ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል መቃወሚ ሓሳብ ተኸሳሲ ዶክተር መረራ ጉዴና ውድቂ ብምግባር ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ፡፡

 

ዶክተር መረራ ጉዴና ብዝተኸሰስዎ ገበን ምትሕልልፋ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፣ምልዕዓል ዓመፅን ተግባር ግብረ ሽበራን ዓቃቢ ሕጊ ብምስክርነት ሰነድ ዘቕረቦ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝሓዘ ሲዲ ከይቐርብ ወይ ከይተሓዝ ብዝብል ዘቕረብዎ ተቓውሞ ውድቂ ብምግባር እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ዘሎ፡፡ በዚ ድማ መረዳእታ እቲ ሲዲ ንምስማዕ ን25 ታሕሳስ 2010 ዓ/ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ይብል ፀብፃብ FBC፡፡