ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ቢዝነስ

ባንኪ ዓለም ንህንፀት መንገዲ ዝዋይ ኣርሲ ዝውዕል 7.49 ቢልዮን ልቃሕ ሂቡ

ባንኪ ዓለም ኣካል ህንፀት ፈጣን መንገዲ ሞጆ፣ሃዋሳ ዝኾነ ዝዋይ ኣርሲ ነገሌ ዝውዕል 7.49 ቢልዮን ልቃሕ ሂቡ፡፡
እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ድኤታ ገንዘብን ቁጠባዊ ልምዓትን ኣይተ ኣሕመድ ሸዴ ዳይሬክተር በዓልመዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣርኣያ ግርማን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ጉዋንግ ዤ ቼን ተፈራሪሞም፡፡ ፈጣን መንገዲ ሞጆ ሃዋሳ 203 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኾይኑ ኣብ 4ተ ብርኪ ተኸፊሉ ዝዛዘም’ዩ፡፡
እዚ ፈጣን መንገዲ ደረጃ መንገዲ ሃገርና ካብ ምውሳኽ ብዝዘለለ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ልውውጥ ንግዲ ከምዘዕቢ ኣይተ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡
ሚስተር ጉዋንግ ቼን ብወገኖም ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ንምስፍሕፋሕ ትሰርሖም ፕሮጀክት ብምሕጋዝ ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕምን ሓገዝ ገንዘብን ተጠናኪሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቶም፡፡ ዳይሬክተር በዓልመዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣርኣያ ብወገኖም ኣብዚ ፕሮጀክት ንልዕሊ 400ሽሕ ዜጋታት ኣብ ትራንስፓርት ቐረብ ዕዳጋን ኢንዳስትርን ንምትእስሳር ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡ እቲ መንገዲ ዘቋርፀሎም 17 ወረዳታት ዝነብሩ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ዜጋታት ብተዘዋዋሪ ተጠቀምቲ መንገዲ ከምዝኾኑ ተመልኪቱ፡፡

  • Written by Super User
  • Hits: 106