ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55 Wed, 21 Feb 2018 17:03:31 +0000 Joomla! - Open Source Content Management en-gb ኣብ ጥንኩር ህዝባዊ መሰረት ዝተሃነፀ መንግስቲ ፌዴራል ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ዓሚቕ ተሃድሶ ንምዕዋት ግቡእ ኣመራርሓ ምሃቡ ክቕፅል እዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራል፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/443-2017-01-23-12-00-26228 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/443-2017-01-23-12-00-26228

እቲ ቤት ፅሕፈት በቢ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቅዋም ህዝቢ ዘልዕሎ ሕቶ መንግስቲ ምላሽ ክህብ ፃዕሪ ይገብር ምህላው ብምግላፅ ተሳትፎ ሲቪክ ማሕበራት ትካላት ሃይማኖት ፣ህዝባውን ሙያዊ ማሕበራትን ካልኦትን ክጠናኸር ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡ ህዝብታት ሃገርና መንግስቲ ዝጀመሮም ምንቅስቃስ ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለው ዘተሳትፎ ዝነኣድ ምኻኑ እቲ ሰሙናዊ መግለፂ ዝሓበረ ኾይኑ እቲ ተሳትፎ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሉ፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Mon, 19 Feb 2018 20:06:14 +0000
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብመጓዓዝያ ፅዕነት ዓለም ለኻዊ ሸልማት ረኺቡ፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/441-2017-01-23-12-00-26777 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/441-2017-01-23-12-00-26777

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ቻይና ከተማ ጉዋንግዥ ኣብ ዝተኻየደ ሲምፖዝየም ዓማዊል እዩ ብምጉዕዓዝ ናውቲ ዓለም ለኻዊ ሸልማት ዝረኸበ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው 10 ብሉፃት ወሃብቲ ግልጋሎት ካርጎ ምኻኑ ብምግላፅ ነዚ ሽልማት ምብቅዑ ዝለዓለ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም፡፡ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዋና ማእኸል በረርኡ ጥራይ ብዓመት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ቶን ዝምዝን ፅዕነት ከምዘጓዓዕዝ ትሪቡን ኒውስ ዝተበሃለ ድሕረ ገፅ ናይጀርያ ፀብፂቡ፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Mon, 19 Feb 2018 19:12:00 +0000
ኢትዩ-ቴሎኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 64 ሚሊዮን ከምዝዓበየ ገሊፁ፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/440-2017-01-23-12-00-2622 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/440-2017-01-23-12-00-2622

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ቁፅሪ ዓማዊል ኢትዮ ቴሌኮም ብ7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምዕባዩ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፍቕ ዓመት እቲ ትካል የመላኽት፡፡ ካብ መንጎ ጠቕላላ ዓማዊል ኢትዮ-ቴሌኮም እቶም 62 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ እንትኾኑ ኣብ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት እውን ወሰኽ ይርኣ ምህላው ገሊፁ፡፡ ተበፃሕነት ፅሬትን ግልጋሎት ንምስፋሕ ሕዚ እውን ይሰርሕ ምህላው ኢትዮ-ቴሌኮም ዘውፅኦ ፀብፃብ የመላኽት፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Mon, 19 Feb 2018 19:04:42 +0000
ኩባንያ እንግሊዝ ዊንች ኣብ ኢትዮጵያ 700 ቁሸታት ገጠር ካብ ፀሓይ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ተስማዕሚዑ፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/439-2017-01-23-12-00-2699 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/439-2017-01-23-12-00-2699

ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለን ዋና ስራሕ መካየዲት ሓይሊ ኤሌክትሬክ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣዜብ ኣስናቀ ኣብ እንግሊዝ ዑደት ኣብ ዝካየደሉ ምስ ስራሕ ኣካየድቲ ኩባንያታት እንግሊዝ ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኩባንያታት እንግሊዝ በቲ ዘፈር ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ድሌት ከም ዘለዎም ዘረጋገፁ ኾይኖም፣ ብፍላይ ዊንች ዝተበሃለ ኩባንያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ገጠር ሃገርና ዝርከብ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፀሓይ ንምግባር ከም ዝሰርሕ ተስማዕሚዑ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ተወሳኺ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብ ገፀር ከባብታት ዝርከባ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርቲ ተረባሕቲ ክገብር እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ፣መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዘፈር ንምጥንኻር ኮርቢት ጂኦተረማል ኣብ ዝበሃል መርሃ ግብሪ እናተሳተፈ ምኻኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Wed, 07 Feb 2018 14:02:40 +0000
ንህንፀት ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ግድኡ ከዋፃእ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፀዊዖም፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/435-2009867898 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/435-2009867898

ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ መዝክር ኣንፀባራቂ ታሪክ ፀለምቲ ህዝብታት እዩ ዝበሉ ቀደማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ኢትዮጰያ ሓሊፉ ንኣፍሪካ እውን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ዩኒቨርስቲ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ምርድዳእ ዘዕብዩ ከምዚኦም ዓይነት ፕሮጀክትታት ትኩረት ከምዝገብረሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝገለፁ ኮይኖም መጀመሪ እቲ ህንፀት ጥራሕ ዝኾን 200 ሚልዮን ብር ከምዝተመደበ ገሊፆም፡፡ ንህንፀት እቲ ዩኒቨርስቲ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ 150 ሄክተር መሬት ዘስናድኣ እንትኳን ድሕሪ ክልተ ወርሒ ስራሕቲ ህንፀት ከምዝጅመር ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Wed, 17 Jan 2018 13:47:23 +0000
ቀደማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግብፂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከሳልጡ እዮም፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/432-2017-01-23-12-00-2686 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/432-2017-01-23-12-00-2686

ንተከታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕ ዑደቶም ምስ ፕሬዝደንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም፡፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቶም ፖርላማ ግብፂ ቀሪቦም ንግግር ከም ዝገብሩ ኣል ማስሪ ዝተብሃለ ማእከል ሓበሬታ ግብፂ ገሊፁ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዑደቶም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሓዊስካ ካልኦት ዓበይቲ ሰብ መዚ ከም ዝሳተፈ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሻኩሬ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም ምንባሮም ዝዝከር ምኳኑ ፀብፃብ ኢጅብት ኢንዲ ፕንደንት የመላክት፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Wed, 17 Jan 2018 12:49:01 +0000
ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ንምምላስን ንዝበለፀ ለውጢን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ኣቦ መንበር ህውሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/426-200911131 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/426-200911131

7ይ ኮንፈረንስ ህወሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና፣ ወኪላት መሓዙትን ኣሓትን ውድባት ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Fri, 12 Jan 2018 18:25:03 +0000
ፖን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ኣብ 2012 ዓ/ም ትምህርቲ ንምጅማር እናሰርሐ ምዃኑ መተሓባበሪ ኮሚቴ ምስረታ እቲ ዩኒቨርስቲ ገሊፁ፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/425-2017-01-23-12-00-2694 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/425-2017-01-23-12-00-2694

ኣባላት መተሓባበሪ ኮሚቴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ክልልና 150 ሄክታር መሬት ተረኪቦም ስራሕቲ ዲዛይንን መስተር ፕላንን እናተጠናቐቐ ምኳኑ ኣፍሊጦም፡፡ ከይዲ ስራሕን ቀፃሊ ህንፀትን እቲ ዮኒቨርስቲ ዕላምኡ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ንምግባር ሃገር ለኸ ጉባኤ ዕለት 7ን 8ን ኣብ ሸራተን አዲስ ከም ዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ዓወት ዓድዋ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምርግጋፅ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንነፃነት ኣፍሪካ መሰረት ዘንበረ ብምኳኑ እቲ ዩኒቨርስቲ እዚ ታሪኽ ንወለዶ ንምምሕልላፍ ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቕ ምርምር ንምግባር ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ፖን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገርና ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒን ሚያዝያ 16/2009 እምነ ኹርናዕ ኣንቢሮም ምንባሮም ይዝከር ይብል ፀብፃብ EBC፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Fri, 12 Jan 2018 18:17:00 +0000
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ መዘነኦም ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ሼክ ኣብዲላህ ቢነ ዘይድነህያን ተመያይጦም፡፡ http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/424-2017-01-23-12-00-2681 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/424-2017-01-23-12-00-2681

ዶክተር ወርቅነህ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ዑደት እናገብሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወፀኢን ምትሕብባርን እታ ሃገር ሼክ ኣብዱላህ ቢንዘይድ ዝተመያየጡ ኣብ ምንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታትን ገና ዘይተነኽኡ ዘፈራት ምትሕብባር ምህላዎም ገሊፆም፡፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ብዝበለፀ ንምዕባይ ኣብ ምርድዳእ ዘተበፅሐ ኾይኑ ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝዓበየ ደረጃ ንምስግጋር ተስማዐሚዖም፡፡ ብተወሳኺ ዶክተር ወርቅነህ ምስ ሚኒስትር ሓይሊ ሰብን ሰራሕተኛን እታ ሃገር ናሲረቢን ሃኒ ኣልሃሜሊ ዝተመያየጡ ኾይኖም ኣብ ምውፋር ስራሕ ክልቲኤን ሃገራት ዘመልከተ ልውውጥ ስነድ እናተገበረ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ ስምምዕነት መረዳድኢ ንኸፍረም ተሰማዕሚዖም፡፡ ምፍራም እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያውያን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬት ናይ ምስራሕ ዕድል ይፍጥር እዩ ተባሂሉ ከም ፀብፃብ FBC፡፡

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Thu, 11 Jan 2018 13:39:59 +0000
ኮንፈረስ ላዕለዋይ ካድረ ህወሓት ሎሚ 3 ጥሪ 2010 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ ። http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/422-20098623 http://fmmekelle.com/index.php/2015-06-21-12-23-55/422-20098623

ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ወፃኢ ዓድታትን ዝርከቡ ላዕለዎት ካድረ እቲ ውድብ መቐለ ኣትዮም ኣለዉ። ካብ ኣሓት ውድባት ህወሓት ዝተወከሉ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እውን ኣብቲ ኮንፈረስ ክሳተፉ እዮም።

]]>
mekellefm@yahoo.com (Super User) ትኩስ ዓዲ ዉሽጢ ዜናታት Thu, 11 Jan 2018 12:47:26 +0000