ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

መንግስቲ ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ንዝንቀሳቐሱ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣድላይ ሓገዝ ክገብር እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኤፌድሪ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡፡

 

ሕብረት ማሕበራት ልምዓት ምግባረ ሰናይ ክርስቲያን ምስ ኣብቲ ሕብረት ዝርከቡ ልዕሊ 400 ዘይመንግስታዊ ትካላት ምግባረ ሰናይ ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝፃወትኦ ዘለዋ ግደ ዝዝከርን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ምሃብን ተሳሊጡ፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓት ዘለዎን ግደ ዝዓዘዘ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘንቀሳቀሱ ንምሕጋዝ መንግስቲ ድልው ምኻኑ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡