ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዓለም ለኸ ዩንቨርስቲ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን ቤጂንግ ማዕርግ ክብሪ ፕሮፌሰርነት ተዋሂብዎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ማዕርግ ፕሮፌሰርነት ክብሪ ዝተበርከተሎም ኣብ ሃገሮም ድኽነት ንምንካይ ፣ንምምሕያሽ ቐረብ ግልጋሎት መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ንዝተመዝገበ ስሉጥ ዕብየት ብዝሃብዎ ኣመራርሓ እዩ፡፡ ሽቶታት ልምዓት ሚሊኒየም ንምዕዋት ከምኡ እውን ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶ ስሉጥን ተኸታተለን ዕብየት ቁጠባዊ ሃፍቲ ኣብ ግምት ውሽጢ ከምዝኣተዎ እውን ተሓቢሩ እዩ፡፡ እቲ ዩንቨርስቲ ዝተፈፀሙ ሽቶታት ሚሊኒየም 2015 ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዓወት እውን ንኢዱ፡፡ ሃገርና ኣብ ዞባኣን ኣህጉራን ንምስፋን ሰላምን ምርግጋዕን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ እውን እቲ ዩንቨርስቲ ኣፍሊጦ ሂቡ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ንሰራሕተኛታት እቲ ዩንቨርስቲን ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝገበርዎ መደረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሃገሩ ልምዓት ንምፍጣን ምችው ባይታት ንምፍጣርን ዓቕሚ ፀንቂቕካ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ቁጠባዊ ሃፍቲ ፖለቲካ ሃገሮም ናብ ዝሓሸ ንክመፅእ ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣካብነት ክራይ ንክድርዐም ብምግባር ርካቦት ዝውስኽ ሓይሊ ንምፍራይ ይፅዕር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፡፡ በዚ መዳይ ካብ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ኤስያ ተሞክሮ ብምቕሳም ስሩት ልምዓታዊ ይህነፅ ከምዘሎ እዮም ገሊፆም፡፡ እቲ ዩንቨርስቲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 1951 ዝተጣየሸ እንትኸውን ፣ኣብዚ ሒዚ ብዘፍረዮ ፍልጠት ኢኮኖሚክስን ኣብ ቻይና ገሊፆም ካብ ዝፀርሑ ትካላት ትምህርቲ ሓዲኡ እዩ ይብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ብምፅራሕ ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡