ዜና ፅሑፍ ወርሒ ጥሪ 2010

30/05/2010

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴራል ንኣምባሳደር ሳሚያ ዘካርያ ኣካቢት ቦርድ መረፃ ጌሩ ሸይሙ፡፡

እቲ ባይቶ ብቐዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝቐረበሎም ሹመት ኣካቢ ቦርድ ፣ምክትል ኣካብን 7 ኣባላትን ቦርድ መረፃ ኣፅዲቑ፡፡ ኣምባሳደር ሳምያ ዘኪርያ ኣካቢት እቲ ቦርድ ኮይነን እንትሽየማ ኣይተ ደምዜ ማሜ ድማ ምክትል ኣካቢ ኾይኖም ተሾይሞም ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡

 ማእኸላይ ኮሚቴ ኦሆዴድ ንነበር ፕሬዘዳነት ኢፌድሪ ዶክተር ነጋሲ ጊዳዳ ወርሓዊ ደሞዝ ሓዊሱ ካልኦት ጥቕማ ጥቕሚ ክወሃቦም ወሲኑ፡፡

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ዶክተር ነጋሲ ጊዳዳ 30 ሽሕ ወርሓዊ ደሞዝ ጡረታ ፣ዝንቀሳቐስሉ መኪና ተገዚኣ ክትወሃቦምን ክሳብ ወፃኢ ከይዶም ንክሕከሙ ወፃኢኦም ክሽፈንን ወሲኑ፡፡ ኦሆዴድ ንህዝቢ ኦሮሞ ንዝተቓለሰ ምኽባር ንህዝቢ ኦሮሞ ምኽባር እዩ እንትብል ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ብወገኖም ንውሳነ እቲ ውድብ ንኢዶም፡፡ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ካብ 1987 ጀሚሩ ን7 ዓመታት ብንፕሬዝዳንትነት ዘገልገሉ ኾይኖም ን4 ዓመት ጥቕማ ጥቕሚ ክወሃቦም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 1997 ዓ/ም ናብ ፖለቲካዊ ውዳበ ምእታም ስዒቡ ከምዝተቛረፆም ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ንክልል ትግራይ ሓዊሱ 6 ክልላት ሃገርና ን2010 ዓ/ም ዝተመደብለን ተዘዋዋሪ ልቓሕ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ኣይወሰዳን ኢሉ ሚኒስተር ገንዘብን ኢኮኖምያዊ ምትሕብባርን፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ን2010 ዓ/ም 5 ቢሊዮን ብር ዝመደበ ኾይኑ ክልላት ትግራይ ፣ኣምሓራ ፣ሃረሪ ፣ኣዲስ ኣበባ ፣ዓፋርን ጋምቤላን ዝተበጀተለን ገንዘብ ኣይወሰዳን፡፡ ኣብዚ ዓመት ናብ ረብሓ ዝወዓላ 1 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ጥራሕ ምኻኑ ዝገለፀ እቲ ሚኒስተር ክልላት እቲ ገንዘብ ብዘይምውሳኑን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ መንግስቲ ዝተሓተ ኣፈፃፅማ ከምዝተርኣየ ገሊፁ፡፡ እተን ክልላት ዝተፈቐደለን በጀት ዘይተጠቐማሉ ምኽንያት ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ዝገለፁ ሚኒስተር እቲ ሚኒስተር ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ክልላት ንረብሓ መናእሰይ ክሰርሓ ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢሆዴድ ኣባል ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ዝኾኑ 14 ኣባላቱ ቀይሩ፡፡

እቲ ውድብ ን 10 መዓልታት ክካየዶ ዝፀንሓ ገምጋም ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ውደብ ህዝቢ ኦሮሞ ካብቶም ዝቐየሮም 14 ኣባላት ብተወሳኺ 4 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ክሳብ ዝመፅእ ጉባኤ ክእገዱ እንትውሰን ንሓደ ኣባል መጠንቀቕታ ሂቡ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናብ እዋን ሕማም ካንሰር እናተስፋሕፈሓ ምምፅኡ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኣብ ጉዳይ መንቀሊታት ሕማም ካንሰርን ኣወሃህባ ሕክምናኡን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብቲ ዘተ ዝቐረበ መፅናዕቲ ከምዘመላክቶ ኣብ ሃገርና ሕማም ካንሰር እናተስፋሕፈሓ ከም ዝመፀ ገሊፁ፡፡ ነዚ ሕማም መንቀሊ እዮም ካብ ዝተበሃሉ ምንቅስቓስ ኣካል ዘይምግባር፣ ምጥቃም መዐወኒ ሓሽሻት ስርዓት ኣመጋግባ ዘይምሕላውን እቶም ገሊኦም እዮም፡፡ በዚ መሰረት ድማ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ነዚ ሕክምና ክጠቅም ዝኽእል 6ተ ማሸን ጨረር ከምዘተኣታተወ ተገሊፁ ይብል ፀበፃብ ኢቢሲ፡፡

 ብልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ ግድብ መስኖ ጊዳቦ 97 ሚኢታዊ ከምዝበፅሓ ኮርፕሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ 2002 ዓ/ም ዝተጀመረ ህንፀት እዚ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን 97 ሚኢታዊ ስራሕቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ፡፡ እዚ ግድብ ብኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዝህነፅ ዘሎ እአንትኾን ልዕሊ 63 ሚሊዮን ክቢክ ተዛዚሙ ምስተወድኣ ድማ ንክልላት ኦሮሚያ ደቡብን ልዕሊ 27 ሸሕ ሄክታር መሬት ኣቕሚ ምልማዕ ከም ዘለዎ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

29/05/2010

ኩባንያ እንግሊዝ ዊንች ኣብ ኢትዮጵያ 700 ቁሸታት ገጠር ካብ ፀሓይ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ተስማዕሚዑ፡፡

ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለን ዋና ስራሕ መካየዲት ሓይሊ ኤሌክትሬክ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣዜብ ኣስናቀ ኣብ እንግሊዝ ዑደት ኣብ ዝካየደሉ ምስ ስራሕ ኣካየድቲ ኩባንያታት እንግሊዝ ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኩባንያታት እንግሊዝ በቲ ዘፈር ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ድሌት ከም ዘለዎም ዘረጋገፁ ኾይኖም፣ ብፍላይ ዊንች ዝተበሃለ ኩባንያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ገጠር ሃገርና ዝርከብ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፀሓይ ንምግባር ከም ዝሰርሕ ተስማዕሚዑ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ተወሳኺ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብ ገፀር ከባብታት ዝርከባ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርቲ ተረባሕቲ ክገብር እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ፣መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዘፈር ንምጥንኻር ኮርቢት ጂኦተረማል ኣብ ዝበሃል መርሃ ግብሪ እናተሳተፈ ምኻኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ትካላት ጥዕና ዘጋጥም ሕፅረት ኣፋውስን ናውትን ንምፍታሕ ዘኽእል ኣሰራርሓ ዕድጊት ምዝርጋሑ ኤጀንሲ ፈንድን ኣቕርቦት ኣፋውስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓድሽ ኣሰራርሓ መሰረታዊ ኣፋውስን ናውትን ብምፍላይ ዝትግበር ኾይኑ በቢ ዓመቱ ድማ ምምሕያሽ ከምዝግበረሉ እቲ ኤጀንሲ ሓቢሩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ እቲ ዕድጊት ስርዓት ግዘ ዝወስድ ብምንባሩ ኣብ ዓመት ክሳብ 150 ዓለም ለኸ ጨረታ ከውፅእ ዝግደደሉ ኩነታት ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኾይኑ ፣ ሕዚ ኣብ ተግባር ዝውዓለ ኣሰራርሓ ነዚ ፀገም ዝፈትሕ ምኻኑ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ኣድና በርሀ ሓቢረን፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ኤጀንሲ ንልዕሊ 500 ትካላት ጥዕና ኣፍውስን ናውትን እናቕረበ ይርከብ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣሜሪካ ሓድግታት ኢትዮጵያ ጉድኣት ከይበፅሖም ኣብ ዝግበር ክትትል ፅገናን ሓገዝ ከም እትገብር ተገሊፁ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ ኣብ ዝተኻየዱ ፅገናታት ሓገዝ ከም ዝገበሩ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬነር፣ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝግበሩ ስራሕቲ ፅገና ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ምኻኖም ሓቢሮም፡፡ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም ብወገነን ክፅገኑ ዝኽእሉ ኣብያተ ክርስቲያናትን ካልኦት ሓድግታትን ሰብ ሞያ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዘሳተፈ መፅናዕቲ ተፈልዮም ኢለን፡ ብፍላይ ህፁፅ ፅገና ዝጠልቡ ናይ ተግባር ስራሕቲ እናሳለጡ ምኻኖም ተሓቢሩ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ጣብያ ደብሪ ነበርቲ ዘይሕጋዊ መንበሪ ካብ ምስራሕ ክቑጠቡ ቤት ማዘጋጃ እቲ ክፍለ ከተማ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብቲ ጣብያ ቅርፂ ከተማታት ኣብ ዘይተኣታተውሎም ከባብታት ሕብረተሰብ መንበሪ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ እናሰርሓ ይርከብ፡፡ ኾይኑ ግና ትኽክለኛ ፕላን እቲ ጣብያ ዝፈቐደ ስለ ዘይኾነ ይፍረስ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ንዘይተደለየ ኪሳራ ከየሳጥሕ ኣብ ግምት ብምእታው መዕበይ ግንዛበ መድረኻት ተኻይዶም ምንባሮም ተሓቢሩ፡፡ ኾይኑ ግን ሕብረተሰብ ሕዚ እውን ምስራሕ ስለዘየቋረፀ ንግዝያዊ ዝስራሕ ዘሎ ምኻኑ ክግንዘብ ኣለዎ ኢሎም ስራሕ ኣካያዲ ቤት ማዘጋጃ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ፀጋይ ሓድሽ፡፡ ነበርቲ ብወገኖም ፣ናይ ከተማ ቕርፂ ክሕዝ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ዓመታት ስለዘቑፀረን ሕፅረት መንበሪ ስለዘለናን ክንሰርሕ ክኢልና፡፡ ሕዚ እውን ዝፈረሰን ዘይፈረሰን ዝፍለጥ ስለዘይኮነ ግቡእ ዝኾነ መንበሪ ገዛውቲ ዝሰርሓ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ ኢሎም ይብል ኪኢላ ፕረስ እቲ ክፍለ ከተማ ተኽለማርያም ኣስመላሽ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡

 ተመሓላለፍቲ ዘይኾኑ ሕማማት ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ልዑል ጉድኣት የብፅሑ ኣለው ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ኣወንታዊ ለውጥታት ምምፃእ ዋላ እኳ እንተተኽኣለ ፣ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ሕብረተሰብ የብፅሕዎ ዘለው ሳዕቤናት ቀሊል ኣይኮነን ኢሉ እቲ ሚኒስትር፡፡ ብምኻኑ እውን ተመሓላለፍቲ ዘይኾኑ ሕማማት ብፍላይ ድማ ንሕማም ካንሰር መንቀልታት ኣብ ዝኾኑ ትኹረት ብምሃብ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምክልኻል እናተሰርሓ ምኻኑ ተገሊፁ፡፡ እዚ ንምጥንኻር ድማ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ፣ ሃዋሳ ፣ጅማን ሃሮማያን ማእኸላት ምርምር ካንሰር ንምጥያሽ ህንፀትን ናውትን ናይ ምምላእ ስራሕቲ እናማልኡ ምኻኖም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ መጋብ ቁሸት ጭላ ብግዱስ በዓል ሃፍቲ ዝተሃነፀ ፣ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመረቑ ንግልጋሎት በቒዑ፡፡

እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወላዲ እቲ ከባቢ ኣይተ ገብረፃዲቕ ወልደዮሃንስ ዝተበሃሉ ግድስ ወገን ዝተሃነፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፣6ተ መምሃሪ ክፍሊ 1 ክፍሊ ቤት ፅሕፈት ፣ሓደ ክፍሊ ቤት ንባብ 1 ክፍሊ ድማ መዕረፊ መምህራን ዘጠቓለለ እዩ፡፡ ንህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ቕርሺ ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ኣብቲ እዋን ምረቓ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ነቲ ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም ዘረክቡ ኣይተ ገብረፃዲቕ ወልደዮሃንስ ብዘይ ትምህርቲ ዝፍታሕ ፀገም ከምዘየለ ተገንዚቦም ነቲ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ከምዘለዓዕሎም ብምሕባር ፣ንቐፃሊ እውን ኣብ ጎኒ መንግስትን ውድብን ኾይኖም ዝሓገዞም ከምዘየቋርፁ ተዛሪቦም፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረሂወት ገብረየሱስ ብወገኖም ተወለድቲ እታ ወረዳ ኣብ ምፍታሕ ፀገማት ትምህርቲ ንጡፍ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዘለው ብምሕባር ፣ ንቐፃሊ ብተወለድቲ ዓድን ፈተውትን ዝግበር ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትሕብባር ከምዝግበረሎም ፣ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ሓውዜን ምስጋነኦም ኣቕሪቦም፡፡ ኣብ መወዳእታ ነበርቲን ምምሕዳር እታ ወረዳን ነቶም በዓል ሃፍትን፣ ኣብ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ንጡፍ ተሳትፎ ንዝነበሮም ኣካላትን ዝተዳለወሎም ሸልማት ዋንጫን ወረቐት ምስከር ምስጋናን ተበርኪትሎም ይብል ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተኽለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

25/05/2010

ኩነታት ለውጢ ኣየር ኣብ ጥዕና ዘብፅሖ ፀገም ንምክልኻል ዘኸእል ትልሚ ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ፡፡

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ምውሳኽ መጠን ዋዒ ጥዕናዊ ፀገም እናብፅሓ ምኻኑ ይገልፅ፡፡ ኢትዮጵያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምክልኻልን ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ዘኽእል ትልሚ ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዕላዊ ከም ዝገበረት ዝዝከር ኾይኑ፣ ነዚ ትልሚ ንምትግባር ኣብ ዘፈራት ጥዕና ክሰርሑ ዝኽእሉ ስራሕቲ መፅናዕቲ እናኻየደ ምፅንሑ ዳሬክተር ጀኔራል ሓለዋ ጥዕና ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር መሰረት ዘላለም ገሊፆም፡፡ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ብምኽንያት ኩነታት ኣየር ዝበፅሑ ፀገማት ጥዕና ብሰፊሑ ዝረኣሎም ከባብታት ከም ዝተነፀሩ ተገሊፁ፡፡ በዚ እውን ኣብ 754 ትካላት ጥዕና ዘድልዩ ናውቲ ሓፈሻዊ ምንቅስቓሳት ንምሕጋዝ 1 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ተመዲቡ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ክትግበር ምኻኑ ምግላፆም ፀብፃብ ኤፍቢሲ የመላኽት፡፡

 ልዕሊ 68 ሽሕ ህዝቢ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣብ ስራሕቲ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብንቅሓት ይሳተፍ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገጠር ልምዓት ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ብርሃኑ ኪሮስ ሎሚ ዓመት ኣብ 23 ጣብያታት እታ ወረዳ ኣብ 39 መፋስስ ንፁር ልምዓታዊ ካርታ ተሰሪሕሎም ዕቀባ ይካየደሎም ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣይተ ብርሃኑ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በሪሶምን ዓሪቆምን ዝነበሩ ጎቦታት መፋሰሳትን ናብ ንቡር ሽፋን ኣግራብ ንምምላስን ፍግረ መሬት ንምክልኻል ነበርቲ ኩለን ጣብያታት ብወነ እቲ ወፍሪ እናሳለጡ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም ይብል ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ሓጋዚ ባይራይ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

 ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ስራሕ ከይዋፈሩ ብመንግስቲ ተነቢሩ ዝፀንሓ እገዳ ክለዓል ምኽኣሉ ፣ረቛሒ ዘማልኡ ዜጋታት ግልጋሎት ንምሃብ ምድላዋት ከም ዝወገነ ሚኒስተር ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳይ ኣፍሊጡ፡፡

መንግስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘይሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ብምጉዓዝ ዜጋታት ሞትን መጉዳእቲ ኣካልን ከይበፅሖም ንምክልኻል ካብ 2006 ዓ/ም ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ከልኪሉ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ፡፡ ሕዚ እቲ ወፂኡ ዝነበረ ኣዋጅ ክመሓየሽ ብምግባር ሓድሽ ክፀድቕ ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስተር ገሊፁ፡፡ እዚ እውን ስምሪት ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ዘቀላጥፍ ኾይኑ ዝርዝር መምርሕታትን ደምብታትን እቲ ኣዋጅ ብምድላው ሕጋውያን ንዝኾኑ ኤጀንስታት መራኸብቲ ኣሰራርሓን ሰራሕተኛን ፍቓድ ክህሉ ምኻኑ ገሊፁ፡፡ ሓደ ፍቓድ ንምውሳድ ዝደሊ ሕጋዊ ኤጀንሲ መራኸቢ ኣስራሕን ሰራሕተኛን 1 ሚሊዮን ብር ኣብ ዕፅው ሒሳብ ደፍተር ባንኪ ከቕምጥ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓመድን ጀሶን ምስ ጣፍ ሓዊሶም ብምስንካት ክሸጡ ዝተረኸቡ መናእሰይ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

እቶም መናእሰይ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ዝኽኣሉ ፖሊስ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓበሬታ ኾይኑ ፣ናብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት እናቕረቡ ምፅንሖም ተገሊፁ፡፡ ነባራይ ሕብረተሰብ ነውሪ ተግባርን ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ምኻኑ ብምእማንን ህዝብን መንግስትን ብሓባር ክከላኸል ተጠርጠርቲ ብሕጊ ክሕተቱ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ነቲ ጉዳይ ዘፃሪ ዘሎ ፖሊስ ብወገኑ ክሳብ ሕዚ ጆሶ ፣ሓመድን ካልኦት ባዕዲ ነገራት ተሓዊሶም ከምዝተሰንከቱ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ሞት ትሕቲ ስሩዕ ክብደት ዝውለዱ ህፃውንቲ ንምክልኻል ምስ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ተዋዲዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ጥዕና ቢሮ ኣተሓባባሪ ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ከበደ ኣባይ ኣብቲ ክልል ካብ ዝውለዱ ህፃውንቲ ሓደ ወርሒ ከይመልኡ ንሞት ዘሳጥሕሉ ሓል ሓሊፍ ዝርኣየሉ ኩነታት ከም ዘሎ ዝገለፁ ኾይኖም ፣ኣዴታት ኣብ ትካላት ጥዕና ክወልዳ ካብ ዝግበር ናይ ምዕባይ ግንዛበ ስራሕ ብተወሳኺ ምስ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ተዋዲዶም ከም ዝሰርሑ እቲ ቢሮ ሓቢሩ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ቢሮ ዘድልዩ ናውቲ መሳርሕታት ኣብ ምምላእን ንሰብ ሙያ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ካብቲ ቢሮ ዝተልኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 ኢትዮጵያ ኣብ ምውሓስ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕላው ሓላፍነታ ኣብ ምውፃእ ከምትርከብ ተገሊፁ፡፡

ልዕሊ 1 ሚሊዮን ስደተኛታት እናተኣናገደት ትርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላስ ፀረ ራዕዲ ምስ ሕብረት ኣውሮፖ ብምትሕብባር ሓበራዊ ተጠቃምነት ክረጋገፅ ምኽኣሉ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ሃገራት ቤልጀም ፣ቤን ሉክስን ባልቲክ ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኣውሮፖ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሰደር ኢፌድሪ ተሾመ ቶጋ ኣብ ፖርላማ ኣውሮፖ ልኡኻት ፖርላማ ኣፍሪካ ፣ካሪቢያን ፣ፖስፊክን ኣውሮፖን ኣብ ዝተረኸብሉ መብርሂ ሂቦም፡፡ ኢትዮጵያ ዘጋጥምዋ ፈተነታት ብምፍታሕ ለውጢ ናይ ምምዝጋብ ብቕዓት ከምዘለዋ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም፡፡ እቲ ኣኼባ ዝመርሑ ኣባል ፖርላማ ምክትል ኣካቢን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብሩ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዓመታዊ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ወረዳ ሓውዜን ተጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ወፍሪ ልዕሊ 3 ሽሕን 5 ሚኢትን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ዕቀባ ከምዝካየደሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ወፍሪ ነበርቲ እቲ ወረዳ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ደሪቖም ዝነበሩ ከባቢታት ናብ ንቡር ክምለሱ ብምኽኣሎም ዝተፈላለዩ ረብሓታት ንምርካብ ከምዝበቕዑ ድሕሪ ምሕባር ፣ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ድማ ከምቲ ዝተለመደ ብልዑል ወነን ሕራነን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረዝሄር ክንፈ ብወገኖም ኣብታ ወረዳ ኣብ 32 መፋሰስ ልዕሊ 3 ሽሕን 5 ሚኢትን ሄክታር ዘይሕረስ መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምዕቃብ ከምዝካየድሓቢሮም፡፡ እቲ ወፍሪ ዕውት ንምግባር ፅሬትን ሰሌጠንን ዘለዎ ገይርካ ንምሰራሕ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዘድሊ ክትትልን ድጋፍን ከምዝግበረሉን ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 26 ሽሕ ጉልበት እናኸተተ ነቲ ስራሕ ከምዘፍፅሞ ኣይተ ገብረዝሄር ወሲኾም ሓቢሮም ይብል ኪኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተኽለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፡፡

23/05/2010

ኣብ ሓደ ሓደ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ወሎ ኣጋጢሞም ዝነበሩ ዘይምርግጋዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተጀመረ ምይይጥ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ ኢሉ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ ብኣዴን፡፡

ኣብ ሰሜን ወሎ ሓደ ሓደ ከተማታት ተፈጢሮም ዝነበሩ ዘይምርግጋዓት ናብ ሰላም ንምምላስ ነበርቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ላዕለዎት መንግስታዊ ኣካላት እቲ ክልል ይዝትዩ ኣለው፡፡ ኣብ ከተማ ቆቦ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ልዕሊ 1 ሽሕን 5 ሚኢትን መናእሰይን ዓበይቲ ዓድን ዝተሳተፉ ኾይኖም ፣መንቀልታት እቶም ተፈጥሮኣዊ ዝነበሩ ፀገማት ብዝርዝር ዝቐረቡ ምኻኖም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ኣይተ ኣለምነው መኮነን ገሊፆም ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ጉሎባል ፈንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ዓሶ ፣ቲቪን ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ንምክልኻል ዝውዕል 379 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ሂቡ፡፡

እቲ ዝተወሃበ ሓገዝ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓመተ ፈረንጂ ክሳብ 2021 ሰለስቲኦም ሕማማት ንምቁፅፃር ክውዕል እዩ ኢሎም ሚኒስቴር ድኤታ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ከበደ ወርቁ ገሊፆም፡፡ ካብቲ ዝተወሃበ ሓገዝ 194 ሚሊዮን ዶላር ውፅኢታዊ ምክልኻል ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምምፃእ ፣158 ሚሊዮን ዶላር ሕማም ቲቪ ንምቁፅፃር ዝውዕል፣ ከምኡ እውን ሕማም ዓሶ ንምቁፅፃር 27 ሚሊዮን ዶላር ዝተመደበ ምኻኑ ተገሊፁ፡፡ እቲ ዝተመደበ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ጎኒ ሕብረተሰብ ኾይኖም ክሰርሑ ዶክተር ከበደ ኣተሓሳሲቦም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ን150 ሺሕ ሓረስቶት ካርታ መረጋገፂ ዋንነት መሬት ከም ዝተወሃበ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ካርታ ዝተወሃቦም ሓረስቶት ኣብ 6 ወረዳታት ካብ ዝርከቡ 760 ሽሕ ሓረስቶት ምኻኖም ዝሓበሩ ኣማኻሪ ጉዳያት ኢኮኖሚ እቲ ዞባ ኣይተ ዘካርያስ ሽፈራው ፣ክሳብ መወዳእታ በጀት 2010 ዓ/ም 610 ሽሕ ሓረስቶት ካርታ ንምሃብ ተዛመድቲ ስራሕቲ እናጠናቐቑ ምኻኖም ሓቢሮም፡፡ ዋንነት መሬት ካርታ ክወሃብ ዘድለየሉ ኣብ ገፀር ከባብታት ፍትሓዊ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ ምስ ትሕዝቶ መሬት ተተሓሒዞም ዝርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምኻኑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢህወዴግ ኣብ ወሳንን ሓድሽን ምዕራፍ ይርከብ ኢሎም ኣቦ ወንበር እቲ ውድብን ቀዳማይ ሚኒሰተር ሃገርናን ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ፡፡

ኣብ መኽፈቲ ራብዓይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ እቶም ኣቦ ወንበር ንርከበሉ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ምስ በሉ እቲ ሓደ ን 25 ዓመታት ቅልጡፍ ዕቤት ዘመዝገብናሉ እቲ ካልኣይ ድማ እናወሰኸ ንዝመፀ ድሌት ከየተኣናግዱ ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር ኣብ ንቃለሰሉ እዋን ኢና ዘለና ኢሎም፡፡ እናወሰኸ ንዝመፀ ድሌት ህዝቢ ዘይምምላስ ከም ፀገም ዘልዐሉ እቶም አቦ ወንበር እቶም ዘጋጥሙና ዘለው ፀገማት ኣብ ፈላሚ ዕቤት ካፒታሊዝም ዘጋጥም እዩ ኢሎም፡፡ መናእሰይ ተሳትፍኦም ከዕዘዙ ፀዊዖም ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣፈፃፅማ ስራሕ በዓል መዚ ጉምሩክን ኣታውን ኢትዮጵያ ዝተሓተ እዩ ኢሉ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡፡

ፀብፃብ 6 ኣዋርሕ እዚ ዓመት ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረበ እቲ በዓል መዚ ዝሓዞ ትልሚ ምእካብ እቶት ኣየዐወተን፡፡ ዳሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ምሳስ ባልቻ 109 ነጥቢ 36 ቢሊዮን ብር ኣብ 6 ወርሒ ንምእካብ ተተሊሙ 90 ነጥቢ 81 ቢሊዮን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፆም፡፡ ኣብ ቀጥታዊ ግብሪ ፣ቀረፅን ታክስን እውን ዝተሓተ ኣፈፃፅማ ኾይኑ ቀሪቡ እዩ፡፡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብወገኖም ዝቐረቡ ተደጋገምቲ ፀገማት ዘይምፍታሖም በቢ ዓመቱ ዝተፈጠረ ኔትዎርክ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም፡፡ ብትእዛዝ ሓለፍቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከይተፈተሹ ዝኣትው ከምዘለው ዝገለፁ እቶም ኣባላት እቲ በዓል መዚ ኮንትሮባንድ ክከላኸል ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከቕርብ ሓቲቶም፡፡

22/05/2010

ኣብ ኣፍሪካ ዝተዋደደ ወፍሪ ፀረ-ራዕዲ ክጠናኸር ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኮምሽነር እቲ ሕብረት ኣምባሳደር እስማኤል ሽርጉይ ኣብዛ ኣህጉር ኣብ ጉዳያት ፀረ-ራዕዲ ዝወስድ ዘለው መፈትሕታት መግለፂ ሂቦም፡፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጉዳይ ሰላም ሶማልያን ደቡብ ሱዳን ትኹረት ከምዝጠልብ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ፣ፈጣሪ ራዕዲ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ዝግበር ምንቅስቓስ ጎረባብቲ ሃገራት ተጠናኺሩ ክቕፅል ምኻኑ ሓቢሮም፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ፣ምስ ደቡብ ሱዳን ተኣሳሲሩ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር እቲ ሕብረት ምስ ኢጋድ ተሓባቢሩ እናሰርሓ ምኻኑ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ሕብረት ኣብ ሊቢያ ዕልባት ዘይረኸበ ቅልውላው መፍትሒ ንምምፃእ ዝግበር ዘሎ ድርድር ከምዝቕፅልን መርበብ ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ደቂ ሰብ ንምቁፅፃር እሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሺየስ ፕራቪንድ ጅናውት ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ሃገራት ዘትዮም፡፡

ክልቲኣም መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኣፍሪካ ዝግበር ኢንቨስትመንት ንግዲ ንምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ሓሳባት ዘትዮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኢትዮጵያ ካብ ሞርሽየሰ ኣብ ልምዓት ሽኮር ፣ቱሪዝምን ህንፀት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተሞክሮ ክትወስድ ከም እትደሊ ዝተሓበሩ ኾይኖም ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞሮሽየስ በረራ ክጅምር ከምዝደሊ ሓሳብ ኣቕሪቦምሎም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞርሽየስ ብወገኖም ሃገሮም ኣብ ክልቲኣውን ኣህጉራውን ስራሕቲ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ምስራሕ ከም እትደሊ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክልል ኣምሓራ ክሲ 598 ሰባት ክቋረፅ ከምዝተገበረ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ክሶም ዝተቋረፀ ተኸሰስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ዝተውፃእፀኡ ኾይኖም ፣ስልጠና ብምሃብ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍትሑ እዮም ኢሉ ላዕለዋይ ዓቀቢ ሕጊ ፌዴራል፡፡ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ገበናት ፈፂሞም ብዝብል ጥርጣረ ጉዳዮም ብዓቃቢ ሕጊ ተታሒዙ ዝነበረ እንትኸውን ፣ሕዚ ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻርን ዲሞክራሲያዊ ምህደራ ንምስፋሕን ብምሕሳብ ፣ሕገ መንግስቲ ብዝፈቐዶ መሰረት ኣድላይ ምፅራይ እናካየደ ክፍትሑ እዮም ተባሂሉ፡፡ ካብቶም ተጠርጠርቲ 115 ብብርኪ ፌዴራል እንትኾኑ ካልኦት 413 ድማ ካብ ክልል ደቡብ ዝቐረቡ ምኻኖም ተገሊፁ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ን2 ሽሐን 345 ተሃነፅቲ ሕጊ ይቅሬታ መግባ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ደቡባዊ ዞባ ዝርከቡ መስሕብ ቦታታት ዝግባእ ስራሕቲ ምልላይ ክስራሕ ዘይምኽኣሉ ዝድለ ቁጠባዊ ረብሓ ኣይተረኸበን ኢሎም ሙሁራን ዩንቨርስቲ ራያ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ኣብ ረብሓ ንምውዓል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩ፡፡

ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀኔ፣ ኣብቲ ዞባ ንግልጋሎት ቱሪዝም ክውዕል ዝግብኡ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ታሪካውን መስሕባት ዋላ እኳ እንተሃለው ብዝግባእ ክሰርሓሉ ብዘይምኽኣሉ ረብሓ ከይሃቡ ፀኒሖም ክብሉ ገሊፆም፡፡ መፅናዕቲ ዘቕረባ መምህር እቲ ዩንቨርስቲ መምህር ኣሰፋሽ ኣያሌው ኣብ ከባቢ ራያ ንመዕረፊ ቱሪስታት ዘገልግሉ ሎጃትን ካልኦት መዘናግዕ ክህነፁ ዘይምኽኣሎም ነቲ ዘፈር ትኹረት ዘይምሃብ ዘመላኽት እዩ ኢለን ኢሉ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ከይመሓላለፍ ሃገራት ኣፍሪካ ክሰርሓ ይግባእ ኢለን ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ሮማን ተስፋይ፡፡

ትኹረት ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ንዝመሓላለፍ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ዝነበረ ዋዕላ ቀዳሞት እመቤት ሃገራት ኣፍሪካ ተሳሊጡ፡፡ እቲ ዝስተውዐል ፀገም ንምቅናስ መንግስት ትካላት ጥዕና ኣብ ምጥንኻርን ምስፍሕፋሕን ክሰርሓ ይግባእ ክብላ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ሮማን ተስፋይ ገሊፀን፡፡ ወይዘሮ ሮማን ብተወሳኺ ኣዴታት ቅድመ ወሊደ ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ናይ ምግባር ልምደን ዝተሓተ እዩ ዝበላ ኾይነን ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበ እውን ውሳነ ምኻኑ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ነቢሩ ዝፀንሓ እገዳ ምልዓል ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራውን ጉዳያት ኣፍሊጡ፡፡

እቲ እገዳ ነቢሩ ዝፀንሓ ድሕንነት ሰራሕተኛታት ዘረጋግፁ ስምምዕነታት ክሳብ ዝሰናድኡ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር ካብ ሎሚ 22 ጥሪ ጀሚሩ ግን እቲ እገዳ ምልዓሉ ገሊፁ፡፡ ኣብ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ጉዳይን ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮምኒኬሽን ኣይተ ባሳዝን በርሀ እቲ ነቢሩ ዝፀንሓ እገዳ ንምልዓል ምድላዋት እናተገበሩ ምፅንሖም ሓቢሮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2009 ዓ/ም ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምፅዳቓ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

21/05/2010

ንኣፍሪካውያን ዓሚቕ ኽብሪ ኣለኒ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡፡

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ንመራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዝፃሕፍዎ ደብዳ ንህዝቢ ኣፍሪካ ዝለዓለ ኽብሪ ከምዘለኒ ይገልፅ ምስ በሉ ምስሉኣላዊ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ርክብ ክህልወና እውን ይብህግ ኢሎም፡፡ ወታደራትና ጎኒ ንጎኒ ኣንፃር ራዕዳውያን ኣብ ምውዳቕ ይርከቡ ዝበሉ ትራምፕ ንምጥንኻር ናፃን ፍትሓውን ንግዲ ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ክገብሩ ምዃኖም ገሊፆም፡፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካውያን ብዝተዛረብዎ ፀያፍ ዘረባ ንቡዙሓት ኣቖጢዖም እዮም ይብል ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ፡፡

5 መራሕቲ ተቓውሞ ግብፂ ዜጋታት እታ ሃገር መጋቢት ዝካየድ መረፃ እታ ሃገር ተቓውምኦም ከስምዑ ፀዊዖም፡፡

እቲ ፃውዒት ሳሚ ኣናን ንዝተበለሃ ኣብ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ እዚ ዓመት ተስፋ ዝተነበረሎም ሓዊሱ 2 ላዕለዎት ሓገዝቲ እዮም ተናሓናሕን ኣብ 2012 ዓመተ ፈረንጂ ተናሓናሒ ዝነበሩን ድሕሪ ምእሳሮም እዩ ስዒቡ፡፡ እቶም ተቓወምቲ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ህዝቢ እታ ሃገር እቲ መረፃ ዋላ እንተተኻየደ ንውፅኢት ኣፍልጦ ከይህብ ይፅውዕ፡፡ ኣብዚ ሰራዊት ግብፂ ዝነበሩ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፈታሕ ኣልሲሲ ካብ 18 ክሳብ 20 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ብሕታዊ ተወዳዳሪ ኾይኖም ቀሪቦም ኣለው፡፡ ቀንዲ ተናሓናሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ተወዳደርቲ ብምእሳር ካብቲ መረፃ ክወፁ ይገብሩ ከምዘለው ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ የመላኽት፡፡

 ተመሃሮ ንሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ዘለዎም ግንዛበ ክዓቢ እናሰርሓ ምኻኑ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ኣብ ደሞም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ዘለዎም ወገናት እውን ንመናአሰይ ኣስተምህሮ እናሃቡ ምኻኖም ተሓቢሩ፡፡ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ኣብታ ዞባ ኣብ ዝርከባ 24 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ይወሃብ ምህላው ኣብ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ መተሓባበሪ ጥዕና ኣይተ መሳይ ኣበበ ገሊፆም፡፡ ኣብ ቀረባ ስርሑ ዝጀመረ ዩንቨርስቲ ራያ እውን ኣካል እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ምኻኑ ዝተሓበረ ኾይኑ ብፍላይ መናእሰይ ነቲ ሕማም ትኹረት ሂቦም ባዕሎም ክሕልው ይሰርሕ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ዘመናዊ ሕክምና መካንነት ምሃብ ዘኽእል ኣዋጅ ይዳሎ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃን እዚ ኣዋጅ እቲ ሕክምና ብሕጋውን ዘመናውን መንገዲ ንምሃብ ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡ ንመካንነት ዝተሳጥሑ ዜጋታት ሕክምና ተገይርሎም ውልድ ክረኽቡ ዘኽእል እዚ ኣዋጅ እናተሳነድኣ እዩ፡፡ ከም ኣገላልፃ ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ንቲቪን ቀንድ ምኸንያት መካንነት እዮም ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ምስ ሊባኖስን፣ ዓረብ ኤምሬትን ባህሬንን ክልቲኣዊ ስምምዕ ሰራሕ ክትፈራረም እያ፡፡

ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ከምዝበሎ ነቲ ስምምዕ ዝረድእ ሰነድ እናሰናድኣ እዩ፡፡ እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘቕረባ እንትኾና ብፍላይ ምስ ሊባኖስ ኣብ ቀረባ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ዜጋታት ብሕጋዊ መንገዲ ድሕንነቶም ተሓልዩ ዝስርሕሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ ኢሉ፡፡ ሚኒስቴር እቲ ሚኒስቲር ኣይተ ኣብድልፈታ ኣብድላሂ ምስ ስዑድ ዓረብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሓን ብወገን መንግስቲ ንምፅዳቕ ይሰርሕ ምህላው ጠቒሶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2008 ዓ/ም ሓድሽ ኣዋጅ ምውፋር ሰራሕተኛታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምውፅኣ ይዝከር ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

18/05/2010

ኣብ ክልል ጋምቤላን ህዝብታት ደቡብን ኣብ መንጎ ብሄራት ጎንፂ ክፍጠር ብምግባር ንሞት 10 ሰባትን መጉዳእቲ ኣካል 13 ሰባትን ምኽንያት ዝኾኑ 13 ተጠርጠርቲ ብማእሰርቲ ተቐፂዖም፡፡

እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ኣዋሳን ክልቲኣን ክልላት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ብሄራት ፣ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝነበሩ ተወለድቲ መሬቶም ገዲፎም ክወፁን ኣብ መንጎኦም ጎንፂ ክፍጠር ምልዕዓል ከምዝገበሩ መዝገብ ክሶም የመላኽት፡፡ እዚ ስዒቡ ድማ ሂወት 10 ሰባት ክጠፍን 13 መጉዳእቲ ኣካልን ክበፅሖምን ብምግባር ከምኡ እውን 8 ሚሊዮንን 741 ሽሕን ዝግመት ሃፍቲ ክዓኑ ምኽንያት ኾይኖም እዮም ይብል ክሲ ዓቃቢ ሕጊ፡፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ተኸሰስቲ በብ ብርኩ ጥፍኣተኛታት ምኻኖም ድሐሪ ምርግጋፅ ካብ 10 ክሳብ 18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን ከምኡ እውን ክሳብ 5 ዓመት ማሕበራዊ መሰሎም ክእገዱን ምቕፅዖም ኤፍቢሲ ፀበፂቡ፡፡ 

 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣዋጃት ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት በጀትን ፋይናንስን መንግስትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ተደጋጊፎም ክሰርሑ ፣ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንድስትሪ ዝቐረበ ምምሕዳር ምዝገባ ኬሚካል ኢንድስትሪ ኣፅዲቑ፡፡ ምስ እዚ ብተወሳኺ ንፕሮጀክት መወገዲ ጎሓፍ ረጲ ዝውዕል 10 ሚሊዮን ዩሮ ስምምዕ ልቓሕ ገምጊሙ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት በጀትን ፋይናንስን፣ ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ 176 ሚሊዮን ዶላር ስምምዕ ልቓሕ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃፍቲን ልምዓትን ዓሳ መሪሑ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያት ኣፈፃፅማ በጀት 6 ኣዋርሕ 2010 ዓ/ም ገምጊሙ ዘፅደቐ ኾይኑ ፣ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ተዋሂብዎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ንምጥንኻር ቁጠባውን ርክቢ ምስ ህዝብን ከም እትደሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ጎና ጎኒ መበል 32 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ጉባኤ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ዘትዮም፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኣብዚ ዞባ ኣብ ምርግጋዕ ሰላምን ፀጥታን ከምኡ እውን ኣብ ቃልሲ ፀረ ራዕዲ ዝግበር ሓበራዊ ፃዕሪ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሶማልያ ኣህመድ ኢሳኣዋድ ብወገኖም ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ዘተ ምኻኑ ገሊፆም፡፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ብተወሳኺ ረብሓ ኣፍሪካውያን መሰረት ኣብ ዝገበሩ ዛዕባታት ብሓባር ንምስራሕ ከም ዝተስማዕምዑ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ብዘጋጠመ ጎንፂ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፎም፡፡ በቲ ጎንፂ ክልተ ሲቪል ውልቀ ሰባትን ሓደ ኣባል ፀጥታን ምሟቶም ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 9 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ኣካል ከምዝበፅሖም ተሓቢሩ፡፡ መበገሲ እቲ ጎንፂ ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዝርከብ ኾይኑ ኣብ ሕርሻ ውልቀ ሰባት ፣ተሽከርከርትን ካልኦትን ዕንወት በፂሑ ተባሂሉ፡፡ ፀጥታ እቲ ከተማ ንምርግጋዕ መናእሰይ ፣መራሕቲ ሃይማትን ዓበይቲ ዓድን እናዘተዩ ምኻኖም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ብገበን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ ሰብ ዝተኸሰሱ ክልተ ኤርትራውያን 18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ምቕፅዖም ቤት ፅሕፈት ፌዴራል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ጨንፈር ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሃኑ ክንደያ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕፃፅ ዝነበሩ ኾይኖም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ስዑድ ዓረብያ ስራሕቲ ድለላ ይሰርሑ ምንባሮም ሓቢሮም፡፡ ሕዚ ደማ 5 ኤርትራውያን ኣብ ስዑድ ዓረብን እስራኤልን ካብ ዝርከቡ ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ነብሰ ወከፍ 1 ሽሕን 6 ሚኢትን ዶላር ኣሜሪካ ክኽፈሎም ስምምዕ ብምግባር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ክሓልፉ ብመከላኸሊ ሰራዊት ሃገገር ኢትዮጵያ ኣብ ቁፅፅር ከውዕሉ ኽኢሎም፡፡ እዚ ስዒቡ ዝተመስረተሎም ክሲ እቶም ክልተ ዘይሕጋዊ መዘዋወርቲ ደቂ ሰባት ብ18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ዝተቐፅዑ ኾይኖም እቶም ዝተረፉ 5 ኤርትራውያን ድማ ናብ ዝነበሮም መዕቐቢ ስደተኛታት ክምለሱ ምኽኣሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

17/05/2010

ኣብ ኣሜሪካ ብሓድሽ ንዝተሾሙ ኣምባሳደር ካሳ ተኽለብርሃን ደብዳቤ ሹመቶም ንፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣቕሪቦም፡፡

ኣይተ ካሳ ተኽለብርሃን እቲ ሹመት ደብዳቤ ኣብ ዋይት ሃውስ ትማሊ ንዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቡ ኾይኖም ሹመት እቶም ኣምባሳደር ዝፀነሓ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ከምዘጠናኽር ተኣሚንሉ ኣሎ፡፡ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደራት ክትሾም ከምዝፀንሓትን ካብ እዋን ናብ እዋን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብምምሕያሽ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ዘፈር ልምዓት ኢኮኖሚ ፣ሰላምን ፀጥታን ፣ዲሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ከም ዘጠናኽር ተገሊፁ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ውሑስ ንምግባር ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ምህላው ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሓውዜን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኪኢላ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ሃይላይ ገብረሚካኤል ከምዝበልዎ ኣብ ቀዳማይ መንፍቕ እዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 2ሽሕን 2 ሚኢትን ነብሰ ፁር ኣዴታት ክትትል ቅድመ ወሊድ ተገይሩለን፡፡ ብተወሳኺ እውን ኣብቶም ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ሽሕን 4 ሚኢትን ኣዴታት ብሰብ ሙያ ጥዕና ኣብ ትካላት ጥዕና ምውላደን እቶም ኪኢላ ገሊፆም፡፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተወሰና ኣዴታት ኣብ ገዛ ዝወለዳሉ ኩነታት ምህላው ብምግላፅ መጠን ወሊድ ኣብ ገዛ ናብ ባዶ ንምውራድ ትኹረት ተገይርሉ ይስራሕ ምህላው ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተኽለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ፀብፃብ የመላኽት፡፡

 ብምትሕብባር ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ሓውዜን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባን ዝተሃነፁ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተመሪቁ፡፡

ንህንፀት እቶም ትካላት ልዕሊ 13 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረ እንትኾን ካብዚ እቲ 8 ሚሊዮን ብር ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ዝተሸፈነ እዩ፡፡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ፍልጠትን ዝለዓለ ክእለተን ዝወነኑ ዜጋታት ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ማሕበራዊ ድጋፍ ምግባራ ከም እትቅፅል ገሊፆም፡፡ ዋና ኣመሓዳሪአ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረሂወት ገብረየሱስ ብወገኖም እታ ማሕበር ንምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ እናሰርሓት ምፅንሓ ብምግላፅ ብቀፃልነት እውን እቲ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ይብል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተኽለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡

 ኢትዮጵያን ኖርወይን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ተሓባቢረን ንክሰርሓ ኣብ ስምምዕነት በፂሓን፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌድሪ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ንመዘነኦም ኤሬክሰን ስሪፍዴን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡ ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ድማ ክልቲኣን ሃገራት ክሰርሖኦም ዝኽእላ ዘፈራት ትሕብብር ንምፍላይ ተስማዕሚዐን፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ሓምለዋይ ልምዓትን ምስ ኖርወይ ተሓባቢራ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም፡፡ እቶም ሚኒሰተር ኖርወይ ሓቀኛ ደለይቲ ልምዓት ኢትዮጵያ እያ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኤሪክሰነ ሳሪፍድ ብወገኖም ሃገሮም ንኢትዮጵያ ፍሉይ ትኹረት ከምትህብ ዝገለፁ ኾይኖም ክልቲኣን ሃገራት ንምርግጋዕን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ሓቢረን ከም ዝሰርሓ ተዛሪቦም ክብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡ 17/05/2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 30 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣካል ዝኾኑ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍሉ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ሰራሕ እናተኻየደ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ሚኒሰተራት ብመራሕቲ ጉባኤ ውሳነ ብዝውሃብሎም ነጥብታት ብምዝታይ ውሳነ ሓሳብ ከዳልው እዮም፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝለዓሉ ነጥብታት መንጎ ኣካብነት ክራይ እናፈጠሮ ዘሎ ፅዕንቶን ፀረ ግዕዝይናን ምምሕያሽ እቲ ሕብረት ተጠቀስቲ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ዘኽእል ነፃ ንግድን ዕዳጋን ምፍጣር ዘተኮረ ምይይጥ ዝካየድ ኾይኑ ብተወሳኺ ልምዓት ሕርሻ ካበይ ናበይ ዝብልን እዋናዊ ፀጥታን ስግኣት ድሕንነትን ኣፍሪካ ብዝምልከት ክዝተይ እዩ ተባሂሉ፡፡ ካብቲ ጉባኤ ሓፈሻዊ ለውጢ ዘምፅኡ ውሳነታት ክመሓላለፉ እዮም ተባሂሎም ትፅቢት ከምዝግበር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

16/05/2010 ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ብቕዓት መረጋገፂ ኣሽከርከርቲ ኣፅዲቑ፡፡ ኣብ ሃገርና ካብ ዝበፅሕ ሓደጋ ትራፊክ 83 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ብብቕዓት ምንኣስን ጉድለት ስነ-ምግባርን ምኻኑ ዝሓበሩ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትራንስፖርት እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ካሚል ኣህመድ ፣መበገሲኡ ኣብ ኣወሃህባ ፍቓድ መዘወሪ ዘሎ ፀገም እዩ ኢሎም፡፡ በዚ መሰረት ዳማ ንደረጃ ክልተ 4ይ ክፍሊ ዝዛሙን ልዕሊ 20 ዓመት ዕድመ ዝኾነ ፣ንደረጃ ሰለስተ 10ይ ክፍሊ ዝወድኣን ልዕሊ 20 ዓመት ዕድመ ዝኾነ፣ ከምኡ እውን ንደረጃ ሓደ መጓዓዓዚ ህዝቢ ልዕሊ 22 ዓመትን 10ይ ክፍሊ ዝዛሙን ክኾን ከምዝግባእ ፀዲቑ፡፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክዝትይሉ ከም ዝፀንሓ ዝዝከር ምኻኑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡ 16/05/2010 ምዕሩይ ምሕደራ ሃፍቲ ብምርግጋፅ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ንምርግጋፅ ይሰርሕ ምህላው ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ንደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ስልጠና ሂቡ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ሕጊ ቤተሰብን ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ፣ፖሊሲ ስርዓት-ፆታ ኣብ ምርግጋፅ ማዕርነት ዘለዎ ኣበርክቶን ኦዲትን ስርዓት ፆታን ዝበሉ ጉዳያት ተላዒሎም ዝተዘተየሎም ኾይኑ ኣብተን ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ እውን ዕቤትን ግንዛበን ምፍጣሩ ተሓቢሩ፡፡ ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እውን ካብቲ ስልጠና ቁም ነገር ምርካበን ገሊፀን ይብል እቲ ቤት ፅሕፈት ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡ 16/05/2010 ኣብ ዙርያ ዘይሕጋዊ ሰደት፣ ሰራሕተኛን መስርሕን ኣፈፃፅማ መደባት ጥምረት ክንክን ማሕበረሰብን ኣድሂቡ ገምጋማዊ ስልጠና ከምዝተወሃበ ክፍለ ከተማ ሓድነት ገሊፁ፡፡ እቲ ዝተወሃበ ስልጠና ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት መስርሕን ፅቡቕ ርክብ ንምፍጣር ተሓሲቡ ምኻኑ ዝገለፃ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ኪኢላ ድጋፍን ጉዳይን ክትትልን ኤጀንሲታት ሰራሕተኛን መስርሕን ወይዘሮ ገብርኤላ ፀጋይ ውልቀ ትካላት ንሰራሕተኛ ግቡእ ክብሪ ብምሃብ ንዝበለፀ ውፅኢት ባይታ ክመቻቸው ዝኽእል ሰልጠና ምንባሩ ገሊፀን፡፡ ብተወሳኺ እውን ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ስደት ኣመልኪቱ ንመናእሰይ እውን ስልጠና ምውሃቡ ሓቢረን ይበል ኪኢላ ፕረስ ርክበ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ሓድነት ተክለማርያም ኣስመላሽ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡ 16/05/2010 ሕብረተሰብ ብፍቃደኝነት ዝገበሮ ልገሳ ደም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ለውጢ እኳ እንተሃለወ ምስ ዘሎ ጠለብ ግን እኹል ከምዘይኾነ ቤት ፅሕፈት ባንኪ ደም ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2010 ካብ ፍቃደኝነት ለገስቲ 5500 ዩኒት ደም ክእከብ ትልሚ ተታሒዙ ልዕሊ 4 ሽሕን 7 ሚኢትን ዩኒት ደም ከምዝተኣከበ ኣተሓባባሪት ግልጋሎት ባንኪ ደም ከተማ መቐለ ወይዘሮ ትንስኡ ግደይ ሓቢረን፡፡ ብድልየት ዝግበር ልገሳ ደም ህይወት ዝተጎድኡ ወገናት ዘድሕን ገዚፍ ተግባር ምኻኑ ዝሓበራ ወይዘሮ ትንስኡ ኣብ ዘበን ህይወትና ክንገብሮም ካብ ዝግብእና ዝዓበየ ዕግበት ሕልና ዝፈጥር ሰናይ ተግባር ምኻኑ ገሊፀን፡፡ ምብዛሕ ድንገተኛ ተሓከምቲ ሓደጋታት ትራፊክ ፣መተካእታ ኣብ እዋን ወሊድ ዝፈስስ ደምን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጠለብ ደም ይውስኽ ምህላው ዘዘኻኸራ ወይዘሮ ትንስኡ ነዚ ድልየት ደም ንምምላእ ተሳትፎ ደም ክልግሱ ዝኽእሉ ውልቀ ሰባትን ትካላትን እጃሞም ክዕዝዙ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር ነዚ ዕማም ንምዕዋት ብፍላይ ሓለፍቲ ትካላት ፣ኣብያተ ፅሕፈት ሓፂር ኣስተምህሮ ንምሃብን ደም ንምልጋስ ሕቶ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ቤት ዕዮኦም ክፍቲ ክገብሩን ኣብ ጎኒ ግልጋሎት ባንኪ ደም ጠጠው ክብሉን ተላብየን፡፡ 16/05/2010 ማእኸላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ /ብኣዴን/ ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣይተ ኣለምነው መኮነን እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ድሕሪ ዓሚቕ ተሃድሶ ዝመፀ ለውጥን ቀንዲ ዕንቅፋት መፃእን ከምዝፈትሾ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ገምጋም ምስፋሕ ዝተጀመረ ዓሚቕ ተሃድሶ፣ ብኣግባቡ ዘይተበፅሓሎም መሓውራት ምትእትታው ቀፃልነት ምርግጋፅን ከምኡ እውን ኩለ መዳያዊ ለውጢ ንምምፃእ ማእኸል ዝገበረ ስራሕ ንምስራሕ ዘኸእል ኣንፈት ከቕምጥ እዩ ኢሎም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብብርኪ ኢህወዴግ ዝተኻየደ ገምጋም ንብኣዴን ከመይ ከም ዝገለፆ ምፍታሕን እቲ ግንባር ንብሄራዊ ውድባት ክፍትሽኦ ኣለወን ኢሉ ዝሃቦ ኣንፈት መሰረት ጌሩ ዝርዝር ገምጋም ከም ዘካይድ ገሊፆም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዝካየድ መረፃ ኣብያተ ምኽሪ ወረዳን ጣብያን መማልኢ መረፃ ኣብያተ ምኽሪ ክልልን ተወከልቲ ህዝብን እውን ክዝቲ እዩ፡፡ ኣብቲ ገምጋም 22 ነበር ኣመራርሓ ብኣዴን እውን ኣብ ምስታፍ ይርከቡ፡፡

15/05/2010

ህንፀት መወሃሃዲ ፍርያት ሕርሻ ፖርክ ኢንድስትሪ ቡሬ ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ንምዝዛም ህንፀቱ ይሳለጥ ከም ዘሎ ተገሊፁ፡፡

ንህንፀት ፖርክ ኢንዳስትሪ ቡሬ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር በጀት ዝተመደበሉ ኮይኑ፣ህንፀት ካብ ዝጅምር ዛጊድ 11 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ እዩ፡፡ ኣብ 3 ምዕራፋት ተኸፋፊሉ ህንፀቱ እናቐፀለ ዘሎ እቲ ፖርክ ኢንዳስትሪ ህንፀት 1ይ ምዕራፍ ህንፀት 250 ሄክታር መሬት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፖርክ ኣይተ ዳኛቸው ኣስረስ፣ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ምድንጓይ ከም ዝነበረ ዝገለፁ ኮይኖም ሕዚ ብዝተመደበሉ ግዜ ይቀላጠፍ ምህላው ሓቢሮም፡፡ ኣብ ቐፅሪ እቲ ፖርክ ኢንዳስትሪ ዝርከቡ ውሽጣ ውሽጢ መንገድታትን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን እውን ይሳለጡ ምህላዎም ኣይተ ዳኛቸው ገሊፆም ይብል FBC፡፡

 ግዕዝይና ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካውያን ዘስዕቦ ፅልዋ ምክልኻል ዘኽእል ፖሊስን መርሃ ግብርን ክትግበር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይን ህፃውንትን ዘሕድሮ ፅልዋ ከመይ ምክልኻል ይካኣል ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ አዲስ ኣበባ ዘተ ተሳሊጡ፡፡ ኣብዛ ኣህጉር ዝርኣ ድኹም ምሕደራ መንቀሊ ግዕዝይና ምዃኑ ዝተሓበረ ኮይኑ፣እዚ ድማ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ከይረጋገፅ ዕንቅፋት ስለ ዝፈጥር ነዞም ፀገማት ዝፈትሕ ፖሊሲ ከም ዘድሊ ተሓቢሩ፡፡ ኣተሓባበርቲ እቲ ወፍሪ ሂስ ሂንደሬን ደርባን፣ግዕዝይና ንምቅላስ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ገበን ገዕዝይና ዝፍፅሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣብ ምግባር ክጠናከር ይግባእ ኢሎም፡፡ እዚ ንምሕጋዝ ድማ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተሪር ቅዋም ሒዞም ከም ዝቃለሱ ገሊፆም ይብል ኣግልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮሚያን ኢትዮ ሶማልያን ተፈጢሩ ብዘነበረ ዘይምርግጋዕ ካብ መንበሪኦም ንዝተመዛበሉ ወገናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ናውትን ምግብን ሓገዝ ከም ዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ፣ኣመራርሓ ዞባን ወረዳታትን ብምትሕብባር ዝተረኸበ ኮይኑ፣እቶም ካብ መንበሪ ከባቢኦም ዝተመዛበሉ ወገናት ክሳብ ዝጠናኸሩ ዝግበረሎም ደገፍን ክትትልን ከምዘየቋርፅ ገሊፆም፡፡ ኣብ ጊዜያዊ መንበሪ ዝርከቡ ወገናት ናብ መንበሪኦም ናይ ምምላስ ሰፋሕቲ ሕዚ እውን እናቐፀሉ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ኩለን ገጠር ወረዳታት ናብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ፓኬጅ ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ምኳኑ ተገሊፁ፡፡

ካብ ቀፃሊ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ 14 ወረዳታት ገጠር ተግባራዊ ዝግበር ኮይኑ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽፋን ጥዕና ኣብ ኩለን ወረዳታት ዝነብር ማሕበረሰብ 59 ሚኢታዊ ምብፅሑ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ናብ ተረባሕነት ዝሰጋገራ ወረዳታት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሰባት ተረባሕቲ ክኾኑ ትፅቢት ይግበር ተባሂሉ ከም FBC ዝፀብፀቦ፡፡

 ክቡር ሂወት ውዲ ሰብ ከይጠፍኣ ፀገማት ብሰለማዊ መንገዲ ምፍታሕ ንዘላቒ ሰላም ኣመራፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢሎም ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፡፡

እቶም ሚኒስተር ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ወልድያ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ንዝጠፍኣ ሂወት መንግስቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፆም፡፡ ዶክተር ነገሪ ሕቶታት ህዝቢ ብሰለማዊ መንገዲ ክቐርቡ ከም ዝግባእ ብምሕባር ኣካላት ፀጥታ እውን ሂወት ሰብ ከይጠፍኣን ኣካል ከይጎደለን ምርድዳእ ንምፍጣር እጃሞም ከበርክቱ ይግባእ ኢሎም፡፡ መንግስቲ ንምፍታሕ ተመሳሰልቲ ፀገማትን ሓለዋ ድሕንነት ህዝብን ዘለዎ ግቡእ ንምውፃእ ልዕልነት ሕጊ አብ ምርግጋፅ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍ ቢሲ፡፡

 ኣብ መበል 30 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብራት ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ ለወጢ እዛ ኣህጉር ዘረጋግፁ ውሳነታት ክውስኑ ትፅቢት ከም ዝግበር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገብዮህ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ዘረጋግፁ ሰርሓቲ ዲፕሎማሲ ከምትሰርሕ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ጉባኤ 6 መሰረታዊ መዛተይ ዛዕባታት ከም ዝተነፀሩ ገሊፆም፡፡ እቲ ሕብረት ካብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ንእዋናዊ ዛዕባታት ትኹረት ክገብር ዝሕግዝ መመሓየሺ እቲ ሕብረት እቲ ፈላሚ ዛዕባ እንትኾን ምምስራት ናፃ ዞባ ንግዲን ልምዓት ሕርሻን ከምኡ እውን ንኣፍሪካውን ናፃ ክልል ኣየር ክፍቀድ ዝብሉ ጉዳያት ካብ ትኹረት ዝግበረሎም ጉዳያት እዮም ኢሎም፡፡ እቶም መራሕቲ ኣብዛ ኣህጉር ዓብይ ክሳራ ኣብ ዘብፅሕ ዘሎ ግዕዝይናን ወፍሪ ኣንፃር ግዕዝይናን ከም ዝዝትዩ እውን ገሊፆም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

14/05/2010

ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝመራሕ ጉጅለ ልኡክ ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ንምስታፎ ናብ ስዊዘርላንድ ኣምሪሑ፡፡

እዚ መበል 48 ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ኢኮኖሚ ተስፋ ምፈጣር ብዝብል መርሕ ሓሳብ ከም ዝሳለጥ ተገሊፁ፡፡ ካብ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ብተወሳኺ ኣብቲ መደረኽ ዓለምና ዘጋጥምዋ ዘለው ፈተናታት ዝዝተየሎም እንትኳን ብፈላይ ንተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ትኹረት ከም ዝወሃብ ተሓቢሩ፡፡ ኢትዮጵያ ዝወከለ ጉጅለ ልኡክ ድማ ኣብ ሓበራውን ክልቲኣውን መድረኻት ተመያይጡ ዝሐሸ ዕድላት ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ዝፍጠረሉ ኩነታት ከመቻቹ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃበ ግለጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሓበሬታታት ብቅልጡፍ ተበፃሕቲ ዘይምኳኖም ስዒቡ መናእሰይ ንፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያታት ይቃልዑ ኣለው ተባሂሉ፡፡

እዚ ዝተገለፀ በዓል መዚ ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰናድኦ መድረክ ምይይጥ ኣካላት ሚዲያ እዩ፡፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ኣመላካኽታታትን ኣብ ምትእንጋድ እውን ክፍተት ከመዘለዎም ተሓቢሩ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ብቅልጡፍ ንመንእሰይ ዘይምቅራቡ ስዒቡ መንእሰይ ማሕበራዊ ሚዲያታት ከም ቀንዲ ፍልፍል ሓበሬታ ገይሮም ይጥቀሙ ምህላዎም ኣብቲ መድረክ ዝተገለፀ ኮይኑ እዚ ድማ ግጉይ ሓበሬታ ናብ ማሕበረሰብ ከባፅሕ ምክንያት ይኾን ኣሎ ተባሂሉ፡፡ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ኮርንሬሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤል ኣዳሙ ዓቅሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገርና ውሱን ብምኳኑ፣ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምህላውን ካልኦት ምኽንያታትን ነዚ ፀገም ከም ቀንዲ ምኽንያት ይኾን ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሴክሬታርያት በይነ መንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ንህንፀት ንዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 150 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ድጋፍ ጌራ፡፡

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ውህደት ዞባዊ ኢኮኖሚ ዘለዎ እጃም ዝተረደኣ ኢጋድ 250 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ንክህብ ቃል ዝኣተወ ኮይኑ ብመሰረት ቃሉ 150 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ እንትህብ ዝተፈረ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ከም ዘርከብ ገሊፁ፡፡ ኣብቲ እዋን ውህብቶ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኢንጅነር ማህበብ ሙዓሊም ተረኺቦም እዮም፡፡ ፍሉይ ልኡኽ ኢፌድሪ ኣብ ጅቡትን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ሸሜብ ፈታሞ ንድጋፍ ኢጋድ ኣመስጊኖም ክሳብ ምዝዛም እቲ ግድብ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ኢጋድ ክቓፅል ዘለዎም እምነት ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቓል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሓቢሩ፡፡

 መበል 30 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብብርኪ ቀወምቲ ተወከልቲ፣ ኣብ አዲስ ኣበባ ተጀሚሩ፡፡

ኣብ መበል 35 ኣኼባ ቀወምቲ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪካ ኣቦወንበር ሕብራት ኣፍሪካ ሙሃ ፋቂ፣ ኣምባሳደራትን ቀወምቲ ልኡኻትን ኣብቲ ሕብረት ተራኺቦም እዮም፡፡ እቶም ተኣከብቲ ብብርኪ መራሕቲ ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ንዝካየድ ኣጀንዳ ዘዳልው ኾይኖም ቅድሚ ናብቶም መራሕቲ ምቅራቡ ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሕብረት ክግምገም እዩ፡፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ምስ ተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ብዕሊ ክጅመር እዩ፡፡ ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከብሉ እቲ ጉባኤ ንመሰረታዊ ለውጢ ኣፍረካ ዘላቒ ወፍሪ ፀረግዕዝይና ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ እዩ ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 ኣብ ከተማ ወልድያ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ዜጋታት ምሕላፉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሓይልታት ፀጥታ ጎንፂ ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ስራሕቲ ምርግጋዕ እናሳለጡ ምህላዎምን መንግስቲ እውን እቲ ኩነታት ብቅርበት ይከታተሎ ምህላው ገሊፆም፡፡ ሰላም እታ ከተማ ንምርግጋፅ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ብሓባር ይስራሕ ምህላው ዝገለፁ ኣይተ ገዱ እንዳርጋቸው ነባሪ እታ ከተማ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኪሩ ክቅፅል ፀዊዓም፡፡ እቲ ጎንፂ ብዘላቅነት ንምፍታሕን ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ሕቶታትን ንምምላስ ብሃገርን ክልልን ብርኪ ዝተትሓዙ ትልምታን ንምፍፃም ከም ዝስራሕ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ገዱ እንዳርጋቸው ገሊፆም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 ግልጋሎት ከይህብ ዝተወሰነሉ ፀረ-ባልዕ ዲዲት ካብ ሃገርና ንምውጋድ ይስራሕ ምህላው ሚኒስቴር ከባቢ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ፀረ- ባልዐ ንምክልኻል ሕማም ዓሶ ግለጋሎት እናሃበ ዝፀንሐ ምኳኑ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር ዝሐሸ መካላኸሊ ብምርካቡ እቲ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ዝነበረ ፀረ-ባልዕ ክውገድ ከምዝተወሰነ ገሊፁ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ልዕሊ 1ሽሕን 400 ሜትሪክ ቶን ፀረ-ባልዕ ዲዲት ብጥነቃቀ ንምውጋድ ዘኽእሎላ ምንቅስቓስ ይሰለጥ ኣሎ፡፡ እቲ ፀረ-ባልዕ ንምውጋድ 3 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልን ኣብ ውሽጢ 7 ዓመት ከም ዝዛዘመን ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት ኣስፓልት ብቅልጡፍ ንምዝዛም ይስራሕ ምህላው ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ፡፡

74 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ህንፀት መንገዲ ኣስፓልት ኣብ ከተማና ይሳለጥ ምህላው ዝገለፀ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ስፍሓት እቶም መንገዲታት ድማ ካብ 30 ክሳብ 40 ሜትር ምኳኑ ተገሊፁ፡፡ ብልዕሊ 1ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ዝሳለጥ ዘሎ እዚ ህንፀት መንገዲ ኣስፓልት በጀቱ ብመንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳርን ከተማ ይሽፈን፡፡ ህንፀቶም ዝሳለጡ ዘለው መንገዲታት ስርሖም እንትዛዘም ምንቅስቃስ ትራፊክ ከተማና ካብ ምስላጥ ብተወሳኺ ዓብይ ኢኮኖምያዊ ረብሓ ክህልዎም ትፅቢት ይግበር፡፡

10/05/2010

በብ ዓመቱ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ዝርከበሉ ዘፈር ቱርዝም ዘመሓድር ኣዋጅ የለን ተባሂሉ፡፡ ነዚ ዘፈር ምምራሕ ዘኽእል ፖሊሲን ስተራቴጂን ኣብ 2001 ዓ/ም ፀዲቑ ምንባሩን ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ተግበራዊ ከም ዘይተገበረን እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፡፡

ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ብወገኑ ነዚ ዘፈር ምምራሕ ዘኽእል ኣዋጅ ልምዓት ቱሪዝም እናዳለወ ዳይሬክተር ክፍሊ ሕጊ እቲ ሚኒስተር ኣይተ በላቸው ድሪባ ከም ዝበልዎ ድማ እቲ ፖሊሲ ንምፅዳቅን ኣዋጅ ልምዓት ቱሪዝም ንምድላውን ካብ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከም ዝፀንሑ ሓቢሮም፡፡ ነዚ ኣዋጅ ንምድላው ሰለስተ መፅናዕትታት ምክያዶም ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር ኣብ ጉዳያት ስነ ምግባር ኣተሓሕዛ ተበፃሕቲ ከባቢታትን መሓውር ኣካላት ድሕንነትን ትኹረት ከም ዝገበረ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 ንበዓል ጥምቀትን ንመበል 30 ጉባኤ መራሕቲ ሕብራት ኣፍሪካን ምድላዋት ስራሕቲ ፀጥታ ከም ዝተገበረ ኮማንድ ፖስት ስሩዕ ፀጥታ ኮምሽን ፖሊስ ፌደሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

በዓል ጥምቀት ኮነ ጉባኤ እቲ ሕብረት በብዓመቱ እንትካየድ ህዝቢ ምስ ፀጥታ ኣካላት ተሓባቢሩ ብምስርሑ ብሰላም ክዛዘም ክገብር ምፅንሑ እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ መግሊፂኡ ኣመልኪቱ እዩ፡፡ እቲ መግለፂ ሰላምን ፅቡቅ ምስሊ ሃገርና ዘይደልዩ ናይ ውሽጥን ወፃኢን ሓይልታት ዕንቅፋት ንምፍጣር ካብ ምሕሳብ ከም ዘይተቆቡ ኣዘኻኺሩ ኣሎ፡፡ እቲ ስነ ፀጥታ ኮማንድ ፖስት እቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ትልሚ ብምድላው ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምውፋር ስራሕ ከም ዝርከብ ገሊፁ፡፡ በዓል ጥምቀትን ጉባኤ መራሕቲ ሕብራትን ንኽዕውት ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምዃን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኮማንድ ፖሊስ ፃዊዒት ኣቕሪቡ ፀብፃብ FBC፡፡

 ትማሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሞጀም ኣብ ዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ናይ 8 ሰባት ሂወት ከም ዝሓለፈ መምረሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ሞንታ ስስ ከተማ ግንደወይን ተበጊሱ ናብ መርጠለማርያም ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ፡፡ እቲ ሓደጋ ሰላት 11 ተሽከርካሪ ብፍጥነት ኣብ ዝተጓዓዘሉ እዋን ጉማ ፈንዲኡ ብምግልባጡ እዩ፡፡ በቲ ሓደጋ ሂወት 8ተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ዝሓለፈ ኾይኑ ከቢድ ጉድኣት ካብ 6ተ ሰባት ከምኡ እውን ቀሊል መጉዳእቲ ከም ዘብፀሐ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን እቲ መምርሒ ፖሊስ ኢንስፔክተር ምበዜ ይፍራው ከም ዝገለፅዎ ጉድኣተ ዝበፅሖም ሰባት ኣብ ሆስፒታል እቲ ዞባ ሕክምና ይግበረሎም ምህላው ዝገለፁ ኾይኖም ኣሽከርከርቲ ሕጊ ትራፊክ ኣኽቢሮም ብምግናሕ ሓላፋነቶም ክዋፅኡ ይግባአ ኢሎም ይብል ፀብፃበ ኢዜኣ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብዱልፈታህ ኣልሲሲ ኣብ ክልቲኣውን ካልኦት ዘባውን ጉዳያት ተዛትዮም፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ግብፂ እዮም ዘትዮም፡፡ ጎና ጎኒ ዘተ እቶም መራሕቲ ፣ኣኼባ መራሕቲ ሓበራዊ ኮምሽን ክልቲኤን ሃገራት እናተኻየደ እዩ፡፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ስምምዕነት ሰነዳት ከም ዘፈራረሙን ሓበራዊ መግለፂ ከም ዝህቡ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኢትዮጵያ ግብፅን ሓበራዊ ኮምሽን ኣኼባ ንክሳተፉ ትማሊ ናብ ካይሮ ምምርሖም ይፍለጥ እዩ ይብል ፀብፃብ ኢዜኣ፡፡

 ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ነቲ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት 14 ቢልዮን ብር ተወሳኺ በጀት ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ሎመዓንቲ ኣብ ዘካየዶ 9ይ ህፁፅ ጉባኤ ኣብ ተወሳኺ በጀት 2010 ዓ/ምን 3ረቒቅ ኣዋጅን ተመያይጡ ውሳነ ኣሐሊፉ፡፡ እቲ ተወሳኺ በጀት ንምክልኻልን ምጥያሽን ተመዛበልቲ ሰብ ስራሕን ተፈጥራውን ሓደጋታት ንክፍሊት ዝተፈረ ተዘዋዋሪ ፈንድ መናእሰይ ፣ከምኡ እውን ንምዕባይ ዓቕሚ ቅብላ 11 ሓደሽቲ ዩንቨርስታትን ምቅልጣፍ ድጅታል ቴልቭዥንን ዝውል ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ በጀት ዓመት ክፍፁሙ ንዝተተሓዙ ሽቶታት ንምዕዋት ዕንቅፋት ዘጋጠመን ኣብያተ ዕዮ ዝውዕል ምዃኑ ገሊፁ፡፡ በዚ መሰረት ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝርከብ ኣታዊ 14 ቢልዮን ብር ንስሩዕ ወፃኢታት ክብጀት ኣፅዲቑ፡፡ መንግስቲ ምስ ባንኪ ዓለም፣ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ዝገበሮም ስምምዓት ልቓሕ ዘትዩ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ክፅድቕ መሪሑ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ኣብ ክልልና 125 ኪሎ ሜትር ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ንክስራሕ ኣብ ምድላዋት ከም ዝረከብ በዓል መዚ መንገዲ ኢትዩጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ዳይሮክተሬት ኮምዩኒኬሽን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሳምሶም ወንድሙ ንህንፀት እቲ መንገዲ ካብ መንግስቲ ፌደራል 2 ነጥቢ 2 ቢልየን ብር በጀት ተመዲቡ ኣሎ ኢሎም፡፡ እቲ ዝህነፅ መንገዲ ካብ ውቕሮ ናብ ኣብርሃ ኣፅባሃ ነበለት ማይ ቅነጣል ዘራኽብ እዩ ተባሂሉ፡፡ ህንፀት እቲ መንገዲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ዓመት ተዛዚሙ ግልጋሎት ክህብ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሳምሶም ህንፀት እቲ መንዲ ብፅሬትን ቅልጣፈን ክህልዎ መንግስቲ ክልልና ድጋፍ ክገብር ከም ዝግባእ ተዛሪቦም፡፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት መንግድን መጓዓዝያን ወረዳ ወርዒ ለኸ ኣይተ ግደይ ተኽሉ ብወገኖም ህንፀት እቲ መንገዲ ክጅመር ካብ ዝበሃል ግዘ ዝደንጎየ ብምኳኑ ቁልጡፍ ንክጅመር ሓቲቶም፡፡ እቲ መንገዲ ዝተኾናተረ ሱር ኮንስትራክሽን እንትኸውን እቲ ትካል ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ታደሰ የማነ ትካሎም እቲ መንገዲ ንምህናፅ ምስ መንግስቲ ፌደራል ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ምፍርራሞም ገሊፆም፡፡ ብዝተፈራረምዎ ውዕሊ መሰረት ኣብ ዝተተሓዘሉ ግዘ ተጠናቒቑ ንከረክብ ኣብ ዘሕዚ እዋን ከቢድቲ ማሽነሪታት ናብቲ ቦታ ብምእታው እናሰርሑ ከም ዘሎ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኢዜኣ፡፡

09/05/2010

ምድሪ ባቡር ኢትዮጰያ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝረኸቦ ሓገዝ 373 ሚሊየን ዩዋን ኣካዳሚ ባቡር ከም ዝሃንፅ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣካዳሚ ባቡር ፍልጠት ትራንስፖርት ኣብ ምዕባይን በቲ ዘፈር ዝስልጠኑ ብቑዓት በዓል ሞያታት ኣብ ምፍራይን ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንጎረቤት ሃገራት እውን ስልጠና ከም ዝህብ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ኣካዳሚ ኮርፕሬሽን ባቡር ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብይ ጌታቸው ገሊፆም፡፡ ኣብ ከተማ ቢሾይቱ ዝህነፅ እዚ ትካል ህንፀቱ ንምውጋን ዘድሊ ገንዘብ ልዕሊ 373 ነጥቢ 15 ሚልዮን ዮኣን ክኸውን እንከሎ ህንፀቱ መስከረም 2011 ዓ/ም ጅክመር እዩ፡፡ እቲ ኣካዳሚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመተ ተዛዚሙ 2013 ዓ/ም ስራሕ ጅክምር እዩ ክብል ማእከል ሓበሬታ ዋልታ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያ ሶማሊ ላንድን ተወሰኽቲ ወደባት ብሓባር ብምልማዕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን፡፡

ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ብምጥቃም ቁጠባዊ ዓቕሚ ምዕባይ ከም ትደሊ ዝገለፁ ቀደማይ ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብቲ ወደብ ዘብፅሑ መንገድታት ብምልማዕን ካልኦት ተወሰኽቲ ወደባት ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእሉ ስራሕቲ ከም ዝሰርሑ ገሊፆም፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ፣ኣብቲ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝረኣ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ሓገዝ ከም እትገብር ኣፍሊጦም፡፡ ፕረዚደንት ሶማሊ ላንድ ሙሴ ባሂ ኣብዲ ብወገኖም፣ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘለዎ ርክብ ከጠናኽሩ ከም ዝድልዩ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ FBC ፡፡

  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ መንገዲ ኣየር ዛምቢያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ ምፍርራሙ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደብርሃን ገ/ማርያም እቲ ሐዚ ዝተፈፀመ ስምምዕ ኣብ 2025 ዓ/ም ኣብ ኣፍሪካ ቅድሚት ዝስራዕ መንገዲ ኣየር ንምግባር ምስ ዝተትሓዘ ትልሚ እንትነፃፀር ውፅኢታዊ እዩ ኢሎም፡፡ ምስ እዚ ብተወሳኺ ኣብ ዛምብያን ደቡብ ኣፍሪካን ዘለው ርክብ መንገድታት ንምስፋሕ፣ፍሰት ኢንቨስትመንትን ቁጠባዊ ዕብየት ንምጥንኻርን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ መንገዲ ኣየር ዝሓሸ ዝበሃል ትካል ኮይኑ፣ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብማእኸላይ 25 ሚኢታዊ ዕብየት ከም ዘርኣየ ተገሊፁ ይብል ኢዜኣ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ግብፂ ዝካየድ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስተራት ንምስታፍ ካይሮ ኣትዮም፡፡

ኣብ ግብፂ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብደልፈታህ ኣልሲሲ ክልቲኣዊ ጉዳያት ክዝትዩ እዩም፡፡ ቅድሚ 3 ዓመታት ዝተኻየደ 5ይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ኣብ ትምህርቲ፣ሕርሻን ጥዕናን ንምስራሕ ዘሕልፍዎም ውሳነታት ተግባራውቶም እንታይ ከመ ዝመስል እውን ኣብቲ ምይይጥ ክዝተየሉ እዩ ተባሂሉ ፡፡ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ግብፂ ብብብርኪ ኣመራርሓ 10 ጥሪ 2010 ዓ/ም ኣብ ካይሮ ክሳለጥ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ FBC፡፡ 

 ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅሉ ክልተ ዓመታት ስሉጥ ምዕባለ ምምዝጋባ ከም ትቅፅል ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመላኺቱ፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ 2018 ዓ.ም.ፈ ዓለምና ዝህልዎ ኩነታት ኢኮኖሚ ዝትንቢ መፅናዕቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ፀብፃበ እዩ እዚ ዝገለፀ፡፡ ዝርግሐ መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንትን ቢዝነስን ክዓቢ ምክንያት ይኳን ምሀላው ዝገለፀ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውልቀ ኢኮኖሚ እውን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ከም ዝቅፅል ተሓቢሩ፡፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ዝቅፅሉ ክልተ ዓመታት ብዝተናከረ መልክዑ ፈስስ ክግበር ትፅቢት ከም ዘሎ ዝተጠቀሰ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር ይብል ውድብ ሕቡራት መንግስታተ ገሊፁ ይብል ፀብፃበ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

07/05/2010

ቀደማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግብፂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከሳልጡ እዮም፡፡

ንተከታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕ ዑደቶም ምስ ፕሬዝደንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም፡፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቶም ፖርላማ ግብፂ ቀሪቦም ንግግር ከም ዝገብሩ ኣል ማስሪ ዝተብሃለ ማእከል ሓበሬታ ግብፂ ገሊፁ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዑደቶም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሓዊስካ ካልኦት ዓበይቲ ሰብ መዚ ከም ዝሳተፈ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሻኩሬ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም ምንባሮም ዝዝከር ምኳኑ ፀብፃብ ኢጅብት ኢንዲ ፕንደንት የመላክት፡፡

 ኣብ ኩባ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናሳለጡ ዝቀነዩ ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሹመ ፃንሒቶም ዛዚሞም ተመሊሶም፡፡

እቲ ዑደት ርክብ ኢትዮጵያን ኩባን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዝሰጋግር ምኳኑ እውን ተሓቢሩ፡፡ ኢትዮጵያ ኩባን ዝበፅሕኦም ስምምዕነታት ተግባራዊ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምችው ባይታ ዝፈጥሩ ምኳኖም ድማ ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሹመ ድሕሪ እቲ ዑደት ገሊፆም፡፡ ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሹመ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዝደንት ኩባ ራውል ካስተሮ ሓዊሱ ምስ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሰብ መዚ ኩባ ተራኺቦም ኣብ ኢኮኖምያዊን ማሕበራውን ጉዳያት ምዝታዮም EBC ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ኢትዮ ሶማሌ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ብንቅሓት ምስታፎም ከም ዝቅፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ምስ ላዕለዎት ሰበ መዚ ክልል ኢትዮ ሶማልን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካን ሓበራዊ ምይይጥ ኣካይዶም፡፡ ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ምፅንሖም ብምግላፅ ካልኦት ናብዚ ስራሕ ብምእታው ክንቀሳቀሱ ፀዊዖም፡፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ብወገኖም ኣብ ልምዓት ሃገር ብንቅሓት ከም ዝሳተፉ ገሊፆም ይብል EBC ዝውፅኦ ሓበሬታ፡፡

 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ መንግስቲ ትኩረት ሂቡ ይሰርሕ ምህላው ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እዚ ዝገለፁ ኣብ ቀረባ ህንፀቱ ዝተዛዘመ ዩኒቨርስቲ እንጅባራ መሪቆም ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን እዩ፡፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተሃኒፀን ስራሕ ምጅማረን ዝፀረሑ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሕዚ እውን መንግስቲ ተበፃሕነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰግር ይሰርሕ ምህላው ሓቢሮም፡፡ ኣብ ከባቢ ዩኒቨርስታት ዝነብር ማሕበረሰብ ድማ ንተምሃሮ እተን ዩኒቨርስቲታት ከም ደቂ ክሕብሕብ ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ፕሬዝደንት ሱዳን ኣሚር ኣል በሽር ኣብ ክልቲኣውን ከባብያውን ጉዳያት ምዝታዮም ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሱዳን እንትኣትው ብላዕለዎት ሰበ መዚ ሱዳንን ኣመባሳደር ኢትዮጵያን ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገበረሎም ተሓቢሩ፡፡ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ምስ ፕሬዝደንት ኣሚር ኣል በሽር ዝተራኸቡ ዶክተር ወርቅነህ ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ትሕብብር ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከሰጋገራ ከም ዘለወን ገሊፆም፡፡ ፕሬዝደንት ኣሚር ኣል በሽር ብወገኖም ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብምዕባይ ተጠቃምነት ህዝብታት ከረጋግፃ ኣለወን ምባሎም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፀሪሑ FBC ፀብፂቡ፡፡

 መጠን ወሊድ ኣብ ገዛ ናብ ባዶ ንምውራድ ፃዕሪ ይገብር ከም ዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ብዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ፅቡቅ ውፅኢት ከም ዝተረኸበ ዝገለፀ እቲ ቢሮ ብቀፃልነት መጠን ወሊድ ኣብ ገዛ ባዶ ንምብፃሕ ይስራሕ ምህላው ሓቢሩ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ 2003 ዓ/ም ኣብ ጥዕና ጣብያ ዝወልዳ ኣዴታት 7 ሚኢታዊ ጥራሕ ምንባረን ዝተገለፀ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 70 ሚኢታዊ ምዕባዩ ሓበሬታቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ የመላክት፡፡ ሽፋን ግለጋሎት ጥዕና ብምዕባይን ዝሳልጠና ሓይሊ ሰብ ብስፍሓት ናብ ስራሕ ብምእታወን ውሕስንኡ ዝተረጋገፀ ግልጋሎት ወሊድ ክህሉ ይስራሕ ምህላው ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝመፀና ሓበሬታ የመላክት፡፡

04/05/2010

ኢጋድ ሰላምን ፀጥታን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምርግፅ ዝሰርሖም ስራሕቲ ፀጥታ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ብፍላይ ድማ ሶማልያ ካብ ራዕዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ነፃ ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ሰበኸሳግም ዝህልዎም ግደ ልዑል አዩ ተባሂሉ፡፡ ኣልሸባብ ሰላም ሶማልያ ንምህዋኽ ዝሓንፀፀም ኣጀንደታት ራዕዲ ከመይ ምክልኻል ከም ዝከኣልን ሰላም እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ስልጠና ከም ዝውሃብ ዳይሬክተር ሰላምን ፀጥታን ኢጋድ ኮማንደር ኣበበ ሙሉነህ ገሊፆም፡፡ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝኾና ኢትዮጵያ፣ሶማልያ፣ጅቡቲ፣ኬንያ፣ሲዳን ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ሰላም እቲ ዞባ ንምሕላው ተቐራሪበን ክሰርሓ ምዃነን ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ዶብ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጢሮም ብዝነበሩ ፀገማት ፀጥታ ካብ መንበሪ ኣባይቆም ንዝተመዛበሉ ወገናት ልዕሊ 400 ሽሕ ብር ግምት ዘለዎም ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ሓገዝ ቀሪብሎም፡፡ ነዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ኣብቲ ዝርከቡ ነጋዶ፣ትካላት ጥዕናን ሃይማኖታትን እዮም ተባሂሉ፡፡ እቲ ዝተጀመረ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ እውን እቶም ሰብ ሃፍትን መራሕቲ ሃይማኖትን ገሊፆም ይብል ኢዜኣ፡፡

 ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ንዕብየት እታ ከተማ ዝሕግዝን ን10 ዓመታት ዘገልግል ሓዱሽ ማስተር ፕላን ምድላው ተጀሚሩ፡፡

ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኣይተ ተስፋዮ ኪዳነ፣ እቲ ሓዱሽ ማስተር ፕላን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ቅድመ ምድላዋት እናተገበረሉ ምዃኑ ዝሓበሩ ኮይኖም ኣድላይነት እቲ ማስተር ፕላን መብዛሕትኡ ክፋል ከተማ ማይጨው ንሓምለዋይ ከባቢ ዝተኸለለ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዕብየት እታ ከተማ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ምኳኑ ሓቢሮም፡፡ ነዚ መተግበሪ ዝውዕል ድማ መንግስቲ ክልል ትግራይ 3 ሚልዮን ገንዘብ ምምዳቡ ኢዜኣ ፀብፂቡ፡፡

 ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ፖሪስ ዳግም ክትምለስ ከም እትኽእል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ስምምዕ ኣሜሪካ ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት ዝርኢ እንትኾይኑ ጥራሕ እዩ ክሳተፍ ተባሂሉ፡፡ ስምምዕ ፖሪስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንኣሜሪካ ሕማቕ ዜና እዩ ዝብሉ ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ ሐዚ ዘረበኦም ብምልስላስ ኣብቲ ስምምዕ ዝኾነ ፀገም ከም ዘይብሎም ሓቢሮም፡፡ እቶም ፕረዚደንት እዚ ይበሉ እምበር፣ምምሕዳር ከተማ ኒውዮርክ እታ ሃገር ኣብ መላእ ዓለም ሙቐት ክውስኽ ፅዕንቶ የሕድሩ እዮም ዝተብሃሉ 5 ትካላት ነዳዲ ብርክት ዝበለ ቢልዮን ዶላር ከቕፅዕ ዝኽእል ክሲ ከም ዝምስርት ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ EBC፡፡

 ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ዝቐረበ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ መልሲ ይረክብ ከም ዘሎ መናእሰይ እቲ ወረዳ ገሊፆም፡፡

እቶም መናእሰይ ኣብዚ ሰሙን ንልዕሊ ሓደ ሽሕ መናእሰይ ንመንበሪ ኣባይቲ ዝውዕል መሬት ከም ዝተዓደለ ዝሓበሩ ኮይኖም፣ቅድሚ 3ተ ዓመታት ዝቐረበ ሕቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንድስትሪን እቲ ወረዳ ኣይተ ኣረጋዊ ገ/ኪዳን ብወገኖም፣ኣብዚ ዓመት ን6ሽሕ መናእሰይ ክዕደል ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ገፀር ወረዳታት ዝተጀመረ ዕደላ መንበሪ ኣባይቲ ዛጊድ ልዕሊ 115 ሽሕ መናእሰይ ተረባሕቲ ገይሩ ተባሂሉ ግልጋሎት ዜና ኢትዩጵያ ከም ዝፀብፀቦ፡፡

 ኢትዮጵያ ነርወይን ኣብ ስደተኛታት ዝበፅሑ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪመን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ክንግስን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመፀ ስደተኛታት እትገብሮ ዕቑባ ዘመስገኑ ሰበ ስልጣናት ነርወይ ሐዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሓባቢሮም ከሰርሑ ምዃኖም ሓቢሮም፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ዘይሕጋዊ መዘዋወርቲ ደቂ ሰባት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብን ተዛመድቲ ስራሕትን ብሓባር ክሰረሑ ምዃኖም ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስተር ጉዳያተ ወፃኢ ሃገርና ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ንምምላስን ንዝበለፀ ለውጢን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ኣቦ መንበር ህውሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡

7ይ ኮንፈረንስ ህወሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና፣ ወኪላት መሓዙትን ኣሓትን ውድባት ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ፡፡

ንተወሳኪ ብድምፂ ይስምዑ

02052010

ፖን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ኣብ 2012 ዓ/ም ትምህርቲ ንምጅማር እናሰርሐ ምዃኑ መተሓባበሪ ኮሚቴ ምስረታ እቲ ዩኒቨርስቲ ገሊፁ፡፡

ኣባላት መተሓባበሪ ኮሚቴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ክልልና 150 ሄክታር መሬት ተረኪቦም ስራሕቲ ዲዛይንን መስተር ፕላንን እናተጠናቐቐ ምኳኑ ኣፍሊጦም፡፡ ከይዲ ስራሕን ቀፃሊ ህንፀትን እቲ ዮኒቨርስቲ ዕላምኡ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ንምግባር ሃገር ለኸ ጉባኤ ዕለት 7ን 8ን ኣብ ሸራተን አዲስ ከም ዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ዓወት ዓድዋ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምርግጋፅ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንነፃነት ኣፍሪካ መሰረት ዘንበረ ብምኳኑ እቲ ዩኒቨርስቲ እዚ ታሪኽ ንወለዶ ንምምሕልላፍ ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቕ ምርምር ንምግባር ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ፖን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገርና ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒን ሚያዝያ 16/2009 እምነ ኹርናዕ ኣንቢሮም ምንባሮም ይዝከር ይብል ፀብፃብ EBC፡፡

 ኣብ አዲስ ኣበባ ኩሎም ትካላት ሕክምና ኩላሊት ኣብ ሓደ ቦታ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል ማእኸል ከጣየሽ ምዃኑ ምኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ዝመፀ ሕማም ኩላሊት ኣብ ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ሕክምና ዘድልዮም ቁፅሪ ሕሙማት 60 ሽሕ ምብፅሑ መረዳእታ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና የመላክት፡፡ ኣብቲ ሚኒስተር ተወካሊ ዳይሬክተር ግልጋሎት ክሊኒክ ዶክተር ይበልጣል መኮነን ሕክመና ዘድልዮም ዜጋታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይመፅእ ምህላው ተዛሪቦም፡፡ ሕክምና ንዘድልዩ ዜጋታት ድማ ዝተማልኣ ግልጋሎት ሕክምና ኩላሊት ንክረኸቡ ሓይሊ ሰብ ብምውዳብ ብሓገዝ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኳታርን ኣብ አዲስ አበባ ብ14 ሚልየን ብር ወፃኢ እቲ ማእኸል ንከጣየሽ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም፡፡ ብተወሳኺ 50 መውሃቢ ሕፅበት ኩላሊት ማእኸላትን ኣብ ሆስፒታላት ዩኒቨርስትን ክልላትን ንምስፍሕፋሕ እናተሰረሐ ምዃኑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ FBC ንኢዜኣ ፀሪሑ ኣብ ዘወፅኦ ሓበሬታ፡፡

 ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዘሎ ተሞክሮ ውዳበ ፎረም ሰላም ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ክጋፋሕ ይግባእ ኢሉ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ፡፡

 

  ዩኒቨርሰቲ አዲሰ አበባ ብ10 ሚልዮን ዝዓደጎ ሰማርት ሰሌዳ ዝተብሃለ ንመምሃሪ ዝውዕል ውፅኢት ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕ ኣወዒሉ፡፡

ኣብ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ ዳይሬክተር ኣይሲቲ ኣይተ ዩሴፍ ሽፈራው እቲ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ፃዕዳን ፀሊምን ሰሌዳ ከምኡ እውን ናይ ፕሮጀክተራት ሰክሪናት ሙሉእ ብሙሉእ ዝትክእ እዩ ኢሎም፡፡ ምሰ እዚ ብተወሳኺ ምስ ኢንቴርኔት ብምትሕሓዝ ዝደለናዮ ግልጋሎት ምስልን ድምፅን ምጥቃም ዘኽእል ኮይኑ ዘመናዊ ከይዲ ምመሃር ምስትምሃር ዘጠናኽር እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብቲ ዩኒቨርስቲ 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ 2ይን 3ይን ዲግሪ ኣብ መምሃሪ ክፍልታት ከም ዝተኣታቶ ምክትል ፕረዚደንት ኣካዳሚክ እቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ጄይሉ ኡመር ሓቢሮም ይብል EBC፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዝነበረ ልዕሊ 7 ሚልዮን ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ናብ ካዝና መንግስቲ ክምለስ ከም ዝገበረ ኮሚሽን ስነ ምግባርነ ፀረ-ግዕዝይናን ከልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ገንዘብ ክምለስ ዝተገበረ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ብዝተገበረ ናይ ሕጊ ክትትል እንትኸውን ካብዚ ተወሳኺ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኮረም ኣብ 175 ካሬ ሜትር ዝተሃነፀ ህንፃ፣ኣብ ዞባ ማእኸል ከተማ ዓድዋ ብዘይ ኣገባበ ተወሲዱ ዝነበረ 637 ካሬ ሜትር ናብ መንግስቲ ከም ዝተመለሰ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ንውልቀ ረብሕኦም ካብ ዘውዓሉ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ 15 ዓመታት ማእሰርትን ከምኡ እውን ካብ ብር 150 ክሳብ 120 ሽሕ ገንዘብ ዝተቀፅዑ ኮይኖም፣ብሓፈሻ ልዕሊ 411 ሽሕ ገንዘብ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ከም ዝገበረ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ፡፡

02/05/2010

ንዝተፈላለዩ ወልፍታት ምኽንያት ዝኾኑ ትካላት ንግዲ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝህልዎም ርሕቐት ዝውስን መምርሒ ከም ዝተዳለወ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ጥቓ ላዕለዎት ትካላት ምህርቲ ተምሃሮ ንዘይተደለዩ ወልፍታት ክቃልዑን ባህሊ ምዕራባውያን ብዓብላልነት ክሰፋሕፍሑ ዕድል ዝፈጥሩ ትካላት ንግዲ እናተሰፋሕፍሑ ምምፅኦም ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር እቲ ሐዚ ዝተዳለወ መምርሒ ነዞም ፀገማት ንምንካይን ንምቁፅፃርን ዝሕግዝ እዩ ኢሉ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ዘይተደለዩ ወልፍታት ናይ ምእታው ዕድሎም ልዑል ስለ ዝኸውን ኣብ ጥቓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ መሽጢ መዐወኒ ሓሽሻትን ካልኦት ትካላት ንግዲን ካብ ኣወሃህባ ፍቓድ ንግዲ ጀሚሩ ክፍተሽ ይግባእ ኢሉ FBC ከም ዝፀብፀቦ፡፡

ኣብ ቤት ህንፀት ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ህንፀት ሱዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያወያን ንዝተፈላለዩ ምንግልታዓት ይቃልዑ ኣለው ተባሂሎም ዝተናፈሱ ሓበሬታታት ሓሶት ምዃኖም እቲ ኤምባሲ ገሊፁ ፡፡ ገበን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥርጡራት ንገዚኡ ኣብ ቤት ህንፀት ዝፀንሑ ከም ዘለው ዝተሓበረ ኮይኑ፣እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ኣዘኻኪሩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከባቢ 600 ዝኾኑ ፍርደኛታት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኮይኖም፣ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ኢትዮጵያውያን ደማ ኣብ ጊዜያዊ መፅንሒ ኮይኖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሪገኦም ኣብ ምፅባይ ከም ዝርከቡ ገሊፁ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኢትዮጵያ ኩባን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ገሊፀን፡፡

ኣብ ኩባ ዑደት ዝገብሩ ዘለው ፕረዚደንት ኢፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሹመ ምስ ፕረዚደንት ኩባ ራውል ካስትሮ ዝተመያየጡ ኾይኖም መንግስቲ ኩባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ክልቲኦም ፕረዚደንት ኣብ ክልትኣዊ፣ ፖለቲካን ኣብ ካልኦት ዘፈራትን ተሓባቢሮም ከም ዝሰርሑ ተገሊፁ፡፡ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሹመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርዎ ዑደት ኩባ ኣብ መቃብር ሰብ ስልጣን ጀጋኑን እታ ሃገር ተረኺቦም ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም እዮም፡፡ እቶም ፕረዚደንት ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያ ኩባን ኣብ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዘፈራትን ተጠናኺሩ ንኽቅፅል ፃወዒት ኣቕሪቦም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

 ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ መዘነኦም ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ሼክ ኣብዲላህ ቢነ ዘይድነህያን ተመያይጦም፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ዑደት እናገብሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወፀኢን ምትሕብባርን እታ ሃገር ሼክ ኣብዱላህ ቢንዘይድ ዝተመያየጡ ኣብ ምንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታትን ገና ዘይተነኽኡ ዘፈራት ምትሕብባር ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ብዝበለፀ ንምዕባይ ኣብ ምርድዳእ ዘተበፅሐ ኾይኑ ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝዓበየ ደረጃ ንምስግጋር ተስማዐሚዖም፡፡ ብተወሳኺ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ሚኒስትር ሓይሊ ሰብን ሰራሕተኛን እታ ሃገር ናሲረቢን ሃኒ ኣልሃሜሊ ዝተመያየጡ ኾይኖም ኣብ ምውፋር ስራሕ ክልቲኤን ሃገራት ዘመልከተ ልውውጥ ስነድ እናተገበረ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ ስምምዕነት መረዳድኢ ንኸፍረም ተሰማዕሚዖም፡፡ ምፍራም እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያውያን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬት ናይ ምስራሕ ዕድል ይፍጥር እዩ ተባሂሉ ከም ፀብፃብ FBC፡፡

 ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ፡፡

 

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ሽመት ዘፅደቐ ብመሰረት ተመራፂ ውድብ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ገምጋም ዝበፀሖ ውሳነ ምምዕርራይ ሰዒቡ እዩ፡፡ ካብ ህዝብን ውድብን ዝዓቢ ስለ ዘየለ ዝተገበረ ምምዕርራይ ብምሉእ ልቢ ከም ዝቅበልዎ ኣብ ፈፃሚ ስራሕ ክልል ትግራይ ዝተሸጋሸጉ ነበር ኣመራርሓ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝተመደብሉ ቦታ ንረብሓ ህዝቦም ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም፡፡ ሓደሽቲ ተሸየምቲ ብምዃኖም ጥንካረ ነባራት ዓቂቦም ንዝበለፀ ረብሓ ህዘቢ ክንስርሕ ኢና ኢሎ፡፡

 ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ እናነከየ ምምፅኡ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕንነት ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብን ዓበይቲ ዓድን እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘይመርገጋዕ ንምንካይ ልዑል እጃም ከም ዝነበሮም ተገሊፁ፡፡ እቶም ፀገማት ንምፍታሕን ንምቁፅፃርን ኣብ ፌደራል ይኹን ኣብ ክልል ዘለው ምንቅስቓሳት ፀጥታን ድሕንነትን ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ክሕቆፍ ምግባሩ ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕንነትን ኣይተ ሲራጅ ፈጌሳ ገሊፆም፡፡ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾኑ ሰልፍታት ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከም ዝነበሩ ዝተገለፀ ኾይኑ ዘይሕጋዊ ሰልፍታት ዝመርሑ ውልቀ ሰባት እውን ኣብ ቁፅፅር ይውዕሉ ምህላዎም ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ EBC፡፡

 ሃገር ለኸ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ምምሕያሽ ኣዋጅ ራዕዲ ኣብ ክውሰኹን ክሰረዙን ዝግበኦም ጉዳያት ተደራዲሮም፡፡

14 ውድባት ኣብ ወርሒ ታህሳስ ኣብ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ሓሳቦም ብፅሑፍ ንኢህወዴግ ምቕራቦም ዝዝከር ኮይኑ 3 ብተናፀልን 11 ውድባት ብሓባር ብምዃን ቐንዲ ቐንዲ ዝበልዎም ሓሳባት መብርሂ ሂቦም ኣለው፡፡ ኩሎም ተደራደርቲ ሕጊ ፀረ ራዕዲ ሃገርና ኣድላይ ምዃኑ ብምእማን ስነ ምህደር ፖለቲካ ብምፅባብ ኣብ ህንፀት ስርዒት ዲሞክራሲ ዕንቅፋት ይፍጥሩ እዮም ዝበልዎም መደራደሪ ሓሳብ ብምቕራብ ኣብ ቁፅሪ ኣዋጅ 652/2001 ክውሰኹን ክሰረዙን ኣለዎም ዝበልዎም ሓሳባት መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ ኢህወዴግ ተግባር ራዕዲ ብባህሪኡን ፅዕንቶ ገበኑን ግዘ ዘይህብ ብምዃኑ እቲ ሕጊ ፀረ ራዕዲ ንክስረዝን ከመሓየሽን ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ምኽንያት ከምዘይረኸበሉ ምላሽ ሂቡ ይብል ፀብፃብ FBC፡፡

5ይ ዘመን 3ይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሓላፍነት ርእሰ ምምሕዳር ምክትል ኮይኖም ክሰርሑ ንዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሸይሙ ኣሎ፡፡

ተመራፂ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዘይምዃኖም እዩ ብምክትል ኮይኖም ክፀንሑ ተጌሩ ዘሎ፡፡

01/05/2010

ብምኽንያት ድርቂ ዝኽሰቱ ሕማማት ንምክልኻል ትካላት ጥዕና ክጠናኸራ ይግባእ ኢሉ ቢሮ ጥዕና ክልል ሱማሌ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣይተ ሓሰን፣ብምኽንያት ድርቅን ተዛመድቲ ጠንቅታትን ዘጋጥሙ ፀገማት ጥዕና በዘላቒ ንምክልኻል ተኹረት ሂቡ እናሰረሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ክልል ዝረከባ ትካላት ጥዕና ዘለዎን ሕፅረት ቀረብ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንምምላእ ምስ ጥዕና ሚኒስተር ብምርድዳእ እናተፈትሑ ምዃኖም ዝሓበሩ ኣይተ ሓሰን፣ድርቂ ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ዝረከቡ ህፃውንትን ኣዴታትን ብሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክሰርሓሉ እዩ ኢሎም፡፡ ዛጊድ ኣብቲ ክልል 9 ሆስፒታላት ግልጋሎት እናሃባ እንተኾና ክልተ ሆስፒታላተ ድማ ኣብ ቀረባ ስራሕ ክጅምራ እየን ተባሂሉ FBC ከም ዝፀብፀቦ፡፡

 ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ መስሕብ ቦታታት መብዛሕቲኦም ንቱሪስት መስሕብነት ይውዕሉ ከም ዘየለው መፅናዕትታት ኣመላኺቶም እዚ ዝተብሃለሉ ብምኽንያት በዓል ልደት ኣብ ምብራቕዊ ዞባ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ዝዝውተር ሁራ ሰለስተ ዝብል መፀውዒ ዘለዎ ባህላዊ ሳዕስዒት ብብርኪ ዓለም ንምልላይ ኣብ ዝተገበረ ፈስቲቫል እዩ፡፡

ኣብቲ ፊስቲቫል መፅናዕታዊ ፅሕፎም ዘቕረቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት መምህር ቱሪዝም ዝኾኑ ሃይላይ በየነ ከም ዝበልዎ ኣብ ክልልና ዝርከቡ መስሕብ ቦታታት ብዙሓት ዋላ እኳ እንተኾኑ ክሳብ ሐዚ በቶም ጎብነይቲ ዓዲ ዝፍለጡ ሓወልቲ ኣክሱምን ጎቦታት ገርዓልታን ጥራሕ እምበር ኣብቶም ካልኦት መስሕብ ቦታታት ብዙሕ ናይ ምልላይ ስራሕ ከም ዝተርፍ ሓቢሮም እዮም፡፡ ኣብ ክልልና ልዕሊ 120 ጥንታዊ ውቁር ኣብያተክርቲያናትን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ 21 ናይ ኣርኬዮሎጂ ቦታታት ከም ዘለው በዓል ሞያታት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘረጋገፀ መምር ሃይላይ ኣዘኻኺሮም ኣለው፡፡ በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ክልልና መንገዲ ሓይሊ መብራህቲን ካልኦት ንቱሪስትታት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥሩ መሰረተ ልምዓታት ከማልእ ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም ይብለና ፀብፃብ ግለጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ብገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርትን ገንዘብን ተቐፂዑ፡፡

ተኸሳሲ ኣይተ ገብሩ ታረቀ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን ከተማ ልምዓትን ከተማ ኣክሱም ኮይኑ ኣብ ዝሰረሐሉ እዋን ዝተወሃቦ ሓላፈነት ተጠቂሙ ነባር ትሕዝቶ ከፅድቐልካ እየ ብምባል ካብ ተገልጋሊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን 6 ሽሕ ብር እናተቅበለ ከም ዝተረኸበ መዝገብ ክሱ የረድእ፡፡ ዓቃቢ ሕጊ ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ዘቅረበሉ ክሲ ክከታተል ዝፀንሐ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም 26 ታሕሳስ 2010 ዓ/ም ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ተኸሳሲ ኣይተ ገብሩ ታረቀ ዝቀረበሉ ክሲ ክኸላኸል ብዘይምክኣሉ ብ4ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን 3 ሽሕ ብር ቅፅዓት ገንዘብን ከም ዝወሰነሉ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ወልደገብርኤል ወርደማርያም ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላክት፡፡

 ደንታት ኣብ ዝበዝሕዎም ከባቢታት ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ እዋን ሓጋይ ሐደጋ ሓዊ ከይፍጠር ክከላኸሉ ሚኒስተር ከባቢ፣ደንን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣፍሊጡ፡፡

ብፍላይ ምስ ሃፍቲ ተፈጥሮ ስጡም ምትእስሳር ዘለዎም ክፋል ሕ/ሰብ ካብ ቅድመ ምክልኻል ጀሚሮም፣ባርዕ ሓዊ ክልዓል ምኽንያት ንዝኾኑ ሰባት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣብ ምግባር እውን ክሰርሑ ይግባእ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ናይ እምነት ቦታታት ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ እፅዋት ፍልፍል ዝራእቲ ተኽልታት ምዃኖም ዝሓበሩ ኣብ ሚኒስተር ተፈጥሮ፣ሓለዋን ቁፅፅርን ዳይሬክተር ኣይተ ካብታሙ ግርማ ሓለዋን ቁፅፅርን ደንታት ንምጥንኻር ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ንምስራሕ ምርድዳእ ከም ዝተገበረ ገሊፆም ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓመተ ፈረንጂ ካብተን ኣብ ትሕቲ ስሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብሉፅ ዕብየት ከም ተምፅእ ተሓቢሩ፡፡

ዓለም ለኻዊ ትንታነ ኢኮኖሚ ብምትንባይ ዝፍለጥ “ፎኮስ ኢኮኖሚ” ዝተብሃለ ትካል ዘውፀኦ ሓበሬታ ከም ዘመላኸቶ ኣብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2018 ኢትዮጵያ 7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕብየት ኢኮኖሚ ብምምዝጋብ ካብተን ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ቀዳምነት ከም ትርከብ እቲ ትካል ተንብዩ ኣሎ፡፡ ብኻሊእ ወገን ድማ ኣፍሪካዊት ሃገር ጋና 6 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ዕብየት ኢኮኖሚ ብምምዝጋብ ንሃገርና ኢትዮጵያ እትኸተል ሃገር ክትኸውን እያ ተባሂሉ፡፡ ሃገራት ታንዛንያ፣ኬንያ፣ሞዛምቢክ፣ኮንጎ፣ ናይጄሪያ፣ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪካን ድማ ኣብቲ ቐጠና ዘለወን ደረጃ ዕብየት ኢኮኖሚ ብቐደም ሰዓብ እቲ ትካል ኣብ ትንብይኡ ኣቕሚጡ ኣሎ ይብለና ከም ፀብፃብ EBC፡፡

 ማእኸላት ምርመራ ኣስከሬን ንምስፋሕ እናሰረሐ ምዃኑ ሚኒስተር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ግልጋሎት ምርምራ ኣስከሬን ልዕሊ 100 ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ሆስፒታል ዳግማዊ ምኒሊክ ጥራሕ እናተውሃበ ዝፀንሐ ኮይኑ፣ሐዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፣ኣብሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሜዲካል ኮሌጅ ሚሊንየምን ግልጋሎት ንምሃብ ፈተነታት እናተገበሩ ምዃኖም እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ፡፡ ኣብ ሆስፒታል ዳግማዊ ምኒሊክ ኣብ ማዕልቲ ብማእኸላይ 10 ክሳብ 11 ኣስከሬናት ብምምርማር ኣብ ዓመት ልዕሊ 4 ሽሕ ግልጋሎት እናሃበ ዝፀንሐ ኮይኑ ሐዚ እዞም ሆስፒታላት ግልጋሎት ምሃብ እንትጅምሩ ኣብቲ ዘፈር ዝነበሩ ፀገማት ክቃለሉ እዮም ተባሂሉ፡፡ ዛጊድ ብሰብ ሙያ ኩባውያንን ህንዳውያንን ይወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ምርመራ ኣስካሬን ብሰብ ሙያ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእን እቲ ግልጋሎት ብብርኪ ሃገር ንምስፋሕን ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ FBC ፀብፂቡ፡፡