ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ዜና ፅሑፍ ወርሒ ሕዳር 2010

27/03/2010

ተሳተፍቲ መበል 12 መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ናብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ይኣትው ኣለው፡፡

ጉጅለ ልኡኽ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ጋምቤላን፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ክሳብ ትማሊ ዝኣትው እንትኾኑ ካልኣቶም ድማ ኣብ ምእታው ይርከቡ፡፡ ጉጅለ ልኡኽ ክልል ትግራይ ህዝቢ ዓፋር ካብ ኣብዓላ ጀሚሩ ክሳብ ሰመራ ብሳዕስዒትን ዕልልታን ከምዝተቐበሉ ገሊፁ፡፡ መበል 12 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብሕገ መንግስትና ዝደመቐ ሕብረ ብሄራውነትና ንህዳሰና ብዝብል መሪሕ ቃል ዓርቢ 29 ሕዳር ኣብ ከተማ ሰመራ ዓፋር ክኽበር እዩ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

27/03/2010

ርክብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ንዞባዊ ምትእስሳር ዓብይ መርኣያ ከምዝኸውን ሚኒስተር መጓዓዝያ ኣይተ ኣሕመድ ሸዴ ኣፍሊጦም፡፡

ሚኒስተር መጓዓዝያ ኣብ ጅቡቲ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ፎረም ልምዓት ዞባዊ ምትእስሳር ዘፈራት ውልቀ ሃገሮም ወኪሎም ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልቲኤን ሃገራት ምትእስሳርን ኣብ ምጥንኻር ዝርከባ ኾይነን ናይዚ መርኣያ ድማ ብ4 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝተሃነፀ ኣብ ቀረባ ግልጋሎት ምሃብ ዝጅምር መስመር መንገዲ ባቡር ተፀራሒ እዩ ኢሎም፡፡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ንምትእስሳር ዝለዓለ ወፃኢ ብምውፃእ ዝርግሓ መሰረተ ልምዓት ምግባራ ንዝቕፅሉ 50 ዓመታት ወደብ ጅቡቲ ብዘተኣማምን ኩነታት ንክትጠቀም ይኽእላ እዩ ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ ምስ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝህልዋ ምትእስሳር ክትቕፅል ፣ብዝበለፀ ወደብ ምስ ዘለወን ሃገራት ዝተገብሮ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፍቃድ ወሊድ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ 3 ወርሒ ናብ 4 ወርሒ ክብ ንምባል ዝቐረበ ረቂቅ ኣዋጅ ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝካየድ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምርግጋፅ ከይዲ ግቡእ ንመሰልን ከምኡ እውን ሓላፍነት ሰራሕተኛታት መንግስት ዘኽብር እዩ ዝተበሃለሉ ረቂቅ ሰራሕተኛታት ኣፅዲቑ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ረቂቅ ኣዋጅ ልምዓት ሓለዋን ኣግራብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቀረበ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ተዘትዩ ኣፅዲቑ እዩ፡፡ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ኣግራብ ንምልማዕ ምቸው ኩነታት ከምዝፈጥር ተገሊፁ ከም ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ልዕሊ 16 ሸሕ መደብ ስራሕን ኣወሳስና ደረጃን ተዳሊው ከምዝተዛዘመ ሚኒስተር ፐብሊክ ስቪል ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ኣይተ ታደስ ጫፎ ገሊፆም፡፡

እቲ ምዘና ኣብ 476 መንግስታዊ ትካላት ፌዴራልን ክልል ዝተካየደ እዩ፡፡ እቶም ዝተመዘኑ ስራሕቲ ካብ ደረጃ ሓደ ክሳብ 22 ኣብ ዘሎ መደብ ዝተቀመጡ እዮም፡፡ እዚ ኣሰራርሓ ሓደ ሰራሕተኛ ብዝሰርሖ ስራሕ ማዕረ ክፍሊትን ጥቅማጥቕምን ክረክብ ዘኸእሎ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስተር ገሊፆም፡፡ ኣይተ ታደስ ከምዝገለፅዎ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተረፉ ስራሕቲ ብምዝዛም እቲ ኣሰራርሓ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ተግባር ክኣትው እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልታት ዝህሉ ኩነታት ኣየር ዝራእቲ ንምእካብ ምችው ምዃኑ ሃገራዊ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ሃገርና ፀሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ እዩ ዝበለ እቲ ኤጀንሲ ሓረስቶትን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝራእቶም ክእከቡ ኣተሓሳሲቡ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ከባብታት ደቡባዊ ምዕራብ ኦሮሚያ ትሑት መጠን ዝናብ ከምዝህሉ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኬንያ ኣብ 2027 ዓመተ ፈረንጂ ፈላሚ ማእኸል ሓይሊ ኒኩሌር ክተጣይሽ ተሊማ፡፡

ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት ህንፀቱ ክጅመር እዩ ዝተበሃለ እቲ ማእኸል ኬንያ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ቐፂላ ካልኣይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ማእኸል ሓይሊ ኑኩሌር ዘጣየሸት ሃገር ክትኸውን እያ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ሓይሊ ኤሌክትሬክ ኒኩሌር ኬንያ ኮሊንሳ ጅማ ምሕራይ እቲ ማእኸል ዝዓርፈሉ ቦታ ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ክንፀር እዩ ኢሎም፡፡ ካብ 5 ክሳብ 6 ቢሊዮን ዶላር ዝውድእ ማእኸል ከም ዝጣየሽ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ነፍሲ ወከፍ ዝህነፅ ማእኸል 1 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፈልፍል ዓቕሚ ክህልዎ እዩ፡፡ ካበዚ ሓሊፉ ን5 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ተጠቀምቲ ዕድል ሰራሕ ዝገብር እዩ ምባሎም ፀብፃብ CGTN የመላኽት፡፡

 ሕብረተሰብ ዘለዎ ዑደት ናይ ምግባር ልምዲ ዝተሓተ ምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያን ትካላትን ገሊፆም፡፡

ሃገርና ብርክት ዝበሉ መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ዝኾኑ ሃፍትታት ዝወነነት እኳ ተኾነት ሕብረተሰብ ከባቢኡ ናይ ምርኣይ ባህሉ ዝተሓተ ምኻኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ትካላት ኣለይቲ ቱሪስት ገሊፆም፡፡ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ብወገኑ ባህሊ ዑደት ምግባር ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምምሕያሽ የርኢ ምህላው ሓቢሩ፡፡ እቲ ሚኒስተር ባህሊ ዑደት ሕብረተሰብ ንምዕባይ ድማ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት የሳልጥ ምህላው ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

26/03/2010

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ናይጀርያዊ በዓል ሃፍቲ ኣሊኮ ዳንጎቴ ዘትዮም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ቁፅሪ ሓደ በዓል ሃፍቲ ዝኾኑ ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ኢትዮጵያ ብ10 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝተኸልዎ ትካል መፍረያይ ስሚንቶ ኣብ ስራሕ እዩ ዝርከብ፡፡ ትካል ስሚንቶ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብ2007 ዓ/ም ዝተጣየሸ ኾይኑ ን3 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እዩ፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ጉሩፕ ዳንጎቴ ኣብ ኢንቨስትመንት ሽኮርን ሕርሻን ክነጥፍ ምዃኑ ምግላፁ ይዝከር ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

ኣብ ጉልበት ወድ ሰብ መሰረት ዝገበረ ባህላዊ ስራሕቲ ሕርሻ ሃገርና ንምዝማን ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምስፍሕፋሕ ትልሚ ምሓዙ ሚኒስተር ሕርሻ ሃገርና ገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ድኤታ እቲ ሚኒስተር ኣይተ ተስፋዮ መንግስቴ ሰፋሕቲ ሰራሕቲ ሕርሻ ኣብ ዝካየደለን ክልላት ትግራይ ኦሮሚያ ፣ደቡበን ኣምሓራን መካናይዜሽን ሕርሻ ንምስፋሕ ጠመተ ተዋሂቡ ክስራሕ እዩ ኢሎም፡፡ ውልቀ ትካል፣ ዩኔናትን ኢንተርፕራይዛትን ንዕድጊት ማሽናት ሕርሻ ዝውዕል ዕድል ልቓሕ ክረኽቡ ካብ ምምችቻው ብተወሳኺ እቲ ማሽን ብዘይቐረፅ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእተውሉ ስርዓት ክዝርጋሕ እዩ ኢሎም ክብል ግለጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሕገ-መንግስቲ ዝብሉ ተራድኦን ንለውጢ ዝፅዕር ትውልዲ ክፈጠር ይግባእ ኢሉ ኤጀንሲ ሕጋውነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ፅሬትን ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ተስፋይ ምህዴ እተን ትካላት ዝተመሃረ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ ግደ ከምዘለወን ገሊፆም፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጎና ጎኒ ምፍራይ ዝተመሃረ ወለዶ ኣብ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን፣ ፖለቲካውን ትርጉም ዘለዎም ለውጥታት ንከምፅእ ግና ጠመተ ሂበን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም፡፡ ንመናእሰይ ወለዶ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘለው ግንዛበ ንምዕባይ መርኣያ ክኸውን ዘተኣማምን ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ከረጋግፅ ሙሁራት ብወገኖም ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ህዝብታት ክልል ኦሮሚያ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ንዘላቂ ሰላምን ዲሞክራስን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኸቢሩ፡፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣባ ገዳታት ፣ሽማግለታት ዓዲ ፣ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝመፁ ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም እዮም፡፡ ርእሳነ ምምሕዳራትን ክልል ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኾይኖም ኣብ መንጎ እቶም ህዝብታት ፀኒዑ ዝፀንሓ ባህልን ታክን ዘማልእ ሕውነታዊ ርክብ ንህንፀት ሓድሽ ኢትዮጵያ መሰረት ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዘቐመጦም ደንብታት ከይተሸራረፉ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ክኾኑ ኣጠናኺርካ ምሰራሕ የድሊ እውን ኢሎም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ባንኪ ደም ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰለስተ ሽሕ ዩኒት ደም ምእካቡ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬከተር እቲ ባንኪ ደም ኣይተ ሳምሶን የማነ እቲ ዝተኣከበ ደም ንሆስፒታላት ምክፍፋሉ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ከተማ ቁፅሪ ለገስቲ ደም ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይመፅእ ምህላው ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ነዚ ድማ ቀንዲ ምኽንያት ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዕባይ እዩ ይብሉ፡፡ ቅድሚ እቲ ባንኪ ደም ምጥያሹ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ዘለዋ ትካላት ጥዕና ቀረብ ደም ንምርካብ ይፅገማ ምንባረን ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር ሕዚ ግና እተን ትካላት ጥዕና 95 ሚኢታዊ ቀረብ ደም ካብቲ ባንኪ ደም ይረኽባ ምህላወን ገሊፆም፡፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ከተማ ኣክሱም ድማ ደም ብምልጋስ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ይዋፅኡ ምህላዎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ተሳተፍቲ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናብ ክልል ዓፋር ክኣትው ምጅማሮም ተሓቢሩ፡፡

ካብ ሎሚ ጀሚሮም ሰመራ ምእታው ዝጀመሩ እቶም ተሳተፍቲ ብነበርቲ ድማ ድሙቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ምህላው ተገሊፁ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ኣከባብራ በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣይተ መሓመድ ኣወል ነቶም ኣጋይሽ ንምትእንጋድ 480 ባህላዊ ኣባይቲ ዓፋር ተሰናዲኦም ኣለው ኢሎም፡፡ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ስታድዮም ፣ዘመናዊ መኣከቢ ኣዳራሽን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ድማ ከምዝተዛዘሙ ሓላፊ እቲ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ርክብ ኢትዮጵያን ናይጀርያን ኣብ ዝጠናኸሩ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ ኣኼባ ኮምሽን ሚኒስተራትን ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፡፡

ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስተራት ኣብቲ ከተማ ኣቡጃ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ክልቲኤን ሃገራት ዝጠናኸሩ ርክብ ጉዳያት ተላዒሎም ክዝተየሎም እዩ ተባሂሉ፡፡ ቀዳማይ ምይይጥ ኮምሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ናይጀርያን ቅድሚ 3 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ተሳሊጡ ዝነበረ እንትኾን ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ብርክት ዝበሉ ስምምዕነት ንግዲ ተፈራሪሞም እዮም፡፡

25/03/2010

ንሕማም ልቢ ዘቃልዕ ቶንሲል ንምክልካል እናተሰርሓ ምዃኑ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ዩንቨርስቲ መቐለ ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ዩንቨርስቲ መቐለ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዘለው ድጋፍ ሕክምና ዝግበረሎም ተጠቃዕቲ ሕማም ልቢ እቶም 90 ሚኢታዊ ብምኽንያት ሕማም ቶንሲል ዝተቃልዑ እዮም፡፡ እቲ ሪፈራል ሚላና ምስ ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ን160 ተሓከምቲ ሕማም ልቢ ድጋፍ መድሓኒት ይገብር ምህላው ተገሊፁ፡፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ንምጅማር ምድላዋት ይገብር ምህላው ተሓቢሩ፡፡ እዚ ድማ ንሕክምና ሕማም ልቢ ተባሂሉ ይወፅእ ዝነበረ ልዑል ወፃኢ ከምዘድሕን ዋና ዳይሬክተር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ዩንቨርስቲ መቐለ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 መድረኽ ምይይጥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልላት ኦሮሚያ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ክሳለጥ እዩ፡፡

ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዝተውፃፅኡ ሓድነት ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝሳለጥ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ መድረኽ ምይይጥ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ዝተውፃፅኡ ዓበይቲ ዓዲ ፣ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፣መራሕቲ ሃይማኖት ፣ሙሁራትን መናእሰይን ክርከብሉ እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ሕውነትን ሓድነትን ክልቲኦም ህዝብታት ዝገልፁ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምሁራት ዝቐረቡ ምዃኖም ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም፡፡ ብተወሳኺ እውን ሓበራዊ ትልሚ ልምዓትን ሰላምን ክልቲኤን ክልላት ቀሪቡ ክዝተየሉ ትፅቢት ከምዝግበር ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኢስፒ ዝተበሃለ ኩባንያ ሞሮኮ ንስራሕቲ ምምሕዳር 5 ትካላት መፍረይቲ ዘመናዊ ድኹዒ ክርከብ እዩ ተባሂሉ፡፡

ከም መግለፂ ኤጀንሲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ እቶም ትካላት ንአሲፒ ዝርከቡ ዘለው ብሙሉእ ዓቕሞም ንኽፈርዩን ኣሰራርሖኦም ንኸማሓይሹ እዩ፡፡ ኣብዚ ዓመት ኢ-ኩፖን ስርዓት መሸጢ እታዎታት ሕርሻ ንምትግባር 1 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዶላር ከምዝተመደበ እውን ገሊፁ፡፡ እቶም ምምሕዳራዊ ስራሕቶም ናብ ኢሲፒ ዝተበሃለ ትካል ሞሮኮ ዝሰጋገሩ ባቾ ወሊሶ ፣መርከብ፣ መልህቅ እንደርታ ንጊቤ ዲዲሻን ዝተበሃሉ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እዮም፡፡ እቶም ዩንየናት በቲ ርኽክብ ሕጉሳት ምዃኖምን ዝገለፁ ዓቕሚ ምስ ረኸቡ ኣረኪቡ ከምዝወፅእን ይገልፁ፡፡ ብተመሰሳሊ ዜና ብፈተነ ደረጃ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝትግበር ዘሎ ካብ ወረቐት ናፃ ዝኾነ ዕድጊት እታዎታት ሕርሻ ብኩፐን ናብ ኩሎም ክልላት ንምትእትታው ይሰርሕ ከምዘሎ ምግላፁ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኮድ ኢትዮጵያ ዝተበሃለ ገባሪ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝምስረት ንነዘ 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን መፅሓፍቲ ንዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ምርካቡ ገሊፁ፡፡

ዳሬክተር እቲ ገባሪ ሰናይ ኣይተ ያለው ዘለቀ ባህሊ ምንባብ ንኽዓብን ተመሃሮ ሓገዝቲ መፅሓፋት ክረኽቡን ትካሎም ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ካብ ዓለም ለኻዊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሕተሙ ሓገዝቲ መፅሓፋትን ከም ዘከፋፍሉ ገሊፆም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መላእ ሃገርና 97 ህዝባዊ ኣብያተ መፅሓፍቲ ምህናፁ እውን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ዝርግሓ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ በፂሑ ኢሉ ሚኒስተር ትምህርቲ፡፡

ሚኒስተር ድኤታ ዘፈር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እቲ ሚኒስተር ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ ምዝሕሓል ምልዕዓል ምክልኻል ሕማም ኤች ኣይቪን ፣ንምቁፅፃር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዩንቨርስቲ ዝተጣየሻ ኣብያተ ፅሕፈት ዝተዋደደ ኣጣይሻ ብዘይምህላው ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርግሓኦም ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ምስ ተቓላዕነት ወልፊ ተኣሳሲሩ ምስ ሚኒስተር መናእሰይን ስፖርትን ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ ኣብ ከባቢ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ታይ ዓይነት ምንቅስቃስ ንግዲ ክህሉ ይግባእ ንዝብል እውን መፅናዕቲ የዳሉ እዩ ኢሎም፡፡ ምክትል ከባቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትምህርቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ እያሱ ወርቅነህ ብወገኖም ብደረጃ ሃገር ብዝተገበረ መፅናዕቲ እቲ ፀገም ይጋደድ ከምዘሎ ከምዘመላኽት ምዃኑ ብምግላፅ በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ክቕፅል ስለዘይግባእ ሚኒስተር ትምህርቲ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ኢሎም፡፡

 ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ዓድ ግራት መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ኣኽቢሮም፡፡

ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ዝተረኸቡ ተመሃሮ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብሕብረ ብሄራውነት ዝደመቐ ዝፀንሓ ምክእኣልን ምክብባርን ብዝቕፅል ሰላማዊ ምምሃር ምስትምሃር ከምዘሎ ብምግላፅ ብሕገ መንግስቲ ውሕስና ዝረኸበ ፌደራላዊ ስርዓት ንምቕፃል እጃም ከም ዝዋፅኡ ገሊፆም፡፡ ፕሬዝዳንት ዩንቨርስቲ ዓድ ግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ ብወገኖም መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን እንትነኽብር ዝፀንሓ ምክብባርን ምክእኣልን ብምዕቃብ ሃገርና ንትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ህዳሰ ተመሃሮ እጃሞም ክዋፅኡ ፀዊዖም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና እቲ ዩንቨርስቲ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ብር ዝዓደጎም መፅሓፍቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ንዝረከባ 9 ወረዳታት ከምዝከፋፈል ገሊፁ፡፡

22/03/2010

ሕብረት ኣውሮፖ ኢትዮጵያ ንትገብሮ ምንቅስቓስ ምዕጋት ዘይሕጋዊ ስደት 14 ሚሊዮን ዩሬ ድጋፍ ሂቡ፡፡

እቲ ሕብረት ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል -----ፕሮግራም ፈንድ ትረስት ኣፍሪካ ኣቢሉ 14 ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ዝሃበ ኾይኑ ኤምባሲ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መተግበሪ እቲ መርሃ ግብሪ ክኾን መሪፁ ኣሎ፡፡ እቲ ስምምዕ ድጋፍ ዓለም ለኻዊ ኣገልግሎት ምግባረ ሰናይን ልምዓት ጣልያን ኮፕሬዚዮን ኢንተርና ዝዮፕሌ፣ ዓለም ለኸ ኮሚአቴ ድሕንነት ኣሜሪካ፣ ኡካዲስ ፋውንዴሽን ኔዘርላንድን ፒፒል ኢን ኒድ ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈራሪሞም፡፡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝዘልቕ መርሃ ግብሪ ኣብ ሲሪንካ ማእኸላይን ኢትዮጵያ ንዝርኣ ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ዝውዕል እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ፣ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፣ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ዝትግበር ኾይኑ ንምጥያሽ መነባብሮ ተቓላዕቲ ወገናት ምጥያሽ ተመለስትን ዘካተተ ኾይኑ ምስ ሲቪክ ማሕበራት ውሽጠ ዓዲ ብምትሕብባር ዝስራሕ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ግዕዝይና ዝፈፀሙ 27 ውልቀ ሰባት ብፅኑዕ ማእሰርትን ገንዘብን ተቐፂዖም ኢሉ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና እቲ ክልል፡፡

እቶም ተኸሰስቲ ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ካብ መምርሒ ወፃኢ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ክባኽን ከምዝገበረ መዝገብ ክሶም የረድእ፡፡ ካብ መንጎ እቶም 27 ተኸሰስቲ 2 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም ኮይኑን ጥፈኣተኛታት ምዃኖም ምሰተረጋገፀ ካብ 3 ወርሒ ክሳብ 8 ዓመታት ማእሰርቲ ፣ካብ ብር 500 ክሳብ 35 ሽሕ ከምዝተቐፅዑ እቲ ኮሚሸን ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ኢድ ተኸሰስቲ ዝተረከቡ 942 ሽሕ ብር ናብ ካዝና መንግስቲ ክምለስ ከም ዝተገበረ እውን ተገሊፁ፡፡ እዚ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣብ 39 መዛግብቲ ካልኦት 82 ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ይፃረ ኣሎ ተባሂሉ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማልያ ብምትሕብባር ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ መንግስቲ ኔዘር ላንድ ዝተሃነፀ ግድብ ተመሪቑ፡፡

እቲ ግድብ ስራሕ ምጅማሩ ኣብቲ ከባቢ ይገጥም ዝነበረ ሕፅረት ማይ ዝፈትሕ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ እቲ ግድብ 1 ሚሊዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኾይኑ ልዕሊ 9 ሽሕ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ተመሳሰልቲ ፀገማት ንምፍታሕ ካልኦት ስራሕቲ ፕሮጀክታት ማይ ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ጥቕዓታት ደው ንምባል ኩሉ ኣካል እጃሙ ክዋፃእ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ጥቕዓት ደው ይበሉ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ዘሎ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ን16 መዓልታት ክኽበር እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ተወካሊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ሌት ቸዋሪ ኩሎም ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ጥቕዓታት ንምክልኻል ምልዕዓል ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ብደረጃ ሃገር ንዝካየድ ከባብያዊ መረፃ ቅድመ ምድላዋት ከምዝወገነ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ቦርድ መረፃ ኣይተ ነጋ ደራሳ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ እዚ በጀት ዓመት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ፡፡ ኣብ ፀብፃቦም ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ከባብያዊ መረፃ ዘድሊ ናውቲን ሓይል ሰብን ኣብ ምምላእ ከምዝርከብ እንትገልፁ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብወገኑ እቲ ቦርድ ብቁልጡፍ ምድላዋት ክፃፍፍ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ሕትሙ ካርድ መረፅቲ 40 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ምብፅሑ ዝገለፁ ኣይተ ነጋ መውሃቢ ድምፂ ወረቐት ሕትመት መዝገብ መረፅቲ ቅጥዕታትን ፖስተራትን ከምዝተዛዘመ ገሊፆም፡፡ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብወገኑ ምንኣስ ኣፈፃፅማ ሕትመት ኣድመፅቲ ምዕሩይ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ በጀትን ድኽመት ኣፈፃፅማ ትልምን ክስተኻኸል ኣተሓሳሲቡ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ክሰልጥኑ ዕድል ዝተወሃቦም 253 ኤርትራውያን መሰኔታት ተገይርሎም፡፡

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነበረ መድረኽ መስኔታ ዝተረኸቡ መተሓባበሪ ስደተኛታትን ተመለስቲ ካብ ስደትን ኢትዮጵያ ጨንፈር ሰሜን ኢትዮጵያ ሓላፊ ማእኸል ቤት ፅሕፈት ስደተኛታት ኤርትራ ኣይተ ተከኤ ገብረየሱስ መንግስቲ ንኤርትራውያን ካብ ዝገብሮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ሓደ ምሃብ ዕድል ትምህርቲ ምኻኑ ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሻሙናይ እዋን ዕድል ትምሀርቲ ካብ ዝተወሃቦም ኤርትራውያን እተን 17 ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡ ኣብ ኩሎም ዩንቨርስታት ሃገርና ዝኣትው እዮም ስደተኛታት ትምህርቲ ብዝግባእ ንኽዛዝሙ መንግስቲ ኣድላይ ክትትልን ሓገዝን ክገብር እዩ ኢሎም፡፡ ተወካሊ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሚኒስተር ሽጊ ሚና ብወገኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ሓንጎፋይ ኢሉ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ዕድል ትምህርቲ ክርከቡ ምግባሩ ኣመስጊኖም፡፡ ሃገራት ኣውሮፖ ንስደተኛታት በሪን ኣብ ዝዓፅዋሉ ዘለዋ እዋን ተበግሶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነኣድ እዩ ኢሎም፡፡ ሃገራት ኣውሮፖ ንስደተኛታት በረን ኣብ ዝዓፀዋሉ ዘለዋ እዋን ተበግሶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነኣድ እዩ ኢሎም፡፡ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ብወገኖም ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፀጋ ተቐቢሎም ንዝግበረሎም ዘለው ምትሕብባር ኣመስጊኖም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያን ጣልያንን ክልቲኣዊ ርክበን ካብ ምጥንኻር ሓሊፈን ኣብ ዓለም ለኻውን ዞባውን ጉዳያት ዝገበርኦ ምትሕብባር ንክጠዘናኸር ተስማዕሚዐን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጎና ጎኒ ኣብ ኣቡጃ ዝተኻደ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፖን ምስ ጣልያናዊ መዘነኦም ፖውሎ ጆንቲሎኒ ዘትዮም፡፡ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝፀነሓ ምሕዝነት ኣብ ዝርግሓ መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ጥቡቕ ርክብ ኣለወን፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ጣልያን ፖውሎ ጆንቲሎኒ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ልምዓት ተመዝግቦ ዘላ ዕቤት ከምኡ እውን ካብ ዓለም ለኻውን ዞባውን ጉዳያት ዘለዋ መሪሕ እጃም ከም ዝነኣድ ብመዓረግ ሚኒስተር ሓላፊ ዩኒት ደሊቨሪ ሚዲያን ርክብ ህዝብን ኣይተ ዛጊድ ኣብርሃ ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖለንድ ቢት ስድሎ ዝዘተዩ ኾይኖም እታ ሃገር ንኢትዮጵያ ካብ ትህቦ ልቓሕ ብተወሳኺ ንተመራመርቲ ኢትዮጰያውያን ዝሃበቶ ዕድል ትምህርቲ ንምጥንኻር ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ዘጎልበተ ምኻኑ ተመያይጠን፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ሰብ ሃፍቲ ፖላንድ ኣብ ሃገርና ኢንቨስት ክገብሩን እተን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሃገርና ዑደት ክገብራን ዓዲሞም፡፡ እተን ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዕድመ ብሓጎስ ምቕባለን ብምግላፅ ንምውፋር ኢንቨስትመንት ፃዕሪ ከምዝገብራ ቃል ኣትየን ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮያ፡፡

19/03/2010

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያመ ደሳለኝ ኣብ በዓል ሹመት ፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁር ኬንያታ ንክርከቡ ናብ ናይሮቢ ኣምሪሖም፡፡ ፕሬዝዳንት ኬንያ ንካልኣይ እዋን እታ ሃገር ክመርሑ ቃለ መሓላ ዝፈፅምሉ መድረኽ እዩ፡፡

ኣብቲ በዓል ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስተራትን ተረኺቦም እዮም፡፡ ጎና ጎኒ እቲ በዓል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማያም ደሳለኝ ምስ ደቡብ ሱደን መዘነኦም ፕሬዝዳንት ሳልቫኬር ማያርዲት ኣብ ናይሮቢ ተዛትዮም እዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ኣብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ናብ ተግባር ብምቕራብ ሰላም ምርግጋዕን ከዓስል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣይተ ሃይለማርያም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘላቂ ሰላም ክሰፍን ኢትዮጵያ ከም ጎረቤት ሃገርን ከም ኣቦ መንበርነት ኢጋድን እትፃወቶ ግደ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆምልና እዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ኬር ብወገኖም እቲ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ክኾን ብቖራፅነት ክሰርሕ ምግላፆም ኤፍቢሲ ፀብፁቡ፡፡

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ዲሞክራስያዊ ኢትዮጵያ /ኢዴፖ/ ዘይምቅድዳው ተፈጢሩ፡፡

ክልተ ነባር ኣባላት ኣመራርሓ በቢ ሸነኾም ፕሬዝዳንት እቲ ውድብ ምዃኖም ይገልፁ ኣለው፡፡ ነበር ፕሬዝዳንት አቲ ውድብ ዶክተር ጫኔ ከበደ ብምጥሓስ መርሕ እቲ ውድብ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ ዋና ፀሓፊ እቲ ውድብ ኣይተ ሳህሉ ባዮ ገሊፆም፡፡ ዶክተር ጫኔ ብወገኖም ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣነ እየ ፣ካብ ሓላፍነተይ ዘውርድ ስራሕ ኣፈፃሚ ይኹን ሓፈሻዊ ጉበኤ ኣይተኻየደን ዝብል ሓሳብ ገሊፆም እቲ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ግብፂ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ታዩ እንቁስላሴ ኣብ ፖርላማ ግብፂ ምስ ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪካ ፕሮፌሰር ኤልሳይድ ፈሊፋል ንኣባላት እቲ ኮሚቴን ዘትዮም፡፡

ምስ ኣባላት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብሓባር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸርሉ ኩነታት ዘካየድዎ ዘተ ውፅኢታዊ ነይሩ ተባሂሉ፡፡ ኣምባሳደር ታዩ ንፖርላማ እታ ሃገር ዑደት ከምዝገበሩ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ዜጋታትን ሰራሕተኛታትን ተጠቃምቲ ዝገብር ዝተማልኣ ማዕቐፍ ምላሽ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ምኻን ጀሚሩ፡፡

እቲ ማዕቐፍ ስደተታት ምስ ሕብረተሰብ ክተሓዋወስ ብምግባር ካብ ቁጠባውን ማሕበራዊን ዓውድታት ብሓባር ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ኢትዩጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለዎም ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ኣብ ሃገርና ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት መፍረይቲ ዜጋታት ዓለም ክኾኑ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ዘፈር መፍረያይነት ኣብ ምጥያሽ ፖርክታት ኢንድስትሪ ኣብ ዘፈር ሕርሻን ልምዓትን መስኖን ክስፋሕፍሑ ዘኽእል ማዕቖፍ ምዃኑ ተፀሪሑ እዩ፡፡ ኣብ ከተማና ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ድሬዳዋን ኣላጀን ማእኸለዎት ፖርክታት ኢንደስትሪ ንምህናፅ ቅድመ ምድላዋት ስራሕቲ እተን ፖርክታት ን100 ሽሕ ሰባት ዕድል ሰራሕ ዝፈጥራ ኮይነን 70 ሚዘኢታዊ ኢትዮጵውያን 30 ሚኢታዊ ድማ ንስደተኛታት ዝወሃብ ዕድል ሰራሕ ምኻኑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክሳብ ዝዘዘም ደገፎም ከምዝቕፅሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር ንምእካብ ተተሊሙ እናተሰርሓ ምኻኑ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ወርሓዊ መሃየኦም ብምንካይ ሰለስተ ግዘ ቦንድ ምዕዳጎም ዝሓበሩ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ን4ይ እዋን ቦንድ ክዕድጉ ድልዋት ምዃኖም ገሊፆም፡፡ እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ሕብረተሰብ ምልዕዓል ከምዘሎ ዝገለፃ ኣተሓባባሪት ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ እቲ ዞባ ወይዘሮ ጀምበር ሓድጉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ነጥቢ 2 ሚሊዮነ ብር ንምትእኽኻብ ተተሊሙ 5 ሚሊዮን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብምኽንያት መበል 12 በዓል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ወፍሪ ፅሬት ክካየድ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተጀመሩ ወፍርታት ፅሬትን ፅባቐን ከተማ መቐለ ንምቅፃል ኣብ ግምት ብምእታው ብምኽንያት እቲ በዓል ወፍሪ ፅፈት ብብርኪ ከተማ ክካየድ ምድላዋት ከምዝተወገነ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡ ፅባሕ 20 ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብቲ ካብ ሰዓት 12፡30 ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ በብ ክፍለ ከተምኡ ኣብ ዝተነፀሩ ከባብታት እቲ ወፍሪ ፅሬት ዘካይድ እዩ፡፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ መላእ ሲቪል ሰርቫንት ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ህንፃ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ወፍሪ ፅሬት ከካይዱ እዮም ኢሉ፡፡

 ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ሓድሽ ወፍሪ ውሕጅ ኣልቦ ስራሕቲ ምሕዋይን ምክንካንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከም ኣንፈት ተኸቲሉ ስራሕቲ ንምጅማር ምድላዋት ምግባሩ ገሊፁ፡፡

ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ በቲ ኣንፈት ዝሰልጠነ ሰብ ሞያ ምፍራይ ኣገዳሲ ሙኻኑን ነዚ ግንዛበ ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ዝሕግዙ ስራሕቲ መደብ ወፂእዎም ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡ ኣብ ከተማ ሽረ ኪኢላታት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዓቕሚ ዝፈጥር ስልጠና ኣብ ቀረባ እዋን ክስራሕ እዩ ተባሂሉ፡፡ መተሓባበሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ታጁ መሓመድ ያሲን እቲ ስልጠና ክልልና ንመፃኢ ዕድል ዓሊሞም 2017 ዝተረኸበ ሽልማት ኣብ መላእ ወረዳታት ክልል ትግራይ ኣብ ዘዘዋውርሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ ነዚ ዝተረኸበ ሸልማት ንምቕፃል ዝዓለመ እዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡

 ጉጅለ ልኡኽ ፖርላማ የመን ምስ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ልምዲ ልውውጥ ልምዲ ንምክያድ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣትዮም፡፡

እቶም ኣጋይሽ ናብታ ከተማ እንትኣትው ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ይርሳው ታምሬ ተቐቢሎሞም እዮም፡፡ ጉጅለ ልኡኽ ፖርላማ የመን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ልምዲ ልውውጥ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከምዘካይድ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምንኬሽን ኣይተ ንጉሰ ጥላሁን ገሊፆም፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣወዳድባ ስርዓት ፌዴራሊዝም ኣገባብርኣን ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴራሊዝም ልምዲ ወሲዱ እዩ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡

18/03/2010

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ኣረርቲ ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ፖርክ ኢንድሰትሪ ንዘብፅሕዎ ጉድኣት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንመንግስትን ነቶም ወነንቲ እቲ ፖርክን ይቅሬታ ሓቲቶም፡፡

29 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈፀመ ህውከት ኣብ ልዕሊ ፋብሪካ ችፑድ ሓደጋ ምብፅሖም ዝተሓበረ ኮይኑ ኣብ ካሊእ ንብረት መንግስትን ህዝብን እውን ውድመት በፂሑ እዩ፡፡ ነቲ ህውከት ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ብኩባንያ ቻይና CCCC ይህነፅ ዝነበረ ፖርክ ኢንድስትሪ ስርሑ ተቋሪፁ ዝነበረ እንትኾን ነበርቲ እቲ ከተማ ህንፀቱ ክቅፅልን ሰላም ከባቢኦም ንምሕላው ድማ ድልዋት ምዃኖምን ኣረጋጊፆም፡፡ ሓለፍቲ ስራሕ ኩባንያ CCCC ብወገኖም ሰራሕተኛታቶምን ሓለዋ ድሕንነትን እንተተገይርሎም ናብ ስራሕ ከምዝኣትው ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ከይመሓላፍ ሕዝ እውን ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ነብሰ ፁር ኣዴታት ተመርሚረን ዓርሰን ብምፍላጥ እቲ ቫይረስ ናብቲ ዝውለድ ዕሸል ከይመሓላለፍ ኣብ ምግባር ትኹረት ክግበር ከምዘለዎ ቤት ፅሕፈት ምክልካልን ምቁፅፃርን ኤች አይ ቪ ኤድስ ገሊፁ፡፡ ነዚ ድማ ተበፃሕነት ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ምስፍሕፋሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ ፡፡ ብሃገር ብርኪ ዝርግሓ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ናይ ምውሳኸ ኩነታት ይርኣ ምህላው ዝፀብፀበ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ እዩ፡፡

 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ መላእ ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ጉዳያት ብሓድነት ክንቀሳቀስ ግንዛበ ምፍጣሩ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ከምዝሓበርዎ እቲ በቢ ዓመቱ 29 ሕዳር ዝኽበር በዓል ንሓድነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝለዓለ ግደ እናተፃወተ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ በዓል ንህዝብታት ኢትዮጵያ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ዝበሉ ሚኒስተር ዶክተር ነገሬ ሌንጮ መሰረት ሓዳሽ ኢትዮጵያ እውን እዩ ኢሎም፡፡ 29 ሕዳር ሃገርና በቢ እዋኑ ዝገጥምዎ ፈተናታት ህዝብታት ብሓባር ብምዃን ዝፈትሕሉ ኢሉ እውን ኣመራርሓን ህዝብን ዝቀራረብሉ መድረኽ እናኾነ ይመፅእ ምህላው ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ገሊፆም ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ጠቕላላ ኣመራርሐን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣብ ስርዓት ፌዴራሊዝም ኣመልኪቶም ዘተ ኣካይዶም፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ኣብርሃም ገብረፃዲቕ ስርዓት ፌዴራሊዝም ኣብ ሃገርና ማሕበራዊ ፣ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ለውጥታት ከመዝግብ ምኽንያት ምዃኑ ዝገለፁ እንትኾን ዝረኣ ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ በቢ ብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ግድኡ ክፃወት ፀዊዖም፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብወገኖም ኣብ ስርዓት ፌዴራዝም ዘሎ ግንዛበ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ይብል ክኢለ ፕረስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሃፍቶም ሃይለ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ብገበን ቅትለት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተፈሪድዎ፡፡

ተኸሳሲ ኣይተ ፀጋይ ድምፁ ተኽለ ነባርነቱ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ዝኾነ 20 ለካቲት 2009 ዓ/ም ኣብቲ ዝተጠቐሰ ከባቢ ናብ ዝርከብ ገዛ ውልቀ ተበዳሊትን ሰበይት ሓውን ብምኻድ ብግዝያዊ ጎንፂ ናይ ወላዲተይ እኽሊ ዘይሃብኩምኒ ብምባል ብእምኒ ወቂዑ ንሕልፈት ህይወት ከምዘቃልዓ መዝገብ ክሱ የመላኽት፡፡ መዝገብ ክሱ እናተኸታተለ ዝፀንሓ ቤት ፍርዲ ደቡብ ምብራቕ ተኸሳሲ አይተ ፀጋይ ድምፁ ጥፍኣተኛ ኾይኑ ስለዝተረኸበ ብ12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ከምዝተፈረዶ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ሃገርና ዘጠናኸረ መድረኽ ምይይጥ ከምዘሳለጡ ሚኒስተር ጉዳያት ፌዴራልን ልምዓት ኣርባሕቲ እንስሳን ገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ሚኒስቴር ጉዳያት ፌዴራል ኣይተ ከበደ ጫኔ እቶም መድረኻት ምይይጥ ብሙሁራን መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝቐረበሎም ህዝቢ ድማ ዝበለፀ ዝቀራረበሎም ክኾኑ ይስራሕ ምህላው ገሊፆም፡፡ ኣብ መንጎ ዝተወሰኑ ክልላት ዝረኣዩ ዘለው ጎንፅታት ንምእላይ ፌዴራል መንግስቲ ይሰርሕ ምህላው ዝሓበሩ እቶም ሚኒስተር እዞም መድረኻት ሓድነት ህዝብታት ብዝበለፀ ዝንፀባረቐሎም ክኾኑ እዮም ኢሎም፡፡ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ፅቡቕ ዝበሃል ኣካይዳ ብሃገር ብርኪ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ከበደ ጫኔ ዝርኣዩ ዘለው ዝተወሰኑ ፀገማት ካብ ፍልፍሎም ምድራቕ ግን ንፅባሕ ዘይበሃል ስራሕ እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡

 ድሌትን ፍሰትን ሓይሊ ኤሌትሪክ ንምምጥጣን ዝወፀ ዝተዋደደ ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ዕላዊ ክግበር እዩ፡፡

ብድጋፍ ባንኪ ዓለምን ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ዝተሰናድኣ እዚ ፕሮግራም ተጠቃምነት ሓይሊ ሕበረተሰብ ብዝበለፀ ዘረጋግፅ እዩ ተባሂሉ፡፡ ሚኒስተር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጀነር ስለሽ በቀለ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ድሌትን ፍሰትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክመጣጠን ምግባር ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ እዚ ድማ ፍትሓውነት ከምዝሰፍን ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝቕፅሉ 4 ዓመታት 35 ሚኢታዊ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብ ብመስመራት ኤሌክትሪክ ፣ካልኦት 35 ሚኢታዊ ዝኾኑ ድማ ብኣማራፂ ፍልፍላት ሓይሊ ክረክቡ ትልሚ ወፂኢ ይስራሕ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ መስኖ ዘጠናኸሩ ስራሕቲ ንምቅልጣፍ ይሰርሕ ምህላው ገሊፁ፡፡ እቲ ቢሮ ምስ ኤጂፒ ብምትሕብባር ዝህነፅ ዘሎ ገረብ ሓጎዛ ስራሕቲ ምእላይ ተሳሊጡ፡፡

ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ጣብያ ስምረት ዝርከብ ገረብ ሓጎዛ ብቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣቢሉ ብበጀት ኤጂፒ ስራሕቲ ህንፀት እናተሳለጠ እንትኾን እንትዛዘም ተጠቃምነት መስኖ እቲ ከባቢ ከዕቢ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዝተሳለጠ ምእላይ ገረብ ሓጎዛ 50 ነጥቢ 8 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ዘኽእል ኮይኑ ን200 ሓረስቶት ድማ ተጠቀምቲ ይገብር ኢሉ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ሰለሙን መለስ ዝለኣኸልና ፀብፃብ የመላኽት፡፡

15/03/2010

ስራሕቲ መካናይዜሽን ንምስፍሕፋሕ ናውቲ ሕርሻ ካብ ቀረፅ ናፃ ክኣቱ ተወሲኑ፡፡

ብዓለም ለኸ ብርከ ኣብ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት መካናይዜሽን፣ 66 ትራክተራት ክጥቀሙ እኳ እንተተቐመጠ ዛጊድ ኣብ ሃገርና ኣብተግባር ዘሎ ን10 ሄክታር 2 ነጥቢ 2 ትራክተራት ጥራሕ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ዘመናዊ ናውቲ ሕርሻ ቀረፅ ከይተ ኸፈሎም ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ ከምዝተፈቐደ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቁፅሪ ክሳብ 5 ሚሊዮን ብር ኣታሊሎም ዝሰወሩ ገበነኛታት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ምፅራይ ከበድቲ ምርመራ ገበናት ኮማንደር ኣበራ ቡሊና ምስ ዶላር መኣድናት ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክባራት ናውቲ ተተሓሒዙ ተታሊልና ዝብሉ መቕረብቲ ጥርዓን ይበራኸቱ ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ከምዚ ዓይነት ምጭብርባር ገበናት ካብ 1993 ዓ/ም ክሳብ 2003 ዓ/ም ተደጋጊሞም ዝፍፀሙ ምንባሮም ዘዘኻኸሩ እቶም ኮማንደር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 3 ክሳብ 5 ሚሊዮን ብር ተታሊልና ዝብሉ ተበደልቲ ምህላዎም ሓቢሮም፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ተመሳሳሊ ናይ ምትላል ስራሕቲ ኣብ ልዕሊኦም ቅድሚ ምፍፃሙ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ብዝሃቡ ውልቀ ሰባት ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ክውዕሉ ከም ዝገበሩ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡ ቅድሚ ሕዚ እቲ ገበን ፈፂሞም ዝተትሓዙ ውልቀ ሰባት ልዕሊ 15 ዓመት ቅፅዓት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰኖም ኮማንደር ኣበራ ገሊፆም፡፡ ሕብረተሰብ ካብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምትላል ገበናት ጥንቃቐ ክገብር ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ኣዶ ወንበር ኮሚቴ ቴክኒክ ኢንፎርሜሽን ኮምኒኬሽን ቴክኖሎጂ ሕብረት ኣፍሪካ ኾይና ተመሪፃ፡፡

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ሚኒስተራት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዙርያ ኢንፎርሜሽንን ኮምኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ኣህጉርና ኣብ ዝዘተይሉ እዋን እዮም ኢትዮጵያ ብኣዶ መንበርነት ክትመርሕ መሪፆም፡፡ ኢትዮጵያ ነዚ ሹመት ክትበቅዕ ዝኽኣለት ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ኣብዚ ዘፈር ዘመዝገበቶ ውፅኢት እዩ ተባሂሉ፡፡ ብምዃኑ እውን ካብ 14 ሕዳር 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ማሊ ተቐቢላ ብኣዶ መንበርነት ምምራሕ ከም ትጅምር ተገሊፁ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ጌታቸው መንገሻ ኢትዮጵያ እቲ ዘፈር ብኣዶ መንበርነት ክትመርሕ ዝተወሃባ ሓላፍነት ብኣግባቡ ከምትዋፃእ ሓቢሮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ንሓደ ሽሕ ወገናት ነበርቲ ኣክሱምን ከባቢኣን ናፃ ሕክምና ከምዝህብ ኣፍሊጡ፡፡

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ብርሃኑ ዋህድ እቲ ግልጋሎት 22 ካብ ሕዳር 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልታት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ቅደስት ማርያም ኣክሱም ክወሃብ እዩ ኢሎም ፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብ ከባቢ ኣክሱም ዝርከቡ ወገናት ብቐረባ ተጠቀምቲ እዚ ዕድል ክኾኑ ኣይተ ብርሃኑ ገሊፆም ይብል ካብ ርክብ ህዝቢ እቲ ሆስፒታል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 ኣብ ከተማ ኣክሱም ብገበን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርትን ክፍሊት ገንዘብ ተቐፂዑ፡፡

እቲ ተኸሳሲ ንክልተ ውልቀ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ከሰጋግረኩም እየ ብምባል 3 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣታሊሉ ብምውሳድ እዩ ተቐፂዑ፡፡ ነቲ ጉዳይ እናኸታተለ ዝፀንሓ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ብምምስኻር ተኸሳሲ ጥፍኣኛ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋፁ ብ12 ዓመት ብፅኑዕ ማእሰርቲ ብር 5000ን ክቕፃዕ ከምዝተወሰኖ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ማእኸላይ ቤት ፍርዶ ከተማ ኣክሱም ኣማረ ኣረጋይ ፀብፂቡ ፡፡

 ኢትዮጵያ ኩነታት ሰላም ሃገረ ሶማልያ ንምርግጋፅ እትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጣ፡፡

ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ፕሬዝዳንት ኣብዲዌል መሓመድ ኣሊጋኣስ ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ርክበ ክልቲኣን ሃገራት ክጠናኸር ከምኡ እውን ኣብ ሶማልያ ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ከምዝቕፅል ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣፍሊጦም፡፡ ምስ እዚ ብተወሳኺ ኣብ መንጎኣን ዘሎ ርክብ ንግድን መጓዓዝያን ብምጥንኻር ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ትኹረት ክወሃብ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ፋብሪካታት ዋላ እኳ እንተሃለወ ተጠቃምነትን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ድኽመት ከምዘሎ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ፡፡ እዚ ብምዃኑ እውን ፍሉይ ደገፍን ክትትልን ዘድልዮም ስራሕቲ ብፍላይ ተጠቃምነትን ምርግጋፅ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዕግበት ዜጋታት ብምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ንምዕባይ ክረባረቡ ቤት ፅሕፈት ሲቪል ሰርቪስ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ኣብ ኣደላልዋ ትልሚ ብ BSC ፣ኣደላልዋን ትግበራን ትልሚ ሰናይ ምምሕዳርን መህነፂ ሜላታት ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ንተኸታተልቲ 3ተ ዓመታት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፣ርእሰ መማህራንን ምክትል ርእሰ መምህራንን ኣብ ዝተወሃበ ስልጠና እዩ፡፡ ምክትል ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሲቪል ሰርቪስ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ መኣዛ ኣለምሰገድ ዕላማ እዚ ስልጠና ኣብ ምትግባር BSC ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ክፍተት ንምምላእ ፣ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋንን ልምዓታዊ ስቪል ሰርቫንት ንምህናፅ ምዃኑ ገሊፀን፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ክፍለ ከተማ መምህር ገብረመድህን ኣረጋይ ብወገኖም ተሳተፍቲ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ፀገማት ክስተኻኸለሉ ዘለው ብሉፃት ተሞክሮታት ክስነድን ክሰፍሑን ከምኡ እውን ዕግበት ዜጋታት ንምርግጋፅ ክረባረቡ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብ መወዳእታ ሰልጠንቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ተጠቒሞም ንተገልገልቲ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም ክብል መኮነን ርክብ ህዝቢ እታ ክፍለ ከተማ ቴድሮስ ኣብርሃ ፀብፂቡ፡፡

 ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሓውዜን ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእክቦ ካብ ዝሓዞ ልዕሊ 11 ሚልዮን ቅርሺ100 ሚእታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ወ/ሮ ኣዝመራ ወ/ማርያም ከምዝበለኦ፣ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝተፈላለዩ ነጋዶን ካልኦት ፍልፍላት እቶትን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ልዕሊ 11 ሚልዮን ቅርሺ እቶት ንምእካብ መደብ ተታሒዙ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ድሕሪ ምሕባር፣ እቲ ዝትተሓዘ ትልሚ 100 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጠን። ናይዚ ውፅኢት ድማ ከፈልቲ ግብሪ ብዝተትሓዘሎም ግዜ ሰሌዳ መሰረት ብእዋኑ ክኸፍሉ ብምኻኣሎም ምኻኑ ሓቢረን። እቲ ዝተኣከበ ልዕሊ 11 ሚልዮን ቅርሺ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ”ሀ” ልዕሊ 237 ሽሕ፣ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ”ለ” ልዕሊ 125 ሽሕ ቅርሺ፣ ካብ ከፈልቲ ደረጃ “ሐ” ንመካረይትን ካልኦት ፍልፍላት እቶትን ድማ ልዕሊ 10 ሚልዮን ቅርሺ ዝተኣከበ ምኻኑ ዝሓበራ ወ/ሮ ኣዝመራ፣ኣብታ ወረዳ ዝርከቡ ከፈልቲ ግብሪ ነጋዶ ዝተተመነሎም ከፍሊት ግብሪ ብእዋኑ ከፊሎም ከም ዘጠቓለሉን ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ልምዓታዊ መንፈስ እናዓበየ ይመፅእ ምህላዉን እተን ሓላፊት ወሰኽን ኣፍሊጠን። ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ዝተፋላለዩ ብርኪ ዝተቐመጡ ልዕሊ 1800 ከፈልቲ ግብሪ ነጋዶ ከምዘለዉ፣ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሓውዜን ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር ይብል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ ፀብፂቡ፡፡

ሓድሽ ፕሬዝዳንት ዙምባብዌ ኤመርሰን ማናንጋግዋ ቃለ መሓላ ፈፂሞም፡፡

ኤመርሰን ማናንጋግዋ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ለውጢ ንምምፃእ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብድምፂ ይስምዑ

13/03/2010

ጉድለታት ዝተረኸቦም ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ልዕሊ 17 ሽሕ ብር ከምዝተቐፅዑ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣፍሊጡ፡፡

ከም መብርሂ መተሓባበሪ ኬዝ ቲም ቁፅፅር ጥዕና እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ዳዊት ወዳጅን 561 ትካላት ምግብን መስተን ፣27 ኣብያተ ትምህርትን ኣፀደ ህፃናትን፣ ን22 እንዳ ስጋ ቁፅፅር ተገይርሎም እዩ፡፡ ከምኡ እውን ንልዕሊ 2ሽሕን 1 ሚኢትን ወነንቲ ትካላትን ሰራሕተኛታትን መዕበይ ግንዛበ ከምዝተውሃቦምን ኣይተ ዳዊት ገሊፆም፡፡ ብተወሳኺ 674 ኪሎ ግራም ዝተበላሸው ኣትክልትን ፍራምረን ፣894 ሊትሮ ዕሹግ መግብታትን ከምዝተወገዱ ሓቢሮም፡፡ ብሓፈሻ 150 ጥዕና ተንከፍ ትካላት ካብ ከቢድ ክሳብ ቀሊል መጠንቀቕታ ከምዝተወሃቦምን 62 ከምዝተዓሸጉን ፅሬት ብዘይምሕላዎም ፣ዘይሕጋዊ ሕርዲ ፣ሕማቕ ጨና ከባቢ ንዝፈጥሩን ድማ 17250 ብር ከምዝተቐፅዑ ገሊፆም፡፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ዝሓለፎም ምግብታት ፣መስተ ፣ኣፋውስ ዝኾነ ውልቀ ሰብ እንተዓዲጉ ወይ ክዕድግ እንተሪኡ ነቲ ቤት ፅሕፈት ሓበሬታ ከህብ እቶም መተሓባበሪ ኬዝ ቲም ኣተሓሳሲቦም ይብል መኮነን ርክብ ህዝቢ እታ ክፍለ ከተማ ቴድሮስ ኣብርሃ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡

 መሰረታዊ ሸቐጣት ንሕብረተሰብ ብፍትሓዊ መልክዑ ከቕርቡ ኩሎም ኣባላት ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንድስትሪን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡፡

እዚ ዝተገለፀ እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ ነጋዶ መሰረታዊ ሸቀጣት ማለት ሰንከቲ ባኒ ፣መቕረብቲ ዘይቲ ፣ሽኮር ከምኡ እውን ኣመሓደርቲ ጣብያታትን ስራሕ መካየድትን ኣብ ዝተካየደ ዘተ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣፈፃፅማ ነጋዶ መሰረታዊ ሸቐጣት ዘቕርቡ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንድስትሪን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ መንግስቱ ዮሃንስ ምጉዳል ሚዛን ፣ሚዛን ናይ ብቅዓትን ፅሬትን ፀገም፣ ግልጋሎት ብኣግባቡ ዘይምሃብ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም ምስቲ ነባሪ ዝመጣጠን ኮታ መሰረታዊ ሸቐጣት ስለዘየቕርብ ክስተኻኸል ሓቲቶም፡፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንድስትሪን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ወይዘሮ መድህን ገብረፃድቕ ዋሕዲ መሰረታዊ ሸቐጣት ንዝምልከቶም ኣካላት ከፍለጥዎ ከምዝተገበረን እቲ ዘሎ ንሕብረተሰብ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክከፋፈልን ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንዝሰርሑ ኣካላት ከቃልዑን ኣተሓሳሲበን ይብል መኮነን ርክብ ህዝቢ እታ ክፍለ ከተማ ቴድሮስ ኣብርሃ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ኣብ ልዕሊ ኣብያ ክርስቲያናት ዘላሊበላ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምክልካል ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ፀዊዑ፡፡

እቶም ሓድግታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን /ዩኔስኮ/ ብቀዳምነት ካብ ዝተመዝገቡ ታሪካዊ ሓድግታት ተፀራሕቲ እዮም፡፡ ኾይኑ ግና እቲ ሓድጊ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዝለዓለ ሓደጋ ምንቃዕን ምፍራስን ኣንፀላልይዎ ህልውና እቲ ሓድጊ ኣብ ሓደጋ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ሚኒስተር ገሊፁ፡፡ ከም ኣገላልፃ እቲ ሚኒስተር እቲ ሓድጊ ተደቂንዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ሕድሳትን ምትዕርራይን ንምፍፃም 20 ሚሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ዝተሓበረ ኾይኑ ነዚ ዘፍፅም ኮሚቴ ንምጥያሽ እቲ ሓድጊ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ሚኒስተር እዚ ሃገራዊ ሃፍቲ ሓድጊ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፅሒት ክዋፃእ ፀዊዑ፡፡

ኣብ ምስፋሕ ፖለቲካዊ ምህደር ምስ ሃገራዊ ውድባት ፖለቲካ ዝተገበረ ድርድር ውፅኢታዊ ከም ዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣይተ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣይተ ሽፈራው ሽጉጤ ምስ ድርድር ፖለቲካዊ ውድባት ንተዛመድቲ ጉዳያት ተኣሳሲሩ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ ውድባት ፖለቲካ ንድርድር ካብ ዝተሓረዩ ኣጀንዳታት ክልተ ድርድራት ተዛዚሙ ኣጀንዳታት ኣብ ፖለቲካዊ ምህደራ ለውጢ ዘምፅኡ እዮም ኢሎም፡፡ ኣብ ሰርዓት መረፃ ዝተገበሩ ድርድራት መሰል ፀገማት ዝፈትሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ብቐፃሊ እቲ ውድብ ንምስፋሕ ፖለቲካዊ ምህደር ምስ ውድባት ፖለቲካ ዝግበር ድርድር ዝተቐላጠፈ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ሓቢሮም፡፡ ብቀፃልነት ምስ ሲቪክ ማሕበራት፣ ሙሁራትን ህዝብን ዝግበር ዘተ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ኣይተ ሽፈራው ኣብ መግለፂኦም ካብ 2008 ዓ/ም መወዳእታ ጀሚሩ ክሳብ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት መእተዊ ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ደይብ ውረድ ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ክመዓራረዩ ኣብ ዝግበኦም ነጥብታት መብርሂ ሂቦም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኤጀንሲ ምምሕዳር መረዳእታ መሬት ኢትዮጵያ ሓድሽ ፖሊሲ የዳሉ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

እቲ ፖሊሲ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዘሎ ኣተኣኻኽባ መረዳእታ ንምጥንኻር ኢሉ እውን ብኸመይ ኣገባብ ናብ ውልቀ ሰባት ክበፅሕ ከም ዝግባእ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲአ ስራሕቲ ካርታ ኢትዮጵያ ኣይተ ስልጣን መሓመድ ገሊፆም፡፡ እቲ ኤጀንሲ ካብ ካርታ ምድላው ካሊእ ተወሳኺ ስራሕ ስለዝስራሕ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኤጀንሲ ጂኤ ስፔሳልን ኢንፎርሜሽን ኢትዮጵያ ዝበል መፀውዒ ከምዝተወሃቦ ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ መሬት ስርዓት ትግበራ ምውዳድን ምኽፋፋል ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምትርከብ ካብቲ ኤጀንሲ ዝተረኸበ መረዳእታ ይገልፅ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

12/03/2010

ብፈተነ ቕትለት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲንዎ፡፡

ተኸሳሲ ጋሻው ዋለ ጀምበር ነባሪ ወረዳ ሰቲት ሑመራ ቀበሌ 03 10 መጋቢት 2009 ዓ/ም ኣብቲ ዞባ ከተማ ሰቲት ሑመራ ንውልቀ ተበዳሊ ብካራ ወጊኡ ብዙሑ ደም ክፈሶ ብምግባር ሓደጋ ከምዘብፅሓሉ መዝገብ ክሱ የመላኽት፡፡ ተኸሳሲ ብፈተነ ቕትለት ሰብ ተኸሲሱ ጉዳዩ እናተርኣየ ድሕሪ ምፅንሑ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምዕራብ ኣብ ዝወዓለ ምድብ መጋባእያ ሑመራ ተኸሳሲ ብ13 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲንዎ ክብል ኪኢላ ፕረስ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ፍትሒ ካሕሳይ ተስፉ ዘብፀሓና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 ኣብ እንታይነት ስርዓት ውፅኢት ተኮር ኣሰራርሓ ፣ሰናይ ምምሕዳርን ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊትን ኣድሂቡ ንመላእ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክፍለ ከተማ ሓድነት ክወሃብ ዝፀንሓ መዕበይ ዓቕሚ ሰልጠና ተዛዚሙ፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሲቪል ሰርቪስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ወይዘሮ ኣልማዝ ሓድሽ ሰራሕተኛታት ዓርሶም ክመሃሩ ብምግባር ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምፍጣር ከምዝስራሕ ገሊፀን፡፡ ኣብቲ መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘለው ፀገማት ብምግምጋምን ብምርዳእን ካብ ሕፅረት ግንዛበ ዝብገሱ ፀገማት ንምድፋን ከምዘኽእል ተሓቢሩ፡፡ ህዝቢ በቢ እዋኑ ዘልዕሎም ፀገማት ድማ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ከፋፊልካ ብምፍታሕ ግቡእ ግልጋሎት ንህዝቢ ንምቕራብ ከም ዝስራሕ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ስቪል ሰርቪስ ክፍለ ከተማ ሓድነት ወይዘሮ ኣልማዝ ሓድሽ ገሊፀን ክብል ኪኢላ ፕረስ እታ ክፍለ ከተማ ተኽለማርያም ኣስመላሽ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ፖርክታት ዘሎ ፍልሰት ከም ዘተሓሳሰቦ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ገሊፁ፡፡

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ናይቲ ኮርፕሬሽን ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ በጀት ዓመትን ትልሚ 2010 ዓ/ም ኣብ ዝገምገምሉ እዋን እዩ እቲ ኮርፕሬሽን እዚ ዝገለፁ፡፡ ብመዓድን ሚኒስተር ድኤታ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ኣይተ ዲሳያ ገመቹ በቢ እዋኑ ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ስራሕ ምቁራፆም ዓብይ ፀገም ይኾን ምህላው ሓቢሮም፡፡ ሰራሕተኛታት ዝረኸብዎ ጥቕማ ጥቕሚ ዝነኣሰ ምዃኑ ቀንዲ ምኽንያት ፍልሰት ሰራሕተኛታት ምኻኑ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ካብቶም ፖርክታት ዝርከቡ ኩባንያታት ድማ መፍረያይነቶም እስካብ ዘይዓበየ ወሰኽ መሃያ ንምግባር ድሌት ከምዘይብሎም ገሊፆም፡፡ ፍልሰት ሰራሕተኛታት ንምንካይ ድማ ብተመጣጣኒ ዋጋ ፍርያታት ንግልጋሎትን ነቶም ሰራሕተኛታት ምቕራብ ከምዝግባእ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሓሳብ ቀሪቡ ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለው ህፃናት ንምድጋፍ ዝተጣየሹ ትካላት ኣብ ምጥንኻር ኩሎም መዳርግቲ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ሚኒስተር ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሰናድኦ ኣብ ፅጉማት ህፃናት ዘድሃበ ዋዕላ ተሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስተር ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ወይዘሮ ደሚቱ ሃምቢሳ መንግስቲ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ናብርኦም ጎዳና ዝነብሩ ህፃናት ንምርዳእ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናሳለጠ ምህላው ገሊፀን፡፡ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለው ህፃናት ምድጋፍ ግደ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምዃኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስቴር ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ትካላት ግብረ ሰናይ ምሕጋዝ ምጥንኻርን ከም ዝግባእ ድማ ገሊፀን፡፡ ብዓለም ለኸ ብርኪ ን28 ግዘ ብሃገር ድማ ንመበል 12 ግዘ መዓልቲ ህፃናት ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት እናተኸበረ ምቅናዩ ኣዘዘኻኺሩ ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ መላእ ሃገርና ብዘራእቲ ካብ ዝተሸፈኑ 13 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ልዕሊ 26 ሚኢታዊ ዘኣክል ፍርያት ከምዝተኣከበ ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስተር ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ኣይተ ኣለማዮሁ ብርሃነ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ኣብ እዋን ቀውዒ 12 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ንምልማዕ ተተሊሙ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ክሽፈን ምኽኣሉ ገሊፆም፡፡ ካብቲ ብዝራእቲ ዝተሸፈነ መሬት ድማ ልዕሊ 345 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ክረኽባ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ሰብ ሙያ ርክብ ህዝቢ ወድዓዊ ጉዳያት ንጥቕሚ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ በጀት ዓት 2010 ዓ/ም ቤት ፀሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን እዩ እዚ ዝተገለፀ፡፡ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ባህሊ ቱሪዝምን መራኸብቲ ሓፋሽን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት እቲ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ኣድላይ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብ ቀረባ ኣብ መዋሰኒ ቦታታት ክልላት ኦሮሚያን ኢትዮ-ሶማሊን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ስዒቡ ብወገን ዘይተናበቡን ህዝቢ ንጎንፂ ዘለዓዕሉን ነይሮም ክብሉ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ገሊፆም፡፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ዘለውዎ ፅቡቓት ተሞክሮታት ብምስፋሕ ዘለዎም ክፍተታት ኣሪሙ ንዝበለፀ ኣፈፃፅማ ክሰርሕ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ባህሊ ቱሪዝምን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣተሓሳሲቡ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ሕርሻ ፕሮፌሰር ገቢሳ ኣጀታ ንምርምር ምሩፅ ዘርኢ ዝውዕል ድጋፍ 5 ሚሊዮን ዶላር ረኺቦም፡፡

ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ፎርድ ማእከል ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ፕሮፌሰር ገቢሳ እጀታ እቲ ድጋፍ ገንዘብ ዝረኸብዎ ካብ ፋውንዴሽን ቢለን ሚሊገዳ ጌትስን እዩ፡፡ እዚ ድጋፍ እቶም ፕሮፌሰር ፃህያይ ተፃዊሩ ዝበለፀ ምህርቲ ዝህቦ ምሩፅ ዘርኢ ንምልማዕ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ እዩ፡፡ እቲ ድጋፍ ብፍላይ ንዓበይቲ ሃገራት ጠቓሚ ውፅኢት ንዝረክቡ ስራሕቲ ከምዝውዕል ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር ብተወሳኺ እውን ሓድሽ ፃህያይ ዝፃወር ምሩፅ ዘርኢ ምሽላ ምርካቦም እውን ሓቢሮም፡፡ ፕሮፌሰር ገቢሳ እጀታ ብሰራሕቲ መርምር ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኸ ሽልማት ዝረኸቡ እንትኾኑ ዝሓለፈ ዓመት ዓለም ለኸ ሽልማት ምግቢ ተበርኪትሎም ምንባሩ ይዝከር ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ብከቢድ ገበን ስርቂ ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዑ፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ኤርሚያስ ክፍሉ ከምዝገለፅዎ ተኸሳሲ ኣይተ ተስፉ ተካዩ ነባርነቱ ኣብታ ወረዳ ዝኾነ 1 ጉንበት 2009 ዓ/ም ፀልማት ጉልባብ ገይሩ ናብ ውለቀ ተበዳሊ መንበሪ ገዛ ብምእታው ገበን ስርቂ ምፍፃሙ መዝገብ ክሱ የመላኽት፡፡ ቤት ፍርዲ እታ ወረዳ 7 ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሳምረ ብዝወዓለ መጋእያ ተኸሳሲ ጥፍኣተኛ ኾይኑ ስለዝተረኸበ ብ1 ዓመትን 8 ወርሕን ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ከምዝተወሰኖ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ እታ ወረዳ ፀሪሑ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ሳሕሪቲ ሳምረ ገሊፁ፡፡

11/03/2010

መድረኻት ምይይጥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ኩለን ክልላት ሃገርና ንምስላጥ ቅድመ ምድላው ይግበር ምህላው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣይተ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሽፈራው ኣብ መድረኽ ምይይጥ ዓበይቲ ዓዲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ተረኺቦም ከምዝገለፅዎ ተመሳሰልቲ መድረኻት ኣብ መንጎ ኩለን ክልላት ክሳለጥ እዩ ኢሎም፡፡ እቶም መድረኻት ዓወታትን ዝተፈጠሩ ክፍተታት ብዝግባእ ዝምዝንሉ ፣ኣብ መንጎ መዋስንቲ ክልላት ዘለው ሕቶታት ህዝቢ ዝፈትሕሉ ዲሞክራስያዊ መድረኻት ክኾኑ እዮም ኢሎም፡፡ ኣይተ ሽፈራው ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያን፣ ኣምሓራን ዝተገበሩ ህዝባዊ መድረኻት ዝፀንሓ ርክብ ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎም ምዃኖምን ምትእምማን ዘዕበዮን ነይሮም ኢሎም፡፡ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ዓዲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን እናተገበረ ዝነበረ ኮንፈረንስ ሰላም ውፅኢታዊ ምንባሩ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ትካላት ጥዕና ዝረኣ ሕፅረት ደም ንምቅራፍ ኣብዚ ዓመት 240 ሽሕ ዩኒት ደም ንምእካብ እናሰርሓ ምዃኑ ሃገራዊ ማእኸል ግልጋሎት ባንኪ ደም ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ማእኸል ግልጋሎት ባንኪ ደም ዶክተር ብርሃኑ ስዩም ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ልዕሊ 173 ሽሕ ዩኒት ደም ካብ ለገስቲ ተረኺቡ ንትካላት ጥዕና ተሰራጭዩ ኢሎም፡፡ እዚ ድማ ህይወት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ምድሓን ምኽኣሉ ብምግላፁ ብተወሳኺ እውን መጥባሕቲ ንዝገብሩ ተሓከምቲ እውን መጥባሕቲ ኮይኑ ምግልጋሉ ሓቢሮም፡፡ ኣብዚ ሒዝና ዘለና በጀት ዓመት ድማ ኣብ መላእ ሃገር ብዝግበር ምንቅስቓስ 240 ዩኒት ደም ንምእካብ ተሓሲቡ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካልኦት ህዝባዊ ትካላትን ግንዛበ መዕበይ ጎስጓሳት ብምስላጥ እቲ ዝተሓሰበ መጠን ደም ካብ ለገስቲ ብምእካብ ይስራሕ ምህላውን ሕብረተሰብ እውን ግድኡ ክዋፃእ ዶክተር ብርሃኑ ስዩም ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 መሰል ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምኽባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዓቢ ፃውዒት ተገይሩ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ህፃናት ምስ ድኽነት ዝተረከብናዮ ምስ ድኽነታ ንደቅና ኣይነውርስን ብዝብል መርሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ጋምቤላ ብፖናል ምይይጥ ተኸቢሩ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት መሰል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ንምኽባር መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን፡፡ ኢትዮጵያ በፍላይ መሰል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘረጋግፁ ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ብምቕባልን ብምፍፃምን ንዝበለፀ ተረባሕነት ትሰርሕ ኣላ ብምባል ንተግባራዊነቶም ድማ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዓቢ ይግባእ ኢለን፡፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝረኣዩ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ደው ክብሉ መንግስታዊ ኣካላት ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ይግባእ ክብላ ወይዘሮ ብዙነሽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ጋትልውራ ቱት ብወገኖም ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ካብ ጎዳኢ ባህሊ ዝተበገሰ ምዃኑ ብምግላፅ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ይሰርሐሉ ምህላው ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ዝርግሓ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ደው ንምባል ሕብረተሰብ ብምምርማር ዓርሱ ክፈለጥ ይግባይ ተባሂሉ፡፡

ብፍላይ መናእሰይ ፣ነዊሕ ርሕቐት ተጎዓዝት ሽፈራት፣ ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፣ፋይቶታት ተመርሚሮም ዓርሶም ክፈልጡ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ምህላው ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ገሊፁ፡፡ ኣብ 2020 ዓ/ም ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሙሉእ ንሙሉእ ንምቁፅፃር 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ክምርመር ፣እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ድማ 90 ሚኢታዊ መድሓኒት ክጥቀሙ ንምግባር ፣መድሓኒት ካብ ዝጥቀሙ እቶም 90 ሚኢታዊ መጠን ኣብ ደሞም ዝርከብ ቫይረስ ንምንካይ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ምህላው እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ፡፡ መዓልቲ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ 22 ሕዳር ብዓለም ለኸ ብርኪ ተኸቢሩ ዝውዕል ምኻኑ ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ግልጋት ዜና ኢትዮጵያ እዩ፡፡

 መበል 37 ዓመት ምሰረታ በዓል ብሄር ኣምሓራ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ /ብኣዴን/ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ እዩ፡፡

እቲ በዓል ምሰረታ ህዘባዊነትን ናይ ፅንዓትን ዕላማን ንዲሞክራሲያዊ ሓድነት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ዝኽበር ዘሎ፡፡ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሰማእታት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውደብን ሰበ ስልጣንን መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ሕቑፊ ዕንበባ ተቐሚጡ፡፡ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ብኣዴንን ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም ህዝባዊ ወገንነትን ፅንዓት ዓላማን ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ብኣዴን እንመሃሮ ዓብይ ቁም ነገር እዩ ኢሎም፡፡ ምሰቲ በዓል ብምትሕሓዝ ሎሚ ኣብ ዝተገበረ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ቓልሲ ዓብይ ግደ ንዝነበሮም ብህይወት ዘለውን ዘየለውን ተጋደልቲ ኣፍልጦን ክብርን ተዋሂብዎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ውፅኢት ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ኬንያ ኣፅዲቑ፡፡

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተሳለጠ እዚ መረፃ ውፅኢት ብተዓዋታይነት ኡሁር ኬንያታ ዝተዛዘመ እዩ ነይሩ፡፡ ቅድሚ እዚ ውፅኢት ብቤት ፍርዲ ተቐባላይነት ዝረኸበ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተናሓናሒ ራይላ ኦዲንጋ መሰረት ገይራ ውፅኢት ፈለማይ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ውድቂ ገይሩ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር መራሒ ተቓወምቲ ውድባት ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ዳግም መረፃ ኣቐዲሞም ባዕሎም ኣግሊሎም ምንባሮም ኣልጀዝራ ፀብፂቡ፡፡

 መራሒት መንግስቲ ጀርመን መራሒት መጣመርቲ ውድብ ንምርካብ ይገብርኦ ዝነበራ ድርድር ----ምቁራፁ ተነጊሩ፡፡

ኣንጌላ መርከል ምሰ ኤፍ ዲ ፒን ካልኦት ወንበር ቤት ምኽሪ ጀርመን ዘለዎም ወድባት ፖለቲካ እናተዘራረባ ምፅንሓን ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምርድዳእ ብዘይምብፅሖም እቲ ዝርርብ ምቁራፁ ገሊፀን፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ምናልባት እውን ኣብታ ሃገር ዳግም መረፃ ክግበር ይካኣል እዩ ዝብል ግምት ኣለው፡፡ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሓ መራሒት መንግስት ኣንጌላ መርከል ብፍላይ ብፖሊሲ ስደተኛታት ካብ ብርክት ዝበላ ፖለቲከኛታት ጀርመን ከቢድ ተቓውሞ ይገጥመን ምህላው ፕረስ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

08/03/2010

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዚምባብዊ ዘሎ ህልው ኩነታት ንምፍትሕ ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፈቂ ማሃመት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ድንጋገታት ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ግምት ብምእታው እዋናዊ ኩነታት እታ ሃገር ንምፍታሕ ፃዕሪ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም። ከም እገላልፃ እቶም ኣቦ መንበር ወታደራዊ ሓይሊ ዚምባብዌ ስልጣን ካብ ዝቆፃፀሩ ናብዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት እቲ ሕብረት ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ ኢሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ነቲ ቅልውላው ንምፍትሕ ይገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ እቲ ሕብረት ሓገዝ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኳታርን ሱዳንን ኣብ ገምጋም ቀይሕ ባሕሪ ዓብይ ወደብ ንምህንፃፅ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስተር ትራንስፖርት ሱዳን ማካዊ ኣዋድ ሃገሮም ምስ ኳታር ዘለዎም ምተእስሳር ንምዕባይ ዓሊሙ ዝተፈፀመ ስምምዕ ምዃኑ ገሊፆም። ሚኒስተር ገንዘብ ኳታር ኣሊ ሻሪፍ ኣል ኢማድ ኣብ ቀረባ እዋን ካርቱም ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ምስ ኦማር ኣልበሽር ተራኺቦም ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ምትእስስር ንግዲ ንምጥንኻር ዘትዮም። ብምኻኑ ድማ ኣብ ህንፀት ፅርግያ ፣ድልድላት ፣ግድባትን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ሓገዝ ከም እትገብር ሚኒስተር ገንዘብ ኳታር ኣፍሊጡ። ኳታር ኣብ ሱዳን ዘለዋ ፍሰት ኢንቨስትመንት 3 ነጥቢ 8 ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝበፅሐ ሚኒስተር ኢንቨስት መንት ሱዳን ገሊፁ ይብል ፀብፅብ ኤፍቢሲ።

ኢትዮጱያ ተግባር ራዕዲን ድኽነት ንምንካይ ምስ ዝሰርሓ ሃገራት ንምስራሕ ዘኽእላ ግልፂ ፖሊሲ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ኣይተ ሃይለማርይም ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጱያን ኳታርን ንምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ዕላዊ ስራሕ ዑደት ኣካይዶም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኢትዮጱያን ኳታርን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ኣብ ሓበራዊ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕን ኣብ ዘኽእለን ስምምዕነት በፂሓን ኣለዋ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ሃገርና ኣብ ዝቕፅል ምዕራፍ ተፈጥሮ ነዳዲ ንእተካይዶ ስራሕቲ ኣብቲ ዓውዲ ብብርኪ ዓለም ቅድመ ግንባር ምስ ዝኾነት ኳታር ተሞክሮ ንምልውዋጥን ተዋዲደን ንምስራሕን ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ዕላዊ ጌሮም። ኣብ ሳይንስ ስራሕቲ መፅናዕቲታት ምስ ዓለም ለኸ ዓበይቲ ትካላት ሓቢራ እትሰርሕ ኳትር ንኢትዮጱውያን ተመሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ማስተርስን ፒ.ኤች.ዲን ንምሃብ ቃል ኣትያ እያ ኢሎም። ብተመሳሳሊ ኳታር ብወገን ኢትዮጱያ ኣብ ቃልሲ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዓለም ለከ ኣፍልጦ ዘለዋ ብምዃና ኳታር ምስ ኢትዮጱያ ሓቢራ ንምስርሕ ከም እትደሊ ገሊፃ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝበፅሕ ሓደጋ ንምንካይ ኢትዮጱያ ተሳልጦም ዘለው ስራሕቲ ኣብነታውያን እዮም ተባሂሎም።

ኣብ ጀርመን ከተማ ቦን ይካየድ ኣብ ዘሎ ፎረም ከባቢ ኣየር ዓለም ፈፃሚት ስራሕ ትካል ከባቢ ኣየር ሕብረት ኣውሮፖ ሚስ ትሪንሲ ቱለና ከምዝተተዛረብኦ ፣ኢትዮጱያ ስምምዕነት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ምፍፃም ኣብ ነባሪ ኣየር ፅዕንቶ ንዘይምፍጣር ተሳልጦም ስራሕቲን ፖሊሲ ሓምለዋይ ልምዓትን ኣብነታዊት ሃገር ከምዝገብርዋ ተዛሪበን። ኣብ ኢትዮጱያ በቢ ዓሰርተ ዓመቱ ይፍጠር ዝነበረ ድርቂ ሕዚ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር በቢ ሓሙሽተ ዓመቱ ክርኣ ምጅማሩ ዝገለፃ እተን ፈፃሚት ስራሕ እዚ ፀገም ተፃዊራ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ትሰርሖም ስራሕቲ ዝናኣዱ ምዃኖም ንተሳተፍቲ እቲ ፎረም ገሊፀን። ሓምለዋይ ልምዓት ብምትግባር እስካብ 2017 ዓ/ም ማእከላይ ኣታዊ ናብ ዘለወን ሃገራት ብርኪ ንምብፃሕ ይስርሕ ምህላው ፀብፃብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን የመላኽት።

ድሕንነት በፃሕቲ ዓዲ ንምሕላውን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ንምርግጋፅ ፖሊስ ቱሪዝም ክጣየሽ ከም ዝግባእ ሓደ መፅናዕቲ ኣመላኪቱ።

ዩንቨርቲ ፖሊስ ኢትዮጱያን ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ብሓባር ዘሰናድእዎ እዚ መፅናዕቲ ትኹረቱ ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት በፃሕቲ ዓዲ ዝነበረ እዩ። ካብ 2003 ዓ/ም እስካብ 2008 ዓ/ም ዝተኣከበ ሓበሬታ መሰረት ተገይሩ ተሰርሑ ዝተበሃለ እቲ መፅናዕቲ ሓሳቦም ካብ ዝሃቡ በፃሕቲ ዓዲ ወፃኢ እቶም 47 ሚኢታዊ ስግኣት ድሕንነት ከምዘለዎም ብምግላፅ ብቐረባ ዝከታተሎም ኣካል ፀጥት ከምዝደለዩ ኣመላኺቱ። ኣብ ሚኒስተር ባህሊን ቱሪዝምን ሚኒስተር ድኤት ዘፈር ቱሪዝም ወይዘሮ መኣዛ ገብረመድህን ድሕንነት በፃሕቲ ዓዲ ንምርግጋፅ ምሰ መዳርግቲ ብሓባር እናተሰርሓ ምምፅኡ ብምግላፅ ብቀፃልነት እውን ዝቀርቡ መፍትሒ ሓሳባት ተቐቢልካ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጱያ።

ተመሃሮ ክልላት ኢትዮ-ሶማልያ ኦሮሚያን እቶም ዝተፈጠሩ ፀገማት መሊኦም መፍትሔ ምስ ረኸቡ ናብ ነባር ዝመሃርሎም ዝነበሩ ዩንቨርስታት ከምዝምለሱ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣበ መወሳኒ ክልላት ኢትዮ-ሶማልያን ኦሮሚያን ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ስዒቡ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ክልቲኣን ክልላት ናብ ካልኦት ዩንቨርስታት ተዘዋዊሮም ክመሃሩ ሚኒስተር ትምህርቲ ወሲኑ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ሚኒስተር ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ጥላዮ ጌጡ ሕዚ ነገራት ናብ ንቡር ኩነታት ይምለሱ ምህላዎም ስዒቡ ናብ ዝነበርዎ ዩንቨርስታት ክምለሱ እዮም ኢሎም። ናይቲ ሚኒስተር ውሳነ ካብ ዝኮነ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ናፃ ዝነበረ ምኳኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ብቀፃልነት ኣብ ዩንቨርስታት ዘሎ ሰላም ንምሕላው እውን ትኹረት ከምዝገብር ገሊፆም ይብል ጋዜጣ ሪፖርተር ሒዝዎ ዝወፀ ፀብፂቡ።

 ኢትዮጱያ በዝሒ ሃፍቲ ዓሳ ዋላ እኳ እንተሃለወ ክንድቲ ዝድለ ተጠቃሚት ከምዘይኾነት ተገሊፁ።

ኢትዮጱያ ምስ ዘለዋ ማያዊ ኣካል ኣብ ዓመት100 ሽሕ ቶን ዓሳ ካብቲ ዘፈር ክረክብ ትፅቢት ይግበር። ኾይኑ ግን ክሳብ ሕዚ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ካብ 50 ሽሕ ቶን ዓሳ ከምዘይበልፅ ተገሊፁ። ሕጋዊ ዘይኾነ ምዝፋፍ ዓሳ ንባህላዊ ኣሰራርሓን ድማ ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ምህርቲ ክንድቲ ዝድለ ውፅኢት ከይህልዎ ካብ ዝገብሩ ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ተገሊፆም ኣለው። ኣብ ርብዒ ዓመት 2010 ዓ/ም 240 ቶን ጥራሕ ምህርቲ ዓሳ ንምውፃእ ከምዝተከኣለ ምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኢትዮጱያ ኣብ ኩነታት ለውጢኣየር ዝግበሩ ስምምዓት ከይተሸራረፉ ክትግበር ንሃገራት ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ጀርመን ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር 47 ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝወከለት ኢትዮጱያ ኣብቲ ዘፈር ዝፍፀሙ ስምምዓት ዘየትግበሩ ምህላዎም ከምዘተሓሳስብ ገሊፃ። ሚኒስተር ኣግራብን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዶክተር ገመዳ ደሌ ኢትዮጱያ ኣብ ልቀት ጋዝ ካርቦን ብ64 ሚኢታዊ ንምንካይ ኣጀንዳ ሒዛ እናሰርሓት ምዃና ድሕሪ ምሕባር ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ፖሪስ ዝተፈፀመ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምትግባር ክረባረባ ከም ዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ናብዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ከቢድ ድርቂ ባርዕ ሓዊን ሓያል ዋዕን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዝፈጥሮም ኣብነታት ምዃኖም ኣገንዚቦም። ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝበፅሓ ኪሳራ ዳግም ንምጥያሽ ዝተፈፀሙ ስምምዓት ክትግበሩ ፣ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ኣድላይ ሓገዝ ክግበረለን ኢትዮጱያ ምሕታታ ዶክተር ገመዳ ደሌ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ጆሶ ምስ ጣፍ ሓዊሶም ብምስንካት ዝሸጡ ክልተ ውልቀ ሰባት ብማእሰርቲ ብገንዘብ ቅፅዓት ብር 15 ሽሕ ተቐፂዖም።

ተኸሰስቲ ካብ 02 ሰነ 2009 ዓ/ም ክሳብ 21 ሓምለ 2009 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ እዋን ጆሶን ጣፍን ሓዊሶም ብምስንካት እንጀራ ዘከፋፍሉ ምዃኖም ካብ ሕብረተሰብ ሓበሬታ ዝበፅሓ ፖሊስ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ዘውዓለ ኾይኑ፣ ክስንከት ካብ ዝተዳለወ ቢሕቕ ብምውስድ ጀሶ ከምዘለዎ ብላባላቶሪ ምርግጋፅ ከም ዝተኸኣለ ድማ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝመስረቶ ክሲ ገሊፁ። ተኸሰስቲ ብዓቃቢ ሕጊ ዝቀረበሎም መረዳእታ ክሲ ክከላከሉ ብዘይምክኣሎምን መረዳእታን ሰብን ሰነድን ብምጥንኻር ጥፍእተኛታት ምዃኖም ድሕሪ ምርግጋፅ ብ13 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ገንዘብ ቅፅዓት ብር 15 ሽሕ መቅፃዕትን ከምዝተወሰኖም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

 ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጱያ ኣባል ቦርድ ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኾይኑ ከምዝተሓረየት ተገሊፁ።

ካብ 25 ጥቅምቲ እስካብ 2 ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብ ሃገረ ቱርኪ ከተማ ኣንታሊያ እናተሳለጠ ኣብ ዝቀነየ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበራት ቀይሕ መስቀል ኢትዮጱያ ኣባል ቦርድ ዓለም ለኻዊ ፌዴሬሽን ኾይኑ ተመሪፃ። ኣባላት ቦርድ ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ላዕለዎት ውሳነ ወሃብቲ እቲ ትካል እንትኾን ኣበ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበራት ብዝህበኦ ድምፂ ይምረፃ። እቲ ጉባኤ ካብ ማሕበራት ቀይሕ መስቀል ጣልያን ሚስተር ፈራንሲስኮ ሮካን ፕሬዝዳንት እቲ ፌዴራል ገይሩ ዝመረፆ እንትኾን ኢትዮጱያ ሓዊሱ ሴኔጋል ፣ቬንዝዌላ ፣ቻይና ፣ቱርኪን ካልኦት 20 ሃገራት ዝሓዘ ቦረድ ድማ ኣጣይሹ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ 1200 ተወከልቲ ፣190 ሃገራት ማሕበራትን ፌዴሬሽናትን ምርካቦም ፀብፃብ ትክል ፕረስ ኢትዮጱያ የመላኽት።

 ኣብ መንጎ ዓበይቲ ዓዲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝግበር ኮንፈረንስ ሰላም ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊፁ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ንጉሰ ጥላሁን ከምዝሓበርዎ ካብቲ ዝሓለፈ ዝቅፅል እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝሳለጥ ኾይኑ ብዕውት ኩነታት ንምስላጥ ድማ ምድላዋት ምዝዛሙ ተገሊፁ። ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዝሳለጥ እዚ ኮንፈረንስ ርክብ ህዝቢ ን ህዝቢ ክልቲኣን ክልላት ምጥንኻር መሰረት ዝገበረ ክሳለጥ እዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ብወገን ክልቲኣን ክልላት ልዕሊ 1300 ዓበይቲ ዓዲ ዝሳተፉ ኾይኖም ምሁራንን ተወከልቲ ህዝቢ እውን ኣካል እቲ ኮንፈረንስ ሰላም ክኾኑ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍሲ።

07/03/2010

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሓውዜን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእከብ ዝተተሓዘ ትልሚ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር 100 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሮ ኣዝመራ ወልደማርያም ከምዝበልኦ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝተፈልለዩ ነጋዶን ካልኦት ፍልፍላት እቶትን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር ንምእካብ መደብ ተታሒዙ 100 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጡ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ከፈልቲ ግብሪ ብዝተተሓዘሎም ግዘ ሰሌዳ መሰረት ብእዋኑ ክከፍሉ ብምኽኣሎም እዩ ተባሂሉ። እቲ ዝተኣከበ 11 ሚሊዮን ብር ካብ ከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ‘’ሀ’’ ልዕሊ 237 ሽሕ ፣ኣብ ደረጃ ‘’ለ’’ 125 ሽሕ ፣ካብ ደረጃ ‘’ሐ’’ ን መካረይትን ካልኦት ፍልፍል እቶትን ድማ ልዕሊ 10 ሚሊዮንብ ብር ዝተኣከበ ኮይኑ እዚ ብምዃኑ ድማ ከፈልቲ ግብሪ ልምዓታዊ መንፈስ እናዓበየ ይመፅእ ምህላው እተን ሓላፊት ገሊፀን። ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ዝተቐመጡ ልዕሊ 1800 ከፈልቲ ግብሪ ነጋዶ ከምዘለው ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝገልፅ ክኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ ፀብፂቡ።

 ነባርነቱ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረወይኒ ቁሸት ሓሬጓ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ተኽለብርሃን ፀጋይ ኣረጋይ ዝተበሃለ ተኸሳሲ ብዝፈፀሞ ምትላል ገበን ቅፅዓት ማእሰርትን ገንዘብን ከምዝተበየነሉ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሓውዜን ኣፍሊጡ።

ዳይና ቤት ፍርዲ ወረዳ ሓውዜን ምድብ መጋባእያ ክልተ በለስ ኣይተ ጠዓመ ዓፈራ ከም ዝበልዎ ተኸሳአሲ ተክለብርሃን ፀጋይ ኣረጋይ ብዕለት 9 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ንጎሆ ሰዓት ሰለሰተ ብምፅራግ ጫማ ዝመሓደር ውልቀ ተበዳሊ መብራህቱ ገብረመድህን ንጉስ ንብረት ዝቕነት ከባቢ 5 ሽሕን 6 ሚኢትን ዝዋግኣ ብስክሌት ኣብ ቀረባ ቦታ በፂሓ ክምለስ ኢሉ ኣታሊሉ ብምውሳድ ሒዝዋ ብምስዋር እዩ። ይኹን እምበር ብምትሕብባር ህዝብን ውሕሉል ክትትል ፖሊስን ብዕለት 16 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብይ በዓቲ ዓከር ኣታሊሉ ዝወሰዳ ብስክሌታ ክሸጣ እንትብል ኢድ ብኢድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ክውዕል ክኢሉ እዩ። ተኸሳሲ ነቲ ምትላል ከምዝውዓሎ ዝሃቦ ቃል እምነት ብምግባር ብዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሓውዜን ምድብ መጋባእያ ክልተ በለስ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ተኸሳሲ ተክለብርሃን ፀጋይ ኣረጋይ ጥፈኣተኛ ኾይኑ ስለዝተረኸበ ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ቀሊል ማእሰርቲ 200 ብር ቅፅዓት ከምዝተወሰኖ ተገሊፁ ይብል ክኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ ፀብፂቡ።

 እቶት ማሕበር ቀይሕ መሰቀል ኢትዮጱያ ንምዕባይ ሓድሽ ረቂቅ አዋጅ ተዳልዩ ኣሎ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጱያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሚ እቶት ንምዕባይ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቅ ኣዋጅ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘትዮምሉ።

እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ዝተዳለየሉ ቀንዲ ዕላማ እቲ ማሕበር ካብ ወፃኢ ዝርከብ ሓገዝ እናነከየ ብምምፅኡ ከምዝኾነን እዚ ድማ እቲ ማሕበር ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸቦ እቶት ብምጉልባት ዝህቦ ግልጋሎ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ማሕበር እቶት መተኣኻኸቢፕሮጀክታት ንምቅራፅ ሓዚ ሓድሽ ስትራቴጂ ኣውፂኡ ብምንቅስቓስ ኣብ 2017 ዓ/ም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምካን ንዝገብሮ ጉዕዞ መሰረት ዘቕመጠ ረቂቅ ኣዋጅ እዩ ተባሂሉ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

 ኣብ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝርከቡ ከፈልቲ ግብሪ ብዝተካየደ ስራሕ ኦፕሬሽን ብዘይ ቅብሊት ዕድጊት ክፍፅሙ ዝተረኸቡ 90 ትካላት 131 ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሎም በዓል መዚ እቶትን ግምሩክን ኢትዮጱያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኦፕሬሽን ዝተኻየደ ሒዝናዮ ኣብ ዘለና ርብዒ ዓመት እንትኾን ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ብሕጊ እናተርኣየ እዩ። ዳይሬክተር ጉዳያት ትምህርትን ኮምኒኬሽንን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤፍሬም መኮነን ከምዝበልዎ እቶም ተጠርጠርቲ ብመሰረት ኣዋጅ ኣወሳስና ግብሪ ንሕድሕዶም ብር 50 ሽሕ ምምሕዳራዊ መቅፃዕቲ ክቅፅዑ ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ተጠርጠርቲ ብሕጊ ተሓተት ንምግባር ጉዳዮም ኣብ ምፅራይ ይርከብ ኢሎም። ከም ኣገላልፃ ኣይተ ኤፍሬም ካብዚኦም ብተወሳኺ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ብዝተገበረ ስራሕቲ ምፅራይ ብዘይኣግባብ ንምጥቃም ሓሰተኛ ቅብሊት ብምድላው ከጥቀሙ ዝተረኸቡ 81 ትካላት ተፈልዮም ጉዳዮም ብሕጊ እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፆም ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝህውኹ ተመሃሮ ብሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘሎ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። እቲ መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ጥላየ ጌቱ ኣብ 36 መንግስታዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ልዕሊ 700 ሽሕ ነባር ተመሃሮ ፣141 ሽሕ ድማ ሓደሽቲ ተመሃሮ ትምህርቶም እናተኸታተሉ ከምዝርከቡ ድሕሪ ምሕባር ፣ኣብ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጉላእልኡ ተመሃሮ ምህላዎም ሓቢሮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝተዋፈሩ ተመሃሮ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስተር ብተመሃሮ ዝለዓሉ ሕቶታት እውን ግቡእ መልሲ ከምዝወሃቦም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሹመት ኣይተ ኣየልኝ ሙሉኣለም ዋና ኮምሽነርነት ፌዴራል ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ኣፅዲቑ። ኣይተ ኣየለኝ ሙሉ ኣለም ካብ 1987 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት እናሰርሑ ዝፀንሑ ኾይኖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣመሓዳሪ ሰሜን ጎንደር ብምኻን እናገልገሉ ዝፀንሑ እዮም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ተወሰኽቲ 900 ወታደራት ናብ ማእኸላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ ክልእኽ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ቁልውላው ከምዘተሓሳሰቦ እቲ ቤት ምኽሪ ተወሳኺ 900 ወታደራት መኽበሪ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ናብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ዝለኣኹ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ውሳነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁፅሪ ሓይሊ መኽበሪ ሰላም ወታደር 11 ሸሕን 650 ኣብፂሕዎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 600 ሽሕ ሰባትን ካብ ጎረቤት ሃገር ዝተሰደዱ 500 ሽሕ ሰባት ጉዳይ ብጣዕሚ ከምዘተሓሳሰቦ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ንፆታዊ ጥቕዓት እናተቃልዓ ምዃነን ከምዘተሓሳስብ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዓመፅቲ ሴሌካ ኣብ 2013 ዓመተ ፈረንጂ ናይቲ እዋን ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ፍራንሶይ ቦዚዜ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርዱ ንነዘ ማእኸላዊ ኣፍሪካ ኣብ ሕድሕድ ጎንፂ ትርከብ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኢትዮጱያ ካብ ዘለዋ ሃፍቲ እንስሳ ክንድቲ ዝግባእ እናተረብሓት ከምዘይኾነት ተገሊፁ።

ቅነ ሃፍቲ እንስሳ ኣብ ኢትዮጱያ እናተኸበረ እዩ ካብ ሃፍቲ እንስሳ ዝርከብ ምህርቲ ንምዕባይ ኣብ ዝካኣለሉ ኩነታት ካብ ኩለን ክልላት ምስ ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ዘተ እናተሳለጠ እዩ። ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ኢትዮጱያ ዝለዓለ ሃፍቲ እንስሳ ዋላኳ እንተሃለዋ ክንድቲ ዝግባእ ተረባሒት ከመዘይኮነት ተገሊፁ። ቀንዲ ምኽንያት እቲ ፀገም ድማ ኣብዝሓ መርበሓይ እንስሳ ኢትዮጱያ ብስዲ ጋህፂ ዝቕለብ ምኳኑ ካብዚ ብተወሳኺ ዘመናዊ ዝኾነ ኣቀላልባ እንስሳ ዘይምስፍሕፋሑ ብፍላይ ጥዕና እንስሳ ንምሕላውን ንምህጣርን ንምግብን ኣፋውስን ዝወፅእ ወፃኢ በቲ መፍረያይ እንስሳ ዓቕሚ ክባር ምኻኑ ዝተልዓሉ ምኽንያታት እዮም። ኢትዮጱያ ልዕሊ 50 ሚሊዮን ሃፍቲ ጠለ በግዕን ብዕራይን እንተሃለውዋ እኳ እቲ ዝርከብ ምህርቲ ግን ምስቲ ቁፅሪ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ኢትዮጱያ በቲ ሕዚ ዘሎ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ እንስሳ እንተከይዳ ኣብ 2020 ኣብ ስጋ 42 ሚኢታዊ ኣብ ፃባ 23 ሚኢታዊ ሕፅረት ምህርቲ ከጋጥም ከምዝኽእል ተሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

06/03/2010

ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ኣንቢርዎ ዝፀንሓ እገዳ ብሓደ ዓመት ኣናዊሑ።

ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ዘሎ ኩነታት ከፃሪ በቲ ባይቶ ዝተጣየሸ ጉጅለ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ኤርትራ ንጉጅለ ዕጡቓት ህውከት ኢትዮጱያን ጅቡቲን ከምትዐጥቕ ኣረጋጊፁ እዩ። ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ማዕቖብ ክናዋሕ ዝቐረበ ሕቶ ብ11 ድጋፍ ብ4 ድምፀ ተዓቅቦ ሓደ ዓመት ተናዊሑ። ኣምባሳደር ኢትዮጱያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገር ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ ምንዋሕ እቲ ማዕቖብ ንሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ እዩ ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ዝተነበረሉ ማዕቖብ ጥሒሱ ኣብ ከባቢኡ ሰላም ከይሰፍን ጉጅለ ዕጡቓት የዐንቅ ስለዘሎ ብቀሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን ኢሎም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

ሰራዊት ዝምባዌ ንምቁፅፃር ገበነኛታት ስልጣን መንግስቲ ከምዝሓዘ ገሊፁ።

እቲ ሰራዊት ንጣብያ ቴሌቭዝን ሓዊሱ ወሰንቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ቁፅፅር ዘውዐለ ኾይኑ ፕሬዝዳንት ሙጋቤን ስድርኦምን ኣብ ውሑስ ቦታ ከም ዘለው ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ። ኣወጠሀኝ ብርሃነ ተወሳኺ ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን ዝርግሓ ኤች ኣይቪ ኤድስ ይውስኽ ብምህላው ሕዚ እውን ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ዝተገለፀ ብኣዳላውነት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ንኣባላት ቀወምቲ ኮሚቴ ጉዳያት ማሕበራዊ ኣብ ዙርያ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝተወሃበ ስልጠና እዩ። ሹመይ ረብሶ ተወሳኺ ኣለዎ።

ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብቑዓትን ተመራመርትን ተመሃሮ ኣብ ምፍራይ ዘለዎ ብሉፅ ተሞክሮ ንምዕቃበ ዓሊማ ትንቀሳቐስ ምህላዋ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣሚና ሓጎስ ኣፍሊጣ።

ምክትል ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ጎይትኦም መዝገበ ከምዝገለፅዎ ኣብ 2010 ዘበነ ትምሀርቲ ልዕሊ 680 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 1300 ተመሃሮ ተቐቢላ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከም ዘላ ብምዝኽኻር ተመሃሮ እኹል ፍለጠትን ዓቕምን ወሲኖም ብቑዓትን ተመራመርትን ኮይኖም ክመፁ ዘኽእሎም መደባት ሓንፂፃ ትሰርሕ ከም ዘላ ሓቢሮም። ብተወሰኺ እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2010 ዓ/ም 3 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 5 ተመሃሮ ናብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣትዮም ንክመሃሩ መሰረት ዝገበሩ ተወሰኽቲ መፃሕፍቲ ብምዕዳግ ፅሬት ትምህርቲ ዘረጋግፅ ስራሕቲ ይስርሑ ምህልዎም ተገሊፁ ክብል ክኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተክለማርያም ተካ ፀብፂቡ።

05/03/2010

ኣብ ኣከፋፍላ ካሕሳ መላእ ሃገርና ዝለዓሉ ዝነበሩ ጥርዓናት ፈትሕ ዝተኣማነሉ ሓድሽ ረቂቅ ኣዋጅ ቀመር ኣከፋፍላ ካሕሳ ዕላዊ ኾይኑ።

ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ካብ መሬቶምን ንብረቶምን ንዝላዕሉ ወገናት ዝክፈል ካሕሳ እኹል ኣይኮነን ዝብል ተደጋጊሙ ዝለዓል ዝነበረ ፀገም ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ምውሓዱ ብተወሳኺ ተመዛበልቲ ብዘላቂ ኩነታት እግሪ ዝተከለሉ ዕድል ዘይምምችቻውን ከም ፀገም ዝለዓል እዩ በዚ ድማ ፕሮጀክታት ክጓተቱ ምኽንያት ክኾኑ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ ኣሎ። ትካል መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ምስ ሚኒሰተር ልምዓት ኣባይትን ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምትሕብባር 1997 ዓ/ም ኣብ ዝወፀ ኣዋጅ መክፈሊ ካሕሳን ድሕሪ 2ተ ዓመታት ኣብ ዝፀደቐ መፈፀሚ ኣዋጅ መፅናዕቲ ኣካይዶም። ኣብቲ መፅናዕቲ ክፈተት ምንባሩ ምርግጋፆምን ተሓቢሩ። ኣብቲ ሓድሽ ረቂቅ ኣዋጅ ኣሕምልቲ ገደና እውን ናብ ግምት ክኣትው ዝገበረ ኾይኑ ሓሬስቶት ኣብ ውሽጢ 5ተ ዓመት ማእከላይ ፍርያት ዝተሓዘሎም ዝነበረ ኣብ ተከታታሊ 3ተ ዓመታት ብዝለዓለ ፍርያት ን10 ዓመት ክሕሰበሎም ዝገብር እዩ። ‘ኣብ ኤጀንሲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣባይቲ ፌዴራል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ሰለሞን ገብረመድህን እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ምስ ህዝቢ ምስተዛተየሉ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክፀድቅ መፈፀሚ መምርሒ እውን ኣብ ቀረባ ወፂኡ ክፀድቅ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ይብል ፀበፅብ ኤፍቢሲ።

 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘይሕጋዊ ናይ ሓሶት ቅርሺ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ካልኦት መረዳእታታት ትምህርትን ኣምሲሎም ይሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ውለቀ ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም።

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን እቲ ክልል ካብ ህዝቢ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም ብሕጊ ክርኣ ምግባሩ ገሊፆም። እቶም ውልቀ ሰባት ናይ ሓሶት መረዳእታ ትምህርቲን መረጋገፂ ብቅዓት ሰራሕ ልምዲ ፣መዘወሪ ፍቓድን ካልኦት መረዳእታትን ብምሕታም ስራሕቲ ገበን ይፍፅሙ ምንባሮም ተሓቢሩ። እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትውዕሉ ተሓቲሞም ዘይተበተኑ 620 በዓል 100 ናይ ሓሶት ወረቀታት ኣርባዕተ በዓል 50 ፣162 ናይ ሓሶት በዓል 100 ዶላር ኣሜሪካ ምትሓዞም እቲ ኮሚሽን ገሊፁ። ኣብቲ ኮምሽን ዳይሬክተር ምፅራይን ዓቃቢ ሕጊን ኣይተ ተመስገን መላከ ገንዘብ ስዑድ ሪያልን ናይ ህንዲ ሩዺን ካልኦት መረዳእታታት ትምህርቲ ተረኺ ቦም እዮም ኢሎም። እቶም ውልቀ ሰባት 48 ውልቀ ሰባት ጉርዲ ፎቶ ከለር ፕሪንተራት፣ ላፕቶፕ፣ ዴስክቶፕ ኮምፕውተር ፍለሻትን ዝተፈላለዩ ኣርማታትን ማህተምን ምርካቦም እውን ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትየጱያ ፀብፂቡ።

 ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ብዝበፅሓ ሓደጋ ትራፊክ 21 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ክበፅሕ ዝኸኣለ ማእኸሌቲ ኣብቶብስ መጓዓዕዚ ህዝቢ ዓቕሚ ምፅዓና 21 ሰባት እኳ ተኾነ 13 ሰባት ትርፊ ፅዒና ኣብ ትጓዓዘሉ እዋን ዝበፅሓ ሓደጋ እዩ። ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3-01758 ትግራይ ዝኮነት እት ኣብቶብስ ካብ ቀብሪ ዝምለሱ ሰባት ፅዒና ዝነበረት ኾይና ፍሉይ ሽሙ ኣፅገባት ዝተበሃለ ከባቢ እንትበፅሕ ብምግልባጣ እቲ ሓደጋ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ። መተሓባበሪ ፖሊስ ትርፊክ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኢንስፔክተር ገብረመድህን ንርኣ በቲ ሓደጋ ንገናሒ እታ መኪና ሓዊሱ ሂወት 21 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ሓሊፉ እዩ ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ 5 ከቢድ መቁሰልቲ ሓደ ሰብ ድም ቀሊል መቁሰልቲ በፂሕዎ ኣብ ሆሰፒታል ውቕሮን ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታልን ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም። ሓደ ህፃንን ካልኦት ዝተረፉ ሰባትን ጉድኣት ከይበፅሖም ክተርፉ ምካኣሎም እቶም ኢንስፔክተር ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

 ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ፖርክታት ኢንድስትሪ ህንፀቶም ምጉታቱ ዝተዛዘሙ እውን ናብ ስራሕ ዘይምእታዎም ፀገም ምህላው ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ።

ህንፀቶም ካብ ዝተዛዘመ ፖርክታት ኢንድስትሪ መቐለን ኮምበልቻን ናብ ፍርያት ኣይተሰጋገሩን ዕድል ስራሕ እውን ኣይፈጠሩን ተባሂሉ። ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንድስትሪ ኣፈፃፅማ ርብዒ ዓመት ትልሚ 2010 ዓ/ም ኮርፕሬሽን ልምዓት ፖርክታት ኢንድስትሪ ገምጊሙ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ንመናእሰይ ክፈጥር እዩ ዝተበሃለ ዕድል ስራሕ በቲ ዝድለ ክፈጥር ዘይተካኣለሉ ምኽንያትን ብዝተተሓዘ ድማ ተመጣጣኒ ክፍሊት ናይ ዘይምክፋል ምኽንያት ነቲ ኮርፕሬሽን ሓቲቱ እዩ። እቲ ኮርፕሬሽን ብወገን እቶም ዝተልዓሉ ፀገማት ምህላዎም ገሊፁ ገሊኦም ግን ካልኦት ኣካላት ስራሖም ብእዋኑ ብዘይምዝዛሞም ዝተፈጠሩ እዮም ኢሉ ንምስትክኻል ከም ዝስራሕ ገሊፁ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢፌድሪ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኳታር ምስ ዝነበሩ ኢትዮጱውያን ዘተ ዘትዮም።

ኣይተ ሃይለማርያም ካብ ትማሊ ጀሚሮም ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኳታር ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ዘተ ኢትዮጱውያን ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዛጊድ ንዝገብርዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም ቀፃልነት ክህልዎ ፀዊዖም። መንግስቲ ብወገኑ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ሓቢሮም። ኣብ ገለ ክፋላት ሃገርና ጎንፂ ተላዒሉ ምንባሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ክሰፍን መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብምዃን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። እቶም ኢትዮጱውያን ብወገኖም መንግስቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዝነብሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዶም። ቤት ትምህርቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጱውያን ኣብ ኳታር ንምኽፋት ድማ መንግስቲ ፃዕሪ ክገብር ሓቲቶም። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኢትዮጱያውያን ኣብ ሃገሮም ንዘሎ ዕቤት ንኢዶም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

 ኣብ ክልልና ንዝተጣየሸ ሕብረት ሰራሕ ማሕበራት መፍረይቲ ዘርኢ መሰሰኒ ምህርቲ ዝሓሸ ዕዳጋ ምትእስሳር ክፈጥር ከምዝሕግዝ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልልና ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ማይጨው እትርከብ ሓድነት ራያ ዝተበሃለት ዩንየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብ6 ሚሊዮን ብር ዘህነፀቶ ማእከላይ መውሃቢ ግልጋሎት እንተምርቕ እዩ ነዚ ዝገለፁ። ዝተረከቡ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ፍስሃ በዛብህ ኣብቲ ስነ ስርዓት ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልልና ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ዓውዲ መፍረያይነት ምሩፅ ዘርኢ ዝተዋፈሩ 60 ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሓረስቶት ምህላውን ገሊፆም። እተን ማሕበራት ኣብ ውሽጢ ዝሓፀረ እዋን ዝጀመርኦ ሰራሕቲ መፍረያይነት ምሩፅ ዘርኢ ዝበረታታዕ ምዕባለ ከምዘርኣያ ገሊፆም። ኣይተ ፍስሃ ወሲኾም ንዕድጊት ምሩፅ ዘርኢ ዝውዕል ገንዘብ ድማ ብመንግስቲ ክልልና ከምዝቐርብ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ንሰራሕ መካየዲ ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ዘሎ እውን ገሊፆም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

04/03/2010

ኣብ ኢትዮ-ቴሌ ኮም ብገበን ምጭብርባር ዝተኸሰሰ ሱዳናዊ ውልቀ ሰብ ብ12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን ብብር 12 ሚሊዮን ገንዘብ ቅፅዓት ክቕፃዕ ተወሲንዎ።

ተኸሳሲ ሚስተር ያህያ ጅማ መስርሕታት ቴሌኮም ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታውን ግልጋሎት ቴሌኮም ንምሃብን ዝኽእል ሕጋዊ ፍቓድ ከይሃለዎ ፣32 ሲም ካርድ ኢትዮ ቴሌኮም ብምእታው ብሓደ ግዘ በዝሒ ዘለዎም ፃዊዕታት ብምትሕልላፍ ንካልኦት ኣገልግሎት እናሃበ ፀኒሑ እዩ። እቲ ውልቀ ሰብ ዓለም ለኸ ፃውዒታት ብዝተሓተ ክፍሊት ከደውል ከምዝፀንሐ ተገሊፁ በዚ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ናብ ኢትዮጱያ ልዕሊ 296 ሰዓት ፃዊዕታት ብዓለም ለኸ ፃውዒትት ኣመሓላሊፉ እዩ። እቲ ገበን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ካብ 7 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ ኣሎ በዚ ምኽንያት ኢትዮ ቴሌኮም ይርኽቦ ዝነበረ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ክስእን ክኢሉ እዩ። እቲ ጉዳይ ይከታተሎ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ልደታ ተኸሳሲ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ብምርካቡ ብ12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ብብር 12 ሚሊዮን ገንዘብ ቅፅዓት ክቅፅዑ ተወሲንዎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኳታር ይርከቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዶሃ ዝበፀሑ እንትኾኑ ኣብ ፃኒሒቶም ምስ ኤማር ኳታር ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያምን ኤማር ኳትር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ፃኒሕቶም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ምዕባይ ኣብ ዝከኣላሉን ኣብ ጉዳይ ሓበራዊ ረብሓ ከምዝዝትዩ ትፅቢት ይግበር። ኤማር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኢትዮጱያ ዕላዊ ዑደት ምግባሮም ይዝከር። ኣብ ፃኒሕቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ተራኺቦም ቁጠባን ኢንቨስትመንትን ክልቲኤን ሃገራት ብዝበለፀ ንምዕባይ ፖለቲካዊ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ምምኻሮም ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኤፍበሲ።

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ ክሳብ ዝዛዘም ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲ ንፅዋዕ ህዳሰ ግድብ ኣቀባብላ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ሓገዝ ብር 30 ሚሊዮን ገይሩ። ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ኣይተ ኣያና በራሶ ከምዝገለፅዎ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክሳብ ዝዛዘም ማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲ ነቲ ግድብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ቃል ኣትዩ እዩ። እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዘፈር ምርምር ዓርሱ ዝኻኣለ ዘፈር ማይ ከምዘለዎ ብምሕባር ብቀፃሊ ማይ ኣባይ ኣብታ ሃገር ብዝበለፀ ንምጥቓም ኣብ ዝካኣለሉ ኩነታት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ኣድላይ ሓገዝ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ኣይተ ኣያነ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

ሕዳር 29 ዝኽበር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጱያ ንምኽባር መሰናድኦታት እናዛዘመ ምዃኑ ክልል ዓፋር ገሊፁ።

ሎም ዘበን ንመበል 12 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ብሄር በሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጱያ ብድምቐት ኣብ ከተማ ሰመራ ዝኽበር ኾይኑ ነዚ በዓል መሰናድኦታት ምግባር ካብ ዝጅምር ምፅንሑ እቲ ክልል ይገለፅ። እቲ በዓል ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ዝጉዓዙ ተዓደምቲ መዕረፊ ቦታ ምስንድኡ ፣መንደር ብሓደ ብሕብረተሰብ ምህናፁ ካልኦት ዝርግሓ መሰረተ ልምዓት ኣብ ምዝዛም ምህላዎም ተሓቢሩ። 480 ባህለዊ ገዛውቲ ዓፋር እውን ንመዕረፊ ኣጋይሽ ከምዝህነፁ ኣብ ብሄራዊ ክልልዊ መንግስቲ ዓፋር ሓላፊ ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ኣህመድ ኣብድልቃድር ገሊፆም። ነቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር መዕረፎ ነፈርቲ ሰመራ ፣ስተድዮም ዓበይቲ መኣከብቲ ኣዳራሻት መንገድታት ህንፀቶም እናተዛዘሙ ምዃኑ ትካል ፕረስ ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

 ዲያስፖራ ኢትዮጱውያን ናብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝልእኽዎ ገንዘብ እቲ 78 ሚኢታዊ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝእቱ ተገሊፁ።

ሚኒሰተር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጱውያን ትውልደ ኢትዮጱውያን በቢ እዋኑ ብርክት ዝበለ መጠን ዘለዎ ሸርፊ ወፃኢ ዝለኣኽ እኳ ተኾነ እቲ 78 ሚኢታዊ ብዘይሕግዊ መንገዲ ከም ዝኣቱ ምርግጋፁ ገሊፁ። እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ መፅናዕታት እናተገበረ ምህላው ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስቴር ድኤታ ጉዳያት ቢዝነስ ዲያስፖራ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ገሊፆም። ብተመሳሳሊ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጱውያን ኣብ ልምዓት ሃገሮም ብስፍሓት እናተሳተፉ ምህላዎም ዝተገለፀ እንትኾን ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 600 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ዝወፅእ ቦንድ ምሻጡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ 171 ዲያስፖራ ኢትዮጱውያን ድማ ኣብዚ ርብዒ በጀት ዓመት ናብ ሰራሕ ምእታዎም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፀሪሑ ትካል ፕረስ ኢትዮጱያ ፀብፂቡ።

 ኣብ ኣከፋፍላ ካሕሳ መላእ ሃገርና ዝለዓሉ ዝነበሩ ጥርዓናት ፈትሕ ዝተኣማነሉ ሓድሽ ረቂቅ ኣዋጅ ቀመር ኣከፋፍላ ካሕሳ ዕላዊ ኾይኑ።

ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ካብ መሬቶምን ንብረቶምን ንዝላዕሉ ወገናት ዝክፈል ካሕሳ እኹል ኣይኮነን ዝብል ተደጋጊሙ ዝለዓል ዝነበረ ፀገም ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ምውሓዱ ብተወሳኺ ተመዛበልቲ ብዘላቂ ኩነታት እግሪ ዝተከለሉ ዕድል ዘይምምችቻውን ከም ፀገም ዝለዓል እዩ በዚ ድማ ፕሮጀክታት ክጓተቱ ምኽንያት ክኾኑ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ ኣሎ። ትካል መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ምስ ሚኒሰተር ልምዓት ኣባይትን ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምትሕብባር 1997 ዓ/ም ኣብ ዝወፀ ኣዋጅ መክፈሊ ካሕሳን ድሕሪ 2ተ ዓመታት ኣብ ዝፀደቐ መፈፀሚ ኣዋጅ መፅናዕቲ ኣካይዶም። ኣብቲ መፅናዕቲ ክፈተት ምንባሩ ምርግጋፆምን ተሓቢሩ። ኣብቲ ሓድሽ ረቂቅ ኣዋጅ ኣሕምልቲ ገደና እውን ናብ ግምት ክኣትው ዝገበረ ኾይኑ ሓሬስቶት ኣብ ውሽጢ 5ተ ዓመት ማእከላይ ፍርያት ዝተሓዘሎም ዝነበረ ኣብ ተከታታሊ 3ተ ዓመታት ብዝለዓለ ፍርያት ን10 ዓመት ክሕሰበሎም ዝገብር እዩ። ‘ኣብ ኤጀንሲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣባይቲ ፌዴራል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ሰለሞን ገብረመድህን እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ምስ ህዝቢ ምስተዛተየሉ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክፀድቅ መፈፀሚ መምርሒ እውን ኣብ ቀረባ ወፂኡ ክፀድቅ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ይብል ፀበፅብ ኤፍቢሲ።