ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ኣብ ክልል ትግራይ የጋጥም ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ የመፅእ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ካብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናብዚ ኣብ ዘሎ እዋን 638 ሓደጋ ትራፊክ ዘጋጠሙ ኮይኖም፣ ካብ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ/ም 141 ሰባት ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ህይወቶም እንትስእኑ፣ኣብ ልዕሊ 234 ወገናት ድማ ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ኣካል በፂሑ ኢሎም ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ድሕንነት ቁፅፅርን ምፅራይን ትራፊክ ሓጋዚ ኮሚሽነር ገ/ኪዳን ኪዳኑ፡፡ እቲ ሓደጋ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ24 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ወሲኹ ተባሂሉ፡፡ በቢ ግዚኡ የጋጥሙ ዘለው ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ዘወርትን ኣጋራትን ሕገ-ደምቢ ትራፊክ ከኽብሩ ይግባእ ዝበሉ ሓጋዚ ኮሚሽነር ገ/ኪዳን ኪዳኑ ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት ሕብረተሰብ ምስ ስድርኡ ንምውዓልን ሓጎሱ ኣብ ዝገልፀሉ እዋን ጥንቃቐታት ክገብር ኣተሓሳሲቦም፡፡ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ከም ዝፀብፀቦ፡፡