ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢፌድሪ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ግብፂ መዘነኦም ዘትዮም፡፡

ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ክልቲኣን ሃገራት ሎመዓንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም፡፡ ኣብ ረብሓ ዘዕብዩ ጉዳያት ህንፀት ፖርክታት ኢንድስትሪ ፣ኣብ ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ጉዳያት ንግድን ኢንቨስትመንትን እውን ዘትዮም፡፡ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ እውን ዝዘተዩ ኾይኖም ነቲ ህንፀት ብዝተማልኣ መትክል ስምምዕነት መሰረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተረር ወርቅነህ ገበዮሁ ጉዳይ ዘተ ህንፀት እቲ ግድብ ብክልቲኣዊ ጥራሕ እንተይኮነስ ብሰለስቲኣዊ ኣብ ደረጃ ሃገራት ኢትዮጵያ ግብፂን ሱዳንን ዘካየድ ጉዳይ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ሃገርና ንብርክት ዝበለ እዋን ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ረብሓ ግብፂ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘይብሉ እትገልፅ ዝነበረት ቅዋም ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ምኻኑ እውን ኣረጋጊፀን፡፡ እቲ ብብርኪ ሚኒስተራት ዝተገበረ ዘተ ክልቲኣን ሃገራት ሓበራዊ ረብሓኣን ክጠናኽራ ኣብ ዘኽእለሉ ክልቲኣዊ ዘተ ዘካይዳሉን በቢ ክልተ ወርሒ ድማ ዘሰልጥኖም ምኻኑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡