ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተወፃፅኡ ደገፍትን ኣባላትን ኣርባዕቲኤን ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ታሪካዊ ቦታት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ እተን ውድባት ዑደት ጌሮም ፡፡

 

ሓድነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንምስፋንን ስርዓት ደርጊ ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ውደብ ህወሓትን ካብ ቢጉሓቱ ንኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ምግባሮም ካብ መላእ ላዕለዎት ትምህርቲ ትካላት ሃገርና ዝመፁ ሙሁራት ገሊፆም፡፡ በዚ ድማ ህዳሰ ሃገርናሎሚ እውን ከም ትማሊ ብሓባርን ፅንዓትን ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡