ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ኢትዮጵያን ፖክስታንን ክልቲኣዊ ርክበን ንክጠናኸር ተስማዕሚዐ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢፌዴሪ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፖኪስታናዊ መስትኦም ናዊዝ ሸሪፍ ኣብ ቻይና ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት መኺሮም፡፡ ጎናጎኒ ፎረም ቤልት ኤንድሮድ ዝተመያየጡ እቶም መራሕቲ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ኣብዚ ሒዚ ካብ ዘለዋ ንኽዛይድ ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኢትዮጵያ ተረባሕነትት ክልቲኤን ሃገራት ክዐቢ ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ምስ ፖኪስታን ክትሰርሕ ከም ትደሊ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምስ ፖኪስታን ሓቢርና ንምስራሕ ድሌት ኣለና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘፈር ልምዓት ምስ ፖኪስታን ልውውጥ ተሞክሮ ንምግባር ድሌት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖኪስታን ናዋዝ ሸሪፍ ብወገኖም ፣ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንኽሰጋገር ከምዝስርሑ ኣፍሊጦም፡፡ ርክብ እተን ሓገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ድሌት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም ይብል ደይሊ ታየም ዶትኮም ብምፅራሕ ፀብፃብ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡