርካር ፍሉይ ድጋፍ ሕጊ ዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቀምቲ ክኾኑ ተገይሩ እዩ ይብል ካብ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ዝመፀና ሓበሬታ፡፡

 ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዘዓግብ ውፅኢት ተመዝግቦ ከምዘላ ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /ዩኒሴፍ/ ኣፍሊጡ፡፡

ኢትዮጵያ ካብ 1992 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዕሸላትን ኣዴታትን ዝፍጠር ሕማም መንጋጋ ቆልፍ ብምውጋድ ብዓለም መበል 42 ሃገር ኮይና እያ፡፡ ኢትዮጵያ ካብዚ ዓውዲ እናገበረቶ ዘላ ፃዕሪ እቲ ሕማም ካብ ዓለም ንምጥፋእን ንምክልካልን ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ሕማም ብበዝሒ ይርኣየሎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ብፍላይ እውን ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማሌ ኣብ በረኻን ደረቕን ከባብታት ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኮኑ ቦታታት ሓዊሱ ክትባት እቲ ስጉምቲ ብምሃብ ምክልኻል ክኢላ እያ፡፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊ ኢትዮጵያ ሚስተር ሽለኒ በህጉና ከምዝበልዎ ኣመራርሓ መንግስቲ እቲ ከባቢ ንምክልካል እቲ ሕማም ዓብይ ፃዕሪ ተጌሩ እዩ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ከበደ ወርቁ ብወገኖም መንግስቲ ካብ ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ንህፃናትን ኣዴታትን ሓለዋ ጥዕና እናሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡ ሕማም መንጋጋ ቆልፍ ኣብ እዋን ወሊድ ብዝፍጠር ጉድለት ፅርየት ዝፈጥር ካብ ኣዶ ናብ ህፃን ዝመሓላለፍ እንትኾን ቀስ ብቐስ እውን ንሞት ዘቃልዕ ሕማም እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ሓድሽ መዕቖቢ ከትምስርት እያ፡፡

እናተበኣኣሰ ብዝመፀ ኩናት ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ቁፅሪ ስደተኛታት እናወሰኸ ብምምፅኡ ሓድሽ መዕቖቢ ስደተኛታት ንኽምስረት ምክንያት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ብበዝሒ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ዝተዓቖቡ እንትኾኑ ከባቢ ሕዚ እውን ልዕሊ 285 ሽሕ 809 ዝኮኑ ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት፡፡ ኣብ መንጎ ፕሬዝዳነት ሳልቫኪርን ነበር ምክትሎም ሪክ ማቻር ዝተጀመረ ጎንፂ ናብ ኩናት ሕድሕድ ኣምሪሑ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ደቡብ ሱዳናውያን ኣደዳ ስደትን ሞትን እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

19/11/2009

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተተሓዘ በጀት ዓመት እቶት ንምእካብ ዝተጠናኸረ ስራሕ ይሰራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣብርሃም መሓመድ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ እቶት እቲ ክልል ብዝግባእ ብምእካብ ድልየት ልምዓት እቲ ሕብረተሰብ ንምዕጋብ ብትኩረት ክሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት እቲ ኤጀንሲ 690 ሚሊዮን ብር እቶት ንምርካብ ተሊሙ ትልሙ ከምዝዓወተ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት እቶት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ወሰኽ 100 ሚሊዮን ኣለዎ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ክልል ምስ ዘለዎ እቶት ኣማራፅታት እንትነፃፀር እቲ እቶት ዝናኣሰ እዩ ኢሎም፡፡ እዚ ፀገም ንምፍታሕ እቲ ኤጀንሲ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ 32 ወረዳታት እቲ ክልል መፅናዕቲ ግብሪ ውሳነ ንምክያድ ተሊሙ እዩ ዝሓሸ እቶት ንምፍጣር ምስ እቲ ክልል ሲቪል ሰርቪስ እናተሰርሓ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ዝሓሸ ሰርዓት ምእካብ ግብሪ ብምዝርጋሕ ተግባራዊ ኣብ ዝግበር ዝተተሓዘ በጀት ዓመት ልዕሊ 790 ሚሊዮን ብር እቶት ንምእካብ ከም ዝተተለመ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኮርያውያን ዶክተር ሕክምና ልቢ ኣብ ኢትዮጵያ ይሕግዙ ኣለው፡፡

ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን ሓለዋ ጥዕና ኮርያ ምስ ሲኦል ሊ ጀንግ ውክ ግሎባል ሜዲካል ሰንተር ሃገራዊ ኮሌጅ ሕክምና ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ከምዘካይድ ኮርያ ባዮ ሜዲካል ሪቪው ሓቢሩ፡፡ ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን ሓለዋ ጥዕና ኮርያ፣ ኣዲስ ኣበባ ሕክምና ኮሌጅ፣ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ፣ ሃገራዊ ሕክምና ሲኦል ዩንቨርስቲ ኮሌጅ ንሃገራዊ ዩንቨርስቲ ሆስፒታል ሲኦል መረዳድኢ ሰነድ ሰለስተ ዓመት ብምፍርራም ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያን ዶክተራት ንምስልጣን ተስማዕሚዖም እዚ እውን ብሕማም ልቢ ምክንያት ዝሞቱ ቁፅሪ ሕሙማት ንምንካይ ከምዝካኣል ተገሊፁ፡፡ እቲ ፕሮጀክት ተግባራዊ በሊ ጆንግ ውክ ፌሎውሽፕ ፕሮግራም ኮይኑ ኣብ ዝመፅእ ሰንበት ተጀሚሩ ክሳብ ዝቅፅል ዓርቢ ከምዝዘልቅ እቲ ድሕረ ገፅ ንንባብ ኣብቂዕዎ ኣሎ፡፡ ኮርያውያን ዶክተር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተረኪቦም ዑደት ዝገበሩ ኮይኖም ኣብ ኮሌጅ ሕክምና ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም 10 ህፃናት ሰለባ እቲ ሕማም ካብ ምሕካም ብተወሳኺ ንዝተፈላለዩ ዘፈራት ሰብ ሞያ ስልጠና ከምዝህቡ እቲ ፋውንዴሽን ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያ ኣብ ዝተተሐዘ በጀት ዓመት ስጋ እንስሳን ፍርያታትን፣ መዓርን ጠስምን ናብ ወፃኢ ብምልኣክ 104 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካባ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንድስትሪ ስጋን ፀባን ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን 468 ውሽጢ ሃገርን 111 ሰብ ሃፍቲ ወፃእን ኣብ ዕዳጋ ስጋን ፀባን ተዋፊሮም ይርከቡ፡፡ ኣብቲ ዘፈር ካብ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ 186 ኣብ ውፅኢት ስጋን መኖን እቶም 279 ኣብ ፀባን ፍርያታት ውፅኢት ፃባን ፣እቶም 65 ኣብ መዓርን ሰምዕን ምውህሃድ እቶም 49 ድማ ብምውህሃድ ቀለብ እንስሳ ዘፈራት ዝተዋፈሩ እዮም፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት 20 ሽሕን 525 ቶን ፍርያታት ስጋን ውፅኢት ፃባን ቀሪቡ እዩ፡፡ ናብ ወፃኢ ሃገር ዝተልኣከ ስጋን ውፅኢት ፀባን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ633 ቶን ዝዛይድ ኮይኑ ካብቲ ዘፈር ዝተረከቡ እቶት እውን ብክልተ ሚሊዮን ዝዛይድ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 57 ሚሊዮን ኣብዑር ፣ልዕሊ ነጥቢ ሰለስተ 29 ሚሊዮን በጊዕ፣ ብልዕሊ 29 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ጤል ፣1 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ጊመልን 56 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ሃፍቲ ደርሆ ብምሓዝ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ዘ ካትል ሳይት ዝተበሃለ ድሕረ ገፅ ዕላዊ ገይርዎ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ድልድል ኣቃቂ ብልሽት እናተርኣዩ ብምዃኑ ልዕሊ 3 ቶን ዝፃጋዕ ተሽከርከርቲ ኣማራፅቲ መንገድታት ክጥቀማ በዓል መዚ መንግስታት ኣዲስ ኣበባ ፀዊዑ፡፡

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምኒአኬሽን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ጥዑማይ ወልደገብርኤል እቲ ድልድል ምልክታት ብልሽት ምርኣይ ምጅማሩ ስዒቡ ካሊእ ድልድል ንምህናፅ እናተሰርሓ እዩ ኢሎም፡፡ ስራሕቲ ህንፀት እቲ ድልድል ክሳብ ዝዛዘም ልዕሊ 3 ቶን ዝፅጋዕ ተሽከርከርቲ ኣማራፂ መንገዲ ክጥቀማ ኣይተ ጥዑማይ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ስለዝኾነ እውን ብመንገዲ ቃሊቲ ቀለበት፣ ሃና ማርያም ሃይሌ ጋርመንት ቱሊዲሞት ዘለው መንገድታት ከምመማረፂ ቀሪቦም እዮም፡፡ እቲ ካልኣይ መስመር ድማ ቃልቲ ኪዳነ ምህረት ቤተ ክርስቲያን ብገላን ኮንደሚንየም ኣቢሉ ናብ ቲሉዲሞቱ ዘሎ መንገዲ ምጥቃም ከምዝካኣላ ተገሊፁ፡፡ ከምኡ እውን ብጎሮ ኣደባባይ ኣይሲቲ ፖርክ ቱሉ ዲሞቱ ዝወስድ መንገዲ ኣሽከርከርቲ ክጥቀምሉ ብመማረፂ መንገዲ ዝቀረቡ መንገድታት እዮም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

18/11/2009

ሃገራዊ ፖርክ ጎቦታት ሰሜን ካብ መዝገብ ሓደጋ ንክወፅእ ፣ፕሮግራም ምትሕብባር ልምዓት ኢትዮ-ኦስትሪያ ዝለዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ኣካላት እቲ ቀንዲ ምኳኑ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ልኡል ዮሃንስ ብምትሕብባር መንግስቲ ኦስትርያን ኢትዮጵያን ዝተጣየሸ ፕሮግራም ምምሕያሽ መነባብሮን ሃፍቲ ተፈጥሮን በቲ ቢሮ ኣፍልጦ ዝተወሃቦም ብዙሓት ተግባራት ኣብቲ ፖርክ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት እቲ ፖርክ ካብ መዝገብ ሓደጋ ንምውፃእ ኣብ ዝተካየዱ ፃዕርታት ኣብ ከባቢ እቲ ፖርክ ይነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብሰናይ ፍቓዶም ናብ ካሊእ ቦታ ኣብ ምዝውዋር ከይዲ እቲ ፕሮጀክት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ምጥያሽ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢንስትትዩት ምርምር ከባብን ኣግራብን ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብምርምር ዝረኸቦም 63 ውፅኢታት ምርምር ለውጢ ከባቢ ኣየርን ደንን ንተጠቀምቲ ከላሊ እዩ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኢንስትትዩት ኣይተ ታደሰ በላይ እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርምር ንዘካይዱ ተመራመርቲ ድጋፍ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ በዚ ድማ ካብ 2008 ዓ/ም ከባቢያዊ ስነ-ምሕደራ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ዘካይዱ 7ተ ማእከላት ምርምር ዝረኸብዎ ውፅኢት ንተጠቀምቲ ይበፅሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብቲ ዘፈር ብ68 ፕሮጀክታት ምርምር ዝካየድ 278 ፈተነታት 63 ውፅኢታት ምርምር ኣብ ረብሓ ንከውዕሉ ንምልላይ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ገሊፁ፡፡ ኣብ ልምዓት ኣግራብ ንዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ውልቀ ትካላትን ኣስታት 7ተ ቶን ፅሬት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ዘርእታት ኣግራብ ምእካብ ፈተሻ ተገይሩሉ ከምዝተከፋፈሉ ኣፍሊጦም ይበል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

17/11/2009

ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ኩዌት ፣ሓበራዊ ስራሕቲ ኣብ ዘሳልጥሉ መዳይ ዘትዮም፡፡

ኣብ ሃገረ ኩዌት ኣምባሳደራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ርክብ መበገሲ ገይሩ ኤምባሲታት ክልቲኤን ሃገራት ርክበን ንምጥንኻርን ተሞክሮታት ንምልውዋጥን ሓበራዊ ዕማም ክውግኑ ኣብ ስምምዕ በፂሖም እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ኩዌት ንዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ፣ንግድን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ብዘፈር ምኽባር መሰል ዜጋታት ፣ሓበሬታን ካልኦት ስራሕቲ ብትሕብብርን ብምውዳድን ንምስራሕ እተን ኤምባሲታት ኣብ ምርድዳእ በፂሓን እንትኾና ሃገራት ኣብ ኩዌት ዘሎ ዕድል ዕዳጋ ዝድህስስ ሓበራዊ መፅናዕቲ ንምስላጥን ባህሊ ክልቲኤን ሃገራት ዘንፀባርቕ መደባት ምልላይ ንምስንዳእ ተስማዕሚዐን እየን፡፡ ዶብ ተሳጋሪ ባቡር ፣ዘመናዊ ግልጋሎት ወደብ ፣ዝርግሓ መስመር ስልክን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዘኣምሰሉ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁን ዕብየት ኢኮኖሚን ምትእስሳርን ንዘቀላጥፍ ፕሮጀክታት ብክልቲኤን መንግስታት ተፀኒዑ ንምንባር ገንዘባዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ንፈንዲ ኩዌት ንምድርዳርን ካብ መንግስቲ ኩዌትን ውልቀ ዘፈርን ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ዝርግሓ ፃዕሪ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም፡፡ ኣብ ዜጋታ ክልቲኤን ሃገራት ግሀሰት መሰል ንከይበፅሕ ንምክልካል ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ማሕበረሰብ ብምውዳድ ንክደጋገፉ ብምግባርን ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊን እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ ኣብ ኩዌት ኢምባሲ ኢትዮጵያ ንዘሃቦ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ጠመተ ክወሃበሎም ይግባእ ንዘተበሃሉ ሸሞንተ ሕማማት ንምክልካል ልዕሊ 4 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም 4 ዓይነት ኣፋውሳት ናብ ረብሓ ክውዕሉ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ ፈንድ ኣፋውስ ኢትዮያ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ኣፋውስ ንትራኮማን ካልኦት ብቕልጡፍ ዝስፋሕፍሑ ሕማማት ንምክልካል ዝውዕሉ ኮይኖም ካብ ዝተበፅሑ ኣፋውስ እቶም ኣስታት 90 ሚኢታዊ ንረብሓ ቅድመ ምክልካል ዝውዕሉ ምዃኖም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ኣድና በሬ ተዛሪበን እየን፡፡ ብ17 ጨናፍር እቲ ኤጀንሲ ኣቢሎም እቶም ኣፋውስ ብክልተ ዙር ፀገማት ጎሊሆም ኣብ ዝርኣይሎም ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፣ኦሮሚያ፣ ሶማሊያ ሃረርን ኣብ ዝተመረፁ ወረዳታት ከምዝተበፅሑ እውን ወይዘሮ ኣድና ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ትኹረት ዝገበረ 5ይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጁባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣቦ ወንበር እዚ እዋን እቲ ቤት ምኽርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌድሪን ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ነቲ ጉባኤ ይመርሕዎ ዘለው ፣እቲ ጉባኤ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገረ ጅቡቲን ሶማልያን፣ ከምኡ እውን ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ይሳተፉ ኣለው፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣብ መእተዊ ዘረበኦም ፣ኢጋድ ምስ ኣባል ሃገራት ኾይና ንዜጋታትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝገበሮ ሓገዝ ኣበርቲዑ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ስምምዕነት ደቡብ ሱዳን ንኹሉ ዘሳትፍ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦ መንበር ፣ንምዕቃብ ሰላም ሃገረ ደቡብ ሱዳንን ምፍንቃል ዜጋታትን ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ንቑሕ ተሳትፎ ዘለዎም ፖለቲካዊ መድረኻት ምስንዳእ ወሳኒ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡ ንምርግጋዕ ሰላም ሃገረ ሱዳን ዜጋታት እታ ሃገርን መንግስቲ ወሳኒ ግደ ኣለዎም ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ ኢጋድን ማሕበረሰብ ዓለም ከዓ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም፡፡ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣምባሳደር ማህቡብ ምዓሊም ብወገኖም ኣብ ጁባ ንፈለማ እዋን ዝተሳለጠ እዚ ጉባኤ ንዝምልከቶም ኣካላት ዝሓወሰ ብምዃኑ ምስፋን ሰላም ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ንክኸውን ይገብር ኢሎም፡፡ ኢጋድ ብመሪሕነት ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝረጋገፀሉ ዛዕባ ምስ ፕሬዝዳንት ሳልቫኬር ክዝቲ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡

 ግዘ ገደብ ምውፃእ ፍቓድ መንበሪን መስርሕን ዘይብሎም ነበርቲ ስዑድ ዓረብ ሎመዓንቲ ተዛዚሙ፡፡

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ኣብ ምዝዛም እቲ ግዘ ገደብ ዝስዕብ ኩነታት ብመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝውሰን እንተኾነ እውን መንግስቲ ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ሰነድ ግዘ ተቐቢሎም ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ግዚኡ ዝሓለፎም ዜጋታት ብምህላዎም ሰነድ ዘድሊ ጉዕዞ ንኽወሃቦም ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዃን ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንመያየጥ ኣለና ኢሎም፡፡ ክሳብ ሕዚ ሰነድ ጉዕዞ ብዘይምውሳዶም ንዝበፅሖም ፀገማት ሓላፍነት ናይ ባዕሎም ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ወሃቢ ቃል፣ መንግስቲ ንኩነታት ዜጋታቱ ጠመተ ዝህብ ብምዃኑ ኣድላይ ዘበለ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡ እቶም ወሃቢ ቃል ክሳዕ ትማሊ ኣስታት 130 ሽሕ ዜጋታት ሃገርና ሰነድ ጉዕዞ ከምዝወሰዱ ኣዘኻኺሮም ቁፅሪ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ድማ ኣስታት 70 ሸሕ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክፈለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ኣብ ከባቢ ጅቡርክ ዝርኣ ሰፊሕ ፀገም ተፋሰስ ብዝተኽኣለ ዓቕሚ ንምቅላል ጉጅለ ኣጣይሹ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ 2009 በጀት ዓመት ብበጀት እታ ክፈለ ከተማ ሓደሽቲ ልዕሊ 600 ሜትሮ ዝሸፈነ ህንፀት ክልተ ተፋሰስ ምዝዛሙ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ሃይላይ መሓሪ ተወሳኺ ኣለዎ፡፡

14/11/2009

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ካብ ባቱ ናብ ቢሸፍቱ ይጓዓዝ ዝነበረ 14 ኪሎ ግራም ዝምዝን ካናቢሳ ዝተበሃለ መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኮማንደር ኣስቻለው ኣለው፣ ኣብታ ዞባ ወረዳ ቦራ ከተማ ቦቴ ቀበሌ ባዶ ናይ ለይቲ ጉዕዞ ንምቁፅፃር ብዝተካየደ ሃንደበታዊ ተፍታሽ እቲ ሓሽሽ ክርከብ ከምዝከኣለ ገሊፆም፡፡ ካብ ባቱ ናብ ቢሸፍቱ ይጓዓዓዝ ዝነበረ 14 ኪሎ ግራም መዐወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ምዃኑ ብምርመራ ተረጋጊፁ እዩ ኢሎም፡፡ መራሒ እታ መኪናን ሓቢሩ ዝነበረ ውልቀ ሰብን ምስቲ መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዞም ምርመራ እናተካየደሎም ይርከብ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮያ ብወገን ደቡብ ሱዳንን ስሉጥ ግልጋሎት ወደብ ንክትረክብ መስሪሕ ከምዘድሊ ምክትል ፕሬዝደንት ሃገረ ሱዳን ሃሰበ መሓመድ ኣብድል ራሕማን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ወደብ ሱዳን ንዝንቀሳቀሱ ኣታውን ወፃእን ናውቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ግልጋሎት ክህቡ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ሓበራዊ ኮሚቴ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኢትዮጵያ በቲ ወደብ ንዝትኣትዎን እትእልእኾን ናውቲ ስሉጥ ግልጋሎት ንክህቡ ምክትል ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ሓቲቶም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ፣እቲ ሓበራዊ ኮሚቴ ተጎዓዝቲ ሓጅን ዑምራን በቲ ውደብ ተጠቒሞም ናውቶም ክጓዓዕዙ ከምዝኽእሉ እውን ዘትዮም፡፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ኣታውን ወፃእን ወደብ ጅቡቲ ትጥቀም ኮይና ፣ወደብ ፖርት ሱዳን ድማ ከም ኣማራፅነት ናውቲ፣ ንምእታው ትጥቀመሉ ፀኒሓ እያ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክልልና ብሕማም ዓይኒ ትራኮማ ሞራን ንዝተትሓዙ ወገናት ዝወሃብ ግልጋሎት ሕክምና ንምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ምህላው ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ሞራን ትራኮማን ንምስፍሕፋሕ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተካየደ ዘተ ፣ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ኣብ ክልልና ብሕክምና ሞራን ትራኮማን ዝተጠቅዑ ልዕሊ 40 ሽሕ ወገናት ከምዘለው ጠቒሶም፡፡ ግልጋሎት ሕክምና ሕማም ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ጥራሕ ይወሃብ ከምዝፀንሓ ዘመላከቱ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ዋሕዲ ሰብሞያ ሆስፒታል ንሕምማት ዝወሃብ ግልጋሎት ወሰን ክኮን ገይሮም እዩ ኢሎም፡፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ድማ ነዚ ተገንዚቡ ሓደሽቲ ሰብ ሞያ ኣሰልጢኑ ናብ ስራሕ ንምውፋር ትልሚ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡ ካብ ግልጋሎት ሕክምና ብተወሳኺ ድማ ነቲ ሕማም ኣቀዲምካ ንምክልካል ብልምዓት ጉጅለታት ኣቢልካ ትምህርቲ ውልቃውን ከባቢያውን ፅሬት ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ናይጀርያ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን መርብሕቲ እንስሳን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብውሕድ 33 ሰባት ከምዝመቱ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ግዝኣት ካድና መንደር ካጅራ ክልተ ወገናት ብዝፈጠርዎ ሕደሕድ ጎንፂ ንክልተ መዓልቲ ምፅንሑ ፖሊስ እቲ ከባቢ ገሊፁ፡፡ ኣብ ፍላኒ ኣብ መንጎ ዓሌታት መርባሕቲ ከፍትን ሓረስቶትን ብዝተፈጠረ ሕድሕድ ጎንፂ ብዙሓት ሰባት ከምዝተጎድኡ ኮሚሽን ግዝኣት ካድና ፖሊስ ኣግዮሊ ኣቤህ ገሊፆም፡፡ እቲ ጎንፂ ዝተልዓለ ውስናት ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣብ ኣባላት ዓሌት ፋላኒ ሓደ መንእሰይ ሽማግለን ጉድኣት ብምብፃሕ እዩ እቲ ጎንፂ ክጋደድ ዝካኣለ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተልዓለ ጎንፂ ንምርግጋዕ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ዝበፅሕ ብዙሓት ሰባት እንትሞቱ ህፃናትን መንእሰይን እውን ብዝሓወሰ እዩ፡፡ ነቲ ጎንፂ ስዒቡ ተወካሊ ፕሬዝዳንት ናይጀርያ የሚ ኦሲንባጆ እቲ ካባቢ ንምርግጋዕ ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ዝሃበ እንትኾኑ ምኽንያት እቲ ጎንፂ ዝኾኑ ሓይልታት ብመንፃር ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክገብር እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ፡፡

ኣብ ልዕሊ 60 ሽሕ ሄክታር መሬት ተስፋሕፊሑ ዝነበረ ባርኖስ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ምኻኣሉ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ፡፡

እቲ ባርኖስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተርኣሉ ኣብ ውሽጢ 4ተ ወርሒ ኣብ ክልላት ደቡብ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፣ትግራይ ኦሮሚያ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ልዕሊ 146 ሸሕ ሄክታር ንዝነበረ ዝራእቲ ወሪሩ እዩ፡፡ እዚ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ተግባራት ክፍፅሙ ምፅንሖም ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣለማዮሁ ብርሃኑ ተዛሪቦም፡፡ ብባህላዊ መንገዲ ነቲ ባርኖስ ንምክልኻል ዝተገበሩ ፈተነታት እውን ዕውታት ምንባሮም ተረጋጊፁ እዩ፡፡ እስካብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 60 ሽሕ ሄክታር መሬት ካብቲ ባርኖስ ነፃ ምግባር ምኽኣሉ እውን እዮም እቶም ሓሊፉ ርክብ ህዝቢ ገሊፆም ዘለው፡፡ ኣብ ገለገለ ባርኖስ ዝርከቦም ከባብታት እቲ ፀገም ንምፍታሕ እቲ ባርኖስ ንከይባዛሕ ድራር ሓዊ ዝተበሃለ መፃወድያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናይ ምትካል ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቤት ህንፀት ቂሊንጦስ ኣባርዮም ዝተበሃሉ 19 ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪትሎም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ 28 ሰነ 2009 ዓ/ም ቤት ህንፀት ኣብ ምቅፃል ዝተሳተፉ ፣ዘለዓዐሉ ንብረት ብምዕናው ብዝብል እዩ ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ፡፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ 3ይ መጋባእያ ገበን እቲ ክሲ ዝመስረቶ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬም ደቢሳ ፣ዮሃንስ መንግስቴ ፣ሃይሉ ጀማልን ካልኦት 16 ተጠርጠርትን እዩ፡፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክሲ መዝገቡ በቲ ዝተፈፀመ ገበን ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ምብፅሑን ልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር ዝግመት ንብረት ምዕናውን ገሊፁ፡፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝቀረበ ክሲ ድሕሪ ምስማዕ ተኸሰስቲ መቋወሚ ሓሳብ እንተሃልይዎም ንምስማዕ 5 ነሓሰ 2009 ዓ/ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ተኸሰስቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሕቶ መሰል ውሕስናን ብዓቃቢ ሕጊ ዝቀረበ መቃወምን ብይን ንምሃብ እቲ ቤት ፍርዲ 26 ሓምለ 2009 ዓ/ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሒዙ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

13/11/09 ዓ/ም

መከላከሊ ሃገር ኮሌጅ ኢንጂነሪንግ ንመከላከሊ ሰራዊት ሃገርና ዝተኣማምን ሓገዝ ቴክኖሎጂ ክረክብ ዘላቂ ብፅሒት እናገበረ ምኾኑ ሓፈሻዊ ኤታ ማጆር ሹም መከላከሊ ሰራዊት ኢፌደሪ ጀነራል ሳሞራ ገሊፆም፡፡

20 ዓመት በዓል መሰረታ እቲ ኮሌጅ ሎማዓንቲ ኣብ ዘክብረሉ ዘሎ እዋን ጀነራል ሳሞራ እቲ ሰራዊት ኣብ ሰላም ኮነ ኣብ ኩናት እዋን ዘተኣማምን ሓገዝ ቴክኖሎጂ ክርክብ እቲ ኮሌጅ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝለዓለ ብፅሒት ክፍፅሞ ምፅንሑ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ሰራዊት ዘመን ዝበፀሐ ቴክኖሎጂ ብስፍሓት ዝጥቀም ምኾኑ ዝሓበሩ ጀነራል ሳሞራ፣እቲ ኮሌጅ በቀፃልነት ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምፍጣር መዳይ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣጠናኪሩ ክቅፅለሉ ከም ዝገባእ ኣተሓሳሲቦም፡ ዋና ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ኮሎኔል ሓጎስ ብርሀኔ በወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተመሪቆም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ነበራት ተምሃሮ እቲ ኮሌጅ ልምዲ ሞያ ተሞክሮኦምን ብምክፋል ከመ ዝውን ሓገዛት ብምግባር ንዕብየት እቲ ኮሌጅ ብፅሒቶም ከዋፅኡ ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ምትግባር ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምዝታይ ኣብ ዝቅፅል ሰንበት ኣብ ዱባይ ክርኸቡ እዮም፡፡ ሰብ መዚ በይነ መንግስቲ ምብራቅ ኣፍሪካ/ኢጋድ/ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ኮሚሽን ሓበራዊ ክትትልን ገምጋምን ኣብ ዙርያ ኣተገባብራ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ዝቀርብ ፀብፃብ ከም ዝዛታዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ገሊፆም፡፡ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ነሓሰ 2015 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ አዲስ አበባ ከም ዝተፈረመ ይዝከር፡፡ ኣብታ ሃገረ ኣብ 2013 ወርሒ ታሕሳስ ብዳጋም ዝተልዓለ ጎንፂ ቀስብቀውስ ናብ ኢኳቶሪያን ክልላት ባህር ኤል ጋዛል ተስፋሕፊሑ እዩ፡፡ ኣብ ሚኒስተር ወፃኢ ሱዳን ዳይሬክተር ጎረባብቲ ሃገራት ቡካሪ ጋኒሞ ኣብ ዝመፅእ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስተራት ሚኒስተረ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኢብራሂም ጋንዱር ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡክ ክሳተፉ እዩ ኢሎም፡፡ እቶም ዳየሬክተር ሱዳን ብማዕቅፍ ኢጋድ መሰረት ሰላም ደቡብ ሱዳን ከሰፍን እናሰረሐት ምኾና ገሊፆም፡፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተገንፂላ ሉኣላዊት ሃገር ዝኾነት ሓምለ 92011 ዓመተ ፈረንጂ እዩ ይብል ኤፍቢሲ/ ሱዳን ትሪቢየን፡፡

 መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ፍቓድ መንበርን ስራሕን ዘይብሎም ኢትዮጰያውያንን ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራትን ክወፁ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ምስ ኣመባሳደራት ሰነድ ኣልባ ዜጋታት ዘለዎን ሃገራት ኣብ ሪያድ ዝተዘተዩ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ኣዋጅ ግዘ ምሕረት ሱዑድ ዓረብ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ካብታ ሃገር ክወፁ ኣጠንቂቖም፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተውሃበ ግዘ ዘይወፁ ዜጋታት ኣብ ደንቢ እቲ ኣዋጅ ዝተቐመጠ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምቅባል ሓላፈነት ከወስዱ ከም ዝግባእ መንግስቲ እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጰያ ኣብ ሱዑድ ዓረብ ኣሚን ዓበደል ቃድር ንሕቶ ኢትዮጰያ ተቐቢሉ ግዘ ገደብ እቲ ኣዋጅ ንዘናውሐ መንግስቲ ሱዑድ ዓረብ ኣመስጊኖም፡፡ ቪዛ ጉዕዞ ወሲዶም ዘይተመለሱ ዜጋታት ግዘ ቅድሚ ምእኸሉ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኤምባሲኦም የለዓዕል ከም ዘሎ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ማሕበራት ሞያ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ መፅናዕትን ምርምርን ንኹለ ንኩሉ መደያዊ ዕቤት እዛ ሃገር እጃሞም ክዋፀኡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም መበል 25 ዓመት ምሰረታ ማሕበር ሰብ ሞያ ኢኮኖሚ ኢትዮጰያን፣ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጰያ ዘተኮረ መበል 15 ዓለም ለኸ ኮንፈረንስን ብዕሊ ከፊቶም፡፡ ኢትዮጰያ ማእከላይ ኣታዊ ምስ ዘለዎን ሃገራት ሪጋ ንምስላፍ ዝካየድ ምንቅስቓስ ተጠናኪሩ ምቅፃሉን ዕቤት እውን ስሉጥን ዝተረጋዕን ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጰያ ንምዝማን ሕርሻ፣ንምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ውል ቀብ ሃፍቲ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ይንቅሳቀስ ዘለዎም ተሳትፎ ንምጥንካር ትኩረት ሂባ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡ ብቀፃሊ ድማ እዞም ማሕበራት ሓደሽቲ ሓሳባት ብምቅራብ መበገሲን እተወታትን ፖሊሲ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምንፃር ንዕቤት እዛ ሃገር ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ከጠናክሩ ፀዊዖም፡፡ ፕሬዝደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ኢኮኖሚ ኢትዮጰያ ዶክተር ኣለማየሁ ስዮም ብወገኖም ማሕበሮም ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ዘፈር ምጠነ ሃፍቲ ኢትዮጰያ ብምንፃር እታወታት ፖሊሲ ዝኮኑ መፅናዕታትን ምርምራትን ኣብ ምክያድ ከም ዝረከብ ኣፍሊጦም፡፡ እቲ ማሕበር ዘዳለዎ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጰያ ዘተኮረ መበል 15 ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ክሳብ ቀፃሊ ቀዳም ከም ዝቕፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

12/11/2009

መፍረይነት ዓመት 2010 ንምድንፋዕ ብዙሓት ስራሕቲ የሳልጥ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዝተፈላለዩ ዓይነት እታዎታት ብምጥቃም ተረባሕነቶም ኣብ ምርግጋፅ ምንቅስቃሱ ከምዘለው ተገሊፁ፡፡ ብዋናነት ሓረስቶት ፣መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ ልዕሊ 110 ሕብረተሰብ ዩሪያን ዳፕን ሓዊሱ 125 ኩንታል እታወት መደንፍዒ ምህርቲ ከምዝወሰዱ ክኢላ ስነ-ዝራእቲ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ኢድሪስ ዓሊ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣስታት 65 ነጥቢ 5 ሄክታር ስፍሓት መሬት ምሩፅ ዘርኢ ክዝራእ ዝግበኦ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ 41 ሄክታር ብዘርኢ ተሸፊኑ ኣሎ ኢሎም፡፡ ሕብረተሰብ ካብ ጠሊ ምዕቃብ ጀሚሩ ክሳብ ምእላይ ማይን ኣብ ክረምታዊ ወፍሪ ተክሊ ምትኻልን ቅልጡፍ ምልዕዓልን ይግበር ከምዘሎ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ ክትብል ኪኢላ ፕረስ እቲ ክፍለ ከተማ ኣዝመራ ኣርኣያ ፀብፂባ፡፡

 ኣዋጅ ማሕበራዊ መድሕን ጥዕና ንምምሕያሽ ዘኽእል መፅናዕቲ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣዋጅ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ተግባር ክኣቱ ተተሊሙ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብምክንያት ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ሕቶታት ክሳብ ሕዚ ከይተተግበረ ዝፀንሓ ኮይኑ ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ሕቶታት ሕብረተሰብ ንምምላስ ብዝከአል መንገዲ ተመሓይሹ ናብ ስራሕ ክኣቱ ንምግባር ኮሚቴ ተጣይሹ መፅናዕቲ ከምዝተጀመረ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ፡፡ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያ ዘጠቓለለ እቲ ኮሚቴ መፅናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ኮይኑ፣ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ምምሕያሻት ከምዝግበር ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣሰፋ ይርጋለም ተዛሪቦም፡፡ ጎናጎኒ ምምሕያሽ ኣዋጅ መድሕን ጥዕና ስራሕቲ ምንፃርን ምምችቻውን ትካላት ጥዕና ይዕመሙ ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ድሕሪ ምዝዛም መፅናዕቲ ከመሓይሹ ዝግበኦም ጉዳያት ተነፃፂሮም ፣ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ቐሪቡ ከምዝፀድቕ ተገሊፁ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ህዝብታት ደቡብ 2ይ ዓመት 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ምክያድ ይርከብ፡፡

ነቲ ስሩዕ ጉባኤ ብዕሊ ዝኸፈታ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ሂወት ሃይሉ ፣በቢ ብርኩ ዘለው ፍትሓዊ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ልእኽቶ እዩ ብግቡእ ከምፅኡ ትፅቢት ይግበረሎም ኢለን፡፡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ስራሕቲ ልምዓት መንግስትን ትልምታት ሰናይ ምምሕዳርን ብዝለዓለ ብርኪ ተፈፀምቲ ንክኮኑ ሓለፍነት ተዋሂብዎም እዩ ዝበላ እተን ኣፈጉባኤ ፣እቲ ሕገ መንግስታዊ ተልእክኦም ድማ ብዝለዓለ ብርኪ ክፍፅሙ ኣተሓሳሲበን፡፡ እቲ ጉባኤ ንሎመዓቲ ሓዊሱ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ፃኒሒት ዝህልዎ ኮይኑ ፣ኣፈፃፅማ በጀት 2009 ዓ/ም በጀት ዓመት 2010 ክፀድቕ ድማ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሓለፍቲ ትካላት በብ ብርኩ ዘጋጥሙ ፀገማት ብምፍታሕ ሕብረተሰብ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ብቆራፅነት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ኣብ ስርዓት ውፅኢታውነት ትምህርትን ስልጠናን ትኹረት ዝገበረ ኣተገባብራ ንፕሬዝዳንታት ላዕለዎት ትካል ትምህርቲ ሚኒስተራትን ዝተፈላለዩ ትካላት ሓለፍቲ ሞያዊን መብርሂ ተዋሂቡ፡፡ እቲ ፅንሲ ሓሳብ ትካላት ብዘቐመጥኦ ዝተለጠጠ ትልሚ መሰረት ገይረን ብቐዳምነት ከፈፅምኦ ዝግባእን ተግባራት ብፅሬትን ቅልጣፈን ናብ ወፃኢ እታዎታት ምቕያር ዝብል እዩ፡፡ በዚ መሰረት ሚኒስትር ትምህርቲ ሃገርና ካብ 2010 ዓ/ም በጀት ዓመት ጀሚሩ ስርዓት ውፅኢታውነት ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ስልጠናን ንምትግባር ኣብ ምድላው ኣለኹ ኢሉ፡፡ ሚኒስተር እቲ ሚኒስተር ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ኣብ 5ይ መርሃ ግብሪ ዘፈር ትምህርቲ ካብ ዘቕመጦም 60 ሽቶታት ውፅኢት ተግባር ቀዳምነት ጠመተ የድልዮም ዝበሎም 3ተ ተግባራት ፍሉይ እናሰርሓ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስተየር ኣይተ ሃይለማርያም ካብ ተሳተፍቲ ንዘተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ዝሃቡ እንትኾን እቲ ቀንዲ ጉዳይ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓሳብ ብምውሳድ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት እተን ትካላት መሰረት ዝገበረ ናብ ተግባር ምስግጋር እዩ ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

11/11/2009

ክልል ሃረር ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ልዕሊ 442 ሚሊዮን ብር ግብሪ ከም ዝኣከበ ኣፍሊጡ፡፡

ካልኣይ ሓምሻይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ብዝተፈላለዩ መዳያት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንምርካብ ካብ ዝተተለመ 488 ሚሊዮን ብር 422 ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙራድ ኣብዱላሂ ነቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ኣቕሪቦም፡፡ ኣብዚ ዓመት ን6 ሽሕን 525 ዜጋታት ቀዋሚ ን5 ሽሕን 782 ድማ ግዝያዊ ዕደል ስራሕ ዝተፈጠረ ምዃኑ ዝሓበሩ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ ካብኣቶም 36 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሮም፡፡ እቲ ክልል ኣብ ቀፃሊ ኣጀንዳታቱ በጀት ዓመት 2010 ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ዜጋታት ካብ ስዑድያ ንመውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘጋጠመ ሕፅረት መጉዓዝያ ከም ዝተፈትሓ ተገሊፁ፡፡

ማሕበር ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ከም ዘፍለጦ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሖም ዝነበሩ ልኡኻት እቲ ማሕበር ዜጋታት ካብታ ሃገር ንምውፃእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕርታት ሰፊሕ እኳ እንተኾነ፣ ዘይተመለሱ ዜጋታት ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ብምዃኖም ኣብ መወዳእታ መዓልታት ምጭንናቕ ክፈጥር ከም ዝኽእላ ገሊፁ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ን13 መዓልታት ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ስዑድ ዓረብን ፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዘተሓባብር ግብረ ሓይሊ ኣብ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት እውን ተወሳኺ ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፡፡ ብፍላይ ንግስነት ሃገረ ስዑድ ዓረብ ምስ መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምስምዕማዕ ተወሰኽቲ 30 መዓልታት ምሃቡ ፣ተሓቢኦም ዝነበሩ ሰነድ ጉዕዞ ዘይብሎም ዜጋታት ሰነድ ንክረኽቡ ብምግባር መዓልታዊ ካብ 500 ክሳዕ 700 ዜጋታት ሰነድ ጉዕዞ ከም ዝወስዱ ተፈሊጡ፡፡ ክሳዕ ሎሚ ሰነድ ጉዕዞ ካብ ዝወሰዱ 120 ሽሕ ኢትዮጵያውያን እቶም 55 ሽሕ ናብ ሃገሮም ምእታዎም ይፍለጥ፡፡ ስዑድ ዓረብ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ ገደብ ግዘ ተዘይወፂኦም 98 ሓደሽቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒፃ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ እያይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብልዕሊ 200 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝተጀመረ ስራሕቲ ዝርግሓ መስመር ኤሌክትሪክ በዘይምዝዛሙ ኣብ ቀረብ ሓይሊን ሓደጋ ሂወት ሰባትን የጋጥም ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ምስ ምእታው ክረምቲ ዝናብ ዓንድታት ዝርግሓ መስመር ኤሌከትሪክ ብምውዳቑ ኣብ ሂወት ሰባት ዘብፅሖ ሓደጋ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ዝፈጥሮ ዓብይ ፀገምን እናገደደ ይመፅእ ምህላው ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለምን ቻይናዊ ባንኪ ኤግዚም ባንክን ብዝረኸቦ 200 ሚሊዮን ዶላር ልቓሕ ክሳዕ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝኣረጉ መስመራት ምቕያርን ዕንፀይቲ ፖሎ ዝነበሩ ዓንድታት ብኮንክሪክት ናይ ምቕያርን ስራሕቲ ብምድንጓዩ ዝናብ ስዒቡ ዘገልገሉ ነባር መስመራት ምክያድ ምቁርራፅ መስመር፣ ምውዳቕ ፓሎታትን ሓደጋታት የጋጥሙ ምህላዎምው ተሓቢሩ፡፡ ነቲ ኣልግሎት ኣብ ምቁራፅ ብሰንኪ ሓደጋ ስዒቡ ንዝፍጠሮ ፀገም ሕብረተሰብን ብ905 ብዝተወደቡ ጉጅለ ሓደጋ ምክልካል ንፃውዒታት ምላሽ ንምሃብ ተዳልዩ ምህላው ፀብፃብ ኤፍቢሲ ኣፍሊጡ፡፡

10/11/2009

ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ካልኣይ ዓመት ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንበጀት ዓመት 2010ልዕሊ 55 ነጥቢ 81 ቢልዮን ብር ኣፅዲቑ፡፡

እቲ በጀት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ9 ቢሊዮን ብር ዝያዳ ኣለዎ እቲ በጀት 10 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ንተዘዋዋሪ በጀት ክልል ፣12 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ንካፒታል በጀት ፣ልዕሊ 31 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ንበጀት ከተማን ወረዳታትን ከምኡ እውን ልዕሊ 500 ሚሊዮን ብር ድማ ንመሓለውታ በጀት እቲ ክልል ከም ዝተመደበ ተገፈሊፁ፡፡ እቲ ገንዘብ ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ካብ ስሩዕ ኣታዊ እቲ ክልል ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን ፣ንህንፀት ፕሮጀክታት ድማ ካብ ወፃኢ ዝርከብ ሓገዝ እዩ ተባሂሉ፡፡ ብተመሳሳሊ ስራሕ ኣፈፃፅማ ቤት ፅሕፈት ጨፌ ኦሮሚያ 2009 ዓ/ም ሰሚዑ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጨፌ ኣጠቓቕማ መስኖ ማሕበራት ረቂቅ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ እዩ፡፡ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ኣጠቃቅማ ማይ መስኖ እቲ ክልል ማዕቀፍ ሕጊ ክህልዎን ኣብ ክፍሊ ኢኮኖሚ ሕርሻ ዝህልዎ ብፅሒት ሓፍ ንምባል ከምኡ እውን ኣብ ኣጠቓቕማ መስኖ ዝስትውዓል ጎንፂ ንምፍታሕ ዝወፅኣ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ እቲ ጨፌ ብተወሳኺ ናይቲ ክልል ፈፃምቲ ኣካላት ንምድርጃው ከምኡ እውን ሓላፍነትን ብፅሒት ስራሕን ንምውሳን ዝወፀ ረቂቅ ኣዋጅ ኣፅዲቑ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ቀልቢ ኣፍረይቲ ዓለባ ዝኾኑ ኣውፈርቲ ቻይና፣ ኮርያን ህንድን ከም ዝማረኸት ተገሊፁ፡፡

ኤስያ ኒኬይ ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሓ ፀብፃብ ፣ኢትዮጵያ ኣፍራይ ሓይሊ መናእሰይ ዝወነነት ምዃናን ንወፍሪ ጥጡሕ ባይታ ኣፍረይቲ ዓለባን ክዳውንት ዝኾና ትካላት ኤስያ ትማርኽ ከምዘላ ኣነፂሩ፡፡ ብሕልፊ ድማ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንፍርያት ዕዳጋ ወፃኢ ምችው ምዃኑ ኣብ ምፍራይ ዓለባን ክዳውንትን ዝተዋፈራ ብዙሓት ትካላት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዛ ምኽኣለን እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብሪሁ፡፡ ኣብ ቦሌለሚ ፖርክ ኢንድስትሪ ዝተዋፈሩ ትካላት ቻይና ፣ታይዋን ደቡብ ኮርያን ኣብ ዘፈራት ምፍራይ ጨርቃ ጨርቂ ፣ክዳውንቲ ፍርያታት ቆርበትን ኣብ ሓደ ማእከል ብምፍራይ ናብ ዕዳጋታት ወፃኢ ከቕርባ ምኽኣለን ተስፋ ዝህብ ክያዶ ከም ዝኮነ እቲ ፀብፃብ የመላኽት፡፡ ኣካያዲ ስራሕ ደቡብ ኮርያዊ ፋብሪካ ዓለባ የሺን ዘፍርዮም ክዳውንቲ ዕጥቂ ስፖርት ዕጥቂ 60 ሚኢታዊት ናብ ኣውሮፖ ፣20 ሚኢታዊ ናብ ኣሜሪካ ፣እቲ ዝተረፈ ድማ ናብ ኤስያ ከም ዝቐርብ ነቲ መርበብ ሓሬታ ገሊፆም፡፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ዘለዋ ትካላት ኤስያ ጥራይ ዘይኮና፣ፒቪኤችን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ዓለም ለኻዊ ኣርማ ዘለወን ኣፍረይቲ ዓለባ እውን ኢትዮጵያ ማዕረፎ ይገብራኣ ምህላወን ኤስያ ኒኬይ ኣፍሊጡ፡፡

 ኢንድስትሪታት ዝፈጥርኦ ዘለዋ ባይታ ስራሕ ካብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዝምረቑ ተምሃሮ ከተኣናግዳ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘላቶ ሕርሻ ዝመርሖ ቁጠባ ናብ ኢንድስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ንምስግጋር ብምባል ትሃንፆም ዘላ ፖርክታት ኢንድስትሪ ዝፈጥርኦ ዓቢ ባይታ ስራሕ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝምረቑ ተምሃሮ ኣብተን ተሃኒፀን ምፍራይ ዝጀመራ ፖርክታት ኢንድስትሪ ተዋፊሮም ዝሰርሑሉ ዕድል ንምፍጣር ምድላው ይግበረሉ ምህላው ሚኒስተር ትምህርቲ ፌዴራል ገሊፁ እዩ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍለ ከምዝገለፅዎ ፣ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኢንድስትሪታት ዝደለይኦ ጠለብ ሓይሊ ሰብ ብፍላይ መደባት ተሃንፆም ተምሃሮ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ብብቁዕ ከይዲ ፍልጠት ፣ክእለትን ኣረኣእያን ክህልዎም እቲ ሚኒስተር ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎን ውፅኢት ክህልዎን እዩ፡፡ ክእለት ምህዞ ተምሃሮ ንምዕባይ ናይ ፈጠራ ስራሕቲ ስልጠናታት ኣብ ዩንቨርስታት ብምሃብ ከምኡ እውን ፈጠርቲ ስራሕን ዕውታትን ሰባት ልምድታቶም ዘክፍልሉ ኩነታት ባይታ ፈጢሩ ክሰርሕ ዝፀንሓ ሚኒስተር ትምህርቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ ንባዕሎም ንስራሕ ብቑዓት ብምግባር ክዳለው ኣብ ምግባር እውን ይስራሕ ከምዘሎ ዶክተር ሳሙኤል ኣፍሊጦም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 በጀት ዓመት 2010 ክልል ኢትዮ-ሶማልያ 15 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ንክኸውን ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣፅዲቑ፡፡

ንተኸታተልቲ 2 መዓልታት ኣብ ከተማ ጅጅጋ ክካየድ ዝፀንሓ 5ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካብቲ ዘፅደቖ በጀት ብተወሳኺ ኣብ 3 ኣዋጃት ዘትዩ ኣፅዲቑ፡፡ እቲ በጀት ኣብ 2010 ዓ/ም ንዝፍፀሙ ናይማይ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና መንገዲን፣ ሕርሻ፣ መስኖን ካልኦት ድኽነት ጠመተ ዝገበረ ፕሮግራማት ልምዓት ዝውዕል እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ዋና ኦዲተር እቲ ክልል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን 2009 ዓ/ም ሰሚዑ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

07/11/2009

17መዳባት ውድባት ፖለቲካ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘፅደቕዎም ጉዳያት ይመያየጡ ኣለው፡፡

እቶም ውድባት ፖለቲካ ንምይይጥ ኣብ ዝተሓረዩ 12 ዛዕባታት ዝሓዘ ቅድመ ሰዓብ መርሃ ግብሪ ንውድባት ፖለቲካ ተዋሂቡ ኣሎ፡፡ ካብቶም ንምይይጥ ዝተሓረዩ ኣጀንዳታት ሕጊ መረፃ ፣ውድባት ፖለቲካ ኣዋጅ ምዝገባን ስነ-ምግባር ውድባት ፖለቲካን እዮም፡፡ ንነፍሰ ወከፍ ኣጀንዳ ካብ 7 ክሳብ 8 መመያጢ ጊዜ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ ኣዋጅ ፀረ ራዕዲ ኣዋጅ ነፃነት ሓሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ፣ኣዋጅ ማሕበራትን ግብረ ሰናይ ፣ኣወዳድባ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ነፍሰ ወከፎም ሓሙሽተ መመያየጢ ነጥብታት ተመዲብሎም ኣሎ፡፡ ኣዋጅ ኣወዳድባ ኣካላት ፍትሕን ናይ ምይይጥ እዋንነት ፣ዜጋታት ኣብ ኩለን ክልላት ናይ ምዝውዋር ፣ናይ ምንባርን ንብረት ምጥራይን ፣ስርዓተ ሕጊ ግብርን ቀረፅን ዝኣምሰሉ ኣዋጃት ነፍሲ ወከፎም 8 መመያጢ እዋናት ተመዲብሎም ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢህወዴግ ፎረም ሚዲያ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ብፕሬዝደንትነት ክመርሕ ተሓርዩ፡፡

ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ኒጀር ከተማ ኒማይ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ እዩ ኢህወዴግ ዝተመረፀ ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ውድባት ምንቅስቃስ ሓርበኛታት ቻድን ፣ሶሻሊዝም ዲሞክራሲ ናይጀርያን ብምክትል ኣቦ ወንበርነት ተመሪፆም እዮም፡፡ እቲ ፎረም ኣፍሪካ ብሚዲያታት ብፅቡቕ ብምልላይ ኣብቲ ኣህጉር ዘለው ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ምቅያር ቀንዲ ዕላምኡ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ሞያ ጋዜጠኛታት ንክዓቢ መድረኻት ዘተ ብምድላው ብዙሕነት ሓሳብ ንምትእንጋድ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡ ካብ 35 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ 47 ውድባት ፖለቲካ ኣባል እቲ ፎረም ከምዝኮና፣ ንቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ዝፀርሓ ፀብፃብ ኢቢሲ የመላኽት፡፡

 ብዓል መዚ ኣታዊ ክልል ኦሮሚያ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 10 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ከም ዝኣከበ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዓመት በጀት 12 ቢሊዮን ብር ንምእካብ እኳ ተተለመ ካብ መንጎ እዚ 10 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ጥራይ ከም ዝኣከበን እቲ በዓል መዚ ካብ ዝተለሞ ኣታዊ 86 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ምዕዋቱ ኣፍሊጡ፡፡ ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኣሕመድ ቱሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ዝተኣከበ እቶት ተቀይሮም ዝሰርሑ 4 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ብር ካብ ነጋዶ 1 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ብር ፣ቀረፅ ካብ ዘይብሎም ኣታዊታት ብር ከም ዝተኣከበ ዕላዊ ገይሩ፡፡ ኣይተ ኣሕመድ ዝተረፈ ኣታዊ ካብ ማሕበራዊ ኣገለግሎት ዝተረኸበ ምዃኑ ብምግላፅ ፣ ኣብ ዓመተ በጀት ካብ ዝተኣከበ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ ክነፃፀር ከሎ ብ20 ሚሊዮን ብር ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ኣብ ዕሸላትን ኣዴታትን ዘጋጥም ሕማም ቲታነስ ካብ ዝተቆፃፀራ 42 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ፣ውድብ ብጥዕና ዓለም ፣ትካል መድሕን ህፃናትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ኣብ ዘካየዶም መረጋገፂ መፅናዕቲ ብመሰረት ዝተቐመጡ ረቋሓታት ቲታነስ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁፅፃር ከም ዝተከኣለ ኣረጋጊፆም፡፡ ሕማም ቲታነስ ኣብ ሓደ ወረዳ ካብ ዝውለዱ ሓደ ሸሕ ህፃናት ናይ ምግጣም ዕድል ትሕቲ ሓደ እንትኸውን ሓንቲ ሃገር ካብቲ ሕማም ነፃ ምካና ከም ዘረጋግፅ ምክትል ዳይሬክተር ጥዕና ኣዴታት ህፃናትን ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ከምኡ እውን መተሓባሪት ኣውራ ከይዲ ስራሕ ክታበት ወይዘሮ ሊያ ወንድወሰን ሓቢረን፡፡ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወለዳ ኣዴታት 80 ሚኢታዊ ክትበፅሕ ምክኣላ ፣ክትትል ሰብ ሞያ ኤክስቴንሽን ጥዕና እናተመሓየሸ ምምፅኡ ፣ተበፃሕነት ክትባት ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ምብፅሓን ፣እቲ ሕማም ሙሉእ ንሙሉእ ንክትቆፃፀር ከምዘኽኣለ ወይዘሮ ሊያ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

06/11/2009

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ዘትዮም፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ኣብ ኣኼባ ፅንፈኛ ዕጡቕ ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ ንምድምሳስ ኣብ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ሕብረት ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን እዩ ምስ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘትዮም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀንዲ መዕረፊት ኢንቨስትመንት ምዃና ጠቂሶም፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህንፀት ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፖርክታት ኢንድስትሪ ዝለዓለ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም፡፡ ኣባላት ኮግረስ ኣሜሪካ ኣብ ህፁፅ እዋንን ተላዒሉ ዝነበረ ህውከትን ዘይምርግጋዕን እውን ሕቶ ኣቅሪቦም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ኣቦ መንበር ጉዳያት ወፃኢ ሴኔት ቦብ ከርከር ብዛዕባ ክልቲኣዊ ርክብ ዘትዮም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ሓለፍቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሴናተራትን ተራኺቦም ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሚኒስተር ምክልካል ሃገርና ኣይተ ሲራጅ ፈጌሳ ምስ ኳታራዊ መዘነኦም ዶክተር ካሊድ ቢን መሓመድ ኢቲያህ ዘትዮም፡፡

ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ ኳታር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ኢትዮያን ኳታርን ትኹረት ብምሃብ ተመያይጦም፡፡ ኳታር ኣብዚ ሕዚ እዋን ንስዑድ ዓረብን ግብፅን ሓዊሱ ምስ ሽድሽተ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ቅልውላው ትርከብ፡፡ ኢትዮጵያ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ቅልውላው ኳታርን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ድጋፋ ኣብ ምግላፅ ትርከብ፡፡ ነዚ ድማ ኩዌት ንተካይዶ ዘላ ሸምግልና ድጋፍ ከምትገብር ምግላፃ ይዝከር፡፡ ኢትዮጵያ ፣ኣሜሪካን ኩዌትን ዝሓርፈፈ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ናብ ንቡር ንምምላስ ንዝካየድ ሽምግልና ዝለዓለ ትኹረት ሂበን ኣብ ምንቅስቃስ ይርከባ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዲፕሎማት ኣሜሪካ ማይክል ራይነር ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይኖም ከም ዝተሓረዩ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣምባሳደር ራይነር፣ ኣሜሪካ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ካብ ምውካል ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕ ልምዲ ዘለዎም ዲፕሎማት እዮም፡፡ ካብ 1988 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ጀሚሮም ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ ዘገልገሉ እንትኾኑ ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቢሮ ሓይሊ ሰብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ምግልጋል ይርከቡ፡፡ ኣምባሳደር ራይነር ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ሃገሮም ዝወከሉ ኮይኖም ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ሰሪሖም እዮም፡፡ ኣምባሳደር ራይነር ኣብ ፖሊስታት ኣፍሪካ ዓሚቕ ልምዲ ዘለዎም እንትኾኑ ፣ካብ መዓዝ ጀሚሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርሖም ከምዝጅምሩ ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር ከም ዘየለ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ፌደራልን ኣርባሕቲ እንስሳን ኣብ ከባታት ኣርባሕቲ እንስሳ ዝናብ ምዝናብ ምጅማሩ ስዒቡ ብምክንያት እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ድርቂ ዝነበረ ፅዕንቶ እናነከየ ምምፅኡ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ፣ጀኔራል ምርግጋፅ ተመጣጣኒ ልምዓት ከባብታትን ክልላትን ኣርባሕቲ እንስሳ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ሰውነት ቸኮለ እቲ ዝዘንብ ዘሎ ዝናብ ቐረብ መስተ ማይን ቐለብን እንስሳት ዝሓሸ ክኸውን ከምዝገብር ገሊፆም፡፡ እዚ ኩነታት ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዘካይድዎ ዑደት ስራሕ ከምዘረጋግፁ ገሊፆም፣ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ይዘነብ ብዘሎ ዝናብ ሳዕሪ ይበቅል ኣሎ ኢሎም፡፡ እዋናዊ ዝኾኑ ፀገማት ድርቂ ካብ ምክልካል ብዝሓለፈ እቲ ፀገም ብዘላቅነት ንምፍታሕ ዘላቂ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተጀመሩ ኣይተ ሰውነት ገሊፆም፡፡ ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ሸሞንተ ሚኢቲ ሽሕን ጥማር ድርቋንከባብታት ኣርባሕቲ እንስሳት ከምዘተከፋሉ ሓቢሮም፡፡ ካብ መንጎ ንዘላቂ መፍትሒ እቲ ፀገም ዝተሳለጡ ስራሕቲ ድማ ኣስታት 4ሽሕን 600 ሄክታር መሬት ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኢትዮ ሶማሊን ህዝብታት ደቡብን ብዘመናዊ መስኖ ሳዕሪ ቐለብ እንስሳት ምልማዕ ከምዝኽኣለን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ትልሚ ከምዝተትሐዘ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፀገም ፈታሒ ምርምር ንዘካይዳ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግስቲ ኣድላይ በጀት ከምዝምድብ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 22 ቢሊዮን ብር ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዋላ እኳ እንተተበጀተ ንፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ዋና ትኹረት ከምዘይተወሃቦ ኣብሪሆም፡፡ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሳይንስ ፣ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን 8ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝገለፅዎ ፣ኣብ መንጎ ዩንቨርስታትን ኢንድስትርን ዘሎ ምትሕብባር ዝለዓለ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ፡፡ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ንቐፃሊ ከከም ኣድላይነቱ ዘገድድ ሕጊ ክወፀሉ ከምዝክእሉ ተዛሪቦም፡፡ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን መኩሪያ ብወገኖም ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ብ226 ተመራመርቲ ንዝቐረቡ ፕሮጀክታት ምርምር ድጋፍ ገንዘብ ከም ዝተገበረሎም ሓቢሮም፡፡ ኣብዚ ዓመት ድማ ን56 ፕሮጀክታት ምርምር 179 ሚሊዮን ብር ድጋፍ ገንዘብ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም፡፡ ጠለብ ቴክኖሎጂ እዛ ሃገር ንምምላእ ንዓሰርተ ዓመታት ዝፀንሕ፣ ኣብ 20 ዘፈራት ቴክኖሎጂ ፍኖተ ካርታ ከም ዝተዳለወ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 05/11/2009

ክረምቲ ወፍሪ ግልጋሎት ሰናይ ተግባር መናእሰይ ማሕበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ሓጋዛይ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፖኬጅ ልምዓት መናእሰይ ቀሪፁ ተግባራዊ ምግባሩ ዝጠቀሱ ኣይተ ደመቀ፣ ኣብ ካልኣይ ዘመን ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ተጠቃምነት መናእሰይ ኣብ ዘረጋግፁ ጉዳያት ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ንምጥንኻር ንናይ ክረምቲ ወፍሪ ሰናይ ተግባር መናእሰይ ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር መናእሰይን ስፖርትን ወይዘሮ ኣበባ ስራጅ ብወገነን ፣ተሳተፍቲ እቲ መርሃ ግብሪ ዝኾኑ መናእሰይ ሰናይ ስራሕ ሰሪሖም ካብ ዝረኽብዎ ዕግበት ብተወሳኺ ጊዜኦም ኣብ ዘይረብሕ ቦታ ከየሕልፉ እውን ሓጋዛይ እዩ ኢለን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን ስራሕን ዘይብሎም ነበርቲ ስዑድ ዓረብ ብዘይ ሓደጋን ምንግልታዕ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ መንግስቲ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብ ርያድ ዝርከቡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘሳልጦም ተግባራት ገምጊሙ ዘዳለዎ ፀብፃብ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣመራርሓ ማሕበራት ልምዓትን ገበርቲ ሰናይን ኣቅሪቡ፡፡ ዜጋታት ከይተንገላትዑ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ እቲ ኤምባሲ ብዘይ ዕረፍቲ ሓላፍነት ይዋፃእ ከምዘሎ እቲ ፀብፃብ የመላኽት፡፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ማሕበራት ልምዓትን ገበርቲ ሰናይን ዝገብረዎ ዘለው ተሳትፎ ንኢዶም ፣ሕጋዊ መንበሪን ስራሕን ዘይብሎም ኢትዮያውያን ዜጋታት ከይተዘናግዑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ስራሕን ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ልዕሊ 400 ሸሕ ዝግመቱ እንትኾኑ ፣ጉዕዞ ዝወሰዱ ዜጋታት እቶም 50 ሽሕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ንተጠቀምቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክረምቲ ፍሉይ ሓገዝ ንዘድልዮም ተምሃሮ ሕበረተሰብ ሓገዝ ክገብር ቀዳማዊት እመቤት ሮማን ተስፋይ ፀዊዐን፡፡

ቀዳማዊት እመቤት ሮማን ተስፋይ ነዚ ፃውዒት ዘቅረባ ኣብዚ ክረምቲ ፍሉይ ሓገዝ ንዘድልዮም ሓደ ሚኢቲ ተምሃሮ ስነ-ስርዓት ድጋፍ ምግብን ገንዘብን ኣብ ዝተገበረሉ እዋን እዩ፡፡ ማኔጅመነት ዳይሬክተር ኣክስዮን ማሕበር ኢሎምቱ እቲ ኢንድስትሪ ዝተወሃሃደ ፃባ ብውልቆም ንሓደ ሚኢቲ ተምሃሮ ንሓደ ወርሒ በቢ መዓልቱ ፍርቂ ሊትሮ ፀባ፣ ፋውንዴሽን ምንካይ ድኽነት ቻይና ድማ 10ሽሕ ዶላር ድጋፍ ኣበርኪቶም፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደሞም ኤች ኣይቪ ኤድስ ዘለዎም ተምሃሮ ዛሕሊ ኽረምቲ ተፃዊሮም ንዝቅፅል ዘመነ ትምህርቲ እንትሰጋገሩ ከይኸብዶም ተወሳኺ ድጋፍ ከምዘድልዮም ወይዘሮ ሮማን ኣዘኻኺረን ነቲ ዝተገበረ ድጋፍ ኣመስጊነን ካልኦት ትካትን ውልቀ ሰባትን ድማ እዚ ተሞክሮ ብምውሳድ ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዐን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ስውዲን ኣብ ዘፈራት ትምህርቲን ሕርሻን ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቅፅል ገሊፃ፡፡

ፕሬዝዳንት ኢፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ጃን ሳዴክን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን ሰብ ሃፍቲ ስውዲን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ኢንቨሰትመንት ክዋፈሩ ከም ዝኽእሉ ገሊፆም እዚ እውን ቀፃልነት ንኽህልዎ መንግስቲ ከምዝደሊ ገሊፆም፡፡ ኣምባሳር ጃን ሳዴክን ብወገኖም ብርክት ዝበሉ ትካላት ስውዲን ኣብ ኢትዮያ ምንቅስቃሳት ምጅማሮም ገሊፆም፡፡ ስውዲን ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኾነ ቡን ናብ ሃገራ ብምእታው ካብ ዓለም ካልኣይ ብርኪ ዝሓዘት እያ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር ብቐፃልነት እውን ኣብ ፍርያታት ዕምባባን ቡንን ብምንቅስቃስ ንግድ ሃገርና ምዕባይ ከምዝካኣል ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ስውዲን እውን ሓገዝ እዚ ልምዓት ከምዝኸውን ገሊፆም እዮም፡፡ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ጃን ሳዴክን ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልቲኤን ሃገራት ንኽጠናኸር ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

04/11/2009

 ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት ዓብድል ዓዚዝ ኣሕመድ ምስ ተቐባሊ ንግስና ኩዌት ሼኽ ናዋፍ ኣል ኣህመድ ኣልጀቢር ኣልሳቤህ ተመያይጦም፡፡

ሸኽ ናዋፍ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ፅቡቕ መልክዐ ምድራዊ ኣቀማምጣን ኩነታት ኣየርን ዝተዓደለት ሃገር ምዃና ገሊፆም ምስ ሃገሮም ዘለዋ ርክብ እውን ሰናይ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ ኣምባሳደር ዓብደል ኣዚዝ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘጋጠመ ምስሕሓብ ብሕታዊ መፍትሒ ኣሚር ኩዌት ሼኽ ሳባህ ኣል ኣሕመድ ኣልጀብር ኣልሳባሕ ዝጀመርዎ ፃዕሪ ምዃኑ ቅድሚ ኩሉ ድጋፍ ኣስሚዓ እያ ኢሎም፡፡ ሕዚ እውን እቲ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ቅዋም ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር እቶም ተቐባሊ ንግስና ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩ ዓዲሞም፡፡ ንዘቐረበሎም ዕድመ ዝተቐበሉ እቶም ተቐባሊ ንግስና ብወገኖም ኩሎም ትካላት መንግስቲ ኩዌት ምስ ኤምባስን ልኡኻትን ኢትዮጵያ ተቐራሪቦም ክሰርሑ እዮም ምባሎም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

 ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 126 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ጌሮም፡፡

ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ድሪባ ኩማ ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ኣብ ዘቕረብዎ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣብቲ በጀት ዓመት 150 ሚሊዮን ብር ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ክእክብ ተተሊሙ ልዕሊ 126 ሚሊዮን ተኣኪቡ ኢሎም፡፡ ኣብታ ከተማ ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ከይሓውስ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ንነዘ ካብ ነበርቲ ልዕሊ 800 ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ንምዕዋት ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ሙላእ ዜጋታት ሃገርና 9 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ተኣኪቡ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሕብረት ኣውሮፖ ንዃዕቲ ዓሚቕ ጎዳጉዲ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃፋ ተንዳሆ ዝውዕል 8 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሂቡ፡፡

እቲ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮፖ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ነቲ ፕሮጀክት ክወሃብ ካብ ዝምደቦ 36 ሚሊዮን ዩሮ ብኻልኣይ ዜና ዝተወሃበ እዩ፡፡ ካብ መንግስቲ ፈረንሳይ በቲ ሕብረት ኣቢሉ ዝወሃብ ዘሎ እዚ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኣካል ተሓዳሲ ሓይሊ ንዝኾነ ህንፀት ተንዳሆ ንምዕዋት ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ዘዐወት እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ፕሮጀክት ሓይሊ ሃፋ ተንዳሆ 100 ሜጋ ዋት ሓይሊ ንምፍልፋል ዝተለመት ኮይና ተወሳኺ 2ሽሕን 5 ሚኢትን ሜትሮ ዝዕምቐት ዓሚቕ ጎዳጉዲ ንምኹዓት እውን ትልሚ ሒዛ ኣላ ይብል ንፀብፃብ ቲንክ ጂኦ ኢነርጂ ዝፀርሓ ኢቢሲ፡፡

 ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ንዝተዋፈሩ መናእሰይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 134 ሚሊዮን ቅርሺ ልቃሕ ተዋሂብዎም፡፡

ከም ኣገላልፃ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ኣይተ ገብረስላሴ ታረቀ ብማሕበር ንዝተወደቡ 4ሽሕን 831 መናእሰይ ብመሰረት ዘቕረብዎ ውጥን ስራሕ ክሳብ ርብዒ ሚሊዮን ቅርሺ ብልቃሕ ተዋሂብዎም ኢሎም፡፡ ምንጪ እቲ ገንዘብ ካብ ተዘዋዋሪ ፈንድ፣ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ፈንድ ውሕስና ምግቢ ከተማታትን ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ገብረስላሴ እቶም ልቃሕ ዝተወሃቦም መናእሰይ ኣብ ህንፀት ፣ምህጣር ከፍቲ ፣ምብርባር ንህቢ ፣ፀባን ንግድን ዝተዋፈሩ እዮም፡፡ ካብቶም ተጠቀምቲ ልቃሕ እተን 2ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ እየን ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡