ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣጀንዳኦም ገይሮም ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣተሓሳሲቡ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን ስራሕን ዘይብሎም ዜጋታት መውፅኢ ቪዛ ዝረክብሎም ተንቀሳቀስቲ ቤት ፅሕፈታት ከፊቱ ሃገሮም ክምለሱ ኣብ ምግባር ይርከብ፡፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም መንግስቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን ስራሕን ዘይብሎም ኢትዮያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ዝገብሮ ፃዕሩ ንምዕዋት መራኸብቲ ሓፋሽ ቀንዲ ዋኒኖም ገይሮም ገይሮም ክሰርሕሉ ይግባእ ኢሎም፡፡ ብወገን እቲ ሚኒስቴር ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ኮሚቴ ተጣይሹ ድሕንነት ዜጋታት ተሓልዩ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንምግባር ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ኣይተ መለስ ካብ ዝተወሃበ ግዘ ገደብ ኣብዚ ሕዚ እዋን 48 መዓልታት ዝተረፈ ብምክንያት ኣብዞም ዝተረፉ መዓልታት ዜጋታት ብሰላም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ናይ ተግባር ስራሕቲ ይስራሕ ኢሉ ኢሎም፡፡ ኮይን ግን መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ባሕሪ ተሳጊሮም ዝከዱ ብምኳነን ክንደይ ዝኣክሉ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ሃገር ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ኣይተክኣለን ኢሎም፡፡ ኣብ ጅዳን ሪያድን ዝርከቡ ቆንስላ ኣብያተ ፅሕፈት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም ኣብ ከባቢታት ገጠር ስዑድ ዓረብ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እቲ ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር ጣብያታት ምዝገባ ተጣይሾም ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ፡፡