ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ነሓሰ 2009

11/12/09 ዓ/ም

ሱዳን ዘለዋ ውሱን ሃፍቲ እንስሳ ብኣግባቡ ትጥቀም ብምኮና ኢትዮጵያ ነዚ ልምዲ ከም እትጥቀመሉ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፁም፡፡

ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ነዚ ዝገለፁ ማእኸል መራብሒ እንስሳ ሱዳን ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ እንስሳ ብኣግባቡ ንምጥቃም ካብ እቲ ማእኸል ልምዲ ከም ትወስድ እውን ገሊፆም፡፡ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ክዋፈርሉ ኣብ ዝኽእልሉ ዕድላት እውን መኪሮም ፡፡ ኣባል እቲ ልኡኽ ጉጅለን ሚኒስተር ሓላፊ ጉዳያት ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽንን መንግስትን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ተሞክሮ ኢንቨስትመን ሃፍቲ እንስሳ ሱዳን ንኢትዮጰያ ተሞክሮ ኩኮና እዩ ኢሎም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ትማሊ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተካየደ ሰነ-ስርዓት ምረቃ ኣባላት ሰራዊተ እውን ተሳቲሎም እዮም፡፡ ሱዳን ኣብ ስነ-ሰርዓት ምረቓ ሰራዊት ንኢትዮጰያ ምዕዳማ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ዘመላክት ምኻኑ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም፡፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ኢትዮጰያ ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት መፍረይ መድሓኒት እንስሳ ሓዊሱ ካልኦተ ቦታታትን ዑደት ገይሩ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢዚኣ፡፡

 ሱር ዝሰደደ ፀገም ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ኣብ ከባብታት ገጠር ሃገርና ዝነብሩ 7 ነጥቢ 9 ሚሊየን ወገናት ካብቲ ፀገምም ንክወፁ ዘክእሉ ስራሕቲ ይስርሕ ከም ዘሎ ሚንስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚንስተር ኣብ ፈጠራ ስርሕ ዕድልን ውሕስና ምግቢን ኣብ ከባቢታት ገጠር ኣብ 2009 ዓ/ም ዝፈፀሞም ተግባራት ንምግምጋምን ኣብ 2010 ዓ/ም ትልሚ ንምዝታይ ዘሰናድኦ መድረክ ጀሚሩ፡፡ ኣብቲ ሚኒስተር ሚንስተር ዲኤታ ፍጠራ ዕድል ስራሕ ውሕስና ምግብን ገጠር ኣይተ ደመነ ዳሮታ ኣብ 2ይ ትልሚ ዓበይትን ስግግርንን ዝኸፍኣ ፀገም ውሕስና ምግብ ዘለዎም 7 ነጥቢ 9 ሚሊዮን ኣብ ከባቢ ገጠር ዝነብሩ ወገናት ካብ ፀገም ንኸውፁ ዘክእል ስራሕ እናተፈፀመ እዪ ኢሎም፡፡ ልዕሊ 6 ነጥቢ6 ሚሊዮን ዝኮኑ ወገናት ኣብ ሓለዋ ከባቢን ልምዓት ምስኖን ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ተዋፈሮም መነባብረኦም ንክለዋጡ እናተሰረሐ ምኮኑ ዝተረፉ 1 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ኣካል ጉዳኣት ዓቅሚ ዝሳኣኑ ኣረጋውያንን ድማ ቀጥታዊ ሓገዝ ንከረክቡ እናተሰረሐ ምኳኑ እውን ገሊፆም፡፡ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ውሕስና ምግቢ እቲ ሚንስተር ኣይተ ብርሃኑ ወልደሚካኤል ብወገኖም መንግስቲ ንመፈፀሚ እቲ ፕሮግራም 9 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብርን 611 ሜትር ኪዩብ እኸሊ ምድላው ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጰያ ኣብ ቀፀልቲ 8 ዓመታት 60 ሓደሽቲ ነፈርቲ ንምዕዳግ ምስ 3 ዓበይቲ ዓለም ለኸ ትካላት ውዕል ትኣዝዝ ዕድጊት ፈፂሙ፡፡

መንገዲ ኣየር ኢትዮጰያ ክሳብ 2025 ኣብ ዝሓዞ ትልሚ ካብ ቦይንግ፣ኤርግሰን ቦምባርደየርን ካብ ዝተብሃሉ ኣቅረብቲ ነፈርቲ ንክዕድግ እዩ ውዕሊ ፈሪሙ፡፡ በቲ ትልሚ መሰረት እተን ተወሰክቲ ነፈርቲ ናብ ስራሕ እንትኣትዋ ትርፊ መንገዲ ኣየር ሕዚ ካብ ዘለዋ 2 ነጥቢ 71 ቢሊዮን ዶላር ናብ 25 ሚልዮን ዶላር ክዓቢ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብ92 ነፈርቲ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ዓለም ለኸ መበፅሕ ዘለዎ እንተኸውን እዘን ሓደሽቲ ነፈርቲ እንትውስክ እቲ መንገዲ ኣየር ዘለወኦ ቁፅሪ ነፈርቲ ናብ 152 ብምዕባይ ዝብፅሐሎም ቦታትት እውን ናብ ልዕሊ 140 ክብ ከብል እዩ ተባሂሉ፡፡ ካብዚ ሕዚ እዋን መነገዲ ኣየር ኢትዮጰያ 12 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዘለዎ እንትኾን ኣብ ዓመተ 8 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ተጎዓዝቲ ናብ 100 ዓለም ለከ መብፅሒ ቦታት እናተኣናገደ ይርከብ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ ፡፡

 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብገበን ግዕዝይና ዝተጠርጠሩ መራሒ ጉጅለ ቀረብ ኣቁሑ ኮርፖሬሽን ኮንስትራክሽን መንገድታት ኢትዮጰያ ኣይተ ካሳየ ካቺንን በዓል ዋናን መካየዲ ስራሕን ሃዚ ኣይ ኮንስትራክሽን ኣይተ ዛኪር ኣሕመድን ዘቅረብዎ ሕቶ ውሕስና ደጊሙ ነፂጉ፡፡

ኣይተ ካሳየ ካቺን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ለሳተኮምን ሃዚ ኣይ ኣይ ኮንስትራክሽንን ካብ መካኒሳ ኣለም ገና ስራሕቲ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝምለስ ብልዕሊ 26 ሚልዮን ዝግመት ሬንጅ ብምሃብን ኣብ ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ጉድኣት ብምብፅሖም ተጠጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዊዒሎም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኣይተ ዛኪር ኣሕመድ ድማ ኣብ 2003 ዓ/ም ን ስራሕ መንገዲ መካኒሳ ዓለም ገና ዝውዕል 3 ሚሊዮን 315 ሽሕን 200 ብርን ዘውፅእ 500 በርሚል ሬንጅ ብምውሳድ ክምለስ ኣብ ዝግበኦ እዋን ብዘይ ምምላሶም ኣብ ተመሳሳሊ መጠነ ገንዘብ ጉድኣት ኣብፂሖም ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እዮም፡፡ ፖሊስ ኣብ ተጠርጠርቲ ቆፀሮ ተወሳክቲ 14 መዓልታት ሓቲቱ ቤት ፍርዲ ንትሽዓተ መዓልትታት ቆፀሮ ብምሃብ ንነሓሰ 11 ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ እዩ፡፡ በዚ እውን ፖሊስ ቃል ተጠርጠርቲ ክቅበልን ፣ንብረት ምእጋድን ካልኦተ ስራሕርቲ ከካይድ ምፅንሑ ገሊፁ፡፡ ተጠርጠርቲ ጊዜ ንከይናዋሕ ንቤት ፍርዲ ዋላ እኳ ተሓተቱ እንተኮነ ፖሊስ ዝገብሮ ዘሎ ምፅራይ ዛዚሙ ንኸቅርብ ን22 ነሓሰ 2009 ዓ/ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ እዩ ይብል ፀብፃበ ኤፍ ቢሲ፡፡

 ኣብ ክልተ ጣብያታት ወረዳ ጀረሶ በዝበፀሐ ሓደጋ መብረቅ ሂወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ፡፡

ኣብ ጣብያታት ሙለታና መልጀካ ጀብዳ 7 ነሓሰ 2009 ዓ/ም ምሸት ከባቢ ሰዓት 4 ብዝወቅዐ ሓያል ዝናብ እዩ እቲ ሓደጋ መብረቅ ኣጋጢሙ፡፡ በዚ እውን ነበርቲ እቲ ጣብያ ዝኮኑ ክልተ ውልቀ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ሂወቶም ክሓልፍ ኪኢሉ እዩ፡፡ እቲ መብረቅ 4 እንስሳ እንትቅትል መንበሪ ገዛ እውን ኣቃፂሉ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍ ቢሲ፡፡

10/12/2009

ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ዝገብሩ ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣልበሽር ተዛትዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንፕሬዝዳንት ኣልበሽር ኢትዮያን ሱዳንን ብኢኮኖሚ ንምትእስሳር ይሰርሑ ኣብ ዘለው ስራሕቲ ዙርያ ዘትዮም እዮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ብዋናነት ኣብ መሰረተ ልምዓት መጓዓዝያ ፣ምትሕብባር ውድብ፣ ኣብ ቴክኒክ ኮምኒኬሽንን ልምዓት ሓይልን ዘድሃበ ነይሩ፡፡ እቶም መራሕቲ ንሰላምን ምርግጋዕን እዚ ከባቢ ብሓባር ምስርሖም ኣጠናኺሮም ንክቅፅሉ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረኸበ መረዳእታ የመላኽት፡፡ እቲ ዑደት ኢኮኖሚያዊ ፣ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ርክብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብፅሒቱ ዝለዓለ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ዓብይ መራሒና ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ውሻጠ ናብ መድረኽ ወፅየን ተሳተፍትን ተረባሕቲን ሃገርና ተመዝግቦ ዘላ ዕቤት ክኾና ከምዝገበሩ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለያ ክልላትን ገሊፀን፡፡

 

ሓምሻይ ዓመት መስዋእቲ ዓብይ መራሒ መለስ ዜናዊ ንረብሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ብምዝታይ ከም ዝዝከረ ተሓቢሩ፡፡ እዚ ዝተገለፀ ብብርኪ ሃገርናን ዓለም ለኸን ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ዝተፈፀሙ ተግባራት ንምግምጋም ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ለኸ ዘተ እዩ፡፡ ነቲ መድረኽ ዝመርሓ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ደሚቱ ሃምቢሳ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅኦ ዓብይ መሪሒ መለስ ዜናዊ ነዚ መረጋፂኦም ንምትግባር ለይትን ቀትርን ቡሱል ኣመራርሓ ዝሃቡ ዓበይ መራሒ ከምዝነበሩ ተዛሪበን፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ክልላት ብወገነን ነቲ ዝክረ መዓልቲ ዓብይ መራሒ መለስ ዜናዊ ንደቂ ኣንስትዮ ኩለ መዳያዊ መሰላትን ረብሓታትን ንምርግጋፅ ዝሃብዎ ኣመራርሓ ዝተረከቡ ለውጢ ምፅባይ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ብምዝታይን ንመዘከርታ ኣብ ዝተዳለወ ፖርክ ፈልሲ ብምትካል ክንዝክር ኢና ኢለን፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሬዝዳንት ሃገርና ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሽመት ኣምባሳደርነት ዝረኸቡ ኣምባሳደራት ዝተመደብሉ ሃገር ዕላዊ ኾይኑ፡፡

1. ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን ኣሜሪካ ዋሽንግተን 2. ኣምባሳር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ቻይና ቤጅንግ 3. ኣምባሳር ኣስቴር ማሞ ካናዳ ኦታዋ 4. ኣምባሳደር ዶክተር ሽፈራው ተክለብርሃን ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ 5. ኣምባሳደር ፕሮፌሰር መርጋ በቃና ስዊድን ሳቶኮልም 6. ኣምባሳደር ተበጀ በርኼ ሕብረት ዓረብ ኢምሬት ኣቡዳቢ 7. ኣምባሳር መታሰብያ ታሰ ኳታር ዶሃ 8. ኣምባሳደር ፕሮፌሰር ኣድማሱ ፀጋይ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ 9. ኣምባሳደር ሉሊት ዘውዴ ሩዋንዳ ኪጋሊ 10. ኣምባሳደር ዓሊ ሱሌይማን ፈረንሳይ ፖሪስ 11. ኣምባሳደር ሙሉጌታ ዘውዴ ሱዳን ካርቱም 12. ኣምባሳደር እውነቱ ብላታ ቤልጅዮም ብራስለስ ከምዝተመደቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ መረዳእታ የመላኽት ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ድርቂ ኣብ ዘጋጠመን ከባብታት ጥዕና እንስሳ ንምሕላው ብ91 ሚሊዮን ወፃኢ ክትባት ከምዝተወሃበ ሚኒስተር ልምዓት እንስሳን ሃፍቲ ዓሳን ኣፍሊጡ፡፡

ዘርኢ እቶም እንስሳ ከይጠፍእ ካብቲ ሓደጋ ናይ ምክልካል ስራሕቲ ከምዝተሰርሓ ተገሊፁ፡፡ ሕፅረት ቀለብ እንስሳ ከየጋጥም ልምዓት ቀለብ እንስሳ ክለምዕ ይግበር ከምዘሎ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣብርሃም ተስፋይ ተዛሪቦም፡፡ ብተወሳኺ እውን እዋን ክረምቲ ንቀረብ ቀለብ እንስሳ እናሓገዘ ምኻኑ ገሊፆም፡፡ ኣብ ድርቂ ዘጋጠሞም ከባብታት እንስሳኦም ንዝስኣኑ ዜጋታት ድማ መተኪኢ እናተውሃቦም እዩ ኢሎም፡፡ ብምኽንያት ድርቂ ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ እንስሳት ናብ ዕዳጋ ክቀርቡ ናይ ምጥዕዓም ስራሕቲ እውን ተሰሪሑ እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ 8 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዜጋታት ተፀበይቲ ሓገዝ ክኾኑ ዝገበረ እንትኾን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ እንስሳ እውን ንሓደጋ ኣቃሊዑ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

09/12/2009

 ኣብ ከተማ ጎንደር ተግባር ራዕዲ ንምፍፃም ኣብ ምሽብሻብ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ማራኪ ህውከትን ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ተቓውሞ ክካየድን ዘለዓዕሉ ዝነበሩ 3 ሰብ ባጃጅን ኣብ ክፍለ ከተማ መድሃኒኣለም ድማ ንህውከት ዘለዓዕሉ ወረቐት ክብትኑ ዝተረኸቡ 5 ተለኣኣኽቲ ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡ እቶም ውልቀ ሰባት ብዝተዋደደ ምትሕብባር ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምፅራይ ይግበረሎም ከምዘሎ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ 3 መዓልቲ ኣብታ ክፍለ ከተማ ተግባር ራዕዲ ንምፍፃም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ 2 ሰባት ምስ ዝሓዞም 2 ነቷጊ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሉ፡፡ ብካሊእ ዜና ድማ 6 ነሓሰ 2009 ዓ/ም ኣብ ባህርዳር ነቷጊ ደርብዮም 2 ሰብ ዘቁሰሉ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ሊቦ ከምከም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጎንፂ የመን ንምፍታሕ እጃማ ክትዋፃእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጉዳያት ወፃእን የመን ሓቲቶም፡፡

ኣብደል ማሊክ ዝተበሃሉ እቶም በዓል መዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣህጉርን ዓለምን ዘለዋ ተሰማዕነት ተጠቒማ እቲ ጎንፂ ጠጠው ክብል እጃማ ክተበርክት ፀዊዖም፡፡ ነቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኢትዮጵያ ከም መጠን ኣባል ተቐያሪት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ የመን ዘሎ ጎንፂ ክሃድእ ንዘበርከተቶ ግደ ከም ዝነኣዱ ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተናሓናሕቲ የመን ናብ ሰላማዊ መድረኽ ዘተ ንምምላስ ኢትዮጵያ ፃዕራ ከምትቅፅል ገሊፆም፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን የመንን ካብ 1935 ዓመተ ፈረንጂ ከም ዝጀመረ ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ የመላክት፡፡

 ኩለ መዳያዊ ተጠቃምነት ተሳትፎ መናእሰይ ንምርግጋፅ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነን፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት መናእሰይን ስፖርትን ሃገርና ምስ ትካል ኣማኻሪ ኣቕርቦት ብቑዕ ኣመራርሓ ማሌዥያ /ፔማድ/ ብምትሕብባር ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ዘተኮረ ስልጠና ንዝተፈላለየ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሂቡ፡፡ እቲ ስልጠና መንግስቲ ዘትግብሮ ዘሎ ልምዓት ለውጥን ፖኬጅ መናእሰይ መሰረታውን ቅልጡፍን ለውጢ ንምምፃእ ካብ ማሌዥያ ተሞክሮ ንምቕሳም ዝዓለመ እዩ፡፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን መንግስቲ ንኩለመዳያዊ ተጠቃምነት ተሳትፎን መናእሰይን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣማኻሪ ትካል ኣድራስ ጃላ ብወገኖም ኣብ ማሌዥያ ዘሎ ስእነት ስራሕ መናእሰይ ኣብ ምቕራፍ ውልቀ ዘፈር ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ፕሮጀክታት ክዋፈሩ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡ ኣብ በጀት ዓመት 2009 ኣብ ኢትዮጵያ ን2 ሚሊዮንን 700 ሽሕን መናእሰይ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቦርድ ዩንቨርስቲ መቐለ ንዶክተር ክንደያ ገብረሂወትን ዶክተር ግደይ ይርጋን ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ሂቡ፡፡

እቲ ዩንቨርስቲ ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ እቲ ቦርድ ብመሰረት ኣዋጅ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ 650/2009 ዘቕምጦ ረቋሒ ዘማልኡ ብምኻኖም እዩ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ተዋሂብዎም ዘሎ፡፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ኣካዳምያዊ ስራሓቲን ዝሰርሑ ኮይኖም ሕዚ እዋን ፕሬዝዳንት ዩንቨርስቲ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለው እንትኾኑ ካብ ኮሌጅ dryland agricultur and natural resource ፕሮፌሰር ግደይ ይርጋ ድማ ካብ ክፍለ ትምህርቲ ባይሎጂ እዮም፡፡

 ከም ኤቲምን ካርድ ሞባይል ዝበሉ ምሽጥራዊ ሕትመታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክሕተም እዩ ካብ ዝበሃል 2 ዓመት ዋላ እኳ ተሓለፈ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ኣይተኣወን፡፡

ነቲ ሕትመት ከካይድ እዩ ዝተበሃለ ትካል ሕትመት ብርሃንና ሰላም ናብ ሕትመት ንምእታው ዝደልዩ መፅናዕታት ዘካየደ ዋላ ኳ እንትኾን ዘለኒ ዓቕሚ ነቲ ሚስጥራዊ ሕትመት ንምትግባር ኣይክኣለንን ኢሉ፡፡ ዋና ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ተካ ኣባዲ ናብ ስራሕ ንምእታው ሕፅረት ገንዘብ ፀገም ከም ዝኮኖም ገሊፆም፡፡ ከም ኣገላልፃ እቶም ስራሕ መካየዲ በቲ ትካል ዘድሊ ኩሉ ምድላው ከም ዝተገበረን እቲ ገንዘብ ዝርከብ ክልተ መንገዳት ብልቃሕን እቲ ካሊእ ድማ ምዕባይ ካፒታል ብናይ በዓልካ ነቲ ስራሕ ምጅማር እዩ፡፡ ነዚ ንክኸውን እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ነቲ ሓሳብ ተቐባልነት ንኽረክብ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ኣይተ ተካ ገሊፆም፡፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ነቲ ዝቀረበ ሰነድ ብሰፊሑ ክርኢ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ፡፡ በዚ እውን ትካል ሕትመት ብርሃንና ሰላም ብቐዳምነት ካብ መፋርቕ 2010 ጀሚሩ ሕትመት ሞባይል ካርዲ ክጅምር እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

08/12/2009

ክልላት ተዘዋዋሪ ፈንድ መናእሰይ ብኣግባቡ ኣይጥቀማሉን ዘለዋ ኢሉ ሚኒስተር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር፡፡

ንመናእሰይ ዝተሰለዐ በጀት ካብ ክልተ ክልላትን ሓደ ምምሕዳር ከተማ ወፃኢ ካልኦት ክልላት ብኣግባቡ ኣይጥቀማን ዘለዋ ኢሉ፡፡ እቲ ሚኒስተር እቲ ክልላት ዝወሰድኦ ንመናእሰይ ተባሂሉ ዝተመደበ በጀት ኣብ ምንታይ ከም ዝውዓለ ዘርእይ መስርሕ ከቕርባ ድማ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ኣብ ዓመተ 2009 ንዕድላት ስራሕ መናእሰይ ተባሂሉ 10 ቢሊዮን ብር ምምዳቡ ዝሓበረ ሚኒስተር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብልክዕ ክጥቀማ እንከለዋ ፣ካልኣን ክልላት ግን ብኣግባቡ ከምዘይተጠቀማ ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ሶማልያውያን ስርዓት ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ዝሓሸ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ገሊፆም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ን5 መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ መዋቕር ስርዓት ፌዴራሊዝም ብዙሓት ተሞኩሮታት ከም ዝወሰዱ ገሊፆም፡፡ ነቲ ጉጅለ ዝመርሑ ኣብ ፀሓፊ ሚኒስተር ዕርቅን ሰላምን፣ ውሽጢ ዓድን ፌዴራልን ሶማልያ ዝኾኑ ዓብድላሂ መሓመድ ሓሰን ከም ዝገለፅዎ ፣ሶማልያ ኣብ ጎንፅታትን ግብረ ሽበራን ክትሕመስ ምፅንሓ ብምጥቃስ ፣ኣብ ሶማልያ ግብረ ሽበራ ንምቅላስን ዘላቂ ሰላም ንምምፃእን ሰርዓት ፌዴራሊዝም ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ምኻኑ ሓቢሮም፡፡ ስርዓት ፌዴራዝም ሶማልያ ንምጥንኻር ኣብ ኬንያ ንስዊዘርላንድን ተመሳሳሊ ተሞክሮ ልውውጥ ከም ዘካየዱ ዝሓበሩ መራሒ እታ ሃገር ልኡኽ ፣ስርዓት ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ባህልን ልምድን እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ምኻኑ ጠቒሶም ይበል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡

 ብቀዳማይ ሚኒሰተር ሃገርና ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብር እዩ፡፡

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዑደት ሚኒስተር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነጋሪ ሌንጮ ፣ሚኒስተር ማይን መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ስለሺ በቀለ ፣ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብታ ቦታ ከምርሑ እዮም፡፡ መረዳእታ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ሱዳን ከምዝሕብሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ምስ ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ሓሰን በሽር ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝዓብያሉ ጉዳያት ክዛተዩ እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሓበራዊ ኣብ ዝኾነ ኣህጉራውን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ክዛተዩ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሱዳን ፍሬንድሽፕ መኣከቢ ማእኸል ተራኺቦም፣ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣፍሪካ መግለፂ ክህቡ ድማ ትፅቢት ይገብረሎም፡፡ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ፖለቲካ ፣ኢኮኖሚያዊ ፣ባህላውን ወታደራዊ ዘፈራት ርክበን እናጠናኸረ ምምፅኡን ብተወሳኺ እውን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዘጠናኸሩ ስምምዓት ከምዝተፈራረመ ይዝከር ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡ 

05/12/2009

በዓል ኣሸንዳ ካብቲ ባህላዊ ትውፊት ሓሊፉ፣ ፍልፍል እቶት ይኾን ከምዘሎ ኣብ መሸጣ ጨርቃ መርቅን ክዳውንቲ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ከተማ መቐለ ሓቢሮም፡፡

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትካል ሓድጊ ሳይንስ፣ ባህልን ትምህርቲን ውድብ ሕቡራት ሃገራት /ዩኔስኮ/ ንምምዝጋብ ፃዕርታት ይግበር ምህላው ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ደቀቅትን ኣናእሽቱን ዝተዋፈሩ ነጋዶ ከተማ መቐለ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበርዎ ዓመት መፀ ኣብ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠሉ ጌፃመፅን ንቑኖን ካልኦት ብዙሕ እቶት ከምዝርከብን ኣብ ቅንያት እቲ በዓል 24 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ድምፂ ከም ዝኾኑን ጠቒሶም፡፡ መተሓባበሪ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ፣በዓል ኣሸንዳ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ኣብ መላእ ትግራይ ካብ 15 ነሓሰ ክሳዕ 24 ነሓሰ ብድሙቕ ክኽበር እዩ ክብላ ገሊፀን፡፡

 ቃላይ ኣቢጃታ ካብቲ ዝነበሮ 100 ስኩዌር ኪሎ ሜትር ስፍሓት ፍርቂ ከም ዝነፀፈ ተሓቢሩ፡፡

ቃላይ ኣቢጃታ ካብቲ ዝነበሮ 100 ስኩዌር ኪሎ ሜትር ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ኩነታትን ሰብ ስራሕ ኩነታት ፍርቂ ማለት እውን ኣስታት 50 ስኩዌር ኪሎ ሜትር ጥራይ ከም ዝተረፈን እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ግን ከም ዝነፀፈ ተፈሊጡ፡፡ እቲ ቃላይ መሊሱ ናብቲ ዝነበሮ ንቡር ኩነታት ክምለስ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመርኮዘ ስራሕቲ ከም ዘሎ ብዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋ እንስሳት ጫካ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ ከም ፀብፃብ ብሮድካስቲ ኮርፕሬሸን ኢትዮጵያ፡፡

 ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን በዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ኣይተ ሳምሶን ወንድሙ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

ቅድሚ ሕዚ እውን ነበር ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ዝዝከር እዩ፡፡ ብሓፈሻ ቁፅሪ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ነጋዶን ደላሎን 54 በፂሑ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ተጠርጢሮም ጉዳዮም ብሕጊ እንዳፃረየ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፣ሰብ ሃፍትን ደላሎን ርክብ ዘለዎም 210 ትካላት ውልቀ ሰባትን ንብረቶም ከይንቀሳቐስ ብቤት ፍርዲ ተኣጊዱ እዩ፡፡ 15 ምስ ተጠርጠርቲ ርክብ ኣለዎም ዝተበሃሉ ትካላት እውን ንብረቶም ንከይንቀሳቀስ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ክሲ ክልተ ቻይናውያን ሰብ ሃፍቲ ንክዕፆ ንምግባር ብር 5 ሚሊዮን ተቐቢሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ዓቀብቲ ሕጊ ካልኦት ሰለስተ ውልቀ ሰባትን ተኸሲሶም፡፡

ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ኣበበ ብርሃኑ 2ይ ተኸሳሲ ጌታሰው ተሰማ፣ 3ይ ኣይተ በላይነህ ፋንቱ 4ይ ኣይተ ብርሃኑ ኣባቡን ብሙያ ጥብቅና ዝተዋፈሩ ኣይተ ኣብዮት ተስፋይ 5ይ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለው፡፡ 1ይን 2ይን ተኸሳሲ ምስ ዝተረፉ ተኸሰስቲ ብምምሽጣር ብሽም ሲ.ሲ. ኤስ ኮም ሰርቪስ ሶሌሽንስ ዝፅዋዕ መዝገብ ክሲ ንከቕሪ ብምግባር ብላዕ ብላዕ ንክቕበሉ እዩ እቲ ምንቅስቓሶም እዩ እቲ ክሲ ዝሕብር፡፡ ተኸሰስቲ እቲ ብላዕ ክቕበሉ ተሊሞም ዝነበሩ ካብ ተኸሳሲ ሚስተር ድ ዩናታ ሚስተር ዩ ዥንዋ ምኻኑ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክሴታኡ ገሊፁ እዩ፡፡ ነቲ ክሲ ዝርኣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ገበን ልደታ ንተኸሰስቲ ክሲ ንክበፅሖም ብምግባር ተቓውሞ እንተለዎም ን1 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ከቕርቡ ትዕዛዝ ኣመሓላሊፉ ቐፀሮ ሂቡ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብዝተፈላየ ብርኪ ዝፍፀም ገበን ግዕዝይና ንምክልኻል ፣ንምቅላዕን ክሲ ንምምስራትን ሓበራዊ ስራሕቲ ንምስላጥን ሓበሬታታት ንምልውዋጥን ዘኽእል ሓበራዊ ትልሚ ኣኽበርቲ ሕጊ ዕላዊ ኾይኑ፡፡

እቶም ትካላት ኮምሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፣ ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብዓል መዚ እቶትን ጉምሩክን ፌዴራል ከምኡ እውን በዓል መዚ ሓለዋ ሸማቶን ውድድር ዕዳጋን ብምእካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እዮም፡፡ እቶም ትካላት ብመሰረት ትልሚ ኣብ ሓድሽ ዓመት በጀት ግዕዝይና ብሓባር ንምክልካል ኣብ ዘኽእሎም ዛዕባታት ተመያይጦም፡፡ ዳይሬክተር ምክልካል ግዕዝይና ኮምሽን ስነ ምግባርን ፀረ-ግዕዝይና ፌዴራል ኣይተ ኣክሊሉ ሙሉጌታ እቲ ሓበራዊ ትልሚ ብመሰረት ነቶም ትካላት ዝተወሃበ ሓላፍነትን ተግባርን ጥርኑፍ ብዘይኾነ መልክዑ ከካይድዎ ዝፀንሓ ምንቅስቃሳት ብዝተወደበ መልክዑ ንክፍፀም ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡ ምክትል ዳይሬክተር ምፅራይ መፅናዕትን ሃፍቲ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣይተ ተረፈ ወርዶፋ ብወገኖም እቲ ሓበራዊ ትልሚ ውፅኢታውን ቁልጡፍን ዕማም ንምፍፃም ይሕግዝ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

04/12/2009

ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብን ፣ኣብ ምትእልላሽ ዕዳጋ ናብ ወፃኢ ዝተልኣኹ ምህርትታትን ፣ፍሰት በፃሕቲ ዓዲ ንክውስኽን ኣብ ምግባር ምስ ዓብቲ ዓውዲ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ብምትሕብባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምፍፃሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስተር ኣይተ መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማስያውን ዕውቲ ንክትኸውን እናሰርሓ ምኻኑ ገሊፁ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኢንባሲታት ኢትዮጵያ ፅቡቕ ረኽቢ ንክህልዋ ናይ ሙሉእ ግዜ ስራሕቶም ገይሮም እናሰርሕ ከምዘለው ገሊፆም በዚ እውን እናዛዘመ ኣብ ዘሎ በጀት ዓመት 8 ዓበይቲ ትካት ወፃኢ ስራሕቲ ንክጅምሩ ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡ ምስ ሃገራት ቱርኪ ፣ጃፖን፣ሞሮኮ ፣ብራል ካልኦትን 31መድረኻት ምትሕብባር ቢዝነስ ምስንድኦም ዝገለፁ ኣይተ መለስ ዝምልከቶም ኣብያ ዕዮ ዘጠመረ ቤህራዊ መፍድረኽ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማስያዊን ተመስሪቱ ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት ቆንስላ ኣብያ ፅሕፈታት እቲ ሚኒስተር ብዝፈፀሞም ተግባራት ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ዝውዕሉ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ቅርሺ ዝርክቡ 21 ፍልፍላት ፋይናንስ ልምዓት ምርካቦም እውን ኣይተ መለስ ገሊፆም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ሎብ ዘበን ኣብ 2 ሚሊዮን 237 ሽሕ ሄክታር መሬት ስራሕቲ ዕቀባ ሓድን ማይን ምስላጡ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ፡፡

ሽፋን ተፋሰስ ንምስራሕ ብዝተካየዱ ስራሕቲ ንልዕሊ 2 ሚሊዮንን 56 ሽሕ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ እዩ፡፡ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2009 ገምጊሙ፡፡ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ካባ ኤርጌሳ ዓውዲ ተፈጥሮ ሃፍቲ ኣብ ካልኣይ ትልምን ዕቤትን ስግግርን ዘመናዊን ዝተመሓየሸ ኣተሓሕዛ ተፈጥሮ ----- ብምስፋን ንዘላቒ ውፅኢት ዝሓሸ ኩነታት ብምፍጣር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብ 2009 በጀት ዓመት ልዕሊ 19 ሚሊዮን ህዝቢ ብምስታፍ 2 ሚሊዮን 267 ሽሕ ሄክታር መሬት ለሚዑ እዩ ኣብ ዝድሓነ መሬት ድማ ልዕሊ 256 ሽሕ መናእሰይ ብምስታፍ ብምልማዕ ድማ ተጠቀምቲ ብምኻኖም ተገሊፁ እዩ፡፡ እዚ እውን ፍርያትን መፍረያይነትን እዚ ዓመት ክዓቢ ምግባ እውን ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብ ስራሕቲ ስነ ኣካል ክልላት ኣምሓራ ፣ትግራይ፣ ኦሮሞ፣ደቡብ ሃረርን ምምሕዳራት ከተማ ድሬዳዋን ፅቡቕ ዝበሃል ኣፃፅማ ዝነበረን ምኻኑ ተገሊፁ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ኣብ ዘፈራት ንግድን ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዝተሸሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ገሊፆም፡፡

ፕሬዝዳንት ኢፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ደብዳቤ ኣምባሳደራት 7 ሃገራት ተቐቢሎም፡፡ ሹመት ዘቕረቡ ኣምባሳደራት ፖላንድ፣ ታጃኪስታን፣ ቤኒን ናይጀርያ ሞሪታንያ ፣ጋናን እዮም፡፡ እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ሃገራቶም ኣብ ዘፈራት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት ፣ቱሪዝምን ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘዎን እዩ፡፡ እቶም ኣምባሳደራት እውን ኣብ መንጎ ሃገሮምን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንካር ንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡ ኣብ ዘፈር ንግድን ኢንቨስትመንትን ዝተዋፈሩ ትካላትን ናብ ኢትዮጵያ ንኽመፅኡ ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም እዮም፡፡ ፕሬዝደንት ሙላቱ ብወገኖም እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዎም ፃንሒት ኢትዮያ ምስ ሃራቶም ዘለዋ ርክብ ንኽጠናኸር ብዝበለፀ ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

02/12/2009

ኣብ ከተማ ሃረር ብልዕሊ 300 ሚሊዮን ብር ህንፀት ማእከላት ዕዳጋ ይሳለጥ ምህላው ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ህንፀት ናይቲ ማእከል ዕዳጋ ዝሳለጥ ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብምኽንያት ባርዕ ሓዊ ንብረቶም ዝዓነዎም ነጋዶ ንመንግስቲ እቲ ክልል ብዘቕረብዎ ጠለብ ፣13 ብዓል 8 ደብሪ ህንፃታት ኮይኖም ብሓፈሻ ልዕሊ ክልተ ሽሕን 6 ሚኢትን ድኳናት ንግዲ ዝውንኑ 60 ሚኢታዊ ስራሕቲ ተዛዚሙ ኣብ 2010 ኣገልግሎት ከም ዝጀመሩ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዓብድልከሪም ዓብድል ማሊክ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ከይዲ እቲ ህንፀት ንልዕሊ 100 ሰባት ግዝያዊን ቀዋሚን ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ ምዃኖም ኣይተ ዓብድል ከሪም ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ ኣብ ከተማ ሃረር ካብ 2003 ክሳዕ 2006 ዓ/ም ብዝበፅሓ ባርዕ ሓዊ ዕዳጋ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ዝግመት ንብረት ምዕናው ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ፡፡

 ንንግዲ ወፃኢ ዝሕግዛ ፍሉያት ተሽከርከርቲ ፅዕነት ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምእታው መፅናዕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ንንግዲ ወፃኢ ልዑል ሓገዝ ዘለወን ብዓይነተን ዝተፈለለያ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ፅዕነት ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምእታው ቅድመ መፅናዕቲ ይካየድ ምህላው ብዓል መዚ መጓዓዝያ መራኸቢን ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡ እቲ በዓል መዚ ማሕበራት ናብን ተመላለስቲ ተሽከርከርቲ ፅዕነት ብዘቕረብኦ ጠለብ ናብ ደገ ዝለኣኹ እንስሳት ካልኦት ፍርያታትን ዘጋጥም ምንካይ ፅሬት ፍርያት ኣብ ዝፍትሐሉ መዳያት ተመርኩሱ መፅናዕቲ የሳልጥ ዘሎ ኮይኑ ፣ብዓይነተን ዝተፈለለያ ተሽከርከርቲ ፅዕነት ብዘይምህላወን ናብ ደገ ሰደድ ዝግበሩ ሸቀጣት ፅፈቶም ክንኪን ደረጅኦም ክቕንስን መክኣሉ ዳይሬክተር መረጋገፂ ብቅዓት መጓዓዝያ ፅዕነት እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኣለማዮሁ ወልዴ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ሰደድ ፍርያታት ዕምባባ፣ ኣታኽልቲን ፍረምረን ከምኡ እውን ንእንስሳታት ንምጓዓዝ ዘገልገለን ኣብ ወደብ ዘብፅሓን ፍሉያት ተሽከርከርቲ ብዕድጊት ንምእታው ብትኹረት ይሰርሓሉ ምህላው ድማ እቶም ዳይሬክተር ወሲኾም ኣብሪሆም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 16 ሃገር ለኸ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ምዝገባ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ውድባት ሽውዓተ ሓደሽቲ ዓንቀፃትን ክካተቱ 13 ኣዋጃት ድማ ንኽመሓየሹ ኣብ ስምምዕ በፂሖም፡፡

እቶም ውድባት ፖለቲካ ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ንክካተቱ ካብ ዝተስማምዕሎም ዓንቀፃት ሃገር ለኸ ፖለቲካዊ ውድብ ዝበሃል እንተነኣሰ ኣብ ኣርባዕተ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማን ቤት ፅሕፈት ዘለዎ ክኸውን ተስማዕሚዖም፡፡ ክልላዊ ውድብ ዝበሃል ድማ ክልላዊ ውዳበ ክህልዎን ኣብ ዝተጣየሸሉ ዞባን ወረዳን እንተንኣሰ 25 ሚኢታዊ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ቤት ፅሕፈት ክህልዋ ይግባእ ዝብል ዓንቀፅ እውን ኣካቲቶም፡፡ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ዝኾነ ቦታ ቤት ፅሕፈት ንምክራይ ዝግበር ምንቅስቃስ ብመካራይን ተካራይን ዝውስን ኮይኑ፣ ንምክራይ ቤት ፅሕፈት ዘተዓናቅፍ ተግባር ዝተኸላከለ እዩ ዝብል እውን ተቀሚጡ እዩ፡፡ ሃገራዊ ፖለቲካ መተሓዳደሪ ደንቢ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ በዝሒ ኣባላት፣ ኣወሃህባ ውሳነ ስሩዕ ጉባኤ ዝሳለጠሉ እዋን ከምኡ እውን ናይቲ ጉባኤ ምድላው ኣሰራርሓ ብግልፂ ክቕመጥ ከምዘለዎ ተስማዕሚዖም፡፡ ውድባት ፖለቲካ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ቅድሚ ምክያዶም 30 መዓልታት ኣቐዲሞም ንቦርድ ከፍልጡ ይግባእ ዝብል ሓድሽ ዓንቀፅ ኣብቲ ስምምዕ ተካቲቱ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ዓንቀፅ 1 ክሳብ 31 ክማሓየሹ ዝተበሃሉ እንትኾኑ፣ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣሰራርሓ ሓደ ውድብ ንምምስራት ቁፅሪ በዝሒ ኣባላት 1ሽሕን 50 ዝነበረ በቲ ዝተመሓየሸ 3ሽሕ ክበፅሕ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዝቅፅል 5ተ ኣዋርሕ 8 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዜጋታት ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኮምሽን ሃገራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ፡፡

እቲ ኮሚሽን ኣብ 2009 ዓ/ም ኣብ ፅድያ ዝዘርኡን ከባብታት ኣርባሕቲ እንስሳን መፅናዕቲ ምግባሩ ገሊፁ፡፡ ካብ ግንቦት 15 ክሳብ ሰነ 15/2009 ዓ/ም ብዝካየድ መፅናዕቲ ኩነታት ዝናብ፣ ምንቅስቓስ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ኣብ ሕርሻ ቦታ ዘሎ ኩነታት ዝራእቲ ፣ግምት ምህርቲ ኣቕርቦት ምግብን ማይን፣ ዓቅሚ እንስሳትን ኩነታት ምህርትን ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተዳህሰሱ ተገሊፁ፡፡ በቲ መፅናዕቲ ብዝተረኸበ ውፅኢት ቅድም ክብል ዝነበረ 7 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ንዝቅፅሉ 5ተ ኣዋርሕ ናብ 8 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ክብ ከም ዝብል ተረጋጊፁ፡፡ ምዝባዕ ዝናብ፣ ምንካይ ቀለብ እንስሳ ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ምንካይ ምህርቲን ሕፅረት ዝናብን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ክውስኽ ምክንያታት ከምዝኾኑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምፍታሕ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ፅኑዕ መርገፂ ከም ዘለዋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስተር ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም፡፡

ሚኒስተር ነጋሪ ሌንጮ ምስ ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ኣዲስ ኣበባ መደብሮም ምስ ዝነበሩ ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብ ዛዕባ ምልዓል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንኽህሉን ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዝረኣ ብድሆታት ብቐፃልነት ፍታሕ ክረኽቡ ከም ቀንዲ ዋኒን ወሲዳ ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሮም፡፡ ዶክተር ነጋሪ ብተወሳኺ ፣ከም መበገሲ ዕግርግርን ናዕቢን ኮይኑ ስራሕ ይፈጥረልና ዝብል ሕቶ መናእሰይ ንምፍታሕ መንግስቲ ኣብ 2009 ዓ/ም ልዕሊ 10 ቢሊዮን ብር መዲቡ ናብ ስራሕ ክኣትው ምግባሩ ድሕሪ ምጥቃስ ፣ካብ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ብቅልጡፍ ፍታሕ ንምሃብ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብሕልፊ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንኽሰፍን ትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ገሊፆምሎም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

01/12/2009

ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣገልግሎት ዘቋረፁ ማእኸላት ንግድን ተሽከርከርትን ናብ ስራሕ ክምለሱ ከምዝተገበረ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ፡፡

ትማሊ ምሸት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ዝተደርበየ ነቷጊ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ጉድኣት ከምዘይብፅሓ እውን ገሊፁ፡፡ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣየነው በላይ ኣብታ ከተማ ብኸፊል ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ ነጋዶን ተሽከርከርትን ናብ ስራሕ ክምለሱ ከም ዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡ ተወካሊት መምርሒ ልምዓት ንግድን ኢንድስትሪን እታ ከተማ ወይዘሮ እመቤት ኣሰፋ ብወገነን ዝተዓፀው ሹቓት ገዛ ንገዛ ብምዝውዋር ክኽፈቱ ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ዋልልኝ ዳኘው ድማ ትማሊ ምሸት ኣብ መንገዲ ኣስፋልቲ ዝተደርበየ ነቷጊ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ጉድኣት ኣየብፅሓን ኢሎም፡፡ 5 ተጠርጠርቲን ነቲ ዕላማ ዝውዓለት ሚኒባስ መኪናን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምፅራይ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም፡፡ ብማሕበራዊ ድሕረ ገፃት ዝተፀውዐ እምቢታ ሰፊኑ ንዘሎ ሰላም ንምህዋኽ ሓይልታት ራዕዲ ኾነ ኢሎም ዝተለምዎ ተንኮል እዩ ኢሎም፡፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣቐዲሙ ብምውፋር ሰላም እታ ከተማ ኣብ ምሕላው ይርከብ ኢሎም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመረ ምቅላዕ ሓሶት መረዳእታ ትምህርቲ ኣሰራርሓ ወፅይሉ ክትግበር ይግባእ ኢሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ጥምረት ኮምሽነራት ፀረ ግዕዝይናን ክልላትን ፌዴራልን፡፡

ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ጥምረት ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ክልላት ብተናፅል ዝገብርኦ ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ ለውጢ ከምፅእ ስለዘይኽእል ብብርኪ ፌዴራል መስርሕ ተዳልይሉ ክትግበር ይግባእ ተባሂሉ፡፡ ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ምፅራይ ክሲ ኮምሽን ፀረ ግዕዝይና ክልል ትግራይ ኣይተ ሓጎስ ወልደዋህድ ብመዳይ ምፅራይ ሓሶት መረዳእታ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ፅቡቕ ክያዶ ከምዝኸደ ገሊፆም እቲ ፀገም ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ፅዕንቶ ኣብ ግምት ብምእታው ካልኦት ክልላት እውን ልምዲ ክቐስማ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኮሚሽነር ኮምሽን ፀረ ግዕዝይና ክልል ኣምሓራ ኣይተ ዝጋለ ገበዮሁ ብወገኖም ክልሎም ብሓሶት መረዳእታ ትምህርቲ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝተቆፀሩ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ዓርሶም ከቃልዑ ኣብ ዝሃቦ ግዘ 506 ስራሕተኛታት ምቅልዖም ገሊፆም ክልላት ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ዘይሕጋውያን ዘፈፍቲ ዓሳ ኣብ ሃፍቲ ዓሳ ቃላይ ጫሞ ሓደጋ የብፅሑ ኣለው ተባሂሉ፡፡

ንኣናእሽቲ ዓሳ ዝዘፍፍ መርበብ ኣብቲ ቓላይ ኣብ ረብሓ ይውዕል ብምህላው ሃፍቲ ዓሳ ይመናመን ኣሎ ተባሂሉ፡፡ ኣብቲ ቃላይ፣ ዓሳ ብምዝፋፍ ዝተዋፈሩ ማሕበራት ብሰንኪ ዘይሕጋውያን ሰባት ንዝዳኽም ዘሎ ሃፍቲ ዓሳ እቲ ቃላይ ንምምላስ መንግስቲ ጥቡቕ ቁፅፅር ከካይድ ፀዊዖም፡፡ ምክትል ሓላፊ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን ዞባ ጋምጎፋ ኣይተ ኣመኑ ኣጩሮ ብወገኖም መተሓሳባይነት እቲ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ግብረ መልሲ ዝህብ ጉጅለ ተጣይሹ ናብ ምንቅስቃስ ኣትዩ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ባዮ ቴክኖሎጂ ሳይንስ ንምትግባር ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ቆላሕታ ምሃብ ከም ዘድሊ ተገሊፁ፡፡

ባዮ ቴክኖሎጂ ሳይንስ ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ጠመተ ምሃብ ከም ዘድሊ መፅናዕታት ዘመልክቱ ኮይኖም፣ኣብ ብዝሃ ህይወትን ከምኡ እውን ዓውደ ሕርሻ ንምምዕባል ሳይንስ ዘድሊ ኾይኑ ብጥንቃቐን ብሓበሬታን መፅናዕቲን ዝተሓገዘ ክኾን ከም ዝግባእ ተሓቢሩ፡፡ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ባዮ ቴክኖሎጂን ሕርሻዊ ባዮ ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዶክተር ዳዊት ተስፋይ ፣መስርሕ ባዮ ቴክኖሎጂ ብዝተፈላለዩ ባህላዊን ዘበናዊን ኣካይዳ ንኣስታት 6ሽሕ ዓመታት ክጥቀምሉ ዝፀንሓ ኮይኑ፣ ባዮ ቴክኖሎጂ ብሳይንስ ተሓጊዙ ኣብ ዓውደ ሕርሻ እንተድኣ ተጠቂምና ፍርያታት ዘራእቲ ስስን ኣብ ምውሳኽን ሕማማት ዘራእቲ ኣብ ምክልኻልን ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ርኡይ ግደ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም፡፡ ዶክተር ዳዊት ብተወሳኺ ፣ከም ኢትዮጵያ ዝኣምሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢን ጥዕናኡ ዝተሓለወ ቁጠባ ንምህናፅ ሓጋዛይ እዩ ክብሉ ሓቢሮም ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡