ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ኣብ እዋን በዓል ልደት ዘጋጥም ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ቅልጡፍ መፍትሒ ዝህብ ሃገራዊ ግብረ ሓይሊ ከም ዝተጣየሸ ግልጋሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

 

ቅድሚ እቲ በዓል ፀገም ምቁርራፅ ኤለክትሪክ ከጋጥመሎም ይኽእል እዮ ኣብ ዝተብሃሉ ቦታታት ቴክኒካዊ ፅገናታት እናተኻየዱ ምዃኖም ተገሊፁ፡፡ ልዑል ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝጥቀሙ ከበድትን ማእኸለዎትን ኢንድስትሪታት ካብ ድሮ ክሳብ በዓል ልደት ከከም ኩነታቱ ነክዮም ክጥቀሙ ምርድዳእ ከም ዝተገበረ ግልጋሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ሕብረተሰብ ንምድላው እቲ በዓል ካብ ቀትሪ ኣብ እዋን ለይቲ ዝበለፀ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክረክብ ከም ዝኽእል ዝተሓበረ ኮይኑ፣ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዝደሊ ብነፃ ስልኪ መስመር 905 ምድዋል ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡