ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ጳጉሜ 2009

01/13/2009

ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኮኑ ናውቲ ኤሌክትሪክስ ንምእላይ ዘክእል ረቂቅ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡፡

ሚኒስተር ሓለዋ ካባብን ኣግራብን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ከምዝገለፆ ምስ ዕብየት ምጣነ ሃፍቲ ሃገርና ተኣሳሲሩ ምጥቃም ኤሌክትሪክን ኣቕሑ ኤሌክትሮኒክስን ሕብረተሰብ እናዓበየ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡ ምስዚ ብዝተዛመደ ግልጋሎቶም ዘቋረፁ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስን መጠን ክውስኽ ክኢሉ እዩ፡፡ በዚ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝበፅሕ ብክለትን ዝለዓለ እዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ክንዲ ዘየገልግሉ ኣቕሑ ኤሌከትሮኒክስ ምውጋድ ኣብ ገዝኡ ከም ዘቕመጥ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፁ ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሚኒስተር ግንዛበ ካብ ምዕባይ ጀሚሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ተዋዲዱ ንምስራሕ ዘኽእሉ ረቂቕ መምርሒ ተግባራዊ ክግበር እዩ፡፡ እዚ ሕጊ ካብ ምዕባይ ግንዛበን ምዝርጋሕ ሕግን ብዝዘለለ ቅፅዓት ዘስዕብ እንትኾን ክሳብ ሕዚ እቲ ስርዓት ንምዝርጋሕ ዘኽእል ኣወዳድባ ኣብቲ ሚኒስተር ከምዝተዘርግሓ ተገሊፁ፡፡ እቲ ሕጊ ፀዲቑ ኣብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት እቲ ሓድሽ ስርዓት ናይ ምዝርጋሕ ስራሕቲ ክጅምር እዩ ተባሂሉ ኢሉ ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

  ስርዓት ህንፀት ልምዓትን ዲሞክራስን ሃገርና ንምቅልጣፍ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣብያተ ምኽሪ ክጠናኸሩ ከም ዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ኣባዱላ ገመዳ ነዚ ዝገለፁ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማታትን እዩ፡፡ ውክልና ህዝቢ ዘለዎም ኣብያተ ምኽሪ ድልየት ዜጋታት ንምምላእ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብምኻኖም በቢ እዋኑ ዓቕሞም ብምዕባይ ኣብ ውሽጢ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ብፂሕቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም፡፡ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተዳለወ ሓበራዊ ምኽክር መድረኽ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተወከሉ ኣፈ ጉባኤታትን ምክትል ኣፈ ጉባኤታትን ከምኡ እውን ኣከብቲ ቀወምቲ ኮሚቴን ይሳተፉ ኣለዉ፡፡ እቲ መድረኽ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት በቢ ኣብያተ ምኸሩ ዝተፈፀሙ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ልውውጥ ተሞክሮታት ብምክያድ ፣ብቐፃሊ ኣብያተ ምኽርን ቀወምቲ ኮሚቴታትን ከምኡ እውን ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምጥንኻር ኣንፈት ከምዘቅምጥ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

በዓል መዚ ኣታዊን ጉምርክን ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 10 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር እቶት ከም ዝኣከበ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ኣብ ኣፈፃፀማ ስራሕ 2009 ኣብ ዘሳለጦ ገምጋም ኣብ ሓድሽ ዓመት በጀት 2010 ዝሓሸ ዕማም ንምፍፃም ዝሓንፀፀ ኮይኑ ካብቲ ኣብ 2009 ዓ/ም ብዝተኣከበ 10 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር እቶት ካብ ዝተተሓዘ ትልሚ እቲ 88 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከዕውት ምኽኣሉ ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኣሕመድ ቱላ ኣረዲኦም፡፡ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ፀጥታ ግንዛበ ከፋሊ ግብሪ ከምቲ ዝድለ ዘይምቕያሩን ካልኦትን ብድሆታት 100 ሚኢታዊ ከይዕወት ካብ ዝገበርዎ ምዃኖም ዝሓበሩ ኣይተ ኣሕመድ ዕለታዊ ኣታዊኦም ግምታዊ ምስ ምካን ተኣሳሲሩ ዝነበረ 94 ሽሕን 508 ጥርዓናት ከፈልቲ ግብሪ ልዕሊ 86 ሽሕ ምላሽ ከም ዝተዋሃቦም ኣብሪሆም፡፡ እቲ ክልል ኣብዚ ሓድሽ ዓመት በጀት ካብ ምምሕዳር ከተማታት ካብ ግብርን ቀረፅን ልዕሊ 13 ቢሊዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ከም ዝሓዘ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ፡፡

 ውፅኢት ኣብ 2009 ዓ/ም ሃገር ለኸ ፈተና መእተዊ መሰናድኦ ዝወሰዱ ተምሃሮ ሎመዓንቲ ዕላዊ ኾይኑ ኢሉ ኤጀንሲ ሃገር ለኸ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ፡፡

ተፈተንቲ ውፅኢቶም ኣብ ድሕረ ገፅ እቲ ኤጀንሲ http// www.neaea.Gov.et/grade 10 /home/ student መለለይ ቁፅሮም ብምእታው ክሪኡ ይካኣል ኢሉ፡፡ ሎም ዘበን 1 ሚሊዮን 240 ሽሕ 985 ተምሃሮ ፈተና ምውሳዶም እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዓለም ለኸ ምትሕብብር ኤጀንሲ ኮርያ /ኮይካ/ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ዝሰርሕ ፕሮጀክት ዕላዊ ገይሩ፡፡

ብኣርባዕተ ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝሳለጥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ኣብ ኣርባዕተ ከባብታት ዝትግበር እዩ ተባሂሉ፡፡ እቲ ኤጀንሲ ናብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኮ መግለፂ ከም ዝሓበሮ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን ዝስትውዕሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዝሰርሕ አዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶህ ያንግ ኣህ እቲ ፕሮጀክት ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን ኣብ ምምሕያሽ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተዛሪቦም፡፡ እቲ ፕሮጀክት ዝሓዞም ትልምታት ክውን ንምግባር ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ካልኦት ኣካላት ሰብ ብፅሒት ትሕብብር ፀዊዖም፡፡ ሓላፊ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ብወገኖም እቲ ፕሮጀክት ግልጋሎት ጥዕና እቲ ክልል ኣብ ምጉልባት ብፅሒት ዕዙዝ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ፕሮጀክት ጉድ በርስ ኢትዮጵያን ፖዝ ፋይንደር ምስ ዝተበሃለ ትካላት ሓገዝ ብምትሕብባር እዩ ተግባራዊ ዝኸውን ተባሂሉ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብዚ ሎሚ ዓመት ክረምታዊ ሰናይ ተግባር ስራሕቲ መናእሰይ ልዕሊ 1 ቢሊዮን ብር ግምት ዘለዎም ስራሕቲ ተዓሚሙ፡፡

ኣብ ክረምታዊ ስራሕቲ ሰናይ ተግባር መናእሰይ ልዕሊ 12 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ሎሚ ዕለት መዕፀዊ ክረምታዊ ሰናይ ተግባር ስራሕቲ መናእሰይ 2009 ዓ/ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዳማ መርሃ ግብሪ ሽልማት ኣፍልጦ ተሳሊጡ፡፡ ኣብቲ መዕፀዊ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣባዱላ ገመዳን ሚኒስተር መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ርስቱ ይርዳው ሓዊሱ ሓለፍቲ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም እዮም፡፡ ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣባዱላ ገመዳ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእክቲ እቲ ስራሕ ሰናይ ተግባር መናእሰይን ኣብታ ሃገር ህንፀት ገፅታ ኣወንታዊ ብፅሒት እናተዋፅኣ ምዃኑ ገሊፆምይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ክልል ኢትዮሶማሌ ኣብ ዘፈራት መንገድን ማይን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሕብረተሰብ ተረባሒ ገይሮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ማይ ኣቅርቦትን መንገዲ ዘፈራትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ዝገበሩ ምኻኖም ርኢቶኦም ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝሃቡ ነበርቲ ገሊፆም፡፡ ቅድሚ 10 ዓመት ሽፋን ኣቅርቦት ንፁህ ዝስተ ማይ ከተማታት ብማእኸላይ 18 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ልምዓትን እታ ክልል ኣይተ ኣቦዲሓም ኣሕመድ ኣብዚ እዋን ናብ 64 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝተገበረ ገሊፆም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡