ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ንህንፀት ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ግድኡ ከዋፃእ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፀዊዖም፡፡

ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ መዝክር ኣንፀባራቂ ታሪክ ፀለምቲ ህዝብታት እዩ ዝበሉ ቀደማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ኢትዮጰያ ሓሊፉ ንኣፍሪካ እውን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ዩኒቨርስቲ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ምርድዳእ ዘዕብዩ ከምዚኦም ዓይነት ፕሮጀክትታት ትኩረት ከምዝገብረሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝገለፁ ኮይኖም መጀመሪ እቲ ህንፀት ጥራሕ ዝኾን 200 ሚልዮን ብር ከምዝተመደበ ገሊፆም፡፡ ንህንፀት እቲ ዩኒቨርስቲ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ 150 ሄክተር መሬት ዘስናድኣ እንትኳን ድሕሪ ክልተ ወርሒ ስራሕቲ ህንፀት ከምዝጅመር ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡