ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ጥቅምቲ 2010

29/02/2010

ዓለም ለኸ ትካል ያራ ኖርዎይ ኣብ ሃገርና ኣብ ምፍራይ መሰሰኒ ምህርቲ ንምውፋር ተስማሚዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ እቲ ኩባንያ ስቬን ቶሬ ሆልሴተርን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ብፍላይ ኣብ ክልል ዓፋር ሃገርና እኹል መዓድን ፖታሽ ስለ ዘለዋ እቲ ኩባንያ ኣብ ምፍራይ እንተተዋፊሩ ተረባሒ ክኾን እዩ ኢሎም። እቲ ትካል ምፍራይ እንትጅምር ድማ ሸርፊ ወፃኢ ዓዲ ካብ ምድሓኑ ብተወሳኺ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ። ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ያራ ስቬን ቶሬ ሆልሴተር ብወገኖም ትካልና ኣብ ምፍራይ መዳበርያ ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ብምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ንምውፋር ምሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኢትዮጱያ ዘለውዋ ተፈጥሮኣዊን ሰብሰራሕን ሓድግታት ተዓቂቡ ክፀንሕ ምስ ዩኔስኮ ብሓባር ከምትሰርሕ ገሊፃ።

ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 39 ዓመታዊ ጉባኤ ዩኔስኮ ዝተረኸቡ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጱያ ዶክተር ጥላዮ ጌቱ ኢትዮጱያ ኣብ መዳይ ትምህርትን ምንካይ ድኽነትን ዘለዋ ምንቅስቓስ ገለፃ ጌሮም። እቲ ትካል ኣብ ቃልሲ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝንኣዱ ዶክተር ጥላየ ሃገራዊ ፖርክ ጎቦታት ሰሜን ካብ መዝገብ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሓርበኛታት ክወፅእን ስርዓት ገዳ ኣብ ዘይድህሰስ ሓድግታት ክምዝገብን ንዝገበሮ ድጋፍ እውን ኣመስጊኖም። ኢትዮጱያ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ትካል ፣ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባሀልን ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ኣባል ሃገራት ክድግፉ እውን ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ማእከላት ኢንፎርሜሽን ኮምኒኬሽን ቴክኖሎጂን ቤተ-ፈተነ ኬሚካላትን ብዘይምምልኦም ኣብ ትምህርቶም ኣሉታዊ ፅልዋ እናሓደረ ምዃኑ ተምሃሮ 2ይ ብርክን መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ገሊፆም።

እቶም ማእኸላት ብዘይምምልኦም ፣ዛጊድ ብተግባር ዝተደገፈ ምምሃር ምስትምሃር ከይሳለጥ ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ተመሃሮፐ 10ይን 12ክፍሊን ገሊፆም እዚ ድማ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ክልስ ሓሳብ ጥራሕ ዝተደረኸ ብምዃኑ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ምህላው እቶም ተመሃሮ ሓቢሮም። ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ካልኣዩ በርሃ ብወገኖም ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሓይል ሰብን ንመምሃሪ ዝውዕል መሰረታውያን ነገራት እናተማልኡ ዋላ እኳ እንተኾነ ዝተማልኣ ቤተ ፈተነ ዘይምህላው ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እቲ ከተማ ብተደጋጋሚ ዘቅረብዎ ሕቶ መልሲ ከምዘይተውሃቦም ገሊፆም። ምስ እዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 15 ዓመታት ዘገልገሉ ኬሚካላት ክእለዩን ኣብ ክንድኦም ካልኣት ሓደሽቲ ክትክኡ ዘቅረብዎ ሕቶ እውን ኣወንታዊ መልሲ ከምዘይተውሃቡ እቶም ርእሰ መምህር ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ሓድሽ ገብረመድህን ብወገኖም ነቶም ፀገማት ንምፍትሕ ናብ ዝምልከቶ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም። ዛጊድ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ 1 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ማእኸል ቤተ ፈተነ ክህነፅ ምኽኣሉን 1 ሺሕን 2ሚኢትን ወናብርን ጠረዻዛታትን ተገዚኦም ናይ ምጥንኻር ስረሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። ምስዚ ብተወሳኺ 110 ሽሕ ብር ተመዲቡ ካልኦት ቤተ ፈተነ ንምስራሕ ን መቕረብቲ ትካላት ጨረታ ምውፅኡ ገሊፆም። ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ፀገም ብዘላቒ ንምፍታሕ ድማ ንቢሮ ትምህርቲ ክልልን ትምህርቲ ሚኒሰተር ሕቶ ከምዘቕረቡ ተገሊፁ ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ዝሓሸ ስርዓት ግልጋሎት ጥዕና ምፍጣርን ምስፍሕፋሕን ይግባእ ክብል ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስተር ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃነ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ሃገር ለኸ ጉባኤ ጥዕና እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ነቶም ሚኒስትር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ሰራሕ መንግስቲ ቢሮታት ሓለዋ ጥዕናን ተረኺቦም እዮም። ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃነ እቲ ጉባኤ ንዓውደ ጥዕና ዝህልዎ ረብሕ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፆም ዛጊድ ዝተረኸቡ ዓወታት ድማ ካብ ሚኒስተሮም ጀሚሩ ቢሮታትን ኣብያተ ዕዮ ጥዕናን ብዝሰርሕዎ ስራሕቲ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ዝርግሓ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ምድጋስ ዘሎ ብምዃኑ ዝለዓለ ጠመተ ዘድልዮ ስራሕ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ጥዕና ተሞክሮ ኣማዕቢሎም ዝተበሃሉ ቢሮታት ሽልማት ተዋሂቡ እዩ ኢሉ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ውሽ ቁፅሪ ሓደ ዝተበሃለ ዓባይ ኩባንያ ቻይና መፍረያይ ጨርቃ መርቂ ኣብ ድሬዳዋን ዝተዋደደ ኢንደሰትሪ ጨርቃ መርቂ ንምጥያሽ ስምምዕ ፈሪሙ።

እቲ ስምምዕ ብኮምሽን ኢንቨስትመንት ብሓለፍቲ እቲ ኩባንያን ኣብ ቻይና ውሽ ከተማ ኣካይዶም። እቲ ኩባንያ ኣብቲ ዝሃንፆ ፋብሪካ ክርን ጨርቃ መርቅን ከምዝፈሪ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ትካል ልዕሊ 100 ዓመት ኣብቲ ዘፈር ልምዲ ዘለዎ ኾይኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓመት ልዕሊ 26 ሽሕ ቶን ክርን ልዕሊ 30 ሚሊዮን ሜትር ጨርቂ እናፍረየ ይርከብ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣበበ ኣበባዮሁ ኣብቲ እዋን ስምምዕ ከምዝበልዎ እቲ ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ናብ ወፃኢ ዝለኣኩ ፍርያታት ማእከል ዝገበረ ፣ዘላቅን ዝተዋደደን ማእከል ኢንድስትሪ ጨርቃ መርቅን ኣልባሳትን ዝገበር ፃዕሪ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ሩባ ኣዋሽ ብምጥቓም ልዕሊ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘረኢ ምሽፋኑ ክልል ዓፋር ኣፍሊጡ።

ሩባ ኣዋሽ ብምጥቃም ብመስኖ ኣፍረይቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ልዕሊ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ምሽፋኑ ቢሮ ኣርባሕቲ እንስሳን ሕርሻን ክልል ዓፋር ኣፍሊጡ። እቶም ክፋል ኣርባሕቲ ሕብረተሰብ ብተደጋጋሚ ዘጋጥሞም ፀገም ምትእስሳር ዕዳጋ ሎሚ እውን ከምዘተሓሳሰቦም ተዛሪቦም። እቲ ቢሮ ፀገም ዕዳጋ ከየጋጥሞም ምስ ማሕበር ሸማቶን ነጋዶን ምትእስሳር ዕዳጋ ክፈጥር ዝለዓለ ፃዕሪ እናሰርሓ ከምዘሎን ሓቢሩ።

28/02/2010

በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጱያ ብቁፅፅር ትራፊክ ነፈርቲ ዘሰልጠኖም 17 ሰልጠንቲ ዜጋታት ጅቡቲ ኣመሪቑ።

ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኣን ሃገራት ዝተፈፀመ እቲ ስልጠና ጅቡቲ 150 ሽሕ ዶላር ወፃኢ ዝገበረት ኮይና እቶም ተመረቕቲ ስልጠና ስሪዲ ኣቬሽን ማእኸል ሲሙሌተር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ዝተወሃቦም እዮም። ምክትል ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሽመልስ ክብረኣብ እቲ ዝተወሃበ ስልጠና ካብ ምጥንኻር ርክብ ኢትዮጱያን ጅቡቲን ሓሊፉ ውሑስ ከባቢ ጉዕዞ ነፈርቲ ክህሉ ዝገብር እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ዘይሕግዊ ዕዳጋ ወርቂ ኣብ ኣታዊ እዛ ሃገር ዓብይ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ ኢሉ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጱያ።

እቲ ባንኪ ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ንመቕረብቲ ወርቂ 5 ሚኢታዊ መተባብዒ እናሃበ ዝፀንሓ ኾይኑ መጠን ክሳርኡ ካብ 80 ክሳብ 100 ሚሊዮን ብምብፃሑ እቲ መተባብዒ ከምዝተቋረፀ ገሊፁ። እቲ ዘፈር ዝፈጥሮ ዕድል ስራሕን ፀሊም ዕዳጋ ወርቂ ንምንካይን ኣብቲ ወርሒ ብዝተተመነ ዝለዓለ ዋጋ ወርቂ ዝግበር ዕድጊት ይቕፅል ኣሎ ኢሉ። ቅድሚ ሕዚ ካብ 150 ግራም ንላዕሊ ዝቕበሉ ዝነበሩ ናብ 50 ግራም ከምዝወረደ እውን ገሊፁ። ኣብ 2010 ዓ/ም ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት እቲ ባንኪ 5 ቢሊዮን ብር ከም ዘድልዮ ዝገለፀ እቲ ባንኪ ኣታዊኡ ድማ 11 ቢሊዮን ብር ክኾን ተሊሙ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ፍርያት ከየጋጥም ንኣቕርቦትን ጠለባትን ፋይናንስ ትኹረት ከምዝገብር ሃገራዊ ባንኪ ገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣፈፃፅማ 3 ወርሒን በጀት ዓመት 2010 ዓ/ም ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘቕረበ ኾይኑ ገዛኢ እቲ ባንኪ ኣይተ ተክለወልድ ኣጥናፉ ምኽንያታት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መመሓየሺ ሸርፊ ወፃኢ ገለፃ ጌሮም። ኣብ ዓለም ዘሎ ቅልውላው ፋይናንስ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ዝተሓተ ናህሪ ዋጋ መሓዙት ንግዲ ተወዳደርቲ ክኾኑ ኣይክኣሉን ዝበሉ ኣይተ ተክለወልድ ካሊእ ድማ ኣሜሪካ መጠን ሸርፊ ክብ ብምባላን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓባን ካልኦት ሃገራት ዓለም ኣብ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾና ብዘይምኽኣለን ተመን ሸርፊ ወፃኢኣን ትሕት ብምባለን እዩ ኢሎም። ናህሪ ዕዳጋ ኢትዮጱያ ብመንፅር ናይ ንግዲ መሓዙታ ዝተሓተ ምዃኑ ብምግላፅ ሸርፊ ወፃኢ እተን ሃገራት ፅዕንቶ ስለዘሕደረለን ክነስተኻክል ተገዲድና ኢሎም። ምምሕያሽ እቲ ሸርፊ ከጋጥሙ ዝኽኣሉ ፀገማት ኣብ ግምት ምእታዎም ዝገለፁ ገዛኢ ሃገራዊ ባንክ ኣይተ ተክለወልድ ኣጥናፉ ኣብ 2010 ዓ/ም ምርግጋዕ ዋጋ ዕዳጋ ፣ተመን ሽርፊ ወፃኢ ፣ስርዓት ፋይናንስ፣ ምቅፃል ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ጥበብ ኣሰራርሓን ትኹረት ዝወሃቦም እዮም ኢሎም። ናህሪ ዕዳጋ ብንፅል ኣሃዝ ክቕፅል ከምዝተተለመ ብምግላፅ ንኣቕርቦትን ጠለብን ፋይናንስን ቅድሚያ ክወሃብ እዩ ኢሎም። ብመሰረት ትልሚ እቲ ባንኪ ንምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንመወሃሃድቲ ፍርያት ሕርሻ፣ ኣፍረይቲ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ኣቕሑት ዝትክእ ንብረት፣ ድጋፍ ልቓሕን ህንፀት ዓቕምን ክግበረሎም እዩ ኢሎም። ካብ ወፃኢ ካብ ዝኣትው ናውቲ ዝተወሰነ ወሰኽ ከጋጥም ከምዝኽእል ዝገለፁ ኣይተ ተክለወልድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምፍራይ ኣቢልካ ክፍታሕ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ልቓሕ ቁፅፅር ክግበር እዩ ዝበሉ እቶም ገዛኢ ባንኪ ውልቀ ባንክታት እውን ብመሰረት እቲ ዝወፀ ትልሚ ከለቅሑ ከም ዝገብርን መሰረታዊ ሸቀጣትን ነዳድን መንግስቲ ብምድጓም ብዘለዎም ዋጋ ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ይበል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ሓገዝ ኢትዮጱውያን ሓካይም ብሶማልያውያን ዓሚቕ ስምዒት ምሕዝነትን ርክብን ዝፈጠረ እዩ ኢሎም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ መቃድሾ ንዝበፅሓ ሓደጋ ስዒቡ ሓገዝ ሕክምና ንምሃብ ንዝወፈሩ ሰብ ሞያ ኣፍልጦን ምስጋናን ኣብ ዝሃብሉ እዋን ዝተረኸቡ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ንህንፀት ሰናይ ምስሊ ሃገሩ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ኢትዮጱያ 360 ሳባት ዝቀንፀለ መጥቃዕቲ መቃድሾ ምስ ተፈፀመ 7 ቶን ኣፋውስ 4 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሓካይምን ንሶማልያ ልኢኻ እያ። መራሒ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ዶክተር ኣስቻለው ጌታቸው ወፍሮም ዕውት ምንባሩ ብምግላፅ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ምውፅኦም ዕግበት ከምዝፈጠረሎምን ልምዲ ዝረኸብሉ ሃዋህው ምንባሩን ገሊፆም ይብል ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኣብ ምትግባር ዝርከብ ፕሮጀክት ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራ ከባብታት ሙሉእን ከፊልን ኣርባሕቲ እንስሳ ነዚ ዓመት 800 ሚሊዮን ብር በጀቱ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሚኒስተር እንስሳን ሃፍቲ ዓሳን ገሊፁ።

ኣብ ክልተ ምዕራፍ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት ዘላቂ መማሓየሺ ናብራ ኣርባሕቲ እንስሳ እቲ ቀዳማይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኢትዮ-ሶማሌን ዝፍፀም ዘሎ ኾይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክልላት ህዝብትት ደቡብን ኦሮምያን ዝትግበር እዩ። መተሓባበሪ እቲ ሃገራዊ ፕሮጅክት ኣይተ ጀማል ኣልዩ ንምምሕያሽ ናብራ እቶም ከባብታት ምችው ምርባሕ እንስሳ ቀለብ እንስሳ፣ ኣቕርቦት ማይን ዕዳጋ እንስሳን ኣገዳሲ ብምዃኑ ንምተግበሪኡ ዝውዕል ነዚ ዓመት ጥራሕ 800 ሚሊዮን ብር ተመዲብሉ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ክእለት ምህዞ ስራሕ ኣብ በቢ ደረጅኡ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ብስሩዕ ንምሃብ ቅድመ ምድላው ይግበር ኣሎ ኢሉ ሚኒስተር ትምህርቲ።

ኤጀንሲ ውሕስና ምግብን ዕድል ፈጠራ ሰራሕን ከተማ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ማእከል መተሓባበሪ ምህዞ ስራሕ ንምጥያሽ ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጡ። ዳይሬክተር ፕሮግራም ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን ዘፈር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣይተ ጌቱ ኣብዲሳ ትምህርቲ ምህዞ ስራሕ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ክካተት ቅድመ ምድላዋት ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም። ተመሃሮ ባህልን ክብረትን ስራሕ ክርድኡ ካብ መዋእለ ህፅናት ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ምስ ካሊአ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ሓምሻይ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ዓርሱ ዝኽኣለ ኾይኑ ክወሃብ እዩ ኢሎም። ዝምልከቶም ኣካላት ሪኢቶ ምስ ሃብሉ ዝትግበር እቲ ትልሚ ናብ ተግባር ንምስግጋር ን40 ሽሕ መምሃራን ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን ስልጠና ክወሃቦም እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 5 ዩንቨርስታት ሃገርና ማእኸላት ምህዞ ስራሕ ተጣይሸን ሓፀርቲ ስልጠና ኣብ ምሃብ ይርከባ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ሰብ ሃፍቲ ኣየርላንድ ኣብ መቃመሚ ፍርያታት ሕርሻ ክዋፈሩ ድሌት ኢትዮጱያ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ንግድን ኣየርላንድ ሳይማን ኮኔቬይ ቲ.ዲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ኣብ ሃገርና ፖርክታት ኢንድስትሪ መወሃሃዲ ፍርያታት ሕርሽ ይህነፁ ከምዘለው ዝገለፁ ኣይተ ሃይለማርያም ሰብ ሃፍቲ ኣየርላንድ ኣፍቲ ዘፈር እንተተዋፊሮም ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም ኢትዮጱያ ኣድላይ ሓገዝ ከምትገብር ቃል ኣትዮምሎም። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ንግድን ኣየርላንድ ሳይማን ኮኔቬይ ቲ.ዲ ብወገኖም ሃገሮም ምስ ኢትዮጱያ ዘለዋ ርክብ ክጠናኸር ከምትደልን ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ገጠር ክትድግፍ ቅርብቲ ምዃናን ገሊፆምሎም። ሰብ ሃፍቲ ኣየርላንድ ኣብ ሕርሻ ክዋፈሩ ድሌት ኣለዎም እውን ኢሎም። ኣየርላንድ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ዝውዕል 136 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ዝገበረት ኾይና ሰብ ሃፍቲ ድማ ኣብ 17 ኩባንያታት 727 ሚሊዮንን 516 ሽሕን ብር ኣብ ሃገርና ኣዋፊሮም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጉዳይ ኣብ መርሃ ግብሪ ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ንምስላጥ ናብ ደቡብ ኮርያ ኣምሪሖም።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ሃገራት ኤስያ ንዝገብርዎ ዑደት ትማሊ ኣብ ጃፖን ጀሚሮም እዮም። ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዛ ኣቤ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ፣ክልቲኣዊን ዓለም ለኸ ርክባትን ዘተ ኣካይዶም እዮም። ጃፖን ኣብ ኣሜሪካ ብዝተሰርሓ መሳርሒ ኩናት ተጠቒማ ንሚሳኤላት ፒዩንግያንግ ተዕኑ ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ ከም ዝሰምዑ እውን እናተገለፀ እዩ። ትርምፕ ኣብ ጉዳይ ነገር ፃሕታራዊነት ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ መዘነኦም ንምዝታይ ካብ ቶክዮ ተበጊሶም ሴኡል ኣትዮም ኣለው። ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ካብ ዝገበርዎ ዘተ ብተወሳኺ ምስ ወተሃደራት ክዝትዩ እዮም ክብል ቢቢሲን ኣሶሸትድ ፕረስ ፀብፂቦም።

 ንምዕባይ ግንዛበ ሕገ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ሕብረተሰብ፣ ኣመራርሓ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጅ ስዩም ኣወል።

ብምትሕብባር እቲ ክልልን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንኣመራርሓ ኣካላት ኣብ ዝተወሃበ ስልጠና ዝተረኸቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ፌዴራሊዝም ስርዓት ሃገርና መዓረ ተጠቃምነትን ተሳትፎን ብሄር ብሃረሰባት ብምርግጋፅ ንልምዓት ፣ሰላምን ዲሞክራስን ስረት ኣንቢሩ እዩ ኢሎም። እቲ ስርዓት ብዘተኣማምን መልክዑ ክቅፅል ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ መንግስትን ዘለዎ ግንዛበ ብምዕባይ በዓል ዋና ኾይኑ ክሕልዎን ክንከባኸቦን ምግባር የድሊ ኢሎም ይብል ፀብፅብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ብዘይ ገደብ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፅ ዝመሓላለፉ ኣሉታዊ መልእኽታት ኣብ ንዘመናት ዝዘለቐ ሰናይ ርክብ ህዝብትት ኢትዮጱያ ሕማቕ ኣሰር ይገድፍ ኣለው ኢሉ ሓደ መፅናዕቲ።

ኣብ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ህዝብታት ኦሮምያን ኣምሓራን ታሪካዊ ዳህሳስ፣ ዕንቅፋታት ኣንፈታትን ብዝብል ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከም ዘመላክቶ ኣብ ቀረባ እዋን ሓላፍነት ብዘይስምዖም ኣካላት ዝንዝሑ ዘለው መልእኽታት ካብ 16 ክፍለ ዘበን ኣቲሒዙ ዝመፀ ርክብ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ይሽርሸር ኣሎ ኢሎም። ነቲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ዝነዝሕዎ ብሄር ተኮር ፅሑፋት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከም ዝፈጠረን ፅንፈኛ ኣተሓሳስባ ክጥጥዕ ከምዝገበሩን ገሊፆም። ገዛኢ መደብን ጭቁን ህዝቢ ኣምሓራን ኣጃሚልካ ምርኣይን ዝተዛብዐ ኣፃሕፋ ታሪክ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዝነበረ ርክብ ክሕርፍፍ ገይሩ እዩ ዝበሉ እቶም ሙሁር ትክክለኛ ርክብ ህዝብታት መሰረት ዘይገበሩ ፅንፈኛ ፖለቲከኛታት ርክብ እቶም ህዝብታት የላሓልሕዎ ኣለው ኢሎም ይብል ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ማሕበር ቀይሕ ኮኸብ ኳታር ኣብ ኢትዮጱያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈልለዩ ሃገራት ድጋፍ 3 ሚሊዮን ዶላር ሂቡ እቲ ማሕበር ነቶም ስደተኛታት ንምርክብ ድማ ኣክሽን ፌር ኒዮ ኢን ኢትዮጱያ ምስ ዝተበሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ሶርያ ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ።

ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ ኮኸብ ኳታር ኣሊ ሓሰን ኣል ሃሚድ እቲ ሕዚ ዝተገበረ ድጋፍ ገንዘብ ካብ ፈንድ ልምዓት ኳታር ዝተረኸበ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ኢትዮጱያ ንዝርከቡ ሰደተኛታት ድጋፍ መፅለሊ፣ ማይ ፣ምግቢን ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ዝውዕል እዩ ኢሎም። እዚ ሓገዝ ን38 ሽሕ ስደተኛታት ክበፀሕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ኣምባሳደር ኢትዮጱያ ኣብ ኳታር ኣይተ ምስጋኑ ኣረጋ ብወገኖም ማሕበር ቀይሕ ኮኸብ ኳታር ንዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ብቀፃልነት እውን እዚ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም። እቲ ማሕበር ካልኦት ተሓባበርቲን ብሓባር ብምዃን ኣብ ውሽጢ እቶም ዝመፁ 24 ኣዋርሕ 768 ሽቓቓት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ምትላሞም ዝፀብፀበ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ እዩ።

27/02/2010

ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘጋጥሙ ሓደጋታት ድርቕን ውሕጅን ንምክልኻል ዝተሓንፀፀ ስትራቲጅካዊ ትልሚ ክተግበር ተጀሚሩ።

እዚ ንሸሞንተ ዓመት ዝዘልቕ ሰትራቴጂ ምክልኻል ሓደጋ ብፍላይ ተቓላዕቲ እቶም ፀገማት ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ሓደጋ ደረቅን ውሕጅን ከየጋጥም ትኹረት ዝገበረ እዩ ተባሂሉ። እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ከከም ከባቢኡ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣን ተቓላዕቲ ማእኸል ገይርካ ከምዝስራሕ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ተፋሰስ ኣዋሽ ኣይተ ጌታቸው ግዛው ሓቢሮም። ሓደጋ ምዕልቕላቕ ኣብ ዘጋጠመን ቦታታት ቅድመ ጥንቃቐ ብምውሳድ ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ ምድርን ብኣግባቡ ንምጥቃም ከምዝስርሕ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም። ብክነት ማይ ንምክልኻል ዘክእል ማዕቐፍ ሕጊ እውን ምስንድኡ ዝፀብፀበ ኤፍቢሲ እዩ።

 ሕብረተሰብ ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ ዝገበሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ርእስ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ደሴ ዳልኬ ፀውዖም።

ኣብቲ ክልል ዞባ ሲዳማ ዋንጫ ህዳሰ እናተዘዋወረ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ልዕሊ 400 ሚሊዮን ብር ብዓይነትን ጥረ ገንዘብን ተኣኪቡ። ነበርቲ እቲ ዞባ ልዕሊ 380 ሚሊዮን ብር ብጥረ ገንዘብ ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ ብመልክዕ ዕድጊት ቦንድን ውህብቶን ኣበርክቶ ዝገበሩ እንትኾኑ 20 ሚሊዮን ብር ድማ ብዓይነት ንህንፀት እቲ ግድብ ዝተለገሰ እዩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ደሴ ዳልኬ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዝለዓለ ብርኪ ተጎሃሂሩ ምፅንሑ ዝገለፁ እንትኾኑ እዚ ምልዕዓል ክሳብ ፍፃመ እቲ ግድብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

 400 ሽሕ ብር ብላዕ ክቕበል ኢድ ብኢድ ዝተትሓዘ ኦዲተር ከሲ ተመስሪትዎ። ተኸሳሲ ኣይተ ገመቹ ኣያና ኣብ በዓል መዚ እቶትን ጉምሩክን ፌዴራል በዓል ሞያ ኦዲት ኾይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን እዩ እዚ ብገበን ግዕዝይና ፈፂሙ ተባሂሉ ተጠርጢሩ ዘሎ።

ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዘመላኸቶ ተኸሳሲ ኣይተ ገመቹ ንግብሪ ከፋሊ ኣይተ ኣበበ ሙሉጌታ እትከፍልዎ መጠን ግብሪ ክንከየሎም ብምባል 1 ሚሊዮንን ብር ብላዕ ክህብዎ ምሕታቱን 3 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ምሸት ሰዓት 12፡፡35 ድማ 400 ሽሕ ብር ካብ ኢድ ከፋሊ ግብሪ ኣይተ ኣበበ ክቕበል ኢድ ብኢድ ምትሓዙ የመላኽት። ነዚ ስዒቡ ድማ ተኸሳሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክሲ ዝተመስረቶ እንትኾን ዓቃቢ ሕጊ ናይ ዓይንን ሰነደን ምስክራት ነቲ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ተኸሳሲ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ እቲ ክሲ ዝተነበበሉ ኾይኑ ኣብቲ ክሲ ተቃውሞ እንተሃልይዎ ንምስማዕ ን7 ሕዳር 2010 ዓ/ም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂብዎ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቴክሳስ ኣብ ዝርከቡ ቤተ-እምነት ብሓደ ውልቀ ሰብ ብዝተኸፈተ ተኩሲ ሂወት 26 ሰባት ኣሕሊፉ።

በቲ ውለቀ ሰብ ዝተኸፈተ ተኹሲ ሂወት 26 ሰባት ንሕልፈት ምብቃዑ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 20 ሰባት ዝተፈላለየ መጠን ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ከባቢ ቀረባ ርሐቐት ኣብ ውሽጢ ተሽከርካሪ ሂወቱ ሓሊፉ ከምዝተረኸበ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም በዚ መጥቀዕቲ ሂወቶንም ዝሓለፉ ካብ 5 ዓመት ክሳብ 72 ዓመት ከም ዝርከብዎም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ። ነቲ መጥቃዕቲ ካብፅሕ ዘላዓዕሉ ጉዳይ እንታይ ከምዝኾነ ክሳብሕዚ ዝተፈለጠ ጉዳይ የለን። ፕሬዝዳንት ሃገረ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ደሕረ ገፀ ትዊተሮም ኣብ ዘሰፈርዎ ፅሑፍ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሓኑን ንዝሞቱ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ከምዝተመነዩ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ።

 ኣብ ጀቡቲ ዝነብሩ ኢትዮጱያውያን ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ ልዕሊ 2 ነጥቢ4 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሂቦም።

ጥንኩር ውህዳት ምጣነ ሃፍቲ ብምፍጣር ኣብ መንጎ ኢትዮጱያውያን ጅቡቲን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ እናተሰርሓ ምኻኑ ተገሊፁ። ኣብ ጅቡቲ ዝነበሩ ኢትዮጱውያን ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዶላር ከምዝለገሱ ኣብ ጅቡቲ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጱያ ገሊፆም ይብል ፀበፃብ ኢቢሲ። 27/02/2010 ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1400 መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ክዋፈሩ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ወረዳ ሓውዜን ገሊፁ። ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ቅዱስ ገብረየሱስ ኣብታ ወረዳ ተረባሕነትን ተሳትፎን መናእሰይ ንምርግጋፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሕ ምህላዎም ብምሕባር ዛጊድ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 378 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 1400 መናእሰይ ጊዛውን ቆዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ሓቢሮም። እቶም ኣብ መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንፍግ ፣ምርብሕ እንስሳ ሃፍቲ ንህብን፣ ምእራይ ማዓድንን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትካላት ድኣንት እዮም ተዋፊሮም ይበል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ሓበሬታ።

17/02/2010

ኪነ ጥበብ ኣብ ምልዕዓል ሕበረተሰብ ንህንፀት ሃገር ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ።

ጥበብ ካበይ ናበይ ብዝብል ርእሲ ምይይጥ ኪነ ጥበባውን እቲ ክልል ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ዝተረኸቡ ኣይተ ለማ ኪነ ጥበባውያን ዘለዎም ተሳማዕነት ተጠቂሞም ህዝቢ ንልምዓት ከለዓዕሉ ፀዊዖም። መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማእከላይ ኮሚቴ ኢሆዴድ ኣብዮ ኣሕመድ ብወገኖም ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ምድምሳስ ዝተመስረተ ክኾን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ክትሰርሑ ኣለኩም ኢሎም። ምንቅስቓስ ህዝቢ ኦሮሞ ብካሊእ ብጥርጣረ ከይረኣ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ክትሰርሑ ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ንሰናይ ነገር ህዝቢ ክተለዓዕሉ ኣለኩም ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

 ብ21 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምና ብጨረር ሕማም ካንሰር ናብ ውሽጢ ዓዲ ይኣትው ኣለው ኢሉ ኤጀንሲ ፈንድን ኣቕርቦትን ኣፋውስ ኢትዮጱያ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሎኮ ኣብርሃም እዞም ብዓይነቶም ንፈለማ እዋን ናብ ሃገርና ዝኣትው ዘለው ራድዮ ቴራፒ ዝተበሃሉ ናውቲ ሕክምና ብጨረር ካንሰር ተጠቃዕቲ እቲ ሕማም ንወፃኢ ሃገር ካብ ምንግልታዕን ተወሳኺ ወፃእታትን ዘድሕን እዩ ኢሎም። ብሓፈሻ 6 ናውቲ መሓከሚ ካንሰር ዝተዓደጉ ኮይኖም ክሳብ ሕዚ እቶም 2 ከም ዝኣተው ብምግላፅ ንተጠቀምቲ እቲ ሕማም ዓብይ ብስራት እዩ ኢሎም። እቶም 6 ናውቲ ሕክምና ጨረር ካንሰር ኣብ ዩንቨርስቲ ሆስፒታላት መቐለ ፣ሃራማያ ፣ሃዋሳን ጎንደርን ከምኡ እውን ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተተኪሉ ኣገልግሎት ዝህቡ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

ኣብ ቀፀልቲ 10 መዓልታት ዝናብ ክህሉ ስለዝኽእል ሓረስቶት ዝራእቶም ብእዋኑ ክእክቡ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣለማዮህ ብርሃነ ኣብ ምዕራባዊ ፣ደቡባውን ማእኸላይን ክፋል ሃገርና ኣብ ዝቅፅሉ 10 መዓልታት ሽፋን ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ትንበያ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ኣዝመራ እዚ ዓመት ብዝራእቲ ካብ ዝተሸፈነ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ሄክታር 345 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ክሕፈስ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኣለማዮሁ ሓረስቶት ዝባፅሑ ኣእኻል ብምእካብን ኣብ ዘይባፅሑ ክትትል ብምግባርን ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ኢትዮጱያን መሮኮን ይዓቢ ኣሎ ተባሂሉ።

ልዕሊ 70 ትካላት መሮኮ ዝተሳተፍሉ ጉባኤ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ዝተረኸባ ሚኒስተር ድኤታ ንግዲ፣ኢንቨሰትመንት ፣ዲጅታል ኢኮኖምን ሞሮኮ ሚስ ራኪያ ኢድሬም ንጉስ እታ ሃገር መሓመድ ሻድሻይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ምስ ኢትዮጱያ 13 ስምምዓት ምፍራራሞም ኣዘኻኺረን። ሞሮኮ ናብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ክትምለስ እጃም ኢትዮጱያ ዝለዓለ ነይሩ ዝበላ እተን ሚኒስተር ድኤታ ኣብ ኢትዮጱያ ዘሎ ምችው ኩነታት ኢንቨስትመንት ቀልቢ ሞሮካውያን ሰብ ሃፍቲ ስሒቡ ኣሎ ኢለን። ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ብወገኖም ባይታ ኢንቨስትመንትና ንኣፍሪካውያን እውን ካብ ምስሓብ ከምዝርከብ ብምግላፅ ካብቲ ዘፈር ኣብ 2009 ዓ/ም 3 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝተረኸበ ብምዝኽኻር ሎሚ ዓመት 4 ቢሊዮን ዶላር ንምርካብ ተሊምና ኣለና ኢሎም። 900 ሚሊዮን ዶላር ዓመታዊ ርክብ ንግዲ ዘለወን ኢትዮጱውያን መሮኮን ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩ መሮኳውያን ይዓቢ ኣሎ ኢሎም  መንግስቲ ንኣቅረብቲ እታዎታት ፖርክታት ኢንድስትሪ ድጋፍ ገንዘብ ክገብር እዩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ኣይተ ሲሳይ ገመቹ መንግስቲ ንምትእስሳር ኢንተርፕራይዛት ፖርክታት ኢንድስትርን ውሽጢ ዓዲ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢንተርፕራይዛት ዝለዓል ሕፅረት ገንዘብ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 250 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ብዝተጣየሸ ፕሮጀክት ፈጠራ ስራሕን ውድድርን ኣቢልካ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢትዮያ ኮኸብ ተግባሪት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኾይና ተሸሊማ።

እቲ ሽልማት ኣብ ቪየና ኦስትርያ ባንኪ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ፎረም ንሕንሕ ኢንቨስትመንት እዩ ተረኪባ። ኢትዮጱያ ብትግበራ ፖሊስን ምምሕያሽን ኢንቨስትመንት ምስ ብዙሓት ሃገራት ተወዳዲራ ሽልማት ስታር ሪፎርም ኣዋርድ ተጎናፂፋ ኣላ። ብዶክተር ኣርከበ ዕቁባይ ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ነቲ ሽልማት ተቐቢላ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ፕሬዝዳንት ዝምባዌ ሮበርት ሙጋቤ ብምዕራባውያን ዝምወላ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ 2018 ዓመተ ፈረንጂ ኣብታ ሃገር ንዝካየድ መረፃ ክዕዘባ ኣይንፈቕድን ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ሙጋቤ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ቻይና ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣይንደልዮምን ፣ኣብ 2018 መረፃ ክነካይድ ኢና ግን ፀዓዱ ኣየድልዩናን ኢሎም። ሮበርት ሙጋቤ ንምዕራባውያን ተዓዘብቲ መረፃ ክእግዱ ፋልማዮም ኣይኮነን። ኣብ ኬንያ ዘሎ ኩነታት ከም ኣብነት ዝጠቀሱ ሙጋቤ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ቀንዲ ተነሓናሒ ራይላ ኦዲንጋ ካብ መረፃ ክንሳሕቡ ይገብሩ ኣለው ኢሎም ይብል ፀብፃብ CGT 18/02/2010 ሰኣን ዝርግሓ መሰረተ ልምዓት ተወዲቦም ልቓሕ ወሲዶም ስራሕ ዘይጀመሩ መናእሰይ ናብ ስራሕ ክኣትው ርብርብ ይካየድ ኣሎ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ። ኣዝመራ ኣርኣያ ተወሱኺ ኣለዋ።

 ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝበቕሉ ዓሌት ምህርቲ ሕርሻ ዘርኦም ከይጠፍእ ምዕቃብ ዘኽእል ባንኪ ምጥያሹ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ወረዳታት ደጉዓ ተምቤንን እምባ ኣላጀን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዓለም ለኻዊ ኢንስትቲቲዩት ብዘሃ ህይወት ምስ ዝተበሃለ ትካል ብምትሕብባር ዘተኣታተዎ ናይ ዘርኢ ባንክታት ትልሚ ኣመሪቑ። እቶም ኣብ ክልቲኣዊ ወረዳታት ዝተጣየሹ ዝራእቲ ዝዕቀብሎም ባንክታት ጉልበት ሕብረተሰብ ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝወድኡ ኮይኖም ከም ስገም፣ መሽላ ፣ንፖስታን መከረንን ዝውዕል ስርናይ ዝመሳሰሰሉ ኣዝራእቲ ከይጠፍኡ ንምዕቃብ እቲ ባንኪ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ከይዲ ምርምር ፓስታን መኮረኒን ኣተሓባባሪ ዶክተር ደጀኔ ካሳሁን ገሊፆም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስትቲትዩት ብዝሃ ህይወት ኢትዮጱያ መለስ ማርዮ ብወገኖም ኣብ ሃገርና ዝህነፁ ዘለው ኣዝራእቲ ዝዕቀብሎም ልዕሊ 70 ሽሕ ዝተፈላለዩ ኣዝራእቲ ቁፅሮም ምዕባይ ከምዝክእል ገሊፆም። ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ገጠርን ሕርሻ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣይተ ብርሃኑ መሓሪ ብምኽንያት ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ኣዝራእቲ ዝበፅሕ ምጥፋእ ዘርኢ ንከይኽሰት ሓጋዚ ከምዝኸውን ገሊፆም። እቶም ዝተጣየሹ ናይ ኣዝራእቲ ባንኪ ኣብቲ ወረዳ ንዝርከቡ 24 ጣብያታት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 መንግስቲ ብብርኪ ሃገር እናተግበሮ ንዘሎ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ዝግምግም ፕሮጀክት መፅናዕቲ ዕላዊ ኾይኑ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር እንትኾን መንግስቲ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝቐረፆም ፖኬጃት ተግባራውነቶምን ፍትሓውነቶምን ከመኡ እውን ዝነበሮም ረብሓ እንታይ ከም ዝመስል ክድህሰሱ እዮም ተባሂሉ። ብፍላይ ድማ ንመማህራን ዝወሃብ ስልጠና፣ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምኡ እውን ፕሮግራም ኣመጋግባ ተመሃሮ እንታይ ከም ዝመስል ብትኹረት ካብ ዝድህሰሱ ገሊኦም እዮም። እቲ ፕሮጀክት ብሚኒሰተር ትምህርቲ ሃገርና ዝምራሕ ኾይኑ፣ ብዘይካ ክልል ሃረሪ ምምሕዳር ድሬዳዋን ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ተግባራዊ ከም ዝኽውን እቲ ሚኒሰተር ገሊፁ። ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ 135 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃፅኡ 4000 ተመሃሮ 1ይ ክፍሊ ፣ካብ 4ይ ክፍሊ እውን ብተመሳሳሊ 4000 ተመሃሮ ኣካል እቲ መፅናዕቲ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ምርመር ቴክኖሎጂ ስግግርን ምክትል ፕሬዝዳንት ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ኣተሓባባሪ እቲ መፅናዕቲ እንትኾኑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ምውሳኽ ቁፅሪ ተመሃሮን ዓቕሚ መማህራንን ዝተመጣጣነ ዋላኳ እንተኾነ ኣብ 1ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ወሰኽ ምቁራፅ ትምህርን ኣብ ሒሳብን እንግሊዝኛ ትሑት ውፅኢት ምምዝጋብ ዝመሳሰሉ ፀገማት ከምዘለው ገሊፆም። ኣብ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣማኻሪ ሚኒስተር ድኤታ ኣይተ ብርሃኑ ሞረዳ ብወገኖም እቲ መፅናዕቲ ነቶም ዘለው ፀገማት ዝፈትሕ ምዃኑ ገሊፆም። ነቲ መፅናዕቲ መተግበሪ ዝውዕል በጀት ብመንግስቲ እንግሊዝን ኣወስትራልያን ከም ዝሽፈን ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኣብ ኢትዮጱያ ሸሞንተ ሆስፒታላት ሕክምና ዓይኒ ከምዝሃነፁ ዓለም ለኻዊ ፋውንዴሽን ኣልባሳር ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ሓዊሱ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ፣ጋምቤላን ሶማልያን መካ ነጃሲ ዝብል መፀውዒ ዘለዎም ሆስፒታላት ሕክምና ዓይኒ ክጣየሹ እዮም። ካብ ዝተጣየሹ 27 ዓመታት ዘቁፀሩ ትካል ገባሪ ሰናይ ዓለም ለኻዊ ፋውንዴሽን ኣልባሳር ዛጊድ መካ ብዝብል መፀውዒ 28 ሆስፒታላት ሕክምና ዓይኒን 4 መሰልጠኒ ሆስፒታላት ብምህናፅ ኣብ ምክልኻል ሕማም ዓይነ ስውርነት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ምዃኑ ተገሊፁ። ኣብ ኢትዮጱያ ተፀዋዒ እቲ ፕሮግራም መምህር ያሲን ራጂ ኣብ ኢትዮጱያ ሕማም ዓይነ ስውርነት ንምክልኻል ካብ 2000 ክሳብ 2017 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተንቀሳቐሱ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ እናሃቡ ምዃኑ ድሕሪ ምግልፅ ፣ካብዚ ሓሊፉ ሆስፒታላት ተሃኒፆም ግልጋሎት ንምሃብ መንግስታት ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ገሊፆም። ንህንፀት እተን ሆስፒታላት ክውዕል ካብ 15 ክሳብ 20 ሽሕ ስኬር ካሬ ሜትር ዝተሓተ ፍቓድ መሬት ኣብ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ድሕሪ ምፅዳቅ ምፍርራም ሰነድ ከም ዝተረፈ መምህር ያሰዲን ገሊፆም። ህንፀት እተን ሆስፒታል 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ብር ከምዘድሊ ዝተሓበረ ኾይኑ ህንፀቶም ንክዛዘሙ ካብ 4 ክሳብ 6 ዓመታት ግዘ ከምዝውድእ ተገሊፁ እቶም ሆስፒታላት ካብ ግልጋሎት ምሃብ ብዝሓለፈ ካብተን ሆስፒታላት ወፃኢ ኣብ ካሊእ ንዝሰርሑ ናይ ዓይኒ ሓካይም ማእኽል መሰልጠኒ ከምዝካተት እውን ተገሊፁ። ናይ 8ቲኣን ሆስፒታላት ህንፀት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ተዛዚሙ ግልጋሎት ክህብ እዩ ተባሂሉ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

16/02/2010

ካብ 10 ክሳብ 25 ሚኢታዊ መፍረያይነት ሃገርና ብብኽነት ከም ዝንኪ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣለማዮሁ ብርሃኑ ቅድም ክብል ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ቀውዒ ዝእከብ ዝነበረ ፍርያትን መኼዳ ዓውድን ኣብ ፅሬት ፀገም ከምዝፈጥር ገሊፆም። እዚ ድማ ኣብ እዋን ከይዲ ምእካብ ፍርያትን ዘጋጠሙ ብኽነት ፍርያት ንምንካይ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኣለማዩሁ ኣብ ድሕረ ፍርያት ካብ 20 ክሳብ 25 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ፍርያት ከም ዝባክን ገሊፆም ነዚ ድማ ሰብ ሞያ ሕርሻን መዳርግቲ ኣካላትን ሓረስታይ ክሕግዙ ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና እዋን ቀውዒ 345 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ይሰርሕ ምህላው ካብቲ ሚኒስተር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ ከም ፀብፃብ ኢቢሲ።

 ኣብ ኢትዮጱያ ሕማም ኣልምሲ /ፖሊዮ/ ዳግም ከየጋጥም ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ምጥፋእ ሕማም ፖልዮ ኣብ ሃገርና ን5ይ ግዘ ኣብ ምጥፋእ እቲ ሕማም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምዕቃብ ፖልዮ ካብ ኢትዮጱያ ነጥፍእ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ። ሕማም ፖልዮ ካብ ኢትዮጱያ መሊኡ ካብ ዝጠፍኣሉ ካብ 2006 ዓ/ም ንነዘ ዳግማይ ከየጋጥም ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሓ እዩ። ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ከበደ ወርቁ ኢትዮጱያ ሕማም ፖልዮ ጠቕላላ ንምጥፋእ ብብርኪ ዓለም ዝተቀመጠ ዋና ተግባራት እናፈፀመት እያ ኢሎም። ብብርኪ ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ትካል ምእዋጅ ናፃ ካብ ሕማም ፖልዮ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2009 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶኦ ኣኼባ ኢትዮጱያ ኣብ 2006 ዓ/ም ጀሚራ ካብቲ ሕማም ናፃ ሃገር ምዃና ምርግጋፁ መስኪሮም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ሕማም ተፃዊሮም ዝሓሸ ፍርያት ክህቡ ዝኽእሉ 6 ምሩፃት ኣዝርእቲ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ሓረስቶት ንምክፍፋል ምድላዋቱ ከምዝወገነ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣቅጅራ ፀፀራን ገርጃለን ኣብ ዝተባሃላ ጣብያታት ውፅኢታውነቱ ኣብ ተሓራሳይ መሬት ዝተፈተነን ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ዘኽእል ዑደት ተኻይዱ። ኣብቲ ማእኸል መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ምርምር ዝራእቲ ኣታክልትን ፍረምረን ሓዊሱ 52 ዓሌታት ስርናይ ፣ዕፉን፣ ምሽላን ብርስንን ኣብቲ ከባቢ ንምልማድ ዝናኣድ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ሕማማትን ሕፅረት ዝናብን ብምፅዋር ኣብ ዝሓፀረ እዋን መፍረያይነት ዘደንፍዑ ኮይኖም ዝተረኸቡ 6 ዓሌታት ምሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ብስፍሓት ንምዕዳል ምድላዋት ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ስራሕቲ ልምዓት ንዘጓተቱ ሚኒስተራት ሓለፍቲ ስራሕን ካብ መዘነቶም ኣባሪሮም።

እቶም ዝተባረሩ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ዓመፅ ተላዒልሎም ኣብ ዝነበሩ ከባብታት ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ብዘይምምዝጋቦም እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ንጉስ መሓመድ ንሚኒስተራት ኣባይቲ ፣ትምህርቲ፣ ጥዕንን ፕላንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣባሪሮም። እቶም ንጉስ ናብቲ ውሳነ ዝበፅሑ ብቢሮ ኦዲት ሺሳብን እታ ሃገር ፍትሓዊ ኣፈፃፅማ ትልሚ ልምዓት የለን ዝብል ፀብፃብ ድሕሪ ምምላኡ እዩ። ብፍላይ ነበርቲ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ካብ ልምዓት እታ ሃገር ተረባሕቲ ኣይኮናን ብምባል ሰልፊ ወፂዮም እዮም ነቲ ሰልፊ ዘለዓዓሉን ዝመርሑን ክሲ ተመስሪትሎም እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለው 4 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ህፃናት ብማሕበረሰብ ተኮር ድጋፍን ክንክንን ፕሮግራም ይሕገዙ ምህላዎም ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ገሊፁ።

እቲ ድጋፍ ህፃናት ዘለዎም ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብምፍታሕ ኣብ ዘለዎም ምስ ቤተሰቦም ክነብሩ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ። ድኽነት ንሞት ወላዲ፣ ኣብ መንጎ ቤተሰብ ዝፍጠር ጎንፅን ስደት ወለድን ህፃናትን ንኣፀጋሚ ኩነታት ካብ ዘቃልዑ ምኽንያታት ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ኾይኖም እዚኣቶም ድማ እቶም ህፃናት ንልምናን ሕይወት ጎዳናን ከምዘቃልዖም ተሓቢሩ። ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እይተ ኣለማዮሁ ማሞ እቶም ኣብ ፀገም ዘለው ህፃናት መሊስካ ናብ ቤተሰቦም ክፅንበሩን ክንክን ክረክቡን ይግበር ምህላው ገሊፆም። ኤጀንሲ ማእከላይ ስታቲክስ ኣብ 2009 ዓ/ም ዕልዊ ዝገበሮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ ካብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጱያ 52 ሚኢታዊ ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም የመላኽት። ካብ ጠቕላላ ህፃናት ድማ 15 ሚኢታዊ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምህላዎም እቲ ኤጀንሲ ዘውፅኦ ሓበሬታ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ተሳትፎ ዲያስፖራ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሃገርና ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጠናኸረ ይመፅእ ዘሎ እኳ ተኮነ ክንዲ እቲ ዝድለ ዘይምዕባዩ ተገሊፁ።

ኢትዮጱያውያን ዲያስፖራ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሃገሮም ዘለዎም ተሳትፎ ዘዕቢ ዝተበሃለሉ ትልሚ ዕላዊ ተገይሩ። ኣብዚ ዓመት ተሳትፎ ዲያስፖራ ዝዕንቅፉ ማሕነቖታት ንምውጋድ ከምዝሰርሕ ድማ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ዲያስፖራ ኢትዮጱያ ኣይተ ኣብርሃ ስዩም ከምዝሓበርዎ ኢትዮጱያ ዲያስፖራ ማሕበራት ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሮንም ከምዝምልከቶም ብምግላፅ ተሳትፎኦም ከዕብዩ ድማ ትልሚ ኣውፂኣ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዝድነቕ እዩ ኢሎም። ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀኔራል ተሳትፎ ዲያስፖራ ኣይተ ደመቀ ኣጥናፉ ብወገኖም ኣብ ኢንቨስትመንት ፣ስግግር ቴክኖሎጂ ፣ሃገርና ሸርፊ ወፃኢ ትረኽበሉ ኩነታት ኣብ ምምችቻው ኣንፃር ሃገርና ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ምቅላስ ግደ ዲያስፖራ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዲያስፖራ ዘለዎ ፍልጠት ብዝተዋደደ መንገዲ ንምጥቃም ብወገን ማሕበር ዲያስፖራ ኢትዮጱያ ፣ምሁራትን ዲያስፖራን ክመሓየሽ እዩ ተባሂሉ ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢትዮጱያ ንስደተኛታት ትገብሮ ዘላ ድጋፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዘድሊ ኣብ ኢትዮጱያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ራይነር ገሊፆም።

ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኒኪ ሃለይ ዝተመርሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከቡ ስደተኛታት ዑደት ጌሩ እዩ። ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ኢትዮጱያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ራይነር ከምዝበልዎ ኢትዮጱያ ንስደተኛታት ዝተማልእ ሰብኣዊ ግልጋሎት ትህብ ከምዘላ ብምጥቃስ ድጋፍ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ተጠናኺሩ ከም ዝቅፅል ኣብሪሆም ። ብቀፃልነት ድማ መንግስቶም ምስ ኢትዮጱያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተቀራሪቡ ንምስራሕ ከምዝደሊ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጱያ ልዕሊ 900 ሽሕ ስደተኛታት ተቐቢላ እናተኣናገደት ከምዘላ ዝተገለፀ እንትኾን ነዞም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ኢትዮጱያ ዝኣተው ስደተኛታት ድማ ዝተማልኣ ምግቢ፣ መፅለሊ ፣ጥዕና ትምህርቲን ካልኦት ግልጋሎትን ይቀርበሎም ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

14/02/2010

ኣብ ረቂቅ ኣዋጅ መስርሕን ሰራሕተኛን ዝተጓተቱ ሓደ ሓደ ዓንቀፃት ከምዘተሓሳሰብዎም ኣብቲ ረቂቅ ኣዋጅ ዘለዎ መፍትሒ ሓሳብ ንዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካል ምፍላጡ ኮንፌደሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮያ ገሊፁ።

እቲ ኮንፌደሬሽን እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ንዓመታት ብዝተፈላለዩ ምክንያታት ከይፅደቐ ምፅንሑ መመሓየሺ ሓሳባት እውን ዝቀረበሉ እኳ ተኾነ ከይተኻተተ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ምቕራቡ ስግኣት ከምዝፈጠረሉ ፕሬዝዳንት ኮንፌደሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጱያ ኣይተ ካሳሁን ፎሎ ገሊፆም። እቲ መመሓየሺ ዘየተግበረት ረቂቅ ኣዋጅ ሰላም ኢንዳስትሪ ዘየረጋግፅ ንሰራሕተኛ ውሕስና ዘይህብ ብሓፈሻ ኣብ ከይዲ ኣፍረያይነት ፀገም ዝፈጥር ብምዃኑ ቅድሚያ ምፅዳቑ ምምሕያሻት ክገብራ ይግባእ ክብል እቲ ኮንፈዴሬሽን ፀዊዑ። ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ስራሕትን ኢትዮጱያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝቀረበ ረቂቅ ኣዋጅ ሕቶ ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ እናፍለጠ ዝፀንሓ እኳ ተኾነ እስካብ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ወገን ምላሽ ዘይምርካቡ ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጱያ።

 ኢትዮያን ሶማልያን ኣልሸባብ ንምድምሳስ ዝግበር ወፍሪ ኣጠናኺረን ንምቅፃል ተስማዕሚዐን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕሬዝዳንት ሶማልያ መሓመድ ኣብድላሂ መሓመድ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትዮም። ኣብቲ ምይይጥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲኦም። እቶም መራሕቲ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣሚሶም ሰላም ሶማልያ ንምምላስ ዝገብር ፃዕሪ ክድገፍ ፃውዒት ጌሮም። ፕሬዝዳንት መሓመድ ኣብደላ ኣብ ሃገሮም መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጱያ ኣብ ጎኒ ሶማልያውያን ደው ምባሉ ድማ ኣመስጊኖም። ኢትዮጱያ ኣብ ሶማልያ ብዝበፅሓ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንዝተጎድኡ ወገናት ድጋፍ ሕክምን ምግባራ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኢትዮጱያ 200 ሚኢቲ ኣባላት ሰራዊት መክበርቲ ሰላም ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ።

ኢትዮጱያ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትካል ሕቡራት መንግስቲ ስዒቡ 200 መኽበርቲ ሰላም ኣባላት ሰራዊት መከላኸሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ሊኢኻ። ቤት ፅሕፈት ቃል ወሃቢ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፕሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ እቶም ዝተልኣኩ ኣባላት መክበርቲ ሰላም ኣብ ጅባን ከባቢኣን እዮም ዝዋፈሩ። ኢትዮጱያ ኣብ እግሪ ፅላል ኢጋድ ንደቡብ ሱዳን ሰላም ማዕቖብ ብፅሒታ እናበርከተት ትርከብ ኢሉ ኣሎ ኣብ መግለፂኡ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌድሪ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ዝተ መርሓ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገርን ተቋወምቲ ውድባትን ከምዝተዘተየ ኣዘኻኺሮም ኣባላት እቲ መከላኸሊ ሰራዊት ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምኽባር ብፅሒቶም ከበርክቱ እዮም ተባሂሉ ይእመን ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኩባንያ ጣልያን ኣብ ኢትዮጱያ 100 ሜጋ ዋት ዘፍልፍግል ፕሮጀክት ክህነፅ እዩ።

ኣብ ኢትዮጱያ ካብ ሓይሊ ፀሓይ 100 ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዝክእል ህንፀት ከምዝህነፅ ፕሮጀክት ዝወፀ ጨረታ ኢነል ግሪን ፖወር ብዝተበሃለ ኩባንያ ጣሊያን ከምዝህነፅ ተገሊፁ። እቲ ኩባንያ ብርሃን ፀሕይ ብበዝሒ ኣብ ዝርከበሎም መተሃራ፣ ኦሮሚያን ኣብ ከባብታት ማእከላይ ኢትዮጱያ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት እቲ ህንፀት ፕሮጀክት ከምዝሳለጥ ተገሊፁ ዘሎ። ኣብ ህንፀት እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ እቲ ፕሮጀክት ሃኒፁ ንምምሕዳር እቲ ኩባንያ 120 ሚሊዮን ዶላር ኢንቨስት ከምዝገብር ገሊፁ። ኣብ መትሃራ ዝህነፅ ፕሮጀክት ኣብ 2019 ዓመተ ፈረንጂ ተሃኒፁ ናብ ስራሕ ዝኣቱ ፕሮጀክት እንትኾን ብዓመት 280 ሜጋ ዋት ሀወር ከባቢ ኤሌክትሪክ ብዓመት ዝፍልፍል እዩ ተባሂሉ። እቲ ኩባንያ እቶም ፕሮጀክታት ድሕሪ ምዝዛሙ ን20 ዓመታት ብበዓል ዋናነት ዝማሓደር እንትኾን ካብቶም ፕሮጀክታት ዘፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብስምምዕ መሰረት ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጱያ ከምዝሸጥ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

 ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንልዕሊ 370 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ኤጀንሲ ልምዓት ድኣንት ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ከተማታትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብቲ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ልዕሊ 77 ሽሕ ኢንተርፕራይዝ ክጣየሽ ምክኣሉ እውን ይገልፅ። ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ብር ንመንቀሳቀሲ ድኣንት ብልቃሕ ከምዝተወሃበ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓት ድኣንትን ምርግጋፅ ውሕስናን ምግቢ ከተማታትን ክልል ትግራይ ኣይተ ወረደ ኣምለኣለ ሓቢሮም። ካብ 2010 ዓ/ም ጀሚርካ ድማ ዝተጠናኸረ ስራሕቲ ንምስራሕ ብምዕላም ካብ መላእ ከተማታት ክልልና ዝተውፃፅኡ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ ገምጋማዊ ስልጠና ንምክያዶም እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ። ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ድማ ብመሰረት መምርሒ ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ብምግባር ስእነት ስራሕ ዝተቀረፈለን ከተማታት ንምፍጣር ክትትልን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ክብል ኣብ ኤጀንሲ ልምዓት ድኣንት ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ከተማታት ክልል ትግራይ ሓላፊ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሓጎስ ግርማይ ዘብፅሑና ሓበሬታ የመላኽት።

 ኣባላት ቤት ምክሪ ክራይ ኣካብነት ብምቅላስ መንግስቲ ዝሃቦም ሓደራ ብቅንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሉ ይግባእ ኢሎም ኣፈ-ጉባኤ ወረዳ ሕንጥሎ ወጀራት ኣይተ ካሕሳይ ኣስፍሃ።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ እዚ ዝገለፁ 5ይ ዘመን መበል 19 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ወረዳ ኣብ ዘሳለጥሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ከላሊ ሓጋዚ ፀብፃብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ኣብያተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ዝቀረቡ እንትኾን ኣባላት ቤት ምኽሪ ወረዳን ጣብያን ዝተትሓዙ መደባት ንክዕወቱ ዝጀመርዎ ክትትልን ቁፅፅርን ክጠናኸር ፣ስርዓት ግልፅነትን ተሓታትነትን ክሰፍን ሰናይ ምምሕዳር ክነግስ ፣ልምዓት ክሳለጥ እናወገንና ዘለው ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ክቅፅሉ ተላብዮም። እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ብወገኖም ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት መብዛሕቲኣን ኣብያተ ፅሕፈት ፅቡቅ ኣፈፃፅማ ከም ዝነበረን ብምሕባር ንቀፃሊ ድማ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ብእዋኑ ግቡእ መልሲ ክወሃብ ርካበት ኦዲት ብእዋኑ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ክውሰድ ፣ዝተጠፋፍኡ ገንዘብ መንግስቲ ክምለስ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቶም ኣባላት ቤት ምኸሪ ትልሚ ቀፀልቲ መደባት 2010ዓ/ም ብምፅዳቅ ዛዚሞም ክብል ክኢላ ፕረስ ሕንጥሎ ወጅራት ሓጋዚ ባይርኡ ፀብፂቡ።

13/02/2010

ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ዝተዋደደ ፖርክ ኣግሮ ኢንድስትሪ ባዕኸር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓበራዊ ኣገልግሎት ህንፃ ማእኸል ገጠር ማይካድራን ንምስላጥ 1 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ውዕሊ ኣሲሩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ 8 ነጥቢ 1 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ህንፀት ማእኸል ስግግር ገጠር ማይካድራ ሓዊሱ ሓበራዊ ህንፃታት መሰረተ ልምዓትን ንምህናፅ 1 ቢሊዮንን 495 ሚሊዮንን 588 ሽሕን 132 ብር ዝውድእ ውዕሊ ኣሲሩ ተረኪቡን እዩ። ሱር ኮንስትርክሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይል ሰብን ማሽነሪታትን ናብቲ ከባቢ የጓዓዕዝ ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ። ምስ እዚ ብዝተተሓዘ ድማ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይ ትግራይ ንፖርክ ማእከል ስግግር ገጠር ማይካድራ ዝውዕል ኳዕቲ 4ተ ጎዳጉዲ ማይ ብልዕሊ 8 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ብር ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ተግባር ምእታው ላዕለዋይ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ትግራይ ኣዲሱ ፈንታው ፀብፂቡ።

 ኣብ 12 ከተማታት ክልልና ዝርከቡ ሼዳት ማኑፋክቸሪንግ ዕላዊ ርክክብ ተፈፂሙ።

ህንፀቶም ዝተዛዘሙ 441 ክፍልታት ዝሓዙ 185 ሼዳት ክላስተር ማእከላትን እንትኾኑ ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን 409 ክፍልታት ዝሓዘ 174 ብሎካት ኣብ ረብሓ ምውዓሎም ተሓቢሩ። ከብዚ ብተወሳኺ ብመንግስትን ተጠቀምትን 273 ክፍልታት ዝሓዙ 60 ብሎካት ዝተሃነፁ ኮይኖም ካብዚኦም ድማ 178 ሸዳት ናብ ተጠቀምቲ ክሰጋገሩ ከለው ዘይተሸጋገሩ ድማ 95 ሼዳት ከም ዝርከቡ ካብ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ኪኢላ ፕረስ ኣዲሱ ፈንታሁን ፀብፂቡ።

 ቁፅሪ ካብ ማይናማር ሃዲሞም ባንግላድሽ ዝኣተው ሮሂንጋውያን ልዕሊ 600 ሽሕ በፂሑ ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

እቲ ትካል ትማሊ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ኣብ ግዝኣት ራቂን ማይናማር ዝርከቡ ዓሌት ሮሂንጋ ብዝበፅሖም ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ኣብ ምህዳም ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ባንግላድሽ ከምዝኣተው ብምግላፅ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ዝተሰደዱ 603 ሽሕ በፂሑ ኣሎ ኢሉ። ባንግላድሽ ዝበፅሑ ኣባላት እቲ ዓሌት ኣብ ርእሲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ዓፀባ መጥቃዕቲ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት መፍትሒ እቲ ፍልሰት ንምንዳይ ምንቅስቓስ ምጅማሩ እውን ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ።

  ፕሬዝዳንት ሶማልያ ኣብድላሂ መሓመድ ኣብድላሂ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ክዝትዩ እዮም። ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ሃገርና ድሕሪ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሞቃድሾ 5 ንጉድኣት ዝሕከሙ ሰብሞያን 7ቶን ኣፋውስን ሊኢካ እያ ኢሎም። ፕሬዝዳንት ኣብዲላሂን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያምን ንምድምሳስ ኣልሸባብ ክግበር ኣብ ዝግባኦ ኣህጉራዊ ቃልሲ ኣንፃር ራዕዲ እውን ክዝትዩ እዮም ኢሎም። ኣብድላሂ ቅድሚ ናብ ኢትዮጱያ ምምፅኦም ኡጋንዳ ዝበፅሑ ኮይኖም በዚ ኣቢሎም ናብ ጅቡቲ ከምርሑ እዮም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን። ኣምባሳደር ሃለይ ኣብ ፃኒሒተን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት

፣ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ከዋግዑ እዮም። ኣምባሳደር ሃለይ ካብ ኢትዮጱያ ቀፂለን ናብ ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዘምርሓ ኮይነን ቅድሚኡ ግን ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስድተኛታት ደቡብ ሱዳን ክበፅሓ እየን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ልምዓታዊ ሴፍትኔት ገጠርን ኣገልግሎት መድሕን ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስና ዜጋታት የረጋግፁ ኣለው ኢሎም ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ። ዶክተር ሙላቱ ራብዓይ ጉባኤ ማሕበራዊ ውሕስና ኣፍሪካ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ከምዝበልዎ ምርግጋፅ ማሕበራዊ ውሕስና ዜጋታት ቀንዲ ተግባር ኩሎም ትልምታት ልምዓት እዩ። ኣብ ምትግባር ዝርከቡ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ገጠርን ኣገልግሎት መድሕንን ጥዕናን ንህዝቢ ይረብሑ ከምዘለው ብምግላፅ ኣውፃእቲ ፖሊሲ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብመንፅር ሃገራዊ ኩነታቶም ነቲ ተሞክሮ ኣብ ዓዶም ከተኣታትውዎ ፀውዖም። ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛን ማሕበራውን ኣይተ ኣብድልፈታህ ኣብድላሂ ብወገኖም ምርግጋፅ ማሕበራዊ ውሕስና ዜጋታት ቅድሚያ ዝወሃቦ ተግባር ምኳኑ ብምግላፅ ኢትዮያ ካብቲ ጉባኤ ትርከቦም እታዎታትክተተግብሮም እያ ኢሎም። ፕሬዝዳንት ማሕበራዊ ውሕስና ዓለም ዶክተር ዩሃኪም ብሪዌሪ ኣብ ኣፍሪካ ሰኣን ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪካ ፀገማት ማሕበራዊ ውሕስና ኣለዎም ኢሎም እቲ ጉባኤ ን3 መዓልታት ዝዘልቅ እዩ ይብል ኤፍቢሲ።

 ቅድስ ሲኖደስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጱያ ስሩዕ ጉባኤኡ ጀሚሩ።

ፖትርይርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ እታ ቤተ ክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብፁኣን ሊቃነ ጳጳስ ብስነ-ምግባሩ ዝምስገን ትውልዲ ንምፍራይ ክሰርሑ ፀዊዖም። ኣብ ኢትዮጱያ ዝምዝገብ ዘሎ ዕቤት ክቕፅልን ሓድነትን ሰላምን ህዝቢ ንምርግጋፅን መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓላፍነት ኣለኩም ኢሎም። ታሪክ ምስፋን ሰላም ቤተክርስቲያንን ሎሚ እውን ኣጠናኺራ ክትቅፅል ዝጠልብ ሃዋህው ኢና ዘለና ኢሎም። እቲ ጉባኤ መንፈሳዊ ንሃገራውን ጉዳያት እናዘተየዩ ንቀፀልቲ መዓልታት ክዘልቕ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ኩለን ሃገረ ስብከትን ሊቃነ ጳጳሳትን ይሳተፉ ኣለው ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ። እቲ ኣካዳሚ ካብ መላእ ሃገርና ንዝመፁ ሰልጠንቲ 3ይ ዙር ማእከላይ ኣመራርሓ ናይ እንኳዕ ዳሓን መፃእኹም ኣቀባብላ ተገይርሎም።

 መፅሓፍቲ ታሪክ ምምሃር ምስትምሃር ክቅየሩ እዮም ኢሉ ሚኒስተር ትምህርቲ።

ካብዚ ብተወሳኺ መፅሓፍቲ ስነ-ዜጋን ስነ ምግባራት ክለሳ ዝግበረሎም ኮይኖም ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ድማ ቀረፃ ስርዓት ትምህርቲ ይካየድ ኣሎ። ሚኒስተር ድኤታ ዘፈር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እቲ ሚኒስተር ዶክተር ሳሚኤል ተክለ ስብእና ተመሃሮ ኣብ ምቅራፅ ዝርከቡ መፅሓፋቲ ስነ-ዜጋን ስነምግባርን ዘለዎም ክፍተት ስለዝተነፀረ ክለሳ ክግበረሎም እዩ ኢሎም። ዳሬክተር ምድላው ትልምን ምትእክካብ ሃፍትን እቲ ሚኒስተር ኣይተ ኤልያስ ግርማ ብወገኖም ኣብ ትሕዝቶን ሜላ ምስትምህርን ክፍተት ዝተረኸቦም መፅሓፍቲ ምህሮ ክቅየሩ እዮም ኢሎም። ንምቅያር እቶም መፅሓፍቲ ትክክለኛ ምስሊ ሃገርና ዘይብሎም ምኳኑ፣ ክፍተት ታሪክ ብሄርን ብሄረሰባትን ቀንዲ ምክንያታት ኮይኖም መፅሓፍቲ ተሽዓይን ዓስራይን ተቀይሮም ኣብ ምዝዛም ይርከቡ ኢሎም። ኣብ ሃገርና ኣፀጋሚ ኮይኑ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ እውን ቀረፃ ስርዓት ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ምዝራቦም ትካል ፕረስ ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

09/02/2010

ራብዓይ ሃገር ለኸ ቆፀራ ህዝቢን ኣባይትን ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት ክካየድ እዩ ኢሉ ኤጀንሲ ማእከላይ ስታስቲክስ።

ንመፈፀሚ 3 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ከምዘድሊ ዝገለፀ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክካየድ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ ብዝተፈላለዩ ቴክኒካዊ ፀገማት ካብ 4 ክሳብ 14 ለካቲት ክካየድ እዩ ኢሉ። ዋና ዳሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ቢራቱ ይገዙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ራብዓይ ሃገር ለኸ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዓለም ለኻዊ መምርሒ ተከቲልና ዘተኣማምን መረዳእታ ክንእክብ ኢና ኢሎም። ብጨረታ ካብ ወፃኢ ካብ ዝተዓደጋ 180 ሽሕ ታብሌት ኮምፒተር እተን 120 ሽሕ ጥራሕ ብምእታወን ተወሳኺ ግዘ ከምዘድለየ ገሊፆም። ኩሉ ዜጋ ክቁፀር ንዝሓለፉ 2 ዓመታት ቅድመ ድልውነት ክካየድ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ቢራቱ ኣብቲ ቆፀራ ዝሳተፉ 190 ሽሕ ሰባት ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 መነባብሮ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ንምምሕያሽ ፍሉይ ትኹረት የድሊ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን።

ኣብ ካልኣይ ሃገር ለኸ ምኽክር ምጥያሽ ነበርቲ ጎዳና ህፃናት ደቂ ኣንስትዮን ዝተረከቡ ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምቅያር ሂወት እቶም ኣብ ኣፀጋሚ ዝነብሩ ሰባት ቁልፊ ዕቤትና እዩ ኢሎም። መንግስቲ ማዕቖፍ ፖሊስን ዝተፈላለዩ ስትራቴጅታትን ብምውፃፅ እቶም ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቀምቲ ዝምዝገብ ዘሎ ልምዓት ክኾኑ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም። ሚኒስተር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ወይዘሮ ደሚቱ ሀምቢሳ ብወገነን እቲ ዘሎ ፀገም ንምፈታሕ ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ ኢለን ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት እጃሞም ከምዝዋፅኡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ሰባት ቁፅሪ ዘይሕጋዊ ስደት ዝከድ መናእሰይ ይበራከት ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣባላት በቢ ውዳበኦምን ዘለዎም ተሰማዕነት ተጠቒሞምን እጃሞም ከም ዝዋፅኡ ገሊፆም። ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ኣይተ በየነ ሃይለ ብወገኖም ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት እጃሞም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም። ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ጉዕሽ ሃይለስላሰ ብወገኖም ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይ ብምዕባይ ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢትዮጱያ ንምንካይ ድኽነት ፣ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ኣጠቃቕማ ቴክኖሎጅን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ዘድሃበ መበል 17 ኣህጉራዊ ጉባኤ ክተተኣናግድ እያ።

ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝሳለጥ ጉባኤ ፣ኣባል ሃገራት እቲ ምትእስሳር ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ባህሊ ቁጠባ ፣ህንፀት ቴክኖሎጅን ኣብ ኣጠቃቕማ ፍርያት ሃገር ዘድሃበ ልምድን ተሞክሮን ንምልውዋጥ ዘኽእል እዩ። እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፣ ኢትዮጱያ ነዚ ጉባኤ ክተዳልው ምሕራይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስርሕ፣ ምንካይ ድኽነትን ዘፈራት ዘመዝገበቶ ዕውትነት ካብ ምክፋል ብዝዘለለ ኣብ ዙርያ ኣጠቃቕማ ቴክኖሎጂን እታወትን ልምዲ እትርከበሉ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ጉባኤ ብፍላይ ኣብ ምስፈሕፋሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘድሀበ ስትራቴጂን ፖሊስን እታወት ዝውዕል መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡ እዮም። ኣብቲ በቢ ክልተ ዓመቱ ዝሳለጥ ጉባኤ ልዕሊ 600 ተሳተፍቲ ዝርከቡ ኾይኖም ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ኣይ ኤል ኦ ብምትሕብባር ዝዳለው እቲ ጉባኤ ሎሚ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ትልምታት ዘላቂ ልምዓት ምዕዋት ብዝብል መሪሕ ቃል ኣለዋ። እቲ ጉባኤ ካብ 4 ክሳብ 8 ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝካየድ ተሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ኢትዮጱያ ካብ ሓይሊ ፀሓይ 250 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ህንፀት ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ከምዝህነፅ ሚኒስተር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስተር ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢብን ኮምኒኬሽን ኣይተ ብዙነህ ቶልቻ ከምዝበልዎ ካብ ፀሓይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ነፍስ ወከፎም 125 ሜጋዋት ዘፈልፍሉ ክልተ ፕሮጀክታት ክህነፁ እዮም። ኣብዚ እውን ሰብ ሃፍየቲ ብገንዘቦም ፣መፅናዕቲ ብምግባርን ዲዛይን ብምስራሕን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ኣብቶም ህንፀት ፕሮጀክታት ዓቅሚ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ሃገር ውሽጥን ወፃእን ንክሳተፉ ብወገን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጱያ ዓለም ለኸ ጨረታ ከምዝወፀ ኣይተ ብዙነህ ገሊፆም። እቶም ኩባንያታት እቲ ፕሮጀክት ምስ ሃነፁ ን20 ዓመት ብበዓል ዋናነት ዝማሓደሩ እንትኾኑ በቲ ስምምዕ መሰረት ድማ እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኢትዮያ ብመሸጣ ከምዝቐርብን ድሕሪ 20 ዓመት ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጱያ ከምዝረከቡ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም። እቶም ህንፀት ፕሮጀክታት ድማ ሓይሊ ፀሓይ ብስፍሓት ኣብ ዝርከብዎም ከባብታት መተሃራ፣ ሑመራን መቐለን ከምዝኾኑ ሓቢሮም ይብል ፀበፃብ ኢቢሲ።

 ኢትዮጱያ ማእኸል ዘፈር መፍረይቲ ናይ ምኻን ተስፋ ከምዘለዋ ሓደ መፅናዕቲ ኣመላኪቱ።

ማሕበር ልምዓት ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝገበሮ መፅናዕቲ ኢትዮጱያ ብማእከልነት ማኑፋክቸሪንግ ካብ ኬንያ በሊፃ ብምርካባ ሓዳሽ ቻይና እናኾነት እያ ኢሉ። እቲ መፅናዕቲ ምስ 28 ሃገራት ኣፍሪካ ብምንፅፃር ኣብ ኬንያ ኣብ ዘፈር መፍረያይነት ንምውፋር ኮነ ንምንቅስቓስ ክባር ከምዝኾነ የመላክት። ኣብ ኬንያ ዘሎ ሕፅረት ዝተመሃረ ሓይሊ ሰብ ፣ክባር ክፍሊት ሰራሕተኛ ፣ፀገማት መሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን እታ ሃገር ተመራፂት ከይትኸውን ካብ ዝገበርዋ ምክንያታት ሞንጎ እቶም ቀንዲ ከም ዝኾኑ እቲ መፅናዕቲ የመላኽት። እቲ መፅናዕቲ ብኣንፃሩ ኣብ ኢትዮጱያ ብዘሎ ጥጡሕ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪካ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ማእከልነት ዘፈር መፍረያይነት ብምትሓዝ ኣብ ቀፃሊ ሓድሽ ቻይና ናይ ምኻን ዕድል ክህልዋ እዩ ኢሉ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኣብ ዙርያ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጱያ መፅናዕቲ ዘካይዱ ትካላት ኮሚቴ ቴክኒክ ሰለስተ ሃገራት ዝምርሓሉ መምርሒ ተዳልዩ።

ሚኒስተራት ማይ ኢትዮጱያ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ መፅናዕቲ ዘካይዱ ክልተ ትካላት ኮሚቴ ቴክኒክ እተን ሰለስተ ሃገራት ዝምርሓሉ ረቂቅ መምርሒ ብምድላው ተዛዚሙ። ሚኒስተራት ማይ እተን ሰለስተ ሃገራት ኣኼባ ዘካይድሉ ምክንያታት በቲ ዝድለ መንገዲ ክጓዓዙ ዘይካኣሉ ክልተ መፅናዕታት ንምቅፃል እዩ። እቲ ረቂቅ እውን ኣብ ዝቅፅል ጉባኤ እተን ሰለስተ ሃገራት ፀዲቑ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እቲ ሕዚ ተዳልዩ ዘሎ ረቂቅ መምርሒ እቶም ዝተሓሰቡ መፅናዕታት ንምቅፃል ዝሕግዝ እዩ። እተን ሃገራት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ ኣተሓሕዛ ማይን ኣሳዳድን ከምኡ እውን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ሃገራት ዘለዋ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያ ተፅዕኖ ንክፅናዕ ነይሩ ምስ ቢ ኣር ኤልን ኦርቴሊያ ዝተበሃለ ኩባንያ ፈረንሳይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውዕሊ ዝተኣሰረ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ብባርኖስ ኣፍሪካ ካብ ዝተወረረ ሕርሻ ዕፉን ኣስታት 95 ሚኢታዊ ምክልኻል ከምዝተካኣለ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ።

ብዘርኢ ካብ ዝተሸፈነ 3 ሚሊዮንን 52 ሽሕን 443 ሄክታር ሕርሻ ዕፉን ኣብ 21 ሚኢታዊ ፀረ ዝራእቲ ባርኖስ ኣጋጢሙ ዝነበረ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ሓፂር እዋን መፍረይቲ ዕፉን ዝኾና ሽድሽተ ክልላት ብለበዳ ኣብዚ ሕዚ ድማ ኣብ ክልል ዓፋርን ሶማልያን ብምግጣሙ ናብ ሸሞንተ ክልላት ተስፋሕፊሑ እዩ። ኣብ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዳይሬክተር ሓለዋ እፅዋት ኣይተ ዘቢድዋስ ስላቶ ከምዝበልዎ እቲ ለበዳ ንምክልካል ብዝተገበረ ርብርብ ካብ ልዕሊ 646 ሽሕ ሄክታር መሬት ውሽጢ ልዕሊ 617 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ንምክልኻል ከም ዝተኸኣለ ገሊፆም። ካብዚ እውን እቲ 41 ሚኢታዊ ብኬሚካል ዝተረፈ ድማ ብባህላዊ መንገዲ ንምክልኻል ከምዝተከኣለ ገሊፆም። እቲ ለበዳ ብባህላዊ መንገዲ ኣብ ምክልኻል ተግባር ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ሓረስቶት ተሳትፎምሉ እዮም ፣240 ሽሕን 193 ሌትሮ ፀረ ባልዕ ኬሚካል ድማ ኣብ ረብሓ ውዒሉ እዩ ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

08/02/2010

ኣብ ሃገርና ዝርግሕ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ለበዳ ክበሃል ብዝክእል ደረጃ እናተጋፍሓ ምምፅኡ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓመት ልዕሊ 27 ሽሕ ኣብ ኢትዮጱያ በቲ ቫይረስ ከም ዝልከፍ ዝተገለፀ ኮይኑ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ይሞቱ። እዚ ዝተሓበረ ብሚኒስተር ሓለዋ ጥዕናን ብቤት ፅሕፈት ምቁፅፃርን ምክልካልን ኤች ኣይቪ ኤድስ ፌዴራል ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ዘተ ነቲ ሕማም ተቃላዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኣብ ዝተበሃሉ ከባብታት ዘሎ መጠን ካብ 2 ነጥቢ5 / ክሳብ 25 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ። ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ፣ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፣ልምዓት ዕምበባን ዝኣምሰሉ ሰፋሕቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ባህርታት ተቃላዕነት ኤች ኣይቪ ምስፍሕፋሕ ንዝርግሕ እቲ ቫይረስ ዝለዓለ ስግእት ፈጢሩ እዩ። ቅድሚ 6 ዓመታት ዝነበረ ምንቅስቓስ ምዕጋት ዝርግሓ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሕዚ እውን ዳግም ንክስራሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክንቀሳቐሱ ፃውዒት ቀሪቡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

ዘይሕጋዊ ሰደት ንምዕጋት ንዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ገጠር ሕርሻ ጠመተ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ።

ምስሊ ሰደት ሃገርና ኣብ ልምዓት ገጠር ኢንቨስት ብምግባርን ውሕስና ምግቢ ብምርግጋፅ ንቐይር ብዝብል መሪሕ ቃል መበል 37 መዓልቲ ውሕስና ምግቢ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ እዩ። ፕሬዝዳንት ሙላቱ ኣብቲ መደረኽ ከምዝገለፅዎ እቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ምክባሩ እቲ መዓልቲ ንምዝካር እንተይኮነስ ውሕስና ምግቡ ብምርግጋፅ ዜጋታት ካብ ዘየድሊ ዘይሕጋዊ ስደት ክድሕኑ ግንዛበ ንምፍጣር እዩ ኢሎም። ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ብወገኖም መዓልቲ ምግቢ ዓለም እንትንዝከር መንግስቲ ዘይሕጋዊ ሰደት ንምክልካል ልምዓት ኣጠናኺሩ ምቅፃል ዝሓዞ ስትራቴጂ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

ኣኼባ ሓበራዊ ቴክኒክ ኮሚቴ ኢትዮጱያ ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስተር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ኢትዮጱያ ንክልቲኤንሃገራት ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ መረዳእታ ንምክፋል ድልውቲ እያ ኢሎም። እተን ሃገራት ኣብ ዙርያ ግድብ ዘልዕሉኦ ፍሉይ ሓሳብ ንምፍታሕ ትገብሮ ፃዕርን ክልቲኣዊ ሓበሬታ ቴክኒክ ኮሚቴ ዘለዋ ተሳትፎን ምስተን ሃገራት ብጥምረት ንምስራሕ ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘርኢ ምዃኑ ገሊፆም። እቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሰለስቲኤን ሃገራት ብተናፀል ዘልዕለኦም ሓሳባት ብምዝታይን ምርድዳእ ብምፍጣርን ብዝተወደበ መልክዑ ንክፍታሕ ዝጎልሀ ግደ እናተፃወታ ምህላው ተዛሪቦም። እተን ሃገራት ዝተፈራረምኦ ስምምዕነት ወደብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ማይ ኩሉ ተጠቃሚ ንምግባር ዘለወን ድልየት ዘርኢን ሩባ ኣባይ ንህዝብታት እተን ሃገራት ልምዓት መነባብሮን ዘለዋ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ተገሊፁ። ቁርፀኝነት ኢትዮጱያ ኩሉ ግዘ እቲ ግድብ ንኩሉ ተጠቃሚ ዝገብር ጉድኣት ዘየብፅሕ ፍትሓዊ ኣጠቃቕማን ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ እዩ ኢሎም እቶም ሚኒስተር። እተን ሃገራት ዝተፈራረመኦ ስምምዕነት ብቅልጡፍ ተግባራዊ ምግባር ከምዝደልዩ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢትዮጱያን ጣልያንን ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቀፀልቲ 3 ዓመታት ዝውዕል ስምምዕ ሓገዝ 3 ነጥቢ 47 ቢሊዮን ብር ተፈራሪመን።

ኣብ ሚኒስተር ገንዘብን ኢኮኒሞያዊ ምትሕብባር ዝተኻየደ እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ኢትዮጱያ ኣብ ቀፀልቲ 3ተ ዓመታት ንትፍፅሞም ዘፈራት ዝተወደበን መሳተፍትን ስራሓቲ ዘላቂ ልምዓት ዝውዕል ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ስምምዕ ብፍላይ ኣብ ምክልካል ፅዕንቶ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘይሕጋዊ ስደትን ትኹረት ከምዝወሃቦም ተገሊፁ። እቲ ስምንምዕነት ኢትዮጱያ ብምውካል ሚኒስተር ድኤታ ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ብወገን ጣልያን ድማ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጱያ ጁሴፔ ሚሳትሬታ ተፈራሪሞም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

07/02/2010

መጠን ሸርፊ ወፃኢ ቅድሚ ምምሕያሹ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣተው ፍርያታት ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ በዓል መዚ ሓለዋ ሸማቶትን ውድድር ንግዲ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ከም ዝሓበሮ ቅድሚ እቲ ኣብ መጠን ሸርፊ ወፃኢ ዝተገበረ ምምሕያሽ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተው ፍርያታትን ፍርያታት ውሽጢ ዓዲን ወሰኽ ዋጋ ከም ዘይግበረሎም ኣፍሊጡ። መጠን ሸርፊ ወፃኢ ምውሳኹ ስዒቡ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋታት ዝገብሩ ፣ሸቐጣት ዝሓብኡን ዘዋህልሉን ነጋዶ ከም ዘለው ሓበሬታ ከም ዝበፅሓ እውን እቲ በዓል መዚ ኣነፂሩ። ነዚ ስዒቡ ምስ ዝምልከቶምን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዕደጋ ንምርግጋዕን ዘይሕጋውያን ነጋዶ ናብ ሕጊ ዝቀርብሉ ኩነት ንምፍጣር ይንቀሳቀስ ምህላው ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

 ኣይተ በረከት ስምኦን ደብዳቤ ካብ ሓላፍነቶም ንምስንባት ደብዳቤ ምፅሕፎም መንግስቲ ኣረጋጊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ሚኒስተር ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ከምዘረጋገፅዎ ኣብ ማእከል መፅናዕትን ምርምርን ፖሊስ ብማዓርግ ሚኒስትር ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ኣይተ በረከት ካብ ሓላፍነቶም ንመስንባት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢፌድሪ ደብዳቤ ኣእትዮም ኢሎም። መንግስቲ ንሕቶ ስንብት ኣይተ በረከት ይሪኦ ከምዘሎ እውን ገሊፆም መንቀሊ ኣይተ በረከት ዘእተውዎ ስንብት ኣይተፈለጠን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 መንእሰይ ወለዶ ክብርታት ሰንድቅ ዕላማ ተገንዚቡ ዘሎ ጉዕዞ ዕቤትን ሰላምን ንቕድሚት ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ትምክሕትን ፀቢብነትን ብምቅላስ ንሓድነት ህዝቢ ብዕቱብ ክሰርሕ ይግባእ ተባሂሉ።

እዚ ዝተገለፀ 6 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም 10ይ ግዘ ኣብ ከተማ መቐለ ስታድዮም ትግራይ ዝተኸበረ መዓልቲ ሰንድቅ ዕላማ ኢትዮጱያ እዩ።

06/02/2010

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጱያ ኣብ ዛሓለፉ 25 ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ሽፋን ቀዳማይ ብርኪ ኣብይተ ትምህርቲ ሚኢቲ ሚኢታዊ ምዕዋቱ ቢሮ ትምህርቲ እታ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እታ ክልል ዶክተር እሸቱ ከበደ ኣብቶም ዓማውቲ ካብ ቅድመ ስሩዕ ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ብርክታት ትካላት ትምህርቲ ተበፃሒ ንምግባር ጠመተ ተዋሂቡ ተሰሪሑ እዩ ኢሎም። ዶክተር እሸቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ተመሃሮ እታ ክልል ካብ ዝነበሮ 3 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ናብ 6 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ምዕባዩ ገሊፆም። ዶክተር እሸቱ ወሲኾም ኣብታ ክልል ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 112 ሽሕ መማህራን ተመዲቦም እናመሀሩ ይርከቡ ኢሎም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ ፀብፂቡ።

ፕሬዝዳንት ኢፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሰንድቅ ዕላማ ብመስዋእቲ ትውልድ ዝተሓለወ ምልክት ነፃነት እዩ ኢሎም።

10ይ መዓልቲ ሰንድቕ ዕልማ ራኢ ሰኒቕና ኢና ንዝበለፀ ዓወት ተበጊስና ኢና ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ሃገርና ተኸቢሩ ውዒሉ። ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሰንድቅ ዕላማ ኣብ ምፍቅቃድ ዝተመስረተ ምልክት ቃል ኪዳን ሓድነት ምዃኑ ሓቢሮም። ሃገርና እናመዝገበቶ ዘላ ልምዓታዊ ውፅኢታት ዓቐባ ክትከይድ ኣብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ገለ ዝርኣዩ ፈተናታት እውን ተነፂሮም መንግስቲ መስተካከሊ ኣብ ዝወሰደሉ እዋን ንርከብ ኢሎም። መላእ ህዝብታት ሃገርን እውን ዝተታሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ብስምዒት ሓርበኛታት ክረባረቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ሎመዓንቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ልደታ ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ ዶክተር መራራ ጉዴና ቃሎም ሂቦም።

ዶክተር መራራ እቲ ተግባር ኣይፈፀምኩን ገበነኛ እውን ኣይኮንኩን ኢሎም ቃሎም ዝሃቡ ኾይኖም ጠበቓኦም ድማ ኣብ መበል 11 ወርሖም ሎሚ ቃል እምነት ክሕደት ምቅራቦም ከምዝተደናጎየ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣቅሪቡ እዩ። ብክፋል ዝቐረቡ ስድርኦምን መሓዝቶምን ክሓትዎም ክፍቀደሎም ነቲ ምድብ መጋባእያ ዝሓተቱ ኾይኖም እቲ መጋባእይ ድማ ሕቶኦም ብፅሑፍ ከቅርቡሉ ኣዚዙ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ምስ ጉዳይ ዶክተር መራራ ጉደና ዝተኸሰሱ 2ይን 5ይን ተኸሰስቲ ኣብ ዘየለውሉ ጉዳዮም ክርኣ እውን ኣዚዙ እዩ። ዶክተር መራራ ኣቦ መንበር ኮንግረስ ፌዴራሊዝም ኦሮሞ እንትኾኑ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ህውከትን ዕግርግርን ክልዓል ቐስቒሶም ብዝብል ኣብ 28 መስከረም 2009 ዓ/ም ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተሓላሊፍሎም ብዝብል ተኸሲሶም ምንባሮም ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ዲሞክራሲያዊ ምንቕናቕ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጱያ /ዲኢህዴን/ ነቲ ክልል ከመሓድር ብምጅማሩ ብቋንቋኦም ክመሃሩን ክዳንዩ ካብ ምክልካል ብተወሳኺ ቋንቋኦም ንመሳርሒነት መራኸብቲ ሓፋሽ ይውዕል ምህላው ነበርቲ ህዝቢ ከባቢ ዞባ ሰገን ገሊፆም።

ተወካሊ እቲ ዞባን ተመሃራይ 2ይ ድግሪ ተመሃሪ ጋኒሳ ገሳቶ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ ከም ዝገለፆ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዝተረጋገፀሉ መሰል ናይ መፍትሒ ኣፍ ቋንቋኦም ኮንሶኛ ናብ መሳርሒ መራኸቢ ሓፋሽ ምብቃዑ ኣረጋጊፆም። ዲኢሀዴን ንከባቢኦም ምምሕዳር ቅድሚ ምጅማሩ ብቋንቋኻ ምድናይ ከም ነውሪ ይቁፀር ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሪ እቲ መናእሰይ፣ እቲ ውድብ ንዝተቃለስሉ ዕላማ ብዝተረኸበ ውፅኢትን ብቋንቋኦም ምድናይ ምክኣሎም ገሊፆም። ኣብታ ክልል ወረዳ ማሽሌ ብሄረሰብ ተወላዲ ዝኾኑ ኣይተ ገንዘቤ ገዛኸኝ ብወገኖም ሕብረተሰብ ብቋንቋኡ ክዳኒ ምኽኣሉ ዝግባእ ግልጋሎት እናረኸበ እዩ ኢሎም። ኣብታ ዞባ ካብ ዝርከቡ 8 ብሄራት በቶም ክልተ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋታት ትምህርቲ ይወሃብ ዝነበረ ኾይኑ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ድማ ብ3ተ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋታት ኣብ 9ተ ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ጅማሮ ትምህርቲ ምሃብ ምጅማሩ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

03/02/2010

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ዳሳለኝ ምስ ኣባላት ሴንትን ኮንግረንስን ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ንምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ተረኺቦም እዮም። ነቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ሚኒስተር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኢትዮጱያን ኣሜሪካን ኣብ ፖሊስ ርክብ ወፃኢ መሰረት ዝገበረ ሓበራዊ ዕማም ከምዘለወን ብምግላፅ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርኣ ዓለም ለኻዊ ራዕዲ ንምቅላስ ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ ኢሎም። ንቅድሚት ተጠናኺሩ ክቅፅልን ኢትዮጱያ ትፍፅሞም ዘላ ዕማማትን ነቶም ኣባላት ስኔት ከምዝተገልፀሎም ብምግላፅ እቶም ሴናተራት ንኢትዮጱያ ኣፀቢቆም ዝፈልጡ ፣ዝፈትውን ዝተረድኡን ብምኻኖም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽር እዩ ኢሎም። ተወካሊ እቶም ኣባላት ሴኔት ጀምስ ኢንሆፍ ብወገኖም ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ኩነታት ኢትዮጱያ ክከታተሉ ከም ዝፀንሑን ፈታዊ ሃገርና ምዃኖምን ብምግላፅኢትዮጱያ ቀንዲ መሓዛ ኣሜሪካ እያ ኢሎም። ኢትዮጱያ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብዝሓሸ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ተመዝግብ ከም ዘላ እውን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኢትዮጱያ ንዝቅፅል ሓደ ዓመት ንማዕቀፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ኣባይ ብኣዶ ወንበርነት ክትመርሕ ተመሪፃ።

ኣብ ኡጋንዳ ኢንቴቤ ኣብ ዝተኻየዶ ኣኼባ ቦታ ኣዶ ወንበርነት ካብ ኡጋንዳ ዝተቐበለት ሃገርና ንሓደ ዓመት ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እቲ ምትሕብባር ኮሚቴ ኣማካሪ ቴክኒክ ናይልን ክትመርሕ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስተራት ንተወከልቲን ጉዳያት ማይ ኢትዮጱያ ፣ብሩንዲ ፣ኡጋንዳ ፣ሱዳን ፣ኬንያ ፣ሩዋንዳን ታንዛንያን ተረኺቦም እዮም። ንሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኤሌክትሪክን ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ወኪሎም ዝተረኸቡ ሚኒሰተር ድኤታ ኣይተ ከበደ ገርባ ካብ ኡጋንዳዊ መዘንኦም ሳሞ ቻፕትሪስ መዘነት እቲ ምትሕብባር ተረኪቦም። በዓል ዋና ዝለዓለ ስልጣን እቲ ምትሕብባር ዝኾነ ቤት ምክሪ ሚኒስተራት ተፋሰስ ናይል ፖለቲካዊ ንልምዓታውን ጉዳያት ብላዕለዋይነት ይመርሕ። ኮሚቴ ኣማኻሪ ቴክኒክ ናይል ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ተሳትፎ ግብፂ ኣብቲ ማዕቀፍ ኣመልኪቱ ጥሉል ዘተ ኣሳሊጡ። ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ተፋሰስ ናይል ስትራቴጂ 10 ዓመት ምፅዳቁ እውን ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ የመላክት።

 ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ በይነ መንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ምስ ተቃወምትን መንግስትን ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ጂባ ክዝትዩ እዮም።

እቶም ሚኒስተራት ጁባ ኣብ ምእታው ዝርከቡ ኮይኖም ኢትዮጱያ ፣ሱዳን ፣ኬንያ ፣ኡጋንዳ፣ ጅቡቲን ሶማልያን ተወከልተን ዝልኣካ ሃገራት እየን። እቶም ሚኒስተራት ቅድም ክብል ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣምሪሖም ምስ ነበር ምክትል ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ዶክተር ሪክ ማቻር ዘትዮም እዮም። ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተግባራዊ ብምግባር ዝተረጋግዐት ሃገር ንምፍጣር ኢጋድ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ምቅፃሉ ንቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፀሪሑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብ25 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ 85 ፕሮጀክታት ፁሩይ ዝስተ ማይ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ቤት ፅሕፈት ማይን ማኣድንን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ተተካኢ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ተሾመ ደበሳይ ከምዝገለፅዎ እቶም ተዛዚሞም ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመሩ ፕሮጀክታት 54 ብጉልበት ዝሰርሑ ፍልፍል ማይ እንትኾን ዝተረፉ 31 ፕሮጀክታት ድማ ማእከላይን ዓሙቕን ጉዳጉዲ ማይ እዮም። እቶም ፕሮጀክታት ኣብቲ ዞባ ሓሙሽተ ወረዳታት ፅሩይ መስተ ማይ ዘይበፅሖም ዝነበሩ ልዕሊ 44 ሽሕ ነበርቲ ተጠቀምቲ ዝገብሩ እዮም። በዚ እውን ፁሩይ መስተ ማይ እቲ ዞባ ካብ ዝነበሮ 60 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ናብ 70 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ። ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 1ሽሕን 800 ትካላት ፁሩይ መስተ ማይ ተሃኒፆም ግልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጱያ ስልጠና በረራ ነፈርቲ ቴክኒሻንንምሃብ ምስ መንገዲ ኣየር ታንዛንያ ስምምዕ ተፈራሪሙ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንገዲ ኣየር ብዝተኣተወ ስምምዕነት መሰረት ኣብ ዝቅፅል ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ታንዛንያውያን ኣብረርቲ ነፈርቲ ቴክኒሻናትን ኣብ ኢትዮጱያ ስልጠና ክወስዱ እዮም። እቲ ስልጠና ኪው 400 ን ቦይንግ 787 ድሪም ላይነር ነፈርቲ ዘድሃበ ከምዝኸውን መንገዲ ኣየር ታንዛንያ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጱያ ዝተማልኣ ማእከል ስልጠናን ፅገናን ዘለዎ መንገዲ ኣየር ከምዝኾነ ዝገለፀ መንገዲ ኣየር ታንዛንያ በዚ መሰረት በቲ ስምምዕ ካብቲ ዘሎ ዓቕሚ ክንርባሕ ዝገብር እዩ ኢሉ። ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ኣቭዮሽን ኢትዮጱያ ኣይተ ሰሞን ደበበ እቲ ስምምዕን ክልቲኦም መንገዲ ኣየር ተረባሕቲ ከምዝገብር ገሊፆም። እቲ ስምምዕ ዝተፈረመ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ክልቲኤን ሃገራት ዝኣተዋኦ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

02/02/2010

ቤት ምክሪ ፌዴሬሽን ውፅኢት ህዝበ ውሳነ ህዝብታት ኣምሓራን ቅማንትን ተሓዋዊሶም ኣብ ዝነብሩለን ሸሞንተ ጣብያታት ዝተካየደ ውፅኢት ህዝባዊ ውሳነ ሎሚ ዕለት ኣፅዲቁ።

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጱያ ከምዘፍለጦ ፣ኣብ ወረዳታት ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ቀበሌታት ብዝተካየደ ህዝባዊ ውሳነ እቶም ሸውዓተ በቲ ዝነበረ ምምሕዳር ክማሓደሩ ድምፂ ሂቡ። እቲ ሓደ ቀበሌ ድማ ኣብ ዓርሳዊ ምምሕዳር ቅማንት ክመሓደር እዩ ድምፂ ተዋሂቡ ዘሎ። ፀሓፊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጱያ ዋና ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ነጋ ድፌሳ ንቤት ምክሪ ፌዴሬሽን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ እቲ ውሳነ ህዝቢ ኣቅሪቦም። ህዝብታት ኣምሓራን ቅማንትን ኣብ ዝነብርሎም ሸሞንተ ቀበሌታት 23 ሽሕን 283 ነበርቲ ብመራፃይነት ከምዝተመዝገቡ ኣብ ፀብፃብ ኣብሪሆም። ካብ ዝተመዝገበ ውሽጢ ኣብ መረፃ ጣብያታት ተረኺቦም 20 ሽሕን 824 ነበርቲ ወይ 89 ሚኢታዊ ድምፂ ብምሃብ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ። እቲ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ድማ ዲሞክራስያዊ ፣ናፃን ገለልተኛ ብዝኾነ መንገዲ ከምዝተኻየደ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቅረቦ ፀብፃብ ተገሊፁ። ኣብ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣርባዕተ ቀበሌታት ምስ ህዝቢዝግበር ዘተ ብዘይምዝዛሙ እቲ ቦርድ መረፃ ውሳነ ህዝቢ ከካይዳ ከምዘይካኣላ ኣፍሊጡ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኣካዳሚ ማይታይም ኢትዮጱያ ብዘፈር ምህንድስን መርከብ ዘሰልጠኖም 104 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

እቶም ዝተረመረቑ ተመሃሮ ቅድም ክብል ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብመካኒካልን ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግ ዝተመረቑ እዮም። ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ባይሌ ዳምጤ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝገለፅዎ፣ ተመረቕቲ ናብ ተግባራዊ ስርሖም እንትወፍሩ ሞያዊ ሓላፍነቶምን ብብቕዓት ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ፃኒሕቶም ዝረከብዎ ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ተግባር ብምሽራፍ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ገፅታ ኢትዮጱያ ክሃንፁ ከምዘለዎም ተላብዮም። ሰልጠንቲ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት መርከብ ተነሓኒሖም ስዓርቲ ክኾኑ ዘክእሎም ፍልጠትን ክእለትን ቀለም ትምህርትን ብተግባርን ታሐጊዙ ክረክቡ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ድማ ዋና ስራሕ ፈፃሚ እቲ ኣካዳሚ ሚኒስተር ኣቪሻይ ማርያዚያኖ እዮም። እቲ ኣካዳሚ እቶም ናይ ሕዚ ተመረቕቲ ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1ሽሕን 200 ዝበልፁ ተመሃሮ መርከብ ምህንድስና ኣሰልጢኑ ብምምራቕ ናብ ስራሕ ከምዘዋፈረ እቲ ዩንቨርስቲ ኣፍሊጡ።

 መድን ድርጅት ኢትዮጱያ ንመርሃ ግብሪ ምግቢ ተመሃሮ ዝውዕል 1 ሚሊዮን 320 ሽሕ ብር ሓገዝ ንምግባር ምስ እናትወግ ማሕበር ገባሪ ሰነይ ተፈራሪሙ።

ብቀዳማዊት እመቤት ሮማን ተስፋይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተመስረተ እቲ ማሕበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሑት መነባብሮ ብርኪ ዝርከቡ ተመሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቶም ክምገቡ ብምግባር ሓገዝ ቁሳቁስ ዝገብር እዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝካተቱ ተመሃሮ ቁፅሪ ቤት ትምህርትን እናወሰኸ እንትኸውን ኣብዚ ዓመት እዚ 226 ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 22 ሽሕ ተመሃሮ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሓቒፎም እዮም። መድን ድርጅት ኢትዮጱያ ዝለገሶ ሓገዝ ገንዘብ ካብቶም ተሓገዝቲ ተመሃሮ ሞንጎ ወፃኢ ምግቡ 500 ተመሃሮ ከም ዝሽፍን ተገሊፁ። ዋና ስራሕ ፈፃሚ እቲ ትካል ኣይተ ነፃነት ለሜሳ ፣ እቲ ሓገዝ እንገብሮ ማሕበራዊ ሓላፍነትና እንዋፅኣሉ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ብምርካብና ደስ እናበለና እቲ ሓገዝ ድማ ብመጠን እናዐበየ ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም። ኣብቲ ስምምዕ ፊርማ ዝተረኸባ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ሮማን ተስፋይ ከምዝገለፅኦ እቲ ትካል ዝገበሮ ሓገዝ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፅኡ ንካልኦት መርኣያ ዝኸውን ካልኦት ትካላት ድማ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ክዋፅኡ ፀዊዐን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ንምዕባይ ሽፋን ግልጋሎት ጥዕና ብ13 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ናይ ምስፍሕፋሕን ህንፀት ሓደሽቲ ትካላት ሕክምና ምፍፃሙ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ገሊፁ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ 2ይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ኣብ 2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ካብዚ ብተዋሳኺ እውን ሓደሽቲ ህንፃታት ጥዕና ንጋዜጠኛታት ------። ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ናይ 2ሽሕን 5 ሚኢትን ፕሮጀክታት ህንፀት ተኻይዱ እዩ። ካብዚኦም ውሽጢ እውን ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፕሮጀክታት ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም እዮም። እዞም ህንፀታት እውን ኣብ ወፃኢ ሃገር ይወሃቡ ዝነበሩ ገለገለ ሕክምናታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንክወሃቡ ምካኣሎም ካብዚ ብተወሳኺ ግልጋሎት መደቀሲ ሆስፒታላት ፣ምምሕያሽን ነዚ ተከቲሉ እውን ፅሬት ሕክምና ምዕባዩ እውን ዶክተር ኣማረ ገሊፆም። እዞም ፕሮጀክታት ጥዕና ክልላት ንክምሓየሽ ምክኣሎምን እቲ ሚኒስተር ብቀፃልነት ኣብ ህንፀት ፕሮጀክታት ዝርኣ ምጉታት ህንፀታት ምጉዳል ፅርየትን ፍትሓውነትን ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ እውን ሚኒስተር ድኤታ ዶክተር ኣሚር ኣማን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።