ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ተጠቃሚ እናኮነ እኳ እንተመፀ ከም ዘሎ ብዝሓሸ ተጠቃሚ ዝኮነሉ ኣሰራርሓ ክዝርግሕ ከም ዝግባእ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ መፃኢ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ዝክበር ቅነ ፍትሒ ኣመልኪቱ ሙሁራን ሕጊ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ፍትሒ ተበፃሕነትን ግልፅነትን ከምኡ እውን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ምምዝጋቦም ኣዘካኪሮም እዚ ጅማሮ ድማ ንቀፃሊ ምስ ኩለን ሴክተራት ፍትሒ ቡዙሕ ስራሕ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ሕብረተሰብ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ተረባሒ እናኮነ እኳ እንተመፀ ብምክንያት ኣብ ሓደ ሓደ ዘጋጥሙ ፀገማት ኣሰራርሓ ክንድ እቲ ዝድለ ዕግበት ዘይምርካቡ ገሊፆም ሕብረተሰብ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይውገኑ ኣለው ኢሎም፡፡ ነዚ እውን ሕብረተሰብ ካብ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝፀንሕ ሰሙን ፍትሒ ኣብ ትካላት ፍትሒ ዘሎ ፀገም ብምግንዛብ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡